እዚ ኲናት ይንዋሕ ይሕጸር ብምድምሳስ ጃንዳ ወያነ ክዛዘም እዩ። እዚ እቲ ናይ ሓጺር ግዜ ሸቶ እዩ። ሳዕቤናቱ ግን ንዞባና ዝቕይር ክኸውን እዩ። 1- ዓባይ ትግራይ ንምምስራት ዝነበረ ሕልምን ጥሙሓትን ገዛእቲ ሓይልታት ትግራይን ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ሰብ ረብሓን (elite class)፡ ብጂኦግራፍን ብፖለቲካን ብቑጠባን ኣኽቲሙ እዩ። ሀ- ብጂኦግራፊ= ልሙዕ መሬት ዋልቃይትን ራያን ካልኦት ብሓይሊ ናብ ትግራይ ዝተገበቱ ሰፋሕቲ […]
Author: MS
ኣድላይነት ናይ 72 ሳዓታት
ብናተይ ገምጋም ቶዂሲ ደው ከብሉን ኢዶም ክህቡን ናይ 72 ሳዓት ዕድል ዝተዋህቦም፡ እቶም ኣእዳዎም ብደም ዝጨቀወ መራሕቲ ጃንዳ ወያነ ብሰላም ኢዶም ክህቡ እዮም ዝብል ገምጋም ስለዝነበረ ዘይኮነስ፡ ነዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ኮይኑ ይስመዓኒ። 1- እቲ ብሳልሳይ መድረኽ ዝግለጽ ዝቅጽል ውግእ ክልተ ገጻት ክህልዎ ትጽቢት ይግበረሉ። ቀዳማይ ገጽ ነቲ ብኹሉ መኣዝን ናብ ኣከባቢ መቀለ ዝተደፍአ ሓይሊ ናይ’ዚ […]
ከመይ ድዩ ነገሩ
ከመይ ድዩ ነገሩ?ሞትን ሕየትን ወያነ ከም ክብን ግብን ኤርትራ ክግለጽ ርእየ።ወያነ ሰሪሩ ኤርትራ ክትህሉ እያ። ወያነ ጋሕ ኢሉ ኤርትራ ክትነብር እያ።ህላወ ኤርትራ ኣብ ወያነ ዝምርኮስ ዘይኮነስ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻሉን እዩ።
ቅሰኑ ሰማእታትና
“ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ኲናት እዩ” ዝብል ፈቀድኡ ክልጠፍን መግለጺታት ክግበረሉን እርኢ ኣለኹ።ኣቱም ሰባት፡ ኤርትራ ኲናት ኣይኣወጀትን። ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካይድድ ዘሎ ረጽሚ እውን ቀጥታዊት ተዋሳኢት ኣይኮነትን። እኳ ደኣ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ግዳይ ናይ’ዚ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ስሒቡ ዘሎ ጃንዳ ኮይና ጸኒሓ። ስለ’ዚ፡ “ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወያነን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንቃወም” ደኣ […]
ኩሉ ኣብዚ ዝጥቀዖ ኲናት ንምቅንጃው ወይ ንምድማቕ ወይ ድማ ብሕሰም ካልኦት ንምድሳት ዘይኮነስ ንትምህርትን ምምክኻርን እዩ። ኲናት ግናይ እዩ። ዕንወት እዩ። ብዛዕባ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝምህር የለን። ግን ኲናት ካብ ወደቐካ ብውሑድ ክሳራ ክትዕወተሉ ኢኻ ትብገስ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ክሳብ ክንደይ ክጸልወና እዩ ንዝብል ቅሩብ ሓበረታታት ክንእክብ ከድልየና እዩ። ኣብ […]
ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ኣብዘን ዝሓለፋ 22 ዓመት ክእከብ ዝጸንሐ ኣጽዋራት ኲናት ኢትዮጵያ ንምምራኽን ኣብ ልዕሊ ናይ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ብተዘዋዋሪ ይእመን። እዚ ከም pre-strike ወይ ንዘይተርፍ ነገር ኣቀዲምካ ንምምካን ዝግበር ወተሃደራዊ ስልቲ ኣብዚ ሓጺር እዋን ንወያነ ይጠቅም ይኸውን። ኣብ ዝተናወሐ እዋን ግን ዘዋጽእ ኣይኮነን። በዚ ስጉምቲ እዚ ድማ፡ ማለት ኣብ ልዕሊ […]
ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ሰውራ-3ይ ክፋል
ማሕሙድ ሳልሕ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ክፋላት፡ ብዛዕባ ኣመሰራርታ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝምልከት፡ ዝኽረይ ክድህስሶ ፈቲነ። ነባባይ ንኣመሰራርታ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ግዚኡን ቦትኡን ኣእትዩ መታን ክርእዮ፡ ምስ ውልቀ-ታሪኸይ ኣተኣሳሲረ ይሕግዝ ዝበልክዎ ስእሊ ከቐምጥ ፈቲነ። ኣብዚ ሳልሳይ ክፋል ኣብቲ ቀንዲ ነገር ድቕድቕ ክብል እየ። እታ ከም ኣካታዒት ኮይና ቀሪባ ዘላ ነጥቢ፡ “ ህዝባዊ ግንባር ብዛዕባ ቤት […]
ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ካልኣይ ክፋል
ሳልሳይ ሓይሊ ፊተውራሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ወዲኣ ኮለላ ክትገብር ቀንያ። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሳልሳይ ኮርስ ፊተውራሪ ስለዝነበርና ኢና ሳልሳይ ሓይሊ ንበሃል ነይርና እምበር ብመሰረቱ ብኣርባዕተ ጋንታታት ዝቖመት ሓንቲ ሓይሊ ኢና ነይርና። ብኣልጌን ኣቢልና እማህሚመት (ማይህመት) ኣቲና ነቶም ኣብኡ ዝዕለሙ ዝነበሩ መዛሙርን ተዋስኦታትን ኣርኢና። ኮርስና ብዙሓት ከዋኽብቲ ወሊዳ እያ። ስነጥበበኛ ስዉእ ዑቕባጋብር ገ/ትንሳኤ፡ ሙሉጌታ በይን (ወዲ ዛግር)፡ […]
ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ሰውራቀዳማይ ክፋል
ኣብዘን ዝሓለፋ ሳምንታት፡ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ነበር፡ ብዛዕባ ዕላማታትን ጉዕዞን ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ተመክሮኦምን ጠብላሕተኦምን ገምጋሞምን ከቕርቡ ጸኒሖም። ከም ዝመስለኒ፡ ነዚ ዘተታት ዘተባበዓትን ዘበጋገሰት ኣጋጣሚት፡ እታ ጊደዎን መሓሪን ዮሴፍ ፍስሃየን ኣብ ቲቪ ኣሰና ዝገበርዋ ቃለ-መሕትት እያ። ርኢቶታተይን ነቐፈታይን ንኽልቲኦም ብውልቂ ሂበ እየ። እቲ ዘተ ክቕጽል እውን ኣተባቢዐዮም። ምኽንያቱ፡ ተመክሮና ባዕልና እንተዘየካፈልናዮ ካልኦት ሰባት ባህ ከም […]
ህዝቢ ሊባኖስ፡ ኣብ ሓዘንካ ሕዉስ እየ
ህዝቢ ሊባኖስ፡ ኣብ ሓዘንካ ሕዉስ እየ ብሰሉስ 4 ነሓሰ 2020, ንበይሩትን ኣከባቢኣን ዝነቕነቐ ኣዝዩ ግዙፍ ነትጒ ተፈጸመ። ንወደብ በይሩትን ኣከባቢኡን (ክሳብ ሰለስተ ኣርባዕተ ኪሎመተራት ብኹሉ ሸነኻቱ ዝኸይድ) ብፍጹም ከዕንዎ ከሎ፡ ከተማ በይሩት ብሙልኣ ዘራኸበ ሓፈሻዊ ቅርጻውን ቁጠባውን ፍርሰት ተራእዩ። ገለ ገለ ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ነትጒ፡ ድሕሪ እቲ ንከተማታት ጃፓን፣ ሂሮሺማን ነጋሳኪን፣ ዝቐዘፈ ኣቶሚካዊ ቦምባ […]
