ብ24 ሰነ ዝወጸ “መልእኽቲ 20 ሰነ” ዝብል ጽሑፍ ብዙሕ መልሰ-ግብርታት ረኺቡ። ብዙሓት ኣንፈተይ ከም ዝቐየርኩ ገይሮም ከቕርብዎ ፈቲኖም። እቲ ሓቂ ግን፡ ኣነ ንመስርሕ እየ ዝድግፍ ነይረ እምበር ንመንግስቲ ወይ ንዝተወሰነ ውልቀሰብ ወይ ውድብ ኣይኮንኩን። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ለውጥታት ከተኣታቱ ዝተጸበኽዎ መስርሕ ንምዕዋት ዝሓሸ መሳርያ ክኸውን ይኽእል ካብ ዝብል እምነት እየ ደገፈይ ገሊጸ። […]
Author: MS
መልእኽቲ 20 ሰነ
ምርግጋጽ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ነቲ ስዉኣትና ዝወደቑሉ ዓበይቲ ዕላማታት ከም ባይታ ስለዘገልግል እዩ እምበር ናይ መወዳእታ ዕላምኦም ወይ ተልእኾኦም (mission) ንሱ ጥራይ ኣይነበረን ኣይኮነን እውን። እቲ ህዝቢ ኤርትራ በብዓይነቱ መስዋእታት ዝኸፈለሎም ዓበይቲ ዕላማታት ብሰላማዊ መገዲ ክውቅዑ ከምዘይክእሉ ስለዝተረጋገጸ እዩ ናጽነት ከም ኣማራጺ ዘይብሉ ሕርያ ኮይኑ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጀመረ። ስለ’ዚ፡ ናጽነት ንምዕዋት እቶም ዓበይቲ […]
ናይ ሕልና ወቕዒ…
ህዝቢ ኤርትራ ይብል ኣሎ ነቶም ዝበዝሑ፡ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሮም ግዜ ኣገዲድዎም ንኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ብንጽህና ንህዝቦም ዘገልግሉ ዘለዉን ማዕረ ህዝቦም ዝነብሩ ዘለዉን ምስጋና። I salute you. ይኹን እምበር፡ ኩሉ ብስም ሰማእታት ዝመሓለ፡ እዱብ ሕልና ከምዘይብሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ኮይኑ ይስመዓኒ። -እወ፡ እቲ ደምኩም ከይነቐጸ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ንብጾቱ ረሲዑ ንስልጣን ሃነፍነፍ ዝበለን ንብጾቱ ዘግደዐን […]
ብወዝቢ
ሃንደበታዊ ናይ ሓሳብ ወቕዒ ክልተ ቃላት (ቅጽላት) ቅጭ ከምጸኣለይ ጸኒሐን። እታ ሓንቲ “ሃገራዊ” ክትከውን ከላ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ “ብጻይ” እትብል እያ። ክልቲአን ቃላት ኣብ ቦትአን እንተኣትየንን ብጥንቃቐ እንተ ተጠቒምናለንን ኣይጓደኣን እየን። ንፍሉይነትካ ወይ ንብሉጽነትካ ወይ ድማ ንተኣማንነትካ ክተርኢ ክትጥቀመለን ከለኻ ግን ነቲ ዝበዝሐ ሓፋሽ ብዙሕ ፋይዳ ዘይብለን ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ወይ ሰልፊ ጥራይ ዘድመዓ ኮይነን […]
ኣብዛ ክብርቲ ዕለት፡ ብተደጋጋሚ ዝለዓሉን ዝዝከሩን ጀጋኑ ሰማእታት ኣለዉ። ጽቡቕ እዩ። ብወገነይ “ንመን ኣልዒለ ንመን ክገድፍ” ብምባል፡ ነቶም ዘይተዘመረሎም ጀጋኑ (unsung heroes) ክዝክር መሪጸ። 1- ጀጋኑ ስዉኣት እንዳ ዜና። ሳላ እቲ ብድኻምኩምን መስዋእትኹምን ዝተሰነደ ጽሑፍን ምስልታትን ( ደረቕን ተንቀሳቓስን ስእልታት)፡ ታሪኽና ተሰኒዱ ክንመሃረሉን ክንሕበነሉን ክኢልና። ቅሰኑ። ዝውደቕኩምሉ ዕላማታት፡ ማለት ቅስንትን መነባብሮ ህዝባ ዝመሓየሸላን ፍትሕን ሕግን […]
መስዋእቲ በብዓይነቱ እዩ
ስዉኣት ኣብ ዝለዓለሉ፡ ድፋዓትን ሂር ዝብል ግንባራትን፡ መጥቃዕትን ምዝላቕን ጸረመጥቃዕትን ድብያታት ወደገባን—ወዘተ እዮም ቅጅል ዝብሉና። ሓቂ እዩ እቲ ተዋጋኢ ሰራዊት (ተጋዳላይን ዋርሳይን/ ሕጂ ሰራዊት ምክልኻል) ዝኸፈሎን ዝኸፍሎ ዘሎን መስዋእታት ርኡይ እዩ። ኣገባብ ኣሰዋውኣ ግን ብዓይነቱ ብዙሕ እዩ። ኩሉ ምእንቲ ሃገርን ሓባራዊ ዓወትን ረብሓን ዝብጆ ስዉእ ንብሎ። ንቅዱስ ዕላማ ስለዝኾነ። ስዉኣትና ኣብ መሳርዕ ኩለን ውድባት ኤርትራን […]
ኣብ ልብና
ኣብ ዓዲ ኣብ ስደትኣብ ሰላም ኣብ ኲናትብርሃን ይኹን ጸልማትኣብ ጽጋብ ኣብ ጥሜት ወይከ ክንርሰዓኩምኣብ ልብና’ዩ ሰፈርኩም ዝወደቕኩምሉ ዕላማታት ከንትርጉምኤርትራ ደልዲላን ወቂባን ክትስጉምክትክበር፡ ክትሕፈር፡ ክትጓጉምብመንፈስ ብስራሕ ንስከም ሕድርኹም ወይከ ክንርስዓኩምኣብ ልብና እዩ ሰፈርኩም ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ
ግፍዒ
እቅድም ኣቢሉ ዓርከይ ፍጹም ተስፋማርያም ረባዕ መጽሓፍ ክመርጽ ጠቒስኒ ነይሩ። ምስዚ ወርሒ ስነን ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦትን እትኸይድ “ካብ ቅያታት ፊተውራሪ” ዘርእስታ መጽሓፍ ፍጹም (ረባዕ) ክጠቅስ መዲበስ ደሓር ድማ “ዋእ፡ እዚኣስ ናይ ምውድዳስ ከይትመስል” ኢለ ካልእ ሃሰው ክብል ጸኒሐ። ኣብ ዓዲ ዝወጸ መጻሕፍቲ ክረክብ ብዝተኻእለ መጠን እጽዕር እየ። ግን ካብ ዓዲ ኣርሒቕካ ከምቲ ትደልዮ ኣይኮነን። እምበኣር፡ ንሎሚ ነዚ […]
So far, so good.
In a relatively expansive random COVID-19 testing carried out in the capital city, Asmara, only one out of 4659 tested individuals (representing their respective households) was found to be positive. And in a subsequent retracing of contacts, another positive individual was identified. The rest of the close contacts of the individual tested positive in the […]
ጃንዳ ወያነ ጸረ ሰላም
ቀሰይ ብቀሰይን ብስያሳን እታ መሸንቆቓ ኣብ ክሳድ ወያነ ትጸብብ ኣላ። ህሉው ኩነታት ወያነ ምስ ዘመነ ደርግ ክነዋዳድሮ ከለና፡ ኣብ መጀመርታ 1991 ተበጺሑ ኣሎ። እታ መሸንቆቃ ብስያሳን ሜላን ትጸብብ ኣላ። ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ናይ ንጡፍ ምሽንዳሕ ዓቕሙ ዘፍ ኢሉ፡ ብውሽጣዊ ቅልውላው ይህወጽ ኣሎ… እታ መሸንቆቓ ከኣ ቀስ ብቀስ ትሕይል ኣላ። እቲ ጃንዳ ኣብ መድረኽ ጻዕሪ-ሞት […]
