Categories
Uncategorized

ሃገራዊ ገምጋም 2019- ካልኣይ ክፋል

ሃገራዊ ገምጋም 2019- ካልኣይ ክፋል

[ ቀዳማይ ክፋል ምስ ኣውጸኣኹ፡ ኣብ መንጎ ካልእ ጉዳያት ንኣቓልቦይ ይስሕቡ ስለዝነበሩ በቲ ዝበልክዎ ኣብ ሓጺር ግዜ ዘይምውጽኡ ይቕረታ እሓትት። ብተወሳኪ እውን ዲፕሎማሲ ከባቢና በብግዚኡ ይምዕብል ስለዘሎ፡ ቅሩብ ግዜ ክወስደሉ ደልየ ኣለኹ። ንሎሚ፡ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ሸፈፍ ኢለ ዝሓለፍክዎ ብምቕጻል፡ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ዝያዳ ከድህብ እየ። ብዙሓት ኣሕዋት፡ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ርኡይ ቁጠባዊ ለውጥታት ዘይምርኣዮም የዕልሉኒ እዮም። እቲ ጸገም፡ ከም ዝመስለኒ፡ ኣብ ኣናብባና እዩ ዘሎ። ንክውንነትን ውድዓውነትን ከም መወከሲ ገይርና፡ እንታይ ቁጠባዊ ዕብየት ኢና ንጽበ? ቁጠባዊ ዕብየት ክንብል ከለና ከ እንታይ ማለትና እዩ? ኣብ ውሽጢ እዚ ውሁብ ኩነታት ትጽቢትና ምኽኑይ (reasonable) ድዩ?…ዝብሉ ሕቶታት ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። ሰናይ ንባብ ]

ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ንቁጠባውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ዝግምግም ሓተታ ቀሪቡ ነይሩ። ኣጠቓሊልካ ክረአ ከሎ፡ ዓመት 2019፡ ሃገርና ኣንፈታ ካብ ኲናትን ወረ ኲናትን ናብ ሰላማዊ ዳግመ ህንጸት ዘቕነዓትላ ዓመት እያ ነይራ። ኤርትራ፡ ካብ ናይ ሳላሳ ዓመታት ቀዛፊ ሓርነታዊ ኲናት ወጺኣ፡ ቁስላ ገና ከየሕወየት ከላ ን20 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ካልእ ሕሱም ናይ ህላወን ዘይህላወን ቅልስ ክትጽመድ ከላ ዝፈጠሮ ቁጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ሃሰያ ቀሊል ኣይኮነን። ስለ’ዚ፡ ሃገርና ምስ ሃዋሁ ሰላም ዝሰማማዕ ዳግመ ውዳበ ቀዳምነታታ ክትገብርን ብናይ መሰጋገሪ ዝመስል መድረኽ ክትሓልፍን ግድን እዩ።

  1. ገምጋምን ዳግመ ስርርዕን ዓቕምታትን ቀዳምነታትን

ድሕሪ’ቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ዶባትን ዝተቀበለትሉን ክልቲአን ሃገራት ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ስምምዕ ዝከተማሉ 9ሓምለ 2018፡ ሃገርና ዓቕምታታን ቀልባን ናብ ሰላማዊ ናብራ ክትመልስ መሰረታዊ መዋቅራዊ ዳግመ ስርርዕ ክትገብር የድልያ ነይሩ። ምኽንያቱ ንዓመታት ዝኣክል ኣወዳድባ ዓቕሚ ሰባን ቁጠበኣን ንንጡፍ ኲናትን ምክልኻል ተጻብኦን እዩ ክቃነ ጸኒሑ። ስለ’ዚ፡ ናብ ሰላማዊ ህይወት ኣብ ትምለሰሉ እዋን ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ኣሰራርሓን ከምኡ እውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ዳግመ ምትዕርራይ ከድልያ ግድን እዩ። ልክዕ ከምታ ሓንቲ ገዛፍ መርከብ ውግእ ኣንፈታ ክትጠዊ ግዜ ዘድልያ፡ ሓንቲ ሃገር (እሞ ኸኣ ሓዳስን ብኲናት ዝተዳህኸትን) ነቲ ናይ ሰላም ዕማማት ዘድሊ ምቅርራብን ምውዳድን ምውልዋልን ናውቲ ማእቶትን ከምኡ እውን ገምጋም ውሽጣዊ ዓቕምታታ ክትገብር ኣዝዩ ከቢድ ስራሕ ይጠልባ።

ስለ’ዚ ከኣ፡ እቲ ቀዳማይ ዕማም፡ ውድዓዊ ገምጋም ናይቲ ሓድሽ ኩነታት ብምግባር፡ ጭቡጥ ዓቕምታትን ተኽእሎ ናይቲ ብቀሊልን ብቀረባን ክርከብ ዝኽእል ሓገዛትን ዘዋጽእ ናይ ለቓሕ ተኽእሎታትን ምድህሳስ። ናይ ናውትን ምወላን ጥራይ ዘይኮነ ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብ እውን ክድህሰስን በብክእለቱን ብቕዓቱን ዳግም ናብ ናይ ሰላም ፕሮጀክትታት ክሰራራዕን ክምልመልን (training) ኣለዎ። ብሓፈሽኡ፡ ሃብቲ እታ ሃገርን ናይ ምግባር ዕቑር ዓቕምታትን ምስ ናይ ዳግመ ህንጸት ከም ዝሰማማዕ ምግባር (retooling) ቀሊል ኣይኮነን። ነብሰ ወከፍ ናይ ዳግመ ውደባን ዳግመ ምልመላን ንጥፈታት ገንዘብ የድልዮ። ክኢላዊ ዓቕሚ የድልዮ። ንዕኡ ዝበቅዕ መሳለጥያታት (facilities) የድልዮ። ኹሉ እዚ ዕማማት’ዚ ድማ ብገንዘብ እዩ ዝልካዕ። ኤርትራ ድማ ናይ ገንዘብ ሕጽረታ ገና ብስራሕ ጥራይ እያ ክትፈትሖ ትኽእል። በዚ ምኽንያት ድማ ንግዚኡ፡ ብዘለዋ ዓቕምታትን ጸጋታትን ጥራይ እያ ክትብገስ ትኽእል። ነቲ ዘሎ ጭቡጥ ዓቕሚ ሰብን ንዋትን ገንዘብን ምስ መጠን ቀዳምነታት ናይቲ ሃቂናቶ ዘላ ፕሮጀክትታት ከም ዝጠዓዓም ገይራ ምብጋስ ጥራይ እዩ ነይሩ ምርጨኣ። ግዜ ከይወሰደት ድማ ተበጊሳ እያ።

  1. ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ መኸተ ዓመታት እውን ተመክሮ ተዋህሊሉ እዩ

ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ናይ ኲናትን እገዳታትን ክተሰላስሎ ዝጸንሓት ልምዓታዊ ንጥፈታት፡ ዘይንዓቕ ናይ ኣሰራርሓ፡ ማለት መደባት ናይ ምትላምን ምምራሕን ምምሕዳርን፡ ክእለትን ብቕዓትን ዓያዪ ጉልበት ኣብ ምዕባይን፡ ኣብ ምኽዕባት ማሺነሪታትን ምክንኻኖምን ( management and maintenance)…ተመክሮታት ኣጥርያ እያ። ቀልጢፋ ናብቶም ተዳልዮም ግን ተወንዚፎም ዝጸንሑ ናይ ልምዓት መደባት ክትብገስን ነቶም ክሰላሰሉ ዝጸንሑ ድማ ብምሉእ ሓይላ ክትደፍኣሎምን ዕድል ረኺባ።

  1. ዘዝተረኽበ በሊዕና እንተሓዲርና ንጽባሕ ዝኸውን ምሳሕ ክንስእን ኢና

ምስ’ዚ ዝተእሳሰር ጉዳይ ድማ እቲ ኣብ መንጎ ሓጺርን ነዊሕን መደባት ዘሎ ውድድር እዩ። ሓንቲ ሃገር ዝተወሰነ ጸጋታት እዩ ዘለዋ። ኣብ ዓመት ክተእትዎ እትኽእል ገንዘብ ማለት ብቀረጽ ይኹን ካብ መክሰብ ወፍርታት ወይ ድማ ብሓገዝን ለቃሕን ክትቅርቦ ትኽእል ገንዘብ ውሱን እዩ። ግድን ክተውጸኦ ወይ ካብ ካዝናኣ ክትከፍሎ ዝግበኣ (expenditure) ድማ ብዙሕ እዩ። ንኣብነት ኤርትራ ከም ኣብነት እንተወሰድናያ፡ ክንደይ ሰራሕተኛትት መንግስቲ ኣለዉ (ንጡፋት ይኹኑ ዝደስከሉ) ክንደይ ሃገራዊ ኣገልግሎት (ወላ ውሑድ እንተኾነ እቲ ዝኽፈል)፡ ክንደይ ኣባላት ሰራዊት ኣለዉ፡ ንምክልኻል ይኹን ጸጥታን ዝወጽእ ገጂፍ ባጀት (ምስቲ ዝነበረን ዘሎን ናይ ዞባና ኩነታት ኣዛምድዎ)፡ ንሚኒስትሪታት ዝኸይድ ኣብ ምምሕዳርን ደሞዝን ከምኡ እውን ኣብ ጽላታዊ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ዝምውልን፡ ንስድራታት ስዉኣትን ካልኦት ማሕበራዊ ናብያ ዘድልዮምን ዜጋታትን ትካላትን ዝወጽእ፡ ዲፖሎማስያዊ ንጥፈታት ንምክያድ ዝወጽእ ገንዘብ….ኮታስ፡ እቲ መንግስቲ ግድን ከውጸኦ ዝግባእ ባጀት ክንድምንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ክግመት ይከኣል እዩ። ምንጭታት እቶት ኤርትራ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣዝዮም ውሱናት እዮም ዘለዉ። ብሓፈሽኡ፡ እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ብኸመይ ኢላ ነዚ በዳሂ ኩነታት ሰጊራ መቸም ዘገርም እዩ። ናይ ስነቁጠባ ተመሃሮ ጽቡቕ ናይ ምርምር ማተርያል ክኾኖም ይኽእል።

እዚ ብደሆታት እዚ ወላ ኣብተን ሃብታማት ሃገራት ዝረአ እዩ። ናይ ኣመሪካ ሃገራዊ ዕዳ ክሳብ እዛ ዝጽሕፈላ ዘለኹ ህሞት ናብ 23.16 ትሪልዮን (ትሪልዮን ኣየ ዝብል ዘለኹ) በጺሑ ኣሎ። እዚ ማለት፡ ምምሕዳራት ኣመሪካ ዘውጽእዎ ገንዘብ ካብቲ ካብ ዝተፈላለየ መንጭታት ዝእክብዎ ገንዘብን ዝዓበየ ስለዝኾነ፡ እቲ ሃጓፍ ክሉ ግዜ ብምልቃሕ እዮም ክምልእዎ ጸኒሖም። ምልቃሕ ሕማቕ እኳ እንተዘይኮነ፡ ምስ መጠን ቁጠባዊ ዕብየት ናይታ ሃገር ምስ ዘይሰማማዕ፡ ማለት ምስ ዝዓቢ፡ ነቲ ቁጠበኣ ጸቒጥዎ ክቐትሎ ይኽእል። ዕዳ ናይ ሓንቲ ሃገር ምስ ዓመታዊ ጃምላዊ እቶት ዘለዎ ምጣነ (ratio) ልዑል ምስ ዝኸውን፡ ዕዳኣ ናይ ምኽፋል ጸገማት የጋጥማ። እዚ ድማ ወላ ንወሳኒ ልምዓታዊ መደባት ክትረኽቦ እትኽእል ለቓሕ የሻሕክር። ኣብ መወዳእታ ዕዳኣ ዘይትኸፍል በዓል ሕማቕ ክረዲት ኮይና ካብ ኣገልግሎት ትካላት ፋይናንስ ዓለም ትውገዝ። እዚ ድማ ንዕቤታ ሃሳዪ እዩ።

ካብዛ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ጀሚርካ፡ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓገዝን ለቓሕን እየን ባጀተን ከመዓራርያ ጸኒሐን። ወላ እኳ ርጡብ ስታቲስቲክስ ኣይሃልወና እምበር፡ ኤርትራ ምስ’ዚ ዘጋጠማ ብደሆታት ክረአ ከሎ ክሳብ ሕጂ ብዲሲፕሊን ትኸይድ ከምዝነበረት ዘርኢ ሓበረታታት እዩ ዘሎ። እዚ ድማ ነቲ ኣበጋጊሳቶ ዘላ ልምዓታትዊ መደባት ክሕግዛ ዝኽእል እዩ።

ስለ’ዚ፡ ናይ ቀረባ’ዶ ናይ ርሑቕ መደባት? ንሎሚ ጥራይ ጸጊብና ንሕደር፡ ጽባሕ ባዕሉ ኣለዎ’ዶ ይሓይሽ ወይስ ንሎሚ ቅሩብ ተደሪርና ንጽባሕ ዝኸውን ቅሩብ ምቕማጥ?

ራእይን ዲሲፕሊንን ዘለዎም መንግስታት ኣብ መንጎ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን መደባትን ውዱንን ሚዛናውን ኣካይዳ እዮም ዝኽተሉ። እቲ ናይ ቀረባ መደባት ንግዝያዊ ጠለባት ዝምልከት ከም ናይ መግብን፡ ማይን፡ መዕቖልን፡ ጸዓትን መጓዓዝያን፡ ንግዝያዊ ዕግበትን ርውየትን ዝወጽእ ዝበዝሕ ንሃላኺ ነገራት ዝምልከት እዩ። እቲ ናይ ነዊሕ መደባት ግን መዓንጣ ሸጥ ምባል ዘድልዮ እዩ። ንግዝያዊ ጸገማት ምጽዋር ዘድልዮ እዩ። ሎሚ ተጸሚምካ ንወለዶታት ዘላቒ ዕብየት ከምጽእ ዝኽእልን ቀጻሊ እትዋታት ዘበርክትን ከም ዲጋታት ምስራሕ፡ እስትራተጂካዊ ጽርግያታት ምስራሕ፡ ወደባት ምሕዳስን ምዝማንን (modernize ምግባር)፡ ከም ዓበይቲ ናይ ሕርሻን ዕደናን ንግድን መደባት ምብግጋስን ንዕኡ ዘድሊ ትሕተ-ቕርጽታት ምውዳድን ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ወፍርታት ምግባርን…የጠቓልል። ፍርያት ( returns) ናይዞም ናይ ነዊሕ መደባት ድሕሪ ዓስርተ ወይ ከብኡ ዝበዝሕ እዋን ዝረአ እዩ፡ ግን ከኣ ዘላቒ እዩ። ንኻልእ ቁጠባዊ ዕብየታት እውን ደራኽን ሞቶረን ዝኸውን እዩ።

እዞም ነዊሕ-ጠመት መደባት’ዚኦም፡ ናብ ሰደድ ዝቐንዐ ፍርያት ኣብ ምብርካትን እቲ ናይታ ሃገር ናይ ንግዲ ክሳራ ወይ ሕጽረት (trade deficit) ኣብ ምፍዋስን ዓቢ ግደ ክህልዎም ይኽእሉ። ናይ ንግዲ ሕጽረት- ኣብ መንጎ ናብ ደገ ዝስደድን ናብ ውሽጢ ዝኣቱን ዘሎ ጋግ ማለት እዩ። እዞም ናብ ነዊሕ ዝጠመቱ ቁጠባዊ መደባት፡ እቶታውነቶም ምስ ጀመርሩ፡ እታ ሃገር ናይ ንግዲ ሕጽረታታ ከም ተጽብብ ወይ ድማ ኣብ ትርፊ ዘለዎ ንግዳዊ ጎደና ከም ትምርሽ ይገብርዋ።

ኣብዚ፡ ብዙሕ ክበሃል ይከኣል፡ ግን ብሓፈሽኡ፡ ናይ ንግዲ ሕጽረት ንቑጠባ ናይታ ሃገር ሃሳዪ እዩ ተባሂሉ ይእምነሉ። ንኣብነት፡ ኮሚደረን ፍርያቱን ብሕሱር ካብ ወጻኢ ዝኣቱ እንተኾይኑ፡ ንሰብ ጀራዲን ሃገርና ይኹን ነቶም ኣብ ምምስራሕ ኮሚደረ ዝዋፈሩ ትካላትን ሰራሕተኛታቶምን ሃሳዪ ይኸውን። እቲ እቲ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ኮሚደረን ፍርያቱን ስለዝሓሰረ እዩ ናብ ሃገርና ዝኣቱ ዘሎ። ናይ ሃገርና ናይ ኮሚደረ ኢንዱስትሪ ምስቶም ናይ ወጻኢ ኣይተዋደረን ማለት እዩ። እዚ ኩነት እዚ ኣብዚ ሓጺር መድረኽ፡ ማለት ክሳብ እዞም ንነዊሕ ዝጠመቱ ኣግሮ-ኢንዱስትርያዊ መደባት ተወዳዳሪ ፍርያት ዘቕርቡ፡ ክረአ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ። እቶም ነዊሕ-ጠመት መደባት ነዚ ዘይምዕሩይነት ከም ዘስተኻኽሉ ኮይኖም ክቃነዩ ኣለዎም። እንታይ ማለት እዩ እዚ? ነብሰ ወከፍ ወፍሪ ብመደብን እኹል ኣፍልጦን (purposeful) ክሰኣልን ክህነጽን ክተእሳሰርን ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ እቲ ወጺኡ ዘሎ ማክሮ ኤኮኖሚካዊ ውጥን ተራእዩ እዩ ገንዘብን ጉልበትን ክፈሶ ዘለዎ።

ንኣብነት፡ ኣፍረይቲ ኮሚደረ፡ ምሩጽ ፍርያት ከምዘፍርዩ ምሕጋዝን፡ ብውሑድ ወጻኢ ብዝሒ እትዋት ዝረኽቡሉ እስትራተጂታት ብምትእትታው፡ ትሕተ-ቅርጽን ናይ ምምስራሕ ፋብሪካታትን ናይ ምኽዛንን ንመጎዓዓዚኡ ዘገልግል ተወዳዳሪ ጽርግያታትን ከምኡ እውን ንፍርያምነት ዘተባብዕ ስርዓተ ቀረጽን ድሉው ናይ ደገ ዕዳጋታትን ዓማውልን… ስሉጥን ዝተኣሳሰረን ምስ ዝኸውን ኮሚደረና ተወዳዳራይ ይኸውን እሞ ንዝያዳ ልምዓት የተባብዕ። ዝያዳ ልምዓት ድማ ዝያዳ ዓያዪ ጉልበት ይጠልብ። ምዕያይ ማለት ድማ ዝያዳ እቶት ንብዙሓት ስድራታት ማለት እዩ። ዝያዳ እቶት ድማ ዝያዳ ምህላኽ ወይ ምግዛእ ማለት እዩ። መነባብሮ ህዝቢ ምምሕያሽ ማለት እዩ። ከምኡ እውን፡ ዝያዳ ምግዛእ ንኻልኦት ኣፍረይቲ ምትብባዕ ማለት እዩ። ብተወሳኺ ድማ እታ ሃገር ናይ ወጻኢ ሸርፋ የኻዕብት፡ ከምኡ እውን እቲ ካብ ዜጋታትን ኣቕሑን ግልጋሎታትን ትረኽቦ ቀረጽ ይዛይድ እሞ ልምዓታዊ መደባታ ተሰላስል።

ሓንቲ ሃገር ኣብ መንጎ እቲ ጸቕጢ ዝገብረላ ናይ ቀረባ ብደሆታትን ኣብ መንጎ እቲ ናይ ነዊሕ መደባታትን ዘሎ ቀዳምነታት ብጥንቃቀ ክትሕዞ ኣድላዪ እዩ። ነቲ ሓጺር ረሲዓ ናብቲ ናይ ነዊሕ መደባት ጥራይ እንተ ኣተኲራ፡ ህዝቢ መነባብሮ ከፊእዎ ማሕበራዊ ህውከትን ዕግርግርን ክፍጠር ይኽእል። በቲ ኻልእ ወገን ድማ ህዝቢ ክተሕጉስ ኢላ ዘዝረኸበቶ እትዋት ወይ ሓገዛት በሊዓቶ እንተሓዲራ፡ ጽባሕ ተሲኣ ምሳሕ ክትስእን ትኽእል። ቁጠባኣ ክዓቢ ኣይክእልን። ስለ’ዚ ድማ ኣብ ናይ ድኽነትን ማሕበራዊ ዘይዕበትን ዘይቅሳነትን ተረሚሳ ትነብር። ኣብ መወዳእታ እውን ከም ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ኮይኑ ኣብ ህውከትን ሕንፍሽፍሽን ክኸታ ይኽእል።

ቁጠባዊ ፖሊሲ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ነዞም ጉዳያት እዚኦም ብጽቡቕ ዝቐመሮም ይመስል። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነዊሕ ታሪኹ ዘማዕበሎም ባህርያት ከም ንተጻብኦታት ኣብ ምምካት ዘለዎ ምጽማምን ምጽዋርን (endurance) ከምኡ እውን ሃገሩ ከማዕብል ምስ ስዉኣት ደቁ ዝኣተዎ ቃልን ነዚ ናይ ምጽማም መድረኽ ክሓልፍ ዝሕግዞ ዘሎ ይመስል። እቲ ኣብ ቃልሲ ዝተጠርየ ናይ “ኣነ ክጠሚ ንስኻ ተመገብ፡ ኣነ ክጸምእ ንስኻ ርወ…” ብዝብል ባህርያት ዝግለጽ ናይ ተወፋይነት መትከል ኣብዚ ናይ ልምዓት ርብርብ እውን ዝድገም ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ። እዚ ወለዶ እዚ ደኺሙን ደኽዩን መጻኢ ወለዶታት ኣብታ ኣእጋራ ዘደልደለት ኤርትራ ክውለዱ እሞ ንዝበረኸ ምዕባለ ክረባረቡ ሰረት ዘውድቕ ዘሎ እዩ ዝመስል።

ኣጠቓሊልካ ክረአ ከሎ፡ 2019 ከም ዓመት መቐይሮ ክትረአ ትኽእል። ኤርትራ፡ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ናብ ኲናት ዝተቓነየ ናይ ተጠንቐቕ ቁመናን ውደባን ናብ እዋን ሰላም ገጻ ዘበለትሉ እዩ። ኤርትራ ዘለዋ ናይ ገንዘብ ሕጽረታት ርዱእ እዩ። ናይ ወጻኢ ምወላ (funding) ንምርካብን ብጭቡጥ ናብ ፕሮጀክትታት ንምውዓሉን ነዊሕ ግዜ እዩ ዝወስድ። ብመጀመርታ ርክባት ክትገብርን ንርእስኻ ክተላሊ (marketing ክትገብር) ኣለካ። ድሕርኡ ግዱሳት ዓማውል (prospective customers) ክትረክብ ኣለካ። ድሕርኡ ኣብቶም ብክልቲኡ ወገን ዝተወሰኑ (ዝተመርጹን ዝተጸንዑን) መደባት ስምማዓት ይግበር። ድሕርኡ ምጽዳቕን ምትሕልላፍን (transfer) ናይቲ ምወላ ይስዕብ።

ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዝጸሉ ውሽጣዊ ሕግታት ናይተን መወልቲ ትካላትን፡ ሕግታት ናይተን ሃገራትን ኣህጉራዊ ስምምዓትን ኣሎ። ቅሩብ ሕልኽልኽ ዝበለን ግዜ ዝወስድን ምዃኑ ንምሕባር እዩ። እዚ ኽሉ ምስ ሰለጠ ድማ እቶም ዝተፈላለዩ ክፋላት (components) ናይቶም ፕሮጀክትታት (ጭቡጣት መደባት፡ ማሺነሪ፡ ጸዓትን ካልኦት ደገፍቲ ትሕተቅርጻዊ መትንታትን ከምኡ እውን ተራን ክኢላን ዓቕሚ ሰብ—) ከም ዝገጣጠሙ ምግባር—የድሊ። ዓቕልን ጻዕርን ዝሓትት መስርሕ እዩ። ደኺመ ከይበልካ መዓጹ ምኩሕኳሕ (persistence) የድሊ።

ስለ’ዚ፡ እቲ ዝምረጽ ብቀዳምነት ዓቕምታትካ ምብርባርን ምውጃህን እዩ። እቲ ብዓቕምኻ ክትገብሮ ትኽእል እናሳለጥካ ነቲ ግዜ ዝወስድ ናይ ደገ ወፍርታት ባይታ ተጣጥሕን ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ምግባር ሰሓቢ ከምዝኸውን ትገብሮን።

እቶም ቅልጡፍ ቁጠባዊ ለውጥታት ኣይረኣናን ትብሉ ኣሕዋት ነዚታት ኣብ ግምት ክተእትዉ ከድሊ እዩ። ቑጠባዊ ምንቅስቃሳት ይግበር ኣሎ። ግን ኣብ መንጎ እቲ ንሎሚ ዘድልን ንጽባሕ ግድን ክዋደድ ዘለዎን ሚዛናዊ ኣካይዳ ስለዘሎ ብሓደ ዓመት ርኡይ ብልጭልጭ ዝብል ህንጻታት ዘይረኣና ክንከውን ንኽእል። ግን እቲ መንጸፍ ወይ ሰረት ይንጸፍ ኣሎ። ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ደቡብ፡ ዓንሰባ፡ ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ኩለን ዓድታት…ዓበይትን ነኣሽቱን መደባት ልምዓት ይሰላሰሉ ኣለዉ ይብሉና ካብ ዓዲ ዝመጹን ብERI-TV ዝፍኖን ዜናታት። ፍርያቶም ዕዳጋታት ኤርትራ ክመልእን ስድራታት ኤርትራ ፍሽኽታ ክምለሰንን ምዃኑ ኣይጠራጠርን እየ። ትምኒት ጥራይ ዘይኮነስ ግን ስራሕ እውን ከድሊ እዩ። ሃገርና ዝነበረቶ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ጅማሮ ጽቡቕ እዩ። እቲ መንፈስ ሓያል እዩ። መጻኢ ኤርትራ ብሩህ እዩ።

ማሕሙድ ሳልሕ

Leave a comment