Categories
Focused Commentaries

Game Over

Game over ማለት ጸወታ ኣብቂዑ እዩ ማለት እዩ። እዚ ድማ ንሓደ ተንኮለኛ ናይ ክፍኣት ጸወትኡ ወይ ተርኡ ምስ ዘብቅዕ ወይ ድማ ተፈሊጡ መአደቢ ስጉምቲ ምስ ዝውሰደሉን ካብቲ ናይ ተንኮልን ውዲትን ፍሕሶ ዝኾነ ስርሑ ምስ ዝባረር ዝበሃል እዩ። ” ተፈሊጥካ ኢኻ፡ መዓልትኻ ኣኺላ እያ፡ ደጊም ኣብ ዙፋን ተንኮልን ውዲትን ተወጢሕካ ክትሽንክር ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ቻው… ” ንምባል እዩ ዝመጽእ እዚ ዓይነት ኣገላልጻ።

ጸወታ ወያነ ኣብቂዑ ክበሃል ከሎ ድማ፦

1- ኣብ ኢትዮጵያ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ዝነበሮ ተራ ኣብቂዑ

2- እቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ መሊኹን ኣርዒዱን ዝነበረ ቅልጽሙ ተሰይሩ ጥራይ ዘይኮነስ ጥሕንሕን ኢሉ

3- እቲ ንጸጋታትን ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያን ወኒኑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክገብሮ ዝጸንሐ ዓመጽ ኣብቂዑ

4- እቲ ንጸጋታት ኢትዮጵያን ግዝፊ ኢትዮጵያን ሒዙ ኣብ ዞባና ዝገብሮ ዝነበረ ምትርምሳት ኣብቂዑ

5- ከም ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፖለቲካውን ጸጥታውን ቁመና ፈሪሱን ተበታቲኹን

6- ኣብ ትግራይ ዝነበሮ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቁመና በኒኑ

7- ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ቁጠባዊ ዕብለላ ኣብቂዑ

8- ከምቶም ቅድምኡ ኣብ ታሪኽ ዝተራእዩ፡ ከም በዓል ሰልፊ ናዚ ናይ ጀርመን፡ ዳግም ከይትስእን ከይውለድን ብሕጊ ክኽልከል እዩ።

9- ንሱ ኣብ ኢዮጵያን ኣብቲ ዞባን ዘተኣታተዎ ሰራም ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ዓሌታዊ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ ክሕጸብ እዩ።

10- ንሱ ብሓይሊ ዝገበቶም ህዝብታትን መሬትን መሰል ርእሰ ውሳነ ክረኽቡ እዮም

11- ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሃገሩ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ቁመና ካብታ ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሓዘላ ዓመት ንታሕቲ ኣውሪድዎ ይግለፍ ኣሎ። ንተጋድሎን መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ ሓሺሹ ከብዱ ዘርጎደ ጃንዳ ኮይኑ ክዝከር እዩ።

12- Game over ማለት እዚታት እዩ። ምልቃም መራሕቱ ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ። ከም ፖለቲካውን ወተሃዳራውን ሓይሊ ግን ድሮ ኣብቂዑ እዩ። ህይወት ዝዘርኣሉ ሓኪም ይኹን ትእምርቲ የለን።

Game over ከምዚታት እዩ ያ ጀማዓ። That’s what game over looks like.

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s