እቶም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ ታሪኹ ዘኻዕበቶም ብሓባር ናይ ምውፋርን ብሓባር ናይ ምክልኻልን ልምድታት፡ እቲ ከይተገዳዳዕካ ናይ ምውፋይን ምስዋእን፡ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ከም ሓደ ህዝብን ሓደ ትርግታን ከም ዝስጉም ገይርዎ። እቶም ዝተኾስኮሱ ሃገራውያን ክብርታት፡ ማለት ከም ፍቕሪ ሃገር፡ ሃገራዊ ሓድነት፡ ንሃገርን ህዝብን ምግልጋልን በጃ ምሕላፍን፡ ርእስኻ ክትክእል ሓርኮትኮት ምባል፡ ኒሕን ተጻውሮን፡ ር/ተኣማንነትን ተስፋን እዮም ነዛ […]
Category: Uncategorized
ኣብ መሰረታውያን ሃገራዊ ጉዳያት ንዕሰል
ኣብ መሰረታውያን ዝኾነ ጉዳያት ሃገር እንተተፈላሊኻ፡ ብፖሊቲካዊ ፍልልይ ጥራይ ኣይግለጽን። ፖለቲካ ንህልውናን ልኡላውነትን ሃገር ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ክፈላልየና ኣይክእልን። ዝፈላልየና ዘሎስ ካብ ፖለቲካ ንላዕሊ እዩ። ሎሚ፡ እቲ ግጥም፡ ኣብ መንጎ እቶም እዚ ብኽንደይ ክሳራታት ዝተሰብረ ከርዶን ንሓዋሩ በጠስጠስ ኢሉ ኤርትራ ናብ ልምዓት ክትምርሽ ዝጽዕሩን ኣብ መንጎ እቶም ሓሊኾም ዳግም ክቕፍድዋ ዝደልዩን ዝግበር ርብርብ እዩ። […]
ኣልኣይ ክፋል ማሕሙድ ሳልሕ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል፡ ብዛዕባ እቲ ካድራት ወያነ ብዛዕባ ወተሃደራዊ እስትራተጂ ህዝባዊ ግንባር ክፈላሰፉ ዘምጽእዎ ተደጋጋሚ ነቐፌታ ኣልዒለ፡ እቲ ብሂል ንነብሰ-ምልዓልን ንምምዳርን ዝመጽእ እምበር ዝኾነ ወተሃደራዊ ስነሞገት ከምዘይብሉ ከብርህ ፈቲነ። ቀንዲ ዝተኸተልክዎ እስትራተጂ ኸኣ ንባህሪ ናይቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ብምግላጽ ነባባይ ናይ ገዛእ ርእሱ መደምደምታ ክገብር ምግዳፉ እዩ ነይሩ። […]
ማሕሙድ ሳልሕ (Mahmud Saleh) ብዙሓት ሰባት “ስለምንታይ ኢኻ ኣንጻር ወያነ ትጽሕፍ፡ ግዜኻ ኣብ ካልእ ዘይተውዕሎ” ይብሉኒ እዮም። ኣነ ኣንጻር ወያነ ጽሒፈ ኣይፈልጥን። ኣንጻር ህዝበይን ሃገረይን ታሪኸይን ርኡይ ጸለመን ግህሰታትን ክካየድ ከሎ ግን ክምልስ ግቡአይ ኮይኑ ይስመዓኒ። ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ንህዝቢ ትግራይን ቃልሱን ዘሊፈ ኣይፈልጥን። ሎሚ እውን ተደጋጊሙ ዝመጽእ ሓሶትን ብደዐን ካድራት ወያነ እርኢ ስለዘለኹ […]
ንኽብሪ 20 ሰነ
20 ሰነ ከኣ ትቐርበና እንድያ ዘላ፡ ሕጂ ምልባምን ምስትውዓልን ክነዕቢ ይግባእ ደቂ-ሃገረይ። ንስዉኣት ኤርትራ ንፖቲካዊ ሃልኪ ዘይምጥቃም፡ ብዝተኻእለ መጠን ንስሞም ዝበቅዕ ኣኽብሮት ምሃብ፡ ኣብ ዘድልየሉ እዋን ጥራይ ብኽብሪ ምልዓሎም። ኣስማትን ቅያን ስዉኣትና ኣብቲ ንኹልና ኤርትራውያን ዘራኽብ ሃገራዊ መቖወምያታት ጥራይ ብእወታዊ መልክዕ ምልዓሎምን ምዝካሮምን። ኣክንዲ ስሞምን ኣሳእሎምን ከም መወዓውዒ ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ምግባር (commercialize ምግባሩ)፡ ዓቕምን ድሌትን […]
Eritreans fired up I followed the Independence celebrations, conducted inside and outside the country. Eritrea indeed shines at 28!! And what makes it shine this year is the fact that the people, particularly, the youth, have taken stock of their affairs wherever they could. Inside the country, the celebrations took the usual controlled and choreographed […]
24 ግንቦት፡ 2019
“ኤርትራ ዘውዳ ደፊኣ እያ፡ ነዛ ዘውዲ ዝትንክፍ ወይልኡ” ሓርበኛ ኣቦና ወልወል። ” ኣትሕዶ፡ ውፋቅ ውደው፡ ወ ረቢ እግል ልሰርግለኩም ቱ// ሓድነትኩም ኣጽንዑ፡ ተሰማምዑ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ከዕውተኩም እዩ” ሓርበኛ ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን። ዕላማን ቃልን መቃልስቶም፡ እቲ ቀዳማይ ስዉእ ኤርትራ፡ ሼኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ከየዕበሩ ዝተሰናበቱ ኣርካናት ሃገራዊ መንነትናን ሰረት ሃገራዊ ስኒትናን እዮም። ኤርትራ ከኣ መበል 28 ዓመት […]
Mahmud Saleh “A source in Sudan’s judiciary told Reuters news agency that suitcases loaded with more than $351,000, €6m ($6.7m; £5.2m) and five billion Sudanese pounds ($105m) were found at Mr. Bashir’s home.” That is BBC’s report about Sudan’s deposed dictator, Omar Al-Bashir. Was he hoarding that amount of cash for himself, or he was […]
መጽሓፍ
ማሕሙድ ሳልሕ ( MAHMUD SALEH) ዝስዕብ ሓተታ ብፍጹም ገምጋም መጽሓፍ ኣይኮነን። ነቲ መጽሓፍ ድሕሪ ምንባበይ ስለዝፈተኹዎን ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝረኸብክዎን ንኣሕዋተይን ኣሓተይን ደቀይን ከካፍለኩም ስለዝደለኹ፡ ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ ንምንጽብራቕ እዩ። ምስ ደራሲ ይኹን ኣርታዒ ዝኾነ ይኹን ርክብ የብለይን። ሰናይ ንባብ። ———————————————————————————- ኤርትራ፡ ጉዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ ደራሲ፡ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ኣርታዓይ (Editor): ኢንጂኔር ጸጋይ ተኽለሚካኤል ገብረህይወት […]
