Categories
Uncategorized

መኻልፍ እናኣለና ክንምርሽ ኢና

ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓጺር ቃል እንተ ሂቡ፡ very serious ኣሎ ማለት እዩ። I mean, very serious. ዝዕመም ዓቢ ጉዳይ ኣሎ ማለት ኣዩ። and he is very serious about it. ንስራሕን ንተበገስን ምዃኑ መቸም ንፈልጦ እንዲና። ወላ እቲ ኣብ ሆተል ኣኽሱም ብዊስኪ ተረማሚሱ ዘሎ ሓንጎል’ዶ ክስሕቶ ኮይኑ?

 

ኣብቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተገብረሉ ዕድመ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዑደት፡ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዕዋት ዝገትአና የለን። እንተሎ ድማ ወጋጊንናዮ ክንሓልፍ ኢና ኢሉ።

ኣመሪካውያን ኣብ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ክዋግኡ ከለዉ ሓድሽ ክስተት ኣጋጢምዎም። እቶም ተዋጋኣቲ ኣፍጋኒስታናውያንን ዒራቓውያንን ነቲ ኣብ ዓለምና ዝሓየለ ሰራዊት ኣመሪካ ፊት-ንፊት ክገጥምዎ ስለዘይክእሉ ካልእ ናይ ደባይ ተዋጋኢ ጥበባት ምሂዞም። ንሱ ድማ ነተን ድሩዓት መካይንን ታንክታትን ክፍንጅር ወይ ከቃጽል ዝኽእል ዝተመሓየሸ ነቶግቲ ብምስራሕ ካብ ርሑቕ ከምዝፍንጀር ምግባር ኣዩ። በዚ ድማ ኣጋንእን ፊስቶታትን ብTNTን ካልእ ነታጒ ቀመማትን ብምምላእ ኣብተን ቃፍላያትን ኣጋር ሰራዊትን ኣመሪካ ክትቀሙሉ ዝኽእሉ መገድታት ይቀብርዎ እሞ ሰራዊት ኣመሪካ ብጥቃ ኣቶም ተፈንጀርቲ ክሓልፉ ከለዉ ካብ ርሑቅ ይትክስዎም። እዚ ዓይነት መሳርያ’ዚ “ዝተመሓየሸ ነታጒ” ወይ ድማ ተመሃዪሹ ዝተሰነዐ ነታጒ ይበሃል; ወይ ድማ IED/ Improvised explosive device.

ዳርጋ 90% ክሳራታት ኣመሪካን ሰብ ኪዳናን ብከምዚ እዮም ሃሊቖም። ይኩን ኣምበር ምስ ግዜ ኣመሪካ ነዚ ኣገባብ ዘፍሽል ጥበባት ኣተኣኣታትያ። ካብ ምድራዕ ታንክታትን መካይንን መከላኸሊ ክዳንን ወተሃደራትን ጀሚርካ ክሳብ አለክትሮኒካዊ ዳህሳስ ገይሩ ነቶም ቅቡራት ተፈጀርቲ ዝረክብ መሳርሒታት ምምሃዝ ወይ ድማ ነቶም እቶም ናይ ደባይ ተዋጋእቲ ነቶም ነቶግቲ ንምፍጃር ዝጥቀሙሎም ራዲዮታት ዘበርዕን (jam ዝገብር) መሳርሒታት ኣታእታትያ። በዚ ድማ ነቲ ብዙሕ ህይወት ዝቐዘፈላ ኣገባብ ኲናት ክትቆጻጸሮ ክኢላ።

ቀዳሞት ምምሕዳራት ኣመሪካ ነቲ ፖለቲካዊ ሕርያኡ ክሽይጥ ቅሩብ ዘይነበረ ውልዶ ሰውራዊ ስነ-ሓሳብ ኤርትራ ክገጥሙ ስለዘይከኣኣሉ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወያነ ዝበሃል IED ገዲፎምልና ከይዶም። እቲ ዞባ ናብ ሰላም ክምለስ እንተኾይኑ እዚ ዝተሰነዐ ተፈጃሪ (IED) ክመክን ኣለዎ። እቲ ኣንኮ ነዚ ስኑዕ ነታጒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምክን ተመክሮን ዓቕምን ዘለዎ ወገን ኤርትራ እያ። ወይ ድማ ሻዕብያ’ዶ ንበሎ? እቲ ዋና ተክኒሻን ድማ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣዩ። ላዕሊ የብላን ታሕቲ የብላን።

Merry X-mas and happy new year. I wish you all the best.

Be positive and move on towards the shining objective of building a nation our sons and daughters could become proud of.

እወታዊ ኹን፡ መርሽ፡ ተዛተ፡ ተዓረቕ። መጻኢ ወለዶታት ዝኾርዑላ ሰላም ዝሰፈናንን ርግእትን ሃገር ንምህናጽ ኢደይ ኢድካ በል።
ወዲ ኣፎም ኢልዎ እዩ። ስደት ነበረያ ነበረ ንምግባሩ፡ ፈውሱ ጨለ ጭርሖታት ዘይኮነስ ዓጸፋ ምስራሕ እዩ።
————

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s