“ስለምንታይ ንካድረታት ወያነ ኣብ ገጻት FBካ ክምልሱ ትገድፎም፡ ስለምንታይ ን”ተቃወምቲ” ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ዓምድታትካ ድላዮም ክጽሕፉ ሸለል ትብሎም” ተደጋጊመን ብናይ ውልቂ መልእኽታት ዝመጻኒ እየን።
ኣሕዋትን ኣሓትን፡
ብጽሑፋተይ ዝተተንከፈ ዝመስሎ ወገን፡ ልክዕ ከምቲ ኣነ ርኢቶ ክህብ መሰል ከም ዘለኒ ዝኣምኖ፡ ንሱ እውን ብዝመሰሎ ክምልስ መሰሉ እዩ። ሰለስተ ነገራት እየ ዘይጻወረን። መጠንቀቕታ እውን እህብ እየ።
1- ዘርኣውን ሃይማኖታውን መበቆላውን ላዛ (እይንታ) ዘለዎ ኣዝርራርባ፡ ንህዝቢ ኣሕፊሹ ዘጥቅዕ ኣይጻወርን እየ። ንህዝብታት ዘባእስ ወይ ኲናትን ዕግርግርን ዘለዓዕል ርኢቶታት እውን ተቐባልነት የብሉን።
2-ውልቃዊ መጥቃዕታት ኣይጻወርን እየ
3- ጭብጥታት ዘይብሉ ወይ ንጭብጥታት ዝጠዋዊ ወይ ዘጋንን፡ ዕላምኡ ነባቢ ወይ ሰማዒ ንምድንቋር ስለዝኾነ ኣይጻወሮን።
ካልእ ኩሉ ሓላል (kosher) እዩ። ከም ስረኻ። ርኢቶታት ብምዕባስ ዘይኮነስ፡ ዝያዳ ስልጡንን፡ ስነፍልጠታውን ስነ- ምጎታውን ዝኾነ፡ ብሓቅን ጭብጥን ዝተደገፈ ብሉጽ መልስታት ብምሃብ ኢኻ ማይ ትደፍኣሉ። እምበር ኣነ ጥራይ ክዛረብ ወይ ክጽሕፍ እሞ ሰብ ከጣቕዓለይ ዝጽበ ሰብ ኣይኮንኩን።
ሓቅታትን ጭብጥታትን ኣብ ጎንና ስለዘለዉ ብዙሕ ክንሻቐል የብልናን።
ርሑስ ቅንያት ናጽነት።