Categories
Uncategorized

ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ከም ጥርሙዝ ብቐሊሉ ብትን ዝብል ኣይኮነን

ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ከም ጥርሙዝ ብቐሊሉ ብትን ዝብል ኣይኮነን

ማሕሙድ ሳልሕ

 

ኣብዘን ዝሓለፋ ሳምንታት፡ ሓደ ሓደ ብጾትን ኣዕሩኽን ንሓደ ኣብ ዩ-ትዩብ ብሓደ ዜጋ ዝፍኖ ዘሎ ኣዝዩ ኣጸያፊ ቪድዮታት ኣመልኪቶም ክርእዮ ከተባብዑኒ ጸኒሖም። ዝበዝሑ ኣዕሩኽተይ ካብ ብሄረ ትግርኛ ዝውለዱ እዮም (ፈትየ ዝገበርክዎ ኣይኮነን)። እቲ ቪድዮታት ናይዚ ውልቀሰብ ዝረአን ዝብላዕን የብሉን። ብሕጽር ዝበለ፡ እዚ ሓውና ንሓደ “ኣግኣዝያን” ዝበሃል ብትግርኛ ጥራይ ዝቖመ ሃገር ክምስርት ዝጽውዕ እዩ። ኣብዚ ጥራይ ጠጠው እንተዝብል “ጽቡቕ ዕድል” ወይ Good luck!!!” ምበልክዎ። ሰባት ይሓልሙ እዮም። ገሊኦም ምጥን ዝበለን ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል ሕልሚ ይሓልሙ። ገሊኦም ሰባት ግን ዘይጭበጥ ሕልሚ ጥራይ ኮይኑ ዝተርፍ (fantasy) ይሓልሙ።

ናይ ስነኣእምሮ ክኢላታት ቅሩብ ዓቐን ዘለዎ ሕልሚ-ቐትሪ ኣብ ግዜ ጭንቀት ንውሽጣዊ ወጥሪ የንፍስ እዩ ይብሉ። ስለ’ዚ፡ እዚ ሓውና፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃይማኖታትን ኣህዛብን ዝፍንዎ ዘሎ ንባህሎምን መንነቶምን ዝምልከት መጠኑ ዝሓለፈ ኣነዋሪ ጸርፍታትን ክስታትን ደኣ እየ ዝቃወም ዘለኹ እምበር፡ ዝደለዮ ዶብ ይጠርር፡ ኣብ ኣእምሮኡ ዝደለዮ ሃገር ይሸንሽን መሰሉ እዩ ኢለ ምሓለፍኩ። ፋዕርኡ እውን ኣይምገበርኩን። ሳላ ስደት ብዙሕ ርእየ እየ። እዚ ዝነብረሉ ዘለኹ ሃገር ዝህቦ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ተጠቒሞም፡ ዜጋታት ዝተፈላለየ ሓሳባት የወናጭፉ እዮም። ገሊኡ ጠቓምን እሩምን ቅቡልን እዩ። ገሊኡ ግን ንካልኦት ማሕበራውያን ጊጅለታት ብኣልማማ ዝኹንንን ዘውንጅልን ዘራስሕን ርኹስ እማመታት ኮይኖም ንረኽቦም።

እዚ ግን ሕ/ሰብ ኣመሪካ ዝምልከት እዩ። ንሕ/ሰብ ኤርትራ ዝቐንዐ ሓሳባት ኸፊኡ እንተኸፍአ ከመይ ክመስል ከምዘለዎ እግምት እየ። ምኽንያቱ፡ ባህላዊ ክብርታት ክልቲኡ ኣህዛብ ይፈላለ እዩ። ናይዚ ሰብ’ዚ ዕቡድ እማመታትን ጸርፍታትን ፍረያት ሕ/ሰብና እዩ ክትብሎ ዘጸግም እዩ። ህዝብና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ንህዝብታት ከራጽም ዝተበገሰ ሳይጣናዊ ሓሳባት ጋሻ ኣይኮነን። ጸላእቲ ኤርትራ ሕብሮምን ኣስማቶምን ይፈላለ እምበር፡ ሓድነትና  ኩሉ ግዜ  ምስ ጠመትዎን ዕላምኦም ምስገበርዎ እዮም። በብግዚኡ ድማ ምስቲ ዘይንቕነቕ መንደቕ ሓድነትና ተናጊዕም ሓነግ ምስ በሉ እዮም። ንሶም ክበታተኑን ክስነፉን እምበር፡ ምስ ኩሉ እቲ ኤትራ ትሓልፎ ዘላ ናይ ውሽጥን ደገን ጸገማት ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣይላህለሀን። ከምቲ ዝሓልምዎ ህዝብና ጻዕዳ ባንዴራ ኣየልዓለን። ንህዝቢ ኤርትራ ገጢሙ ዝጸንሐን ዘሎን ብደሆታት ቀሊል ኣይኮነን። ተመሳሳሊ ናይ’ ዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ ጸገማት ዘጓነፎም ብዙሓት ህዝብታት ዓለም ነንሕድሕዶም ተወናጂሎምን ተቓቲሎምን እዮም። እዞም ንርእዮም ዘለና ዕሱባት እውን ግዜ ክስዕሮም ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከምቶም ቀዳሞት መሰልቶም፡ ኣቑሳሎም ክልሕሱን ሸለብ-ገለብ እንዳበሉ ክተርፉን እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ጸገማቱ ብሓድነት ደኣ ይገጥሞም’ምበር ነንሕድሓዱ ኣይወናጀልን፡ ኣይባላዕን። ሕጂ እውን ኣይፈላለን። ሕጂ እውን ጻዕዳ ባንዴራ ኣይነልዕልን። ኣይልማድናን።

ሓድነት ኤርትራውያን ብናይ ሓባር መስዋእቲ ዝተነድቐ ድልዱል መንደቕ እዩ፣ ህዝብና ብሓባር መታን ክነብር ብሓባር ዝወሰነ’ምበር ኣብ ልዕሊኡ ዝተስገደደ ኣይኮነን። ምልስ ኢልና ፖለቲካ ኣርበዓታት እንተረአና፡ “ንስኹም ማዕረ ቑጽሪ ኣስላምን ክርስትያንን ዘለኩም ህዝቢ ደኣ ከመይ ገይርኩም ብሓባር ክትነብሩ ኢኹም? ከምቲ ሰብ ናብ ‘ሰቡ ዝብኢ ድማ ናብ ገረቡ’ ዝበሃል ነናብቶም ዘምሕሩልኩም ወገናት ዘይትኸዱ-፡ ዘይትወጋገኑ- ኣስላም ናብታ ዓዲ ኣስላም ዝኾነት ሱዳን ክርስትያን ድማ ናብታ ‘ክርስትያናዊት’ ዝኾነት ኢትዮጵያ?” እንዳበሉ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ሽሕጣንን ሓይሊ ዝተሓወሶ ጸቕጥን ተገይሩ እዩ።

ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት እዩ ዝጠልብ ነይሩ። ግን ተዓዘቡ ኣሕዋት- መታን ከይከፋፈሉ ኣበዋትና ነታ መራር ምርጫ ማለት ብፈደራላዊ መልክዕ ምስ ኢትዮጵያ ክሓብሩ ወሰኑ። “ኣይንፈላለን” ድማ ጨሪሖም። እዛ ኣይንፈላለን ትብል ገላጺት ሓሳብ ኩሉ ከስተብህለላ ኣለዎ። ክውንነታውያን’ሞ ንኹን፡ ወላ እቶም ምስ ኢትዮጵያ ክሓብሩ ዝደፍኡ ዝነበሩ ዜጋታት፡ መታን ምስ ኣሕዋቶም ኣስላምን ሰብ መታሕትን ከይፈላለዩ፡ ነቲ ፈደራላዊ ውዕል ከም መንጎኛ ሓሳብ ተቐቢሎሞ እዮም። ብዓሌታዊ ኣገዛዝኣ ኢጣልያ ዝላደዩ ኤርትራውያን፡ ነቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ከም ንጸለምቲ ዝጣበቕን ዝቃለስን ኮይኑ ዝረአ ዝነበረን ኣብ ኣካባቢና ይኹን ኣብ ዓለም ዝና ዝነበሮ ንጉስ ሃይለስላሴ ከም ጸግዒ ምሕሳቦም: ብዙሕ ዘሕምን ካብ ክውንነት ናይቲ ግዜ’ቲ ዝረሓቐ ጽሉል ኣተሓሳስባ ኣይነበረን።

ኣብ ክሊ ናይቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ብስለት ፖለቲካን ከምኡ እውን ነቲ ናይ ባህልን ታሪኽን ምትእስሳር ክልቲኡ ኣህዛብን ኣብ ግምት ምስ እነእቱ እቲ ናይቲ ግዜ’ቲ ናይ “ኣንድነት” ወይ ምስ ኢትዮጵያ ምሕባር ዝብል ዝነበረ ጻውዒት ደቂ ሃገር ክሳብ ክንዲ’ዚ ዘይክውንነታዊ ኣይነበረን። ደሓር ከም ዝተረጋገጸ እውን ዝበዝሑ ካብቶም ንምሕባር ምስ ኢትዮጵያ ዝቃለሱ ዝነበሩ ዜጋታት፡ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ብቓሎምስ ይትረፍ ፈሪሞም እውን ክትኣምኖም ከምዘይትኽእል ኣረጋጊጾም። ብዙሓት ካብቶም ርኡያት መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩ ሰበስልጣናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝፈረመሎም ዓንቀጻት ሓደ ብሓደ ብሓይሊ ምስ ኣፍረሶም ናብ ሰውራ ተጸንቢሮም። እቲ እሙንን ዕጡቕ ኣገልጋልን ኢትዮጵያ ዝነበረ ሓላፊ ፖሊስ ኤርትራ-ጀነራል ዑቕቢት ከይተረፈ፡ ኢትዮጵያ ነቶም ብልቢ ዝሰርሑላ ከይተረፉ ከምዝተጻወተተሎም ኣብ መወዳእታ እናተፈለጦ ከምዝመጸ ተመዝጊቡ ኣሎ። መወዳእትኡ እውን ኣብቲ ንዕኡ ንምሓዝ ዝተገብረ ፈተነ ብገዛእ ሽግጡ ከምዝዓረፈ ይፍለጥ። ፕረሲደንት መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ ተድላ ባይሩን ፕረሲደንት ፓርልያመንት (ባይቶ) ኤርትራ ዝነበረ እድሪስ መሓመድ ዓሊን ካብቶም ብእዋኑ ናብ ሰውራ ኤርትራ ዝተሰለፉ ነበሩ።  ካልኦት ኣባላት ፓርለማ እውን ናብ ሰውራ ተጸጊዖም እዮም። እቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝወደቖም ሓደጋ ናብ ሃይማኖታዊ ወይ ጎሳዊ (ብሄራዊ) ምስምስ ኣየጸግዕዎን። ኣይተሓማመዩን። ሕጂ እውን እቲ ጉዳይ ብሓባራዊ ገድሊ ከምዝፍታሕ ዝተረድኡ ይመስለኒ በብወገኖምን በብመንገዶምን ዓቕሞምን ናብቲ ናጽነታዊ ቃልሲ ተሰለፉ። እቲ ሓባራዊ ገድልን መስዋእትን ሳላሳ ዓመታት ወሲዱ። ኣብቲ መስርሕ ናይቲ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ፡ ሓድነትን ሓድሕዳዊ ምትእምማንን ኤርትራውያን በብግዚኡ ፈተነታት እናሓለፈ ክተርርን መሊሱ ክጠናነግን ደኣ ተራእዩ እምበር፡ ክልሕልሕን ክልህልህን ኣይተራእየን።

ኣብ ዕድመይ ብዙሕ ጽሉል እማመታት ርእየ እየ። ኤርትራውያን ብዙሓት ዝተራቐቑ ከፋፈልቲ ውዲታት ርእዮም እዮም። ጸጸኒሖም፡ ሓደ-ሓደ ኣብቲ ጽልምትን ዝሕልሕልን ጽምውን ዝበለ መንቀራቕሮታት ሕ/ሰብ ዝነብሩ’ሞ በብግዚኦም ውጥም-ቅልቅል ዝብሉ ውልቀሰባት ይረኣዩ እዮም።  ታሪኽ ከንብቡ ዘይክእሉ ሓደ ክልተ “ሕጂ ተረኽበት” ብዘሰምዕ መልክዕ ንሓድነት ኤርትራውያን ዝፈታተን ፕሮጀክትታት ከበጋግሱ ይረኣዩ። ታሪኽ ዕረፍቲ ኣይፈልጥን እዩ። ይሕንበብ እዩ። ብሃንደበት ወቕዒ ዝሕዞም ሰባት ብዘይካ ምዝኽኻር ካልእ ንገብሮ የብልናን። ድቃስ ኣይተኽብዱ ጥራይ ኢና ክንብሎም ንኽእል። ኩሎም ኣህዛብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ውልቀሰባት የፍርዩ እዮም። ብድቃሶም ታሪኽ ዝገደፎም ውሑዳት ክርከቡ እዮም። ኣብ ዓመተ 2000 ኣሎና ምባሎም እዩ። ብሕጂ እውን ምቕልቓሎም ኣይተርፍን እዩ። እኳ ደኣ፡ ናይ’ዚ ሓውና እማመን ዘለፋን ጥረን ደረቕን ዘይተራቐቐን ብምዃኑ ክሳብ ክንደየናይ ሰዓቢ ከይረክብ።   ብሃይማኖት ተመላሊሶሞ ነዚ ህዝቢ። ተላሂሞም ዘፍ በሉ። ብኣውራጃ መጺኦሞ። ሕማቕ ረኺቦም። ሕጂ ከኣ ዘይተፈተነት ነገር “ኣብዚኣ’ባ ኣላ” ተባሂሉስ ያኢ “ኦ ህዝቢ ትግርኛ፡ ንስኻ ጥራይ ትነብረላን። ተዋህዶ ጥራይ ዝነግሰላ ንግስነት ከምጸኣል እየ። ሰዓበኒ ጥራይ” ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘ ቪድዮታት ዝዝርግሕ ሰብ ተረኽበ። እዚ ሰብ እዚ ንኻልኦት ከግእዝ ዘይኮነስ ንርእሱ ኣግእዞ ዘድልዮ ምዃኑ ጸኒሕና ክንርእዮ ኢና። እዚ ሰብ’ዚ ብሓቂ ፍርሃተ እዝጋብሄር ክለማመድ ዝግበኦ እዩ እምበር ከም ሓደ ብጹእ ንካልኦት ከግእዝ ዘይረብሕ እዩ። ብሓጺሩ ብዙሓት ፈሊጥኩሞ ከምዘለኹም፡ ታሪኹን መንነቱን/ጠባዩ (character) ሕማቕ እዩ።

ዝበዝሕ ግዜ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ናይ ሓንጎል ወይ ፐርሰናሊቲ (personality) ጸገም ዘለዎም እዮም። በብውልቆም እውን ዘሕብን ታሪኽ ኣይትረኽበሎምን ኢኻ። ከምቲ ስዒቡ ዝግለጽ፡ ናይዚ ሓውና ታሪኽ እውን ብዙሕ ዘወናውን ኣይኮነን። እቲ ቅዉም ነገር ግን፡ እዞም ውልቀሰባት’ዚኦም ተመሳሳሊ ዛንታ ዘለዎም ምዃኑ እዩ። ብሓጺሩ፡ ነቲ ብንቡር ኣገባብ ማለት ብምትእስሳርን ምትሕግጋዝን ኣዕሩኽን ሕውነትን ብምግባር ክረኽብዎ ዝግበኦም ስምን ዝናን ብጸይቐ-ዕሉልነት ክረኽብዎ ይፍትኑ። ስለ’ዚ ድማ ኣቓልቦ ናይቲ ዝረሰዖም ሕ/ሰብ ክረኽቡ ኣጣቘስትን ኣለዓዓልትን (provocateurs) ይኾኑ። ብሰንኪ ውልቃዊ ተግባራቶም ኣዕሩኾምን ሕ/ሰቦምን ስለዝነጸግዎም፡ እቲ ዝሕንሕኑሉ ሕ/ሰብ ክቕበሎን ክጽበዮን ዘይክእል ኣናዋሪ መናፍሕ እንተቐሚርካ ነቶም ብማሕበራዊ ተነጽሎ ዝደንዘዙ ውልቀ-ሰባት ክትጅንድ ትኽእል ኢኻ ዝብል ሓሳብ ዘለዎም ኮይኖም ንረኽቦም። በብእዋኑ ታሪኽ ዝመዝገቦ ኣዝዩ ብሉይ ሜላ እዩ።

ዝያዳ ኣብ ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላዋት ዘናውጾም ሕ/ሰባት እዮም ዝቕልቀሉ። ትሪ ሓድነት ናይ ገለ ሕ/ሰባት፡ ካብ ብርታዐ ናይቲ ዘጋጥሞም ቅልውላዋት ስለዝተርር፡ ነቲ ሕማቕ ዘመን ከይተቓተሉን ብሰላምን ይሰግርዎ። ገሊኦም ሕ/ሰባት ግን ግዳይ ናይዞም ልኡኻን ጽልእን ጥፍኣትን ይኾኑ። እዞም ናይ ዕግርግርን ጽልእን ልኡኻት’ዚኦም፡ ብኣቀራርበኦም ይፈላለዩ እዮም። ገሊኦም ከምዚ ናይ ሓውና፡ ስነ-ስርዓት ጥራይ ዘይኮነስ ጥር ትብል ብስልቲ ነገር ዘይትረኽበሎም ዘይተራቐቑ ብእዋናዊ “ኣጆኻ” ብቐሊሉ ንገደል ዝጸድፉ እዮም። ገሊኦም ግን ረቀቕቲ እዮም። ንኣብነት ‘ኳ ሂትለር እንተወሰድና፡ ብሜላን ብቐስን ጀሚርዎ ስልጣን ምስ ሓዘ እቲ ናይ ጥፍኣት መደቡ ኣብ ጥርዙ ኣብጸሖ። ጀርመን ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ተሳዒራ፡  እቲ ስዕረት ዘስዓቦ ቑጠባዊ ኩነታት “ኣነ ጥራይ እየ ዝፈትሖ” ብምባል ሂትለር ሓደ ገስጋሲ ዝመስል ፕሮግራም ብምቕራቡ ተመሪጹ ኣብ ስልጣን መጺኡ። ስልጣን ምስ ሓዘ ቐስብቐስ እቲ ሳይጣናዊ ጠባዩ ተቐሊዑ። ዓሌት ኣርያን እቶም ዝበለጽና ኢና፡ ብሰንኪ ኣይሁዳውያንን ካልኦት ጎሓፋት ዓሌታትን ኢና ኣብዚ ወዲቕና ዘለና ብምባል እቲ ኩልና ንፈልጦ ህልቂት ወዲሰብ ስዒቡ። ኣብ ኣካባቢና እንተረኣና እውን ርዋንዳ ኣብነት እያ።

ናይዚ ሓውና ጸረ-ሰላም መናፍሕ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ወዮ ደኣ ኣበይ ክሰምረሉ እምበር። ንትግርኛ ዘዋጸኣና ሓደ ነገር እዩ ይብል። ንትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ጸሪቡ ከውጸኣ፡ ኤርትራ ድማ ካብቶም ካልኦት ኣህዛብ ከጽርያ ‘ሞ ሓደ ኣግኣዝያን ዝበሃል ሃገር ክምስርት እዩ እቲ ሕልሙ። ኣቱም ሰባት፡ ገሊኡ ሕልምታት መቸም መእሰርን መፍትሕን የብሉን። ጠገለ እውን ይጎድሎ እዩ። ትግርኛ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሩዓት ዜጋታት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ከምዘይኮኑ፡ ዓርክና በቲ ብወዝቢ ዝወደቖ ሕልሚ ዝሽሕጦም መሲልዎ ያኢ ዓዘፍ ይብል ኣሎ። ሰብ ትግረ ከምዚ ምስ ዝረኽቡ “ኢከጅል ክጀሎ እግሉ” ይብሉ። ትርጉሙ፡ ሕፍረት ንዘይስመዖ ሰብ ኣክንድኡ ኴንካ ሕፈረሉ። ዓይኒ-ኣንቑሪ እዩ ጉዳዩ። ግን እንታይ ክግበር ኣብ ሓደ ፕላነት ክንነብር እንዲና ተፈሪድና። ክሓፍሩ ካብ ዘይከኣሉ ንሓፍረሎም እምበር።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ደደቂሶም ጸኒሖም ስለዝበራበሩ እምበር እዚ ሓሳብ እዚ ሓድሽ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣግኣዝያን ዝብል እማመ ቅድሚ ሰብዓ ዓመታት ሓሊፍዎ እዩ።ሕጂ እውን ብሰላምን ኣገባብን ነቲ ሞጕሲዕ እንተኣዅማሰዖ ጸገም ኣይኮነን። ኣብዚ ሰብ’ዚ ዘሎ ብደዐን ጽልእን ገደብ ዘይብሉ ብምዃኑ ዝኾነ ቅሩብ ልብን ጭዋነትን ምቕላለን ዘለዎ ሰብ ክቕበሎ ዘይኽእል እዩ። ብሓጺሩ ነውርን ረሳሕን ዘረባ እዩ። ኣይልከፍን እዩ። ሕጂ እውን ከስምረሉ ዝደሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣህዛብ ዘዝንቦ ነውራም ዘለፋን ጽልኢ ዝተዃትኽን ዘመተ እዩ እምበር ነቲ “ክምስርቶ እየ” ዝብል ሃገረ-ኣግኣዝያንን ንዕኡ ዝምልከት ሓሳብን ኣይኮንኩን ዝቃወም። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ፡ ንመሰላት ካልኦት ከይጠሓሰ ዝለኸፎ ሕልሚ ክብርብርን ክፈትሕን መሰሉ እዩ። ኣብዚ ክጠቕሶ ዝደሊ፡ ሓደ ካልእ ትግራዋይ እየ ዝብል ሰብ ብስም ኣስላም ናብ ክርስትያን ዝቐንዐ ተመሳሳሊ ኣጸያፊ ዘረባታት ክዛረብ ርእየ። ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ነዚ ሰብ’ዚ እውን ዝምልከት እዩ። እዚ ሰብ’ዚ “ትግራዋይ እየ” ይብል።  መልሰ ግብሪ ናይዚ ንዛረበሉ ዘለና ሓው’ዩ ዝመስል። ትግራዋይ ይኹን ኤርትራዊ ወይ ወዲ ማርስ፡ ንሱ እውን መገዱ ዝሰሓተ ነውራም እዩ። ዕድለኛታት ኢና ህዝቢ’ዚ ዞባ (ኢትዮጵያዊ ይኹን ኤርትራዊ) ድርቅናን ጥሩፍ ተኸታልነትን (bigotry and zealotry) ኣየተኣናግድን እዩ። ትግራዋይ ይኹን ካልእ: ንሱ እውን ንኣስላም ዘይውክልን ንጹግን እዩ። ጭውነትን እሩም ጠባይን ዶብ ኣይፈልን እዩ።

ናብዚ ኤርትራዊ ሓውና ክምለስ። ሓቀኛ ስሙ እዮብ ገ/ስላሴ ምዃኑ እቲ ብናውራም ተግባራት ስርቅን ምጥፍፋእን ዝፈረዶ ቤት ፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ ይሕብር። ኣብ ዩ-ትዩብ ግን ተስፋጽዮን ዝብል ስም እዩ ከውሊ ገይሩ ነቲ ናይ ፈላላይን ጥፍኣትን ሃተውተዉ ዘሰራጩ። እቲ ከውሊ ደኣ ኣቀዲሙ ብግዱሳት ኤርትራውያን ተቐሊዑ እምበር። ሓው ኢሰያስ ኣስፈሃ (Issayas Asfeha)፡ ሓው ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፍሊፖ)፡ ኣወልከድር ዓብዱልሓፍዝ፡ ከምኡ እውን ንመርበባት ሓበሬታ ኤርትራ ዝከታተል ጉጅለ ኣብ Eriforum.com ዘውጸኦ ነዚ ውልቀሰብ ዝምልከት መግለጺ ገለ ካብቲ ዘንበብክዎ እዩ። ኣብቲ ብጋዜጣታት ዓዲ እንግሊዝ ወጺኡ ዘሎ ጽሑፍ፡ እዚ ሰብ እዚ ብሓሶት ዝሰነዖ ናይ 415, 000 ፓውንድ ስተርሊኒ (በቲ ኣብዛ ዝጽሕፈላ ዘለኹ ሳዓት ዘሎ መጠን ሕወላ (exchange rate) ክልካዕ እንከሎ ናይ $542, 446.5 ዓቐን ገንዘብ) ነተን ብኤድስ ዝሳቐዩ ኣፍሪቃውያን ዝሕግዛ ማሕበራት ሓገዝ ሂበ እየ እሞ ናይ ቀረጽ ምሕረት ይገበረለይ ብምባል ብሓሶት ኣመልኪቱ እዩ ተኸሲሱ።  ዝበዝሓ ናይ ምዕራብ ሃገራት ንግብረሰናይ ዝተዋፈሩ ንጥፈታት ከም መተባብዒ ተመላሲ ቀረጽ ስለዝህባ፡ ሓውና በዚ ሰናይ ግብሪ ተበሊጹ ናይ 100, 000 ፓውንድ ስተርሊኒ ክወሃበኒ ኣለዎ ኢሉ ኣመልኪቱ። እስኪ ንሕሰብ። ከመይ ዝበለ ሰብ እዩ ብዝሞቱ ሰባት ክህብትም ዝደሊ? ከመይ ዝኣመሰለ ኣእምሮ እዩ ብኣስማት ምዉታን ግዳይ ኤድስ ከይተረፈ ክረብሕ ዝደናደንን ዝሰርቕን? እዚሰብ’ዚ፡ ገለ ካብቲ ዝሰነዖ ኣስማት፡  እቶም ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ሓገዛት ክእክቡ ክብሉ ንሰብ ሰናይ ሕልና ክስሕቡ ኢሎም ዝዘርግሕዎ  (marketing) ኣስማት ግዳያት ይርከቦ።እቲ ኩሉ ግዜ ዘገርመኒ ድማ፡ ከመይ ኢሉ እዩ እዚ ሌባ፡ ንድኹማትን ሕሙማትን ሕልና ዘይገበረስ ንበዓል ታሪኽ ዝኾነን ሕቡንን ህዝቢ ትግርኛ ናብ መርሆ ክመርሓካ እየ ዝብሎ ዘሎ? ስግንጢር እዩ። ኣይኮነን’ንዶ? ንዝያዳ ኣብዚ ጠውቑ

እዚ ሃገርና እትርከበሉ ኣካባቢ፡ ኣብ ታሪኹ፡  ህዝቢ ንህዝቢ ኣናቚቱ ኣይፈልጥን እዩ። እቲ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን ውሱን ሓጎጽጎጻት ብፖሊሲ ፖለቲካኛታትን ኣማሓደርቱን እምበር ህዝቢ ዘለዓዓሎ ኣይኮነን። ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሕ ኣብነታት ክጥቀሱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ቀዳማይ፡ ክልቲኡ ሃይማኖታት ማለት ክርስትናን እስልምናን ብውዑያቶም ናብ ዞባና ብሰላም ኣትዮምስ ግሩምን ጨዋነት ዘለዎ ኣቀባብላ ተገይሩሎምስ በብቐስ ብሰላም ዓንቢቦም። ክልቲኦም ሃይማኖታት በቶም ኣብቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ዓድታት ብዝተገብረሎም ሃድንን ምጽላእን ዑቕባ ደልዮም ዝነገዱ ውሑዳት ውልቀሰባትን ንኡሳን ጉጅለታትን ዝተኣታተዉ እዮም። ክርስትና ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድሕረ ልደት-ክርስቶስ በቶም እምብርያጦርያ ሮማ ዘጋፈዓቶም ሰባት ተኣታትዩ። ደሓር ኣብ ሳልሳይ ክፍለዘመን ድሕረ ልደት ክርስቶስ ፍረሚናጦስ (Frumentius) ክርስትና ሃይማኖት ናይቲ ንግስነት ኣክሱም ዝቖጻጸሮ ዝነበረ ግዝኣት ክኸውን ጽዒሩስ ተዓዊቱ። ፍረሚናጦስ ንገዛእ ርእሱ ብቑልዕነቱ ምስ ንእሽቶ ዓርኩ ካብዛ ሎሚ ሶርያ ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ ሃገር እዩ ኣብ መርከብ ተሰቒሉ ናብ ዘይፈልጦ ኣንፈት ዘምረሐ ኮይኑ፡ ተሳፊሮማ ዝነበሩ መርከብ ብማዕበል ምስ ተበታተነት ተገፊዖም ኣብዚ ናይ ሎሚ ገማግምና ተታሕዙ። እቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ንኣኽሱም ዝገዝኡ ዝነበሩ ሰብስልጣን ተቐቢሎም ኣብቲ ሕ/ሰብ ክዓብዩን ክእለዩን ዕድል ሂቦሞም።ምስ ዓበዩ እውን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝኽእሉ ይንገሮም። ንሶም ግን ህዝብን ንግስነትን’ቲ ግዝኣት ስለዝፈተዉ ኣብኡ ክጸንሑ ወሲኖምስ ምስቶም ኣብኡ ዝጸንሕዎም ክርስትያን ብሰላም ጻዕርታቶም ይቕጽሉ’ሞ ኣብ መወዳእታ ፍረሚናጦስ ካብ ናይ ኣለክሳንድርያ ርእሰ-ጳጳስ ሺመት ወሲዶም ጳጳስ ንግስነት ኣኽሱም ክኾኑ ይበቕዑ።

እስልምና እውን ብተመሳሳሊ፡ ማይ ከይጠዓመ እዩ ናብ ዞባና ዝሰግር። ክርስትያናዊ ንጉስ ኣኽሱም ነቶም ዝህደኑ ዝነበሩ ቀዳሞት ሰዓብቲ እስልምና ዑቑባ ሂቡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሰላም ሃይማኖቶም ክመርሑ ኣተባቢዑዎም እዩ። እዚ ታሪኻዊ ዝኾነ ሰናይ ግብሪ’ዚ ኣብ ስነጽሑፍን ኣፈታሪኽን እስልምና ኩሉ ግዜ ዝለዓል እዩ።

እቲ ካልእ ጉዳይ ክብሪ ህዝቢ ዝምልከት እዩ። እቲ ተዛራባይ ትግርኛ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ትግራዋይ ክሩዕ ኢትዮጵያዊ እዩ። ንትግራይ ገሚዕካ፡ ኩሉ እቲ ኢትዮጵያውያን ዝሕበኑሉ ታሪኽ የለን ማለት እዩ። ሕጂ’ዶ እሞ ሓደ ብስም ግዳያት ኢይድስ ክረብሕ ዝሓሰወን ክሰርቕ ዝፈተነን ሌባ ብስም ህዝቢ ትግራይ ክዛረብ!!? ሕጂ’ዶ እሞ ንምዉታት ከራስሕን ክዘምትን ዒብ ዘይገበረ ንህሉዋትን ሰብ ጥዑይ ኣእምሮን ከስድዕ? ሎሚ’ዶ እሞ ንታሪኽ ብግምጥልሽ እናንበበ ንበዓል ታሪኽ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ክምድር?

ኤርትራዊ ትግርኛ ተዛራቢ‘ሞ እንታይ መግለጺ ከድልዮ ኮይኑ? ኣካል ንግስነት ኣኽሱምን ኣካል ናይቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ነበረ ዝበሃል ናይ ኣግኣዚ ጎሳ እዩ። ኣነ እውን ኣስላማይ ብምዃነይ ደኣ ኣብዚ ናይዚ ሓውና “ ሃገረ-ኣግኣዝያን” ክኣቱ ኣይክእልን እምበር፡ ሰራውረይስ ናብቲ ተዛራቢ ግእዝ ዝነበረ ነገዳት ኣግኣዝያን ይኸይድ እዩ። ብልክዕ ክዛረብ እንተኾይኑ ኣነ እየ ዝያዳ ኣግኣዚ። ምኽንያቱ፡ ካብ ትግርኛን ኣምሓርኛን፡  ትግረ እዩ ዝያዳ ናብ ግእዝ ዝቐርብ። ብዝኾነ፡ ተመራመርቲ ታሪኽን ስነ-ቋንቋን ከምዝሕብርዎ፡ ግእዝ ከም ዓብላሊ ቋንቛ ኣብ ኣካባቢ 700 ድ.ል.ክ. ኣብቂዑ እዩ። ከም ናይ ሃይማኖት ቋንቋ ግን ቀጺሉ እዩ። ስለ’ዚ፡ ኣግኣዝያን ዝበሃሉ ተዛረብቲ ግእዝ ኣህዛብ፡ ንተዛረብቲ ትግረ (ትግራይት)፡ ተዛረብቲ ትግርኛን ኣምሓርኛን ዝወለዱ እዮም። ተስፋጽዮን ግን ኣግኣዝያን ንተዛረብቲ ትግርኛ ጥራይ ከምዝምልከት ኣምሲሉ ከቕርቦ ይፍትን። ንሓበሬታ ጥራይ ዝኣክል፡ ኣቶ ተስፋጽዮን፡ ኣብ ግዜ ኣግኣዝያን፡ ትግርኛ ዝይኮነስ፡ ግእዝ ዝበሃል ቋንቋ እዩ ሰፊኑ ዝነበረ።

እቲ ካልእ ዘሻቅል ጉዳይ፡ ኣዘራርባ ናይዚ ሰብ ዓሌትነት ዝዓብለሎ ፋሽታዊ ምዃኑ እዩ። ህዝቢ ትግርኛ ብሰንኪ ኣስላምን ካልኦት ዓሌታትን (ኣምሓራ ከይተረፉ) ኣብዚ ኣብ ድኽነትን ጸገምን ኣቲና ዘሎና ይብል። እዚ ኩሉ ግዜ ዓሌታውያንን ፋሽስታውያንን ዘለዓዕልዎ ጉዳይ እዩ። ሃገራት ፖለቲካውን ቑጠባውን ብደሆታት ኣብ ዘጋጥመን ግዜ “ ርኢኹም ብሰንኪ’ዞም ዓሌት፡ ጎሳ፡ ሃይማኖት ኢና ኣብዚ ዓዘቕቲ ተኸቲትና ዘሎና” ዝብሉን ንየዋሃት ዘጋግዩን ርኹሳት ልኡኻን ጥፍኣት በብእዋኑ ቅልቅል ይብሉ እዮም። ብሓደ ብሄር ዝቖመ ሃገር (nation state) ምስ ምዕባለ ዘተኣሳስር ተዛምዶ (correlation) የለን። ሶማልያ ኣብነት እያ። ሓደ ህዝብን ሓደ ሃይማኖትን፡ ግን ከኣ ፋሕ-ብትን ዝኣተዋ ሃገር ኮይና ንረኽባ። ዓለም ምሉእ ክለቓቕባ እንተፈተነ እውን ተሓሊሉ ኣሎ። ብኣንጻሩ ብዙሓት ሃገራት ብዙሕነተን ኣኽቢረን ናብ ምዕባለ ይምርሻ ኣለዋ። ነቲ ኣስላማዊ መንግስታት ካርቱም ኣብ ልዕሊ  ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዝተኸተሎ ፖሊሲታትን ዘስዓቦ ናይ ምምዕብልና ሸለልትነትን ምግላልን ብምቅዋም ደቡብ ሱዳን ናቱ መንግስቲ ኣዊጁ። ንሱ ግን ፍታሕ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ሎሚ ደቡብ ሱዳን ናብ ፍጹም በታንን ኣዕናውን ኲናት ሓድሕድ የምርሕ ኣሎ። እቲ ናይ ጎሳ ግርጭታት ነቲ “ብሃይማኖት ሓደ ኢና፡ ስለ’ዚ ተፈሊና ክንምዕብል ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ” ተባሂሉ ዝተወስደ ናጽነት ናብ ኣባህራሪ ሕልሚ (nightmare) ተቐዪሩስ ደቡብ ሱዳን ኣብ ትልኽ እያ ዘላ። ፈጣሪ ሰላም ይሃቦ ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን። ብዙሕ ተጨኲኑን ንናጽነቱ ብዙሕ ከፊሉን እዩ።

ብዙሕነት ምኽንያት ድሕረት ኣይኮነን። እኳ ደኣ፡ እንተደኣ ግቡእ ፖሊሲ መንግስታት ሃልዩ፡ ብዙሕነት ሞተረ ምዕባለ እዩ። ብዙሕነት ማለት ሕ/ሰባት ዝተፈላለዩ ጥበባት (technologies)፡ ፍልጠትን ሞያን ብሰላም ዝቀባበሉሉ መራኸቢ (medium) እዩ። ባህልን ንሱ ዝሓቑፎ ስነጥበብን ስነጽሑፍን ኩሉ ንባህሪ ናብ ጠቕሚ ንምውዓልን ንምቑጽጻሩን ዝግበር ጻዕርን ናብቲ ኣካባቢ ንምዝርጋሕ ብዙሕነት ዓቢ ግደ ኣሎዎ። ግርጭታት ብሰላምን ብእንካን-ሃባን ንምዕራፎም ዝሕግዙ ጥበባት ዝጥጥዑሉ መዳይ እዩ። ብዙሕነት ነቶም ዝፈልጥዎ ሓይሊ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ንብዙሕነት ቴማ ዝገበረ ናይ ሎሚ ዓመት ፌስቲቫል ኤርትራ ዓወት እምነ። ፖለቲካ ተቐያያሪ እዩ። ህዝብን ሃገርን ግን ነባሪ እዩ። ከምኡ እውን እቲ ኣብ ርዮ-ዲ-ጀኔሮ ብራዚል ተኸፊቱ ዘሎ ኦሊምፒክስ ሓደ ካልእ መዘኻኸሪ ናይ ውህደት ብዙሕነት እዩ። ንኣትሌታት ኤርትራ ዓወት፡ ንተኸታተልቲ’ቲ ፌስቲቫል ድማ ጽቡቕ ግዜ እምነየልኩም።

ብዝኾነ፡ ብኸመይ ኢኻ ንከምዚኦም ሰባት ክተዘራርብን ክትካታዕን ትኽእል? ጸዓዱ “When you wallow with the pigs, expect to get dirty” ይብሉ። ትርጉሙ፡ “ኣብ እንዳ ሓሰማ እንተ ኣቲኻ ክትረስሕ ምዃንካ ፍለጥ/ተጸበ” ዝብል እዩ። ምስ ከምዚኦም ዘመሰሉ ሰባት ክትዘራረብ እንተዄንካ ኣብ ደረጅኦም ክትወርድ ኣለካ። ክትወርድ እንተክኢልካ ድማ ክትረስሕ ምዃንካ ፍለጥ። ረሲሕካ እንተትዕወት ከ? ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ኣብ ንሶም ዝውንንዋ ዓለም ብሕግታቶም ኢኻ ክትግዛእ። ኣብ ንሶም ዝፈልጥዎ ዒብ-ኣልቦ ዓለም ጨዋነት ዘለዎ ፍጡር ክዕወት ኣይክእልን። ስለ’ዚ፡ እቲ ዝሓሸ፡ ኣክንዲ ኣብ ናቶም ዓለም ጭቃ ምዃን ንዕኦም ብዘሰንብድ ስልቲ ምግጣሞም ኣማራጺ ዘይብሉ ስትራተጂ እዩ። እንታይ እዩ ዘባህርሮምን ዝስዕሮምን? እቲ ኣወንታውን ዘተሓቛቑፍን ዘሳንን ባህሊ ህዝብና ምልዓል። ዘተኣሳስረና ዘዛምደናን ብምጕላሕን፡ ነንሕድሕድና ብምርእኣይን ምትሕልላይን ጥራይ ኢነ ክንስዕሮም ንኽእል። ብዙሕነትና ሓይልና ምዃኑ ዘርኢ ተግባራት እዩ መልኣኮም ዘህድም። ስለ’ዚ፡ ኣብ ዝቕጽል ጽሑፍ ገለ ኣብነታት ናይዚ ክቡር ናይ ምትሕልላይን ምፍቓርን ብሓባር ብሰላም ናይ ምንባርን  ባህሊ እየ ክትርኽ።

ኣብ መወዳእታ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ንተዛረብቲ ትግርኛ ክልቲኡ ሃገራት ክብሎ ዝደሊ ኣሎ። ኣብ ኣህጉርና፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባና ዝተቐልቐሉ ግጭታት ፖሊሲ መንግስታት ዘለዓዓልዎም እምበር፡ ህዝቢ ንህዝቢ ጸሊኡ ዝተበገሱ ኣይኮኑን። እዚ ኣብዚ ግዜ ዓቐብ ዝመስለና ዘሎ ግጭት ክልቲኡ ሃገራት ምዕራፉ ኣይተርፍን። ቅድሚ ሕጂ ዝጠፍአ ህይወትን ዝበረሰ ንብረትን ይኣክል። ነቲ ናይ ታሪኽን ባህልን ምትእስሳር ንግዚኡ ንጎኒ ጎሲና፡ ናይ ቀረባ ዝኽርና እንተፈቲሽና፡ ክልቲኡ ህዝብታት ብሓባር ከምዝደመዩ ክንርኢ ንኽእል። ኣስከሬን ትግራዎት ኣብ በረኻታት ኤርትራ ኣሎ። ኣስከሬን ኤርትራውያን እውን ከምኡ ኣብ በረኻታት ኢትዮጵያ ኣሎ። መንግስታት እንተተጋገዩ፡ ከም ኣባግዕ ክንጉተት የብልናን። ኲናት ነበረያ-ነበረ ዝኾነሉን ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ብሰላም ዝነብሩሉን ዝሓርሱሉን ዝነግዱሉን ዘመን ክቀላጠፍ ሓላፍነት ኩሉ በዓል ሰናይ ድሌት ክኸውን ኣለዎ። እቲ ሽግር ፖለቲካ ዝፈጠሮ እምበር ብጎሳነትን ሃይማኖትን ዝተላዕለ ከምዘይኮነ ዘኪርና፡ ነቶም በብእዋኑ ውጥም-ቅልቅል ዝብሉ ልኡኻን ዕግርግርን ጥፍኣትን ዝኾኑ ወረበላታ፡ መልእኽቲ ክንሰደሎም ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዘሰንብዶም መልእኽቲ ድማ ግብራዊ ምክብባርን ምትሕልላይን ኣህዛብ እዩ። እዞም ሌባታት’ዚኦም፡ ሎሚ ነዚ ክሩዕ ህዝቢ’ዚ ነቲ ናይ ሰላም ሃይማኖቱን ነቲ ክቡር ታሪኹን ከመራስሑን ክቕይሩ (proselytize) ኣይክእሉን እዮም።

ሓይልና ሓድነት ህዝብና እዩ

ሰላምን ፍቕርን ንህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት

Mahmud Saleh

 

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s