Categories
Uncategorized

መስዋእቲ በብዓይነቱ እዩ

ስዉኣት ኣብ ዝለዓለሉ፡ ድፋዓትን ሂር ዝብል ግንባራትን፡ መጥቃዕትን ምዝላቕን ጸረመጥቃዕትን ድብያታት ወደገባን—ወዘተ እዮም ቅጅል ዝብሉና። ሓቂ እዩ እቲ ተዋጋኢ ሰራዊት (ተጋዳላይን ዋርሳይን/ ሕጂ ሰራዊት ምክልኻል) ዝኸፈሎን ዝኸፍሎ ዘሎን መስዋእታት ርኡይ እዩ። ኣገባብ ኣሰዋውኣ ግን ብዓይነቱ ብዙሕ እዩ። ኩሉ ምእንቲ ሃገርን ሓባራዊ ዓወትን ረብሓን ዝብጆ ስዉእ ንብሎ። ንቅዱስ ዕላማ ስለዝኾነ።

ስዉኣትና ኣብ መሳርዕ ኩለን ውድባት ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራን ወዲቖም። ብስም ኤርትራን ምእንቲ ኤርትራን ዝሃለቐ ህዝብና እውን ኣሎ።

ዕስራ ሰነ ኣብ ትመጸሉ፡ ኣቃልቦ ሚድያ ዝያዳ ናብ ዘመነ ገድሊ ዝኸይድ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ንናጽነት ኤርትራ ንምውሓስ ብነባር ተጋዳላይን ዋርሳይን ዝተኸፍለን ዝክፈል ዘሎን መስዋእቲ ከቶ ኣይንርስዖን። ኣቀራርባና እውን ነዚ ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ።

እቲ ኣብ ውግኣት ዝተኸፍለ መስዋእቲ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፦

ብወገን ህዝቢ
1- እቶም ተጋደልቲ ሓጊዝኩም ተባሂሎም ዝተቐዝፉ ዓድታት ኤርትራ
2- እተን “የ ወንበዴ እናቶች” ተባሂለን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብሳንጃ ዝተበጣጠሳ ኣደታት
3- እቶም ንተጋደልቲ ደቆም ክሕግዙ ኣብ ርሱን ውግኣት ብዳርባ ነፈርቲ ይኹን ከቢድ ብረታት ዝተቐዝፉ
4- እቶም ኣብ ቱሽቱሽ ጸላኢ ሃገራዊ ዕማማቶም እና ኣሳለጡ ዝተታሕዙ እሞ ብኣሳቃቂ መግረፍቲ ዝሓለፉን ዝተረሸኑን

ሰብ ዘየስተውዕለሉ መስዋእታት ተጋደልቲ
1- እቶም ውድባዊ ዕማማቶም እናሳለጡ ኣብ ደጀን ብደብዳብ ነፈርቲ ዝተሰውኡ
2- እቶም ብሕማም ዝዓረፉ
3- እቶም ምልእቲ ለይቲ ኣብ ግናይ ጽርግያታት ሳሕል ክጓዓዙ ጸኒሖም ድኻም ኣሰኒፍዎም ምስ ተሳፈርቶም ዝጸደፉ ኣውቲስቲ ተጋደልቲ
4- እቶም ኣብ ኢደስርሓትን ጋራጃትን ካልእ ዎርክሾፓትን ዓቕሚ ውድቦም ከዕብዩ ክብሉ ብኤለክትሪክ ይኹን በቲ ከቢድ ክፋላት ናይቲ ዘጋጥምዎ መኪና/መስናዕ ወይ ከቢድ ብረት ተጸቒጦምን ብኻልእ ሓደጋታትን ዝተሰውኡ
5- እቶም ብጥሜትን ጽምእን ህይወቶም ዝሰኣኑ
6- እቶም “ካብ ጸላኢ ዝሕዘኒ” ኢሎም ቡምበኦም ዝፈጀሩ
7- እቶም ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ኣብ ሩባ ደቂሶም ከለዉ ዘይተጸበይዎ ጋሻ ውሒጅ ዝወሰዶም
8- እቶም ጥሜት በርቲዕዎም ዘይብላዕ ኣቑጽልቲ ሓዊሶም ዝተሰመሙ
9- እቶም ቁማል ድቃስ ከሊእዎም “ይኸውን” ዝበልዎ ቀመም ኣብ ክዳኖም ነስኒሶም ዝተሰመሙ
10- እቶም ብግዝያዊ ጭንቀት ተበሳጭዮም ህይወቶም ዘሕለፉ
11- እቶም ኣብ ምስካም ከበድቲ ነገራት (ከም ኣኻይሽ ሕሩጭን ሰናዱቕ ኢምዳድን) ሕዱር ኣካለ ስንክልና ዘጋጠሞምን ብሰንኪ ሕልኽላኻቱ ህይወቶም ዝሰኣኑ
12- እቶም ብሰንኪ ኣድሓርሓርቲ ደቂ ሃገር ኣብ መስመር ደጀናት ዝተኸልዎ ፈንጅታት ዝተሰውኡ

13. እቶም ኣብ ውግእ ሓድሕድ ካብ ክልቲኡ ውድባት ዝተሰውኡ

14. እቶም ንናጽነት ሃገሮም ወፊሮም ብሰንኪ ፖለቲካዊ ሕሳባት ኣብ ኩለን ውድባት ኤርትራ ዝተቐንጸሉ

— ኮታስ

ኣሰዋውኣ ዓይነታት ደኣ ይሃልዎ እምበር፡ ኩሉ ምእንቲ ኤርትራ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዝተኸፍለ ስለዝኾነ ሓደ እዩ።

ተጋዳላዩ፡ ዋርሳዩ፡ ገባሩ፡ ሻዕብያኡ ጀብሃኡ—ወዘተ ምእንቲ ኤርትራ ዝተኸፍለ መስዋእታት፡ ብሓደ ዓይኒ ንርእዮ። ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ ዋጋ እዩ። ዋጋ ናጽነትን ሓርነትን። ነብሰወከፍና ድማ ኪነው ኣስማት ምዝርዛር ናብቲ ዓሚቑ ትርጉሙን፡ ገዘፍቲ ዕላማታቱን ክነተኩርን፡ ሕልናዊ ርእሰ-ምርመራ ብምግባር፡ ከም ዜጋታት ዕላምኦም ምሉእ ብምሉእ ክጭበጥ እንታይ ክንገብር ኣለና ዝብል ሕቶ ክነሰላስል ይግባእ።

ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s