Categories
Focused Commentaries

15 ዓመት ብመንጽር 15 መዓልቲ

“መቀለ ክበጽሑ 15 ዓመታት ወሲድሎም። ንሕና ግን ኣብ 15 መዓልቲ መቀለ ኣቲና” ኢሉ ሓጪጭሎም ንወያነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ።

ዝረሰዓ ነጥቢ እንተላ፡ ወያነ ተዋጊኡ ኣይኮነን ንትግራይ ሓሪርዋ። ወያነ ምስ ሻዕብያ ኮይኑ ኣብ ሸረ እንዳስላሰን ከባቢኡን ዝነበረ ኮር 604 ምስ ተደምሰሰ፡ ሻዕብያ ድማ ነቲ ዝሓየለ ግንባር ናቕፋ ደምሲሱ፡ ንከረን ሸቢቡ ናብ ምጽዋዕን ኣስመራን የቋምት ስለዝነበረ፡ ደርግ ባዕሉ እዩ ንትግራይ ገዲፍዋ። ብቀደሙ እውን ደርግ ኣብ ትግራይ ክሳብ ክንድ’ዚ ዘዛርብ ሓይሊ ኣይነበሮን።

እቲ ዝሓየለን ዝበዝሐን ሰራዊት ደርግ ኣብ ኤርትራ ይዳሃኽ ነይሩ። ባጽዕ፡ ምርብራብ ግንባር ግንዳዕ፡ ደቡባዊ ግንባር፡ ስርሒት ዓባይ ዳንካልያ—
ዋእ፡ ወያነ ብሓይልታት መካናይዝድን ኮማንዶን ስለላን ሕክምናን ናይ ሻዕብያ እና ተሓገዘ ነቲ ኣብ “መሃል ኣገር” ሞራሉ ሰፊፉ ዝነበረ እኽብኻባት ሰራዊት እናኾብኮበ ንኣዲስ ኣበባ።

ብከምኡ እዩ ዝኸውን ስዉእ ኢሳይያስ ጸጋይ ነታ ንወያነ ኣዝያ ጸላዕላዕ እተብል ሓቂ ብደርፊ ዝገለጻ። እንታይ እያ እታ ደርፊ? ረሲዐያ እምበር ደቀይ፡)

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s