Categories
Uncategorized

ዳስ ወያነ ዝኣኻኸበቶም

ዳስ ሓዘን ወያነ ዝኣኻኸቦም ዘይራኸቡ ሰባት

1- ኣብዘን ዝሓለፋ 22 ዓመታት ንሓንሳብ’ኳ ተኣኪቦም ተሰማሚዖም ዘይፈልጡ ውልቀሰባት ኣብ ዳስ ሓዘን ወያነ ግን ተሰማሚዖም።

2- እዞም ንሓንቲ መዓልቲ’ኳ ኣብ ሓባራዊ መዕለቢ በጺሖም ዘይፈልጡ ውልቀሰባት ቃንዛ ዘሕፍር ስዕረት ወያነ ግን ኣሕቢርዎም።

3- ገሊኦም ዓስርተታት ዓመታት ዝገበሩ ፍሉጣት መጋበርያ ወያነ ዝነበሩ እዮም። ገሊኦም ድማ ኣብቲ ጸወታ ድሒሮም ዝተሓወሱ ግን ንዝሓለፎም ግዜ ክምልኡ ናይ ሓይለበኦም ዝጎዩ ዝነበሩ እዮም። ገሊኦም ብናይ ጉጅለ ወይ ናይ መሳቱ ጸቕጢ (peer/group pressure) ዝተሓወስዎ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ዝበዝሑ ግን ኣብዚ ጸወታ’ዚ ገዳይም ወይ ክኢላታት (seasoned) እዮም።

4- ናይ ሓባር ረቋሒ ግን ነይርዎም። እቲ ኲናት ወያነ ምስ ወለዖ ዳርጋ ህይወት ዘሪኦም ነይሮም። ወያናይ ባርዕ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ንኤርትራ እውን ክልብልብ እዩ ዝብል ክቱር እምነት ነይርዎም። “ምስ ወያነ ክንሰርሕ ኢና”፡ ትግራይ መበገሲ ቃልስና እዩ” ስምረት ሓሙሽተ ውድባት”፡ “ ናይ ሓባር ናይ ምውህሃድ ሓይሊ ዕማም”—ወዘተ ክካየድ ጸኒሑ። ኩሉ ነቲ ወያነ ከካይዶ ዝዳለወሉ ዝነበረ ኲናት ቅድመ-ምድላዋት እዩ ነይሩ። ብወገን ሚድያ እውን ኣዝዩ ጥቡቕ ዝኾነ ናይ ስራሕ ምውህሃዳት ክግበር ጸኒሑ። ሎሚ ከምቲ ንርእዮ ዘለና ኣብ መንጎ ሚድያታት “ግዱሳት ኤርትራውያንን” ኣብ መንጎ ሚድያ ዲጂታል ወያነ ፍልልይ’ኳ ዝበሃል የለን።

5- ናይ ብሓቂ ግዱሳት እንተዝኾኑ፡ ወያነ ናብ ኲናት ገጹ ከምርሕ ከሎ እዮም ክተኣኻኸቡን ክታማቶም ናብ መቀለ ክሰዱን ዝነበሮም። ኣብ መግለጺኦም ብዛዕባ ጠንቂ እቲ ኲናት ከይተንከፉ እዮም ንፕረሲደንት ኢሳይያስን ዶ/ር ኣቢን ዝነቕፉ።

ሀ- መን እዩ ነቲ ኲናት ወሊዕዎ? መን እዩ ጠንቂ ናይ’ቲ ኲናት?

ለ- ኢትዮጵያ ትኹን ኤርትራ ከ ናይ ርእሰ ምክልኻል መሰል የብሎምን እንድዮም?

6- እዞም ውልቀሰባት እዚኦም በቲ “ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝግበር ምትእትታው” ዝግደሱ እንተልዮም፡ ስለምንታይ እዮም ነቲ ኣብዘን ዝሓለፋ 22 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክግበር ዝጸንሐ ርኡይ ናይ ወጻኢ ዓመጽን ምትእትታውን ዘይተቃወሙን ንማለቱ ሓንሳብ ብሓባር ክታሞም ዘየንበሩን? ብኣንጻሩ መብዛሕትኦም ከም ርእሲ ኲናት ናይ’ቲ ወያነን ኣሸቀልቶምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከውርድዎ ዝጸንሑ ግፍዓዊ ፖሊሲታት ኮይኖም ነይሮም። ዝኾነ ሞራላዊ ልዕልና ዘይብሎም ሰባት ኮይኖም ንህዝቢ ኤርትራ ዳግም ብሞራላዊ ሓለንጊ ክቐልጡ ዝተኣኻኸቡ እዮም።

7- ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዝወርድ ሃሰያ ዘሕዝነኒ’ኳ እንተኾነ፡ መን እዩ ነዚ ኲናት ኣብ መሬት ትግራይ ክርም ዝካየድ ዝገበረ? ኲናት ጸወታ ኣይኮነን። ንህዝቢ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ሶማልን ሱርያን የመንን —ተመልከቱ። ኣብ ኲናት ዕንወት ኣሎ። ወላ እቲ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ዝውንን ኣሜሪካ እውን ንዒራቕን ኣፍጋንስታንን ኣዕንይወን እዩ፣ ሚሊዮናት ግዳያት እቲ ኲናት ክሳብ ሎሚ ተመዛቢሎም ኣለዉ። ስለ’ዚ፡ ዶ/ር ደብረጼን ኣይትሓዙኒ ክብል ከሎ ኲናት ከይላዓል ዝገበርዎ ምትእኽኻባት እንተዝነብር ከመይ መጸበቐሎም ነይሩ። ሕጂ ግን ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ!!

8- ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ምትእኽኻብ ድማ፡ ሎሚ እቲ ቀንዲ መጋቢኦም ዝነበረ ደጀን ወይ ዕርዲ ወያነ ስለዝፈረሰ፡ ናብቲ ዝለመድዎ ናይ ግብረሰናይ ውድባትን መንግስታትን ምምላስ እዩ። ከምቲ ጻዓዱ ዝብልዎ back to square one. ብወያነ ዘይተረኽበ ዓወት በቶም ዝለመድዎም ማሕበራት “ግብረሰናይ” (ግብረ-እከይ ምባለን ይሓይሽ) ኣቢልካ መንግስቲ ምግልባጥ እዩ። እምበር ብኩነታት ህዝቢ ትግራይ ተሻቒሎም እዮም ዝብል እምነት የብለይን። ብዝኾነ፡ ብፍጹም ኣብ ቁምነገር ዘይሰማምዑ ውልቀሰባት ኣብ ዳስ ሓዘን ወያነ ተኣኪቦም ርኢናዮም ኣለና። በብሓደ ድማ ንላለዮም።

ፈረምቲ // نوعقوملا // Signatories

Abdalla Adem Omer, UK Abeba Baatai, USA Abraham T. Zere, USA Ahmed Saleh Al Qaisi, Yemen Ahmed Youssouf Mohamed, Canada Aklil Hailu, USA Almaz Zerai, Switzerland/Germany Amal Saleh, UK Amanuel Mehreteab, USA Araya Debessay, USA Arhe Hamednaca, Sweden Asghedet Mehreteab, USA Ashebir Jacob, USA Assefaw Tekeste, USA Awet T. Weldemichael, USA/Canada Ayah Said, USA Bereket Habte Selassie, USA Berhan Ahmed, Australia Binega Adhanom Markos, Canada Chefena Hailemariam, UK Daniel Mehari, UK Dawit Gebremeskel, USA Dawit Mogos, Canada Efrem Yohannes, USA Elias Habte-Selassie, Kenya Elsa Tekle, USA Eseyas S Tsehaye, USA Feruz Kaissey, UK Freweini Ghebresadick, Germany Gebremedhin Yohannes, USA Ghirmai Negash, USA Habret Berhe, USA Habteab B. Feseha, USA Habteab Yemane, Switzerland Habtom Habte, USA Haddish Tesfayohannes Hagos, USA Haikel Negash, USA Haile Debas, USA Hailemichael Yosief, USA Hana Abdurahman, USA Helen Kidan, UK

Jemal Ali Khelil, Canada Jemila Seid Hamid, Canada Kassahun Checole, USA Kebreaab Teklegiorgis, USA Kesete Haregot, USA Khedijah Ali Mohammed-Nur, UK Kheiria Sheriff Adem, Canada Meron Estefanos, Sweden Mesfin Ahferom, UK Michael Teckle, Canada Mohamed Kheir Omer, Norway Mussie Tesfagiorgis, Canada Nazareth Amlesom Kifle, Norway Netsenat Berhane, USA Omar Huruy, USA Paulos Tefagiorgis, USA/Canada Rahel Weldu, USA Saba Tesfayohannes Kidane, USA Sabine Mohamed, Germany Saleh “Gadi” Johar, USA Saleh Younis, USA Sarah Ogbay, UK Selam Kidane, UK Simon Y Aman, USA Teclesenbet Teclai, Germany Tedros Amanuel, Sweden Tekle Melekin, Sweden Tesfai “Degiga” Weldemichael, USA Tewolde Mehari, Canada Timnet Gedar, USA Tomas Solomon, USA Tsigabu Asmelash, USA Tsigheyohannes Kidane, Netherlands Uoldelul Chelati Dirar, Italy Woldu T. Debessai, Canada Yassin Abrahim, USA Yohannes Haile, Canada Yohannes Tseggay Berhe, UK Yonatan T. Tewelde, USA Yordanos Habtemariam, USA

=======================

ክታሞም ዘንበሩሉ ጽሑፍ ድማ፦

“Statement of Concerned Eritreans Regarding the Civil War in Ethiopia” ኢልኩም ጉጉል ግበርዎ።

Leave a comment