Categories
Focused Commentaries

ወያናይ ደባይ ኲናት?

ናይ ደባይ ኲናት ክንጅምር ኢና ዝብል ድየ ዝሰምዕ ዘለኹ? ወያነ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብቂዑ እዩ። ዝቆጻጸሮ ግዝኣት ይኹን ህዝቢ የብሉን። ከም ተራ ጭፍራ ሸፋቱ ኮይኑ ንሓጺር እዋን ክኹብልል ይኽእል እዩ/ እቲ ዳንጋ ናይ ቀደም ደኣ የለን እምበር። ግን ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ተደምሲሱ እዩ። ኲናት መቀጸልታ ፖለቲካ እዩ ይበሃል። ንሓደ ብሰላም ክጭበጥ ዘይተኻእለ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምውቃዕ […]

Categories
Focused Commentaries

ሳዕቤን ናይቲ ወያነ ዝወለዖ ኲናት

እዚ ኲናት ይንዋሕ ይሕጸር ብምድምሳስ ጃንዳ ወያነ ክዛዘም እዩ። እዚ እቲ ናይ ሓጺር ግዜ ሸቶ እዩ። ሳዕቤናቱ ግን ንዞባና ዝቕይር ክኸውን እዩ። 1- ዓባይ ትግራይ ንምምስራት ዝነበረ ሕልምን ጥሙሓትን ገዛእቲ ሓይልታት ትግራይን ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ሰብ ረብሓን (elite class)፡ ብጂኦግራፍን ብፖለቲካን ብቑጠባን ኣኽቲሙ እዩ። ሀ- ብጂኦግራፊ= ልሙዕ መሬት ዋልቃይትን ራያን ካልኦት ብሓይሊ ናብ ትግራይ ዝተገበቱ ሰፋሕቲ […]

Categories
Focused Commentaries

ኣድላይነት ናይ 72 ሳዓታት

ብናተይ ገምጋም ቶዂሲ ደው ከብሉን ኢዶም ክህቡን ናይ 72 ሳዓት ዕድል ዝተዋህቦም፡ እቶም ኣእዳዎም ብደም ዝጨቀወ መራሕቲ ጃንዳ ወያነ ብሰላም ኢዶም ክህቡ እዮም ዝብል ገምጋም ስለዝነበረ ዘይኮነስ፡ ነዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ኮይኑ ይስመዓኒ። 1- እቲ ብሳልሳይ መድረኽ ዝግለጽ ዝቅጽል ውግእ ክልተ ገጻት ክህልዎ ትጽቢት ይግበረሉ። ቀዳማይ ገጽ ነቲ ብኹሉ መኣዝን ናብ ኣከባቢ መቀለ ዝተደፍአ ሓይሊ ናይ’ዚ […]

Categories
Focused Commentaries

ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት

ኩሉ ኣብዚ ዝጥቀዖ ኲናት ንምቅንጃው ወይ ንምድማቕ ወይ ድማ ብሕሰም ካልኦት ንምድሳት ዘይኮነስ ንትምህርትን ምምክኻርን እዩ። ኲናት ግናይ እዩ። ዕንወት እዩ። ብዛዕባ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝምህር የለን። ግን ኲናት ካብ ወደቐካ ብውሑድ ክሳራ ክትዕወተሉ ኢኻ ትብገስ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ክሳብ ክንደይ ክጸልወና እዩ ንዝብል ቅሩብ ሓበረታታት ክንእክብ ከድልየና እዩ። ኣብ […]

Categories
Focused Commentaries

ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ውግእ ባዕሉ ከም ዝወለዖ ይእመን

ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ኣብዘን ዝሓለፋ 22 ዓመት ክእከብ ዝጸንሐ ኣጽዋራት ኲናት ኢትዮጵያ ንምምራኽን ኣብ ልዕሊ ናይ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ብተዘዋዋሪ ይእመን። እዚ ከም pre-strike ወይ ንዘይተርፍ ነገር ኣቀዲምካ ንምምካን ዝግበር ወተሃደራዊ ስልቲ ኣብዚ ሓጺር እዋን ንወያነ ይጠቅም ይኸውን። ኣብ ዝተናወሐ እዋን ግን ዘዋጽእ ኣይኮነን። በዚ ስጉምቲ እዚ ድማ፡ ማለት ኣብ ልዕሊ […]