Categories
Focused Commentaries

ብሓድሽ መንፈስ ናብ ሓድሽ መድረኽ

ክቡራት ተኻታተልተይ፡ ኣዕሩኽ፡ ነቀፍቲ… ጽሑፋተይ ከም ትከታተሉ ትነግሩኒ ኢኹም። ተተባብዑኒ—ሃናጺ ነቐፈታኹም እውን ተፈልዩኒ ኣይፈልጥን። እንሓንሳብ ካብቲ ኣነ ብዛዕባ ነብሰይ ዝሓስቦ ንላዕሊ ኣኽቢድኩም ትጽዕኑኒ ኢኹም። ስለ’ቲ ምትብባዕኩም ብዓጸፋ ከመስግነኩም እፈቱ። ብፍላይ እቲ ካብ መንእሰያት ዝመጸኒ መልሰ-ዕንጋለ መኣዛን ቫይታሚንን እዩ። ክሳብ ሕጂ፡ ነቲ ብስም ተቓውሞ ዝፍለጥ ጫካ ይኹን ንመንግስቲ ዝምልከት ይጠቅም ዝበልክዎ ነቐፈታታት ክጽሕፍ ጸኒሐ። ብዙሓት ነቲ […]

Categories
Focused Commentaries

ምልኻዕ ወረ

“ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ክግበር ዝጸንሐ ኲናት ዝነበሮ ምትእትታው ክሓብእ ኢሉ ንውጉኣቱ ኣብ ኲናት ይቐትሎም ወይ የዳግሞም ኣሎ” ዝብል ወረ ክላባዕ ጸኒሑ። ኣካል ናይ’ቲ ወያነ ዘዋፈሮ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን ዘመተ እዩ ዝብል እምነት ስለዝጸንሓኒ፡ ንወያነ ድማ ከም ሓደ ሓሶት ዝሽትት ግዛዕ ስለእንፈልጦ፡ እንታይ ሓድሽ ኣለዎ ኢለ ክኸይድ ጸኒሐ። ብዛዕብኡ ክሕንጥጥ ኣይመረጸንኩን። ይኹን […]

Categories
Focused Commentaries

Game Over

Game over ማለት ጸወታ ኣብቂዑ እዩ ማለት እዩ። እዚ ድማ ንሓደ ተንኮለኛ ናይ ክፍኣት ጸወትኡ ወይ ተርኡ ምስ ዘብቅዕ ወይ ድማ ተፈሊጡ መአደቢ ስጉምቲ ምስ ዝውሰደሉን ካብቲ ናይ ተንኮልን ውዲትን ፍሕሶ ዝኾነ ስርሑ ምስ ዝባረር ዝበሃል እዩ። ” ተፈሊጥካ ኢኻ፡ መዓልትኻ ኣኺላ እያ፡ ደጊም ኣብ ዙፋን ተንኮልን ውዲትን ተወጢሕካ ክትሽንክር ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ቻው… ” […]

Categories
Focused Commentaries

ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉ

እንቋዕ ከይሞትኩ ነዚ ረኣኹ። ሕጂ እውን – ምስጋና ነቲ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ። ኩሉ ግዜ ጅግና። – ምስጋና ነቲ ውሕሉል ኣመራርሓ መንግስትና – ምስጋና ነቲ ዘይጸዓድ ህዝብናቆፎ ናይ’ዛ ርግምቲ ጭፍራ ኣብ ሓጺር እዋን ፋሕፋሕ ክብል ዘበርከትካዮ ተራ ታሪኽ ብኣድናቖት ክዝክሮ ምዃኑ ኣይጠራጠርን። እቲ ሰርቢ ዝግ ምስ በለ፡ ውዕሎኻ ክጽወ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ከመስግነካ እዩ ህዝቢ […]

Categories
Focused Commentaries

ዓደይ፡ ሃገረ ብዙሓን

ኣነ ኣስላማይ እየ። ንሓጎስ ዓርከይ ኣሚነ ቀሲነ እሓድር። ኣበባ ጓል ከበሳ እያ። ነታ ጓል መታሕት ዝኾነት መሓዝኣ በኺታ ኣሚና ቀሲና ትሓድር። መስጊድን ቤት ክርስትያንን ጎረባብቲ ኮይኖም ብእዛንን ደወልን “ሓደርኩም” ይበሃሃሉ። ትሽዓተ ቋንቋታት፡ ምዕሩግ ኣልባሳት፡ ዓደይ ዓዲ ብዙሓን። እዚ ዘይወሓጠሉ ብዛዕባ ኤርትራውነት ርእስና ከሕብጥ የብሉን።ገለ ገለ ሰባት፡ ብሓሳብ ወይ ምጉት ምስ ዝሰዓሩ ናብ ፈላላዪ ዝኾነ ቋንቋ […]

Categories
Focused Commentaries

ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ኣብ ኲናት ከም ዝወለዐ ይእመን

ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ኣብዘን ዝሓለፋ 22 ዓመት ክእከብ ዝጸንሐ ኣጽዋራት ኲናት ኢትዮጵያ ንምምራኽን ኣብ ልዕሊ ናይ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ብተዘዋዋሪ ይእመን። እዚ ከም pre-strike ወይ ንዘይተርፍ ነገር ኣቀዲምካ ንምምካን ዝግበር ወተሃደራዊ ስልቲ ኣብዚ ሓጺር እዋን ንወያነ ይጠቅም ይኸውን። ኣብ ዝተናወሐ እዋን ግን ዘዋጽእ ኣይኮነን። በዚ ስጉምቲ እዚ ድማ፡ ማለት ኣብ ልዕሊ […]

Categories
Focused Commentaries

ንውድቀት ወያነ ክዉን ዝገበሩ

ንውድቀት ወያነ ክዉን ዝገበሩ 1- ጸዋርን ዓቃልን ህዝቢ ኤርትራ 2- ጸዋርን ዓቃልን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ 3- መስተውዓልን ጸዋርን ዓቃልን መሪሕነት ኤርትራ 4- መስተውዓልን ጸዋርን ዓቃልን መሪሕነት ኣቢ ኣሕመድን፣ ወያነ ነቲ ኲናት ምስ ኣባርዐ ዓቢ ኣሕመድ ዝወሰዶ ቆራጽ ውሳነን በሊሕ ኣመራርሓን 5- ክቱር ዕሽነትን ብደዐን ናይ መሪሕነት ወያነ። ብቀደሙ ግዳ ስዉእ ብጻይ ጀነራል ውጩ ንመሪሕነት ወያነ […]

Categories
Focused Commentaries

ጉጉይ መጸዋዕታ

ነቲ ” ምስ ወያነ ኴንና ክንሰርሕ” ዝብል መርገጺኡ ንጎኒ ገዲፍና- ወያነ ስለዝሞተ- መስፍን ሓጎስ እንተ ወሓደ፡ ነቶም ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ከምኡ እውን ንህዝቢ ኤርትራን ኣብ ዘይወዓልዎ ከም ወረርትን ዘመትትን ዘቕርብዎም ዘለዉ ወገናት ዓገብ ክብል ምተገበኦ። ብኣንጻሩ ነቶም “ምስ ሓይልታት ኤርትራ ደው ኢልና ኣለና’ ዝበልና ክነቅፍ ወሲኑ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ጻውዒታት ኣየድልዮን እዩ። […]

Categories
Focused Commentaries

ኣይትሸገሩ ኣሕባብና ደቂ ኤርትራ። ናብ ጓል መገዲ ከጽደፈኒ ዝድርበ ዘሎ መዳርጒሕ ኣይትገደሱሉ። ሓይሉ ወዲኡ ዘፍ ክብል እዩ። ብድሑር ስምዒታት ዝኸሰንን ናብ ደረጅኡ ከስጥመኒ ሒዂ ዝብል ዘሎ ሰብ ኣይክምልሰሉን እየ። ግን ከምቲ ትገብርዎ inbox ጥራይ ግበሩለይ ንኣፍልጦይ። ደጊም ምግምማዕ መሳርዕ ይኣክል። ንመንግስቲ ኤርትራን ንሻዕብያን ድማ ልዕለይ ኣይይሕለቐሉን እዩ እዚ ሰብ እዚ። This is a fact. ብዛዕባ […]

Categories
Focused Commentaries

15 ዓመት ብመንጽር 15 መዓልቲ

“መቀለ ክበጽሑ 15 ዓመታት ወሲድሎም። ንሕና ግን ኣብ 15 መዓልቲ መቀለ ኣቲና” ኢሉ ሓጪጭሎም ንወያነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ። ዝረሰዓ ነጥቢ እንተላ፡ ወያነ ተዋጊኡ ኣይኮነን ንትግራይ ሓሪርዋ። ወያነ ምስ ሻዕብያ ኮይኑ ኣብ ሸረ እንዳስላሰን ከባቢኡን ዝነበረ ኮር 604 ምስ ተደምሰሰ፡ ሻዕብያ ድማ ነቲ ዝሓየለ ግንባር ናቕፋ ደምሲሱ፡ ንከረን ሸቢቡ ናብ ምጽዋዕን ኣስመራን የቋምት ስለዝነበረ፡ ደርግ ባዕሉ […]