እዚ ኲናት ይንዋሕ ይሕጸር ብምድምሳስ ጃንዳ ወያነ ክዛዘም እዩ። እዚ እቲ ናይ ሓጺር ግዜ ሸቶ እዩ። ሳዕቤናቱ ግን ንዞባና ዝቕይር ክኸውን እዩ።
1- ዓባይ ትግራይ ንምምስራት ዝነበረ ሕልምን ጥሙሓትን ገዛእቲ ሓይልታት ትግራይን ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ሰብ ረብሓን (elite class)፡ ብጂኦግራፍን ብፖለቲካን ብቑጠባን ኣኽቲሙ እዩ።
ሀ- ብጂኦግራፊ= ልሙዕ መሬት ዋልቃይትን ራያን ካልኦት ብሓይሊ ናብ ትግራይ ዝተገበቱ ሰፋሕቲ ቦታታት ናብ ናይ ቀደምም ክምለሱ እዮም። “ዓባይ ትግራይ” ኣመና ክትንእስ እያ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ወጻኢ ዓለም ዘይትራኸብ ኮይናን ተሸምቂቓን፡ እትሰርር መንግስቲ (viable state) ኣብ ዘይትኾነሉ ደረጃ ክትወርድ እያ። እዚ ማለት ድማ፡ ጥሙሓት ምንጻልን ናጽነትን (ዓንቀጽ 39) ክበንን እዩ።
ለ- ብፖለቲካዊ ዓይኒ= በዚ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ ክሕደታዊ መጥቃዕቲ፡ ገዛእቲ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ክህልዎም ዝኽእል መጻኢ ተራ ኣዝዩ ጎዲኦሞ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝጸሓፍክዎ ጽሑፍ ክሕብሮ ከም ዝፈተነ፡ “ትግራዎት ኣብ ዕድመና ዳግም ከም ቀንዲ ገዛእቲ ወይ ተዋሳእቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣይክንርእዮምን ኢና” ኢለ ነይረ። እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ዝወሰድዎ ጸረ ቅዋምን ዘይሓላፍነታዊ መጥቃዕትን ድማ ነዚ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተገብረ ገምጋም መሊሱ የራጉዶ። ስለ’ዚ፡ በቲ ነዚ ኲናት ስዒቡ ክመጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ ዳግመ ገምጋምን ዳግመ ስርርዕን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ኢትዮጵያን ምናልባሽ እውን ቅዋማዊ ምምሕያሻትን፡ ሕልሚ ሪፓብሊክ ትግራይ እንተወሓደ ኣብዚ ቀረባ መጻኢ በኒኑ እዩ።
ሐ- ቑጠባ= ኣብዘን ሳላሳ ዓመታት ዝተዘምተ ሃብቲ ኣብ ኢድ ውሑዳት ትግራዎት እዩ ጸኒሑ። ህዝቢ ትግራይ ኣይረብሓሉን። ንሱ እውን ሕጂ ኣብ ቁጽጽር ፈደራላዊ መንግስቲ ክኣቱ እዩ። “ዝበላዕኩሞ ምለሱ” ክኸውን እዩ። እቲ ዝቐውም ሓድሽ ምምሕዳር ትግራይ፡ ካብቲ ወራርን ጎባጥን ገባትን ኣተሓሳስባታት ወያነ ናጻ ምዃኑ ንጎረባብቱ ይኹን ንንግዳዊ መሻርኽቲ ትግራይ ከእምን ዓቢ ስራሓት ይጽበዮ ኣሎ።
መ- ማሕበራዊ= ብሰንኪ ውሑዳት ሸውሃቶም ዘይዓግብ መራሕቲ ወያነን መጋብርቶምን፡ ኣብዚ ናይ ቀረባ መጻኢ፡ ትግራዋይ ኣብ ኢትዮጵያ ተንቀሳቒሱ ክሰርሕን ሃብቲ ከኻዕብትን ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ርእሱ ኣቕኒዑ ከይንቀሳቐስን ጸገም ከጓንፎ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኣብ መንግስታዊ መዋቕራት ይኹን ከም መሻርኽቲ ንግዲ ኮይኑ ብናጻ ክነብር ነዊሕ ናይ ሕውየትን ተሃድሶን መድረኻት ከድልዮ እዩ። ናይ ተነጽሎን ዘይምትእምማንን መንፈስ ክበነሉ ግዜ ክወስድ እዩ።
መራሕቲ ወያነ ናይ ብሓቂ ንህዝቢንትግራይ ሃስዮሞ እዮም።ነዚ ክቃልል ዝኽእል
1- እቲ ዝቀውም ሓድሽ ምምሕዳር ትግራይ፡ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብውሑዳት መራሕቲ ወያነ ተጨውዩ ምንባሩ፡ ህዝቢ ትግራይ ብሰላም ምስ ጎረባብቱ ክነብር ዝተቓለሰሉ ምዃኑ ከነጽሩን ምስ መራሕቲ እቲ ጃንዳን ምስ ስነ-ሓሳቦምን ክባተኹ ኣለዎም ። ሓድሽ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ሃዋሁ ከም ዝተፈጥረ ከበስሩ ኣለዎም። ምስ ኤርትራ ይኹን ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሕንኩር ዝምድና ብሰንኪ እዞም ውሑዳት መራሕቲ ምንባሩ ኣስሚሮም ደፋርን እስትራተጂካውን ዝኾነ ተበግሶታት ሰላም ክወስዱ ኣለዎም። ስምምዕ ኣልጀርስ ምምልካት ዶባት ኢትዮ-ኤርትራን ብዝምልከት ምስ መርገጺ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝሰማማዕ ኣቋም ክወስዱ ኣለዎም።
2- ፈደራላዊ መግስቲ እውን እቲ ኲናት ውሑዳት ገበነኛታት ዘስገደድዎ ምዃኑን ንዕኦም ንምቅያድ ዝተኻየደ ምንባሩን ምንጻርን ነዚ ዘራጉድ ናይ ሰላምን ብልጽግናን ፖሊሲታት ምዝርጋሕ፡ ህዝቢ ትግራይ ብመሰረት ፈደራላዊ ቅዋም ኢትዮጵያ ባዕሉ ንባዕሉ ናይ ምምሕዳር መሰሉ ዝተኸብረ ምዃኑ ብግብሪ ምርኣይን ካልእ ምስ ምምላስ ዝተመዛበሉ ትግራኦት ዝተኣሳሰር ዕቱብን ስሉጥን ኣገልግሎታት ምሃብ። ብሓጺሩ ህይወት ቀስብቀስ ናብ ንቡሩ ተመሊሱ፡ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣብ ትሕቲ መራሕቲ ወያነ ዝነበሮ ዝሓሸ መጻኢ ከምዘለዎ ዘርኢ መደባት ምትእትታው።
ድሕረ-ወያነ ዘሎ ዘመን ናብ ንቡር ክምለስን ዝሓሸ ክኸውንን ኣብ ዝግበር ጻዕርታትት ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ክህሉ ምዃኑ ተኣሚንሉ፡ ገስገስቲ ሓይልታት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ብሓባር እንተ ሰሪሖም ክሳራታት ክውሕድ ይኽእል። እዚ ድማ ነቲ ዞባ ጸጋ ክከውን እዩ።