ወርቃዊ ቃላት/Golden words (ቑ-1)
ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ምስ ካድረታት ወያነ ክካታዕ እንከለኹ እዚ ዝስዕብ እደጋግም ነይረ።
“ወያነ ንምሉእ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝተቖጻጸረ ጥራይ እዩ ‘ኢትዮጵያዊ’ ኮይኑ ክኸይድ ዝኽእል። ኢትዮጵያ ናይ ምግዛእ ስልጣን ካብ ኢዱ ምስ ወጸ እቲ ማንታ ባህርኡ ማለት ትግራይ ናይ ምግንጻል መደቡ ከተግብር ትኽ ኢሉ ናብዛ ትግራዩ” እብል ነበርኩ። ኮይኑ ድማ ወያነ ካብ ስልጣን ምስ ተባረረ፡ ናብቲ ናይ ብሓቂ ቁምንኡ ተሸምቚቑ፡ ናብዛ ትግራዩ።
እዚ ናይ ግዜና ጠራዕራዕ ድማ ነዚ ወርቃዊ ቃል ሓቅነቱ የረጋግጽ። ወያነ ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምፍርራሕ (blackmail) ክገብር ተዓጢቑ ኣሎ። ናይ ሰሜን ኮርያ ዝመስል ሰልፍታትን ዘፈራርሕ መደረታትን ይረአን ይስማዕን ኣሎ። ነጋሪት ኲናት ይውቃዕ ኣሎ። እቲ ዝበዝሐ ጭዋ ትግራዋይ ግን እቲ መልእኽቲ ዝስሕቶ ኣይመስለንን።
መቸም፡ መቐለ ፎርቶ ሰረቕቲ ካብ ትኸውን ካሪሙ እንድዩ። ገታቸው ኣሰፋ ንመሳርቕቱ “ኣነ መዝሓል ነድሪ ኢትዮጵያውያን ኣይከውንን እየ። ንኹሉክም ዝፈልጠልኩም እከያት ኣለኒ። ብስምኩምን ብስም ውድብናን መንግስትናን እየ ነቲ ግፍዕታት ዝፍጽም ዝነበርኩ። ወይ ብሓደ ንጠፍእ ወይ ብሓደ ንለምዕ” ምስ በሎም ኣይተ ዶክቶር ዘርባዕባዕ ሻቡ ኢዱ ሂቡ። ሐደ ካብ ዓዲ ዝተመልሰ ትግራዋይ ዓርከይ ከምዝበለኒ እንተኾይኑ፡ ሎሚ ኣብ መሳልል ወያነ ወሳናይ መሪሕ ዝህብ ኣካል ኣሎ ክትብል የጸግም እዩ። እቶም ረብሓኦም ዝተተንከፈ ጉጅለታት ንወያነ ተቖጻጺሮሞ እዮም። ነቲ ውድብ የፈራርሕዎን የጋፍዕዎን ኣለዉ።
በዚ ድማ፡ ገታቸው ኣሰፋ ነቶም ነብሶም ዘይኣምኑ መራሕቲ ወያነ ከም ጅሆ ሒዙ፡ እቶም መራሕቲ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ከም ጅሆ ሒዞም ኣለዉ። ናይ’ዚ እዋንና ጠራዕራዕ ናበይ ከም ዘብጽሕ ክንርኢ ኢና።
ናብ ዘበለ የብል፡ ዕርፍና ኣጽኒዕና ኣለና። እቲ ቅኑዕ መንገዲ ከምታ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ዝበሎም፡ ካብ ብመስኮት ክኣትዉ ዝደልዩ ብማዕጾ እንተኣተዉ ይሓይሽ። ነዚ ናይ ዶብ ጉዳይ መከተምታ ንግበረሉ እሞ ብማዕጾ ክትኣትዉ።