መስጊድን ቤተ-ክርስትያንን ርሓቐለይ-ቅረበለይ ከይተበሃሃሉን ከይተራጒሑን፡ ንመዋእላት ጉጅም ክብሉላ ዝነበሩ፡ ዓደይ ዓዲ ስኒት!!! ኣብታ ንቀዳሞት ሰዓብቲ ምስልምና ዑቕባ ከም ዝሃበት ዝንገረላ ኣኽሱም፡ መስጊድ ከይስራሕ ከምዝተኣገደ ኸ ትፈልጡ’ዶ? ኣየ ደሞክራስያ ወያነ! ናይ ወያነስ ከም ሻሙ ምኾነ። ናይቶም ኤርትራውያን ወየንቲ ጉድ’ኮ ገዲዱና። ነዚ ህዝቢ ጥራይ ሰላም ሃብዎ። ንመን ከምዝሽይምን ንመን ከምዘሸይንን ባዕሉ ኣለዎ። —- ቸላ ዋእ፡ ንሰጉም ጥራይ። […]
Category: Uncategorized
ክቡር ዶ/ር ደብረጼን፡
ክቡር ዶ/ር ደብረጼን፡ ኣብ መንጎ ሓቀኛ ንብዓትን ንብዓት ሓርገጽን ዘሎ ፍልልይ ንፈልጥ ኢና። ሓደ ዓማጺ፡ ሓደ ረጋጺ፡ ሓደ ንዝፈረመሎም ውዕላት ዝጠልምን ንዘኸለሰቶ ኢድ ዝነክስን ወገን ተመሊሱ ክመጻደቕ ከሎ ኣየምሕረሉን እዩ። ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ( ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ)፡ ሽግር ከምዘየሎ ተደጋጊሙ ተረጋጊጹ እዩ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ጸገም የለን። […]
ሳልሳይ ክፋል ጻንሖት ምስ ህግደፍ pal talk
ኣብ ሕድሪ ጀጋኑና ፓል ቶክ ዝተገብረ ክትዕ
ሎሚ ኣብ ገዛ “ሕድሪ ጀጋኑና” ምስ ኣቶ ኪዳነ ሓጎስ ዝገበርክዎ ክትዕ። እቲ ናይ ክትዕ መደብ ብኣቶ ኪዳነ ዝሓጎስ ዝተጸወዐ እዩ ነይሩ። ኣቶ ኪዳነ ሓጎስ፡ ነቲ ኣብ ራድዮ ኤረና ዝገበርክዎ ቃለ-ምሕትት ክብድህ ዝደሊ ምንባሩን ምስኡ ክዛተ ቅሩብ እንተኴነ ብኣዳለውቲ “ሕድሪ ጀጋኑና” ተሓቲተ።ኣነ ድማ መርገጺታተይ ከብርህን ክከላኸልን ጸገም ከምዘይብለይ ድሕሪ ምግላጸይ ዝተዳለወ መደብ እዩ ነይሩ። ኣካል ናይቲ […]
ምስ ሕድሪ ጀጋኑና ዝተገብረ ክትዕ
Let the conversation begin. Eritrea Hdri Jeganuna October 25, 2019
እቲ ፍልልይ እንታይ እዩ?
እቲ ፍልልይ እንታይ እዩ? ቅድሚ ሕጂ ብደገ ኮይነ እዛረብን ኣማርርን እኸስስን ነይረ። ሎሚ ግን ኣብቲ ማሕበር፡ ኣብቲ ዳስ ኣትየ፡ ግብራዊ ተሳትፎ እናገበርኩ፡ ነቶም ዝግደሰሎም ዛዕባታት ብዘይስክፍታ ክድሕድሕ ከምዝኽእል ተማሂረ ኣለኹ። ስለምንታይ ደኣ ኣብ ደገን ኣብ ቁርን ዝሳጣሕ? ኣብቲ ዋዕዋዕ ዝብል ዳስ ይሓይሽ። ምስ ወፋሮ ተሓዊሰ ኣለኹ፡ ኢደይ ክሕውስ ኣለኒ። ክርህጽ ኣለኒ። ኢድካ ከይሓወስካ ዝፍጸም ዕዮ […]
ተባለ’ንዴ፡ ቅጺ 2
ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ “ተባሂለ”ኢሉ፡ ጀማዓትና ድማ ነዛ ኢንተርነት ቃልቃል ኣቢሎማ። እንታይ ከ ተባህለ? ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ መመረቕታ ናይ ሓድሽ ቤት-መንግስታዊ ፓርክ ተፈጺሙ ንብለኩም። እቲ ፓርክ ንብዙሓውነት ኢትዮጵያን ታሪኻን ዝገልጽ ተምሳላት ኣለዎ። ከም ኣካሉ ድማ፡ ታሪኽን ኣበርክቶን መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝሓቖፈ መርኣይታት ኣለዎ። ሃጸያት ሚኒሊክን ሃይለስላሰን፡ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ መለስ ዜናዊ፡ ሃይለማርያም ደሳለን ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድን የጠቓልል። ወዲ […]
