ነዛ ዕዳይ ቅልጥፍ-ቅልጥፍ ኢለ ክኸፍላ። ብምኽንያት መበል 29 በዓል ናጽነት፡ 7 ሰውራውያን ደርፍታት ከቕርብ ካብ ዝተኣዘዙ ሓደ እየ’ሞ ንሎሚ ራብዓይቲ ደርፊ ከቕርብ። ሎሚ ንገዛይ ማለት ንቤት-ትምህርቲ ሰውራ እተዘኻኽር ደርፊ ከቕርበልኩም እየ። ምስኡ ዝመጽእ ድማ ሓያል ዝኾነ ዋሕዚ ዝኽርታት ኣሎ እንድዩ። “ተዓገሲ ነብሲ” እናበልኩ ገለ ድሕረ-ባይታ ናይዛ ደርፊ ክጸውየኩም።
1- ብዛዕባ ቤትም-ትምህርቲ ሰውራ ብዙሕ ጉጉይ መረዳእታታት እሰምዕ እየ። ነቲ ብደገ ዝሰምዖ ሰብ ክተረድኦ የጸግም እዩ። ቤት ትምህርቲ ክበሃል ከሎ፡ ናይ ሰላም ሃዋሁ የስምዕ። ምኽንያቱ ኣብ ግዜ ሰላም ኢኻ ብዛዕባ ትምህርቲ ትሓስብ። ቀጺሉ ድማ፡ እኹል ወይ ሓውሲ እኹል መሳለጥያታትን ህንጻታትን ይረኣየካ። ተመሃሮ ብናጻ ክዛወሩን ክጻወቱን ከጽንዑን ክመራመሩን ይረኣየካ። ከላሺን ኣብ መንደቕ ኣጸጊዑ ዝምህር መምህር ኣይረኣየካን። ጸረ ነፈርቲ ረሻሻት ኣብ ጎኒ መምሃሪ ክፍልታት ተጻዊዱ ከጽምመካ ኣይትጽበን። ጸሓይ ከይበረቐት፡ ነፈርቲ መሬት ክስዕማ ክመስላ ሕጭጭ እናበላ ንስንጭሮታት ናይቲ ቦታ ክርብሸኦ ኣይረኣየካን እዩ። ሂር ዝብሉ ግንባራት ኲናት ዝስመዓሉ ቦታ ኮይኑ ኣይስመዓካን። ከመይ ኢልካ ብኸምኡ ክትቀርጾ? ቤት-ትምህርቲ እንድዩ። በብግዚኡ ዝውዝዑን ዝስውኡን ተመሃሮን መምሃራንን ትሰምዓሉ፡ ርእስኻ ክኢልካ ልክዕ ከምታ ካልእ ተጋዳላይ ዝነብራ ትነብረሉ፡ ሓንጎልካ ብኲናትን ወረ ኲናትን ዝሻቐለሉ ቦታ እዩ። ኣብ ላይብረሪ፡ መጻሕፍቲ ክትገናጽል እንከለኻ፡ ስእልታት ናይቶም ብሰላም ዝነብሩ ተመሃሮ ካልኦት ሃገራት ብምርኣይ ጥራይ እዩ እንታይነት ሰላም ቅልቅል ዝብለካ እምበር ኩነታትካ ኩሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ሕጭጭታ ነፈርትን ዜና መስዋእትን መወጋእትን ናይ ብጾትካ እዩ። መምህር ብዛዕባ ሳይንስ እናገለጸ ንስኻ ኣብ ጥራዝካ ምስልታት ሰውራ ትስእል። ምስ ጸላኢ ዝግበር ምድፍፋእን ምትሕንናቕን (መጥቃዕትን ጸረ-መጥቃዕትን) መዓልታዊ ዜና እዮም። ወትሩ ኣብ ጉዕዞ—ዜሮ፡ ሩባ ፈልከት (ቀብር ወአት)፡ ዓራግ፡ ሓወልዕ፡ ዓየት፡ ግህተብ፡ ጀልሓንቲ (ጭልሕንተ)፡ እንደገና ናብ ዓራግን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ዓሬርብ። ጥሜት፡ ዕርቃን፡ ድኻም፡ ጽምኢ—መካይድኻ እዮም።
ብዕድመ ዝፈላለዩ ኮይኖም፡ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ብዝተፈላለየ መገድታት ዝተኣኻኸቡ ነይሮም። ገሊኦም ክጋደሉ ዝተሰለፉ እሞ ንኣሽቱ ዝነበሩ፡ ገሊኦም ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳንን ኣብ ሜዳ ዝነበረ መዓስከር ዕቑባትን፡ በብግዚኡ ተጋደልቲ ወለዲ ደቆም ካብ ዓዲ እና ኣምጽኡ—ወዘተ ። በብዕድመ ተመዲቦም ድማ ይናበሩ። ገሊኦም ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ኣዋርሕ ጥራይ ገይሮም ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝሓልፉ ነይሮም፡ ገሊኦም ዓመት ክልተ ዓመት ገይሮም ይውዝዑ፡ ኮታስ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ብዘይካ እቶም ኣዝዮም ንኣሽቱ ኮይኖም ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝገበሩላ፡ ከም መተሓላለፊት ወይ መጽንሒት ነይራ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ግዜ ሽግር፡ ኣብ ግዜ ወራራት፡ ብብዝሒ ብቐጥታ ወይ ሓጺር ታዕሊም ድሕሪ ምግባሮም ናብ ግንባራት ዝተጓየዩ ብዙሓት እዮም። እቲ ቀዳማይ ተውዚዕ ምስ ምዝላቕ ኣብ 1978 ካብ ዜሮ፡ ካልኣይ ብብዝሒ ምውዛዕ ኣብ መጀመርታ 1979፡ ሳልሳይ ብብዝሒ ምውዛዕ፡ ቀቅድሚ ሻሻይ ወራር (1981)፡ ራብዓይ ዳርጋ ብምልኦም እቶም ጀመርቲ ዘጠቓለለ ብ1983 (ናብቲ ኣብ ድሕረ-መስመር ክካየድ ዝተወጠነ ምጥፋእ መሃይምነት፡ ከምኡ እውን ናብ ዝተፈላለየ ግንባራትን)፡ ድሕርኡ እውን ክሳብ እዋን ናጽነት እቲ መስርሕ ብተመሳሳሊ ክካየድ ጸኒሑ።
መምሃራን፡ ኣዝዮም ውፉያት፡ መዓልቲ ክምህሩ ውዒሎም፡ ለይቲ ኣብ ድፋዓት ዝሓድሩ፡ ንላቦራቶርን መምሃርን ማተሪያላት ዝጣበቡ፡ ኣብ ገልጠምጠም ናይ ኲናት ከለዉ እናመሃሩን ስርዓተ ትምህርቲ ዘዳልዉን ኣብነታውያን ተጋደልቲ ነይሮም።
ተመሃሮ፡ ብንእስነቶም ክንዲ ሊቃውንትን ዓበይትን ዝሓስቡ ንናጽነት ኤርትራ ግደኦም ክገብሩ ዝሕንሕኑን ብክንደይ ሕግታትን ተግሳጻትን ፍርቂ ልቦም ኮይኖም ዝመሃሩ፡ ምስ ተወዝዑ ድማ ዳርጋ ብምልኣቶም ጅግንነት ዘመስከሩን ብኽብሪ ዝተሰውኡን እዮም። ክንደይ በሊሕ ኣእምሮ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ተቖጽያ።
ኣባላት፡ ኣባላት እንብለን፡ ክጋደላ ዝተሰለፋ ግን በቲ ውድብ ንተመሃሮ መግቢ ከዳልዋ ዝተመዘዛ እየን ነይረን። ናታተን ተወፋይነትን ድኻምን እሞ ከመይ ገይረ ክገልጾ። ኣብቲ ሃሩር፡ መሳለጥያታት ምግብና ዘይነበረሉ፡ ምስ ነፈርቲ እናተቓለሳ ሎሚ ክትዝክሮ ኣዝዩ ዘገርም መስዋእቲ ዝኸፈላ እየን። ንሰን እውን ከም ኩሎም ኣባላት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ) መምሃራን፡ተመሃርን ኣለይትን) በብግዚኡ ናብ ግንባራት ከቲተን ዝበዝሓ ብጅግንነት ተሰዊአን።
ምምሕዳር፡ ብብጾት በራኺ ገብረስላሰን ቢተወደድ ኣብርሃን ዝምራሕ፡ ናይ ኣተኣላልያ ብደሆታት እኳ ይንበሮ፡ ምስ ግዜ እናተመሓየሸ ዝኸይድ ዝነበረ፡ ምስቲ ዝነበረ ባጀት ተመሃሮ ዝኾነ ናይ ብልሽውና ጸገማት ዘይተራእዮ፡ ናይ ዓቕሚ እንተዘይኮይኑ ናይ ሕልና ንጽህና ዝነበሮ እዩ።
2. ባህሊ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ
ኣብ መወዳእታ 1977 ክኸውን ይኽእል፡ ሓራ ከተማታት ንምብርባር ተባሂሉ ንኡስ ናይ ድራማን ደርፍታትን ጉጅለ ቆይሙ፡ ኣብ 1978 ድማ ናብ ሓራ ከተማታትን ገጠራትን ዑደት ብምግባር፡ ኣብ ኣፍዓበት፡ ከረን፡ ግንዳዕ፡ ደቀምሓረን ዛግርን ምርኢታት ኣቕሪቡ። ኣብ ከረንን ደቀምሓረን ምስ ማሕበራውያን ሓይልታት ፖለቲካዊ ክትዓትን ምይይጥን ኣቕሪቡ። ኣብ ድራማን ግጥምታትን መደረን ሓያል ነይሩ፡ ሙዚቃዊ ሰረት ግን ኣይነበሮን።
ምስ ምዝላቕ፡ ኣብ 1978፡ ኣብ ሓራ ከተማታት ቆይመን ዝነበራ ጉጅለታት ቀያሕቲ ዕንባባ ናብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ መጺአን። ብፍላይ ካብ ደቀምሓረ ዝመጸት ጉጅለ ጽቡቕ ናይ ሙዚቃ ምልከት ነይርዋ። ምስታ ኣቀዲማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ቆይማ ዝነበረ ጉጅለ ተሓዋዊሳ ድማ ሓንቲ ሓዳስ ጉጅለ ቆመት። ኣብ ምምዕባል ሙዚቃ ናይ ህዝባዊ ግንባር ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ስዉእ ዓሊ መሓመድ (ያዓሲና) እውን ካብ ማእከላይ ጉጅለ ባህሊ ውድብ ተሳሒቡ ነዛ ናይ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ጉጅለ ባህሊ ከማዕብል ከም ዕማም ተዋህቦ። ብተወሳኺ ድማ ድሕሪ ስንክልኡ ኣብ ከረን ከም መምህር ተመዲቡ ዝነበረ ተጋዳላይ እስቲፋኖስ ኣብርሃም (ዘማች) እውን ኣቀዲሙ ክደራርፍ ጀሚሩ ስለዝነበረን ምስ ምዝላቕ ናብ ዜሮ ስለዝተሳሕበን ናብታ ጉጅለ ባህሊ ተመዲቡ። ክልቲኦም ዓሊ ያዓሲናን ዘማችን ነዛ ጉጅለ ከም ኣለይትን መምሃራንን ኮይኖም ነቲ ስራሕ ጀመርዎ። እታ ጉጅለ ኣብ ዜማታት፡ ምልከት መሳርሒታት፡ ተዋስኦ፡ ትልሂታትን ካልእ ስነጥበባዊ መዳያትን እናማዕበለት መጺኣ፡ ምስቲ ናይ 1983 ናይ ምጥፋእ መሃይመንት ዘመተ፡ ንሳ እውን ግደኣ ክትገብር ናብ ድሕሪ መስመር ተበጊሳ። ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ምርኢታት ኣቕሪባ፡ ካብ ብዙሕ ከበባ ጸላኢ ወጺኣ። ብዙሕ ታሪኽ ሰሪሓ። መራሒኣ ዝነበረ እስቲፋኖስ ኣብርሃም (ዘማች)፡ ” ንወደገባ ኣርክበን’ባ” እናደረፈ፡ ሓንሳብ ብፈረስ፡ ሓንሳብ ብኣድጊ፡ ሓንሳብ ብግመል፡ ዝበዝሕ ግዜድማ ምርኩስ ተጠቒሙ በዛ ሓንቲ እግሩ ከም ኢራብ እና ነጠረ ንከበሳታትን ቆላታትን ኤርትራ ምስ ጉጅለኡ ተገላቢጥዎ። ኣብቲ ዑደት፡ እታ ጉጅለ፡ ንፉዓት ስነጥበበኛታት ከሲራ እያ።
ድሕሪ ብዙሕ ምፍልላይ፡ ነታ ጉጅለ ኣብ 1984 ኣብ ሽላሎ ረኺበያ። ድሕርኡ እውን ኣብ ባድመ መርኢት ኣቕሪባ ምስኣ ሓዲረ። ኣዝዩ ዘድንቕ ውህደት ሙዚቃን ዘውናውን ትልሂታትን ኣቕሪባ። ህዝቢ ተደሲቱ። ኣብቲ ጸኒሑ ዝተገብረ ኩናት ዓዲ ራቕባን ማይ ድማን እውን ብሉጻት ኣባላታ ተሰዊኦም። እታ ጉጅለ ኣብዚ እዋን ናይ ብሓቂ ኣብ ጥርዚ ሙዚቃዊ ብቕዓት በጺሓ ነይራ። ኣዝዩ ብሉጽ ደርፍታትን ድራማታትን ተቕርብ ነይራ። ብሙዚቃዊ ብቕዓቶምን ስነጥበባዊ መሃዝነቶም ኣቀራርበኦምን ምስ ጉጅለ ውድብ ዝፈላልዮም ኣይነበረን።
ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እታ ጉጅለ ናብ ሳሕል ተመሊሳ ዑደታ ናብ ሱዳን ተካይድ። እዛ ቪድዮ እዚኣ እውን ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝገበረቶ ዑደት ከይኮነት ኣይትተርፍን እያ። ድሕሪ እዛ ዑደት፡ እታ ጉጅለ ፋሕፋሕ ኢላ። ገለ ኣባላታ ከም መምህራን ሙዚቃ ኮይኖም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ተሪፎም፡ ገሊኦም ናብ ባህሊ ውድብ ከይዶም፡ ገሊኦም ድማ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተወዚዖም። ደሓር ኣብ ምምዕባል ባህልታት ክ/ሰራዊታት እውን ዘይንዓቕ ግደ ተጻዊቶም። ብዙሓት ካብዞኢምም ኣብዛ ቪድዮ ዘለዉ ስዉኣት እዮም። እዛ ቪድዮ እዚኣ ኣብ መውዳእታ 1984 ክሳብ መጀመርታ 1985 ኣብ ዘሎ እዋናት እያ ተላዒላ ዝብል ግምት ኣለኒ።
ብደሕሪ እዛ ጉጅለ’ዚኣ ዝሰዓበት እውን ነይራ። ብዛዕብኣ ግን ብዙሕ ኣፍልጦ የብለይን።
ዝኽሪ ንስዉኣት ኤርትራ
ኤርትራ ብደቃ ተኸቢራ ክትነብር እያ