Categories
Uncategorized

ብኣጋጣሚ ሸሞንተ መጋቢት—

ብኣጋጣሚ ሸሞንተ መጋቢት ነተን ኣርኣያ ኮይነን ዝሓለፋ ጀጋኑ ደቀንስትዮና ነመጉስ። ሕድረንን ሕድሪ ብጾተንን ከይንጠልም ዳግም መብጸዓ ንኣቱ። ሸሞንተ መጋቢት ንፋሽን ኣይኮናን ነብዕላ። ኣግኣዞ ደቀንስትዮ ኣካል ቃልስና ነይሩን ኣሎን። ቃልስና ንምሕራር መሬት ጥራይ ዘይኮነ፡ ማሕበራዊ ለውጢ ንምትእትታው እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ ብዓቢኡ ከም ማሕበራዊ ሰውራ ክንርእዮ ንኽእል። ሸሞንተ መጋቢት ከም መዘኻከሪትን ወንና መለዓዓሊትን እምበር ንባዕላ ቅድስቲ ስለዝኾነት […]

Categories
Uncategorized

ህግሓኤ ንሕግታት ጠንቅን ሳዕቤንን (The law of causation) ዝመለኸ ውድብ ነይሩ

ህግሓኤ ንሕግታት ጠንቅን ሳዕቤንን (The law of causation) ዝመለኸ ውድብ ነይሩ። ንሓደ ፍጻመ ወይ ሳዕቤን ጠንቂ ውይ ምኽንያት ክህልዎ ግድን እዩ። እቲ ሳዕቤን ወይ ፍጻመ ድማ ብግዲኡ ጠንቂ ወይ ምኽንያት ወይ ድማ መበገሲ ካልኦት ምዕባለታት ይኸውን። በዚ ሰንሰለታዊ ምትእስሳር ድማ ባህሪ ይኹን ሕ/ሰባት ንቅድሚት ይግስግሱ። ቃልሲ ኤርትራ እውን ብኸምኡ ክግለጽ ይከኣል። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ […]

Categories
Uncategorized

ቅሩብ ብዛዕባ ወዲ ኤፍረም

ስእሊ ክቡር ቀዳማይ ጀነራልና፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ቅብቅብን ቅልጡፍ ኣቀባባልን ክግበረሉ ክርኢ ጸኒሐ። ብዙሕ መልእኽትታት እውን ተቀቢለ። ዝበዝሕ በቲ ስእሊ ዝተቖጠዐን “ስለምንታይ እቲ ጀነራል ኣብ ከምዚ ኩነት ከሎ ስእሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ተዘርጊሑ” ዝብልን ብዛዕብኡ ገለ ክብል ዝሓትትን እዩ። ውሑድ ድማ “እነሀልካ ኢሳይያስ ንጀነራል ስብሓት ከመይ ገይርዎ ተመልከት፡ ካብኡ ተመሃር… ወዘተ” ዝብል […]

Categories
Uncategorized

ሰውራናን ዕላማታቱን፡ ሓጺር መልሲ—

ሰውራ ኤርትራ፡- 1- ኣካልን መቀጸልታን ሃገራዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት 1940ታት እዩ። 2- ብረታውን ፖለቲካውን ማሕበራውን መዳያትን ዕላማታትን ዝነበሮን ዘለዎን እዩ። 3- እቲ ብረታዊ መዳዩ በቲ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመርሖ ሰራዊት ሓርነት ብመስከረም 1961 ፈሊሙ ብህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ግንቦት 1991 ተዛዚሙ። ኩሉ ናይቲ መድረኽ ተረኽቦታት ታሪኽና እዩ። ሕማቑን ጽቡቑን። ካብቲ ሕማቕ ንመሃር፡ ኣብ ርእሲ እቲ ጽቡቕ […]

Categories
Uncategorized

ተጋዳላይ ውግእን ስራሕን’ዩ ነይሩ ዩኒቨርስትኡ

ቅድሚ ቅሩብ ሳምንታት፡ ቃለ-መሕትት ናይ ሓደ ናይ ደርግ ጀነራል ዝነበረ ሰብ ሕልፍ እናበልኩ ተዓዚበ ነይረ። ኣብኡ፡ እቲ ጀነራል ብዛዕባ ተጋዳላይን መራሕትን ሻዕብያ ሓቀኛ ገምጋም ይህብ። ንሱ ይብል” ንሕና ኣብ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተመሃርናን ብወተሃደራዊ ትካላት ዝተመልመልናን መኮነናት ነይርና። ንሶም ግን ካብ ግብሪ፡ ካብ ብዙሕ ምውጋእ ዘጥረይዎ ትምህርትን ተመክሮን እምበር ኣብ ወተሃደራዊ ትካላት ተመልሚሎም ዝወጹ […]

Categories
Uncategorized

ዓጀውጀው ጻድቃን

እዚ ናይ ሎም ቅነ ናይ ጻድቃን ዓጀውጀውን ቅድምኡ ብላዕለዎት ሓለፍትን ተለኣኣኽትን ወያነ ኣንጻር ልኡላዊ ክብሪ ኤርትራ ክቐንዕ ዝጸንሐ ወስታታት ዘብረሆ እንተሎ እቶም ብዛዕባ ባህሪ ወያነ ክደጋግሞም ዝጸንሓኩ ነጥብታት ኣብ ቦትኦም ምንባሮም እዩ። ንሶም ከኣ፡- ወያነ ንልኡላውነት ኤርትራ እቲ ናይ ቀረባ ስግኣት ምዃኑ። ዕላምኡ ንምውቃዕ ድማ ዝተፈላለየ መገድታት ይኽተል ኣሎ። ንታሪኽ ምጥምዛዝ፡ ስነኣእምሮኣውን ቀጥታውን ሸርሕታት ምክያድ፡ […]

Categories
Uncategorized

ሓጻር መልእኽቲ ንግዱሳት

ሓጻር መልእኽቲ ንግዱሳት 1- ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ወያነ ኣብ ምንጻል ወይ ምጥፋእ ዘተኮረ ጥራይ ከም ዝኾነ ዘምስል መልእኽትታት ካብ ምዝርጋሕ ምቑጣብ። 2- ብልክዕ፡ ወያነ ካንሰር ናይ ዞባና ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ክሳብ ዝእደብ ወይ ዝውገድ እውን ገና ካንሰር ናይ’ዚ ዞባ ምዃኑ ኣይክተርፎን እዩ። ይኹን እምበር፡ ወያነ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ እዩ። ብከመይ ይተሓዝ ብዓቢኡ ንኢትዮጵያን ትግራዎትን ይምልከት። ኤርትራ […]

Categories
Uncategorized

ፖለቲካዊ ጸወታ

ሓደ ዓርከይ ኣሎ መልእኽትታት ክሰድድ ድቃስ ዝስእን። ዝበዝሕ መልእኽትታቱ መሊሰሉ ኣይፈልጥን ግን ጽንሕ ኢሉ ቁም ነገር ዘለዎን ዘወናውንን መልእኽቲ ይሰደለይ እዩ። ንሎሚ ሓደ ቅድሚ ዓመታት ዝወጸ ማነፈስቶ ኣመልኪቱ ዝሰደደለይ ሕቶ እየ ክትንክፍ። ቅድሚ ዓመታት፡ ንሓደ ካብ ብሄራትና “እውክል’እየ” ዝብል ጉጅለ ናይ ምንጻል ምፍርራሕ ዝተራእየሉ ማኒፈስቶ ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ጉጅለ ካብ ኢትዮጵያ እናተበገሰ፡ በብእዋኑ ናይ ቃጽያ […]

Categories
Uncategorized

ንጋባእ፡ንዛተ

ባይቶታት ዞባታት ጉባኤታት የካይዱ ኣለዉ። ካብቲ ብማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ዝፍኖ ዘሎ ዜናታት ክንበብ ከም ዝከኣል፡ ኣተኩሮ ኣካየድቲ ስራሕን ህዝብን ዞባታት ሃገርና ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ እዩ ዘሎ። እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ኤርይራ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለትሉ ሰላም እዩ። ቆላሕታ ህዝቢ ካብ ኣብ መኸተ ወያነን ለኣኽቶምን ተለኣኣኽቶምን ናብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ምዝባሉ መስርሕ ምርግጋእ ይጅምር ምህላዉ […]

Categories
Uncategorized

Fenkil Operation

Fenkil Operation* of 1990 dislodged an occupying army comprising infantry, mechanized and Naval forces, liberating the port city of Massawa and its environs. The result was tightening the noose around the very existence of Ethiopia in Eritrea. Subsequently, Operation Fenkil led, in 199, to the total annihilation of Ethiopia’s Second Revolutionary Army, one of Africa’s […]