Categories
Uncategorized

ኣብ ልብና

ኣብ ዓዲ ኣብ ስደት
ኣብ ሰላም ኣብ ኲናት
ብርሃን ይኹን ጸልማት
ኣብ ጽጋብ ኣብ ጥሜት

ወይከ ክንርሰዓኩም
ኣብ ልብና’ዩ ሰፈርኩም

ዝወደቕኩምሉ ዕላማታት ከንትርጉም
ኤርትራ ደልዲላን ወቂባን ክትስጉም
ክትክበር፡ ክትሕፈር፡ ክትጓጉም
ብመንፈስ ብስራሕ ንስከም ሕድርኹም

ወይከ ክንርስዓኩም
ኣብ ልብና እዩ ሰፈርኩም

ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ

Leave a comment