Mahmud Saleh
ሎሚ ከም ሃገርን ህዝብን፡ ንዘመዝገብናዮ ጽቡቕ ነገራት ዓቂብናን ንድኽመታትና ኣነጺርና ኣላሊላናን ብምእላይ፡ ነቶም ከም ቀንዲ ዓላማ ሓርነታዊ ጉዕዞና ኮይኖም ዝጸንሑ ዓበይቲ ሽቶታት ማለት ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብናን ምትካል ትርጉም ዘለዎ ህዝባዊ ሱታፌ ዝረኣየሉ ስርዓተ ፖለቲካን ብኡ መሰረት ድማ ፍትሕን ማዕርነትን ሓድነትን ዜጋታት ዝረጋገጸላ ሃገር ንምህናጽ ድልዱል ሰረት ንምንባር ከም ቀደምና መሳርዕና ኣስሚርና ንግስግሰሉ መድረኽ እዩ።
ዘለናዮ መድረኽ ኣዝዩ ተኣፋፋፊ እዩ። ሎሚ እዛ ንዘመናት ክተሳቕየና ዝጸንሓት ጎረቤትና፡ ካብ ዘንጸራርዋ ዘሎ ሕማም ወጺኣ ደልዲላ ደው ክትብል ድያ ወይስ ክትውድቕ፡ እንተወደቐት ኸ ንሰሜና ገጻ ድያ ሂም ትብል እሞ ጸቒጣና ትጠፍእ ወይስ ንደቡብ፡ ንምዕራብ ወይስ ንምብራቕ? ገሊኡ ረቛሒታት ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ እዩ። ንገሊኡ ግን ክንቆጻጸሮ ንኽእል ኢና። እቲ ንቆጻጸሮ ኤርትራዊ መሳርዕና እዩ። ምድሪ-ቤትና እንተጸርዩ፡ ናይ ኣራኣእያን ግብርን ሓድነት ወይ ምስምማዕ እንተ ኣበሪኽና፡ ኤርትራ ውሑስ መጻኢ ክንገድፈላ ንኽእል። መምስ ዝነፈሰ ንፋስ ክንገላታዕ እንተኮይንና ግን፡ ከምቲ ሰራውራ ዝመሽመሸ ገረብ ክንብንቆስ ቀሊል ይኸውን። ጸላእትና ድማ ንሰራውርና ከሕርሩ እዮም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ።
ተበጊሱ ዘሎ ሓላፍነt ዝመልኦ ሕቶታት ዜጋታት ክቕጽል ኣለዎ፡ ብምትፍናንን ምጉንፋጥን ዘይኮነስ እሂን-ምሂን ኢልና ጥራይ ኢና ዝተረፈ መሊእናን ኣመሓዪሽናን ናብቲ ዝቕጽል መድረኽ ክንሰጋገር እንኽእል (Reform and Transform)።
ደጊም ዓፍራ ኣይንክንረግጽን ኢና መሲሉና እምኒ። ጸላእትና ሃንደበታዊ ናይ ስልጣን ሃጓፍን ዕግርግርን ክፍጠር እዮም ዝጽዕሩ ዘለዉ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት ንኤርትራ ሃገርና ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ከዘኻኽር ሓላፍነተይ እዩ። ንዓመታት ከም ተቓዋማይ ኮይነ ጸኒሐ፡ ተቓዋማይ ኮይነ ግን ነቲ ኣንጻር ሃገረይ ዝካየድ ዝነበረ ውሽጣውን ግዳማውን ውዲታት ክቐላልዕን ነቶም ከም መሳርሒ ናይቲ ውዲታት ኮይኖም ክድብሉ ዝጸንሑ ደቂ ሃገር “ኣይፋል” ክብልን ጸኒሐ። ህግድፍ ንምእላይ ኤርትራ ክትቐትሉ የብልክምን ክብሎም ጸኒሐ። ሕጂ እውን ንሳ እያ መትከለይ። እቲ ካልኣይ ክምረሓሉ ዝጸንሓኩ መትከል ድማ፡ ለውጢ ብውሽጣዊ ዓቕምታት ኤርትራ ዝድፋእን ዝምራሕን ክኸውን ኣለዎ ዝብል ነይሩ። ሕጂ እውን ንሱ እዩ መትከለይ።
ኤርትራ ዘሕድስን ዝመርሕን እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ተስፋ ዘይቖረጸን ብዘይካ መንነትን ፓስፖርትን ኤርትራ ካልእ ተለጣፊ መንነት ዘይብሉ ትጉህን ህርኩትን ዜጋ እዩ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ንሃገሩ ክማወትን ክዋደቕን ዝጸንሐን ንክብርታት ታሪኹ ዝዓቐበን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ክሳብ ሕጂ ዘመዝገቦ፡ ዳግም ትእምርቲ ክሰርሕ ዕጡቕ ዘሎን ዜጋ እዩ። ህግድፍ ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን’ዚ፡ ነዚ ዜጋ እዚ ክመርሕን ከሳትፍን ናብቲ ዝቕጽል መድረኽ ከሰጋግርን ታሪኻዊ ሓላፍነት ወዲቑዎ ኣሎ። ካልእ ነዚ ፈታኒ ግዜ ከሰጋግረና ዝኽእል ፖለቲካዊ ሓይሊ የለን። እቲ ሓቂ እዚ እዩ። ስለ’ዚ፡ ጽምዶና ምስ መንግስትና ክቕጽል እዩ። ተተሓሒዝና ድማ ነዚ መድረኽ ከም ንሰግሮ ዝኾነ ጥርጥር የብለይን።
ብዙሕ ኛምኛም ዝብል ጁጅ-ማጁጅ ክህሉ እዩ፡ ዕግርግር ክፈጥርን ነቲ ዕግርግ ተጠቒሙ ብጃንጥላ ናብ መንበር ስልጣን ክዓልብ ዘንባሁቑ ብዙሕ ኣሎ…ብዙሓት ዞባውያንን ዓለማውያንን ሓይልታት ንዕግርግርን ዘይርግኣትን ተጠቒሞም ናታቶም ልኡኻት ኣብ ልዕለና ከቐምጡን ናታቶም ጥሙሓት ቅድሚ ጥሙሓትና ክሰርዑን ዝደልዩ ኣለዉ።
እቶም ቀዳሞት ክንጥንቐቐሎም ዘለና፡ ናይ ወያነ ሓይልን ዋጪላቱን፡ ከምኡ እውን እቲ ከም ባይታ ኣኽዋን ኣልሙስልሚን (Muslim Brotherhood) ኮይኑ ከገልግልን ኣብ ዞባና ዘጥፈኦ እምብራጦርያ ዳግም ክመልስን ሒኽ ዝብል ዘሎ ናይ ቱርኪ ደምበ እዩ። እዚ ሰራም ኣይድዮሎጂ እዚ ንሕብረተሰባት ኣቃቲሉ እዩ። ሕጂ ድማ ናይ በዓል ቐጠር ሃብትን ናይ በዓል ሱዳን ኣጋርነትን ተሓዊስዎ፡ ሓደጋነቱ ርኡይ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ፡ናይ 1980ታትን 1990ታትን ተመክሮ ኣለና እዩ።
ድሕሪ እዚ ክሉ መስዋእትን ድሕሪ እዚ ኽሉ ናይ ግዜ ክሳራርን፡ ናብ ካልእ ዕግርግር ክንኣቱ የብልናን። ካብ ምምሕዳር ህግድፍ ናብ ህዝባዊ ምርጫን ናብ ሓድሽ መድረኽን እዩ ክኸውን ዘለዎ እቲ መገዲ። ህግድፍ እንተተመሪጹ ግርም። ካብኡ ንንየው ዝቕጽል መስርሕ ድማ ነዊሕ ናይ ምምሕያሽን ናይ ምድልዳልን ጉዕዞ እዩ። ወለዶታት ነናቶም ገደ እንዳ ኣበርከቱን ኣሰሮም እንዳገደፉን ዝቕጽል መስርሕ እዩ። ምምሕያሽ ትካላት፡ ምምሕያሽ ቑጠባ፡ ምምሕያሽ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ባህልና…
ማሕሙድ ሳልሕ
April 8, 2019.