ኣሕዋት…ኣሕዋትና እንዳበሉ ኣጽሚሞምና። ኣብ ኣፍሪቃ ስግር ዶብ ሓው ዘይብሉ የለን።
ኣሕዋተይ ዝብሎም ኣብ ስግር ዶብ ሱዳን መሊኦም ኣለዉ፡ ብደምን ብማሕበራዊ መዳያትን ዝዛመዶም። ጽቡቕ። እዚ ዝምድና እዚ ግን ነቶም ብዜግነት ኣሕዋተይ ዝኾኑ ካልኦት ኤርትራውያን ዘርሕቕ ክኸውን የብሉን። ብደረጃ ዜግነትን ብመንጽር ኤርትራውነት ምስ ዝረአ፡ ካብቶም ኣብ ስግር ዶብ ሱዳን ዝነብሩ እንዳታተይን ቀቢላይን፡ እቶም ኣብ ደቡብ ዳንካልያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዓፈርን እቶም ኣብ ዛላንበሳን ዓዲዃላን ዝነብሩ ኣሕዋተይ ኤርትራውያን ኣባላት ብሄረ ትግርኛን ይቐርቡኒ።
ኤርትራውነት ዘይቅህም ቀንዴል መንፈስና እዩ።
