እንተ እቲ ኒሻናት፡ ማሸኣላህ
ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብቲ ንጉስ ስዑድያን፡ ዋና ጽሓፍቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓድነት ኣፍሪቃን ከም ተዓዘብቲ ዝተረኽቡሉ ጽምብል ሎሚ ስምምዕ ሰላም ኸቲመን። ዜናታት ስዑድያ ነቲ ብሓምለ 9, 2018 ኣብ ኣስመራ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ክጎስያ እየን ዝረኣያ ዘለዋ። ንመጀመርያ ግዜ ብጻዕሪ ንጉስ ስዑድያ ነቲ ስምምዓት ይፍርማ ከምዘለዋን ዋና እቲ ጉዳይ ስዑድያ ምዃናን ዘስምዕ ኣቀራርባ ክኽተሉ ቀንዮም።
ከምዝፍለጥ፥ ቅድሚ ሕጂ ሕቡራት ኤመራት እውን ነዚ ዝመሳሰል መርኢት ቀሪባትልና ነይራ እያ። ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኒሻናት ሸሊማ ነይራ እያ። እሞ እቲ በዓል-ቤት ናይ’ዚ ናይ ግዜና ውራይ መን እዩ? ዱባይ ድያ ወይስ ጅዳ ወይስ ኣስመራ/ኣዲስ ኣበባ፡ ወይስ ጸኒሕና ካልእ ዋናውራይ ክንርኢ ኢና?
ኣብቲ ዜናዊ ኣቀራርባ እውን ዝብርቕርቕ ዝበዝሖ ኮይኑ ጸኒሑ። ብልክዕ እንታይ ዩ ዝግበር ዘሎ? ስምምዕ ኣልጀርስ ዳግም ድዩ ዝሕደስ ዘሎ ወይስ ንስምምዕ ኣልጀርስ ናብ ሓዲዱ ንምምላስ እዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ቋንቋ፥ “ኲናት ደው ኢሉ” ዝብል እዩ። እቲ ብታሕሳስ 12, 2000 ኣብ ኣልጀርስ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም እውን ነቲ ኲናት ብወግዒ ደው ኣቢሉ እዩ። ስለ’ዚ፡ ናይ ሕጂ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ን18 ዓመታት ክትገብሮ ዝጸንሓት ምሕንጋድ ገዲፋ ናብ መገዲ ሰላም ትምለሰሉ ደኣ ክኸውን ኣለዎ እምበር ኤርትራ እውን ኢድ ከምዝነበራ ዘምስል “ስምምዕ ሰላም” ወይ “ኲናት ኣብቂዑ”—ወዘተ እናተባህለ ዝፍረም ዘሎ ስምምዓት ኣዳናጋሪ ይኸውን ኣሎ።
ነቲ ስምምዓት ዘነብብን ነዚ ዝሓለፈ ኩነታት ዝይተኸታተለን፡ ክሳብ ሕጂ ብክልቲአን ወገናት ድሌት ሰላም ከምዘይነበረን ነቲ ወቐሳ እውን ናብ ክልቲአን ዝወድቕ ገይሩ ክወስዶ ይኽእል።
ብተወሳኺ ድማ ክልቲአን ሃገራት ብወግዒ ብሓምለ 9 ኣብ ኣስመራ ፈሪመንኦ ነይረን እየን። ስለ’ዚ፡ ካብ ሓምለ 9 ክሳብ ዕለት ሎሚ ኣብ ምንታይ ኢና ነይርና? ኣብ ኲናት’ዶ ሰላም? ብሓምለ 9፡ 2018፡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ስምምዕ ክፍርማ እንከለዋ እዚ ኣብ ጅዳ ዝግበር ዘሎ ስምምዕ ክመጽእ ምዃኑ ዝፈልጥ ሰብ ነይሩ’ዶ? ተውጢኑ ድዩ ነይሩ ወይስ ስዑድያ ኣብ መንጎ እያ ሱቶ ትኣትዎ ዘላ? ተወጢኑ እንተነይርይ ስለምንታይ ሽዑ ወይ ድሕርኡ ዘይሰማዕናዮ? ኣነ ብወገነይ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃን መንግስቲ ኣሜሪካን ተዓዛብነት እጽበ ነይረ እየ። እሞ እቶም ቀንዲ ሰብ ዳስ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን እንተኾይኖም ስለምንታይ እያ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ነቲ መስርሕ ትሰርቆ ዘላ። ብልክዕ ተርኣ እንታይ ነይሩን ኣሎን? ተራ ኤማራት ከ? ተራ ነይሩና ኢሎም ካልኦት ወገናት እንተመጹና ኸ? ኣቱም ሰባት፡ ነዛ ዶብ ግዳ ኢደይ-ኢድካ ኢልና ዘይንጥርራ!! ሸልማትን ኒሻናትን ከይጸቐጡና፡ እዛ መሬት ብኣግኣ እንከላ ነዛ ስራሕ ምውደኣ እዩ።
እንተ እቲ መዳልያታት’ሞ ማሸላህ—በዚሑ’ኳ። ነቲ ናይ ኣቡዳቢ ኒሻናት ቦታ ከይረኸብናሉ ሕጂ ድማ ብናይ ስዑድያ ኒሻናት ተለጢጥና። እቲ ጉዳይ ዶብ ግን ኩድጭ ኢሉ ኣብ ቦትኡ ኣሎ።
ተዓዛብነት ውድባትን ሃገራትን ውሕስነት ከምዘይብሉ ተማሂርና እንዲና። እቲ ዝድለ ዘሎ ርክብን ዕርቅን ወያነን ሻዕብያን እዩ። ካብ ጉዪ ምዓል ክሳድ መሓዝ። ወሪዱዎ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት፡ ቀደም ባእሲ ኣይነበሮን ሕጂ እውን ተባኢሱ ክነብር ከምዘይደሊ ርኢናዮ ኣለና።
ግን ከ ስለምንታይ እዚ ክሉ ዝብርቕርቕ? ብወገን መራሕቲ መንግስቲ ነዚ መስርሕ ብዝምልከት ምስ ህዝቦም ዘለዎም ጽምዶን ምምኽኻርን ኣዝዩ ድኹም ብምዃኑ እይ ዝብል እምነት ኣለኒ። እቲ በብግዚኡ ብሚኒስተር ሓበረታ ኤርትራ ዝፍኖ ናይ ትዊተራት ብጭቕታ ምሉእ ስእሊ ኣይህብን ዘሎ። ብሱሩ፡ ቁርጽርጽ ዝበለ ብጭቕታታት ኮይኑስ እንሓንሳብ ምልግጋቡ እንዳኣጸገመና። ፍጻመታት ጥራይ ዮም ዝቃለሑ ዘለዉ እምበር፡ ነቶም ፍጻመታት ለቓቒቡ ምሉእ ሰውነት ዝህብ ምስ ዜጋታት ዝግበር ጽምዶ የለን።
ሳዕቤን ናይ ዘይግሉጽነትን ዘይክፉትነትን ኣጸቢቕና ርኢናዮ ኣለና። እቶም ብታሕቲ-ታሕቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ወያነን ሻዕብያን ዝግበሩ ዝነበሩ ስምምዓት ኣብ ትካላዊ ባይታ ዝተሃንጹ ስለዘyነበሩን ግሉጽነትን ክፉትነትን ዘይነበሮም ስለዝነበሩ፡ እታ ክርቢት ምስተሸምጠጠት ነቲ ነቒጹ ዝነበረ ሳዕሪ ክትህንኩት ግዜ ኣይወሰደላን። ስለ’ዚ፡ ካብ ታሪኽ ክንመሃር ኣለና፡ ንሕና፡ ዜጋትት ክልቲአን ሃገራት፡ ክንሓትት ኣለና። መሰልና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሎሚ እንገብሮ ሸለል ምባል ጽባሕ ደቅናን ደቂ-ደቅናን ብደም ክከፍልዎ እዮም። ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተሰረተን፡ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ዘሳትፍን ግሉጽ መስርሕ ክንርኢ እትስፎ። ከምዚ’ልካ ምቕናይ ኣይጽቡቕን እዩ።