ብጸብጻባቶም እንተኮይኑ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ብዙሕ ግዜ መይቱን ብዙሕ ግዜ ከኣ ካብ ዓለም ምዉታን ተሲኡን። እዚ ናይ ሎሚ “ዳግመ ትንሳኤ” እውን መቐጸልታ ናይቲ ልሙድ ፊልም ክኸውን ይኽእል።
መቸም “ስረሓት ገድሊ/ሻዕብያ” ስለዝኾንኩ እምነተይ ኣብ ልዕሊ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣብ ባህሊ ሻዕብያ፡ ውልቀሰባት ኣገደስቲ’ኳ እንተኾኑ ኣብ ዕድል ሃገራት ከም ወሰንቲ (indispensable) ኣይኮኑን። እቲ ወሳኒ ንዕላማታት ሰውርኡ ዝርዳእን ንመኻልፍን መስገደልን ብዓቕሊ ዝሰግር ህዝቢ ምህላዉ እዩ። ርዝን ዝበለን ብበለካ-ለኽዓካ ዘይንውነውን ዘይዕጸፍን ህዝቢ! ክብሪ ድማ ንዕኡ። ናብቶም ርሑቓትን በረኽትን ዕላማታት ሰውርኡን መስዋእቱን ዘማዕዱ ህዝቢ።
ከምዚ ዓይነት ህዝቢ ኣሽሓት መራሕቲ ከፍሪ ዝኽእል እዩ። ረዚን ስለዝኾነ፡ ካብ ስምዒታውነትን ዞኽዞኽን ናጻ ኮይኑ፡ ዝምርሽ ህዝቢ እዩ። ወያነ ይኹን ኣምበጣ ወይ ኮሮና ወይ ድማ ናይ ውሽጡ መጸይቲ ዘፍ ዘብል ዓቕሊ ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ይዕዘብ ድማ እዩ። ፍርዱ ይህብ’ወ። መዲርካን ሎቕመጽመጽ ኢልካን ክትረትዖ ዘይትኽእል ህዝቢ።
ሓደ ዓቢ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክብሪ፡ እቲ ኣብ መንጎ ህዝብን መራሕትን ዘሎ ዝምድና ብግቡእ ምርዳእ እዩ። ንመራሕቱ ብዝገብርዎ ጽቡቕ ስራሕ ይንእዶም፡ ብጉድለታቶም ድማ ይነቕፎም። መራሕቲ እምበር ጣኦት ከምዘይኮኑ ይርዳእ እዩ። እምነቱ ኣብ መተከላት ሰውርኡን ራኢ ስዉኣቱን እዩ። ውልቀሰባት ብመጠን ናይቲ ዘበርክትዎ ይምጎሱ። ግን ሰባት እዮም። ይሓሙን ይሞቱን እዮም። ምስ ሞቶም ዝቕህም ዕላማታትን ራእን ኣይነበረናን ኣይክህልወናን እውን። ኤርትራ ዓዲ ኣሽሓት ናፖልዮን እያ። ዓዲ ኣሽሓት ኢሳይያስ እያ። ሓደ እንተወደቐ፡ ዝተረፉ ነታ ኣርማ ኣልዒሎም ይቕጽሉ። ከምኡ እዩ ታሪኽና። ከምኡ እዩ ታሪኽ ሰውራና።
ኣብዝሓለፈ መዓልታት ክወናጨፍ ዝጸንሐ ንሕማምን ሞትን ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዝምልከት ወረታት ንሕጂ ቅሂሙ ኣሎ። ጸገም ናይዞም ናይ YouTubeን FBን “ኣፍረይቲ ሓሶት” ዝኾኑ ውሑዳት ግን ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዘይኮነስ እቲ ባዕሎም ዝመረጽዎ ኣሉታዊ መርገጺታት እዩ። ኣብ ሓሶትን ምድንጋርን ዝተመስረተ በለጻዊ ጎስጓስ ከምቲ ኣብ ሃማሚ ባይታ ዝተሰረተ ቤት እዩ። ናይ ግዜ ሕቶ እዩ እምበር ምፍራሱ ኣይተርፍን። ቲፎዞነት ንምብዛሕ፡ ብኡ መሰረት ድማ ሰናቲም YouTube ንምጥርቓም ዝዓለመ እዩ። ኣብ ዓለም ድንቁርና ጥራይ ከካይዶም ዝኽእል እስትራተጂ እዩ። እምበር ነቲ ብርሃን ኣእምሮ ዝተዓደለ ዝምርምርን ዘዛምድን ሰብ ከደናግሩ ኣይክእሉን። ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ሰዓብቶም ናይ ምዝካር ዓቕሚ ሓጺር ምዃኑ (short term memory) ስለዝፈልጡ፡ ጽንሕ ኢሎም ድማ ብኻልእ ሓሶት ክመጹ እዮም። ዓስርተ ግዜ ጻሕ እንተ በሉ ኣይግድሶምን። እቶም ንዕኦም ዘንብቡን ዝዕዘቡን ዓይነት ሰባት ንሶም ስለዝኾኑ ዕዳጋኦም ርጉጽ እዩ።
ፕረሲደንት ኢሳይያስ ሰብ እዩ። ከም ሰብ ድማ፡ ፍጡር እዩ እምበር ፈጣሪ ኣይኮነን። ከም ኩሉ ፍጡር ድማ ሓንቲ መዓልቲ ናብ ዓዲ ኩልና ምኻዱ ኣይተርፎን እዩ። እቲ ንታሪኽን ዕድልን ናይ ወለዶታት ቃልሲ ናብ ውልቀሰብ ዘውርድን ንሱ እንተኸደ ኤርትራ ከም ሃፋ ክትበንን እያ ዘስምዕ መናፍሓት ግን ኣይግድን። ኤርትራ ሓደ ሰብ ወሊዳ ዝመኸነት ሃገር ኣይኮነትን። ንግዚኡ ኩነታት ስለ ዘገደደ መከላኸሊ ጥንሲ ትወስድ ኣላ። ኩነታት ኣብ ዝጠጣሓሉ ግዜ ግን ወላዲት ኣሽሓት መራሕቲ ምዃና ክተርእየኩም እያ። ጉዕዞና ድማ ናብዚ ዘምርሕ እዩ። ኣላይን መራሕን ናይዚ መድረኽ ድማ ናይ ቀደም ተጋዳላይ ናይ ሎሚ ፕረሲድነት ኢሳይያስ እዩ። ግን እቶም ብሕልፈት ኢሳይያስ እቲ ናይ ውሒጅ መዓጾ ዝኽፈተልኩም ዝመስለኩም፡ ሽግርኩም ናይ ኢሳይያስ ኣይኮነን። ሽግርኩም ምስ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ደሕረ-ኢሳይያስ ኤርትራ ብኣራግጽኩም ክትውድእዋ እትሓልሙ ድማ፡ እዛ ሃገር ነዚ ኩሉ ሕሰም ተጻዊሮም ምስ ህዝቦም ገልታዕታዕ ዝብሉ መራሕትን ክኢላታትን ብኣሽሓት ከም ዘለዋ ክትርድኡ የድሊ።
ብዝኾነ፡ ፕረሲድነት ኢሳይያስ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ጉዕዞ ክፍጽም ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ኣሎ። ኣብዚ ዓለምና ብኮሮና ቫይረስ ትሕመሰሉ ዘላ እዋን ከምዚ ዓይነት መገሻ ምግባሩ ድማ ንኣገዳስነት ናይቲ ዕማም ክገልጸልና ይኽእል። ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ተጀሚሩ ዝጸንሐ መደባት ንምድንፋዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተረኽበ ክኸውን ይኽእል። ኣብዚ ሳዓት ብዛዕብኡ ብዙሕ ሓተታ ምጽሓፍ ዘኽእል ዝተፈልጠ እኳ እንተዘየለ፡ ምስ ድሕንነታዊ ኩነታት ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽእል ክግመት ይከኣል። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ወያነ ዝጸንሖ ልስሉስ ኣተሓሕዛ እና ኣኽረሮ ይመጽእ ኣሎ። ወያነ ኣቀባጢርካ ዝተሓዝ ቫይረስ ከምዘይኮነ ምምሕዳር ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ተሰቂርቅዎ ኣሎ። ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ፡ ምርጫ ኢትዮጵያ ክደናጐ ዝተገብረ ስምምዕ ንወያነ ናይ መወዳእታ ናይ ሞት መልእኽቲ ኮይንዎ ኣሎ። ናይ ምዕግርጋርን ናይ ምፍርራሕን ሓይሉ እውን እናተጸንቀቐ እዩ። ዓቕሊ ከምዚ እዩ ዝገብር። ዓቕሊ ሻዕብያ።
ብዝተረፈ፡ ነቶም ኣብ ርያድ ስዑድያ’ዶ ኣብ ገለ-መለ ርኢናዮ—መይቱ’ዶ ሓሚሙ’ዶ ኣብ ኮማ ኣትዩ—-ክብሉ ዝቐነዩ ለውላዋት፡
“ከምጂ ገበረለን ኣብ ጎሚዳ- ኣባ ብልሓቱ
ደርሆም ነቀወት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘይሳዓቱ” በሉለይ።
ንወያኖትን ንኤርትራውያን ወየንትን ድማ፡ መሬት ኤርትራ ጎቢጡ መወዳእትኡ ዝጸበቐ ሓይሊ የለን። ኤርትራውያን ነዚ ሓቂ እዚ ለሚድናዮ ኢና። “ኣይበልናን’ዶ” እና በልና ድማ ወትሩ ንቅድሚት ንምርሽ።
http://www.eastafro.com/…/eritrean-president-isaias-afwerk…/
