ነቲ ” ምስ ወያነ ኴንና ክንሰርሕ” ዝብል መርገጺኡ ንጎኒ ገዲፍና- ወያነ ስለዝሞተ- መስፍን ሓጎስ እንተ ወሓደ፡ ነቶም ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ከምኡ እውን ንህዝቢ ኤርትራን ኣብ ዘይወዓልዎ ከም ወረርትን ዘመትትን ዘቕርብዎም ዘለዉ ወገናት ዓገብ ክብል ምተገበኦ። ብኣንጻሩ ነቶም “ምስ ሓይልታት ኤርትራ ደው ኢልና ኣለና’ ዝበልና ክነቅፍ ወሲኑ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ጻውዒታት ኣየድልዮን እዩ። […]
Author: MS
ኣይትሸገሩ ኣሕባብና ደቂ ኤርትራ። ናብ ጓል መገዲ ከጽደፈኒ ዝድርበ ዘሎ መዳርጒሕ ኣይትገደሱሉ። ሓይሉ ወዲኡ ዘፍ ክብል እዩ። ብድሑር ስምዒታት ዝኸሰንን ናብ ደረጅኡ ከስጥመኒ ሒዂ ዝብል ዘሎ ሰብ ኣይክምልሰሉን እየ። ግን ከምቲ ትገብርዎ inbox ጥራይ ግበሩለይ ንኣፍልጦይ። ደጊም ምግምማዕ መሳርዕ ይኣክል። ንመንግስቲ ኤርትራን ንሻዕብያን ድማ ልዕለይ ኣይይሕለቐሉን እዩ እዚ ሰብ እዚ። This is a fact. ብዛዕባ […]
15 ዓመት ብመንጽር 15 መዓልቲ
“መቀለ ክበጽሑ 15 ዓመታት ወሲድሎም። ንሕና ግን ኣብ 15 መዓልቲ መቀለ ኣቲና” ኢሉ ሓጪጭሎም ንወያነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ። ዝረሰዓ ነጥቢ እንተላ፡ ወያነ ተዋጊኡ ኣይኮነን ንትግራይ ሓሪርዋ። ወያነ ምስ ሻዕብያ ኮይኑ ኣብ ሸረ እንዳስላሰን ከባቢኡን ዝነበረ ኮር 604 ምስ ተደምሰሰ፡ ሻዕብያ ድማ ነቲ ዝሓየለ ግንባር ናቕፋ ደምሲሱ፡ ንከረን ሸቢቡ ናብ ምጽዋዕን ኣስመራን የቋምት ስለዝነበረ፡ ደርግ ባዕሉ […]
ወያናይ ደባይ ኲናት?
ናይ ደባይ ኲናት ክንጅምር ኢና ዝብል ድየ ዝሰምዕ ዘለኹ? ወያነ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብቂዑ እዩ። ዝቆጻጸሮ ግዝኣት ይኹን ህዝቢ የብሉን። ከም ተራ ጭፍራ ሸፋቱ ኮይኑ ንሓጺር እዋን ክኹብልል ይኽእል እዩ/ እቲ ዳንጋ ናይ ቀደም ደኣ የለን እምበር። ግን ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ተደምሲሱ እዩ። ኲናት መቀጸልታ ፖለቲካ እዩ ይበሃል። ንሓደ ብሰላም ክጭበጥ ዘይተኻእለ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምውቃዕ […]
ሳዕቤን ናይቲ ወያነ ዝወለዖ ኲናት
እዚ ኲናት ይንዋሕ ይሕጸር ብምድምሳስ ጃንዳ ወያነ ክዛዘም እዩ። እዚ እቲ ናይ ሓጺር ግዜ ሸቶ እዩ። ሳዕቤናቱ ግን ንዞባና ዝቕይር ክኸውን እዩ። 1- ዓባይ ትግራይ ንምምስራት ዝነበረ ሕልምን ጥሙሓትን ገዛእቲ ሓይልታት ትግራይን ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ሰብ ረብሓን (elite class)፡ ብጂኦግራፍን ብፖለቲካን ብቑጠባን ኣኽቲሙ እዩ። ሀ- ብጂኦግራፊ= ልሙዕ መሬት ዋልቃይትን ራያን ካልኦት ብሓይሊ ናብ ትግራይ ዝተገበቱ ሰፋሕቲ […]
ኣድላይነት ናይ 72 ሳዓታት
ብናተይ ገምጋም ቶዂሲ ደው ከብሉን ኢዶም ክህቡን ናይ 72 ሳዓት ዕድል ዝተዋህቦም፡ እቶም ኣእዳዎም ብደም ዝጨቀወ መራሕቲ ጃንዳ ወያነ ብሰላም ኢዶም ክህቡ እዮም ዝብል ገምጋም ስለዝነበረ ዘይኮነስ፡ ነዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ኮይኑ ይስመዓኒ። 1- እቲ ብሳልሳይ መድረኽ ዝግለጽ ዝቅጽል ውግእ ክልተ ገጻት ክህልዎ ትጽቢት ይግበረሉ። ቀዳማይ ገጽ ነቲ ብኹሉ መኣዝን ናብ ኣከባቢ መቀለ ዝተደፍአ ሓይሊ ናይ’ዚ […]
ከመይ ድዩ ነገሩ
ከመይ ድዩ ነገሩ?ሞትን ሕየትን ወያነ ከም ክብን ግብን ኤርትራ ክግለጽ ርእየ።ወያነ ሰሪሩ ኤርትራ ክትህሉ እያ። ወያነ ጋሕ ኢሉ ኤርትራ ክትነብር እያ።ህላወ ኤርትራ ኣብ ወያነ ዝምርኮስ ዘይኮነስ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻሉን እዩ።
ቅሰኑ ሰማእታትና
“ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ኲናት እዩ” ዝብል ፈቀድኡ ክልጠፍን መግለጺታት ክግበረሉን እርኢ ኣለኹ።ኣቱም ሰባት፡ ኤርትራ ኲናት ኣይኣወጀትን። ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካይድድ ዘሎ ረጽሚ እውን ቀጥታዊት ተዋሳኢት ኣይኮነትን። እኳ ደኣ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ግዳይ ናይ’ዚ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ስሒቡ ዘሎ ጃንዳ ኮይና ጸኒሓ። ስለ’ዚ፡ “ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወያነን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንቃወም” ደኣ […]
ኩሉ ኣብዚ ዝጥቀዖ ኲናት ንምቅንጃው ወይ ንምድማቕ ወይ ድማ ብሕሰም ካልኦት ንምድሳት ዘይኮነስ ንትምህርትን ምምክኻርን እዩ። ኲናት ግናይ እዩ። ዕንወት እዩ። ብዛዕባ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝምህር የለን። ግን ኲናት ካብ ወደቐካ ብውሑድ ክሳራ ክትዕወተሉ ኢኻ ትብገስ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ክሳብ ክንደይ ክጸልወና እዩ ንዝብል ቅሩብ ሓበረታታት ክንእክብ ከድልየና እዩ። ኣብ […]
ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ኣብዘን ዝሓለፋ 22 ዓመት ክእከብ ዝጸንሐ ኣጽዋራት ኲናት ኢትዮጵያ ንምምራኽን ኣብ ልዕሊ ናይ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ብተዘዋዋሪ ይእመን። እዚ ከም pre-strike ወይ ንዘይተርፍ ነገር ኣቀዲምካ ንምምካን ዝግበር ወተሃደራዊ ስልቲ ኣብዚ ሓጺር እዋን ንወያነ ይጠቅም ይኸውን። ኣብ ዝተናወሐ እዋን ግን ዘዋጽእ ኣይኮነን። በዚ ስጉምቲ እዚ ድማ፡ ማለት ኣብ ልዕሊ […]