መንፈስ ዓዋተን መንፈስ እቶም ድሕርኡ ዝሰዓቡን ዝስዕቡ ዘለዉን ደቂ ዓባይ ኤርትራ፡ መኣዛን ሙቐትን ኮይንና ከም ዘሎ መቸም ነቶም ኣብ መቐለ ኮይኖም ብስምና ዋጋ-ዕዳጋ ክገብሩ ዝቐነዩ ከይተረፈ ደሚቑ ዝተራእዮም ይመስል። ጭራኻ ደጒልካ ናብ ዘዝመጻእካሉ ምህዳም ኮይኑ ኣሎ። ሕማቕ ኣተሃዳድማ። ማዕሌሽ፡ ካብቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንመቐለ ዝተገብረ ህድማ ‘ዶ ከይከፍኦም! ደሓር ድማ እቲ ኣበልን ሆተልን ድግስን ምስኡ ዝኸይድ ናይ ሰለብሪቲ ማሕ-ማሕ የደዓዕሶም ይኸውን። ዕድመ ደኣ የብሉን ኮይኑ እምበር።
“ምስል ሓውዬ ለሐይሰኒ ኢሙት ዲባ ወ ሕዬ” ኢሉ ደሪፉ በሃር ስነጥበባዊ እድሪስ መ/ዓሊ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት። ምስ ኣሕዋተይ ይሕሸኒ፡ እሙተላ ወይ ብህይወተይ እውጸኣላ፡ እታ ዘላ ምስ ኣሕዋተይ…ኢሉ ደሪፉላ ንዓባይ ኤርትራ።
ሕጂ እውን ኣሞንጒኻ ምስ ጓኖት ዝግበር ጸደፍደፍ ትርፉ ሕብእብእን ሕጉብጉብን እዩ ዝኸውን።
ከም ዝተዓዘብክዎ፡ ኤርትራውያን ንፖለቲካዊ ፍልልያቶን ንጎኒ ኣቐሚጦም፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ካብ ኣዳራሻት መቐለ ክፍኖ ዝቐነየ ናብ መንነትን ሓድነትን ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝቐንዐ ዝተወሃሃደ እኩይ መጥቃዕታት ግቡእ መልሲ ሂቦምሉ ኣለዉ። ንጹርርን ዘየደናግርን። “ምንጪ ዓቕሊ ጽበትክም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸተልክምዎ ሰራም ሜላታት እዩ። ኣብ ጉዳይክም ኣይትጉተቱና፡ ሽግርክም ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትኩም ፍትሕዎ። እንተ ናትና ጸገማት ንዓና ግደፍዎ” ዝብል መልእኽታት ካብ ክሉ ፖለቲካዊ ሕብርታት ኤርትራ ምቅልሑ ልቢ ዘረስርስን ንመንፈስ ዓዋተ ዘንጸባርቕን ነይሩ።
ክንእርሞም ዝግባእ፡
1- ጸርፍታትን ዘለፋን ምውጋድ፡ ብፍላይ ንህዝብታትን ባህሎምን ዘነኣእስ ወይ ዘካፍእ ገለጻታትን ቅጽላትን ኣስማትን ናብ ጭቃ ሸታሕታሕ ዘብሉ እዮም። ንጠንቀቕ።
2- ጸላእትና እቶም ውሑዳት ጭቃታት ማለሊትን ረሳሕ ኣተሓሳስበኦምን እምበር ህዝቢ ትግራይ ከምዘይኮነ ዘይምዝንጋዕ።
3- ብሓፈሽኡ ነቲ ጭዋ ባህልና ዘንጸባርቕ ቋንቋ ምጥቃም፡ ሓይልና ካብ ሕርቃንን ቅርሕንትን ዝምንጩ ዘይኮነስ ካብቲ ቅኑዕ ጉዳይናን መርገጺታትናን እዩ ዝፍልፍል። ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት፡ ንሕና ኢና ክንዕመጽ ዝጸናሕና፡ ዝዓመጽናዮ ወገን የለን። ንሕና ኢና ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ክልል ትግራይን ከም ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ (መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢልዎ እዩ) በቲ ዝተፈረመሉ ሕጋዊ ሰነድ ክዓርፍ እሞ ናብ ልምዓት ክንምርሽ ንብል ዘለና። ስለ’ዚ፡ ሕግን ፍትሕን ኣብ ጎንና ኣለዉ። ንጻረፈሉ ምኽንያት የብልናን፡ ኣብ ደረጅኦም ዘይምውራድ።
ምስምማዕ፡ ምጽውዋር፡ ምትዕራቕ=ስኒት=ሓዳስ ኤርትራ