ሕ/ሰብ ተጋዳላይን ኣመለኻኽትኡን

ማሕሙድ ሳልሕ

ናይ ስነ-ቋንቋ ሊቃውንቲ ከም ዝብልዎ፡ ገለ ገለ ሕ/ሰባት ወይ ጉጅለታት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብቶም መበቆላውያን ጉጅለታት ክፍንተቱ ምስ ዝጅምሩ (ብጂኦግራፊ ማለት ከም ጎቦታት ወይ ኣፍላጋት ወይ ደሴታት ወይ ድማ ብኻልእ ከም ኲናት ወይ ባህሪ ዘገደዶ ስደት) ናታቶም ፍሉይ ላህጃታትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቋውማን ሕ/ሰባዊ ክብርታትን የማዕብሉ። ግዜ ምስ ዝነውሕ ድማ ቋንቋኦምን ባህሎምን ካብቲ ኣደ ሕ/ሰብ ይፍለ እሞ ርእሶም ዝኸኣሉ ሕ/ሰባት ኮይኖም ይምዕብሉ። 

ድሕሪ ምዝላቕ ናይ 1978 ክሳብ ግዜ ናጽነት፡ ተጋዳላይ ወላ’ኳ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይንበር፡ ኩናት ዘገደዶ ኣብ ፍጹም ወተሃደራዊ ስራሕ ተጸሚዱ ምስ ህዝቢ ክተሓዋወስ ይኹን ዕርፍቲ ረኺቡ ስድርኡ ክርኢ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። መስርሕ ምዝላቕ ኣብ መወዳእታታት ናይ 1978 ተጀሚሩ ኣብ መጀመርያ ናይ 1979 ዳርጋ ተዛዚሙ ነይሩ። ኣብ 1979፡ ድሮ ናይ ምክልኻልን ምርብራብን መድረኻት ተሓሊፉስ ኣብ ክልቲኡ ግንባራት (ናቕፋን ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን) ጸረመጥቃዕታት ተኻይዱ። ድፋዓት ተመዓርርዩ፡ ደጀናት እውን ናይ መወዳእታ ቦታታቱ ደኣ ኣይሓዘን እምበር ተረጋጊኡን ዳግመ-ውደባታት ገይሩ ነቲ ትንፋስ ዘይህብ ውግኣት ክድግፈሉ ብዝኽእል ቅርጽን ኣሰራርሓን መልክዑ ሒዙ ነይሩ እዩ (ድሕሪ ናይ 1981 ደምዳሚ ውግእ ሓድሕድ፡ ክፍልታት ናብ ሕሽክብን ኣዶብሓን ዓሬርብን ጎቦ ሃገርን ተዘርጊሑ ናይ መወዳእታ ቦታታቱ ሒዙ)። 

ኣብ ውሽጢ እዚ ናይ ሞትን ህይወትን ምርብራብ ኣብ ሳሕል ሓድሽ ንኡስ ሕ/ሰብ ይፍጠር ነይሩ። ሕ/ሰብ ተጋዳላይ። መለለዪታት ናይቲ ሓድሽ ንኡስ ሕ/ሰብ ድማ እናተነጸሩ መጺኦም።

  • ሓድሽ ቃላትን ኣገላልጻን ባህርን ማዕቢሎም። ምስ ዝተናወሐ ሓርነታዊ ኲናት ዝተኣሳሰሩ ሓደስቲ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቃላትን ኣምራትን ፈልፊሎም። ንተጻዋርነትን ተበጃውነትን ምትሕልላይን ዝገልጹ ከም ኣብ መስዋእትን ተወፋይነትን ዝሕተተሉ እዋናት “ቅድሚ ብጻየይ ክሓልፍ” ምባል። ምባል ጥራይ ዘይኮነስ፡  መዓልታዊ ባህርን ግብርን ተጋዳላይ ከምዝኾኑ ተኾስኲሶምስ ኣካል መንነት ተጋዳላይ ኮይኖም ቀጺሎም። ኣብ ግዜ ጥሜትን ዕርቃንን ድኻምን ድማ “ብጻየይ ቅድመይ ይርባሕ” ዝብል ባህሊ ተኾስኲሱ። ጥሜት፡ ድኻም፡ ድቃስ ምስኣን፡ ካብ ወለድኻን ኣዕሩኽትኻን ምፍላይ፡ መውጋእቲ፡ ሕማም…ከም ኣካል ናይቲ ቃልሲ ዝጠልቦ መስዋእቲ ገይሩ ዝርኢ ኣመለኻኽታ ማዕቢሉ፡ መለለዪኡ ኮይኑ ድማ ቀጺሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ ተጋደልቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓደስቲ ብሂላትን መግለጺታትን ምሂዞም። ንኣብነት፡ “ከመይ ኣለኹም” እንተኢልካዮም፡ “ ወርቂ፡ ስርናይ፡ እንታይ ክወጾ” ይብሉኻ። ለይትን ቀትርን ድፋዓት ክኽዕቱ ኣፍራዛን ባደላን ዘየውረዱ እዮም። ኣብቲ ሰማይ ጠቀስ ኣኽራናትን ኣጻድፍን፡ ንድፋዓት ዝኸውን ኣጉናድ ክጓርቱ ኢኻ ትርእዮም። ንጋንታታቶም ዝኸውን ማይ ከምጽኡ ሳዓታት ዝወስድ ዓቐብ ወሪዶም እዮም ዝድይቡ። ምስ ጥልቁዕ ከብዶም፡ ምስ ዕሩቕ ዝባኖም፡ ምስ ረሃጾም፡ ሸታሕታሕ እናበሉን እናጸደፉን፡ ነቲ ብመዳፍዕን ረሻሻትን ዝተኣሰረሉ ቦታታት ብሰሓቕን ዋዛን እናሓለፉን ህይወት እናኸፈሉሉን፡ ፍሽኽታን ተስፋን ግን ካብ ገጾም ኣይዓርባን። ገጾም ወትሩ ምስተኾለዐ እዩ ነይሩ። “ስርናይ፡ ወርቂ” ይብሉ፡ ምስታ ዝለመድናያ ምልክት ጽንዓቶም ዝኾነት ፍሽኽታ።
  • ሓድሽ መንፈስን ስነኣእምሮኣዊ ቅሩብነትን ክላባዕ ጀሚሩ። ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላታት ከምዝብልዎ፡ ነቲ ፍሉይ ብደሆን ምረትን ጸበባን ክንሰግር ዝሕግዙ እስትራተጂታትን ክእለታትን (sets of skills) ክንዕለም እንኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ መወዳእታስ ክሉ ኣብ ሓንጎልና (ልብና) እዩ። ነቲ ብደሆ ብልብና ክንቅበሎን ክንገጥሞ ድማ  ቅሩባት ክንከውን ኣለና ማለት እዩ። ተጋዳላይ እውን ብዘይክኡ ካልኦት ክፈትሕዎ ዝኽእሉ ወደቓ ኣይኮነን ዝረኸቦ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ርእሱ ክምርኮስ ጥራይ እዩ ብእዋኑ ወሲኑ። ነቲ ዝነበረ ዋሕዲ ነገራዊ ጸጋታት ዝትክእ ብልሓታት ክተኣታቶ ግዜ ኣይወሰደሉን። ንኣብነት ኣብ ሓደ እዋን “ደምና ብረሃጽና ንዓቅብ” ዝብል ጭርሖ ኣብ ኩለን ኣሃዱታት ተላቢዑ። መውዓሊታት፡ መታኾሲታት፡ ጁባታት ካናለታት (ምስ ጸላኢ ቅርበት ዘለዎ ቦታታት፡ ክሉ ግዜ ድሉው ሓይሊ ኣብ ድፋዕ ክህሉ ስለዝግባእ ንመዕረፍን መደቀስን ዝኸውን ኣብ ውሽጢ ካናለታት ዝስራሕ ህዱም ክፍልታት እዩ፡ ንማይን መግብን ተተኳስን እውን ከም መኽዘን የገልግል)። ቃልሃታት ታንክታት፡ 120-122 ሚ.ሜ፡ ካብ ነፈርቲ ዝተደርበየ ፍንጫላት ሓጻውን… ተመስሪሖም ንመመገብን ንመምሃርን (ከም ሰለዳ ኮይኑ) ይጥቀሙሉ። ክፉፍ (ዕጥቂ) ካብ ሳእኒ ሬሳታት ጸላኢ ይስፈ። ክዳውንቲ እውን ካብ ሬሳታት ጸላኢ (ገሊኡ ክተጽርዮ ዘጸግም፡ ዝተፈላለየ ብልሓታት ተማሂዙ ነይሩ፡ ግን ስብሒ ወዲ-ሰብ ጠጢቕኻ ክትኣልዮ ዘጸግም እዩ)። ንፉዓት ሰፈይቲ ክዳውንቲ (ብኢድ ማለት እዩ፡ ደሓር ደኣ ናይ ክ/ሰራዊታት ሳርቶ ተመስሪቱ እምበር፡ ብፍላይ እተን ዋዕሮታት ደቀንስትዮና ዘርእየኦ ዝነበራ ሓልዮን ምንክንኻንን ክትዝክሮ ዘደናፍቕ እዩ፡ ንፉዓት ሰፈይቲ ደቂ-ተባዕትዮ እውን ፈርዮም ነይሮም)። ካብ ክሉ ንተጋዳላይ ዝኸፍኦ ቁማል እዩ ነይሩ። ቑማል ጥዒምዎ። ክጥዕሞ ከሎ ኸኣ ክራባሕ መዓት እዩ። በብዓይነቱ ቑማል እዩ ዘሎ። ካብ ክሉ ዝኸፍአ ግን እቲ ኣብ ረቂቕ ክፍለ-ኣካላት ዝባዛሕ እዩ። ኣብ ክዳን ዘሎ ቁማል ጸሓይ ሳሕል ኣላቶ። ኣብ ርእሲ ዘሎ ድማ ኣዋልድና ኣይሓመቓን። እቶም ኣብ ረቂቕ መንቀራቕሮታት ዝፋረዩ ግን ናይ ብሓቂ ርጉማት እዮም ነይሮም። ብዝኾነ…ኣብ 1980 እዩ መስለኒ፡ ሳእኒ ሽዳ ኣብ ሜዳ ክስራሕ ጀመረ፡ ግን ቀዳማይ ፈተነ ዝጉሂ እዩ ነይሩ። መሽለጥ፡ መሽለጥ ኢሉ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ በዚሑ። ተጋደልቲ እና ወደቑ ምስ ተወድኡ ሳጓ ኣውጺኦምሉ ነይሮም (ነታ ሳጓ ዝዝክራ እንተሎ ኣብ ዓምዲ ርኢቶታት ይጽሓፈለይ፡ ብኽብረትኩም)። እናጸንሐ ግን ብቕልጡፍ ብዓይነቱ ተመሓዪሹ፡ ዳርጋ ካብቲ ኣብ ሱዳን ዝስራሕ ዝነበረ ዝያዳ ዝተረረ ኮይኑ… ታሪኻዊ ሽዳ; ዛንታ ኣለዎ። ኣመጋግባ ንምምሕያሽ ጀራዲን ተኣታትዩ። ጠለበጊዕ እውን ተጠርየን፡ ዝያዳ ንውጉኣት እየን ተመዲበን ነይረን። ጉጅለ ባህልታት ዓንቢቡ፡ ስንጭሮታት ሳሕል ኣብ ግዜ ለይቲ ናብ ክፉት ኣብያተ ትያትራት ተቐዪሩ። ግዜ ዘስገደዶ ኮይኑ፡ ተጋዳላይ ናይ ገዛእ ርእሱ ማሕበረ-ሰብ ሃኒጹ።
  • ፍቕርን መርዓን እውን ነይሩ እዩ። ኣብ ፍቕሪ ተጋደልቲ መጺእካ ብዙሕ ዘስሕቕ ሕክያታት ኣሎ። ንሎሚ ክንሓልልፎ፡ ግን ኣብ መንጎ እቲ ጓህሪ ኲናትስ ህይወት ተጋዳላይ ኢዳ ኣይሃበትን። መርዓ ካብ ሃለወ ቆልዑ እውን ኣለዉ ማለት እዩ። ተዋጋኢ ኣሃዱታት ደቆም ምስኦም ከዕብይዎም ስለዘይክእሉ፡ ነብሰወከፍ ኣሃዱ መዕበይን መናበይን ህጻናት ዝኸውን ክፍልታት መስሪታ ነይራ።  እታ ስም ናይቲ መናበይ ክፍልታት ብኸመይ ከምዝመጸት ኣይፈልጣን እምበር “እንዳ 17” ይስመ ነይሩ። ኣብ ደጀን (ክፍልታት) ግን ህጻናት ምስተን ኣሃዱታት ይዓብዩ ነይሮም። ገሊኦም ተጋደልቲ ኣብ ምዕባይ ደቆም ስለዝተሓጋገዝናዮም ቅሩብ ንጥሮታና ዝኸውን ኣበል ክኸፍሉና ኣለዎም በሃላይ እየ። ማዕለሽ፡ እቲ ወለድ ይትረፈና። ተዛመድቲ ፍቑራት ኣብ ዓመት ዘሕልፍዎ ዕረፍቲ ኸ? ተቐባሊት ኣሃዱ ነቶም ዘዕርፉ ተጋደልቲ ክተሕንቅቕ እትገብሮ ሓልዮታዊ ጻዕርታት ብናይ ሎሚ ሚኒከሎ ክርእዮ ከለኹ የገርም እዩ። “ጥዑም ግዜ” ክብሎ ጥራይ እየ ዝደናደን።
  • ክፍልታት (ደጀን) እውን ኣብ ሓጺር ግዜ ርኡይ ምዕባለ ኣርእዩ። ጋራጃት፡ መኻዝን መግብን ዕጥቅን፡ መጓዓዝያ ምስ ጽርግያታቱን መዋፈሪ ኑቕጣታቱን፡ መሳንዕ፡ ዜናውን ክልሰ-ሓሳባውን ትካላት፡ ትካላት ምርምርን መጽናኦትን፡ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ከም ናይ ሕርሻን ንግድን ሕክምናን ትምህርትን ተዘርጊሖም፡ ህዝባውያን ማሕበራት ጠጢዐን ጎልቢተንን።  ኣብ ደገ ዝነብር ህዝብና ድማ ተስፋ ዘስንቕ ተሳትፎ ገይሩ፡ ኤርትራ ካብ ጫፍ ንጫፍ “ናጽነት” ዘሚራ፡ ንናጽነት ተቐዳዲማ። ሻድሻይ ወራር ናይ መርዛም ቀመማዊ ግጥም ክኸውን እዩ ምስ ተባህለ፡ ኤርትራውያን ንካልእዊ ፍልልያቶም ንጎድኒ ኣቐሚጦም፡ “ብደሆ” ደሪፎም። ናብ ስራሕ ተጸሚዶም። በብዓቕሞምን ብዝጥዕሞም ኣገባብን። ተጋዳላይ ድማ ‘ይምጻእ ጥራይ’ ኢሉ ከይጃጀወ ተዳልዩ ጸኒሑ። ከም ካልኦት ወራራት በርዒኑ። እታ ፍሽኽታ ተጋዳላይ፡ እተን “ወርቂ፡ ስርናይ” ዝብላ ብሂላት ተጋዳላይ ዝዓቐረኦ ቁም ነገር ነይሩ። ንሱ ድማ፦
  1. ንጹር ዕላማ ምንባሩ። ኣብ ልዕሌና ኢፍትሓውነት ስለዝተፈጸመ፡ ቃልስና ፍትሓዊ እዩ ነይሩ። ዕላማና ድማ ናጽነት።
  2. እምነት ኣብቲ ዕላማ። ጭርሖና “ቃልስና ነዊሕን መሪርን እዩ ዓወትና ግን ናይ ግድን” ዝብል ነይሩ። ንይምሰል ዘይኮነስ፡ ኤርትራውያን ዝዓሰሉሉ እምንቶ ነይሩ። እቲ ኣነ ዝፈልጦ ወለዶና፡ ንርእሱ ክርህዎ፡ ወይ ናጽነት ምስ ተረኽበት ውልቃዊ ነገራዊ ሞሳ ወይ ረብሓ ክረክብ ኢሉ ዘይኮነስ፡ ንርእሱ ከም ሓላፋይ ቆጺሩ እዩ ዝጋደል ነይሩ። ርእሱ ሓላፋይ እቲ መስመር ወይ ዕላማ ግን ተዓዋታይ። ነዚ መስመር እዚ ክተዕውት እንተኮይኑ ድማ ነቲ ናይ ሽዑ ምረት ናብራን ኣካላዊ መስዋእትነትን ዝድብስ ኣመለኻኽታ ክተማዕብል ነይሩካ። ፍሽኽታ። “ወርቂ፡ ስርናይ፡ እንታይ ክወጾ” እናበልካ ንርኡያትን ጭቡጣትን ብደሆታት ብስነ-ኣእምሮኣዊ ቅሩብነት ምግጣሙ። ወሪድዎ ተጋዳላይ፡ ካልእ ዝውንኖ እንታይ ነይሩ። ናይ ሽዑ ደርፍታት ይዝከራኒ…መልእኽተን ድማ ” ሚሳይላትን ነፈርትን፡ ታንክታትን ብዝሒ ሰብን ዘይኮነስ፡ እቲ ወሳኒ ነገር ንቕሓት እዩ” ዝብል ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ “ተጋዳላይ ብዘይንቕሓቱን ከላሺኑን ዝዓጠቖ ሚሳይላት የለን” እትብል ጠቕሲ ናይ ም/ዋና ጸሓፊ ህግሓኤ፡ ተጋዳላይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዙሓት ስነጥበበኛታት ኣብ ደርፍታትን ግጥምታትን ተጠቒሞምላ እዮም።
  3. እምነት ኣብ ዕላማ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ እምነት ብደረጃ መትከል ምርቃቑን ኣካል ህይወትካ ምግባሩን።
  4. ነቲ እምነት ብመትከል ጥራይ ምርቃቑ ዘይኮነስ፡ ነቲ መስመርን መትከልን ክተዕውት ባህግን ድርኺትን (motivation) ምህላዉ። እዚ ድማ ናብቲ ዕላማ ይመልሰና ማለት እዩ። ባህጊ ናጽነት ምህላዉ፡ “ካብ ዓመታት ብባዕዲ ተጸቒጠ ዝነብር፡ ሓደ መዓልቲ ናጻ ኮይነ እንተነበርኩ ይሓይሽ፡ ወይ ድማ፡ ኣነ ሓሊፈ ዝመጽእ ወለዶ ናጻነቱ ረኺቡ ይነብር” ዝብል ነግ-ፈረግ ዘይብሉ መርገጺ ምውሳድ ንገዛእ ርእሱ ከም ደራኺ ሞቶረን ከም ነዳድን ኮይኑ ኣብ መትከልካ ረጊጽካ ዕላማኻ ክተዕውት ንቕድሚት ክትደፍእን ይሕግዝ። ዕላማኻ ንምዕዋት ብልብኻ ከም ትሰርሕ ይገብረካ። ኣብ ማዕዶ ዝረአ ብሩህ ኮኾብ ኮይኑ መኣዝንካ የጸንዕ። ዝወረደ ይውረድ ድማ፡ “ዝመጸ ይምጻእ ወራሪ ኣብ ባርዕ ሰውራ ሓራሪ” እናበልካ ትምርሽ። ወትሩ “ወርቂ፡ ስርናይ” እናበልካ ትቕጽል። ትፈትዎም ቀያሕቲ እናደበኻ፡ ብውሽጥኻ ጓህን ቃጸሎን እና ሸልበበካ፡ ነታ ትስዕብ ድፋዕ ተፍርስ፡ ነቲ ዝመጽእ ወራር ተፍሽል፡ ነቲ ዝቕጽል ሰማይ-ጠቀስ ከረን ትድይብ…ወትሩ ፍሽኽታ፡ ወትሩ “ዓወት ንሓፋሽ”… ትወድቕ፡ ትትስእ፡ ትውጋእ እንደገና ትውጋእ…ንዓስራይ ግዜ ትውጋእ…ምብጋስ እዩ።  ኣሃዱኻ ከይተግድዕ ንትእዛዝ ዶክቶርካ ጥሒስካ ናብ ድፋዕ ምጉያይ እዩ። በዓል ሓደ ዓይኒ? ጸገም የለን። በዓል ሓደ ኢድ? “ኖርማል እንድዩ” ይብሉኻ በታ ኣዕንቲ እትደጒሕ ልባዊ ፍሽኽታ ኣሰንዮም። እግሮም ዝተሃስዩን ደልጎጽጎጽ ዝብሉን…ርእሶም ብጥይትን ስኩጆታት ዝተበሳስዐ እሞ መዓልታዊ ሕማም ምንፍርፋር ዝሕዞም…”ኖርማል እንድዩ” ይብሉኻ። ብውሽጣዊ ሕማም ዝተሃሰዩ…” ወርቂ፡ ስርናይ” እናበሉ ሰለይ ክብሉን ክረጋረጉን ክትርኢ፡ ሽዑ “ኖርማል” ነይሩ። ሎሚ ግን የተሓሳስበኒ። ገድሊ ወይ ማሕበረ-ሰብ ተጋዳላይ ዝፈጠሮ ኣመለኻኽታ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ውሽጢ ከምኡ ዝኣመሰለ ባህሊ እየ ዓብየ፡ ኣካል መንነተይ እዩ። ግን ሎሚ ተመሊሰ ኣብ ሓንጎለይ ከሰላስሎ ከለኹ እግረም እየ። እቲ ናይ ትማሊ “ኣነ” ምስቲ ናይ ሎሚ “ኣነ” ይራኸቡን ይዛተዩን እዮም። ዝበዝሕ ግዜ ግን ክረዳድኡ ኣይክእሉን። እንሓንሳብ እውን ኣብ ዲቕ ዝበለ ምጉትን ዘይምቅዳውን እዮም ዝኣትዉ። ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ ዝኸውን…ግን እቲ ኣብ ገጽ ተጻብኦታትን ብደሆታትን ፍሽኽታ ምዕባይ፡ “ዘይስገር የለን” ዝብል ኒሕን እምነትን ምምዕባል ንሕሱም ኩነታት ‘ ወርቂ፡ ስርናይ’ እናበልካ ምግጣሙ ናይ ማሕበረ-ሰብ ተጋዳላይ ባህሊ ምዃኑ ሓሊፉ ሎሚ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ክትርእዮ ባህታ ዝፈጥር እዩ። እዚ ባህሊ’ዚ እዩ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ዝነበረ ወሳኒ ፈተነ ብዓወት ክሰግሮ ዘብቀዖ።

ሕጂ እውን ዘይስገር የለን። ከም ሃገርን ህዝብን፡ መሳርዕና ነስምር፡ ዓቕምታትና ንኣኻኽብን ነወሃህድን። ዕላማና ዓዲ ሕግን ፍትሕን ዝኾነት፡ ክሉ ኤርትራዊ ብዘይፈላላይ ዝነብረላን፡ እቲ ዘሎ ጸጋታት ድማ ብርትዓዊ ኣገባብ ተኻፊሉን ማሚቑ ዝነብረላ ሃገር ምህናጽ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ “ተረአአ ኣይትገዳዳዕ” ትብል ናይ ሜዳ ደርፊ ናይ ወዲ ትኹል እኽልቲ መዘኻከሪት እያ። ሕጂ እውን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነገሰላ ብልጽግትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣብ ጥጡሕን ድልዱልን ባይታ ንምምስራታ ቃልስና ነዊሕ እዩ፡ ዓወትና ግን ናይ ግድን እዩ… እቲ ልሙድ ኤርትራዊ ፍሽኽታ ድማ ወትሩ ይኮላዕ። ሓደ ንጹር ራእን እስትራተጅን ፍናንን ዘለዎ (motivated) ዜጋ እዩ ንሃገር ዝሃንጽ። እንተ ነቶም ሰብ ኣሉታውነትን ተስፋ-ቖሪጽን ግን ባህሮምን ግብሮምን ጸቒጥዎም እዮም ዝነብሩ። ኣጆኹም እናበልካ ምቕጻል ጥራይ እዩ…ወርቂ—ስርናይ—ፍሽኽታ። ታሪኽና ከምዝምስክሮ፡ ናይ ራእን ግብርን ስምረት ጥራይ ይሃሉ እምበር፡ ዘይስገርን ዘይሰዓርን ነገር የለን።

Mahmud Saleh

sheideli95@gmail.com

 

 

ሕጂ ኸኣ እዛ ሃገር ናብ ሱዳን ተሸይጣ ከይብሉና ጥራይ!!??

ፕረሲደንት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዑደት የካይደሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ “ ህዝቢ ኤርትራን ሱዳንን ኣሕዋት እዮም፡ ብዙሕ ዘራኽቦም ማሕበራውን ታሪኻውን ምትእስሳራት ኣለዎም። ነዞም ኣህዛብ ክፈሊ ዝፍትን ሰብ ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ” ከም ዝብል ኣይጠራጠርን። ኣሕዋት ሱዳናውያን እውን “ናዓም፡ ያ ሰያደት ኣልርኢስ፡ እኽዋን—እኽዋን ኤርትራያ ዎ ሱዳን…ጽቡቕ ኣለኻ ክቡር ፕረሲደንት፡ ኣሕዋት፡ኣሕዋት፡ ኤርትራን ሱዳን” ኢሎም ከምዝምልሱሉ ፍሉጥ እዩ።

Don’t worry, ወውራይና ጥራይ ንግበር። ሃገር ኣይትሽየጥን ኣይትልወጥን። ናብ ዳግመ ህንጻ ሃገር ኢና ንሰጋገር ዘለና። ቀደም ኢልናዮ ኢና፡ ግን ምድጋሙ ኣየኸፍእን። ፕሮጀክት “ይኣክል” ደቡብ ከይጀመርኩም ፕሮጀክት “ይኣክል ሰሜን” ከይድረበኩም ኢለ እየ።

Image may contain: 3 people, people standing
(From my FB, Sep 14, 2019)

ርሑስ በዓል ቅዱስ የውሃንስ

ርሑስ በዓል ቅዱስ የውሃንስ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ትቕመጡ ኤርትራውያን፡ ንድሕነትኩምን ድሕነት ንብረትኩምን ንጽሊ።

ብድሕነትኩም እሻቐል ኣለኹ። ነዚ ንስም ደቡብ ኣፍሪቃ ዝድውን ዘሎ ብጽልኢ ወዲ ሰብ (xenophobia) ዝተደረኸ ሽበራዊ ምልዕዓል ብሰላም ክትወጽእዎ እትስፎ።

ዘገርም እዩ፡ እዞም ሎሚ ብጽልኢ ወዲ-ሰብ ዝዓወሩ ባጋሚንዶታት፡ ኣያታቶምን ኣቦታቶምን ኣቦ-ሓጎታቶምን ብዓሌታውን ዘርኣውን ስርዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ክምቅሑ ከለዉ፡ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነትስ ሕልና ዝነበሮም ኣህዛብ ዓለም እውን ምእንቲ ሓርነቶም ጸልዮምን ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካዪዶምን ኣብ ልዕሊ መንግስታቶም ጸቕጢ ገይሮምን እዮም። ኣፍሪቃ ንተቓለስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓሊማን ኣዕጢቓን ደጀን ኮይናን። ነቶም ህይወት መሪርዎም ዝተሰዱ ዜጋታት ደ. ኣ. ኣዕቚባ። ከም ውጽኢት ናይቲ ሓባራዊ ዓለማዊ ቃልሲ ድማ ነልሰን ማንደላ ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ። ሓዳስ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ተመስሪታ።

ሎሚ ነቶም ዕድላት ዝደልዩ ጽጉማት ኣፍሪቃውያን ምህዳን ናይ ብሓቂ ዘተሓሳስብ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ክዕመጻ፡ ንብረት ስደተኛታት ክራሰን ክቃጸልን ንዕዘብ። ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ህይወቶም ከድሕኑ ካብታ ሃገር ብጃምላ ክወጹ ንርኢ ኣለና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ብዛዕባ ድሕነትኩም ከይሓሰብና ክንሓድር ኣይንኽእልን።

ክሳብ ናብታ ትፈትውዋ ሃገርኩም ክትምለሱ እትውስኑ፡ ናይ ድሕነት መርበብ (network) ኣዋድዱ። ንሕግታት እታ ሃገር ፍለጡ። ምስ ኣኽበርቲ ጸጥታን ምስቲ ትነብሩሉ ከባብብን ማሕበረሰብን ጽቡቕ ዝምድና መስርቱ። ልዕሊ ኽሉ ድማ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኤምባሲ ኤርትራ ርክብኩም ኣሕድሱ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ንሱ እዩ ኣብ ግዜ ሽግርኩም ክማጎተልኩም ይኹን ናብ ደሓን ዝኾነ ቦታ ንምውጻእ ናይ ኣሳላጥነት ኣገልግሎት ክህበኩም ዝኽእል።

ኣብ መወዳእታ ነቶም ከም ጠንቂ ስደት ኮይኖም ዘለዉ ነገራት መሚኻ ፈሊጥካ ምፍዋሶም እዩ። ነዚ ኽልኽላኽ ኣርእስቲ ኣብዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ክሽፍኖ ስለዘይክእል ክሓልፎ እየ። ይኹን እምበር፡ ንምውሓዱ ክግበሩ ዝኽእሉ ቀለልቲ ነገራት ዘለዉ ኮይኖም ይስመዓኒ። ነዚ ናይ ስደት ባህሊ ደው ንምባልን እቲ ዋሕዚ ስደት ኣንፈቱ ንድሕሪት ናብ ሃገር ከምዝቐንዕ (reverse migration) ንምግባር፡ ዓዳሚ ፖሊሲታት ምንዳፍን ኣብ ግብሪ ምውዓልን።

ኤርትራ ሃገርና ቅድሚ ክሉ ማእከል ስሕበት ዜጋታታ ክትከውን ምጽዓር። ኣብዚ ናይ ግዜ ሰላም ዳግመ-ህንጸት እዋን፡ ሓደ ካብቲ ክንሃንጾ ጽግባእ ትሕተ-ቅርጻዊ ስረሓት፡ ምስኣል ዓዳሚ ዝኾነ ፖለቲካውን ቑጠባውን ፖሊሲታት እዩ። ምንዳፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ፖሊሲታት እዉጅ ምግባሩ። እዚ ነቶም ኣብ ዓዲ ዘለዉ መንእሰያትና ዝሕዝ (retain ዝገብር) ከምኡ እውን እቶም ኣብ ስደት ዘለዉ ግን ኣብ ዳግመ ህንጸት ሃገሮም ክሳተፉ ዝደልዩ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ዝቐንዐ ኣተሓሳስባን መደባትን ክህልዎም ዝሕግዝ ኮይኑ ይስመዓኒ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ውጽኢት ወይ እቲ ጽሩይ ሚዛን (net balance) ናይ ከምዚ ዓይነት ፖሊሲታት፡ ምብዛሕን ምርባሕን ሰብኣዊ ጸጋታት ኤርትራ ይኸውን። ምጉዳል ፍልሰት መንእሰያትና ይኸውን። እንድዒ እምበር፡ እቲ ካብ ኤርትራ ነቒሉ ገጸይ ሸፈፍ ዘብል ዘሎ ዝሑል ንፋስ እውን ከምኡ እዩ ሕሹኽ ዝብለኒ ዘሎ። ርሑስ ቅዱስ የውሃንስን። ዘመን ዓድኻ እቶ ይግበረልና።

MS/September 2019. (from my FB)

Alemseged reply to friends and good-wishers on the tenth anniversary of his son’s tragic passing

Alemseged Tesfai posts a “Thank you” note to all who have joined him celebrating the life of his son, Temesgen Alemseged Tesfai, on the tenth anniversary of Temesgen’s tragic passing (see the previous posting under this FB account timeline፡ also check it out on meskerem.net). Below is Alemseged’s note.
ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ንኹልና ኣብዚ ንመበል10ይ ዓመት ትራጀድያዊ ሞት ወዱ ዝወጸ ዝኽሪ ዝተሓወስናዮ ንኹን ነቶም ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ሓይልን ተስፋን ምትብባዕን ክትልግሱሉ ዝጸናሕኩም መቕርብን ፈተውትን ” የቐንየለይ፡ ሕሰም ኣይትርከቡ” እናበለ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ሰዲዱልና ኣሎ። ዝቕጽል ድማ መልእኽቱ እዩ።

———————

“ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ፈተውትን፡ ብስም ብዓልቲ ቤተይ ኣብርሀት ሃይለን ብስመይን፡ ነዚ ብFacebook ይኹን ብውልቂ ኽልገሰለይ ዝቐነየ ጽቡቕ ምንዮት ልባዊ ምስጋናይ አቕርብ። ንወዲ ሓብተይ ርእሶም ወልደዝጊ፡ ጓል ሓብተይ በይሉል ሶሎሞንን ንፈታውየይ/ዓርከይ ማሕሙድ ሳልሕን ድማ አመስግኖም፡፡ እዚ ዝኽሪ ናይ ስእነት ውላድና ተመስገን፡ ሓዘን ንኸነሐድስ ወይ ንኸይንርስዕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ምዕራፍ ንብጽሑ እዩ ብወዲ ሓብተይ ተገይሩ። ሓቂ ይሓይሽ፡ ሞት ውላድ መዕጸዊ የብሉን፡፡ ደበስ፡ መጸናንዒ፡ ዕንጋሎ ግን፡ ሳላ’ቲ ወትሩ ዘይተፈለየና ሓልዮትኩምን፡ ምሉእ ሕብረተሰብ ዝለገሰልና ምስትንክራውን ኣሕዋይን ክንክንን ክንወጾ ኽኢልና። ስለዚ፡ እዚ ምስጋና እዩ’ምበር ሓዘን ኣይኮነን፡፡ ሞጎስ ንተመስገንን ነቲ ብሩህ ዝተዀልፈ መጻኢኡን’ምበር ንድሕሪት ናብ ቃንዛ ስእነቱ ዝመልስ ኣይኮነን። ሞትን ልደትን ብሓባር ከም ዝፍጠሩ ምዝካር ኩሉ ግዜ ጠቓሚ እዩ። ራህዋን መከራን ድማ ማናቱ እዮም። እቲ ዓቢ ብምስጢር፡ ንመከራ ብኸመይ ናብ ረብሓን ሓይልን ትቕይሮ፡ ንሞት ፍቑር ብኸመይ ናብ ሓይልን ጽንዓትን ተበርኾ ኣብ ዝብል ዓቢ ሕቶ ኢና ብዓልቲ ቤተይን ኣነን ብፈተውትና ተዓንጊልናን መገዲ ሕውየት ሒዝናን’ሞ ደጊመ ንቤተ ሰብ፡ ኣዕሩኽ፡ ኩሉኹም ፈተውቲ አመስግን።
Dear friends,
I have been reading with gratitude, the messages of good will posted on our son Temesgen’s commemorative posting. I have also been receiving phone calls and touching messages through other channels. This is, of course, not a revisit or a rekindling of the sorrows of having lost a brilliant child of great promise. It is, rather, a celebration of the joy of having had him and the inspiration that he has now become to his mother Abrehet and myself. Life and death come together. Adversity and life are inseparable. The secret is how to turn death of a loved one into inspiration and adversity into advantage. Our healing process would not have moved an inch had we not been lucky with the kind of genuine empathy and support that we received from our respective families, friends and the population at large. It is this aspect
of our societal values that this posting by my nephew, Russom Weldezghi also seeks to laud. I thank my neice Beylul Solomon and my friend Mahmud Saleh for helping in the dissemination of the tribute to family and friends. Thank you all.”

——————-

Alemseged’s reply to friends who joined him commemorating the tenth anniversary of his son’s untimely death, originally posted on my FB on September 6, and published on Arhebo.com on September 17, 2019. To read the original post, click the link below.

https://arhebo.com/2019/09/17/celebrating-the-life-of-temegen-alemseged-tesfai/

Celebrating the life of Temegen Alemseged Tesfai

Celebrating the life of Temegen Alemseged Tesfai

[a tribute will follow my intoroduction]

ተመስገን ኣለምሰገድ ተስፋይ ካብዛ ዓለም ብሃንደበት ኣብ ሰዊት ዕድመኡ ካብ ዝሓልፍ ሎሚ መስከረም 7 ዓስራይ ዓመቱ ኮይኑ ኣሎ። ተመስገን ወዱ ነቲ ውሩይ ኤርትራዊ ተማራማሪ ታሪኽን ደራስን ኣለምሰገድ ተስፋይ እዩ። ወዲ ኣኩኡ ንተመስገን፡ ንኽብርን ዝክርን ህይወት ተመስገን እትበቅዕ ሓጻር ጽሕፍቲ ኣቕሪቡ ኣሎ። ምስ ስእልን ካብ ተመስገን ዝተወስደ ጠቕስን ቀሪቡ ኣሎ። ኣለምሰገድ ተስፋይ ንሓርበኛ በዓልቲ ቤቱ ኣብረሀት ሃይለ ወኪሉ ንኽሎም ኣብ ጎድኑ ደው ዝበሉን ዘተባብዕዎን የመስግን ኣሎ። ንኽልኹም ነበብቱን ኣድነቕቱን ኣዕሩኽቱን ድማ ሕሰም ኣይትርከቡ እናበለ ነታ ሓጻር ግን ኣፍራይትን ምቅርትን ህይወት ናይ ተመስገን ወዱ ብእወታ እናዘከረ ኣብቲ ተጸሚዱሉ ዘሎ ምጽሓፍ ታሪኽና ዓወትን ኣሳልጦን ክትምነዩሉ ይምሕጸን። ኣለምሰገድ ገና ምስ ሓይሉ እዩ ዘሎ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ሓድሽ ፍርያት ከምዘቕርበልና ኣይጠራጠርን። ነቶም ከም ናይ ቀረባ ስድርኡ ዝገልጸና ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር ኸኣ ፍቕርን ሰላምን ይመነየልና ኣሎ። ኣብ ግዜ ሓዘኑ ይኹን ደስትኡ ወትሩ ኣብ ዝኽርና ምዃኑ ማዕረ እቲ ንሱ ዘፍቅረና ከም ነፍቅሮን ዝዕዘቦ ነገር እዩ። ብስጋ ደኣ ተፈለየና እምበር ስምካን ምስልኻን ግብርኻን ዝኽርኻንሲ ምሳና ኣሎ፡ ተመስገን፡ ብሰላም ዕረፍ።

Today, September 7, 2019, on the tenth anniversary of the untimely passing of Temesgen Alemseged, the son of the renowned Eritrean historian, novelist, and playwright, Alemseged Tesfai, Temesgen’s cousin, Russom Woldezghi, has written a fitting tribute celebrating the life of Temesgen. Please join Temesgen’s parents, Alemseged Tesfai and Abrehet Haile, celebrating the life of Temesgen. Alemseged expresses his gratitude to all of us, his readers and fans, his friends, and especially his extended family at the Revolution School, or ቤት ትምህርቲ ሰውራ።

To read Russom’s tribute to his cousin, and some of Temesgen’s activities in photos, video, and other memoriam, please click on the links below. ጽሕፍቲ ርእሶም ወልደዝጊ ንምንባብ; ንጥፈታት ተመስገን ብቪድዮን ኣሳእልን ክትዕዘቡ ነዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ሊንክታት ጠውቑ።

https://temesgen.me/morial
https://temesgen.me/photos
https://temesgen.me/memoriam

TEMESGEN.ME
A friend is one who you share your secrets with, who has the same interests as you and who helps you in times of need. This kind of friendship lasts forever.
(Published September 6 on my FB)

ናይ ሎሚ ምኽሪ

መንፈስ ዓዋተን መንፈስ እቶም ድሕርኡ ዝሰዓቡን ዝስዕቡ ዘለዉን ደቂ ዓባይ ኤርትራ፡ መኣዛን ሙቐትን ኮይንና ከም ዘሎ መቸም ነቶም ኣብ መቐለ ኮይኖም ብስምና ዋጋ-ዕዳጋ ክገብሩ ዝቐነዩ ከይተረፈ ደሚቑ ዝተራእዮም ይመስል። ጭራኻ ደጒልካ ናብ ዘዝመጻእካሉ ምህዳም ኮይኑ ኣሎ። ሕማቕ ኣተሃዳድማ። ማዕሌሽ፡ ካብቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንመቐለ ዝተገብረ ህድማ ‘ዶ ከይከፍኦም! ደሓር ድማ እቲ ኣበልን ሆተልን ድግስን ምስኡ ዝኸይድ ናይ ሰለብሪቲ ማሕ-ማሕ የደዓዕሶም ይኸውን። ዕድመ ደኣ የብሉን ኮይኑ እምበር።

“ምስል ሓውዬ ለሐይሰኒ ኢሙት ዲባ ወ ሕዬ” ኢሉ ደሪፉ በሃር ስነጥበባዊ እድሪስ መ/ዓሊ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት። ምስ ኣሕዋተይ ይሕሸኒ፡ እሙተላ ወይ ብህይወተይ እውጸኣላ፡ እታ ዘላ ምስ ኣሕዋተይ…ኢሉ ደሪፉላ ንዓባይ ኤርትራ።

ሕጂ እውን ኣሞንጒኻ ምስ ጓኖት ዝግበር ጸደፍደፍ ትርፉ ሕብእብእን ሕጉብጉብን እዩ ዝኸውን።

ከም ዝተዓዘብክዎ፡ ኤርትራውያን ንፖለቲካዊ ፍልልያቶን ንጎኒ ኣቐሚጦም፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ካብ ኣዳራሻት መቐለ ክፍኖ ዝቐነየ ናብ መንነትን ሓድነትን ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝቐንዐ ዝተወሃሃደ እኩይ መጥቃዕታት ግቡእ መልሲ ሂቦምሉ ኣለዉ። ንጹርርን ዘየደናግርን። “ምንጪ ዓቕሊ ጽበትክም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸተልክምዎ ሰራም ሜላታት እዩ። ኣብ ጉዳይክም ኣይትጉተቱና፡ ሽግርክም ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትኩም ፍትሕዎ። እንተ ናትና ጸገማት ንዓና ግደፍዎ” ዝብል መልእኽታት ካብ ክሉ ፖለቲካዊ ሕብርታት ኤርትራ ምቅልሑ ልቢ ዘረስርስን ንመንፈስ ዓዋተ ዘንጸባርቕን ነይሩ።
ክንእርሞም ዝግባእ፡
1- ጸርፍታትን ዘለፋን ምውጋድ፡ ብፍላይ ንህዝብታትን ባህሎምን ዘነኣእስ ወይ ዘካፍእ ገለጻታትን ቅጽላትን ኣስማትን ናብ ጭቃ ሸታሕታሕ ዘብሉ እዮም። ንጠንቀቕ።
2- ጸላእትና እቶም ውሑዳት ጭቃታት ማለሊትን ረሳሕ ኣተሓሳስበኦምን እምበር ህዝቢ ትግራይ ከምዘይኮነ ዘይምዝንጋዕ።
3- ብሓፈሽኡ ነቲ ጭዋ ባህልና ዘንጸባርቕ ቋንቋ ምጥቃም፡ ሓይልና ካብ ሕርቃንን ቅርሕንትን ዝምንጩ ዘይኮነስ ካብቲ ቅኑዕ ጉዳይናን መርገጺታትናን እዩ ዝፍልፍል። ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት፡ ንሕና ኢና ክንዕመጽ ዝጸናሕና፡ ዝዓመጽናዮ ወገን የለን። ንሕና ኢና ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ክልል ትግራይን ከም ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ (መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢልዎ እዩ) በቲ ዝተፈረመሉ ሕጋዊ ሰነድ ክዓርፍ እሞ ናብ ልምዓት ክንምርሽ ንብል ዘለና። ስለ’ዚ፡ ሕግን ፍትሕን ኣብ ጎንና ኣለዉ። ንጻረፈሉ ምኽንያት የብልናን፡ ኣብ ደረጅኦም ዘይምውራድ።

ምስምማዕ፡ ምጽውዋር፡ ምትዕራቕ=ስኒት=ሓዳስ ኤርትራ

ጋሕ ይበል

ምስ ፈጣሪኻ ተሪር ምጽብጻብ ከም ዘለካ ፍለጥ፡ ተዳለወሉ። ከም ንቡር ግን “ብሰላም ዕረፍ” ኢልና ክነፋንወካ (RIP)። እታ “ጋሕ ይበል” ከ ተደሊ’ዶ ነይራ? ብዝኾነ…

ሞት ፕረሲደንት ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ ኣይገረመንን፡ ቆላሕታይ ዝስሕብ ኮይኑ እውን ኣይረኸብክዎን። ጽንሕ ኢለ ግን ናብ ግዜ ንእስነተይ፡ ናብ ሰማንያታት ተመሊሰ።

ዚምባብወ ናጽነታ ክትወስድ እንከላ፡ ሰውራ ኤርትራ ምዝላቕ ወዲኡ ገና ኣብ ምርብራብ ነይሩ። ድፋዓት ይቀያየሩ፡ ይመሓየሹ፡ ክፍልታት እውን ናይ መወዳእታ መደኮኒ ቦትኦምን ቅርጾምን ኣይሓዙን ነይሮም።

ሓደ መዓልቲ ሓደ መጽሓፍ ካብ ኢዱ ዘይፈሊ ጨሓም መንእሰይ ተጋዳላይ (ነዓይ’ኳ ኣዝዩ ዝዓብየኒ ኮይኑ ይስመዓኒ ነይሩ) ንሓንቲ ውርይቲ ጋዜጣ ናይ ብሪጣንያ ሒዙ፡“ትፈልጦ’ዶ እዚ ሰብኣይ?” ኢሉኒ። ኣነ ምስ ሓንቲ መባእታዊ ናይ ህጻናት መጽሓፍ እንግሊዘኛ እቃለስ ነይረ፡ ፍርቂ ልበይ ገይረ፡“ኣይፈልጦን፡ መን ይበሃል” ኢለዮ።

“ሮበርት ሙጋበ ይበሃል፡ ሃገሩ ናጻ ወጺኣስ መራሒ ሃገሩ ክኸውን እዩ” ይብለኒ። ኣብ ትዝታ ኣትየ። “መዓስ ኮን ናጻ ሃገር ንኸውን” ኢለ ኣብ ሓሳብ ጠሓልኩ። ከይተፈለጠኒ፡ ንሓጻር ህሞት፡ ቀልበይ ካብቲ ኣብ ጎነይ ዝነበረ ጨሓም በዓል መጽሓፍ ህልም በለ። ባንደራ ኤርትራ ኣብ ማእከል እታ ብስም ጥራይ እፈልጣ ዝነበርኩ ኣስመራ ክተንበልብል፡ ማርሺን ባንድ ክጻወት፡ እቲ ክሉ ናይ ኲናት ህልቂትን ዕንወትን ከኽትም ተመነኹ። ሰማያት ኤርትራ ካብተን ሕጪጭ እናበላ ዘጽመማና ዝነበራ ነፈርቲ ኲናት ከዕርፍ ሃረር በልኩ። ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቶም፡ ሰራህተኛታት ናብ ፋብሪካታቶም፡ ሓረስቶት ናብ ግራውቶም፡ ፖለቲካኛታት ድማ በቲ ኣብ ሜዳ ዝመሃሮ ዝነበርኩ መርሖ መሰረት ንህዝቦም ክመርሑን ክሰምዑን ተራእየኒ…ብዙሕ ካልእ ጽቡቕ እውን…

እቲ ዓቢ ብጻይ-በዓል-መጽሓፍ፡ ቅሩብ ዋዛን ቁምነገር እናገበረ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ቃልሲ ዚምባብወን ደቡብ ኣፍሪቓን፡ ከምኡ እውን ታሪኽ ናይተን ኣብ ሓምሳታትን ሱሳታትን ከም ኣካል ናይቲ ብ“ምልቃቕ ካብ መግዛእቲ” (decolonization) ዝፍለጥ ዝነበረ መስርሕ ኮይነን ናጻ ወጺአን ዝነበራ ዓድታት፡ ሃገርነት ኣብ ምህናጽ ዘጋጠመን ተመክሮን ዝነበረኦ ደረጃን ኣስፊሑ ገሊጹለይ። ሽዑስ ቅሩብ ጥራይ እየ ሒዘ… ብዙሕ እዩ ተዛሪቡ። ክዛረብ ከሎ ከኣ ከምዚ ዋዛ ምስ ቁምነገር እናገበረ እዩ። ብሞያ እውን መምህር ስለዝነበረ ዓዓቕመይ እዩ ዝህበኒ ነይሩ መስለኒ። ኣጋጣሚ ሽጋራ ዘትክኽ ብጻይ ስለዝተሓወሰና፡ ነታ ሽጋራ ክማቐል ክብል መደርኡ ደው ኣቢሉ። ብዘይ ሓደ ክልተ፡ ነታ ሽጋራ ካብቲ ካልኣይ ብጻይ ተቐበላ’ሞ ሰራውሩ ክሳብ ዝግተር ሰሓባ፡ ክሳብ ገለ ክፋል ናይቲ ቺካ እውን ዝሓወሶ መሰለኒ…

ናይ እንግሊዝ ዓቕመይ ኣብ ዝተመሓየሸሉ ግዜ፡ ናይ ሮበርት ሙጋበ ጽሑፋት ይኹን ብዛዕባ ዚምባብወን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝወጸ’ሞ ክረኽቦም ዝከኣልኩ ጽሑፋት ኣሕሊፈዮም ኣይፈልጥን። ነቲ ሰብኣይ ክሳብ 1990ታት ተኸታቲለዮ። ይኹን እምበር ሻውሃተይ ቀስ-ብቀስ ክዕጾ ጀመረ…ኣዝዩ ምሁርን ውርጹጽን (eloquent) ይኹን እምበር፡ ሮበርት ሙጋበ ካብ ካልኦት ሹማምንቲ ኣፍሪቃ ዝፈልዮ ነገር ከምዘይነበረስ ተጋሂዱለይ።  እቲ ብ1980 ብሮበርት ሙጋበ ተመሲጡ ዝነብረ ብጻይ-በዓል-መጽሓፍ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ከም ዝወደቐ ኣይሓተትኩዎን። ከይጎሃየ ከምዘይተርፍ ግን ርግጸኛ እየ።

—————————————————————

ዚምባብወ፡ ብ1980 ድሕሪ ነዊሕ ናይ ጸዓዱ ዓሌታዊ ምሕደራ ናጻ ክትወጽእ ከላ፡ መጋቢት ኣፍሪቃ (food basket)፡ ወይ ንኣፍሪቓ ክትቅልብ እትኽእል ሃገር ተባሂላ ትጽዋዕ ነይራ። ብተዛማዲ ክረአ ከሎ ድልዱላት መንግስታዊ ትካላት፡ ምዕቡላት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ምርምርን፡ ደሓን ዕቤት ዝነበሮ ማእከላይ ደርቢ፡ ምዕቡል ቑጠባዊ ጽላታት—ወዘተ እያ ተረኪባ። እቲ ዝድለ ዝነበረ ነቶም ትካላት ካብ መግዛእታውን ዓሌታውን ባህሊ ናብ ሃገራዊ ኣፍሪቃዊ ባህሊ ከምዝቐኑ ምግባር እዩ ነይሩ።

ክልተ ዓበይቲ ሰልፍታት እየን ነቲ ናጽነታትዊ ቃልሲ መሪሐን። ዛኑ (ናይ ሮበርት ሙጋበ) ከምኡ እውን ዛፑ ብጆስዋ እንኮሞ ትምራሕ ዝነበረት። እቶም ብቑጽሪ ህዝቢ ዝምባብወ ከም ውሑዳን ዝቑጸሩ ጸዓዱ ንኽሉ ኣፍራዪ ጽላታት ዚምባብወ ተቖጻጺሮም ነይሮም። እቲ ብጸዓዱ ተቐማጦ ሮደዝያ (ደሓር ዚምባብወ) ዝተመረተ ፖሊቲካዊ ስርዓት ዓለማዊ ተፈላጥነት’ኳ እንተዘይነበሮ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ሲ ከም ዋሕሱ ኮይና እያ ክትሰርሕ ጸኒሓ።

ነቲ ንናጽነት ዚምባብወ ብጸለምቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ደባይ ኲናት ደው ንምባልን ናጽነት ዚምባብወ ንምርግጋጽን ኣብ መወዳእታ 1979 ኣብ ለንደን፡ ኣብ ላንካስተር ሃውስ ዝበሃል ቦታ ኣብ መንጎ እቶም ንናጽነት ዚምባብወ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣፍሪቃውያንን ኣብ መንጎ ዓሌታዊ ስርዓት ሮደዝያ ስምምዕ ተኸተመ። መሰጋገሪ ቅዋም እውን ኣብዚ ኣኼባ ስምምዕ ተገይሩሉ። ዚምባብወ ብህዝባዊ ምርጫ ናብ ህዝባዊ መንግስቲ ክትሰጋገርን ፖለቲካውያን ሓይልታት እንኮላይ ጸዓዱ ብመሰረት ሕግታት ምርጫ ብዘይ ምፍርራሕ ክወዳደሩን እቲ ስምምዕ ናይ ሰላም ከይጠሓስን ዝብሉን ካልኦትን ዓንቀጻት ዝሓዘ ኣዝዩ ወሳኒ ኣኼባ ነይሩ። 

ሮበርት ሙጋበ ኣብዚ ኣኼባ ልዑል ተራ ከምዝተጻወተ ይንገረሉ። ሓንቲ ካብተን ኣከራኻሪት ነጥቢ ዝነበረት፡ እቲ ብጸዓዱ ተታሒዙ ዝነበረ ስቡሕ መሬት ዚምባብወ ብኸመይ ናብ ኣፍሪቃውያን ይመሓላለፍ ትብል ነይራ። ሮበርት ሙጋበ ብቕጽበት ክብል ከሎ እቲ ዓዲ እንግሊዝ ትሕግዞ ስርዓት ሮደዝያ ግን ናይ ዓስርተ ዓመት ዕድል ክወሃብ ጸቒጡ። በዓል ሮበርት ሙጋበ ከይፈተዉ ነዛ ነጥቢ ተቐቢሎም፡ ናብ መስርሕ ምርጫታት ተኣትወ። ሮበርት ሙጋበ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ዝመርሖ ዝነበረ ሰልፊ ዛኑ ድማ ከም ገዛኢ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኮይኖም፡ ዚምባብወ ብ1980 ናጽነታ ኣዊጃ።

ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ሙጋበ ንዕርቅን ማሕበራዊ ውህደትን ንሰላምን ሰሪሑ፡ ዚምባብወ ብቁጠባን ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ኣዝዩ ዝምስጥ ውጽኢት ኣርኣያ። ብዙሓት ተዓዘብቲ ዚምባብወ ካብቲ ንኣፍሪቃ ዝሕምስ ዝነበረ ናይ ምሕደራ ጸገማት ዘምለጠት ኮይና ተሰሚዕዎም።

 ይኹን እምበር፡ ሮበርት ሙጋበ፡ ብዙሕ ከይገበረ፡ እቲ ሓቀኛ ሕብሩ ከርኢ ጀሚሩ። ምስ ዛፑ ዝነበረ ዝምድንኡ ናብ ጎነጽ መርሖ። ብመሰረቱ እውን ሰልፍታት ዛኑን ዛፑን ቀቢላዊ መበቆል ነይርወን።ዝበዝሑ መራሕትን ኣባላት ሰልፊ ዛኑን ሰራዊት ዚምባብወን ካብታ ሮበርት ዝውለደላ ሾና ትበሃል ቀቢላ ዝተዋጽኡ ክኾኑ ከለዉ፡ ዝበዝሑ ኣባላት ሰልፊ ዛፑ ግን ካብ ንደበለ እዮም ነይሮም። እቲ ኣብ መንጎ ዛኑን ዛፑን ዝነበረ ዝምድና ክሽሕክር ምስ መጀመረ፡ ሮበርት ሙጋበ ኣብ ልዕሊ እታ ከም ተጻራሪቱ ዝቖጸራን ምንጪ ናይቲ ንስልጣኑ ዘስግእ ሰልፊ ዝፑን ዝሓስባ ንደበለ ትበሃል ቀቢላ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ወሲዱ። ኣብዚ ብ“ቕዝፈት ማተበለ ላንድ” ዝፍለጥ ወፍሪ፡ ጸብጻባት ይፈላለዩ ‘ኳ እንተኾኑ ተቐመጥቲ እቲ ከባቢ ካብ 20 ሽሕ ክሳብ 40 ሽሕ ሂይወት ከም ዝተመንጠለ ዊኪፒድያ ንጸብጻባት ጓርድያንን ካልኦትን ጠቒሱ ዘጊቡ ኣሎ።

ሮበርት ሙጋበ; ውልቀመላኽነት ምኽኑይን ነባርን ንምግባሩ፡ ንዘመናዊ ጥበብ ፖለቲካ ምስ ልምዳዊ ኣገባብ ምሕደራ ቀቢላዊት ኣፍሪቃ ኣወሃሂዱ ዝሰርሐ ጎራሕን ትኩርን (shrewd) ፖለቲካኛ እዩ ነይሩ። ንኣብነት’ኳ እቲ ኣብ 1990ታት ንጸለምቲ ሓረስቶት ከየዳለወ ስልጣኑ ንምንዋሕ ጥራይ መሬት ጸዓዱ ሓረስቶት ክራስዩ ዝገበሮ መሪሕነትን ምትብባዕን ኣብታ ሃገር ርኡይን ቅልጡፍን ምንቁልቋል ቑጠባ ኣስዓበ። ግዜ ነይርዎ እዩ ንጸለምቲ ሓረስቶ ከዳሉን ነቲ መደብ ብደፋእታዊ መስርሕ ክትግበርን። ግን ኣብ ምርጫታት ከም ዝሰዓር ስለዝፈለጠ ነቶም ጸለምቲ ንምርስሳን ዝገበሮ እኩይ ተግባር ነበረ። 

እንሓንሳብ ከም ሓላይ ሃገሩን ኣቦ ኣፍሪቃን ኮይኑ መታን ክረአ ኣብ መጋብኣያታት ኣፍሪቃ ድራማታት ክሰርሕ ጸኒሑ ተመሊሱ ድማ ከም ተራ ባጋሚንዶ ንህዝቡ ክራስን ከዋርድን ይረአ። ናይ ሕኸኸኒ ክሓከካ ብልሹው ስርዓት ምሕደራ ዝነደቐን ሃብቲ ዚምባብወ ኣብ ውልቃዊ ጠቕሙ ዘውዓለን መራሒ ተባሂሉ ይውረየሉ እዩ። ግቦን ብልሽውናን፡ ዘመደይ ዘመድካ ሳዕሪሩ፡ ምስቲ ዝርግርግ ዝበለ ስነ-ሓሳብ ናይ ኣፍሪቓዊ ማሕበርነት (ሙጋባውነት) ተደማሚሩ እታ ከም ዘንቢል መግቢ ኣፍሪቃ ኮይና ትረአ ዝነመበረት ዚምባብወ፡ ብክቱር ዝቕባበ ክትውረር ጀሚራስ ኣብ መወዳእታ ቁጠባ ዚምባብወ ኣብ ክጻወረሉ ዘይክእል ደረጃ ዓሪጉ፡ ኣገደስቲ ሃለኽቲ ኣቕሑ ተሳኢኖም፡ ሸቕለት-ኣልቦነት ሳዕሪሩ፡ እታ ንደቂ ኣፍሪቃ ንስራሕ ትስሕብ ዝነበረት ዚምባብወ ንዜጋታታ ክትከውን ኣይከኣለትን።  

ሮበርት ሙጋበ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ‘ኳ ብሓይሊ ስልጣኑ ከምዝገድፍ ይገበር፡ ከምቲ “ኣድጊ ካብ ምማቱ ምጉታቱ” ዝበሃል፡ ዚምባብወ ገና ካብቲ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ሮበርት ሙጋበ ኣይተላቐቐትን ዘላ። ጽላሎት ሮበርት ሙጋበ ገና ንናይ ምዕባለ ብርሃን ከዊሉ ኣሎ። ሮበርት ሙጋበ ከም ሓደ ብዙሕ ተስፋ ዝተገብረሉ ግን ንሓንቲ ትስፍውቲ ሃገር ናብ ዑና ዝቐየረን፡ ሕድሪ ስዉኣት ዚምባብወ ዘማህመነን፡ ግኑፍን ጨካንን ውልቀመላኺ ኮይኑ ክዝከር ምዃኑ ኣይጠራጥርን። ሮበርት ሙጋበ ሎሚ ኣይኮነን ሞይቱ። ሮበርት ነታ ብመስዋእቲ ምሉእ ህዝቢ ዚምባብወን ምድንጋጽ ዓለምን ዝተረኽበት ናጽነት ናብ ውልቃዊ ንብረቱን ከም ውጽኢት ውልቃዊ ፍረ-ዕዮኡን ቖጺሩ፡ ነታ ተስፋ ተነቢሩላ ዝነበረት ሃገር መፈተኒ ጽሉል ፖሊሲታቱ ገይሩ ናብ ዑና ቐዪሩዋ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ሮበርት ሙጋበ ምስ ምንዋሕ ስልጣኑ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም እናዓበየን እና መጅለገን መጺኡ። ክሳብ ብካተተር ዝሸይንን ብ ኮስቱሞ ናይ ዳያፐር ዝኸይድን፡ ኣብ ኣኼባታት ትኽስ ዝብልን ዝገዝአ ንኣፍሪቃ ዝያዳ መስሓቕ ሸራፋት ዝገበረ ዲክታቶር እዩ። ጋሕ እንተበለ፡ እቲ ምቕሉል ብጻየይ-በዓል-መጽሓፍ ብዙሕ ዝጉህየሉ ኣይመስለንን።

MS/September 2019.

እዛ ፓርክስ ገለ ኣለዋ

እዛ ፓርክስ ገለ ኣለዋ

ትማል ምሸት እዩ፡ ክዛወር ንበይነይ
ኣብታ ዝፈልጣ ፓርክ፡ ኣብታ ናይ ክሉሻዓይ
ልስሉስ ንፋስ፡ ይድህስስ፡ ይቅስቅስ ኣካለይ
ጥዑም ሽታ መሮር፡ ወቕዖ መትንታተይ
ሓያል ዃረንቲ ነቕነቖ ንዝኽረይ//

ሮራ በቕላ’ዶ ይኸውን፡ እንድላል ወይስ ናቕፋ
ሃገር ዓቢ ወ ንኡሽ፡ ወይስ ኢሮታ
ወይስ ክልተ ሃይገት ወ ገለብ፡ ዝባውንቲ ከበሳ
ወይስ ልምዕቲ ሓልሓል፡ ወይስ ደብርሳላ
ወይስ ሰሜናዊ ባሕሪ፡ ገነታዊ ቦታ?//

እዛ ፓርክስ ገለ ኣላታ።

ጽሕዲ ቀላሚጦስ ዜግነት ዘይዓጦም
ምስ መቦቖላውያን ኣግራብ ተሳንዮም
‘ተን ወትሩ ፍሱሃት ኣዕዋፍ ፓርክና
በጻሕቲ ክስሕባ፡ይዝምራልና
ማይስትሮ ድማ ኣለወን ያዓሲና//

እዛ ፓርክስ ገለ ኣለዋ//

እነሀ እቲ ፋላስፋ፡ መጽሓፉ የነብብ
እቲ ቐባኣይ እውን ይስእል ይዕዘብ
እቶም ፍቑራት ተላጊቦም ከም ሓንቲ
ጻዕዳ ጸሊም፡ ስደተኛ ወዲ ዓዲ
እዛ ፓርክና ንኽሉ እኽልቲ//

እዛ ፓርክስ ገለ ኣለዋ።

ርሑስ ባሕቲ መስከረም፡ ንመዘከርታ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ

ርሑስ ባሕቲ መስከረም፡ ንመዘከርታ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ
A tribute to the father of Eritrean revolution: Hamed Idris Awate)

ኤርትራዊ ደምበ፡ ኤርትራዊ ኣተሓሳስባ፡ ኤርትራዊ ርእዮተ-ሓሳብ (ideal) ይኮስኮስ፡ ይዓምር፡ ይዓምብብ። ብደረጃ መራቶን ንሕሰብ፡ ትረኣየና ዘላ ድምቕቲ ኮኾብ መቸም ካብ ኩልና ኣይትኽወልን እያ። ዕላማ ገድልና ፍትሕን ማዕርነትን ግስጋሰን ዝዓሰላ ኤርትራ ንምህናጽ እዩ። ይኹን እምበር ናብታ ትረኣየና ዘላ ድምቕቲ ፋና ክንበጽሕ ክንብል ታህዋኽን ጸደፍደፍን ኣየድልን። ኣብቲ መገዲ ዘሎ ፈንጅታት ከይንረግጽ ጥንቁቕ ኣካይዳ ክንጥቀም እላቦ። ፍትሕን ደሞክራስን ምዕሩይ ምምቕራሕ ናይ ጸጋታትን ናይ ስልጣንን ዝረኣየላ ኤርትራ ንምህናጽ ዘይንቐስነሉ ዕላማና እዩ፡ ኣብ ደምና ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ሃንደፍደፍ ኢልና ከምተን ኣብ ኢደን ዝነበረ ጸጋታት ኣጥፊአን ኣብ ዘይውጻእ መዓት ተሸኺለን ዘለዋ ሃገራት ክንከውን የብልናን። እወ፡ ንርእዮ እንዲና ዘለና…እቲ ባይታ ብፈንጅታት መሊኡ ኣሎ፡ በብግዚኡ ድማ ሂም ይብል ኣሎ፡ ኢንትሃመል….ኣይትትሃመል ወዲ/ጓል ኤረ….

ቀዳሞት ሃገራውያን ንመራቶን ጉያ ተቐሪቦም ከም ዝነበሩ ካብቲ ኣቦ ሰውራ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ (ዓንጃ) ዝበሎ ቃላትን ንሱ ኣብታ ፋልማይቲ ለይቲ ዘመሓላለፎ ምህሮን ክንርዳእ ንኽእል።

ኣብ ትሕቲ እቲ ደረት ኣልቦ ቃልዕ ሰማያት ባርካ ዓባይ፡ መስርዕ ዘይኣኽሉ፡ በዝን በትን ዝተኣኻኸቡ ሰባት፡ ውሕስነት መግብን ዕጥቅን ዘይነበሮም፡ ሓደ ክልተ ዘይሰማማዕን ዘይገጣጠምን ኣረጊት ብረታት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝዓጠቑ፡ ብኽሉ መዳዩ ውጅብርብር ዝበሉ ዝመስሉ ግን ቆራጻት ሰብ መትከል ተኣኪቦም ይዝትዩ። “ከመይ ኢልና ኢና ነዚ ዝንኡ ኣብ ዓለም ገኒኑ ዘሎ እምብራጦር ሃይለስላሴን እቲ ንሱ ዝእዝዞ ብዝሒ ህዝብን ሰራዊትን ክንስዕር ንኽእል?” ዝብል ዓቢ ግድል ክፈትሑ ኣብ ዕቱብ ዘተ ይኣትዉ። ኣብታ ጸላም ለይቲ፡ እታ ከቢቦማ ዝነበሩ መጋርያ ጥራይ እያ ዋዕን ብርሃንን ተስፋን ኮይናቶም ዝነበረት፣ ከም ምንጪ ናይቲ ዘቃጽሎም ዝነበረ ሃገራዊ ፍቕሪ ክትምሰል እትኽእል መጋርያ። ብኽሉ ወገን ምስ ተሃድኑ እዮም። ኣግራብ ከይተረፈ ዘሻርወሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ንግዚኡ፡ እቶም ዝኣምንዎም ወገናት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። እተን በብግዚኡ ካብቲ መጋርያ ሓዊ ጠራዕራዕ እናበላ ናብ ክሉ መኣዝናት ዝወናጨፋ ዝነበራ ቑልዕታት ድማ ምጅማር ብረታዊ ቃልስን ምዝርጋሕ ናይቲ ገድሊ ናብ ክሉ መኣዝናት ኤርትራ ዘበስራ ዝነበራ ይመስላ። ኣብ ገጽ እቶም ተጋደልቲ ሓይልን ኒሕን ዝቐብአ ብርሃን ናይዛ ፋልማይቲ መጋርያ ሓዊ፡ ቀዳማይ ጉባኤ ናይቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ የተኣናግድ ነይሩ። ነቲ በዳሂ ህሞትን ንሱ ዘስዓቦ ቅዝነትን ግልህልህ ዘብል ዝመስል ናይ ተስፋ ብርሃን…

ከይበልዑ ብግምት 12 ሳዓት ኮይኑ እዩ፡ መን ይፈልጥ ካብኡ ንላዕሊ እውን ክኸውን ይኽእል። ኣብ ከባቢኦም ጸጸኒሑ ነቲ ጸጥታ ዝርብሽ ምንባሕ ኣኻልብ ይስማዕ፡ ኣዛብእ እውን መግቦም ዝማእርሩሉ ግዜ እዩ። ምንቃው ዝብኢ ‘ኳ ብዙሕ ኣየሻቕልን። ምንባሕ ኣኻልብ ግን ንዝያዳ ጥንቃቔ ዝዕድም እዩ። ከልቢ ፈታውን ጸላእን ካብ ኪሎመተራት እዩ ዘለሊ። ኣዝዩ ሓያል ናይ ምሽታት ክእለት ኣለዎ። ኣኻልብ ናይዘን ኣብ ከባቢኦም ዘለዋ ዓድታት ዳርጋ ፈተውቲ ናይቶም ተጋደልቲ ኮይኖም እዮም። እቶም ተጋደልቲ ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ግዜ ስለዝተመላለሱ፡ እቶም ኣኻልብ ዳርጋ ከም ሰብ ዓዲ ውሲዶሞም እዮም። ስለ’ዚ፡ ምንባሕ ኣኻልብ ወይ ንምምጻእ ናይቶም እግሪ-እግሮም ዝስዕብዎምን ዝሃድንዎምን ዝነበሩ ፖሊስ ዘመልክት ይኸውን፡ ወይ ድማ ናብቶም ነቲ ልሙድ ናይ ጥሜት ምንብሃቚን ምንቃውን ዝገብሩ ዝነበሩ ኣዛብእ ዝቐንዐ መጠንቀቕታ እዩ ክኸውን ዝኽእል ነይሩ።

ብዝኾነ፡ ኮማንዳንተ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ምኩር ወተሃደ እዩ ነይሩ፡ ኣብ ኣገደስቲ ቦታታት ዋርድያታት ክገብር ግድን እዩ። ኣብ ክንዲ ዋሕዶም ድማ እቶም ነዛ ናይ ተስፋ ሓዊ ኣኽቢቦም ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣዝዮም ተጓዲሎም። ድራር ድማ ቅሩብ ደንጉዩ፡ ሳዓት ዓስርተ ናይ ለይቲ ኮይኑ። ምሉእ መዓልቲ ድማ ክጓዓዙ ውዒሎም። ግን እቲ ዘተ ይቕጽል። ኣዝዩ ዕቱብ ዘተ። እዚ ዘተ እዚ ምውላድ ኤርትራ ዝውስን ስለዝነበረ፡ እቲ ብምዕራብ ክተኣኻኸብ ዝጀመረ ከቢድ ደበና ይኹን እቲ ጸጸኒሑ ዝትርብዖ ዝነበረ ዓይኒ ዝደጒሕ በርቅታት ብዙሕ ኣይተገደሱሉን። መዕቖብ እውን የብሎምን። እንተኸፍአ፡ ምናልባት ናብ እንዳ ሼኽ ዓወድ የብሉ ይኾኑ። ግን ዝኾነ ካልእ ሰብ ከቃልበሎም የብሉን።

እታ ሰማያዊት ባንደራ ኣብ ልዕሊ እቲ ግዘያዊ መዓስከር ምስ ሓያል ንፋስ ትጻፋዕ። ወሲኖም ድማ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ…ዕላምኦም ምሉእ ናጽነት ኤርትራ። ንሶም ከኣ ጀመርቲ ሰራዊት ሓርነት። እድሪስ ሓምድ ዓዋተ ከኣ ቀዳማይ ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ።

እታ ግድል ግን ገና ኣይተፈትሓትን፡ ከመይ ገርካ እዩ ነዚ ዓርመሾሽ ጸላኢ ትስዕር? ኣጽዋር ከበይ ይምጻእ? መግቢ፡ ክዳውንቲ፡ ፈውሲ… ኸ ብኸመይ ክርከብ እዩ? ኣብ መንጎ ግን ተቐማጦ እታ ብሰሜኖም ትርከብ ዓዲ ድራሮም ሒዞም ይመጹ። ገዓት ምስ ጸባን ጠስምን፡ ዝስተ ጸባ ኸኣ ከም ድላዮም…ሰለስተ ዓበይቲ ዓሙር (ኩሮ)—ውዑይ ሓሊብ መጢቕ፡ ዝጎሃረ ኣእማን ኣብ ኣብ ውሽጢ እቲ ኩሮ ኣእቲኻ እዩ እቲ ጸባ ዝፈልሕ…ጓህሪ ዓጢቖም፡ ጓህሪ ዝቕለቡ፡ ናብ ጓህሪ ዘነቐሉ ቀዳሞት ተጋደልቲ ኤርትራ ተቐላጢፎም ይድረሩ።

እቶም ኣብ ካባቢኦም ዝነበሩ ተቐማጦ ምስ ደቀሱ፡ ናብቲ ከም መድዋድቖ ናይታ ለይቲ ኮይኑ ዝተመርጸ ቦታ ክቕይሩ እዮም። ድሕነቶም ወትሩ ኣብ ሓደጋ እያ። ሞት መዓስን በየንን ከም ትመጽእ ዘይትፈልጠሉ እዋን እዩ። ዑቕባ ዝህቦም እቲ ህዝቢ እዩ። ዋልተኦም እውን ንሱ እዩ። እምበር፡ ዝወጽዎ ክሳድ መጻወድያ ክኸውን ይኽእል፡ ዝረኸብዎ ማይ ተሰሚሙ ክኸውን ይኽእል፡ ዘጓነፎም ሓላፍ መገዲ ሰላይ ክኸውን ይኽእል። ጥንቁቓት ክኾኑ ኣለዎም። ኮማንዳንተ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ እንዶ የለን…ናይ ደባይ ክኢላ እዩ።

ኣስማትን ዓይነትን ኣግራብ ናይቲ ከባቢ ኣዳቒቑ ይፈልጥ፡ ዝብላዕን ዝስምምን ፍረን ሱርን ከለሊ ቀንዩ። ድራር ዘይርከቦ እዋናት ስለዘሎ። ክሳብ ሕጂ ዘለዉ ሰዓብቱ ደቂ እቲ ከባቢ ኮይኖም ኣብ ዕስክርና ተመክሮ ዘለዎም ስለዝኾኑ፡ ኣብ በረኻ ንምንባር ዘድሊ ጥበብ ክምህሮም ኣየድልዮን፡ ግን ንኹላ ኤርትራ ክውልዕ መደብ ስለዘለዎ፡ ደቂ ከተማታት ምምጸኦም ኣይተርፎምን እዩ። ተተሓሒዝዎ ዘሎ ጉዕዞ ነዊሕ ከምዝኸውን ዝጠፍኦ ኣይመስልን። ክሉ ምንቅስቃሳቱ ንናይ መራቶን ጉያ ዝሓለነ እዩ ዝመስል።

ኣባላት ናይዛ መስርዕ ኣብ ልዕሊ ሓምድ (ዓንጃ) ኣዝዩ ልዑል እምነትን ኣኽብሮትን ኣለዎም። ህዝባዊ ምንቅስቃሳት ብባህሪኦም፡ ሰባት ዘኽብርዎምን ዝስዕብዎምን መራሕትን ኣርማታትን (symbols) ክህልዎም የድሊ። እዛ መስርዕ ናይ ቀዳሞት ተጋደልቲ ኤርትራ በዚ መዳይ እዚ ዕድለኛ ነይራ። ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ከም መራሒ፡ እታ ሰማያዊት ለምለም ድማ ከም ኣርመኦም ርዒሞም ናብቲ ቀንዲ ግጥም የማዕድዉ ኣለዉ። ብግስ ከይበሉ ሃገር ዝኾኑ ኮይኖም ተሰመዖም፡ ምትእምማን ዓሰሎም፡ ገጾም እና ፋሕሸወ ከይዱ። እቲ ንሰማያት ምዕራባዊ ወገን ባርካ ክቐላልዕ ዝጸንሐ በርቂ ክሃድእ ጀሚሩ፡ እቶም ኣኻልብ እውን ህዋሳቶም ዘበራብር ድምጽታት ይኹን ሽታ ግዲ ስኢኖም ድቃስ ዝወሰዶም ይመስል….

ናብቲ መሕደሪኦም ክኸውን ዝተመርጸ፡ ናብቲ ብወገን ደቡብ ዝርከብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ክንቀሳቐሱ እዮም። ቅድሚ ንቕሎ ግን ኣብዘን ዝስዕባ ተሰማሚዖም፦
1. መስለነታት ሃጸይ ሃይለስላሴ ንሓምድ እድፍሪስ ዓዋተ ብሽመትን ገንዘብን ከስድዕዎ ዝተገብረ ፈተነታት ገምጊሞም፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሰላማዊ መገድታት ከካይዶ ዝጸንሐ ቃልሲ ርእዮም፡ ናይ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ) ንጥፈታት እውን ገምጊሞም፡ ንዓመጽ ብዓመጽ ክገጥምዎ እንተዘይኮይኑ ካልእ ምርጫታት ክሉ ከምዝተጸንቀቐ ኣስሚሮምሉ።
2. እቲ ዘበግስዎ ገድሊ፡ ንምሉእ ናጽነት ኤርትራ ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ ምኻኑ፡ እዚ ክኸውን ድማ እታ ንበይኖም ዝስሕንዋ ዝነበሩ ሓዊ፡ ኤርትራውያን ክዓስልዋ ከምዝግባእ ተሰማምዑ። ናብ ከተምማታትን ከበሳን ዝባጻሕ መልእኽታት ኣዳለዉ። ሓምድ ኣብ ዕስክርና ጣልያን ዝተዓረኾም ብዙሓት ደቂ ከበሳ ነይሮም እንድዮም፡ ክረኽቦም ወሰነ። ነቲ ዓርመሾሽ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ክገጥሙ ኣንተኮይኖም “… ብሃይማኖትን ቀቢላን ተፈላልዩ ዘሎ ህዝብና ፍልልያቱ ወጊዱ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ከምዝተወልዱ ኣሕዋት ኮይኑ ክቃለስ ኣለዎ” ኢሉ ሓምድ ይውስን። [ካብ መጽሓፍ ኣለምሰገድ ተስፋይ ዝተወስደ ጠቕሲ. courtesy: FB page of Almaz Zerai].
3. ኣብቲ ዝንቀሳቐሱሉ ከባቢ ከም መተካእታ መንግስቲ ኮይኖም፡ ህዝቢ ብሕግን ፍትሕን ከመሓድሩ ወሰኑ።
4. ናብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝኸይድ መልእኽታትን ልኡኻትን ወሰኑ።
5. በብመድረኹን ብዓቕሞምን ክፍጽምዎ ዝኽእሉ ስርሒታት ኣለልዮም። ጽባሕ ናብ ስራሕ ክብገሱ እዮም። ንሕጂ ግን ከባቢኦም እናተኸታተሉ ናብ ተሽኪሎም… ቀዳመይቲ ለይቲ ኣብ ቀዳማይ ድፋዕ ሰውራ ኤርትራ። እቲ ብመራቶን ክግለጽ ዝከኣል ጉዕዞ ናጽነታዊ ቃልሲ ከምዝፈለምዎን ድሕሪ እታ ኣብ ክሊ እታ መጋርያ ዘካየድዎ ጉባኤ፡ ነግ-ፈረግ ከምዘየለን ግን ነብሰወከፎም ወሲኑ እዩ ናብታ ንመሕደሪኦም ዝተመርጸ ተሽኪል ዝተበገሱ….ብዙሕ ውረድ ደይብን ከቢድ መስዋእትን ከጋጥም ምዃኑ ኣረጋጊጾም እናፈለጡ እዮም ናብራ ገድሊ ኣሃዱ ኢሎም ጀሚሮሞ። ኣብ ገጾም ፍጹም ምትእምማን ይንበብ… ኣካይደኦም ምዙን፡ መንፈሶም ህዱእ…ኣንበሳ በረኻ ኣሎ፡ ጽባሕ ዓወት ኣሎ….