“መቀለ ክበጽሑ 15 ዓመታት ወሲድሎም። ንሕና ግን ኣብ 15 መዓልቲ መቀለ ኣቲና” ኢሉ ሓጪጭሎም ንወያነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ።
ዝረሰዓ ነጥቢ እንተላ፡ ወያነ ተዋጊኡ ኣይኮነን ንትግራይ ሓሪርዋ። ወያነ ምስ ሻዕብያ ኮይኑ ኣብ ሸረ እንዳስላሰን ከባቢኡን ዝነበረ ኮር 604 ምስ ተደምሰሰ፡ ሻዕብያ ድማ ነቲ ዝሓየለ ግንባር ናቕፋ ደምሲሱ፡ ንከረን ሸቢቡ ናብ ምጽዋዕን ኣስመራን የቋምት ስለዝነበረ፡ ደርግ ባዕሉ እዩ ንትግራይ ገዲፍዋ። ብቀደሙ እውን ደርግ ኣብ ትግራይ ክሳብ ክንድ’ዚ ዘዛርብ ሓይሊ ኣይነበሮን።
እቲ ዝሓየለን ዝበዝሐን ሰራዊት ደርግ ኣብ ኤርትራ ይዳሃኽ ነይሩ። ባጽዕ፡ ምርብራብ ግንባር ግንዳዕ፡ ደቡባዊ ግንባር፡ ስርሒት ዓባይ ዳንካልያ—
ዋእ፡ ወያነ ብሓይልታት መካናይዝድን ኮማንዶን ስለላን ሕክምናን ናይ ሻዕብያ እና ተሓገዘ ነቲ ኣብ “መሃል ኣገር” ሞራሉ ሰፊፉ ዝነበረ እኽብኻባት ሰራዊት እናኾብኮበ ንኣዲስ ኣበባ።
ብከምኡ እዩ ዝኸውን ስዉእ ኢሳይያስ ጸጋይ ነታ ንወያነ ኣዝያ ጸላዕላዕ እተብል ሓቂ ብደርፊ ዝገለጻ። እንታይ እያ እታ ደርፊ? ረሲዐያ እምበር ደቀይ፡)