Categories
Uncategorized

“ስለምንታይ ንካድረታት ወያነ ኣብ ገጻት FBካ ክምልሱ ትገድፎም፡ ስለምንታይ ን”ተቃወምቲ” ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ዓምድታትካ ድላዮም ክጽሕፉ ሸለል ትብሎም” ተደጋጊመን ብናይ ውልቂ መልእኽታት ዝመጻኒ እየን።

ኣሕዋትን ኣሓትን፡

ብጽሑፋተይ ዝተተንከፈ ዝመስሎ ወገን፡ ልክዕ ከምቲ ኣነ ርኢቶ ክህብ መሰል ከም ዘለኒ ዝኣምኖ፡ ንሱ እውን ብዝመሰሎ ክምልስ መሰሉ እዩ። ሰለስተ ነገራት እየ ዘይጻወረን። መጠንቀቕታ እውን እህብ እየ።
1- ዘርኣውን ሃይማኖታውን መበቆላውን ላዛ (እይንታ) ዘለዎ ኣዝርራርባ፡ ንህዝቢ ኣሕፊሹ ዘጥቅዕ ኣይጻወርን እየ። ንህዝብታት ዘባእስ ወይ ኲናትን ዕግርግርን ዘለዓዕል ርኢቶታት እውን ተቐባልነት የብሉን።
2-ውልቃዊ መጥቃዕታት ኣይጻወርን እየ
3- ጭብጥታት ዘይብሉ ወይ ንጭብጥታት ዝጠዋዊ ወይ ዘጋንን፡ ዕላምኡ ነባቢ ወይ ሰማዒ ንምድንቋር ስለዝኾነ ኣይጻወሮን።

ካልእ ኩሉ ሓላል (kosher) እዩ። ከም ስረኻ። ርኢቶታት ብምዕባስ ዘይኮነስ፡ ዝያዳ ስልጡንን፡ ስነፍልጠታውን ስነ- ምጎታውን ዝኾነ፡ ብሓቅን ጭብጥን ዝተደገፈ ብሉጽ መልስታት ብምሃብ ኢኻ ማይ ትደፍኣሉ። እምበር ኣነ ጥራይ ክዛረብ ወይ ክጽሕፍ እሞ ሰብ ከጣቕዓለይ ዝጽበ ሰብ ኣይኮንኩን።

ሓቅታትን ጭብጥታትን ኣብ ጎንና ስለዘለዉ ብዙሕ ክንሻቐል የብልናን።

ርሑስ ቅንያት ናጽነት።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s