Categories
Uncategorized

ናይ ሎሚ ጠብላሕታ!!

መስጊድን ቤተ-ክርስትያንን ርሓቐለይ-ቅረበለይ ከይተበሃሃሉን ከይተራጒሑን፡ ንመዋእላት ጉጅም ክብሉላ ዝነበሩ፡ ዓደይ ዓዲ ስኒት!!!

ኣብታ ንቀዳሞት ሰዓብቲ ምስልምና ዑቕባ ከም ዝሃበት ዝንገረላ ኣኽሱም፡ መስጊድ ከይስራሕ ከምዝተኣገደ ኸ ትፈልጡ’ዶ? ኣየ ደሞክራስያ ወያነ! ናይ ወያነስ ከም ሻሙ ምኾነ። ናይቶም ኤርትራውያን ወየንቲ ጉድ’ኮ ገዲዱና።

ነዚ ህዝቢ ጥራይ ሰላም ሃብዎ። ንመን ከምዝሽይምን ንመን ከምዘሸይንን ባዕሉ ኣለዎ።
—-
ቸላ ዋእ፡ ንሰጉም ጥራይ። ዘርከበ የርክብ፡ ከርክብ ዘጸግሞ ኢድና ዝርጉሕ እዩ። ተፈደል፡ እቶ፡ ተዛተ፡ ተጋባእ፡ ሕፍንፍን በል…እዋናዊ መርሓና እዩ። ንቕድሚት ጠምት፡ ዓፍራ ከይትረግጽ እናተጠንቀቕካ ሰጉም።

Image may contain: outdoor

Leave a comment