ሕጂ ኸኣ እዛ ሃገር ናብ ሱዳን ተሸይጣ ከይብሉና ጥራይ!!??
ፕረሲደንት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዑደት የካይደሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ “ ህዝቢ ኤርትራን ሱዳንን ኣሕዋት እዮም፡ ብዙሕ ዘራኽቦም ማሕበራውን ታሪኻውን ምትእስሳራት ኣለዎም። ነዞም ኣህዛብ ክፈሊ ዝፍትን ሰብ ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ” ከም ዝብል ኣይጠራጠርን። ኣሕዋት ሱዳናውያን እውን “ናዓም፡ ያ ሰያደት ኣልርኢስ፡ እኽዋን—እኽዋን ኤርትራያ ዎ ሱዳን…ጽቡቕ ኣለኻ ክቡር ፕረሲደንት፡ ኣሕዋት፡ኣሕዋት፡ ኤርትራን ሱዳን” ኢሎም ከምዝምልሱሉ ፍሉጥ እዩ።
Don’t worry, ወውራይና ጥራይ ንግበር። ሃገር ኣይትሽየጥን ኣይትልወጥን። ናብ ዳግመ ህንጻ ሃገር ኢና ንሰጋገር ዘለና። ቀደም ኢልናዮ ኢና፡ ግን ምድጋሙ ኣየኸፍእን። ፕሮጀክት “ይኣክል” ደቡብ ከይጀመርኩም ፕሮጀክት “ይኣክል ሰሜን” ከይድረበኩም ኢለ እየ።

(From my FB, Sep 14, 2019)