Categories
Focused Commentaries

ኣድላይነት ናይ 72 ሳዓታት

ብናተይ ገምጋም ቶዂሲ ደው ከብሉን ኢዶም ክህቡን ናይ 72 ሳዓት ዕድል ዝተዋህቦም፡ እቶም ኣእዳዎም ብደም ዝጨቀወ መራሕቲ ጃንዳ ወያነ ብሰላም ኢዶም ክህቡ እዮም ዝብል ገምጋም ስለዝነበረ ዘይኮነስ፡ ነዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ኮይኑ ይስመዓኒ።

1- እቲ ብሳልሳይ መድረኽ ዝግለጽ ዝቅጽል ውግእ ክልተ ገጻት ክህልዎ ትጽቢት ይግበረሉ። ቀዳማይ ገጽ ነቲ ብኹሉ መኣዝን ናብ ኣከባቢ መቀለ ዝተደፍአ ሓይሊ ናይ’ዚ ጃንዳ ስጡም ናይ ምክልኻል መስመራት ገይሩ ክህሉ ይኽእል። ብመጠን ዕጥቅን ሰብን ውዳበን ቀረብን ዝሓየለ ተቃውሞ ንምግባር ዘኽእሎ ኣተሓሕዛ ከምኡ እውን ናይ ቀረባ እዝን ቁጽጽርን ሎጂስቲካዊ ደገፍን ክህልዎ ትጽቢት ይግበረሉ። ናይ መወዳእታ ናይ ሞትን ህይወትን ተቃውሞ ክገብር ዝኽእል ምዃኑ ተኣሚኑ ንዕኡ ዝሰብርን ዝብትንን ስልትታት ንምምራጽን ኣብ በቦትኡ ንምቕማጥን፡ ሸቶታት ምምራጽን ምምቕራሕን፡ ነዚ ሸቶታት ዝፍጽም ናይ ሰብን ኣጽዋርን ምድላው—ፍሉያት ሓይልታትን—-ከም ናይ ስልዃን ኩማንዶን፡ ስናይፐርስ፡ ምውህሃድ ሓይሊ ኣየርን ምድርን—ኮታስ ነቲ እዚ ጃንዳ ኣጻዊድዎ ዝኽእል ናይ መወዳእታ ዕርድታት ድኹም መላግብኡ ኣለሊኻ ኣብ ሓጺር ግዜ ንምስባሩን ብዝተኻእለ ድማ ብውሑድ ክሳራ ክትፍጽሞን መጽናዕትን መደብን የድልዮ። ሃንደራእ ኢልካ እትኣትዎ ነገር ኣይኮነን ዝነበረ። ስለ’ዚ፡ እቲ 72 ሳዓት ዝበሃል ነዚታት ክኸውን ይኽእል። እቲ ካልኣይ ገጽ ድማ እቲ ጃንዳ ዕርድታቱ ምስ ተሰብረ ናብ ከተማ መቐለ ሃዲሙ እቲ ውግእ ኣብኡ እንተቀጸለ፡ ብናይ ከተማ ውግእ ዝሰልጠኑ ፍሉያት ኣሃዱታት ምድላውን ኣብ በቦትኦም ኮፍ ምባልን ከድሊ ምዃኑን ክግመት ይከኣል። መታን ናብኡ ከይከይድ ግን፡ እቲ ዝወጽእ ውጥን እቲ ጃንዳ ምስ ሓይሉ ናብ ከተማ መቀለ ከይተኣኻኸብ ዝኸልእ ክኸውን ኣለዎ (ኣብ ኲናት ዘይወዓለ ይበልሕ ክትብሉኒ መሰልኩም እዩ)። ብዝኾነ፡ ኣፈጻጽማ እቲ ቀዳማይ ገጽ፡ ማለት ዕርድታትን እዝታቱን ናይ ምስባርን ፋሕፋሕ ናይ ምባልን ስራሕ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ ዝኸውን።

2- እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ስነኣእምሮኣዊ እዩ። እቶም ኣብቲ ረጽሚ ይኹን ቅድምኡ ብዙሕ ገበን ዘይፈጸሙ ሕልና ዘለዎምን ባእታታትን ኣብ ልዕሊ እቶም ዕሉላት ገበነኛታት ዕልዋ እንተፈጸሙ ከም ንእሽቶ ተኽእሎ ተታሒዙ ክከውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር እዚ ተኽእሎ እዚ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ብግብሪ ርኢናዮ ኣለና። ከምቲ ስዩም መስፍን ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ኢልዎ ዝበሃል እንተኾይኑ፡ ኢዶም ይሃቡ ኣይሃቡ ንሞት ፍሩዳት ምዃኖም ዝደምደሙ ሰባት እዮም ነቲ ጃንዳ ተቖጻጺሮም ዘለዉ። ኣብቲ መስርሕ ህዝቢ እንተ ሃለቐ ወይ ከተማ መቀለ እንተዓነወት ኣይግድሶምን እዩ።

ስለ’ዚ ከኣ፡ እታ እንኮ ዝጽበይዋ ዘለዉ ተስፋ፡ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓያል ጸቕጢ ክትገብር እሞ ካብ ተሓታትነት ዘምልጡሉን ነብሶምን ስድርኦምን ዘውጽኡሉ ዕድልን እንተተኽፍተ እዩ። ነዚ ክዉን ንምግባር ድማ ህልቂት ፈጺሞም መንግስቲ ከምዝገበሮ ንምምሳል ይዳለዉ ምህላዎም እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ይገልጽ ኣሎ።

በዚ ኮነ በቲ፡ ይንዋሕ ይሕጸር፡ ሓመድ ድበኦም ተፈጺሙ ሰብ ደሮንኡ ነጊፉ ናብ ዋኒኑ ዝኸደሉ እዋን ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ። እቲ ንሓመድ ድበኦም ዝወዓለ ቡልዶዘራትን ኣፍራዛታትን ባደላታትን ድማ ንልምዓትን ንሰላምን።

ኤርትራውያን ክንርደኦ ዘለና ግን፡ እዚ ኲናት እዚ ባዕሉ ወያነ ዝወለዖ እዩ። እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዘይካ ተመሳሳሊ ግብረ-መልሲ ምሃብ ካልእ ኣማራጺ ኣይገደፉሉን። ካልኣይቲ ክንርደኣ ዘለና ነጥቢ ድማ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ብቅልጡፍ ተወዳዲቡ ጸረ-መጥቃዕቲ እንተዘይገብር፡ ናይ’ዞም ሰባት ዕላማ፡ ነቲ ካብ ኩሎም እዝታት ኢትዮጵያ ዝሓየለ ናይ ሰሜን እዚ ኣልሚስካን ኣጽዋሩ ወኒንንካን ሓደ ኣንፈት ንደቡብ እቲ ካልኣይ ድማ ናብ ሰሜን፡ ናብ ኤርትራ፡ ንምቕንዑ እዩ ነይሩ። ከምቲ ወዲ ትኹል ዝደረፎ፡ ናባና ዝበልዎ ናብኣቶም ተጠውዩ እምበር።ዎ ደሓንኩም።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s