ጽዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኣብ ፓርልያመንት ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ናይ መወዳእታ ክፋል ተዓዚበ ወዲአ። እዘን ዝስዕባ ምህሮታት (lessons) ድማ ክወስድ ክኢለ። – ወያነ ንቅዋምን ንቀዳማይ ሚኒስተርን ኢትዮጵያ ዝበደሀን ክቆጻጸር ዝፈተነን ኣዝዩ ማፍያዊ ጃንዳ ምንባሩ – ወላ ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ቃል ብቃሉ ኣይበሎ እምበር፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ንኽሰርር ምስ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዝፈጠሮ ናይ ምትእምማን ዝምድና […]
Category: Politics
ከመይ ድዩ ነገሩ
ከመይ ድዩ ነገሩ?ሞትን ሕየትን ወያነ ከም ክብን ግብን ኤርትራ ክግለጽ ርእየ።ወያነ ሰሪሩ ኤርትራ ክትህሉ እያ። ወያነ ጋሕ ኢሉ ኤርትራ ክትነብር እያ።ህላወ ኤርትራ ኣብ ወያነ ዝምርኮስ ዘይኮነስ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻሉን እዩ።
ህዝቢ ሊባኖስ፡ ኣብ ሓዘንካ ሕዉስ እየ
ህዝቢ ሊባኖስ፡ ኣብ ሓዘንካ ሕዉስ እየ ብሰሉስ 4 ነሓሰ 2020, ንበይሩትን ኣከባቢኣን ዝነቕነቐ ኣዝዩ ግዙፍ ነትጒ ተፈጸመ። ንወደብ በይሩትን ኣከባቢኡን (ክሳብ ሰለስተ ኣርባዕተ ኪሎመተራት ብኹሉ ሸነኻቱ ዝኸይድ) ብፍጹም ከዕንዎ ከሎ፡ ከተማ በይሩት ብሙልኣ ዘራኸበ ሓፈሻዊ ቅርጻውን ቁጠባውን ፍርሰት ተራእዩ። ገለ ገለ ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ነትጒ፡ ድሕሪ እቲ ንከተማታት ጃፓን፣ ሂሮሺማን ነጋሳኪን፣ ዝቐዘፈ ኣቶሚካዊ ቦምባ […]
መልእኽቲ 20 ሰነ
ምርግጋጽ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ነቲ ስዉኣትና ዝወደቑሉ ዓበይቲ ዕላማታት ከም ባይታ ስለዘገልግል እዩ እምበር ናይ መወዳእታ ዕላምኦም ወይ ተልእኾኦም (mission) ንሱ ጥራይ ኣይነበረን ኣይኮነን እውን። እቲ ህዝቢ ኤርትራ በብዓይነቱ መስዋእታት ዝኸፈለሎም ዓበይቲ ዕላማታት ብሰላማዊ መገዲ ክውቅዑ ከምዘይክእሉ ስለዝተረጋገጸ እዩ ናጽነት ከም ኣማራጺ ዘይብሉ ሕርያ ኮይኑ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጀመረ። ስለ’ዚ፡ ናጽነት ንምዕዋት እቶም ዓበይቲ […]
ኣብዛ ክብርቲ ዕለት፡ ብተደጋጋሚ ዝለዓሉን ዝዝከሩን ጀጋኑ ሰማእታት ኣለዉ። ጽቡቕ እዩ። ብወገነይ “ንመን ኣልዒለ ንመን ክገድፍ” ብምባል፡ ነቶም ዘይተዘመረሎም ጀጋኑ (unsung heroes) ክዝክር መሪጸ። 1- ጀጋኑ ስዉኣት እንዳ ዜና። ሳላ እቲ ብድኻምኩምን መስዋእትኹምን ዝተሰነደ ጽሑፍን ምስልታትን ( ደረቕን ተንቀሳቓስን ስእልታት)፡ ታሪኽና ተሰኒዱ ክንመሃረሉን ክንሕበነሉን ክኢልና። ቅሰኑ። ዝውደቕኩምሉ ዕላማታት፡ ማለት ቅስንትን መነባብሮ ህዝባ ዝመሓየሸላን ፍትሕን ሕግን […]
ጃንዳ ወያነ ጸረ ሰላም
ቀሰይ ብቀሰይን ብስያሳን እታ መሸንቆቓ ኣብ ክሳድ ወያነ ትጸብብ ኣላ። ህሉው ኩነታት ወያነ ምስ ዘመነ ደርግ ክነዋዳድሮ ከለና፡ ኣብ መጀመርታ 1991 ተበጺሑ ኣሎ። እታ መሸንቆቃ ብስያሳን ሜላን ትጸብብ ኣላ። ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ናይ ንጡፍ ምሽንዳሕ ዓቕሙ ዘፍ ኢሉ፡ ብውሽጣዊ ቅልውላው ይህወጽ ኣሎ… እታ መሸንቆቓ ከኣ ቀስ ብቀስ ትሕይል ኣላ። እቲ ጃንዳ ኣብ መድረኽ ጻዕሪ-ሞት […]