



LATEST POSTS
MUSIC and arts
ቀዳሞት ደርፍታት ህ/ ግንባር
ብኣጋጣሚ መበል 29 በዓል ናጽነት ናይ ምዝንጋዕ ወፈያታት ይቕጽል ኣሎ፡) ቀዳሞት ደርፍታት ህዝባዊ ግንባር 1- ኢትጃምም ዕንታቼ ዎ ኢትብኬ2- ሕደጉኒ፡ ሕደጉኒ ምስል ሓውዬ ለሓይሰኒ3- ኣበይ ኣሎ ብጻይ ተጋዳላይ4- ዓይኖም ሰለም ዘየብሉ5- መዝሙር ስዉኣት ትግረ= እግል ሕርየት ሸዐብና፡ ለአስተሽሀደው ሐውና6- መዝሙር= ስዉኣት ብጾትና ዘብጻሕኡም ኣብ ግብሪ6- ኤረየ ንዒን’ዶ ተሎ7- ዕድል ኣለኒ ግንባር ኣለኒ ምስ ህዝባዊ ግንባር…
ደሓን ኩኒ ባርነት
ሻውዓይትን ናይ መወዳእታን ናይቲ ብምኽንያት በዓል ናጽነት ክቐርብ ዝጸንሐ እዛ ደርፊ እዚኣ ምስታ ኣቀዲመ ምስ ዝክርታት ቤት ትምህርቲ ሰውራን ጉጅለ ባህሊ ቤት ትምህርቲ ሰውራን ዘቕረብክዋ ደርፊ ተመሳሳሊ ድሕረ ባይታ ኣለዋ (ትሕት ኢልኩም ፈትሽዋ)። ዝፈልያ እንተሎ ትሕዝቶኣን ደራፊታን እዮም። ትሕዝቶኣ ብዛዕባ ምቕንጣጥ ባርነት ዘዘንቱ እዩ። ” ደሓን ኩኒ ባርነት” ትብል ስውእቲ ሃና ጓል መንደቕ፡ ደሓን ኩኒ…
ዝኽሪ ናይ ሓንቲ ደርፊ
ነዛ ዕዳይ ቅልጥፍ-ቅልጥፍ ኢለ ክኸፍላ። ብምኽንያት መበል 29 በዓል ናጽነት፡ 7 ሰውራውያን ደርፍታት ከቕርብ ካብ ዝተኣዘዙ ሓደ እየ’ሞ ንሎሚ ራብዓይቲ ደርፊ ከቕርብ። ሎሚ ንገዛይ ማለት ንቤት-ትምህርቲ ሰውራ እተዘኻኽር ደርፊ ከቕርበልኩም እየ። ምስኡ ዝመጽእ ድማ ሓያል ዝኾነ ዋሕዚ ዝኽርታት ኣሎ እንድዩ። “ተዓገሲ ነብሲ” እናበልኩ ገለ ድሕረ-ባይታ ናይዛ ደርፊ ክጸውየኩም። 1- ብዛዕባ ቤትም-ትምህርቲ ሰውራ ብዙሕ ጉጉይ መረዳእታታት…