ርሑስ በዓል ቅዱስ የውሃንስ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ትቕመጡ ኤርትራውያን፡ ንድሕነትኩምን ድሕነት ንብረትኩምን ንጽሊ።
ብድሕነትኩም እሻቐል ኣለኹ። ነዚ ንስም ደቡብ ኣፍሪቃ ዝድውን ዘሎ ብጽልኢ ወዲ ሰብ (xenophobia) ዝተደረኸ ሽበራዊ ምልዕዓል ብሰላም ክትወጽእዎ እትስፎ።
ዘገርም እዩ፡ እዞም ሎሚ ብጽልኢ ወዲ-ሰብ ዝዓወሩ ባጋሚንዶታት፡ ኣያታቶምን ኣቦታቶምን ኣቦ-ሓጎታቶምን ብዓሌታውን ዘርኣውን ስርዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ክምቅሑ ከለዉ፡ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነትስ ሕልና ዝነበሮም ኣህዛብ ዓለም እውን ምእንቲ ሓርነቶም ጸልዮምን ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካዪዶምን ኣብ ልዕሊ መንግስታቶም ጸቕጢ ገይሮምን እዮም። ኣፍሪቃ ንተቓለስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓሊማን ኣዕጢቓን ደጀን ኮይናን። ነቶም ህይወት መሪርዎም ዝተሰዱ ዜጋታት ደ. ኣ. ኣዕቚባ። ከም ውጽኢት ናይቲ ሓባራዊ ዓለማዊ ቃልሲ ድማ ነልሰን ማንደላ ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ። ሓዳስ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ተመስሪታ።
ሎሚ ነቶም ዕድላት ዝደልዩ ጽጉማት ኣፍሪቃውያን ምህዳን ናይ ብሓቂ ዘተሓሳስብ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ክዕመጻ፡ ንብረት ስደተኛታት ክራሰን ክቃጸልን ንዕዘብ። ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ህይወቶም ከድሕኑ ካብታ ሃገር ብጃምላ ክወጹ ንርኢ ኣለና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ብዛዕባ ድሕነትኩም ከይሓሰብና ክንሓድር ኣይንኽእልን።
ክሳብ ናብታ ትፈትውዋ ሃገርኩም ክትምለሱ እትውስኑ፡ ናይ ድሕነት መርበብ (network) ኣዋድዱ። ንሕግታት እታ ሃገር ፍለጡ። ምስ ኣኽበርቲ ጸጥታን ምስቲ ትነብሩሉ ከባብብን ማሕበረሰብን ጽቡቕ ዝምድና መስርቱ። ልዕሊ ኽሉ ድማ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኤምባሲ ኤርትራ ርክብኩም ኣሕድሱ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ንሱ እዩ ኣብ ግዜ ሽግርኩም ክማጎተልኩም ይኹን ናብ ደሓን ዝኾነ ቦታ ንምውጻእ ናይ ኣሳላጥነት ኣገልግሎት ክህበኩም ዝኽእል።
ኣብ መወዳእታ ነቶም ከም ጠንቂ ስደት ኮይኖም ዘለዉ ነገራት መሚኻ ፈሊጥካ ምፍዋሶም እዩ። ነዚ ኽልኽላኽ ኣርእስቲ ኣብዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ክሽፍኖ ስለዘይክእል ክሓልፎ እየ። ይኹን እምበር፡ ንምውሓዱ ክግበሩ ዝኽእሉ ቀለልቲ ነገራት ዘለዉ ኮይኖም ይስመዓኒ። ነዚ ናይ ስደት ባህሊ ደው ንምባልን እቲ ዋሕዚ ስደት ኣንፈቱ ንድሕሪት ናብ ሃገር ከምዝቐንዕ (reverse migration) ንምግባር፡ ዓዳሚ ፖሊሲታት ምንዳፍን ኣብ ግብሪ ምውዓልን።
ኤርትራ ሃገርና ቅድሚ ክሉ ማእከል ስሕበት ዜጋታታ ክትከውን ምጽዓር። ኣብዚ ናይ ግዜ ሰላም ዳግመ-ህንጸት እዋን፡ ሓደ ካብቲ ክንሃንጾ ጽግባእ ትሕተ-ቅርጻዊ ስረሓት፡ ምስኣል ዓዳሚ ዝኾነ ፖለቲካውን ቑጠባውን ፖሊሲታት እዩ። ምንዳፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ፖሊሲታት እዉጅ ምግባሩ። እዚ ነቶም ኣብ ዓዲ ዘለዉ መንእሰያትና ዝሕዝ (retain ዝገብር) ከምኡ እውን እቶም ኣብ ስደት ዘለዉ ግን ኣብ ዳግመ ህንጸት ሃገሮም ክሳተፉ ዝደልዩ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ዝቐንዐ ኣተሓሳስባን መደባትን ክህልዎም ዝሕግዝ ኮይኑ ይስመዓኒ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ውጽኢት ወይ እቲ ጽሩይ ሚዛን (net balance) ናይ ከምዚ ዓይነት ፖሊሲታት፡ ምብዛሕን ምርባሕን ሰብኣዊ ጸጋታት ኤርትራ ይኸውን። ምጉዳል ፍልሰት መንእሰያትና ይኸውን። እንድዒ እምበር፡ እቲ ካብ ኤርትራ ነቒሉ ገጸይ ሸፈፍ ዘብል ዘሎ ዝሑል ንፋስ እውን ከምኡ እዩ ሕሹኽ ዝብለኒ ዘሎ። ርሑስ ቅዱስ የውሃንስን። ዘመን ዓድኻ እቶ ይግበረልና።
MS/September 2019. (from my FB)