“ኤርትራ ዘውዳ ደፊኣ እያ፡ ነዛ ዘውዲ ዝትንክፍ ወይልኡ” ሓርበኛ ኣቦና ወልወል።
” ኣትሕዶ፡ ውፋቅ ውደው፡ ወ ረቢ እግል ልሰርግለኩም ቱ// ሓድነትኩም ኣጽንዑ፡ ተሰማምዑ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ከዕውተኩም እዩ” ሓርበኛ ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን። ዕላማን ቃልን መቃልስቶም፡ እቲ ቀዳማይ ስዉእ ኤርትራ፡ ሼኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ከየዕበሩ ዝተሰናበቱ ኣርካናት ሃገራዊ መንነትናን ሰረት ሃገራዊ ስኒትናን እዮም።
ኤርትራ ከኣ መበል 28 ዓመት ናጽነታ ኣብዒላ፡ ዘውዳ ክትንክፉ ዝሃቀኑ ኣይኮነሎምን። ክሳብ ዓቕምታት ኤርትራ ዝሰመረን፡ ኤርትራውያን ዜጋታት “ናትና”ዝብልዋ ክሳብ ዝኾነትን፡ ዘውዳ ዝትንክፍ ከቶ ኣይክህሉን።
ኣዝዩ ጽንኩር ዓመታት ሓሊፋ፡ ክግመት ዘጸግም ናይ ሂወትን፡ ማተርያልን፡ ማሕበራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዋጋታት ከፊላ፡ ናብ ሓድሽ ናይ እዋን ሰላም መዋእል ክትኣቱ ትሸባሸብ ኣላ። ብሓቂ እውን ናብ ተስፋ ዝድርዕ እዋናት ኢና ንኣቱ ዘለና። ኤርትራና እውን ንትጽቢታን ፍሽኽተኣን ዝመጣጠን ዘመን ክኾነላ ምንዮተይ እዩ፡ ካባይ ዝሕተት ክገብር እውን ድሉው እየ።
ኤርትራውያን ንናጽነቶም ብዝተፈላለየ ኣገባባት ኣብዒሎሞ ኣለዉ። ናይ ፖለቲካ ፍልልይ ንቡር ኮይኑ፡ ኣብቶም ከም ሓንቲ ሃገርን ሓደ ህዝብን ዘገድሱና መሰረታውያን ኣዕኑድ ክንሰማማዕን ፍልልያትና ብስልጡን ኣገባብ ክንመያየጠሉን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ኣብ መወዳእታ ደቂ ሓንቲ ሃገር ኢና፡ ፈቲና ጸሊእና ተኸኣኢልና ጥራይ ኢና ክንነብር እንኽእል።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ ናይ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ መደረ፡ ህዝቢ ዝግደሰሎም ጉዳያት ከም ኩነታት ዶብ፡ ሕቶ ህንጸት ፖለቲካዊ ትሕተ-ቅርጽን፡ ናይ እሱራት ኩነታትን ካልኦትን፡ እንኮላይ መሰረታትን ኣባላትን ህግድፍ ክሓቱሎም ዝጸንሑ ጉዳያት፡ መኣንፈቲ ሓሳባት ወይ ቀጥታዊ መግለጺ ክህብ ትጽቢት ነይሩ። ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕድል ዘምለጦ ኮይኑ ይስመዓኒ።
ሎሚ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ክርኢ ዝጽበ እንተሎ ኣዝዩ ገርሂ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሃንደበታዊ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ወይ ዕግርግር ክርኢ ዝደሊ እንተሎ እውን ወይ ገርሂ እዩ ወይ ድማ ንቅኑዕ ጠለባት ህዝቢ መዝሚዙ ስልጣን ክምንዝዕ ዝደሊ እዩ።
ብዓንተብኡ እውን፡ እቲ ትጽቢት ምጡን እዩ ነይሩ፡ ሎሚ፡ ብሃንደበት ዓበይቲ ፖለቲካውያን ተበግሶታት ክውሰዱ ከምዘይክእሉ ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ህዝቢ ኣንፈት ፖለቲካዊ ጉዕዞኡ ዘፍልጦን ተስፋ ዝህቦን ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ መሕበሪ ይጽበ ነይሩ።
ስለ’ዚ ድማ፡ ኤርትራውያን ክጋብኡን ኣብ ጉዳያት ሃገሮም ንጡፍ ሱታፈ ክህልዎምን ጻውዒትን ድፍኢትን ምግባር መሰሎም እዩ። እቲ ሰብኣዊ ዓቕምታት ናይ ኤርትራ ንምእካብ ዝግበር ዕማማት መንግስቲ እንተዝመርሖ፡ ንዕኡ ክብሪ እምበር ንስልጣኑ ዝህድድ ኣይምኾነን። ግቡእ መንግስቲ ኸኣ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ብዘይካ ናይ ዕርቅን ምትእኽኻብን ተበግሶታት ምውሳድ ካልእ ኣማራጺታት ክሉ ንብኽነት ጸዓትን ጸጋታትን ኤርትራውያን ዘሳጥሕ እዩ። ዝበኸነ ዓቕምታትና ይኣክል። ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ኣስፊሐ ክርእዮ እየ።
እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ግን፡ እቲ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተገልጸ ሰፊሕ ቑጠባዊ መደባት፡ ዘሰንዮ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ጽገናን ሕዳሰን ከይገበርካ ክዕወት ከጸግም እዩ ዝብል ስግኣት ኣለኒ።
እታ ኣገዳሲት ነጥቢ ከኣ፡ ካብቲ ንታኮሰሉ ዘለና ዕርድታት ወሪድና፡ ብሓላፍነታዊ መገዲ ክንመያየጥ ግዚኡ እዩ። ፖለቲካዊ ፍልልይ ናብ ዕዉር ጽልኢ ክመርሕ የብሉን። ናይ ኣራኣእያ ፍልልያት ምህላው ከም ጸጋ ውሲድና፡ ኣብ ኣገደስቲ ሃገራውያን ጉዳያት ናይ ራእን ተግባርን ስምረት ክህልወና ይግባእ፡ ዘመን “ኣውዲቕካ ሕለፍ” በብቕሩብ ክሰዓር ኣለዎ።
ናይ ገድሊ ወለዶ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ሰሪሑ እዩ። ብዝተሰርዐ ኣገባባ፡ ግብራዊ ሱታፈ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ሱታፈ መንእሰያትና ክነብርኽ ኣለና። እታ ሽግ ሓርነትን በትረ-ስልጣንን ናብቲ ዋሕስ ኤርትራ ዝኾነ ንኡስ ወለዶ ብዝተዋደደን ዝተሰርዐን መገዲ ከም ዝሓልፉ ንምግባር መደባት ምውጻእን ምትግባሮምን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ኸኣ ሓላፍነታውን፡ ንመጻኢ ኤርትራ ውሕስነት ዘቐምጥን እዩ።
ብሕጽር ዝበለ፡ ቅዋማውን ትካላውን ኣሰራርሓ ንምትእትታው ክጅመር ኣለዎ፡ ተጀሚሩ እንተሎ ድማ ኣብ ምንታይ ደረጃ ናይ ግስጋሰ ከምዝርከብ ክግለጽ ይግባእ ነይሩ። ዘመን “እመኑና” ክቕንጠጥ ኣለዎ። ዓበይቲ ናይ ህንጸት ፕሮጀክትታት ንምስልሳል፡ ነቲ ዕማም፡ ማለት ኣብ ውጥኑን፡ ትግባረኡን ምቁጽጻሩን፡ ዓቕሚ ( capacity) ዘለዎም ትካላትን ትካላዊ ኣሰራርሓን የድልዩ። ህዝቢ፡ ብልቡ ክሳተፍ እንተኾይኑ፡ ዝኣምነሎምን ዝኣምኖምን ትካላት ክህልዉ ኣለዎም።
ንሰፊሕ ጠመተ ኣብ ዝመጽእ ግዜ።
ማሕላይ ንኤርትራ ጥራይ እዩ።
ሓበረታ፡ 1- ቀጥታ ኣብ ፌስቡከይ እጽሕ ኣለኹ፡ ስእልታት ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ፡ ሼኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ብዘይምልጣፈይ ሕማቕ ይስመዓኒ።
2- እዛ ተጥቂመላ ዘለኹ ስእሊ ብጻይ ኣማንኤል ብጹኣምላኽ ዘሕለፈለይ እያ፡ ካብ ሓዳስ ኤርትራ ዝተወስደት ነይራ።
ክብሪ ንስዉኣት ኤርትራ።
