Categories
Our Stories

ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ሰውራቀዳማይ ክፋል

ኣብዘን ዝሓለፋ ሳምንታት፡ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ነበር፡ ብዛዕባ ዕላማታትን ጉዕዞን ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ተመክሮኦምን ጠብላሕተኦምን ገምጋሞምን ከቕርቡ ጸኒሖም። ከም ዝመስለኒ፡ ነዚ ዘተታት ዘተባበዓትን ዘበጋገሰት ኣጋጣሚት፡ እታ ጊደዎን መሓሪን ዮሴፍ ፍስሃየን ኣብ ቲቪ ኣሰና ዝገበርዋ ቃለ-መሕትት እያ። ርኢቶታተይን ነቐፈታይን ንኽልቲኦም ብውልቂ ሂበ እየ። እቲ ዘተ ክቕጽል እውን ኣተባቢዐዮም። ምኽንያቱ፡ ተመክሮና ባዕልና እንተዘየካፈልናዮ ካልኦት ሰባት ባህ ከም ዝበሎምን ከም ዝረኣዮምን ከቕርብዎ እዮም። ግቡእና ድማ እዩ ታሪኽና ክነዘንቱን ታሪኽ ናይቶም ብኣካል ዘየለዉ ክንከላኸልን። እነጸባብቖን እነካፍኦን ክህሉ የብሉን። ዝኽርታት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ነዘንትወሉ እዋን፡ ብናይ ሎሚ ተመክሮና ተጸሊና (biased ኮይንና) ከይንህሉ ምስትውዓል። ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ኣብ ግዚኡን ኣብ ብትኡን ኣእቲና ኢና ክንርእዮ ዘለና። ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣካል ናይቲ ህዝባዊ ግንባር ዘካይዶ ዝነበረ ሓርነታዊ ቃልሲ እዩ ነይሩ። እቲ ቃልሲ ኩሉ መዳያዊ እዩ ነይሩ። ምሕራር መሬት፡ ምምሕዳር ዝሓረርካዮ መሬት (ኣገልግሎታት ምሃብ)፡ በቲ ዝከኣለካ ድማ ሰረታት መጻኢ ኤርትራ ምንጻፍ።ቤት ትምህርቲ ሰውራ ካብቶም ካልኦት ክፍልታት ፈሊና ክንርእዮ የብልናን። ኣድላይነትን ሓላፍነትን እዩ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ክፍልታት ከም ዝጅመር ዝገበሮ። ንኣብነት ክስለፍ ከለኹ፡ ሓንቲ ትራክተርን፡ ክሳብ እማህሚመት ዝበጽሓ ክልተ ሎሪን ሓንቲ ላንድሮቨርን እዩ ነይርዎ ህዝባዊ ሓይልታት። ግን ንዕአን ዘገልግል ትሕተ ቅርጺ ተዘርጊሑ ነይሩ። ክፍሊ ነዳዲ፡ ክፍሊ ጋራጃት—ወዘተ። ጽርግያ ግሬቶን ዓገትን ኣብ ታዕሊም ከለና እዩ ዝስራሕ ነይሩ። እቶም ኣብ እማህሚመት (ማይህመት) ዝዕለሙ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ ድሕሪ ታዕሊም ማእቶት የካይዱ ነይሮም። እተን ሎሪታት ንዓቐበት ግሬቶ ክድይባ ኣይክእላን ነይረን። መሽኪነይቲ ትራክተር ድማ እንሓንሳብ ብገመል ስሒብካ እዩ ነይሩ። ከምቲ ጀማዓትና ጀብሃት ኣታሕሪር (ተ-ሓ-ኤ) ኣብ ዓቀብ ሸንኮሌት ክገብርዎ ዝጸንሑና። ግን እቲ ጽርግያታት ይስራሕ ነይሩ። ምኽንያቱ ራኢ ነይሩ። ሰውራ ንቅድሚት ክደፍእ እዩ። መካይን ጸላኢ ኣብ ዝማርኸሉ ደረጃ ይኸይድ ምንባሩ ነቲ መሪሕነት ይኹን ተጋዳላይ ንጹር ነይሩ። ሽዑ ዝተሓረረት ከተማ ኣይነበረትን። ናቕፋ ትኽበብ ነይራ። ግን ባህ ዘብል ንፋስ ነይሩ። በቃ፡ ገለ ዓይነት ሽታ ነይሩ—ጥዑም ሽታ ኣየር። ሰውራ ብኹሉ መዳያቱ ናብ ጉብዝና ይበጽሓሉ ዝነበረ እዩ። ካልኦት ክፍልታት እውን ይጣየሱ ነይሮም—ዜና፡ ህንጻ፡ ሕርሻ፡ ቁጠባ—ኣብቲ ደሓር ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝተደኮነሉ ቦታ ድማ ብግፍዓዊ ተግባራት ጸላኢ ዝተመዛበላ ስድራታት በብቕሩብ ክተኣኻኸባ ጀሚረን ነይረን። እቶም ዝበዝሑ ግዳያት ናይ’ቲ ኣብ 1975 ኣብ ሕርጊጎን ኣከባቢኣን ዝተፈጸመ መቕዘፍቲ እዮም ነይሮም። ገለ ገለ ተጋደልቲ እውን ስድርኦም ከምጽኡ ጀሚሮም። እቲ ቦታ ብ “እንዳ ህዝቢ” ወይ ድማ ዕቑባት ይፍለጥ ነይሩ። ናይ ረድዮ ኮድ ስሙ ድማ ዜሮ ይበሃል ነይሩ። ኣብቲ ቦታ ቆልዑ ክበዝሑ ምስ ጀመሩ፡ ብውልቀ ተበግሶ ኣመሓደርቲ ገለ ገለ ትምህርታዊ ንጥፈታት ክካየድ ጀሚሩ።”እዚ ንጥፈታት እዚ ድዩ ነቲ መሪሕነት ውድብ ንቤት ትምህርቲ ሰውራ ክጅምር ኣበጋጊስዎ ወይስ ብቐደሙ ይሓስበሉ ነይሩ” ንዝብል ሕቶ ግን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክምልሶ ኣይክእልን። ገለ ካብቶም ነዛ ሕቶ ክምልሱ ዝኽእሉ ገና ብህይወቶም ኣለዉ፡ ግን ናይ መስመር ጸገም ስለዘሎ፡ ንግዚኡ ምሕላፋ ይሓይሽ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣጋጣሚ ምዝካር ጽቡቕ እዩ። ብ1975 እቲ መሪሕነት ንገለ ውሑዳት ናይ ምምህርና ተመክሮ ዝነበሮም ወይ ድማ ንኸምኡ ይጠቕሙ ዝበሎም ሰባት ኣብ ዜሮ ኣኪቡ፡ መባእታዊ ካሪክለም ትምህርቲ ክነድፉ መዚዝዎም (ገና እንዳ ህዝቢ ከሎ’ቲ ቦታ፡ እቲ ህዝቢ ደሓር ናብ ደብዓት ዝበሃል ዓሚቑ ስንጭሮ ግዒዙ፡ እቲ ቦታ ኣብ መስከረም 1976 ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከም ዝጅመረሉ ተገይሩ)። ካብቶም ብርግጽ ዝዝክሮም ኣባላት ናይ’ዚ ብ1975 ዝቖመ ኮሚተ ካሪክለም፡ ቃልኣብ ሃይለን ሃይለ መብራህቱን ነይሮም። ካብቶም ቀዳሞት መምህራን፡ ኣብቲ መስርሕ ዝተሳተፉ ክኾኑ እውን ዝኽእሉ፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ጎይተኦም ተኽለሚካኤል፡ ጴጥሮስ ሃይለማርያም—ወዘተ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ዓመት ኣቢሉ ቅድሚ ምምስራት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ እዩ። እቲ ናብ ምብግጋስ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝወሰደ ኩነታት ከምዚ ይመስል። ኣብ ዝቕጽል ንኣጀማምርኡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓፈሻዊ ናይ’ቲ እዋን ሃዋሁ ሰውራ ኣእትየ ክርእዮ ክፍትን እየ። መን እዩ ህዝባዊ ግንባር፡ መን እዩ መሪሕነት፡ እቲ ሓሳብ ከ መን ኣመንጭይዎ፡ ብዛዕባ ራኢ፡ ተመሃሮ ቤት ምህርቲ ሰውራ… ብሓቂ ኩረት ድዮም ነይሮም ወይስ እምነ ኩርናዕ፡ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከ ከም መጻንሕን መስብሕን መደበር ድዩ ነይሩ ወይስ ኣባላቱ ንጡፋት ተሳተፍቲ ናይቲ ቃልሲ ነይሮም—ወዘተ ክምልሱ ተስፋ ኣንቢረሉ ዘለኹ ቅጥዒ ክኽተል እየ። ኣብ ኩሉ ፍትሒ ክህብ ክፍትን እየ። ፍትሒ ንተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ፍትሒ ንመምሃራኑን ሓለፍቱን ኣለይትን፡ ፍትሒ ንታሪኽ—ፍትሒ።ሳላሳ/ኣርበዓ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስካ እተዘንትዎ ታሪኽ፡ በቲ ሎሚ ወዲኻዮ ዘለካ ለንስ (መነጸር) ክትርእዮ ከለኻ ዘይንጹር ስእሊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ኩሉ ብዓይኒ ፖለቲካ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን። ንታሪኽ ፍትሒ ክትህቦ እንተኮይንካ፡ ብርጉእ መንፈስ ናብቲ እዋን ፍጻመን ናብ ቦታ ፍጻመን ክትምለስ ኣለካ። ነቲ ፍጻመ ጸለውቲ ዝነበሩ ኸ እንታይ እዮም ክትምርምር ክትክእል ኣለካ። ከምቲ ተዛረብቲ እንግሊዘኛ ዝብልዎ፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ኣብ እትገብሮ ገምጋም፡ ኣብቲ እዋኑ ዘይተራእየካ ሕጂ ክተስተውዕለሉ የኽእለካ እዩ።Hindsight is 20/20 ከኣ ይብልዎ። ስለ’ዚ፡ ሎሚ ዓቢና፡ ተመክሮታት ካልኦት ርኢና፡ ኣተሓሳስባና ገፊሑን ዓብዩን ብዙሕ ርኢቶታትን ነቐፈታትን ክህልወና ይኽእል እዩ። ኣይጽላእን እዩ ድማ። ኣብ መጽናዕቲ ዘይተመርኮሰ ውልቃዊ ጦብላሕታታት ንህብ ስለዘለና፡ ንሓደ ብጻየይ ስለምንታይ ከምቲ ኣነ ዝግምግሞን ዝርእዮን ዘይረኣየ ኢለ ክግረም የብለይን። እዚ ናተይ እውን በታ ንእሽቶ መስኮተይ ዝርእዮ እዩ ክኸውን(personal perspective)። ልዕሊ ካልኦት ጸንበለል ዘብለኒ ዓቕሚ ይኹን ተመክሮ ኣይተዓደልኩን።በዚ ኣጋጣሚ፡ ንተበግሶ ቲቪ ኣሰናን ንሓፍትና ኤደን ኢያሱን (ተመሃሪት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር) ንግደዎንን ዮሴፍን ምስጋና። ድሕርኡ ዝሰዓቡ ወሃብቲ ርኢቶ—ዘካርያስ ቴድሮስ፡ ፍጹም ተስፋማርያም (ረባዕ)፡ ዲጹ፡ ሰለሙን ወልደንኪኤል (ሃለቃ)፡ ተወልደ ካሕሳይ፡ኣማንኤል ኣድሓኖም፡ ክፍሎም ኣሰፋው—ንኹልኹም ጀማዓት በዲር ሰላምታ። የቐንየልና ድማ። ክናሳሕ፡ እዛ ነገር ኣጽቂጠ ክሓልፋ ደልየ ነይረ። ኣተኩረይ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ክኸውን መሪጸ ነይረ። ግን እቲ ዕላል ፈኸም ምባሉ ኣይተረፈን። ትማሊ ናይ ኣቦይ ርጉም (ተወልደ ካሕሳይ) ነቢበ። ሎሚ ድማ ኡስታዝ ኣማንኤል ኣድሓኖም ብደርፊ ኣሰንዩ ሓንቲ መበራበሪት ጽሕፍቲ ኣቕሪቡ። እሞ ደኣ ዘየወናውን ድዩ? ነዛ ከይኣትዋ ወሲነ ዝነበርኩ ቀላይ ባዶ ኣርባዕተ ዘሊለ ኣትየያ ኣለኹ። ምሕንባስ’ኳ ክሳብ ሎሚ ኣይከኣልክዎን ዘለኹ። ግን ቀላይ ባዶ ኣርባዕተ ንእሽቶ እያ ነይራ። ትህሉ’ዶ ትኸውን ከም ቀደማ? ኢሳቕ መሓሪ (ወዲ ቀሺ- ኤሪ-ቲቪ) ንዓራርብ በጺሕዎ ነይሩ። እቲ ኣሳራት ዳርጋ ጠፊኡ ኢሉኒ። እቲ ኪሎሜተራት ዝንውሓቱ፡ ከም ቆፎ ንህቢ ብንጥፈታት ተመሃሮ ዝሃምም ዝነበረ ስንጭሮ፡ እቲ ኣብ እዋን ለይቲ መብራህቱ በቲ ጸቢብ መኻፍቶ ንሰማይ ዝውንጨፍ ዝነበረ ስንጭሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ናብ ንቡሩ፡ ናብ ቅድመ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተመሊሱ ምህላዉ እዩ ወዲ ቀሺ ገሊጽለይ። ባህሪ መልከዓ ተጸባብቕ እያ። ወትሩ ሜክ ኣፕ ምስ ገበረት እያ። ወዲ ሰብ ዝዓቕሙ ይፍሕራ፡ የብርሳ፡ ይሓርሳ፡ ግን ወዲ ሰብ ምስ ገደፋ ባህርያዊ ወዛ ቀልጢፋ እያ ትመልስ። ኣሰራትና ኣብቲ ስንጭሮ ንሓዋሩ ምህሳሱ ኣይተርፍን እዩ። ኣብ ኣእምሮና እውን ምስ ግዜ ምድብዛዙ ኣይተርፎን። ስለ’ዚ፡ ኣብ ጽሑፍን ኦድዮ-ቪዥዋልን ክሰፍር ኣለዎ። ኣብ ካልኣይ ክፋል፡ ብዛዕባ ኣጀማምራ ቤት ትምህርቲ ሰውራን ብዛዕባ ትምህርታዊ ራኢ ናይቲ ውድብን ክጽሕፍ እየ። ብዛዕባ ራኢ ኣብ ንዛረበሉ እዋን፡ ንቤት ትምህርቲ ሰውራ ቆንጪልና ክንዝትየሉ ኣይንኽእልን። ኣብ ውሽጢ እቲ ሓፈሻዊ ውድባዊ ፕሮግራምን ግብራዊ ኣሰራርሓን ኣእቲና ኢና ንርእዮ። “እቲ ውድብ ዘካይዶ ዝነበረ ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ኣብ ፕሮግራምን ራእን ዝተመርኮሰ ድዩ ነይሩ ወይስ ብሃውሪ እዩ ዝጋደል ነይሩ” ናብ ዝብል ሕቶ እዩ ዝመርሓና። ብዝኾነ እዚኣ ከም ኣፐታይዘር ቆጺርኩም ኣብ ካልኣይ ክፋል ንራኸብ። ኣያኹም ማሕሙድ ሳልሕ

One reply on “ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ሰውራቀዳማይ ክፋል”

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s