Categories
Politics

ረቂቕ ጸወታ

ጽዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኣብ ፓርልያመንት ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ናይ መወዳእታ ክፋል ተዓዚበ ወዲአ። እዘን ዝስዕባ ምህሮታት (lessons) ድማ ክወስድ ክኢለ። – ወያነ ንቅዋምን ንቀዳማይ ሚኒስተርን ኢትዮጵያ ዝበደሀን ክቆጻጸር ዝፈተነን ኣዝዩ ማፍያዊ ጃንዳ ምንባሩ – ወላ ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ቃል ብቃሉ ኣይበሎ እምበር፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ንኽሰርር ምስ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዝፈጠሮ ናይ ምትእምማን ዝምድና […]

Categories
Politics

ከመይ ድዩ ነገሩ

ከመይ ድዩ ነገሩ?ሞትን ሕየትን ወያነ ከም ክብን ግብን ኤርትራ ክግለጽ ርእየ።ወያነ ሰሪሩ ኤርትራ ክትህሉ እያ። ወያነ ጋሕ ኢሉ ኤርትራ ክትነብር እያ።ህላወ ኤርትራ ኣብ ወያነ ዝምርኮስ ዘይኮነስ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻሉን እዩ።

Categories
Politics

ህዝቢ ሊባኖስ፡ ኣብ ሓዘንካ ሕዉስ እየ

ህዝቢ ሊባኖስ፡ ኣብ ሓዘንካ ሕዉስ እየ ብሰሉስ 4 ነሓሰ 2020, ንበይሩትን ኣከባቢኣን ዝነቕነቐ ኣዝዩ ግዙፍ ነትጒ ተፈጸመ። ንወደብ በይሩትን ኣከባቢኡን (ክሳብ ሰለስተ ኣርባዕተ ኪሎመተራት ብኹሉ ሸነኻቱ ዝኸይድ) ብፍጹም ከዕንዎ ከሎ፡ ከተማ በይሩት ብሙልኣ ዘራኸበ ሓፈሻዊ ቅርጻውን ቁጠባውን ፍርሰት ተራእዩ። ገለ ገለ ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ነትጒ፡ ድሕሪ እቲ ንከተማታት ጃፓን፣ ሂሮሺማን ነጋሳኪን፣ ዝቐዘፈ ኣቶሚካዊ ቦምባ […]

Categories
Politics

መልእኽቲ 20 ሰነ

ምርግጋጽ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ነቲ ስዉኣትና ዝወደቑሉ ዓበይቲ ዕላማታት ከም ባይታ ስለዘገልግል እዩ እምበር ናይ መወዳእታ ዕላምኦም ወይ ተልእኾኦም (mission) ንሱ ጥራይ ኣይነበረን ኣይኮነን እውን። እቲ ህዝቢ ኤርትራ በብዓይነቱ መስዋእታት ዝኸፈለሎም ዓበይቲ ዕላማታት ብሰላማዊ መገዲ ክውቅዑ ከምዘይክእሉ ስለዝተረጋገጸ እዩ ናጽነት ከም ኣማራጺ ዘይብሉ ሕርያ ኮይኑ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጀመረ። ስለ’ዚ፡ ናጽነት ንምዕዋት እቶም ዓበይቲ […]

Categories
Politics

ዝኽሪ ሰማእታት

ኣብዛ ክብርቲ ዕለት፡ ብተደጋጋሚ ዝለዓሉን ዝዝከሩን ጀጋኑ ሰማእታት ኣለዉ። ጽቡቕ እዩ። ብወገነይ “ንመን ኣልዒለ ንመን ክገድፍ” ብምባል፡ ነቶም ዘይተዘመረሎም ጀጋኑ (unsung heroes) ክዝክር መሪጸ። 1- ጀጋኑ ስዉኣት እንዳ ዜና። ሳላ እቲ ብድኻምኩምን መስዋእትኹምን ዝተሰነደ ጽሑፍን ምስልታትን ( ደረቕን ተንቀሳቓስን ስእልታት)፡ ታሪኽና ተሰኒዱ ክንመሃረሉን ክንሕበነሉን ክኢልና። ቅሰኑ። ዝውደቕኩምሉ ዕላማታት፡ ማለት ቅስንትን መነባብሮ ህዝባ ዝመሓየሸላን ፍትሕን ሕግን […]

Categories
Politics

ጃንዳ ወያነ ጸረ ሰላም

ቀሰይ ብቀሰይን ብስያሳን እታ መሸንቆቓ ኣብ ክሳድ ወያነ ትጸብብ ኣላ። ህሉው ኩነታት ወያነ ምስ ዘመነ ደርግ ክነዋዳድሮ ከለና፡ ኣብ መጀመርታ 1991 ተበጺሑ ኣሎ። እታ መሸንቆቃ ብስያሳን ሜላን ትጸብብ ኣላ። ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ናይ ንጡፍ ምሽንዳሕ ዓቕሙ ዘፍ ኢሉ፡ ብውሽጣዊ ቅልውላው ይህወጽ ኣሎ… እታ መሸንቆቓ ከኣ ቀስ ብቀስ ትሕይል ኣላ። እቲ ጃንዳ ኣብ መድረኽ ጻዕሪ-ሞት […]