Categories
Uncategorized

Celebrating the life of Temegen Alemseged Tesfai

Celebrating the life of Temegen Alemseged Tesfai

[a tribute will follow my intoroduction]

ተመስገን ኣለምሰገድ ተስፋይ ካብዛ ዓለም ብሃንደበት ኣብ ሰዊት ዕድመኡ ካብ ዝሓልፍ ሎሚ መስከረም 7 ዓስራይ ዓመቱ ኮይኑ ኣሎ። ተመስገን ወዱ ነቲ ውሩይ ኤርትራዊ ተማራማሪ ታሪኽን ደራስን ኣለምሰገድ ተስፋይ እዩ። ወዲ ኣኩኡ ንተመስገን፡ ንኽብርን ዝክርን ህይወት ተመስገን እትበቅዕ ሓጻር ጽሕፍቲ ኣቕሪቡ ኣሎ። ምስ ስእልን ካብ ተመስገን ዝተወስደ ጠቕስን ቀሪቡ ኣሎ። ኣለምሰገድ ተስፋይ ንሓርበኛ በዓልቲ ቤቱ ኣብረሀት ሃይለ ወኪሉ ንኽሎም ኣብ ጎድኑ ደው ዝበሉን ዘተባብዕዎን የመስግን ኣሎ። ንኽልኹም ነበብቱን ኣድነቕቱን ኣዕሩኽቱን ድማ ሕሰም ኣይትርከቡ እናበለ ነታ ሓጻር ግን ኣፍራይትን ምቅርትን ህይወት ናይ ተመስገን ወዱ ብእወታ እናዘከረ ኣብቲ ተጸሚዱሉ ዘሎ ምጽሓፍ ታሪኽና ዓወትን ኣሳልጦን ክትምነዩሉ ይምሕጸን። ኣለምሰገድ ገና ምስ ሓይሉ እዩ ዘሎ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ሓድሽ ፍርያት ከምዘቕርበልና ኣይጠራጠርን። ነቶም ከም ናይ ቀረባ ስድርኡ ዝገልጸና ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር ኸኣ ፍቕርን ሰላምን ይመነየልና ኣሎ። ኣብ ግዜ ሓዘኑ ይኹን ደስትኡ ወትሩ ኣብ ዝኽርና ምዃኑ ማዕረ እቲ ንሱ ዘፍቅረና ከም ነፍቅሮን ዝዕዘቦ ነገር እዩ። ብስጋ ደኣ ተፈለየና እምበር ስምካን ምስልኻን ግብርኻን ዝኽርኻንሲ ምሳና ኣሎ፡ ተመስገን፡ ብሰላም ዕረፍ።

Today, September 7, 2019, on the tenth anniversary of the untimely passing of Temesgen Alemseged, the son of the renowned Eritrean historian, novelist, and playwright, Alemseged Tesfai, Temesgen’s cousin, Russom Woldezghi, has written a fitting tribute celebrating the life of Temesgen. Please join Temesgen’s parents, Alemseged Tesfai and Abrehet Haile, celebrating the life of Temesgen. Alemseged expresses his gratitude to all of us, his readers and fans, his friends, and especially his extended family at the Revolution School, or ቤት ትምህርቲ ሰውራ።

To read Russom’s tribute to his cousin, and some of Temesgen’s activities in photos, video, and other memoriam, please click on the links below. ጽሕፍቲ ርእሶም ወልደዝጊ ንምንባብ; ንጥፈታት ተመስገን ብቪድዮን ኣሳእልን ክትዕዘቡ ነዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ሊንክታት ጠውቑ።

https://temesgen.me/morial
https://temesgen.me/photos
https://temesgen.me/memoriam

TEMESGEN.ME
A friend is one who you share your secrets with, who has the same interests as you and who helps you in times of need. This kind of friendship lasts forever.
(Published September 6 on my FB)

Leave a comment