Categories
Uncategorized

ጽምዶ ምስ ሓው ቅድሚ ጓና

ኣሕዋት…ኣሕዋትና እንዳበሉ ኣጽሚሞምና። ኣብ ኣፍሪቃ ስግር ዶብ ሓው ዘይብሉ የለን። ኣሕዋተይ ዝብሎም ኣብ ስግር ዶብ ሱዳን መሊኦም ኣለዉ፡ ብደምን ብማሕበራዊ መዳያትን ዝዛመዶም። ጽቡቕ። እዚ ዝምድና እዚ ግን ነቶም ብዜግነት ኣሕዋተይ ዝኾኑ ካልኦት ኤርትራውያን ዘርሕቕ ክኸውን የብሉን። ብደረጃ ዜግነትን ብመንጽር ኤርትራውነት ምስ ዝረአ፡ ካብቶም ኣብ ስግር ዶብ ሱዳን ዝነብሩ እንዳታተይን ቀቢላይን፡ እቶም ኣብ ደቡብ ዳንካልያ ዝነብሩ […]

Categories
Uncategorized

ወዲ ሕድሩ 2ይ ክፋል

ወዲ ሕድሩ(II) ካልኣይ ክፋል ኣብ መስከረም 1976፡ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ክምስረት ከሎ፡ ክቕበሎም ዝጀመረ ተመሃሮ ኣብ ክልተ ክሊ ዕድመ እዮም ነይሮም። ኣዝዮም ነኣሹ (ንናይ ወለዶም ናብዮትን ፍቕርን ዝትክእ ኣተኣላልያ ዘድልዮም፡ ከምኡ እውን መዓልታዊ ምክትታልን ናይ ጽሬትን መግብን ሓገዝ ዘድልዮም፡ ብግምተይ ዕድሚኦም ክሳብ 11 ዓመት ዝነበረ)፡ ዓበይቲ ድማ (ካብ ብግምት 12 ክሳብ 16 ዓመት ኣቢሎም ዝኾኑ) […]

Categories
Uncategorized

ሓድሽ ምዕባለታት ኩነታት ኢትዮጵያ

ካልኣይ ክፋል ወዲ ሕድሩ ተዳልዩ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኩነታት ብቕልጡፍ ክቀያየር ርኢናዮ ኣለና። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ንካልኣይ ክፋል ወዲ ሕድሩ ግቡእ ኣቃልቦ መታን ክረክብ፡ ኩነታት ክሳብ ዝሃድእ ከጽነሖ መሪጸ ኣለኹ። ንሎሚ ግን ብዛዕባ እዚ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለ ቅሩብ ክብል። ብመሰረቱ፡ ኢትዮጵያ ጥዕና ስኢና ጸኒሓ፡ ሕጂ እሞ ናብ ከቢድ ፈተና ተደቕዲቓ ኣላ።1- ኣብ ክልል […]

Categories
Uncategorized

ወዲ ሕድሩ

ወዲ ሕድሩ ቀዳማይ ክፋል፡ መእተዊ  ደበና ኣብ ዘይህልወሉ ለይቲ፡ ንሰማይ’ሞ ጠምት። ዝተፈላለየ ድምቀት ዘለዎም ንዓይንኻ ዝማርኹ ከዋኽብቲ ትርኢ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ምስ ዑደት መሬት ብዝተኣሳሰር ዝኽሰት ምቅይያር ክፍለ-ኣዋርሕ (seasons)፡ ከምኡ እውን በቲ ንገዛእ ርእሶም ዘካይድዎ ምንቅስቃሳትን፡ ገለ ከዋኽብቲ ቦታታት ከም ዝቐያይሩ ነስተብህል። ገሊኦም ግን ኣብቲ ዝረኣየና ኣድማስ ድምቀቶምን ቦትኦምን ከይቀየሩ ንኣቓልቦ ወዲ ሰብ ዝስሕብን […]

Categories
Uncategorized

Tigray Elites’ Fantasy World

Tigray Elites keep beating drums of war targeting not only Eritrean sovereignty and the reversing of Eritrean independence but to totally dismantle Eritrean identity. Yes, I know it is a futile attempt…but let’s see if we can get into the genesis of this fantasy. Anyway, they told us this sick agenda in their 1976 founding […]

Categories
Uncategorized

ዳስ ወያነ ዝኣኻኸበቶም

ዳስ ሓዘን ወያነ ዝኣኻኸቦም ዘይራኸቡ ሰባት 1- ኣብዘን ዝሓለፋ 22 ዓመታት ንሓንሳብ’ኳ ተኣኪቦም ተሰማሚዖም ዘይፈልጡ ውልቀሰባት ኣብ ዳስ ሓዘን ወያነ ግን ተሰማሚዖም። 2- እዞም ንሓንቲ መዓልቲ’ኳ ኣብ ሓባራዊ መዕለቢ በጺሖም ዘይፈልጡ ውልቀሰባት ቃንዛ ዘሕፍር ስዕረት ወያነ ግን ኣሕቢርዎም። 3- ገሊኦም ዓስርተታት ዓመታት ዝገበሩ ፍሉጣት መጋበርያ ወያነ ዝነበሩ እዮም። ገሊኦም ድማ ኣብቲ ጸወታ ድሒሮም ዝተሓወሱ ግን […]

Categories
Uncategorized

ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ 19

ሓበረታ፡ እዚ ዝስዕብ ንኮቪድ-19 ዝምልከት ጽሑፍ፡ ከም ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘተ ተባሂሉ፡ ሸፈፍ ኢልካ ሓበረታ ንምልውዋጥን ብዛዕባ እዚ ክታበት ክሰምዖ ንዝጸንሓኩ ሻቕሎታት ንምቅላል ገለ መብርሂ እንተሃበ ብምባል እዩ እምበር፡ ውዱእ መልስታት ንምሃብ ኣይኮነን። ብተወሳኺ ድማ ነቶም ዕድል ክታበት ኮቪድ-19 እናሃለዎም ብሰንኪ ሕጽረት ሓበረታ ሰጊኦም ክሓልፍዎ ዝኽእሉ ዜጋታት ሓገዝ እንተኾነ ብምባል እዩ።  ንዝያዳ ፍልጠት ንሓካይሞም መታን […]

Categories
Uncategorized

Reform and transform/ኣመሓዪሽካ ናብ መቐይሮ

ብ24 ሰነ ዝወጸ “መልእኽቲ 20 ሰነ” ዝብል ጽሑፍ ብዙሕ መልሰ-ግብርታት ረኺቡ። ብዙሓት ኣንፈተይ ከም ዝቐየርኩ ገይሮም ከቕርብዎ ፈቲኖም። እቲ ሓቂ ግን፡ ኣነ ንመስርሕ እየ ዝድግፍ ነይረ እምበር ንመንግስቲ ወይ ንዝተወሰነ ውልቀሰብ ወይ ውድብ ኣይኮንኩን። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ለውጥታት ከተኣታቱ ዝተጸበኽዎ መስርሕ ንምዕዋት ዝሓሸ መሳርያ ክኸውን ይኽእል ካብ ዝብል እምነት እየ ደገፈይ ገሊጸ። […]

Categories
Uncategorized

ናይ ሕልና ወቕዒ…

ህዝቢ ኤርትራ ይብል ኣሎ ነቶም ዝበዝሑ፡ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሮም ግዜ ኣገዲድዎም ንኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ብንጽህና ንህዝቦም ዘገልግሉ ዘለዉን ማዕረ ህዝቦም ዝነብሩ ዘለዉን ምስጋና። I salute you. ይኹን እምበር፡ ኩሉ ብስም ሰማእታት ዝመሓለ፡ እዱብ ሕልና ከምዘይብሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ኮይኑ ይስመዓኒ። -እወ፡ እቲ ደምኩም ከይነቐጸ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ንብጾቱ ረሲዑ ንስልጣን ሃነፍነፍ ዝበለን ንብጾቱ ዘግደዐን […]

Categories
Uncategorized

ብወዝቢ

ሃንደበታዊ ናይ ሓሳብ ወቕዒ ክልተ ቃላት (ቅጽላት) ቅጭ ከምጸኣለይ ጸኒሐን። እታ ሓንቲ “ሃገራዊ” ክትከውን ከላ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ “ብጻይ” እትብል እያ። ክልቲአን ቃላት ኣብ ቦትአን እንተኣትየንን ብጥንቃቐ እንተ ተጠቒምናለንን ኣይጓደኣን እየን። ንፍሉይነትካ ወይ ንብሉጽነትካ ወይ ድማ ንተኣማንነትካ ክተርኢ ክትጥቀመለን ከለኻ ግን ነቲ ዝበዝሐ ሓፋሽ ብዙሕ ፋይዳ ዘይብለን ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ወይ ሰልፊ ጥራይ ዘድመዓ ኮይነን […]