ኣነስ ብዛዕባ እዞም ኤርትራ ከይኣትዉ ተኸልኺሎም ዝበሃሉ ዘለዉ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብዙሕ ዝፈልጦ የብለይን። ዝፈልጦስ እዚ ዝስዕብ እዩ። 1. ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ጸሎት የድሊ ኣሎ። ምኽሪ የድሊ ኣሎ። ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሰላም ብሓባር ምንባር ተሳኢንዎም። ብከራሩን ገዘሞታትን ይተሓራረዱ ኣለዉ። ኣብ ቅድመ ዓይኖም ሓደሽቲ “የሱሳት” ነጋዶ እና ጠጥዑን ንህዝቢ እና ኣደናገሩን ደኣ […]
Author: MS
ኣውያት ወያነ
ስርዓት ወያነ ዝቐርቀሮ የለን። ጠባያትት መራሕቲ ወያነ ናይ ሓደ ን30 ዓመታት ክጠብዎ ዝጸንሐ ጡብ ምሕዳግ ዕረ ዝኾኖ ህጻን የዘኻኽረኒ። ዘይዓቢ ጠባዊ ህጻን—ቀጨውጨውን ዕግርግርን። Tantrum ይብልዎ ተዛረብቲ እንግሊዘኛ። ከም ኤርትራዊ ኮይነ ነገራቶም ክዕዘቦ ከለኹ ዝረኣየኒ እንተሎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ካብ ሰላማውን ዓዳምን ተበግሶታት ምውሳድ፡ መራሕቲ ወያነ እዚ ኩሉ ነውጽን ናዕብን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እናዘርኡ፡ […]
ተዘክሮታተይ ብዛዕባ ለበዳታትን ካልእን
ተመክሮይ ምስ ተመክሮ ሰውራ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝተኣሳሰር እዩ። ስለ’ዚ፡ ሓፈሻዊ ንህዝብን ተጋዳላይን/ሰራዊትን ዘስግእ ለበዳታትን ካልእ ጥዕናዊ ስግኣታትን ኣብ ዝተቐልቀለሉ ግዜ ህዝባዊ ግንባር እንታይ ይገብር ከምዝነበረ ቅሩብ ካብ ተዘክሮታተይ ከካፍል። ዓበቕ፡ እዚ እቲ ቀዳማይ ዘጋጠመኒ ለበዳ ነይሩ። ኣብ 1977 ይኸውን ንእሽቶ ጉጅለ ደረፍትን ተዋሳእትን ዝሓዘት ጉጅለ ንሓራ ከተማታት ዜርና ምስ ተመለስና፡ […]
ማሕበር ሃገራት ዓርብ ብ 22መጋቢት 1945 ተመስሪቱ። ዕላማ እቲ ማሕበር ነቲ ብታሪኽን ባህልን ዝተኣሳሰር ህዝብታት ዓረብ እንተተኻእለ ንፍጹም ሕብረት፡ እንተዘይተኻእለ ድማ ኣብ ሓባራዊ ናይ ምክልኻልን ናይ ወጻኢን ናይ ቁጠባን ደምበ ከም ዝጥርነፍ ንምግባሩ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን ብግስ ከይበለ ዝሑል ኲናት ኣርከቦ። ሃገራት ዓረብ ካብቲ ናብ ውሽጢ ዝስሕበን ናይ ስኒትን ሓድነትን ሓይሊ፡ እቲ ንግዳም ወጢጡ […]
ኣብ ሃገርና ሳዕቤናት ኮሮና ቫይረስ ንምድራት
ድሮ ኣብተን ቀዳሞት ሳምንታት፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝቕመጡ ዶክተራትናን ሰብ ሞያ ጥዕናን ተኣኻኺቦም፡ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ ዝምርምር ናውቲ ሰዲዶም ከም ዝነበሩ ፈሊጠ ነይረ። ሕጂ እውን ጭቡጥ ኣበርክቶታትን ወፈያታትን ክግበር በብወገኑ ምንቅስቃሳት ይግበር ከምዘሎ እሰምዕ ኣለኹ። እንተኾነ ግን ምውህሃድን ምስፋሕ እቲ ናይ ወፈያ ሰኪዔትን ዘድሊ ዘሎ ይመስለኒ። በዚ መሰረት፡ እዚ ዝስዕብ እማመ ናብ ኤርትራውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን […]
ህዝባዊ ግንባር ናይ ህዝቢ እዩ
ኣብዚ ማሕበራዊ ሚድያ ዘሎ ምግጭጫብ ክዕዘብ ከለኹ ከምዚ ሻዕብያ ብውልቂ ዝውንንዎ ናይ ሼር ካምፓኒ ኣምሲሎም ዝዛረቡ ሰባት እርኢ’ሞ ይገርመኒ። ናይ ብስለት ጉዳይ እዩ ዝኸውን። ብላሽ’ኮ ኣይኮነን ህዝባዊ ተባሂሉ። ሻዕብያ ዋንነት ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ጽላል ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ነቶም ወረቀት ኣባልነቱ ዝተቀበሉ ወይ ኣብ መሳርዑ ዝተጋደሉ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ኣባልነቱ ዘይብሎም ወይ ኣብ መሳርዑ […]
መኸተና በዓል ክልተ ብልሒ ንግበሮ
እቲ ሓደ ብልሒ ንደገ ዝጥምት፡ እቲ ሓደ ብልሑ ድማ ንውሽጢ ከም ህዝቢ ብዛዕባ ውሽጣዊ ኩነታትና ክነልዕልን ክንመያየጥን ኣገዳሲ እዩ። ብዙሕ ዘሰክፍ የብሉን ድማ። ርኢቶ ኣብ ንህበሉ ከኣ ብዘይካኺ/ኻ ካልኦት ኣሕዋትክምን ኣሓትክምን ብዛዕባ እዛ ንፈትዋ ሃገርና ይግደሱ ምዃኖምን ብዝመስሎም ክዛረቡሉ ድማ መሰሎም ምዃኑ ምፍላጥን ምክባርን ጽቡቕ እዩ። ዘይምኽኑይ ስክፍታታትን ንሱ ዘንቀሎ ዘይቅቡል ተኻላኻልነትን ዓንቀጽቲ ምዕባለ እዮም። […]
ክቡራት ሓለፍቲ ህግደፍን መንግስትን
[ነዚ ከይበልኩ እንተ ሓለፍኩ ሓላፍነተይ እዝንግዕ ኣለኹ] ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰሚናራት ክተካይዱ ተዓዚበ። ከምዚ ዓይነት ተበግሶታት ጽቡቕ ‘ኳ እንተኾኑ፡ ደንጉዮም ደድሕሪ ርሱን ክትዓትን ምዕዝምዛማትን ህዝቢ ዝስዕቡ ስለዝኾኑ፡ ንመማእዘኒ ናይቲ ድሮ ዝዓመረ ሕቶታትን ጠለባትን ህዝቢ እምበር ከም መበገሲ ሓበረታ ወይ ከም መርሓ ስራሕ ኮይኖም ህዝቢ ኣብኦም ተመርኲሱ ንሕቶታቱ ኣቀዲሙ መልሲ ክረክብ ይኹን ከም መወከስን መበገስን መደባት […]
እዚ ናይ ጀማዓትና ነገር ሲ…
እዚ ናይ ጀማዓትና ነገር ሲ… ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ስምምዕ ምስ ተፈራረማ፡ ኢሰይያስ ንኤርትራ ሸይጥዋ” ክበሃል ሓግዩስ፡ ሎሚ ድማ ፕረሲደንት ኢሳይያስ “ወያነ ነቲ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ኮይኑ ዝተደንገገ መሬት ናይ ትግራዎት ሰፈራታት የስፍረሉ ኣሎ፡ እዚ ድማ ሱቕ ኢልና ኣይንርእዮን” ዘስምዕ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ብቐጥታ ዝምልስ ዘረባ ምስ ኣውጸአ፡ “ኢሳይያስ ኲናት ክውልዕ ደልዩ፡ ኣይትተሃመል ኤርትራዊ” ክበሃል […]
ፈንቅል ንልምዓት፡ ውራይና እዩ።
ውራይና እዩ፡ part two ፈንቅል ንልምዓት ብምኽንያት ስርሒት ፈንቅል፡ ሓርበኛታት ስንኩላት ኲናት ኤርትራ ንምሕጋዝ፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ከተማ ስያትል ናይ ድራር ግብጃ ገይሮም። ኣዝዩ ምዉቕ ዝኾነ ምሸት ኣሕሊፍና ገና እውን ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ስርሒት ፈንቅል፡ ዝተሳተፉ ሓርበኛታት ዝኽርታቶም ኣካፊሎም። ምስ ታሪኽን ብደሆታትን ሓርበኝታት ኲናት ኤርትራ ብምዝማድ ኣሳታፊ (interactive) ዝኾነ ናይ ዘተ ፓነል ተኻዪዱ። ወፈያታት ይቕጽል ኣሎ። […]
