Categories
Uncategorized

ደምበ ተቓውሞ፡ ብደሆታቱን ዕድላቱን (1ይ ክፋል)

ደምበ ተቓውሞ፡ ብደሆታቱን ዕድላቱን (1ይ ክፋል)

ብማሕሙድ ሳልሕ

ብቀዳምነት፡ ብምኽንያት ኢዮበላዊ በዓል ናጽነት ኤርትራ ንኹሉ ኤርትራውን ፈትው ኤርትራን ዮሃና ክብል እደሊ። ኤርትራውያን፡ እንኮላይ ዝበዝሑ ተቓወምቲ ህግድፍ፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምን ዝገብርዎ ዘለዉ ዉዕዉዕ ኣበዓዕላ መልእኽቲ ኣለዎ። ደጋጊሙ፡ ኤርትራውያን ልዕሊ ፖለቲካኛታቶም ዝበሰሉ ምዃኖም ዝሕብር ምልክት እዩ። ፖለቲካኛታት ኤርትራ ቅሩብ ልቢ እንተዘዕብዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብድሕነት ሃገሩን ሓድነቱን ኣዝዩ ዝግደስ ምዃኑ ንጹር ኮይኑ ኣሎ። እቶም ሃገራዊ ስምዒት ኤርትራውያን ቅሂሙ እዩ ዝበሉ ዕለተ-ናጽነት ሕማቕ ወረ ሒዛ መጺኣቶም። ነቶም መርበባት ማሕበራዊ-መራኸቢታትን ተጠቒሞም ብጸላምን ክውልውልን፡ “ኤርትራ ካብ ወለዶ ገድሊ ዘይትሓልፍ እያ። እዚ ወለዶ እዚ ምስ ሓለፈ ኤርትራ ሻቡ ናብ ኣደኣ ክትምለስ እያ” ክብሉን ንስማእታትና ክዝልፉን፡ ነቲ ዘሕብን ጉዕዞ ሓርነታዊ ተጋድሎና ከናሽዉ  ክውዕሉን ክሓድሩን ዝጸንሑ ውልቀሰባት፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓደን ዘየዳግምን መልእኽቲ ሰዲድሎም ኣሎ። “መርዛምን ኣቛናጻብን ኣባኣኣስን ሕንዝኹም ኣብ ባሕረ-ሓሳብ ኤርትራውነት ተበሪዙስ ሓይልን ጨናን ስኢኑ ባኺኑ እዩ”  ይብሎም’ሎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ “ንኤትራ ብምኽርዳንን፡ ምዕባርን፡ ምቕታልን ዝመጽእ ለውጢ ሰበብ ኣለዎ” ዝብሎም ዘሎ ይመስል።

ኣብዘን ዝቕጽላ ተኻታተልቲ ጽሑፋት፡ ንኽልተ ዓመታት ኣብ መድረኽ ክትዓት (forums) ከልዕሎምን ከብስሎምን ዝጸናሕኩ ሓሳባት መዕለቢ ክገብረሎም እየ። ኣባል ዝኾነት ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮንኩን። ምኽንያት ድማ ኣለዎ። ኣንባባይ ካብ ጽሑፈይ ክርደኦ ከም ዝኽእል ርግጸኛ እየ። ደጋፊ ህግድፍን ኣይኮንኩን። ብመንጽሩ እውን ካብተን ንዓመታት ብስም ተቓውሞ ክእከባን ክፈናጥሓን ክራብሓን ዝጸንሓ ውድባት ትስሕበኒ ውድብ ተሳኢና።  ስለ’ስዚ፡ ንኩሉ ዝብሎ ንውልቃዊ መርገጸይ ዝውክል ይኸውን። ንሎሚ ዝቐርብ ቀዳማይ ክፋል መበገሲ ሓሳብ ወይ ባይታ ናይቲ ዝመጽእ ጽሑፋት ኮይኑ፡ ዝቕጽል ዓንቀጻት ተቓውሞ እንታይ ማለት እዩ? መን እዩ ደላይ ፍትሒ መን እዩ ከ ሰራሒ ወይ ኣራጋጋጺ ፍትሒ? ኣብ መንጎ ለውጥን መንግስቲ ምልዋጥን ዘሎ ፍልልያት እንታይ እዮም? ኣቃውማን ኣጃማምራን ናይዘን ብስም ፍትሕን ደሞክራስን ዘጎሳጉሳ ውድባት ብሓቂ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ትሕዝቶ ኣለወን ድዩ? ንምዃኑ ፍትሕን ደሞክራስን ፍትሕን ክንብል እንኮለና እንታይ ማለትና እዩ? ሓባራዊ መረዳእታ ኣሎና ድዩ?

ገለ ካብዘን ብደይቲ ፍትሒ ከም ቃንጥሻ ዝራብሓ ውድባትን ምትእኽኻባትን ውልቀሰባትን  ኣክንዲ ዝያዳ ነቲ ዘቀራርቦም ነገራት ዘጕልሑ፡  ነቲ ዝፈላልዮም ጉዳያት ከተዓባብዩን ነቓዓት ኣክንዲ ዝዓጽዉ መሊሱ ከም ዝጋፋሕ ክገብሩ ይረኣዩ። ታሪኽን ብሄራውን ማሕበራዊ ኣቃውማ ዝወለዶም ፍልልያትን ኣቑሳልን ዘሕዊ መገዲ ኣክንዲ  ዝኽተሉ ብኣንጻሩ ነቲ ኣብ ኩለን እተን ኣብዚ ሃገርና ዘላቶ ኩነት ዕብየት ዘለዋ ሃገራት ዘርእያኦ ክፍታሕ ዝኽእል ሕብረተሰባዊ ፍልልያት ኣጋኒኖም ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘሎ ተርእዮ ከምዝኾነ ኣምሲሎም ከም  መሳርሒ ጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓታት ክገብርዎ ይርከቡ።  እዘን ናይ ተቓውሞ ውድባት እዚአን፡ ሓላፍነት ክስከማን ከመሓድራን ዝኽእላ ምዃነን ኣክንዲ ዘርእያ፡ ሓላፍነት ዘይስመዐንን ካብ  ስራሕ ቖልዑ  ሓሊፈን መተካእታ መንግስቲ ክኾና ከምዝኽእላ ዘረድእ ስራሕ ዘየበርከታ ክንሰን፡ ብዛዕባ ምቕያር መንግስቲ ክልፍልፋ ካብ ዝጅምራ ዕድመ ኤርትራ ኮይንወን። ገሊአንስ ዕድመአን ካብ ዕድመ ኤርትራን ህግድፍን ይዓቢ። ኣብዘን ዝቕጽላ ዓንቀጻት፡ ነቐፌታዊ ርኢቶታት ክህብ እየ። ፖለቲከኛ ስለዘይኮንኩ ድማ እታ ሓንቲ ንዓይ እተገድሰኒ ኤርትራ ብኩሉ መዳያታ ንቕድሚት ክትምርሽ እዩ። ኣብ ኤርትራ መን ይገዝእ ኣሎ ንዓይ ኣየገድሰንን እዩ። ኣስማት ውድባት ትርጉም ኣይህበንን እዩ። እዚ ነቶም ፖለቲኻኛታት ይኽበዶም። ኣብዚ፡ ስምዒትን ሓዳሪ ቅርሕንትታትን ንሓንጎልና ወኒኑ ኣንፈትን  ዕላማን ብዘይብሉ ኣገባብ እንጋልበሉ ዘለና ግዜ፡ ዝሓለፍናዮ መድረኻት ብነቐፌታዊ መጉልሒ መነጸር ምርኣዮም ኣገዳሲ እዩ።

መበገሲ ሓሳብደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝበሃል ኣሎ ድዩ?

ደምበ መአከብን መዕረፍን ሰፈር እዩ። ሰብን እንስሳን ዕለታዊ ውራዮም ከሳልጡ ውፍር ውዒሎም ልዋም ለይቲ ክሓድሩ ዝምለስዎ ቦታ እዩ። ስድራቤታዊ ወይ ናይ ኣዕሩኽ ዕለታዊ ውዕሎታትን ተረኽቦታትንን ዝዝተየሉን፡ ነታ ትመጽእ መዓልቲ መደባት ዝወጸሉን እዩ። መን ናብ ዓጺድ ይኸይድ፡ መን ምስ ካብቲ ይወፍር፡ መን ናብታ ኣብ ጎዶቦ ዘላ ሕጸ ይርከብ፡ መን ከ ናብ እንዳ ሓዘን ናይቶም ብድንገት ዝዓረፉ ዓቢ ሰብኣይ ይኸይድ፡  ምስ መን ዕርቂ ክግበር እዩ፡ እንዳ መን ከ ናብ ቤት-ፍርዲ ክጉተቱ እዮም…ኮታስ ህዱእ ዘተ ዝካየደሉን፡ ምክብባር ዝዓሰሎ ሃዋሁ ዝረኣየሉን ሰፈር እዩ። ደምበ፡ ውልቃዊ መደባትካ ኣብ ውሽጢ መደባት ኣባላት ናይቲ ደምበ እትሰርዓሉ ቦታ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ደምበ እንተደኣ ሓዪሉ፡ እቲ ውልቀሰብ እውን ብኡ መጠን ይሕይል። ናብ ናይ ሓባር መደባት ምትኳር ሓባራውን ዘላቕን ዓወት የጓናጸፍ።

ዓወት ናይ ሓደ ደምበ ዓወት ኹሉ ኣባሉ እዩ፣ ንኹሉ የድርርን የሰውድን። ዓወት ውልቀ-ኣባል ግን በይናዊ እዩ። በዚ መሰረት፡ ብመገዲ ምግድዳዕን በለጽን ዝመጽእ ውልቃዊ ዓወት ሓባራዊ ዋንንነት ዘይብሉን፡ ኣድማዕነት ዘይብሉን ንኹሉ ‘ቲ ደምበ ዘይባጻሕን ብእዋኑ ዝበንን መሰረት-ኣልቦ ይኸውን። ኣብ ውልቃዊ ጥሙሕን ዝናን ዝምርኮስ መደብ ዕዮን ዘምጸኦ ውልቃዊ ዓወትን፡ ኣክንዲ ጠማርን ኣዋሃሃድን ዝኸውን ምጥርጣርን ቅርሕንትን ዝዘርእ ሕንዚ ኮይኑ ነቲ ደምበ ዝፍሕቑን ዝበልዕን ዝበታትን ይኸውን።

ብኣንጻሩ ግን፡ ሓባራዊ ሱታፌ ዘለዎ መደብ ዕዮ ኣብ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣባላት ናይቲ ደምበ ሓባራዊ ናይ ይብጸሓንን ይግበኣንን ኒሕን መንፈስን ስለዘበጋግስን ዝሃንጽን ኩሎም ዝምልከቶም ኣባላት ናይቲ ደምበ ነቲ ሓባራዊ ዓወታት ከሰስኑን ክዕቅቡን ብልቦም ይሰርሑ። ሓባራዊ ዕላማታት ይንጸሩ፣ ምትእምማን ይዓቢ፣ ምስቲ ሓባራዊ መደባት ዕዮ ብዘይገራጮ ድማ ውልቀ-ተበግሶታት ናህሮም የዛይዱ። ብሓባር ዝተተለሙን፡ ናብ ናይ ሓባር ዓወት ዘንቀዱን፡ ተሳተፍቲ ኣባላት ናይቲ ደምበ ብዝሃብዎ ርኢቶታታን ምምኽኻርን ዝዕመም መደባት ዕዮ ስለዝኾኑ፡ ውድቀት ናይዞም መደባት ዕዮ ውድቀት ኩሉ ኣባል እዩ፣ ዓወቶም ድማ ዓወት ኩሉ ኣባል እዩ። ስለ’ዚ፡ ውድቀቶም ዝምነ ኣይህሉን። ብዓይኒ በለጽን ቃጻን ዝርእዮም እንተሎ ኣዝዩ ውሑድን ብእዋኑ ዝቃላዕን ዝውገንን ይኸውን። በዚ ድማ እቲ ደምበ ይዓቢ። ጸኒሑ ናብ ዓቢ ዓዲ ይቕየር። ቀጺሉ ድማ ናብ ከተማ። እቲ ምረሻ ይቕጽል።

ብመገዲ ሰላምን እሂን-ምሂን ምምኽኻርን ኣኽብሮትን ምትእምማንን ምሉእ ሱታፌ ኣባላቶም ዝተሃንጹ ደምበታት ሎሚ ዓበይቲ ዓድታት ኮይኖም ኣለዉ። ብኣንጻሩ፡ ስኒት ዝጎደሎ ኣገባብን ጎነጽን ናይ ጭፍለቓን ዕብለላን  መንፈስን ዝሰፈሮም ደምበታት ከይተበገሱ ይብርዕኑ፣ ወይ ድማ ተበጊሶም ይህሞኹ። ውልቃዊ ምትፍናንን ምጥርጣርን ናብ ጥርዙ ደዪቡ፡ እቲ ደምበ  ብውዲታትን ቃጻን ሽፍትነትን ይህወኽ’ሞ ኣማስይኡ ገረውረው ኢሉ ነበረያ-ነበረ ይኸውን። እዚ መበገሲ ሓሳብ’ዚ ናብታ ቀንዲ ነጥበይ የሰጋግረኒ።

ነደምበ ትብል ኣምር ከሰላስል ከለኹ፡ ኣንባባይ ነቲ ኣብዚ መበገሲ ሓሳብ ዝጥቀሱ ሓሳባት ምስቲ “ደምበ ፍትሒ” ወይ “ደምበ ተቓውሞ” ተባሂሉ ዝዝረበሉ፡ ደረቱን ቅርጹን ዘይፍለጥ ኣብ ሓንጎልና ጥራይ ዘሎ ረቂቕ ኣምር (abstract concept) ከዛምዶም እሓትት። ምኽንያቱ ተቓውሞን ደምበ ተቓውሞ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣምራት እዮም። ተቓውሞ ኣካል ሰውነትናን ምስ ሂወትን መንፈስን  ነብሰወከፍናን ጥቡቕ ህልውና ኣለዎ። ኣካል ህላዌ ወዲሰብ እዩ። ሓቂ እንተሎ ሓሶ ኣሎ። ምስምማዕ እንተሎ ምቅዋም ኣሎ። ደገፍቲ ካብ ሃለዉ ተቓወምቲ ክህልዉ ናይ ግድን እዩ። ሂወትና   በዞም ተጻረርቲ ዝቖመት እያ። ዘሰሓሕበናን ደም ዘሳሕናናን ግርጭት ስለዘሎ እዩ ምግምማዕን ናይ ዕርቂ ውዕላትን ውግኣትን ዘሎ- ግርጭት ናይ ኣንጻራት። ሓሳባትን ኣመለኻኽታን እንዳተጋጨዉ ሓድሽ ክውንነት ይፈጥሩ። እዚ ሓደ ወገን ዘይውንኖ ባህርያዊ ትዕድልቲ እዩ። ከም ረቂቕ ኣምር፡ ተቓውሞ ኩሉ ዝውንኖ ክኸውን እንከሎ፡ ደምበ ተቓውሞ ወይ ተቓዋማይ ውድብ ወይ ሰልፊ ግን ናይ ተግባር መኣንፈትን መሳርሕን (ኣልያ/action oriented means or mechanism) ኮይኑ እቶም ዘቑሙዎ ይውንንዎ።

ኩሉ ፍትሒ ዝምነን ዓመጽን ምልክን  ዝቃወም ደላይ ፍትሒ እዩ። ፍትሒ ዘተግብሩ ወይ ፍትሒ ዝረጋገጸሉ ሕ/ሰብ ወይ ኩነት ዝፈጥሩ ግን እቶም  ብግብርን ንተግባርን ዝተወደቡ ሰባት እዮም። ደምበ ንበሎም ውድብ ወይ ሰልፊ፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ እቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ነገር ረቂቕ ኣምር ዘይኮነስ ነቲ ረቂቕ ኣምር ክዉን ንምግባር ዝግበር ውደባ ወይ ስራሕ እዩ። ስለ’ዚ ግብራውን ተግባራውን ውድብ ወይ ደምበ ብተግባሩ ይህሉን ይነብርን ማለት እዩ። ዝሰርሕ እንተኾይኑ ይዕምብብ፡ ሰዓብቲ የጥሪ፡ ሚዛኑ እንዳኸበደ ስለዝኸይድ ድማ ነዊሕ ከይገበረ ምስ ተቓናቓኒኡ ኣብ ጃላነት በጺሑስ ሚዛን ሓይሊ ናብኡ ከም ዝዛዚ ይገብር። እቲ ተቓናቓኒ እውብ ዓዲ-ውዒል ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ንህላዌኡ ከናውሕ ክረባረብ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ጉዳይ  ብመን ዝያዳ ልቢ ህዝቢ ኸሲቡ ይፍታሕ። እቲ ዝያዳ ሃንቀውታ ህዝቢ ዘዳመጸን፡ መደባት ስርሑ ምስ ትጽቢት ናይቲ ህዝቢ ዝላዘብን ትርግታ ልቡ ምስ ትርግታ ህዝቢ ዝተሳነየን ረምታኡ ምስ ረምታ ህዝቢ ዝሰመረን እዩ ዝዕወት። እዚ ክኸውን እቲ ደምበ ደሙ እንዳሓጸበን፡ ሓንጎሉ እንዳሰሓለን ሓይሉ እንድ ኣጎልበተን ምስ ዝስጉም እዩ።

ነብሰወከፍ ወርሕን ዓመትን ካብተን ዝሓለፋ ዝበረኸት ምስ እትከውን ጉዕዞኡ ብእወታ ክልካዕ ይኽእል። እንተዘይኾይኑ ግን ብሸንኮለል ይፍለጥ። ተስፋ ዘንበሩሉ ይርብርቡ። ካልእ ኣማራጺ ኣብ ምንዳይ የተኩሩ። ምኽንያቱ፡ ሓደ ውድብ ወይ ደምበ መሳርሒ እዩ’ምበር፡ እቲ ህላዌኡ ጥራይ ከም ናይ መጨረሽታ ዕላማ ክውሰድ ኣይክእልን። ፖለቲካውያን ውድባት ብጹኣን ማሕበራት ጸሎት (መሳጊድ ወይ ኣብያተ-ክርስትያናት) ኣይኮናን። ነቲ ትጽቢት ዝተነብረሉን ንሰን ዝተመባጻዓኦ ፖለቲካዊ ሽቶ ከምጸኣ ድሌት ወይ ዓቕሚ ዘይብለን ምስ ዝረጋገጽ ወይ ድማ ንምጉልባተን ዝግበር ጻውዒታትን ፈተነታትን ጸማም እዝኒ ምስ ዝህባ፡ ህዝቢ ናብ ካልእ ኣማራጺ ከማዕዱ፡ ትጽቢታቱ ዳግም ክቓንን ባሃርያዊ እዩ።

ደምበታት ወ ውድባት መታን ክዕወቱ፡ ንውሽጣዊ ግርጭታቶም ብሰላም ከዕርፉን ናብ ኩሉ ዝረብሓሉ መእዝን (win-win) ከቕንዑ ዝኽእሉ ብውሑዱ ዓቕሚ/ፍልጠትን  ንዝበዝሑ ኣባላቱ ዘካትትን ዘርብሕን ራእይ ዘለዎምን ነቲ ራእይ ተግባራዊ ከምዝኸውን ዘተንብህ ትልሚ ዝሕንጽጹን ዘረድኡን ንነገራት ብበትሪ ሓቒ ዝመትሩን ተበዓት መራሕቲ የድልዩዎም። እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዝመጽእ ጽሑፈይ ክምለሶ እየ። ንሕጂ ግን ቅሩብ ነዛ ደምበ ትብል ኣምር ክድምድም።

ኣብ ላዕሊ ከም መበገሲ ዝወሰድክዎ፡ እቲ ብልማድ ደምበ ንብሎ ቦታ ወይ ሰፈር እዩ። እዚ ደረቱ እንዳ ተነጸረ ዝኸይድ ሰፈር፡ ብቦታ ጥራይ ኣይኮነን ዝልለ። እቲ ደረት ወይ ዶብ ዝሓቝፎ ካልእ ስነኣእምሮእዊ፡ ባህላዊ፡ ወሲባዊ፡ ማሕበራውን ሕጋውን ውህደት ይፈጥር። ስለ’ዚ፡ ደምበታት ናናቶም ዝልለየሉሉ ሕጋጋትን ካልእ ነቶም ኣኪቦሞሞም ዝርከቡ ኣባላት ካብ ካልኦት ኣባላት ዝፈልዮም ጠባያትን መዓልታዊ ርኽኽብን ዝምድናታትን ይፈጥሩ። ብሓጺሩ ኣባላት ናይ ሓደ ደምበ ካብቲ ካልእ ደምበ ዝፈልዮም ምኽንያት ነይርዎም ማለት እዩ። እቲ ደምበ ብምድኳኑ ድማ እቶም ፍሉያት ጠባያትን ጉዳያትን እንዳተነጸሩን እንዳ ተፈልዩን ይመጽኡ። ብኡ መጠን ድማ እቲ ደምበ ይዓብን ይዕምብብን ይፈርን።

ብኣንጻሩ፡ እቲ ዘቖሞም ምኽንያታት ግሉሓት ዘይኮኑን፡ ብውልቀ ደረጃ  ካብቲ ነንሕድሕዶም ዘተኣሳስሮም ምስ ጎደበኦም ዘራኽቦም ዝበዝሕ  እንተኮይኑ ግን እቲ ደምበ  ሓድነት ሓሳብን ተግባርን ይጎድሎ። ኣባላቱ መምስዝነፈሰ ንፋስ ይነፍሱ፣ መምስዝጎበዘን ዝሓየለን ጎረቤት ይኸዱ። ምኽንያኡ ካብቲ ምስቶም “ኣባላቶም” ዘራኽቦም ጉዳያት መምስጎረቤቶም ዘለዉ ደምበታት ዘራኽቦም ነገራት ስለዝበዝሑ። ናይ መንንነትን ቅልውላው ኣሎ ማለት እዩ።

ደምበታት ይድኮኑን ይፈርሱን እዮም። ዝበዝሕ ግዜ ኣቲ ኣብ ደምበ ዝጥርንፎም ዝነበረ ምኽንያት በብግዚኡ ምስ ዝሽርመም፡ ናይ በይናዊ ህላዌ ምኽንያት ይስእኑ’ሞ ከምታ በብቐስ ዝተኣካኸቡን ዝተጣየሱን ድማ በብቕርስ ይፈርሱ። ደምበታት ከምዝነበሩ ዛንታኦምን ዑናኦምን ጥራይ ከም ምስክር ይተርፉ። ምኽንያት መብረሲኦም ውሽጣዊ ወይ ግዳማዊ ክኸውን ይኽእል።  እቶም ውሽጣውያን ብደሆታት ኣብ ኣግኦምን ብግቡእን እንተዘይተፈቲሖም እቶም ዝያዳ ሃሰይትን ንምብትታን ዝያዳ ምኽንያትን ዝኾኑን እዮም። ጥዑይ ውሽጣዊ ሕጋጋትን ፍትሓዊ ኣመሓድራን ኣሳታፊ ሃዋሁ ምስ ዝህልዎም ውሽጣዊ ግርጭታቶም ብኣግኡን ብግቡእን ክፈትሑን ካብ ውድቀት ክድሕኑን ይኻሉ እዮም።

እንሓንሳብ ካብ ወጻኢ ዝመጽኦም ወራርን ራስያን ሽፍትነትን መታን ክብድሁ ነኣሽቱ ጎረባብቲ ደምበታት ብዝሖምን ሓይሎምን የሕብሩ’ሞ ሓደ ገዚፍ ደምበ የቑሙ። ሓድነት ይፈጥሩ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ንገዘፍቲ ጸላእቶም በብሓደ ገጢሞም ኣክንዲ ዝጠፍኡ፡ ንኡስ ዓቕምታቶም የሕብሩ። ንሓደ ጽሕጎ ክትብንጥሶ ቀሊል እዩ። ብዙሓት ጽሕጎታት ሓቢሮም ግን ሓደ ክብተኽ ዘይክእል ገመድ ይፈጥሩ። ኣብዚ ናይ ምሕባር መስርሕ ብዙሓት ነገራት ክለዓሉ ይኽእሉ። እቲ ሓደ ደምበ ኣበይ እዩ ዝቐውም (ኣየናዮም እዩ ነቶም ካልኦት ወኪሉ ዝድኰን?)፡ መን እዩ እቲ ሓድሽ ገጽ ወይ ሓላፊ ናይቲ ሓድሽ ምትእኽኻብ? እቲ ብውልቆም ከለዉ መምስ ጎራባብቶም ዝነበሮም ስምምዕን ውዕላትን ካልእ ጉዳያትን ብከመይ ይድቅስ? እቲ ሓድሽ ደምበ ዝህቦ ረብሓታት ብውልቀ ደረጃ ብከመይ ይባጽሖም? እቲ ዝቐውም ሓድሽ ደምበ ከ መጻኢ ዕቤቱ ናበይ እዩ (ናይ ዕቤት ስትራተጅኡ ወይ ፕላኑ ከመይ ይመስል)? እቲ በብውልቖም እንከለዉ ዝነበሮም ናይ ነዊሕ መደባት ብከመይ እዮም ናብዚ ሓድስ ናይ ሓባር መደባት ይካተቱ…?

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሕቶታት ፍልጠትን ተመክሮን ልቦናን ዘለዎም ተዛተይቲ የድልዮም። ምክብባር የድሊ። ምግድዳዕ ወይ ምጥልላም ዘይኮነስ ውልቃዊ ጉዳያት ብመጠኑ ጸቒጦም ናብ ናይ ሓባር ረብሓን ዝቛምቱ መራሕቲ የድልዮም። ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ቅርዑንን ሕማቕ ተመክሮን ጎስዮም ናብ ብሩህ መጻኢ ዝጥምቱ ላባማት የድልዩ። ብውልቀ-ደምበ ቀጺሎም ካብ ብጸላእቶምን መወዳድርቶምን ዝወሓጡ ምስቶም ዝያዳ ንዕኦም ዝመስሉ ሓቢሮም እንተነበሩ ዝያዳ ከምዝኸስቡ ነቶም ዘይተረደኦም ኣባላቶም ዘምህሩን ንጉዳያት ብበትሪ ሓቂ ዝመትሩን ተባዓትን ራእይ ዘለዎምን ንናይ ሓባር ዓወት ዝተዓጥቑን ዝተወፈዩን መራሕቲ የድልዩ።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s