ንሰላም እምበር ንኲናት ደኣ መን ክሓምቕ ኣንታ ሓውና!? ሓደ ወያናይ ፕሮፓጋንዲስት ” ኲናት እንተመጺኡ፡ ንህዝቢ ትግራይ ከም ባህላዊ ኩዳ እዩ” ኢሉ ክብሉ ነጊሮምኒ። ኩነተ-ኲናትን ሳዕቤናቱን ምጻር ስኢኑ ናብ ስደት ዘምረሐስ ከመይ ኢሉ እዩ ካብ ረመጽ ኲናትን ሃፍኡን ኣሽሓት ኪሎመተራት ርሒቑ ነጋሪት ኲናት ዝወቅዕ? ብወገነይ፡ ኣብ ዞባና ሰላም ክህሉ እምነ። ንኲናት ኣዝየ እየ ዝጸልኦ። ኣብ ገለ […]
Author: MS
No to violence in all of its forms
A curfew has been declared in the city of Seattle and the national guard has been activated. Downtown Seattle has seen immense vandalism and looting. A peaceful protest in memory of George Floyd, the black man who was senselessly murdered by a white policeman in Minneapolis, unfortunately, turned into an opportune time for looters and […]
ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓንቲ ስድራ
ብዛዕባ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ንዛረበሉ፡ ሓድነት ኣብ ልብን ብልብን እዩ። ነዚ ኣርእስቲ ኣብ ዘልዕለሉ ግዜ፡ ደራሲ ፍጹም ተስፋማርያም (ረባዕ) ዝበለኒ እዝክር። ንሱ ይብል “ ጣልያን ዶብ ጥራይ እዩ ከሊሉ። ግዝኣት እዩ መስሪቱ። ድሕርኡ ዝቐጸለ መስርሕ ኤርትራዊ ሃገራውነት ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ብውሽጣዊ ዳይናሚክነት በብመድረኹ ዘማዕበሎ እዩ።” እታ ኣገላልጻ ኣዝያ ጽርይትን ዓማቑን ኮይና ረኺበያስ ነዚ ዝስዕብ […]
ቀዳሞት ደርፍታት ህ/ ግንባር
ብኣጋጣሚ መበል 29 በዓል ናጽነት ናይ ምዝንጋዕ ወፈያታት ይቕጽል ኣሎ፡) ቀዳሞት ደርፍታት ህዝባዊ ግንባር 1- ኢትጃምም ዕንታቼ ዎ ኢትብኬ2- ሕደጉኒ፡ ሕደጉኒ ምስል ሓውዬ ለሓይሰኒ3- ኣበይ ኣሎ ብጻይ ተጋዳላይ4- ዓይኖም ሰለም ዘየብሉ5- መዝሙር ስዉኣት ትግረ= እግል ሕርየት ሸዐብና፡ ለአስተሽሀደው ሐውና6- መዝሙር= ስዉኣት ብጾትና ዘብጻሕኡም ኣብ ግብሪ6- ኤረየ ንዒን’ዶ ተሎ7- ዕድል ኣለኒ ግንባር ኣለኒ ምስ ህዝባዊ ግንባር […]
መፈጸምታ
እዛ ትስዕብ ጽሕፍቲ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ናጽነት፡ ብ2016 ጽሒፈያ ዝነበርኩ እያ። ነቶም ሓደስቲ ኣንበብተይን ነቶም ወትሩ ተተባብዑንን ምድጋማ ኣይከፍእን። ሰናይ ቅንያት ናጽነት። ሓደ ሓደ ናይ ታይፒንን ኣሰራርዓ ቃላትን ኣርተዖት ተገይሩላ ኣሎ።===================== “መፈጸምታ” እትብል መጽሓፍ የንብብ ኣለኹ። ልዕሊ 550 ገጻት ዘለዋ፡ ሓጸርቲ ዛንታታትን ስእልታትን ካርታታትን ዘካተተት መጽሓፍ እያ። ገሊኦም ጸሓፍቲ እንፈልጦም ክኾኑ ከለዉ፡ ዝበዝሑ ግን […]
ደሓን ኩኒ ባርነት
ሻውዓይትን ናይ መወዳእታን ናይቲ ብምኽንያት በዓል ናጽነት ክቐርብ ዝጸንሐ እዛ ደርፊ እዚኣ ምስታ ኣቀዲመ ምስ ዝክርታት ቤት ትምህርቲ ሰውራን ጉጅለ ባህሊ ቤት ትምህርቲ ሰውራን ዘቕረብክዋ ደርፊ ተመሳሳሊ ድሕረ ባይታ ኣለዋ (ትሕት ኢልኩም ፈትሽዋ)። ዝፈልያ እንተሎ ትሕዝቶኣን ደራፊታን እዮም። ትሕዝቶኣ ብዛዕባ ምቕንጣጥ ባርነት ዘዘንቱ እዩ። ” ደሓን ኩኒ ባርነት” ትብል ስውእቲ ሃና ጓል መንደቕ፡ ደሓን ኩኒ […]
COVID-19 ተላሂሙ፡ ኢዱ ሂቡ።
ምስ ኮሮና ቫይረስ ዝተገብረ ቀዳማይ ዙርያ ጥምጥም ብዓወት ኤርትራ ተዛዚሙ። ውጽኢት፥ ዝተለኽፉ= 39 ዝሞቱ= 0 ዝሓወዩ=39 ተዓወቲ ኤርትራ! ቀዳማይ ዙርያ ብዓወት ኤርትራ ተዛዚሙ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ “ኣይበልናን’ዶ” ኢልና ንደርፈሉን ንጎደና ሓርነት ወረር ወረር ንብለሉ ኣይኮነን። እዚ ሰንካም ቫይረስ መታን ምሉእ ብምሉእ ክሰዓር ልክዕ ከምቲ ባህሩ ንሕና እውን ሓራይፍ ክንከውን ኣለና። ብስልትን ጥበብን ፍልጠትን፡ ልዕሊ […]
ዝኽሪ ናይ ሓንቲ ደርፊ
ነዛ ዕዳይ ቅልጥፍ-ቅልጥፍ ኢለ ክኸፍላ። ብምኽንያት መበል 29 በዓል ናጽነት፡ 7 ሰውራውያን ደርፍታት ከቕርብ ካብ ዝተኣዘዙ ሓደ እየ’ሞ ንሎሚ ራብዓይቲ ደርፊ ከቕርብ። ሎሚ ንገዛይ ማለት ንቤት-ትምህርቲ ሰውራ እተዘኻኽር ደርፊ ከቕርበልኩም እየ። ምስኡ ዝመጽእ ድማ ሓያል ዝኾነ ዋሕዚ ዝኽርታት ኣሎ እንድዩ። “ተዓገሲ ነብሲ” እናበልኩ ገለ ድሕረ-ባይታ ናይዛ ደርፊ ክጸውየኩም። 1- ብዛዕባ ቤትም-ትምህርቲ ሰውራ ብዙሕ ጉጉይ መረዳእታታት […]
ዳግመ ትንሳኤ ኢሳይያስ
ብጸብጻባቶም እንተኮይኑ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ብዙሕ ግዜ መይቱን ብዙሕ ግዜ ከኣ ካብ ዓለም ምዉታን ተሲኡን። እዚ ናይ ሎሚ “ዳግመ ትንሳኤ” እውን መቐጸልታ ናይቲ ልሙድ ፊልም ክኸውን ይኽእል። መቸም “ስረሓት ገድሊ/ሻዕብያ” ስለዝኾንኩ እምነተይ ኣብ ልዕሊ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣብ ባህሊ ሻዕብያ፡ ውልቀሰባት ኣገደስቲ’ኳ እንተኾኑ ኣብ ዕድል ሃገራት ከም ወሰንቲ (indispensable) ኣይኮኑን። እቲ ወሳኒ ንዕላማታት ሰውርኡ ዝርዳእን […]
“ስለምንታይ ንካድረታት ወያነ ኣብ ገጻት FBካ ክምልሱ ትገድፎም፡ ስለምንታይ ን”ተቃወምቲ” ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ዓምድታትካ ድላዮም ክጽሕፉ ሸለል ትብሎም” ተደጋጊመን ብናይ ውልቂ መልእኽታት ዝመጻኒ እየን። ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ብጽሑፋተይ ዝተተንከፈ ዝመስሎ ወገን፡ ልክዕ ከምቲ ኣነ ርኢቶ ክህብ መሰል ከም ዘለኒ ዝኣምኖ፡ ንሱ እውን ብዝመሰሎ ክምልስ መሰሉ እዩ። ሰለስተ ነገራት እየ ዘይጻወረን። መጠንቀቕታ እውን እህብ እየ። 1- ዘርኣውን […]
