Categories
Focused Commentaries

ኣይትሸገሩ ኣሕባብና ደቂ ኤርትራ። ናብ ጓል መገዲ ከጽደፈኒ ዝድርበ ዘሎ መዳርጒሕ ኣይትገደሱሉ። ሓይሉ ወዲኡ ዘፍ ክብል እዩ። ብድሑር ስምዒታት ዝኸሰንን ናብ ደረጅኡ ከስጥመኒ ሒዂ ዝብል ዘሎ ሰብ ኣይክምልሰሉን እየ። ግን ከምቲ ትገብርዎ inbox ጥራይ ግበሩለይ ንኣፍልጦይ።

ደጊም ምግምማዕ መሳርዕ ይኣክል። ንመንግስቲ ኤርትራን ንሻዕብያን ድማ ልዕለይ ኣይይሕለቐሉን እዩ እዚ ሰብ እዚ። This is a fact. ብዛዕባ እዚ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ግሉጽ ነብሰ ገምጋም ክገብር እየ። ብዘይ ቃል ዓለምን ብዘይ ሕብእብእን። ንሕጂ ግን ኣተኩሮይ ኣብ ምዝዛም ሓመድ ድበ ወያነ እዩ ዘሎ።

ቀንዲ ናይ’ዚ እዋን ዕማመይ ነቶም ወያናይ መንፈስ ዝቆጻጸሮም ኤርትራውያን ዝገብርዎ መደናገሪ ፕሮፓጋንዳ ምብዳህ እዩ። ስለ’ዚ፡ እዚ ምቱኹታዃት እዚ ከምቲ ሓንቲ ኣደ ዝበለቶ ዝበሃል ድማ፡ ነዚ እንተዝፈርሕ….( እንታይ እዩ ዝበሃል? ወስኹላ…) ጥራይ ኢልኩም ሕለፍዎ።

ንመንግስተይን ፕረሲደንተይን እንተነቐፍኩ ( እዚ እውን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ከብረሆ እየ) መሰለይ እዩ። ብኣገደስቲ ሃገራዊ ጉዳያት ክጻወት ግን ኣይክትረኽቡንን ኢኹም። እዚ ብጸቢብ ቀቢላውነትን ሃይማኖትን ዝውንጅለኒ ዘሎ ሰብ እውን ጭብጢ ኢለዮ ዘቕርቦ የለን። ከምዚ ዓይነት ርኡይ ጥሕሰታት ሃናጺ ኣይኮነን። ካብቲ ኣብ ሓንጎል ጸሓፊኡ ዘሎ prejudices ዝብገስ ጥራይ እዩ። ግን ናብ ደረጃ ጭቃ ኣይከውድቐንን እዩ። እቲ ጭቃ ባዕሉ የንገርግረሉ።

እቲ ዝበለጸ ብምክብባርን ምጽውዋርን ተመላሊእና እንተከድና እዩ። ናይ ሓደ ድኹም ጎኒ እቲ ሓደ እንዳ መለኦ፡ ናይ ሓደ ሓያል ጎድኒ ድማ ነቲ ሓደ ደገፍ እንዳ ኮኖ።ነቶም ኣዚኹም ትፈልጡንን ኩሉ ግዜ መዓዲ ነቐፈታ እተቕርቡን ግን፡ ንሎሚ ምስጋና ጥራይ እየ ከቕርበልኩን ዝኽእል። ኣብሽሩ፡ ኣይትፈላለዩ። ዕላማታትና ንጹር እዩ። ንረብሓ ኩልና እዩ። ሃገርና ድማ ድሕሪ እዚ ግናይ ጃንዳን ዋጭላቱን ምሕጻቦም ናብቲ ኩሉ ግዜ ክትሕንበበሉ ዝሓለነቶ ጎደና ሰላምን ኩሉእንትናዊ ዕብየትን ክትምርሽ ምዃና ኣይጠራጠርን። ቻው ንሕጂ።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s