Categories
Uncategorized

መብጸዓ ግንቦት

ኤርትራ ምስተን ክትወዳደረን እትኽእል ሃገራት ክትረአ እንከላ ንድሕሪት ኣንፈት ክትምርሽ ጸኒሓ። ኣመና ከኣ ንድሕሪት ኣርሒቓ ተዓዚራ ኣላ። ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ብዙሕ እዩ። ሃገራት ኣካይዳ ዕብየተን ብናይ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመታት መደብ ይቕይሰኦ። መራሕቲ ህግድፍ ኣብተን ቀዳሞት ዓስርተ ዓመታት ኩሉ ሕመቖም ናብ መግዛእቲ ክስልብጡ እንከለዉ እተን ዝተረፋ ድማ ናብ ኣሜሪካን ወያነን ኣጸግዕወን። ፋብሪካ ጭርሖታትን መብጸዓታትን ኮይኖም ጸኒሖም። ዓመት-ዓመት ንመዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብመብጸዓ ከሕልፍዋ ካብ ዝረኣዩ ነዊሕ ኮይኑ። እቲ ብመብጸዓ ዘይጸግብ ኣባሎም ካብ ምጥቓዕ ኣይደክምን፣ እቲ መስኪን ህዝብና ግን ናይ ሓሶት ፍሽኽታን ትሑት ዕልልታን እናኣርኣየ ናይ ገዛእ ርእሱ መዋጽኦ ከናዲ ክረአ ጽኒሑ። ተስፍኡ ተጸንቒቑ ናብ ማዕዶ፡ ናብ ስደት ካብ ዝጥምት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ፍሽለት ናይቲ ስርዓት በቲ ደቅና ብሂወቶም ክሳብ ምጥላዕ በጺሖሞ ዘለዉ ውሳነ ጐሊሑ ይረአ ኣሎ። ወርሒ ግንቦት ወርሒ ዝጥለም መብጸዓ ከብ ትኸውን እነሆ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመታ ረጊጻ ኣላ። ግንቦት 24 ካብ ትውለድ ክሳብ ሕጂ ይትረፍ ናይ ዕቤት ምልክታት ነቲ ናይ ህጻንነታ ወዝ እውን ክትዕቅብ ኣይከኣለትን ዘላ። ፍሕትሕት ክትብል ካብ ንጽበያን ብመብጸዓ ጥራይ ክትጥብረናን ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ኮይኑ። ሎሚ ዓመት እውን እቲ ዘይተርፍ መብጸዓ ተደጊሙ- “ንርሁው ጽባሕ ሎሚ ንስራሕ” ዝብል ናይዚ ዓመት በዓል ናጽነት ጭርሖ ነይሩ። ቅድሚ ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ዝነበረን፡ ዓመት መጸት ብዘይስክፍታ ዝተደጋገመን ቴማ እዩ። መዓስ እያ ጽባሕ? እምባእ፡ ሓርቢቱና’ኮ!!  ከመይ ድዩ እቲ ኣቋጽራ ግዜ? ኣዕናዊ ቁጠባዊ ሜላታት እንዳ ተኸተልካን ኣፍራዪ ጉልበት መንእሰያት ኣብ ፕሮጀክትታት ደንበርበር እንዳ ኣባኸንካን ኸ ንራህዋ ጽባሕ ምሕላም ይከኣል ድዩ? ተደጋጋሚ ዘይፍጸም ሕልምታት ኸ ወላ ንሓንቲ ለይቲ ትኹን ናብ ልብኻ ዝመልስ ኣሳንባዲ ምብህራር ኣየስዕብን እንድዩ? ነዞም ብሃልወሳ ሃገርና ዝሕምሱ ዘለዉ መራሕቲ ንምብርባር እንታይ ዓይነት ሓይለ-ነጎዳ ይድለ ኣሎ። ናብ ክውንነት ንምምላስ እንታይ ዓይነት ናውጺ የድሊ ኣሎ? ህዝብና “በቃ ይኣክል” ክብል እንታይ ዓይነት ሓደጋ ይጽበ ኣሎ?  እቲ ውሕጅ ይተኣኻኸብን ይውህለልን ኣሎ። ተስፋ ኣሎ።

ንውልቀ ሰባት ጽባሕ ጽባሕ እዩ- ካብ ሎሚ እትቕጽል ወይ ንሎሚ እትስዕብ መዓልቲ። ንሃገራት ድማ ጽባሕ እንተነውሓት ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመታት ማለት እዩ። ጽቡቕ ምሕደራ እንተሎ ሃገራት ኣብ ውሽጢ ዓስርተ ወይ እንተነውሐ ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመታት ገጸን ይቕየር እዩ። እቲ ጸገም ናይ ዘመነ ህግድፍ ግዝኣት ግን፡ ንጽባሕ እንዳ ኣመትካ ናብ ትማሊ፡ ናብ ቅድሚ ትማሊ፡ ናብተን ሃገራት ደሓን ኩና  ዝበልአን ዓመታት ድኽነትን ጸላምን ፍትሐ-ኣልቦነትን ብፎሎ ንድሕሪት ሸለውለው ምባል እዩ። ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ንብረት ሃገርናን ምሉእ ጉልበት ሰብናን ኣባኺኖም ከይኣኽሎም፡ ሃገርና ናብቲ ናይ ሰብዓታትን ሱሳታትን እውን ክመልስዋ ኣይከኣሉን። ነቲ ዓመታት ዝደጋገምዎ ንድሕሪት ምዝዋር እውን ኣይከኣልዎን። ብውሑዱ ብቕኑዕ ንድሕሪት እንተንምለስ ነይርና፡ ኣብቲ ኤርትራዊ ኒሕ ሰማይ ዓሪጉሉ ዝነበረ፣ ኣብቲ ቁጠባ ኤርትራ ደሓን ዝኾነ ምንቅስቃስ ዝነበረሉ ግዜ ናይ ሰብዓታት ምወሰዱና ነይሮም። ሎሚ ግን፡ ብኩሉ መዳያት ጽርግያ ስሒትና ናብ ሸው ዝበለ ገደል ኢና ንንቖት ዘለና።

ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ኣቑሳላ ዘሕወየት፡ ትካላዊ ኣገዛዝኣ ተላሚዳ ኣእጋራ ዝደልደለ፣ ንንኡሳን ትምህርትን ሕብሓበን እትዕንግል፡ ንዓበይቲ ስራሕን ተበላሕነትን እተርሑ፡ ንኣረጋውያን ድማ እፎይታ እትህብ ሃገር ኣክንዲ ንርኢ፡ ኤርትራ ዓዲ ኣውያት ናይቶም ፍትሒ ስኢኖም ዘለዉ ኣማእት እሽሓት ደጀናት ኮይና ኣላ። ጅግና ፓይሎት ደጀን ምስሊ ኤርትራ ብዘየማትእ ይገልጾ ኣሎ። ንሕልና ዘለዎ ሰብ ካብዚ ዝዓቢ መጸዋዕታ የለን። ንህዝቢ ዲና ተጋዲልና ወይስ ንጋህጻጻት ጎቦታት እዩ እቲ ሕቶ።ህዝቢ “ናተይ” “ቤተይ” ኢሉ እንተዘይተሓቢንሎም ከ ከመይ ኢሉ እዩ ነዞም ጋህጻጻት ጎቦታት ክከላኸለሎም? ኣብዚ እውን እቲ ጉዳይ ናይ ስቡሕን ዘይስቡሕን መሬት ኣይኮነን። ግን፡ ዓድኻ ወይ ቤትካ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ፡ እተስተርሕወሉን፡ ናትካን ናይ እንዳማትካን ዶብ ወይ ደረት ዝንጸረሉን፡ ሓሪስካን ነጊድካን ናብራኻ እትመርሓሉን፡ ዜጋን መንግስትን ደረቶም ዝፈልጡሉን፡ ሓራ ኰይንካ እትንቀሳቐሰሉን ሂወትካ እትመርሓሉን ወጸዓ ኣብ ዝህልወሉ ድማ ፍትሒ እትረኽበሉን እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ “ኣነ ናጻ ሰብ እየ፣ ጎይታ ዋኒነይ እየ” ኢሉ ዝዛረብስ ይትረፍ ዝሓስብ ሰብ እውን የለን። እቶም ወጽዓን ረገጻን መሪርዎም ብሂወቶም ተጣሊዖም ናብ ወጻኢ ዝስደዱ ዘለዉ መንእሰያት ነዚ ይምስክሩ።እምበኣርከስ፡ ኩነታት ኤርትራ ብኩሉ መዐቀኒታቱ ካብ ሎም ዘመን፡ ኣብ 1991 ይበርህን ይብርኽን ነይሩ። ኣባላት ናይቲ ገዛኢ  ህግድፍ ከይተረፉ ዓው ኢሎም ዘተንፍስዎ ሓቂ እዩ። ስለ’ዚ፡ ኣብዚ ንህግድፍ ዝከላኸል ሰብ እቲ ሂወቱ ምስ ምንባር ህግድፍ ዝተእሳሰር ውሑድ ሰብ ጥራይ እዩ። ዝበዝሑ ኣባላት ህግድፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን በዚ ጨካን ስርዓት ይብደሉን እፎይታ ክረኽቡ ፋሕተርተር ይብሉን ይእሰሩን ይቕተሉን ከምዘለዉ ብሩህ እዩ። ዋጋ ይኸፍል ኣሎ ህዝብና። ሎሚ፡ እቲ ተቓውሞኡ ዝያዳ ፍሉይ ዝገብሮ፡ “ ይኣክል መብጸዓታት” ኣብ ምባል ብምብጽሑ እዩ። ህዝብና ዝነኸሰ ይመስል። ንህግድፍ ፎእ ኢልዎ ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ውሕጅ ይተኣኻኸብ ኣሎ።

ህግድፍ ተረዲእዎ ኣሎ። ውሽጣዊ ወጥሪ ኣብ ዝግንፍለሉ፡ እቲ ናይ ቀደም ዝና ህዝብናን ደቁን ስሪቑ ከየብቅዕ፡ እናደጋገሞ ናይ ሎሚ ክፉእ ግብሩ ክሸፋፍን ምፍታኑ ዘድከመና ሜላ ኮይኑ ጸኒሑ። ህዝብና ግን ሎምስ ነኺሱ ኣሎ። “ ብናይ ቀደም ዝና ንዘልኣለም ክትነብሩ ኣይትኽእሉን” ይብሎም ኣሎ። እቲ ናይ ቀደም ዝና፡ ብቀዳምነት ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ፣ ብተወሳኺ ድማ ንሓድሽ ወለዶ ፍታሕ ዘይወልድ እንተኾይኑ፡ ናይ ዘመን ኦሪት ዛንታ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ምስ ክውንነት ዘይዛመድ እንዳፈዅሰ ዝኸይድ ስንቂ እዩ- “ ብሰንክኹም ፈኲሱ እውን እዩ” ይብሎም ኣሎ። መንእሰያትና ውጽኢት ናይቲ ዛንታ እዩ ዝያዳ ዘገድሶም። ብውጽኢት ናይቲ ዛንታ እንተዓገቡ ነቲ ዛንታ ከም ናታቶም ክቕበልዎን ክመሃሩሉን እዮም። እንተዘይኮይኑ፡ ምስ ኩነት ሂወቶም ዘይተኣሳሰርን ዘይቃዶን እንተኾይኑ “ እንታይ እሞ… ንሱስ ነይሩ..” ክብሉ ግቡእ እዩ። ህዝብና ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ይገጥሞም ኣሎ። “ምጽማም ገደብ ኣለዎ” ይብሎም ኣሎ። ከታማታት ኤርትራ የማርራ ኣለዋ። “ኣብ ግዜ መግዛእቲ ‘ኳ ክንድዚ ዘይጸልመትናን፡ ክንድዚ ዘየኽፋእናን” ይብላ ኣለዋ። ዓድታት ኤርትራ የማርሩ ኣለዉ። “ ወዝ ዘለዎ ጎበዝ ተሳኢኑ፣ ኣበይ ኣለዉ ደቅና” ይብሉ ኣለዉ። ወደባት ኤርትራ መሪትና፣ ክንወሳወስ፡ ፍሕትሕት ክንብል ደሊና” ይብሉ ኣለዉ። ጥቑዕ ከስዐን ጽሙእ ሰብነት ህዝብና ንዘመነ ህግድፍ ይገልጽ ኣሎ። መናድቕ  ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብኣውያት ናይቶም ፍርዲ ዝሰኣኑ ዜጋታት ተወጢሮም ክብተኑ ዝደለዩ ይመስሉ ኣለዉ ፤ ኣቤቱታን ወጽዓን ናይቶም ፍትሒ ዝሰኣኑ ደቀባት ዝጥቀዓሎም ካንቫሳት ኮይኖም ኣለዉ። ንጹሃንን ገበነኛታትን፣ ሓርበኛታትን ጠላማትን ዘይፈላለዩሎም፡ ፍትሒ ዘይዝረበሎም ጋህስታት ኮይኖም ኣለዉ። ዓቕሎም ጸቢብዎም ፍትሒ ይጽበዩ ኣለዉ። መሬት ኤርትራ ንጹሃን ዝምቑሑሉን ገበነኛታት ዝዕንድሩሉን ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራ ኣብ ዝተሓሳስብ መድረኽ በጺሓ ኣላ። ክትነብርን ከይትነብርን ክትውስን ኣለዋ። ሓዲግ-መዲግ ዋግኡ ከቢድ እዩ።

ሃገርና ኣብ ቃራና መገዲ ካብ ትበጽሕ ነዊሕ ኮይኑ። “ክጸንሕ’ዶ ክኸይድ፣ ንየማን ‘ዶ ንጸጋም፣ ምጽማም ‘ዶ ቶግ ምባሉ” ክትብል እተርእዮ ዝጸንሓት ምምታእን ዕንድንድን ዝተወደአ ይመስል። ሎሚ እትወስዳ ስጉምቲ ወይ ናብ ልምዓት ወይ ድማ ናብ ክትስኣሉ ዘይትኽእል ጥፍኣት እዩ ክኸውን። እትወድቀሉ ልስሉስን ጥጡሕን ባይታ የብላን። ሓንቲ ምርጨኣ ዘይምውዳቕ ጥራይ እዩ። ህግድፍ ነቲ ክጕህር ዝጸንሐ ሕራነ ኤርትራውያን ይዕዘቦ ኣሎ። እንደገና ንምግራህናን ሓንሳብን ንሓዋሩን ዕድልና ከማህምን ቆርበት በጊዕ ክለብስ ንርእዮ ኣለና። ነቲ እንዳ ዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ውሽጣዊ ጽቕጢ ንምዕጋስ ኣብዚ ዓመት’ዚ ነቲ ልሙድ መብጸዓታት ቅሩብ ጨው-በርበረ ወሲኹሉ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ በዓል ናጽነት፡ ባዕሉ እቲ ካፖ ጥፍኣት፡ ሃንደበት “ቅዋም ክነድፍ እየ” ክብል ሰሚዕናዮ። እቲ ምሉእ ሓሳብ ምስ ተወደአ፡ ስታድዩም ባሕቲ መስከረም ምጥን ዝበለ ጣቕዒት ዝዓሰሎ ‘ኳ እንተነበረ፡ ዝበዝሑ ተሳተፍትስ ሃንደበት ኮይንዎም “ እንታይ ደኣ ይብል ኣሎ? ቅዋም ምንዳፍ ደኣ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ተጀሚሩስ ቅድሚ ዓስርተ ሽውዓተ ዓመታት እንዶ ኣይጸደቐን”  ከምዝበሉ ፍሉጥ እዩ። ሃለዋት ናይቲ ነቲ ቅዋም ዘጽደቐ ባይቶ ይኹን ናይታ ነቲ ቅዋም ዝነደፈት ኮሚቴ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ዝተገደሰ ዘሎ እውን ኣይመስለንን። ህዝቢ ካብ ዝደልዮም ዓመታት ኮይኑስ ቀቢጹ እዩ። ሎሚ ናብቲ ንሱ ባዕሉ ዝዝውሮ መስርሕ ቅዋምነት ዝሰጋገረሉ መገድታት ሃሰው ኣብ ምባል ዘድሃበ ይመስል። ቅድሚ ሕጂ ኢሰያስ ዝዘወሮ መስርሕ ቅዋም ‘ኳ ትዕድልቱ እንታይ ከምዝኾነ ርኢናዮ ኢና።

ህግድፍ ቅዋምን ቅዋምነት ካብ ኣእምሮና ከም ዝሃፉ ክገብር ዘይፈተኖ  ነገር ‘ኳ እንተዘየለ ንሕና ግን ክሳብ ሕጂ እታ መጽሓፍ ኣብ ልብና ኣላ። ኣብ ግዜ ናጽነታዊ ተጋድሎና፡ እታ ሰማያዊት ባንዴራ ኣኻኻቢትን ስንቅን ኮይናትና ከምዝነበረት ኣይርሳዕን እዩ። እታ ኢሰያስ ዝቐበራ መጽሓፍ ቅዋም እውን ኣብዚ ኣንጻር ረገጻን ኢፍትሕውነትን ዝግበር ቃልሲ ስንቂ ኮይናትና ከምዝጸንሓት ርዱእ እዩ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝብና ኣንጻር ጨፍላቒ ስርዓት ህግድፍ በብዝመስሎ ክውደብን ክሰምርን ይረአ ኣሎ። ብኣረኣእያ ህግድፍ፡ እዚ ናህሪ’ዚ ክዕገት ኣለዎ። ውዳበኡ ክዝረግ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ ዝኸውን ናብ ዕለት ግንቦት ዕስራን ኣርባዕተ ዘውግሐት ለይቲ፡ ሓደ ካብቲ ሃንደበት ዝወቕዖ ሓሳባት ሓደጋ ዝወደቖ። “ ነታ ተወዲኣስ ቀቢረያ ዘለኹ ቅዋም ክርስዑ እንተኾይኖም፡ ነታ ቅዋም ትብል መዝሙር ባዕለይ ዘይዝምራን ዘይኣልያን” ዝበለ ይመስል። ብኡ መሰረት ድማ፡ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ክሳዱ ከየቕነዐ ነቲ ጋሻ ሓሳብ ኣብ መንጎ መደረ ድርብይ ኣበሎ።  ናይታ ለይቲ እቲኣ ራእይ (revelation)ምኽሪ ሰይጣንን ንኽፉእ ግብርን ከይኮነ ኣይተርፍን። ምትላል፡ ግዜ ምግዛእ፡ ጓል መገዲ ምምጻእ ቀንዲ መሳርያ ሽርሑ እየን። ሓድሽ ቅዋም የድሊ ድዩ ኣየድልን ንክኢላታት ገዲፍና፡ “መን እዩ ነቲ መደብ ዘብግስን ዝመርሕን ዘሎ” እዩ እቲ ቀንዲ ሕቶ። ሓንሳብ ዘይኮነስ ዓስርተታት ዓመታት ክፉእ ክገብር ዝረኣናዮ ስርዓት፡ ብሓደ ምሉእ ሓሳብ ክጥብረና ኣይክእልን እዩ። ዓመት መጸት ፍሹል መብጸዓታት ክኹምር ዝረኣናዮ መራሒ፡ ብሓደ ምሉእ ሓሳብ ክንኣምኖ ዝከኣል ኣይኮነን። ትማሊ ዝጸደቐ ቅዋም ካብ ቀበረ፡ ትማሊ ዝተጋበአ ባይቶ ካብ በተነ፡ ትማሊ ሰማይ ዓሪጉ ዝነበረ ጥሙሓትና ካብ ኣምከኸ፣ ከመይ ኢልና ብሓደ ምሉእ ሓሳብ ክንኣምኖ?  ንዓመታት ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ከምዘየቛመትና ሕጂ ኸ ነዛ ኣገዳሲት መጽሓፍና ርግቢት ኢሰያስ ሒዛታ ጠበሽ ክትብለና ንኣምን ዲና?

የማነ ቻርሊ እውን ናይ ጎይትኡ መብጸዓ ክዃሓሕል ተራእየ። “ ኣብ ተመክሮ ዕስራን ሰለስተን ዓመታትን ጽኑዕ መኸተን ናጽነትን ዝተመርኰሰ ኣሳታፊ ዝኾነ ምንዳፍ ቅዋም ክነብግስ ኢና” ኢሉ ትዊት ገይሩ ነይሩ። እቲ ዘገርም፡ ተመክሮ ናይዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣንጻር ናይቲ የማነ ከመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ ኮይኑ ንረኽቦ። ኤርትራ ኣብ ክሉ መዳያታ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ትሓይሽ ነይራ። ካልእ ንጎኒ ገዲፍና፡ እቲ ህግድፍ ከም መመኽነይታ ዝጥቀመሉ ሃገራዊ ድሕነትን ልኡላዊ ናጽነትን እውን ካብቲ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ዝነበሮ ከፊኡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኣስጋኢ መድረኽ በጺሑ ንረኽቦ። እቲ ከም መመኽነይታ ጭፍለቓ ዘመሳምሰሉ ዝነበረ ጉዳይ ዶብ ወላ ሓንቲ ለውጢ ኣየምጸአን። ኢትዮጵያ ኣራጢጣ መሬትና ሒዛ ከይኣኽላ፡ ጉዳይ ከምዘለና እውን ዝረሰዓቶ ትመስል። ዋኒን ካልኣ ትገብር ኣላ። ሓይልታት ምክልኻልና ብሰንኪ እቲ ዝወረደና እገዳ ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ኩነታት ወዲቑ ከምዘሎ ራሕሪሖሞ ዝኸዱ ዘለዉ መንእሰያት ይሕብሩ ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ ዋሕስ ናጽነት ኤርትራ ኣጽዋርን ነገራዊ ሃብትን ዘይኮነስ ብቐንዱ ናይ ህዝባ ፍቕርን ናይ ምክልኻል ቅሩብነትን እዩ። ህግድፍ ነዚ ኣገዳሲ ባእታ ብምቕታሉ ሎሚ ሃገራዊ ድሕነትና ኣብ ኣዝዩ ተነካኢ ደረጃ እዩ ወዲቑ ዘሎ። መንእሰያትና ንሃገሮም ክከላኸሉን ሂወቶም ክህቡላን እንተኮይኖም፡ እታ ዝዋደቑላ ሃገር ስድረኦምን መቕርቦምን ደቂ ዓዶምን ደቂ ሃገሮምን ብፍትሕን ራህዋን ዝነብሩላ ክትከውን ኣለዋ። ውሑዳት ዝዕንድሩላን ህዝቦም ዘከላበተላን ሃገር ዋጋ ደሞም ከምዘይትበቅዕን ዓስቢ ረሃጾም ከምዘይትኸውንን እንተደኣ ወዲኦሞ ከመይ ኢሎም እዮም ንምክልኻላ መስዋእቲ ክኸፍሉ? እዚ እቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ስግኣት እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ዘሎ ረገጻ-ፍትሒ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ብኣዝዩ መሳጥን ምቕሉልን መገዲ ኣቃሊሕዎ ስለዘሎ ካብኡ ንላዕሊ ምስክር ዘድሊ ኣይኮነን።

ኣብ ማሕበራዊ መዳያት ክረአ እንከሎ፡ ግዝኣት ህግድፍ ስድራታት ዝተበታተነሉን ናይ ንኡሳን ማሕበረ-ሰባትን ሃይማኖታትን ምህዳንን ምስቓይን ዝተራእየሉን ብዘይካ እቲ ንቡር ማሕበረ-ቁጠባዊ ቀጸላታት፡ ሓድሽ ናይ ገድልን ዘይገድልን ቀጻላታት ዝገደደሉ ሕ/ሰብ ዝተፈጥረሉን ብልሽውና ትካላዊ ቅርጺ ዝሓዘሉን ካብ ዘመነ ቱርኪ ዝተረኸ ኮይኑ ንረኽቦ። መንእሰያትና ኣክንዲ ነቲ ምቕሉልን ውፉይን ተጋዳላይ በቲ ፍሉጥ ኣብነቱን ምስሉን ዝፈልጥዎ፡ ብረገጻ ህግድፍ ከምዝላለይዎ ኮይኖም፡ “ ነዚ ደኣ ስላምንታይ እዚ ኩሉ መስዋእቲ” ክብሉ እንተተሰምዑ ኣይሕመዩን እዮም። ኤርትራ ብዘይ ተጋድሎኣ ክትግለጽ ዘይከኣል ካብ ኮነት፡ እሞ ከኣ ተመክሮ ናይዞም መንእሰያት ንገድሊ ዘጽልእ እንተኾይኑ፡ ቀጻሊ ህላወ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እዩ። ታሪኽ እንተዘይብልካ ሱር የብልካን። ኣብ ስነ-ሂወት ማለት ባየሎጂ፡ ስሕት ኢሉ ስብነትና ነቲ ጀርምስ ናይ ምክልኻል ስርዒቱ ይመዛበል እሞ፡ እቲ ንጀርምስ ክምክት ዘማዕበሎ ዓቕሚ ምክልኻል፡ ነቶም ባዕዳውያን ጀርምታትን ምስቶም ናይ ወገኑ ዋህዮታት ስለዘደናግሮም፡ ነቲ ናቱ ወገን ማለት ንኣካሉ ከም ባዕዳዊ ጀርም ስለዝወስዶ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰውነት ወይ ኣካል ከምዝነጽግን ዘዕኑን ይኸውን። ንሰወነቱ ከም ባዕዳዊ ጀርምስ ይቖጽሮ።ነዚ ኣብነት እዚ ብደረጃ ሃገር ወይ ህዝቢ እንተወሰድናዮ፡ ታሪኽካ እንተደኣ ነጺግካ ቀጻልነትካ እውን ትቐትል ኣለኻ ማለት እዩ። ናጽነት ክህሉ፡ ብፍረያቱ ዝዓገበን ነቲ ፍረያት ከይስእን ዝከላኸልን መንእሰይ የድሊ። ሰብ ንናጽነት ጎቦታት ዘይኮነስ ንናጽነት ሰብን ሰብኣውነትን እዩ ዝዋደቕ።

ቻርሊ ክሽፍኖ ዘይክእል ካልእ፡ እቲ በብግዚኡ እንዳ ገፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ወለዶን ዕድመን ጉዳያት እዩ። ኣብዘን ዝመጻ ዓስርተ ዓመታት፡ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ኣብ ሓርነታዊ ገድሊ ዝተሳተፈ መንእሰይ ኣብ ክልል ጥሮታ ክኣቱ እዩ። ዝበዝሑ ምኩራት ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ ንጡፍ ስራሕ ክሰናበቱ እዮም። እዚ ማለት ዳርጋ ኩሉ ኣብ መንግስታዊ ስራሕን ሓላፍነትን ዘሎ ሓይሊ ዕዮ ዳርጋ ብሓንሳብ ግብ ክብል እዩ። ነዚ ዝትክኡ ምልሙላት መንእሰያት ድሮ ተኣታትዮም ክጸንሑ ነይርዎም። “ሃገርና”  ኢሎም ዝዋደቑ መንእሰያት መራሕቲ ክቕረቡ ነይርዎም። ከም ኣባግዕ ዝወፍሩን ዝኣትዉን ዘይኮኑስ፡ መደባቶም ሰሪዖም ናጻ ኮይኖም ሃገር ዝመርሑ መንእሰያት ተመልሚሎምስ ንጡፍ መስርሕ ምስግጋር ሓላፍነትን ምርኽኻብ ወለዶታትን ክንርኢ ይግበኣና ነይሩ። ሓደሽቲ ጀነራላትን ሓደሽቲ ፖለቲካኛታትን ክፍጠሩ ነይርዎም። ህልው ኩነታት ቁጠባ ሃገርና ነዚ ኣብ ታሪኽ ርእይዎ ዘይፈልጥ ቁጽሪ ጥሮተኛ ክጸውር ኣይክእልን። የማነ ቻርሊ፡ ኣብ ክሉ ካልእ ጽላታት ኣገልግሎት እውን ብዘይካ ንተለቪዥንን ፕቶፖጋንዳዊ ሃልክን ዝቐርብ “ ዓወታት” ዓይነታዊ ለውጢ ኣምጺአ ክብለና ኣይክእልን እዩ። እቲ ዘሻቕል ጉዳይ፡ ህግድፍ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት ዝተኸተሎ ፖሊሲታት መጻኢ ዕድል ሃገርና ዘመቻችእን መሰረት ዘነብርን ዘይኮነስ ንብርሰታ ዘጋድድ ኮይኑ ንረኽቦ። የማነ ቻርሊ ሕጂ እውን ተስፋ ጥራይ ሰኒቕና ንድሕሪት ክንምርሽ ይደልየና ኣሎ። ድሉው ቅዋም ዘሰረቐስ፡ ሓድሽ ቅዋም ክፈጥረልኩም እየ እንተበለ ከመይ ኢልና ክንኣምኖ ኢና? እትመጽእ ግንቦት ዕስራን ኣርባዕተን ካብ ድቓሱ ብር ኢሉ “ ኢለኩም ‘ዶ ነይረ እየ” እንተበለ ኸ እንታይ እዩ መልስና? ሕራይ እስከ ብቓሉ ንሓዞ።  ግን “ ስለምንታይ ሕጂ” ኢልና ዘይንሓቶ?

ስለምንታይ ሕጂ?

ቅዋምነት ንምትእትታው ካብ ሎሚ 1988ን ይሓይሽ ነይሩ። ሽዑ፡ ኢሰያስ ነቲ ጸዲቑ ዝነበረ ቅዋም ናብ ዘይተፈልጠ መዓሙቝ ሸሚምዎ ናብ ዘይድለ ኲናት ከቲቱና። ካብ ሎም ዘበን፡ 2001ዓ.ም. እውን ይሓይሽ ነይሩ። ሽዑ እውን ነቶም ንቅዋምነት ዝጸወዑ መራሕትን ኣካላት ህዝብን ጋዜጠኛታትን ገፊፉ ድምጾም-ድምጽማጾም ከምዝጠፍእ ገይሩ። ክሳብ ሎሚ ኣበይ ከምዘለዉ ኣይንፈልጥን። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጋዊ መዕለቢ ምስ ረኸበ እውን ክግበር ምተኻእለ ነይሩ። ግን ኣብ መፋርቕ 2000፡ ኣክንዲ ንኤርትራውያን ንምስማርን ምሕባርርን ዝጽዕር ብዝያዳ ንጽቡቕ ጓኖት ዝግደስ ከምስል ተዋስኦታት ክፈጥር ርኢናዮ።ኣንጻር ድሌት ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ንጥሩፋት ሶማሊያውያን “ንምሕባርን ንምስማርን” ዝግበር ዝነበረ ውራያትን ጉያ-ጉያን ዘሕንኽ እዩ ነይሩ። ፍትሒ ነቶም ናብ ስልጣን ዘደየብዎ ዜጋታቱ ነፊጉዋስ ብፍትሒ ሶማላውያን ተገዲሱ። ብሰንኩ ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዘውድቓ እገዳ ተበዪኑላ ኣሎ።ሕራይ ንሱስ ሓሊፉ፤ ነቲ ናይ ኮሙኒስታውያን ናይ 5ን 10ን ዓመታት ትልሚ መደባት እንተወሰድና፡ ስለምንታይ ኣብ 2005ን ወይ ኣብ 2010ን ዘይተኣወጀ? ወይ ከኣ ስለምንታይ ን2015ን ዘይተጸበየ? ስለምንታይ ሎም ዘበን?

እቲ ናይ 21 ጥሪ 2013 ናይ ፎርቶ ስርሒት መልሓስ ናይቲጋሻ ውሕጅከምዝነበረ ኣየጠራጥን። እቲ ቀንዲ ኣካል ናይቲ ውሕጅ ሓይሊ እንዳ ኣከበ ጎሰስ ይብል ኣሎ። እንጂነራት ህግድፍ ነዚ ጎሰስ ዝብል ዘሎ ውሽጣዊ ተቓውሞ መእለዪታትን መጓደሊ መስኖታትን ክፈጥሩ ይጓየዩ ኣለዉ። ግን ኣይከም ቀደም፣ ክራማት ሎም ዘበን ዝከኣል ኣይመስልን። ስለ’ዚ ነዛ ክትወጽእ ዓንደል እትኾኖ ቃል ኣውጺእዋ። ካራ ናይቲ ብውሽጢ እንዳተኣኻኸበን እንዳዓበየን ምትእምማን እንዳ ኣዛየደን እንዳ ተወደበን ዝመጽእ ዘሎ ተቓውሞ ኣብ ክሳዱ ስለዝተገተረ እዩ ዘውጸኣ። መዝሓልን መጕደልን ናይቲ ዘጕረምርም ዘሎ ውሕጅ ክትኮኖ ተገዲዱ ዘውጸኣ ቃል እያ። ሕጂ እውን ቀንዲ መሃንድስን ፈጻምን ዕድልና ክኸውን ኣብ ናይ ሞትን ሕየትን ምዕልባጥ ዘሎ ይመስል። ምስቲ እቲ ስርዓት ኣብ ወጻኢ ዘጋጥሞ ዘሎ ዕላዊ እምቢታ ዜጋታትን ዝዛይድ ዘሎ ኣህጉራዊ ጸቕጥን ተሓዊሱ፡ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ተቓውሞ ነቲ ከይዲ ካብ ኢድ ህግድፍ እንተመንዚዕዎ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ናይ ምኻድን ሃገር ናይ ምድሓንን ተኽእሎ ኣሎ። ህግድፍ እንደገና ዕድልና ክሰርቕ ክፍትን ምኻኑ ግን ክዝንጋዕ የብሉን። ዕድልና ዳግም ብኢስያስን ህግድፍን ከይስረቕን ከይውሰንን እንታይ ክግበር ኣለዎ?ነቲ ተጨውዩ ዘሎ ሓቀኛ መብጸዓ ግንቦት ንምርግጋጽ እንታይ ክንገብር ኣሎና?

(ኣብ ዝመጽእ ጽሑፍ የራኽበና)

***እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ምዝዝዛም ገጹ በጺሑ ከሎ ኣርባዕተ ጳጳሳት ቤተ-ክርስትያን ካቶሊኽ ኤርትራ ንመረረ ህዝቦም ዘጉልሕ ጽሑጽ ከም ዝዘርገሑ ፈሊጠ። ዜናዊ ትሕዝቶ ጽሑፎም ጥራይ ኣንቢበ ኣለኹ። ኣባታውን መንፈሳውን ሓላፍነቶም ዘሸክሞም ስጉምቲ ብምውሳዶም የመጉሶም። ፈጣሪ ምስኦም ክኸውን እጽሊ። ካልኦት መንፈሳውያን መራሕቲ ክስዕብዎም እውን እላቦ። ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ቀደም ንኣዛብእ ኣሕሊፍና ከይንህቦም እምሕጸን።

Publisher: Assenna.com

https://goo.gl/TfXqgA

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s