Categories
Our Stories

ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ሰውራ-3ይ ክፋል

ማሕሙድ ሳልሕ

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ክፋላት፡ ብዛዕባ ኣመሰራርታ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝምልከት፡ ዝኽረይ ክድህስሶ ፈቲነ። ነባባይ ንኣመሰራርታ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ግዚኡን ቦትኡን ኣእትዩ መታን ክርእዮ፡ ምስ ውልቀ-ታሪኸይ ኣተኣሳሲረ ይሕግዝ ዝበልክዎ ስእሊ ከቐምጥ ፈቲነ። ኣብዚ ሳልሳይ ክፋል ኣብቲ ቀንዲ ነገር ድቕድቕ ክብል እየ። እታ ከም ኣካታዒት ኮይና ቀሪባ ዘላ ነጥቢ፡ “ ህዝባዊ ግንባር ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ራኢ ነይርዎ’ዶ ወይስ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከም መስብሒ መደበር እዩ ዝጥቀመሉ ነይሩ” ኣብ ዝብል ሕቶ ከጠቓልላ እኽእል እየ። ገለ ኣሕዋት “ራኢ ኣይነበሮን” ናብ ዝብል ዘዝበለ ርኢቶታት ክሕዙ ከለዉ ገለ ኣሕዋት ድማ “ ወላ’ኳ እቲ ውድብ (መሪሕነት) ራኢ ኣይንበሮ እምበር፡ እቶም ንቤት ትምህርቲ ሰውራ ዘመሓድሩን ዝምህሩን ዝነበሩ ውፉያት ኣለይቲ ግን ራኢ ነይርዎም” ዝብል ሓሳብ ከሰግሙ መሪጾም። እቶም ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝፍለጡሎም ባህርያት፡ ከም ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን፡ ተወፋይነት፡ ንሓቂ ምስያፍ፡ ትግሃት፡ ፋሕተርተር ምባል—ውጽኢት ናይቶም ከይደከሙ ዝጸዓሩ መምሃራንን ኣለይትን ምንባሩ ዳርጋ ኩሉ ወሃቢ ርኢቶ ዝሰማመዓሉ መስመር ኮይኑ ረኺበዮ። ስለ’ዚ፡ እቲ ሕቶ ንሓፈሻዊ ውድባዊ መርሓ ዝምልከት እምበር፡ እቶም ናይ ቀረባ ጸለውትን ኣርኣያን ዝነበሩ ባእታታት (መምሃራን ኣመሓደርትን ኣለይትን) ንጹር ራኢ ከም ዝነበሮም ከካትዕ ኣይርእዮን ዘለኹ። ግርም። ሓንቲ ብትምህርትን ሳይንስን ዝማዕበለት ኤርትራ ክምስርቱ ይሓልሙ ጥራይ ዘይኮነስ ብመደብ ይሰርሑ ምንባሮም ንረዳዳኣሉ ኢና። ንጥፈታቶምን ኣስተምህሮታቶምን መሰረት ትምህርታዊ ስርዓት መጻኢት ኤርትራ ንምንጻፍ ምንባሩ ዘከራኽር ኮይኑ ዝተረኽበ ኣይመስለንን። እሞ ኣብታ ተካትዕ ዘላ ነጥቢ ዘይንዘልል?ህዝባዊ ግንባር ቤት ትምህርቲ ሰውራ ክምስርት ከሎ ራኢ ነይርዎ’ዶ ወይስ ንመዕበይን መጻንሕን እዩ ዝጥቀመሉ ነይሩ?ራኢ ናይ ሓደ ውድብ ብፖለቲካዊ ፕሮግራሙ እዩ ዝግለጽ። ትምህርታዊ ራኢ ህዝባዊ ግንባር ንመጀመርታ ግዜ፡ ኣብቲ ናይ 1977 ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ ተገሊጹ ንረኽቦ። ማእከላይ ሓሳቡ ድማ፡ ሓንቲ ብሳይንስን ተክኖሎጅን ዝበልጸገት ኤርትራ ንምምስራት ዝብል እዩ ነይሩ። ናብዚ ንምብጻሕ ድማ (ካብ ዝዝክሮ)፥1- ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ሓራ መሬት ምስፍሕፋሕ2- ተመሃሮ ብቋንቋ ኣደ ወይ ድማ ብዝመረጽዎ ቋንቋ ክመሃሩ3- ትምህርቲ ንዓበይቲ ምስፍሕፋሕ፡ መሃይምነት ምጥፋእ4- ብሳይንስ ተክኖሎጅን ዝማዕበለ ሕ/ሰብ ምህናጽ5- ጸረ ግስጋሰ ዝኾኑ ድሑራት ባህልታት ምውጋድ—ወዘተ ዝብል ሓሳባት ይርከቦ። ኣብቲ ናይ 1987 ፕሮግራሙ እውን ናይ ቅኒትን ቃላትን ምጥዕዓም እንተዘይኮይኑ ንሱ እዩ ተደጊሙ። ስለ’ዚ፡ ኣብ ትግባረ ደኣ ክንዛረብ ንኽእል እምበር እቲ ውድብ ራኢ ኣይነበሮን ክንብል ኣይንኽእልን። ቤት ትምህርቲ ሰውራ ድማ ሓደ ኣካል ናይ’ቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኩሉ ሓራ ቦታታት ዘካይዶ ዝነበረ ትምህርታዊ መደባት እዩ ክውሰድ ዝከኣል። ንኣብነት ኣብ 1977-1978 ብዙሓት ዓበይትን ነኣሽቱን ከተማታት ሓራ ኣብ ዝወጻሉ መድረኽ፡ እቲ ውድብ ኣብ ኩለን ከተማታትን ገጠራትን ዝዝርጋሕ መርበባት ትምህርቲ የካይድ ነይሩ። ድሕሪ ምዝላቕ እውን ኣብ መዓስከራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን፡ ከምኡ እውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሱዳን “ቤት ትምህርቲ ሰውራ” ዝሰመያ ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ የካይድ ነይሩ። ድሕሪ ውግእ ሓድሕድ፡ ናብ በዓል ሮራ ሓባብን ማርያ ጸላምን ክዝርጋሕ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ብ1981 ኣብዚ ቦታታት ኣብያተ ትምህርቲ ከፊቱ ኣዝዩ ዝነኣድ ውጽኢት ኣመዝጊቡ። በዚ መደብ ዝረብሑ ሎሚ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርትን ዜናን ከምኡ እውን ሚኒስትሪታት ጥዕናን ወጻእን ይሰርሑ ኣለዉ። ኣብ ዝሰዓበ ዓመታት፡ ናይ 1983 ናይ ምጥፋእ መሃይምነት ዘመተ (ምስ ኩሉ ኣወንታዊ ዝኾነ ኣካዳምያውን ፖለቲካውን ጽልዋታቱ) ፡ ኣብተን ኣብ ዞባታት ምዕራብን ደቡብን ምብራቕን ዝተከፍታ ኣብያተ ትምህርቲ ተማሂሮም ናብ ዝለዓለ ዕድላት ትምህርቲ ዝተሰጋገሩ ተመሃሮ እረክብ እየ። ስለ’ዚ፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ናይ ኲናት ኩነታት፡ ነዚ ንጥፈታት ዘካይድ ውድብ ሓላፍነት ዝስመዖ እዩ። መንግስቲ ክይኮነ ዕማማት መንግስቲ ክገጥም ዝተበገሰ ውድብ እዩ።ንግዚኡ ነቲ ገዚፍ ሓርማዝ ረስዕዎ። ንሱ እንተተሓወሰና ነገር ፋሕ ክትብለና እያ—-OK!?፡)ናይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ጉዳይ፡- ኣብዚ ሓፈሻዊ ስእሊ፡ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣበይ ኢና ነእትዋ? ብመሰረቱ፡ ከም ዝመስለኒ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኩነታት ዘገደዶ እምበር ህዝባዊ ግንባር ንሱ ዘመሓድሮ ቦርዲን ቤት ትምህርቲ ክምስርት ድሌት ይኹን መደብ ዝነበሮ ኣይመስለንን። ምምስራት ይኹን ቀጻሊ ህላወ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ውጽኢት ሳዕቤናት ኲናት እዩ። ኲናት እንተዘይህሉ፡ እቲ ክጋደል ዝመጸ ትሕተ ዕድመ ካብ ገዝኡ ኣይምወጸን። ኤርትራውያን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ኣይምተዓቖቡን፡ ስለ’ዚ ከኣ ቆልዑ ካብ ስደተኛታት ሱዳን ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣይምመጹን። እቶም ብእንዳ ህዝቢ ዝፍለጡ ዕቑባት ህዝባዊ ግንባር እውን ዓዶም ገዲፎም ሳሕል ኣይምወረዱን—ወዘተ—ወዘተ።ስለ’ዚ፡ ብዝተፈላለየ መግድታት ትሕተ ዕድመ ቆልዑ ናብቲ ውድብ ምምጸኦም ኣይተረፈን። እንታይ እሞ ክግበር ይከኣል? ምስ ምዝላቕ ብዙሓት ኣባላት ቀያሕቲ ዕንባባ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ መጺኦም። ድሮ ናይ ቃልስን ናይ ተጋዳላይን ባህሊ ኣጥርዮም ዝነበሩ እዮም። ኣብ ተውዚዕ መጺእካ፡ ካብቶም ነባራት ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ንሶም ገዲዶም። ናብ ድፋዓት ምህዳም ኣብ ዘይትቆጻጸረሉ ደረጃ ተበጺሑ። እዚ እዩ ክዝከር ዘለዎ። መን እዩ “ኣነ ኣብ መጻኢ ኤርትራ ከምዚ ክኸውን እየ ኢሉ ሓሲቡ ዝፈልጥ? መብዘሖም ካብዞም ወሃብቲ ርኢቶ ብሕማም ተውዚዕ ዝተሳቐዩ እዮም ነይሮም። ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከምቲ ኣብ ገሊኡ ርኢቶታት ዝወረደ፡ ላዕለዋይ ትምህርቲ ከካይድ ዓቕሚ ነይርዎ ድዩ? ከምቲ ዝተጠቕሰ ንርእሱ “ክጋደል እየ መጺአ” ኢሉ መዓልቲ መዓልቲ ናብ ድፋዓት ዝነፍጽ ተመሃራይ ከ ከመይ ኢልካ ኢኻ “ንስኻ ንጽባሕ ኣብ ኤርትራ ዶክቶር ክትከውን ኢኻ፡ ኣመሓዳሪ ክትከውን ኢኻ—” ኢልካ ክትሕዞ። ድሕሪ 8ይ ክፍሊ ከ ናበይ ኢኻ ክትሰዶ? ብዛዕባ ስኮላርሺፕ፥ ህዝባዊ ግንባር ፓስፖርት ዘለዎ ወግዓዊ መንግስቲ ኣይነበረን። ቤት ትምህርቲ ሰውራ ብካልኦት ትካላት ትምህርቲ ዓለም ዝተፈልጠ (recognized ዝኾነ) ኣይነበረን። እቶም ዝተጠቕሱ ሓደ ክልተ ንወጻኢ ዝኸዱ ናቱ ሕልኽላኽ መገድታት ነይርዎ። እቲ ውድብ ብሕድሪ ዝተቐበሎ ቆልዓ ከ ነይሩ ድዩ፡ ማለት “ክነዕብየልኩም ኢና፡ ናብ ኲናት ኣይነእትዎምን ኢና” ኢሉ ዝተቐበሎም ቆልዑ ነይሮም ድዮም? ወይ ድማ “ ኣነ ክመሃር እየ መጺአ” ኢሉ ንርእሱ ዘእመነ ተማህራይ ነይሩ ድዩ? ናይ ኲናትን ናይ ሓደጋን ሃዋሁ እዩ ነይሩ። ናይ ሞትን ህይወትን ኩነታት።ኩነታት ሜዳ ተቐያያርን ዘይርጉእን እዩ ነይሩ። እንሓንሳብ ሓላፍን ተራን፡ ንእሽቶን ዓብን፡ ምሁርን ዘይምሁርን ክትፈሊ ዘየላቡ ናይ ጉያ- ጉያ፡ ናይ ድፋዕ/ግንባር ኣድሕን እዩ ነይሩ። ቀጻልነት ቃልሲ ኣብ ሕቶ ዝኣትወሉ መድረኻት ነይሮም እዮም። ምውዛዕ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ድማ ምስኡ ክረአ ኣለዎ። ኣብተን ናብ ድፋዓት ዝተጓየኹለን (ዝከተትኩለን) ኣጋጣሚታት፡ መተካእታ ዘይርከቦም ክኢላታት ማዕረይ ከቲቶም። ገሊኦም ተሰዊኦም። ኣብታ ናይ ኣለምሰገድ ተስፋይ “ክልተ ቅነ ኣብ ድፋዓት” ጥራይ ክልተ ብሉጻት ቀባእቲ ናይ’ቲ ውድብ (ግርማይ ሓኽልን ኦሮሞን) ተሰዊኦም ኣለዉ። ኣለምሰገድ ንባዕሉ ንስክላ ወጺእዋ። ኣብ ሻድሻይ ወራር፡ ነቲ ሽዑ ዝቐውም ዝነበረ ኢንዳስትሪታት ናይቲ ውድብ ከበጋግሱ ሒዂ ዝብሉ ዝነበሩ ምሩቓት ራሻ ዝነበሩ ኢንጂነራት ተጋደልቲ፡ ማዕረይ ተዋጊኦም። ኣብ ሓምሻይ ወራር 1979፡ ኣስመሮም ገረዝጊሄር (ወታህደራዊ ቤት ጽህፈት) “ያላ” እና በለ ንኩላ ክፍልታት ናብ ሳልሳይ ግንባር ጸፍጺፍዋ እዩ፡ ሓላፊ የለን ተራ። ምኽንያቱ፡ “ግንባር ናቕፋ ይሃሉ’ዶ ኣይሃሉን” ኣብ ዝብል ሕቶ ወሪዱ። ሽዑ ኣነን ውሑዳት ብጾተይን ክእለታት ዜናዊ ስረሓት ክንድልብ ኣብ እንዳ ዜና (ላዕለዋይ ዓራግ) ነይርና። ኣብ ካልእ እዋናት እውን ተመሳሳሊ። ስለ’ዚ፡ ተውዚዕ ይኹን “ዘይእኹል ታዕሊም” ናይ ፊተውራሪ ኣብዚ ኣእቲኻ ክረአ ዘለዎ እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኩሉ ተመሃራይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ንርእሱ ከም ተጋዳላይ እዩ ዝርእያ ነይሩ። መሳቱ ገለ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ’ኮ ኣብ ድፋዓት ይስውኡ ነይሮም እዮም። ንድሕሪ ናጽነት ተባሂሉ ከም ትሕጃ ዝተታሕዘ ዓቕሚ ሰብ ዝነበረ ኣይመስለንን። ውሳነታት እቲ ውድብ ኩነታት ኲናት እዩ ዝገዝኦ ዝነበረ ይመስለኒ። እዚ ኩሉ ዓቕሚ ውድብ ዝመጠጠ ኲናት እንከሎ፡ እቲ ውድብ ኣዝዩ ገዚፍ ዓቕሚ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ምምሃርን ምስትምሃርን (ድሕሪ መስመርን ቅድመ-መስመርን) ኣዋፊሩ ክቕጽል ምጽማሙ ንገዛእ ርእሱ፡ ነቲ ኣብ ትምህርትን ምንቕቓሕን ዝነበሮ ኣተኩሮ እዩ ዝገልጽ። እምበር፡ ኣማእት ኣባጽሕ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ እኮ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ተዋፊሮም እዮም ሓሊፎሞ። ስለምንታይ ኢና ዝተወዝዑ ጥራይ ነተኩር። ብሓቂ ክንዛረብ እንተኮይኑ፡ ክሳብ ዕለት ናጽነት ኣብ ትምህርታዊ ዕማማት ዝተመደቡ’ኮ ኣማእት ነይሮም እዮም።ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ብሕርያ ዘይኮነስ ኩነታት ዝፈጠሮ እዩ። ምርጫ እቲ ውድብ፡ ህዝቢ ይኹን ተመሃሮ ኣብቲ ባህርያዊ ከባቢኦም ክነብሩን ኣገልግሎት ትምህርትን ክረኽቡን እዩ ነይሩ። በዚ መሰረት እዩ ድማ ኣብ ሱዳንን፡ ሳሕልን ማርያ ጸላምን ድሕረ መስመርን ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊተን ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ። እዚ ዝብሎ ዘለኹ ብግምት ዘይኮነስ ኣብቲ ኣነ ብቀጻሊ ዝሳተፎ ዝነበርኩ ንትምህርታዊ ፖሊሲ ዝምልከት ኣኼባታትን ዎርክሾፓትን ዝዝረብ ዝነበረ እዩ። ዕድል ገይረ፡ ኣነ ካብ ህይወት ፊተውራሪ ብእዋኑ፡ ማለት ኣብ መጀመርታ 1979 ተፈልየ ምስ መምሃራን ስለዝነበርኩ፡ ኣብቲ ሓለፍቲ እቲ ጨንፈር (በራኺ ገብረስላሰን ቢትወደድ ኣብርሃን) ብደረጃ ውድብ ድማ ሓላፊ እቲ ክፍሊ (ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ዝመርሕዎ ወይ ዝወደብዎ ንትምህርታዊ ፖሊሲታት ይኹን ስርዓተ ትምህርቲ ዝምልከት ክትዓት ክሳተፍ ዕድል እረክብ ነይረ። ንምምዕባልን ምክላስን እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ይኹን ራኢኡ ብቀረባ ክከታተሎ ኣኽኢሉኒ እዩ። ክትዓት እቶም ጻዕረኛታት መምሃራንን ሓለፍቲ ኮሚተታት ናይ ስርዓተ ትምህርትን (ካሪክለም) መራሕቲ ዞባታትን ( ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ዞባ ሱዳን፡ ውሽጢ ሃገር -ሰራዊትን ንህዝብን) ዝህብዎ ዝነበሩ ርኢቶታትን፡ ዝጠቕስዎ ዝነበሩ ንትምህርቲ ዝምልከት ውድባዊ ፖሊሲታትን እሰምዕን ኣነብብን ነይረ።እዚ 3ይ ክፋል ንምጥቕላል እምበኣር፡ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከም ኣካል ናይቲ ህዝባዊ ግንባር ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ኣብ ተጋደልቲ ይኹን ኣብ ህዝቢ ዘካይዶ ዝነበር መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ዕማማት ክረአ ኣለዎ። ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኲናት ዘገደዶ እምበር እቲ ውድብ “ንመዕበዪ” ወይ “መስብሒ” ኢሉ ዝመስረቶ ኣይነበረን። ኣብ ኣተሓሕዛ ይኹን ተውዚዕ፡ ዝጸልዉ ዝነበሩ ረቛሒታት፡ ናይ ዓቕሚ ጉዳይ ከምኡ እውን ጸቕጢ ኲናትን እዮም ነይሮም። ኩሉ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣብነታት ድማ ንሓደ ራኢ ዝነበሮን ራኢኡ ኣብ ፕሮግራም ኣስፊሩ ክሰርሕ ዝፈተነን ግን ነቲ ክገብሮን ክበጽሖን ዝደለየ ራኢ ብሰንኪ እቲ ትንፋስ ዘይህብ ዝነበረ ጸቕጢ ኲናት ከምቲ ዝሓለኖ ኣይኺድ እምበር ዓበይቲ ዓወታት ዘመዝገበ ውድብ ምዃኑ እዩ ዘርኢ።ዝተረፈ፡ ኣብ ትግባረ ዝረአ ክፍተታት እዩ። እቲ ሕጂ ዝቐርብ ዘሎ ነቐፈታታት በቲ እቲ ገዚፍ ሓርማዝ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸተሎ ብጋህማዊ ፖሊሲታትን ጥራይ ክግለጽ ዝከኣል ኩሉ እንትናዊ ዕንወትን ይልካዕ ኸይህሉ እሰግእ ኣለኹ። ሎሚ ኤርትራ ሃገርና ካብዝን ካብትን ኢላ ዝመሃረቶም ተመሃሮ፡ ሃጽ ኢሎም ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ተዘሪኦም ይርከቡ ኣለዉ። ኤርትራ ዝወለደቶምን ዘዕበየቶምን ንክትምህሮም ዝረሃጸትሎምን፡ሎሚ ኮለጃትን ካምፓኒታትን ናይ ዓለም ይጥቀማሎም ኣለዋ። ኣዝዩ ዘጒሂ እዩ። እዚ ራኢ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ኣይነበረን። ራኢ እቶም ብሉጻት መምሃራን ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣይነበረን። ራኢ ውድብና ኣይነበረን (ህግሓኤ= ገዚፍ ሓርማዝ እንተዘይኢልና ማለት እዩ። ንሱ ከኣ ዓቢ ጌጋ እዩ)። ራኢ ህዝብና ኣይነበረን። ዕላማ ቃልስና እውን ኣይነበረን።ኣብ መወዳእታ፡ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ውሽጢ እቲ ዘይርጉእ ግን ንቅድሚት ዝጋልብ ዝነበረ ጉዕዞ ቃልሲ ርኢና ኢና ክንፈርዶ ዝግባእ እምበር ብናይ ሎሚ ጋህማም ኣካይዳ ክንፈርዶ የብልናን። ከም ኣካል ናይት’ቲ ቃልሲ፡ ከም ኣካል ናይቲ ትምህርታዊ ጻዕርታት፡ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ራኢ ነይርዎ። መሰረት መጻኢ ኤርትራ ዝከውን ስርዓተ ትምህርቲ ዝንደፈሉን ዝፍተነሉን ላባራቶሪ እውን ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ። መንጠሪ ባይታ ናይ’ቲ እቲ ውድብ ከካይዶ ዝወጠኖ ትምህርታዊ መደባት ክከውን በቂዑ እዩ።ሰላም ንኹልና።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s