Focused Commentaries

ብሓድሽ መንፈስ ናብ ሓድሽ መድረኽ

ክቡራት ተኻታተልተይ፡ ኣዕሩኽ፡ ነቀፍቲ… ጽሑፋተይ ከም ትከታተሉ ትነግሩኒ ኢኹም። ተተባብዑኒ—ሃናጺ ነቐፈታኹም እውን ተፈልዩኒ ኣይፈልጥን። እንሓንሳብ ካብቲ ኣነ ብዛዕባ ነብሰይ ዝሓስቦ ንላዕሊ ኣኽቢድኩም ትጽዕኑኒ ኢኹም። ስለ’ቲ ምትብባዕኩም ብዓጸፋ ከመስግነኩም እፈቱ። ብፍላይ እቲ ካብ መንእሰያት ዝመጸኒ መልሰ-ዕንጋለ መኣዛን ቫይታሚንን እዩ። ክሳብ ሕጂ፡ ነቲ ብስም ተቓውሞ ዝፍለጥ ጫካ ይኹን ንመንግስቲ ዝምልከት ይጠቅም ዝበልክዎ ነቐፈታታት ክጽሕፍ ጸኒሐ። ብዙሓት ነቲ…

ምልኻዕ ወረ

“ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ክግበር ዝጸንሐ ኲናት ዝነበሮ ምትእትታው ክሓብእ ኢሉ ንውጉኣቱ ኣብ ኲናት ይቐትሎም ወይ የዳግሞም ኣሎ” ዝብል ወረ ክላባዕ ጸኒሑ። ኣካል ናይ’ቲ ወያነ ዘዋፈሮ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን ዘመተ እዩ ዝብል እምነት ስለዝጸንሓኒ፡ ንወያነ ድማ ከም ሓደ ሓሶት ዝሽትት ግዛዕ ስለእንፈልጦ፡ እንታይ ሓድሽ ኣለዎ ኢለ ክኸይድ ጸኒሐ። ብዛዕብኡ ክሕንጥጥ ኣይመረጸንኩን። ይኹን…

Game Over

Game over ማለት ጸወታ ኣብቂዑ እዩ ማለት እዩ። እዚ ድማ ንሓደ ተንኮለኛ ናይ ክፍኣት ጸወትኡ ወይ ተርኡ ምስ ዘብቅዕ ወይ ድማ ተፈሊጡ መአደቢ ስጉምቲ ምስ ዝውሰደሉን ካብቲ ናይ ተንኮልን ውዲትን ፍሕሶ ዝኾነ ስርሑ ምስ ዝባረር ዝበሃል እዩ። ” ተፈሊጥካ ኢኻ፡ መዓልትኻ ኣኺላ እያ፡ ደጊም ኣብ ዙፋን ተንኮልን ውዲትን ተወጢሕካ ክትሽንክር ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ቻው… “…

ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉ

እንቋዕ ከይሞትኩ ነዚ ረኣኹ። ሕጂ እውን – ምስጋና ነቲ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ። ኩሉ ግዜ ጅግና። – ምስጋና ነቲ ውሕሉል ኣመራርሓ መንግስትና – ምስጋና ነቲ ዘይጸዓድ ህዝብናቆፎ ናይ’ዛ ርግምቲ ጭፍራ ኣብ ሓጺር እዋን ፋሕፋሕ ክብል ዘበርከትካዮ ተራ ታሪኽ ብኣድናቖት ክዝክሮ ምዃኑ ኣይጠራጠርን። እቲ ሰርቢ ዝግ ምስ በለ፡ ውዕሎኻ ክጽወ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ከመስግነካ እዩ ህዝቢ…

ዓደይ፡ ሃገረ ብዙሓን

ኣነ ኣስላማይ እየ። ንሓጎስ ዓርከይ ኣሚነ ቀሲነ እሓድር። ኣበባ ጓል ከበሳ እያ። ነታ ጓል መታሕት ዝኾነት መሓዝኣ በኺታ ኣሚና ቀሲና ትሓድር። መስጊድን ቤት ክርስትያንን ጎረባብቲ ኮይኖም ብእዛንን ደወልን “ሓደርኩም” ይበሃሃሉ። ትሽዓተ ቋንቋታት፡ ምዕሩግ ኣልባሳት፡ ዓደይ ዓዲ ብዙሓን። እዚ ዘይወሓጠሉ ብዛዕባ ኤርትራውነት ርእስና ከሕብጥ የብሉን።ገለ ገለ ሰባት፡ ብሓሳብ ወይ ምጉት ምስ ዝሰዓሩ ናብ ፈላላዪ ዝኾነ ቋንቋ…

ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ኣብ ኲናት ከም ዝወለዐ ይእመን

ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ኣብዘን ዝሓለፋ 22 ዓመት ክእከብ ዝጸንሐ ኣጽዋራት ኲናት ኢትዮጵያ ንምምራኽን ኣብ ልዕሊ ናይ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ብተዘዋዋሪ ይእመን። እዚ ከም pre-strike ወይ ንዘይተርፍ ነገር ኣቀዲምካ ንምምካን ዝግበር ወተሃደራዊ ስልቲ ኣብዚ ሓጺር እዋን ንወያነ ይጠቅም ይኸውን። ኣብ ዝተናወሐ እዋን ግን ዘዋጽእ ኣይኮነን። በዚ ስጉምቲ እዚ ድማ፡ ማለት ኣብ ልዕሊ…

Loading…

Something went wrong. Please refresh the page and/or try again.