ኣብ መሰረታውያን ሃገራዊ ጉዳያት ንዕሰል

ኣብ መሰረታውያን ዝኾነ ጉዳያት ሃገር እንተተፈላሊኻ፡ ብፖሊቲካዊ ፍልልይ ጥራይ ኣይግለጽን። ፖለቲካ ንህልውናን ልኡላውነትን ሃገር ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ክፈላልየና ኣይክእልን። ዝፈላልየና ዘሎስ ካብ ፖለቲካ ንላዕሊ እዩ።
 
ሎሚ፡ እቲ ግጥም፡ ኣብ መንጎ እቶም እዚ ብኽንደይ ክሳራታት ዝተሰብረ ከርዶን ንሓዋሩ በጠስጠስ ኢሉ ኤርትራ ናብ ልምዓት ክትምርሽ ዝጽዕሩን ኣብ መንጎ እቶም ሓሊኾም ዳግም ክቕፍድዋ ዝደልዩን ዝግበር ርብርብ እዩ። ኣብ መንጎ እቶም ነዚ ክንደይ ዋጋ ዝተኸፍሎ ሰላም ነባሪ መታን ክኸውንን ኤርትራ ድማ ናብ ህንጸት ቁጠባኣን ፖለቲካዊ መሳርዓን ክተድህብ ዝደልዩን ኣብ መንጎ እቶም ዕግርግር ፈጢሮም መሳርዕና ክብትኑ እሞ ብጃንጥላ ናብ ኮረሻ ስልጣን ክዘሉ ዝደልዩን ዝግበር ግብግብ እዩ።
 
ሎሚ እውን እቲ ካልእ ኲናት ብኻልእ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ቀንዲ መርኣያ ድማ ንሃገር ምክልኻል ከም ንፕረሲደንት ኢሰያስ ምግልጋል ጌርካ ምቕራብ፡ ንሃገር ምስራሕ ድማ ከም ባርነት ምቑጻሩ ንዓመታት ተሰሪሕሉ። ሕጂ እውን ይስረሓሉ ኣሎ።
 
እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝመለኾም ሰባት ድማ እዮም “ዝሓሽና ኢና” ዝብሉና ዘለዉ። ብዝኾነ፡ ብዘይካ ጸገማትና እናፈታሕና ንቕድሚት ምምራሽ ካልእ ኣማራጺ ኣይረኣየንን። ንሃገር ዘገልግል ሰብ እቲ ጥርዚ ንቕሓት ዝበጽሐ እዩ። ከምኡ እንተዝኸውን።
ስለ’ዚ ኣብ መሰረታውያን ሃገራዊ ጉዳያት ክንዓስል ዝኽልክል ፖለቲካዊ ምኽንያት ክህሉ ከቶ ኣይክእልን።

“ሕጽርኻ ክተመሳስል፡ ንነዋሕቲ ክተሕጽር ኣለካ” ፍቱን ፍልስፍና ካድራት ወያነ

ኣልኣይ ክፋል

ማሕሙድ ሳልሕ

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል፡ ብዛዕባ እቲ ካድራት ወያነ ብዛዕባ ወተሃደራዊ እስትራተጂ ህዝባዊ ግንባር ክፈላሰፉ ዘምጽእዎ ተደጋጋሚ ነቐፌታ ኣልዒለ፡ እቲ ብሂል ንነብሰ-ምልዓልን ንምምዳርን ዝመጽእ እምበር ዝኾነ ወተሃደራዊ ስነሞገት ከምዘይብሉ ከብርህ ፈቲነ። ቀንዲ ዝተኸተልክዎ እስትራተጂ ኸኣ ንባህሪ ናይቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ብምግላጽ ነባባይ ናይ ገዛእ ርእሱ መደምደምታ ክገብር ምግዳፉ እዩ ነይሩ። ወያነ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ፈኲስን ስሑውን ህላወ ጸላኢ ዝገጥም ፈኲስን ተንቀሳቓስን ኲናት ይኽተል ነይሩ። ህዝባዊ ግንባር ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ በብመድረኹ እና ጎሃረን እና ዓበየን ዝመጸ ኲናት ዝገጥም በብመድረኹ ዝምዕብል ወተሃደራዊ እስትራተጂ እና ተኸተለ ናብ ናጽነት በጺሑ። ስለ’ዚ፡ ህዝባዊ ግንባር ንወያነ ምኽሪ እንተሃበ ኣይመኽፈኣሉን። ይህብ እውን ነይሩ እዩ። ምኽንያቱ ሻዕብያ በቲ ወያነ ዝኽተሎ ዝነበረ ናይ ደባይን ተንቀስሳቓስን ቅዲ ኲና ሓሊፉ እዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡  ነቶም ወያነ ዝጥቀመሎም ዝነበረ ቅድታት ኲናት፡ ከም ተወሳኽትን ደገፍትን እስትራተጂታት ናይቲ ቀንዲ ጾሩ ኮይኑ ዝነበረ ቀዋሚ ኲናት ጌሩ ይጥቀመሎም ነይሩ እዩ። ካድራት ወያነ ግን ብዛዕባ እቲ ዘይበጽሕዎን ዘይፈልጥዎን ቀዋሚ ኩናት ዲስኩር ክህቡ ኣየምሕረሎምን ነይሩ።  

ዝቕጽል ክፋል ነቲ ኣይተ ይስሃቅ ኣበራ ዝብሎ ዘሎ ኣብ መቓኑ ኣእትየ ክርእዮ እየ።  በመጀመርታ ግን ሓፈሻዊ ኣማቲ ሓሳባት፦

  1. ናይ እስትራተጂ ጉዳይና፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ትግራይን ዝነበረ ኣሰላልፋ ሓይሊ ጸላእን ክብደትን ምረትን ናይቲ ኲናት ዝተፈላለየ ምንባሩ፡ ህወሓት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ውድዓዊ ኩነታት ጸላኢ ዝገጥም ተንቀሳቃስን ደባይን ኲናት የካይድ ነይሩ። ሻዕብያ ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ቀንዲ ዓቕሚ ኤትዮጵያ ዝብድህ ወተሃደራዊ እስትራተጂ ይኽተል ነይሩ።
  2. ናይ ብቕዓት ደረጃ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ዝበቅዕ እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ድማ ሰውራ ኤርትራ ነቲ ኣብ ኤርትራ እንዳ ኸበደን እንዳ ተናቅወሐን ዝመጸ ኲናት ዝብድህ ብቕዓታት ሃኒጹ ነይሩ። 
  3. ብዛዕባ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ስርሒታት (joint operations)፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ፡ ናይ ኣሰራርሓ ባህሊ ጸገማት ይኹን ናይ ብቕዓት ዘይምዕሩይነት ክርከብ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ። ሰራዊታት ናይ ዝተፈላልያ ሃገራት ናብ ሓደ ዓውደ-ውግእ ቅድሚ ምእታዎም፡ ንብቕዓቶምን ኣሰራርሓኦምን ዘወሃህድ ብዝተፈላለየ ደረጃታት ዝውደብ ልምምዳት (war games) ይገብሩ እዮም። ድሕርኡ እውን ሓባራዊ እዚ ‘ኳ ዝቐውም እንተኾነ፡ እቶም ሰራዊታት ዝነበሮም ምምሕዳራዊ ሰንሰለት ዓቂቦም ኣብ ትሕቲ እቶም ዝፈልጥዎም መራሕቶም ኮይኖም ነናቶም ሽቶታት ተዋሂብዎም ምስቲ ኣብቲ ኲናት ዘሎ ሕብረ-ሰራዊታት ንጋድምን ትኹልን እና ተእሳሰሩን እናተዋሃሃዱን እዮም ስርሖም ዝቕጽሉ። ኣብቲ ናይ ሻድሻይ ወራር ተመክሮ ግን፡ ተጋደልቲ ወያነ ንሓጺር ግዜ ሰንሰለት ምምሕዳራቶም ዓቂቦም ክኾኑ ይኽእሉ እምበር ደሓርሲ ቀልጢፎም እዮም ምስ ሰራዊት ሻዕብያ ዝተሓናፈጹ። እዚ ድማ ምኽንያት ነይርዎ። ንተንቀሳቓስን ደባይን ቅዲ ኲናት ዝረዓመ ሰራዊት ወያነ ኣብ ቀዋሚ ድፋዕ ኣትዩ ክለምዶ ግዜ ይወስደሉ እዩ። በዚ መንጽር እምበኣር፡ ነቲ ካብ ትግራይ ዝመጸ ኣሃዱታት ህወሓት ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሉ ንቡር ወታሃደራዊ ኣሰራርሓ እዩ። ከምቲ ኣቶ ኢሳቕ ዝብሎ፡ ምስ ምትእምማንን ዘይምትእምማንን ዝጽብጸብ ኣይኮነን። ወላ ኣብ ውሽጢ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር እውን ናይ ተመክሮታት ፍልልያት ዝረኣየሉ ግዝያት  ነይሩ እዩ። ኣብ ተርግእን ተንቀሳቓስን (maneuvering warfare) ዘድመዓ ኣሃዱታት ነይረን። ካልኦት ድማ ንቀንዲ መሕለፊ ጸላኢ ዝበሃል ቦታታት ገጥ ኣቢለን ናይ ምሓዝን ደብዳብ መዳፍዕን ነፈርትን ዝጻወራን ዓቕልን መከላኸሊ ድፋዓት ኣብ ምስራሕን መከላኸሊ መስመራት ኣብ ምምዕርራይን ተመክሮን ክእለታትን ዘማዕበላ ኣሃዱታት ነይረን። ብወገን ጸላኢ እውን ብተመሳሳሊ ብዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ብቕዓታት ዝተመልመላ ከም ናይ ጎቦታት ውግእ፡ ጸረ-ደባይ ውግእ ናይ ኣየር ወለድ…ኮማንዶ…ወዘተ ነየረን እየን። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተገልጸ ድማ፡ ወተሃደር ብሱሩ ምኩሕ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ግዜ ኣሃዱኡ ልዕሊ ካልኦት ምዃና ናይ ምዝራብ ዝምባለ ኣለዎ።
  4. ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን (ብቐንዱ፡ ከተማዊ ትግርኛ) ከምኡ እውን ብገለ-ገለ ክፋላት ህዝቢ ትግራይ ዝነበረ ናይ ምንዕዓቕ ስምዒታት እውን ነጸብራቑ ጸጸኒሑ ይረአ  ነይሩ እዩ። ብፍላይ እታ “ኤርትራውያን ይንዕቑና እዮም” ትብል ስምዒት ካብ ትግራይ ተሰኪሞማ ዝመጹ ስለዝኾነት፡ ነቲ ዝጸንሖም ዝንቡዕ ግምታት ዘረጋግጽ ነኣሽቱ ነገራት ክረኽቡ ከለዉ፡ ናብቲ ኣቐዲሞም ዝኣመትዎ መደምደምታ ሸተት ክብሉ ዘቀላጥፍ እዩ ነይሩ (confirmation bias)።

 

  • ሓፈሻዊ ጦብላሕታይ ብዛዕባ ተጋደልቲ ወያነ ኣብ ድፋዓት ሳሕል

 

ሀ-  ብሓፈሽኡ ተጋደልቲ ወያነ፡ ነቲ ሓድሽ ናይ ቀዋሚ ድፋዓት መዓልታዊ ሂወትን ስልትታትን ውግእን ክርዕሙ ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን፡ ብጅግንነት ድማ ማዕረ ተጋድልቲ ህግ ተዋጊኦምን ተሰዊኦምን። 

ለ-  ሓደ-ሓደ ሓለፍትን ካድራትን ወያነ፡ ነቲ ብኣዘዝቲ ሻዕብያ ዝወሃብ ዝነበረ ንሓድነት ኣሃዱታትን ንዕለታዊ ናብራን ዝምልከት ምኽሪ ክሰምዑ ዘጸግሞምን ናይ ምዕባይ ስምዒታት ዘርእዩ ምንባሮምን እዝክር። እቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ ምስ ተጋደልቲ ሻዕብያ ቀልጢፉ ተሓዋዊሱን ጽቡቕ ዝምድና ዝነበረ ኮይኑ ይስመዓኒ።

መ-  ካብ ዝተፈላለዩ ውድባት ዝተሓዋወሱ ብምንባሮም ምስ ግዜ ዝመጽእ ናይ ባህልን ልምድን ፍልልያት ምንባሩ እዝክር። ሓደ-ሓደ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ ተጋደልቲ ሻዕብያ ከም ቀለልቲ ኣስሓቕቲ ዝቑጸሩ ጭርቃናትን ተመሳሰልቲ ደቀቕቲ ነገራትን ንተጋደልቲ ወያነ ዘኹርዩን ዘዛርቡን ኮይኖም ይርከቡ ነይሮም።

ሐ- ናይ መግቢ፡ ክዳን—ወዘተ ጸገማት ነይሮም። ሻድሻይ ወራር ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ግዜ እዩ ተኻይዱ።

ሰ-  ኣብ ሓደ ግንባር ወይ ኣሃዱ ክልተ ማዕረ እዚ ክህሉ ኣይክእልን፡ ስለ’ዚ፡ ኩለን ኣሃዱታት ተጋደልቲ ወያነ ኣብ ትሕቲ እዚ ህግ እየን ነይረን፦ መራሕተን ከም ምክትላት መራሕቲ ኣሃዱታት ህግ ኮይኖም ሰሪሖም (ማለት መራሕ ሓይሊ ወያነ ከም ምክትል መራሕ ሓይሊ ናይ’ቲ ናይ ሓባር ኣሃዱ ይኸውን…ወዘተ።

ጉዳይ ተጋዳልይ ገረዝጊሄር ዓንደማርያምን (ውጩ) ናይ ወያነ ይስሃቅ ኣበራን—

ብመጀመርታ ኣብታ ቪድዮ ዘለዋ ነጥብታት፦ 

ኣቶ ይስሃቕ ኣበራ፡ኣዘዝቲ ሻዕብያ ኣብ ተጋደልቲ ወያነ ይጠራጠሩ ከምዝነበሩ፡ ብሕማቕ ዓይኒ ይርእይዎም ከምዝነበሩ፡ ኣዘዝቲ ሻዕብያ ሕማቓት ምዃኖም ንምብራህ ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኣዛዚ ብርጌድ 4 ዝነበረ ተጋዳላይ ስዉእ ውጩ ከም ኣብነት ገይሩ የዕልል።

ኣብታ ቪድዮ ገዲም ተጋዳላይ ወያነ፡ ይስሃቅ ኣበራ፡  ነቲ ኣዛዚኡ ዝነበረ መራሕ ብሪጌድ 4፡ ተጋዳላይ ውጩ ከም “ዓንዛር” ሰብ ይገልጾ፡ ነቲ ኮሚሳር ብሪጌድ 4 ዝነበረ ወዲ ልብሱ እውን ከም “በካዕ” ሰብ ይገልጾ። ካብዚ ኣበሃህላ ጥራይ ኣቶ ይስሃቅ ውልቃዊ ቅርሕንቲ ከም ዝነበሮ ክንግንዘብ ንኽእል። ሓደ እኹል ሰብ ወይ በዓል ሞያ ንመሳርሕቱ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ቃላት ኣይገልጽን (ብሱልን professionalን ኣይኮነን)። ክሳብ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዘብጽህ ወጠጥ እንተነይርዎ ድማ እቲ ጉዳይ ካብቲ ንሱ ዝህበና ዘሎ ዝዓበየ ምንባሩ ክግመት ይከኣል። ምስ ሻዕብያ ኣብ ዝነበረሉ፡ ናይ 1982 ፋይል ናይ ኢሳቅ ኣበራ እንተዝግንጸልስ እንታይ ክንረኽበሉ ምኸኣልና? ብዝኾነ ናብቲ ጉዳይ ክኣቱ።  

  1. ኣብዛ ቪድዮ ይኹን ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ቃለ-መጠየቓት፡ ናይ ሓደ ወገን ማለት ናይ ወያነ ዛንታ ጥራይ ንሰምዕ ኣለና። እቲ ካልእ ወገን እንታይ ኮን ምበለ? ኣብዛ ፍልይቲ ጉዳይ እንተ መጸና ድማ ቴፕ ናይ ይስሃቕ ኣበራ ትህሉ ኣይመስለንን። ውጩ ድማ ተሰዊኡ እዩ፡ ብሂወቱ እንተዝህሉ እውን ኣብዚ ቆይቚ ምኣተወ’ዶ> እታ ግናይ ፋይል ኣበራ ድማ ናይ ምኽፋት ግዚኣ ዝኣኸለ ኣይመስለንን። እሞ ብኸመይ ኢና ክነረጋግጾ ንኽእል? 
  2. ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥቀመሉ ልሙድ ኣገባባት ኣሎ። 

ሀ. ነቲ ይሳቅ ዝብሎ ዘረጋግጽ ወይ ምስኡ ዝሰማማዕ (ዝገጣጠም) ሓቅታት ኣሎ’ዶ? ማለት እታ ቴፕ እንተትርከብ እሞ ኣቶ ይስሃቕ እንተዘጻውተልና፡ ገምጋም ናይታ ፍልይቲ ውግእ ካብ ኣርካይቭታት፡ ካብ ናብ ዝግበር ዝነበረ መልእኽትታት ረድዮ፡ ዳያሪታት…ወዘተ። እዚ ኹሉ የብልናን።

ለ. እምበኣር፡ እታ ትቕጽል እስትራተጂ፡ እቲ ኣቶ ይስሃቕ ዝብሎ ዘሎ ምስ’ቲ ኣብ ህግ ብፍላይ ድማ ኣብ ብርጌድ 4 ዝነበረ ስርዓት ምምሕዳር ወይ ድማ ምስ ባህሪ እዚ ናይ ውጩ ይጋጠም’ዶ (coherence ኣለዎ’ዶ) ትብል ትኸውን።

ሐ. ቀጺልና እውን፡ “ኣብ ብሪጌድ 4 ዝነበሩ ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት ኣኪብና እንተ ንሓቶም፡ “እቲ ኣቶ ይስሃቕ ዝብሎ ዘሎ ምስ ጠባያት ውጩ ይኸዱ እዮም” ኣብ ዝብል ስምምዕ ምበጽሑ’ዶ?” ዝብል ሕቶ እውን ሓጋዚ እዩ።

 

ምርግጋጽ ናይቲ ነገር፡  ኣብ ጽዑቕ ኲናት ከሎ ከመይ ኢሉ ቴፕ ክቐድሕ ሓሲቡ እውን ዘገርም እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ኩነታት ክሉ ናይ ኣእምሮኻ ጸዓት ኣብቲ ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ እዩ ዘድህብ። ኣብ ጹዕጹዕ ውግእ ከለኻ፡ “ጽባሕ ከይስልበጠኒ ኢልካ ምቕዳሕ” ከየጠራጠረኒ ኣይተረፈን። ምቕዳሕ እውን ዘድልዮ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ውጩ ብተለፎን ኣይኮነን ትእዛዛት ዝህብ ዝነበረ። ብቕሉዕ መስመር ራድዮ እዩ ዝራኸቦ ነይሩ። ብደረጃ ብርጌድ ዝግበር ርክባት ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ይኽፈል። ውጩ ምስ ኣዛዚ ግንባርን ምስ መዛንኡ ኣዘዝቲ በራጊድን ዘራኽብ መስመር ክነብሮ ግድን እዩ። ብካልእይ ደረጃ ድማ ምስ መራሕቲ ሰለስቲአን ቦጦሎኒታቱ ዘራኽብ መስመር፡ ሳልሳይ መስመር ድማ ሓፈሻዊ ካሳብ መራሕ ጋንታ ዝበጽሕ። ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ውግእ እታ ሓፈሻዊት መስመር እያ ጫውጫው ትብል።  ውጩ ብፍላይ ንይስሃቕ ኣብ ዝህቦ ትእዛዝ ድማ ኩሎም ካልኦት መራሕቲ ቦጦሎኒታት ይሰምዕዎ ኣለዉ። ኣብታ ብሪጌድ ሰለስተ ኣዘዝቲ ቦጦሎኒታት፡ ሰለስተ ናይ ወያነ ከም ምክትል ዝሰርሑ፡ ሰለስተ ድማ ኮሚሳራት ብጠቕላላ ኣብታ መስመር 9 ሰባት ኣብ መስመር ክህልዉ ተኽእሎ ነይሩ። ወላ ብመስዋእትን መውጋእትን እንተተጓደሉ፡ ኣብታ ጽፍሒ፡ እንተወሓደ ሰለስተ ኣዘዝቲ ቦጦሎኒታት ክህልዉ እዮም። ግርጭታት ይፍጠር እዩ፡ ይኹን እምበር ታሕተዋይ ኣካል ንላዕለዋይ ኣካል ርኢቶ ጥራይ እዩ ዘቕርብ እምበር፡ ትእዛዝ ክሉ ግዜ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ እያ ትኸይድ። ኣብ ኲናት እምቢ ምባል የለን። ንከምዚ ይስሃቕ ዝበሎ ትእዛዝ ዘይምቅባል (insabordination) ስጋ ብምሕራድን ብስዋን ጸወታን ኣይኮነን ዝፍታሕ። ከም ስርዓት ደድሕሪ ነብሰ-ወከፍ ውግእ ኣብ ዝግበር ገምጋማት እዩ ሰብ ዝፋለጸሉ። ኣብ ውግእ ትእዛዝ ዘይቅበል ሰብ ካብቲ ውግእ ብቕጽበት ኢኻ ትኣልዮ፡ ድሕርኡ ድማ ትተሓሳሰቦ፡ ክሳብ ምርሻን ዝበጽሕ ምትሕስሳብ። መን ደኣ ኮይኑ እዩ ይስሃቕ ኣበራ ብኸምኡ ክግደፍ? ስለ’ዚ፡ ብፍጹም ምስ ኣሰራርሓን ባህልን ሻዕብያን ዘይከይድን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተባህለ እውን ርፕ ምቕዳሕ ዘየድልዮን ጉዳይ እዩ።  ኢሳቕ ኣበራ ምናልባት ዓዲ ኣርሒቑ መሲሉዎ ይኸውን፡ ግን ተክኖሎጂ’ንዶ የላን!

ብተወሳኺ፡ ምስ “ይፈልጡ” ወይ “ይዝክሩ” ዝበልክዎም ኣባላት ብርጌድ 4 ተዘራሪበ እቲ ኣቶ ይስሃቕ ዝብሎ ዘሎ ምስ ቅዲ ኣመራርሓን ጠባይን ውጩ ከምዘይሰማማዕ ነጊሮምኒ። ንኢሳቕ ኣበራ ከምዝዝክርዎ ይኹን እምበር ከምኡ ዓይነት ተዋስኦ ከምዘይዝክሩ ሓቢሮምኒ። ኣነ እውን ካብዚ ንላዕሊ ግዜ ኣንባባይ ክቐትል ኣይደልን’ሞ ናብቲ ዝቕጽል ክንሓልፍ።

ብዛዕባይ

ኣብቲ ኢሳቕ ኣበራ ነይረዮ ዝብሎ ድፋዓት ነይረ እየ። ኣሃዱና ካብ ክፍልታት ዝተዋጸአ ነይሩ። ካብታ ኢሳቅ ዝጠቕሳ ታባ ተከል ክሳብ ደብር-እመን ዘሎ ድፋዓት ኣጸቢቐ እዝክሮ እየ። ምስ ተጋደልቲ ወያነ እውን ብዘይ ጽቡቕ ዝኽርታት ካልእ የብለይን። እቶም ኣብኡ ዝጸንሑና ተጋደልቲ ብርጌድ 4፡ ነቲ ቦታታት ንነዊሕ ዝተረባረቡሉን፡ ብፍላይ ነቶም ገዛእቲ ቦታታት ብጥንቃቔ ዝጥምትዎም እዮም ነይሮም። ናዓና ነቶም ካብ ክፍልታት ዝከተትና ተጋደልቲ ሻዕብያ እውን ኣብቲ መጀመርታ ቅንያት ዓቢ ቆላሕታ እዮም ዝገብሩልና ነይሮም። ንዓና ኣለይ-መለይ ክብሉ ብዙሓት ጀጋኑ ተጋደልቲ ብርጌድ 4 ተሰዊኦም እዮም። ካብ ሓለፍቶምን ተጋደልቶምን፡ ኣዝዮም ብሉጻት፡ ሓራናት፡ ተጻወትቲ፡ ተዋጋእቲ ተጋደልቲ እዮም ነይሮም ብሪጌድ 4. ድሕሪ እቲ ወራር ድማ ብሰላም ተፋኒናዮም። 

ኢሳቕ ኣበራ ኣብቲ ዛንትኡ፡ ናይ ቦታታት ኣስማት ምድንጋር ኣለዎ። እዚ ግን ናይ ግዜ ክኸውን ይኽእል። እታ ዝገረመትኒ ግን እታ “ሕሽክብ ዝበሃል ቦታ፡ ድምጺ ወያነ ዝነብሮ” ዝበሎ። እቲ ቦታ ‘ኳ ሕሽክብ ኣይበሃልን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ድማጺ ወያነ ዝበሃል ራድዮ ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ወያነ ኣብ ድምጺ ሓፍሽ ኤርትራ ግዜ ተዋሂብዎም፡ መደባቶም ይፍንዉ ነይሮም (ኣካባቢ ጎቦ ትሩቕሩቕ ዝነበር ስንጭሮ፡ “ላዕላይ ዓራግ”)።

ካልእ እውን ኣብቲ ዝዛረበሉ ዘሎ መጥቃዕቲ ብጸጋማይ ታባ ተከል ክብል ጸኒሑ፡ እንደገና ብዛዕባ ታባ ወዲ ፈንቅል ይዛረብ። ኣብቲ ግንባር ሓደ ሓፈሻዊ መጥቃዕቲ ቀቅድሚ ሻድሻይ ወራር ተገይሩ ነይሩ። ኣብ መንጎ እቲ ወራር እውን ነቲ ጸላኢ ዝገብሮ ዝነበረ ወፍርታት ገዲፍካ ካልኦት ክልተ ጸረመጥቃዕትታት ተገይሩይ ነይሩ። ኢሳቕ ነየናዮም ይዛረብ ከምዘሎ ብሩህ ኣይኮነን። ብዝኾነ ኢሳቕ ንበይኑ ዝኣዘዞ ቀጠና (sector) ኣይነበረን። ምስ መራሕቲ ብርጌድ 4 እዩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል።

ብዛዕባ ውጩን ወዲ ልብሱን

ክልቲኦም ኣዘዝቲ ብሪጌድ 4፡ ብተጋደልቲ ፍቱዋት፡ ተጫረቕትን ተጻወትን ሕዉሳትን ሓለይትን ምዃኖም እቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎም ገሊጾምለይ ኣለዉ። ኣብቲ ውድብ እውን ብኸምኡ እዮም ዝፍለጡ። ክልቲኦም በቲ ንትሕትኦም ዝነበሩ ኣዘዝቲ ዝህብዎ ዝነበሩ ናይ ስራሕ ናጽነት እዮም ዝፍለጡ። ክልቲኦም በቲ ካብ ታሕቲ፡ ካብቶም ነቲ ከነታት ብቐረባ ዝከታተሉ መራሕቲ ቦጦሎኒታትን ሓይልታትን ዝመጾም ርኢቶታት ናይ ምቕባል ባህሪ ከምዝነበሮም ኣብቲ ግዜ መራሕ ሓይሊ ዝነበረ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ ኣዘንቲዩለይ። 

መደምደምታ፡ መራሕ ቦጦሎኒ ወያነ ዝነበረ ይስሃቕ ኣበራ፡ ንትእዛዝ ኣዛዚኡ ውጩ ነጺጉስ ሳዓታት ተጸብዩ ብናይ ገዛእ ርእሱ መደብን ስልትን ነቲ ስራሕ ከም ዝፈጸመ ዝገለጾ ዕሸላዊ ዝምባለ ናይ ነብሰ-ምትርናዕ እንተዘይኮይኑ፡ ሓቂ ዘለዎ ኣይመስልን። እቲ ዝምድረሉ ደሞክራሲ ድማ ኣብ ወተሃደር ኣይሰርሕን እዩ። ወተሃደር ናይ ገዛእ ርእሱ ምምሕዳራዊ ሕግታት (code of conduct) ኣለዎ። እቲ ነገር ግን ካብቲ ቅወያነ ካብ ዝጅምር “ሻዕብያ ንመሰል ናጽነት ትግራይ ዝነጸገ ብርጅዋዊ ውድብ እዩ” ዝብል ዝነቐለ እምበር ኣብ መንጎ መዓልታዊ ምምሕዳር ወያነን ሻዕብያን ክሳብ ክንድ’ዚ ፍልልያት ስለዝነበረ ኣይኮነን። እቲ ወያነ ንውሽጣዊ ግርጭታት ንምፍታሕ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ካብ ሻዕብያ ዝቀድሖ ኣገባብ እዩ። ካብ ነቐፈታን ዓርሰ-ነቐፈታን ጀሚርካ። ተጋደልቲ ሻዕብያ “ንስኹም ሓለፍትና ዘይትኾኑ” ይብሉና ነይሮም ይብል ኣይተ ይስሃቕ ኣበራ። “መስደምም” ኢለ ጥራይ ክሓልፎ።

ክብሪ ንሰማእታትና

ሓምለ 2019
ተዛርብ ዘላ ቪድዮ፡ https://www.youtube.com/watch?v=cRRcxwoLhlg

“ንሕጽርኻ ክተመሳስል፡ ንነዋሕቲ ኣሕጽር” ፍቱን ፍልስፍና ካድራት ወያነ

ማሕሙድ ሳልሕ (Mahmud Saleh)

ብዙሓት ሰባት “ስለምንታይ ኢኻ ኣንጻር ወያነ ትጽሕፍ፡ ግዜኻ ኣብ ካልእ ዘይተውዕሎ” ይብሉኒ እዮም። ኣነ ኣንጻር ወያነ ጽሒፈ ኣይፈልጥን። ኣንጻር ህዝበይን ሃገረይን ታሪኸይን ርኡይ ጸለመን ግህሰታትን ክካየድ ከሎ ግን ክምልስ ግቡአይ ኮይኑ ይስመዓኒ። ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ንህዝቢ ትግራይን ቃልሱን ዘሊፈ ኣይፈልጥን። ሎሚ እውን ተደጋጊሙ ዝመጽእ ሓሶትን ብደዐን ካድራት ወያነ እርኢ ስለዘለኹ ክምልስ እግደድ ኣለኹ። ቀሓር ከለዓዕለሉ ዝኽእል ሰብ እንተሎ ንባብ ኣይቐጽል፡ ኣብዚ ደው ይበል።

እንታይ ከ ተረኽበ ክበሃል ይከኣል እዩ። ትዕግስቲ ገርኩም ክትከታተሉኒ እምሕጸነኩም። ብመጀመርታ ግን ነቲ ነዛ ቪድዮ ዝሰደደለይ ተኸታታሊ ጽሑፋተይ ኣመስግን። ኣብቲ ካልኣይ ክፋል፡  ነዛ ቪድዮ ከም ኣብነት ወሲደ፡ እቲ ሓፈሻዊ ማሕበራውን ስነ-ልቦናውን ፍልልያት ዘምጸኦ ንቡር ምርጻም ኣተሓሳስባታትን ኣራኣእያን ብብልሂ እንተዘይተመምዮም፡ ክሳብ ክንደይ ንገሊኡ ከህልሎም ከምዝኽእል ከርኢ ክፍትን እየ። ዝተፈላለዩ ሕ/ሰባት ይኹኑ ምንቅስቃሳት፡ ከምኡ እውን ሰራዊታት፡ እቲ ዘሕለፍዎን ዝቐሰምዎን ፍሉይ ተመክሮታቶም ዘፍረዮ ናይ ልምድታትን ዓቕምታትን ብቕዓታትን ፍልልያት ኣለዎም። ኣይኮነን’ንዶ ሻዕብያን ወያነን፡ ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ሻዕብያ ከይተረፈ እውን ነኣሽቱ ናይ ልምድታትን ብቕዓታትን ፍልልያት ነይሮም እዮም። ወተሃደር ብፍጥረቱ ምኩሕ እዩ። ኣብ መንጎ ክልተ ዝተፈላለዩ ሰራዊታት (ወያነን ሻዕብያን) ዘሎ ፍልልይ ገዲፍና፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ተዋጋኣይ ወገን ናይ ሻዕብያ ማለት ኣብ መንጎ በራጊድን ክ/ሰራዊታትን ህግ ብሓደ ወገን፡ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ሰራዊትን ክፍልታት ናይቲ ውድብን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ህ/ሰራዊትን ካልኦት ከም ዞባዊ ሰራዊት ዝኣመሰሉ ወተሃደራዊ ኣሃዱታትን ዝህሉ ናይ ተመክሮን ብቕዓትን ሓላፍ-ዘላፍነት ከም ንቡር እዩ ዝውሰድ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያዊ ፍልልያት ብሓባር ኣብ ትሰርሓሉ ግዜ እዩ እቲ ምትእምማንን ናይ ብቕዓት ሓላፍ-ዘላፍነትን እናተላዘበን እና ተማዕራረየን ዝኸይድ። ሰራዊት ወያነ ኣብቲ ዝተመልመለሉ ቅዲ ኲናት ብቑዕ ነይሩ። ተጋደልቲ ህወሓት ንፉዓት ተዋጋእቲ ነይሮም። ዝኾነ ኮይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ሕማቕ ተዋጋኣይ ህዝቢ ዝበሃል ርእየ ኣይፈልጥን። ኲናት ግን ኪኖ ውልቃዊ ትብዓት እዩ ዝሓትት። መጽናዕትታት፡ ምስኣል መደባት ስራሕ፡ ንብቕዓት ናይቶም ዝሳተፉ ኣሃዱትራት ኣብ ግምት ዝኣእተወ ውዳበን፡ ነቲ ተዋጋኣይ ኣካል ዝሕግዝ ናይ ደገፍ ሓይልታትን ስሉጥ መስመራት ሎጂስቲክስን ተጻዋርነትን (stamina) ከምኡ እውን ምኩር ኣመራርሓን…ወዘተ የድልዮ። ነዚ ማእከላይ ሓሳብ ድማ ኣብቲ ዝቕጽል ገጻት ከንጸባርቖ ክፍትን መዲበ ኣለኹ። እዛ ሊንክ ገረያ ዘለኹ ቪድዮ ኣብቲ ዝቕጽል ክፋል ክልክማ እየ። ንግዚኡ ግን ካብ ኣስታት 34.24 ደቂቓ ጀሚርኩም ርኢኹማ ክትጸንሑ ትኽእሉ።

—————-

ብነሓሰ 2018፡ ነቲ “ኣቋም መለስ ዜናዊ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ” ዝብል ብገታቸው ረዳ፡ ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ዝተዋህበ ዝንቡዕ መደረ ዘቃልዕ “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ ነቒፈዮ ነይረ። ኣብቲ መደረኡ ህዝባዊ ወያነ ልዕሊ ህዝባዊ ግንባር ንህዝቢ ኤርትራን ጉዳዩን ከምዝተቓለሰ ብዘይሰጋእ-መጋእ መዲሩ። ኣብዚ ጥራይ እንተዝሕጸር፡ “ማዕሌሽ ኣመሎም እዩ” ምበልና። ገታቸው ግን (መለስን ካድረታቱን  ብዝመገብዎ ማለት እዩ፡ እምበር ንሱስ ተውሳኺቱ ኣብቲ ቃልሲ ኣይነበረን) ንሰውራ ኤርትራ ብክድዓት ከሲስዎ፡ ውድባት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ህዝባዊ ግንባር ብጉዳይ ኤርትራ ሕድገታት ክገብር ምስ ደርግ ናይ ሰላም ፈተነታት ይገብር ከምዝነበረ ኣምሲሉ ሃውቲቱ። ሓሶት ትምገብ እንተኮይንካ፡ ሓይልኻን ወንኻን ካብ ሓሶት ኢኻ ትረኽቦም። እኽሊ  ትርጉም የብሉን። ብዝኾነ፡ ካብ ህዝባዊ ግንባር ዝያዳ ንኤርትራ ተቓሊስና ይብሉና ስለዘለዉ፡ ንወየንቲ፡ “ በሉ፡ እምበኣር፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ኤርትራ ክብለኩም፡ ትርሓሰኩም” ኢለዮም ነይረ። 

እታ ጽሕፍቲ ክልጥፋ ስለዝኾንኩ ደጊምኩም ክተንብብዋ እምሕጸን። ግን ብሓፈሽኡ፡ ወያነ ንጉዳይ ኤርትራ ኣሚንና ክብሉ ከለዉ፡ ምስ ናታቶም ማንታ ኣተሓሳስባ ዝኸይድ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ። እምበር፡ ንሓንቲ ርእሳ ዘቕነዓት (assertive)፡ ምሉእ ናይ ርእሰ-ምውሳን ፖለቲካዊ ናጽነት ዘለዋ ኤርትራ ምምጸኣ ብዓንተብኡ ከም ስግኣት (threat) ይወስድዎ ከምዝነበሩን ካብቲ ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝተሓጋገዝዎ ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር ዝሰርሕዎ ከምዝበዝሕ ኣብታ ጽሕፍቲ ተንቲነዮ ነይረ። ካልኣይቲ ክፋል ከስዕብ እውን መዲበ ነይረ እየ፡ ግን ምስቲ ናይ ሰላም ኩነታት፡ ንሰላም ዕድል ክህብ መሪጸ። ወያነ ናይ ህዝቢ ትግራይ፡ ሻዕብያ ድማ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ኣስሚረሉ ኣለኹ። ብተወሳኺ፡ “ ዘተኣማምን ሰላም ክፍጠር እንተኾይኑ፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ናይ ክልቲኡ ወገን ሰላም ክገብሩ ኣለዎም” ኢለ ጸዊዐ ነይረ። ሕጂ እውን እምንቶይ ካብኡ ኣይፍለን። ሰላም ግን ብድሌት ጥራይ ኣይመጽእን። ሰላም ኣብ መንጎ ክልተ ማዕረ እዩ ዝግበር። ምስ ዓማጺ ሰላም ዝግበር ኮይኑ ኣይስመዓንን። ስለ’ዚ፡ ዝኾነ ናይ ሰላም ፈተነታት፡ ነቲ ጠንቂ ጽልኢ ኮይኑ ዘሎ ናይ ወያነ ምሕንጋድ ብይን ኮሚሽን ዶባትን ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ ዘለዎ ዝንቡዕ ኣተረጓግማን ዝምሽጥን ዝቅምቅምን ክኸውን ኣለዎ። ብዝኾነ፡ እዚ ፖለቲካዊ ውሳነ ስለዝኾነ፡ ካብ ዓቕሚ እዚ ጽሑፍ ወጻኢ እዩ’ሞ ናብቲ ቀንዲ መንቀሊ ክሰግር።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያነ ብዛዕባ ተመክሮኦም ክገልጹ ጸኒሖም። ብዙሕ ክፋላት ዝነበሮ ዶኩመንተሪ እውን ተፈንዩ ነይሩ። ሳሕል ምብጻሕ መቸም ከም ዓቢ ጉዳይ እንድዩ ዝረአ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብ ቃለ-ምልልስ ዝቐርቡ ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ ወያነ ከም ፍሉይ ናይ ክብሪ ሽልማት (budge of honor) ስለዝቖጽርዎ ይኸውን፡ ሳሕል ክለዓል ከሎ ፍቱሕ ኩርኩር እዮም ዝኾኑ። ብወገን ተጋደልቲ ሻዕብያ ብዙሕ ስለዘይዝረብ ግዲ ኮይኑ፡ ዳርጋ ናጻ ሜዳ ረኺቦም ንታሪኽና ከናሽዉን ከዘንብዑን ንርኢ ኣለና። እዚ ኸኣ ብቐሊል ዝረአ ነገር ክኸውን የብሉን። ድሮ’ኳ ገለገለ ኤርትራውያን፡ ንተጋደልቲ ወያነ እናጠቐሱ “ጀነራል ክስቶ ከምዚ ኢሉ እንድዩ” እናበሉ ክካትዑና ሓግዮም እዮም። ስለ’ዚ፡ እንታይ ይገበር፡ ክምልስ እግደድ። 

ነቲ ብዛዕባ ደሞክራሲ ዝብልዎ ንጎኒ ገዲፈ ኣብቲ ወተሃደራዊ ዲስኩሮም ከድህብ እየ። ንእግረምመገድይ ግን እዚ ክብል እደሊ፥- ደሞክራሲ ወያነ ንኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንህዝቢትግራይ ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣውዲቑዎም ከምዘሎ ርኢናዮ ኣለና። ስለ’ዚ፡ ብዙሕ ሓተታ ኣየድልዮን። ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ወያነ ከም ዓበቕ እዩ ዝረአ። ትግራዎት ብዘይገበርዎ ኣብ ሃገሮም ከም ድላዮም ክንቀሳቐሱ ኣይክእሉን። ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ፡  ነታ ቛንቛኦም’ኳ ኣብ ዕጹው መዓጹ ጥራይ እዮም ዝጥቀሙላ። ወያነ ኣብ ልዕሊ ክብሪ ትግራዎት ነዚ ኩነት እዚ እዩ ፈጢሩ። ይኹን እምበር፡ ናታቶም ጉዳይ እዩ እሞ ኣብቲ ንሃገረይን ታሪኸይን ዝምልከት ኣርእስቲ ክምለስ እየ። ንሎሚ ነቲ ካድራት ወያነ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ቅድን ኣተሓሳስባን (doctrine) ሻዕብያ ዝፈላሰፍዎ ክጥምት እየ። ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ንሓደ ካብኦም ከም ኣብነት ወሲደ፡ ብዛዕባ ምትሕግጋዝ ወያነ ብዓይኒ ተጋዳላይ ሻዕብያ ክርኢ ክፍትን እየ። ንኹሎም እቶም ኣብቲ ጽንኩር ግዜ ኣብ ጎንና ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ጀጋኑ ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዘለኒ ኣኽብሮት፡ ከምኡ እውን ነቲ ህዝቢ ትግራይ ንተጋደልቲ ሻዕብያ ዝነበሮ ፍቕርን፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል ዝገበሮ ምርብራብን መጎሰይ ክገልጽ እፈቱ። ሽግርና ምስቶም ቄናናት መራሕቲ ወያነ እዩ። እምበር ምስ ህዝቢ ትግራይን ቃልሱ፡ ዝኾነ ይኹን ምምታእ ኣይነበረናን የብልናን።

“እስትራተጂ ሻዕብያ ገጋ እዩ ነይሩ”

ናይ ኲናት ቅድን እስትራተጅን (doctrine) ብቐንዱ ኣብ ዓቕምኻን ዓቕሚ ጸላኢን ይምርኮስ።  እቲ ምንቅስቃሳት ወያነ ዝከላኸል ዝነበረን እቲ ንሻዕብያ ገጢሙ ዝነበረን ጸላኢ ወላ’ኳ ብሓደ ፕረሲደንትን ብሓደ ጠቕላሊ ስታፍን ዝመሓደር እንተነበረ፡ ደርጊ ንዓቕሚ ወያነ ዝግትር ሓይሊ ጥራይ እዩ ኣብ ትግራይ ኣቐሚጡሉ ነይሩ። ክሳብ 1988፡ ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ እዚ ዝበሃል ኣይነበረን። እቲ እዚ ምስ ቆመ እውን ብሻንበል እዩ ዝምራሕ ነየሩ፡ ሻንበል ለገሰ ኣስፋው። እዚ ንምንእኣስ ኣይኮንኩን ዘቕርቦ ዘለኹ። ግን ባህሪ ናይቲ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝነበረ ኲናት ዝፈላለ ምንባሩ ንምርኣይ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዓስርተታት ጀነራላት ደርግን ኣማኸርቲ ሶቬትን ዝመርሕዎ  ዲቕ ዝበለ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ከምዝግበር ምዱብ ኩናት ( conventional warfare) ይካየድ ነይሩ። ኣብ ትግራይ ዝነበረ ግን ፈኲስ ናይ ደባይን ተንቀሳቓስን ኲናትን እዩ ነይሩ።

ብመጀምርያ ግን ቅሩብ ብዛዕባ ኣመዓባብላ ቅድታት ናይ ሓርነታዊ ኲናት

ናይ ደባይ ምንቅስቃሳት ወይ ብረታዊ ተቓውሞታት ልክዕ ከም ሂወታውያን፡ ይውለዱ፡ ታተ ይብሉ፡ ይግብዙ፡ ይዓብዩ። እቲ ቀዳማይ መድረኽ ቅዲ ኲናት ናይ ሓርነታውያን ወይ ናይ ተቓውሞ ውድባት ናይ ደባይ ቅዲ ኲናት እዩ። ኣብ ጅማሮአን፡ ነኣሽቱ ስለዘለዋን ኣንጻር ዝሓየለ ጸላኢ ይመጣጠራ ስለዘለዋን፡ ብዓቕሚ ሰበንን ብናይ ቶኽሲ ዓቕመንን ገና ድኹማት ስለዘለዋ፡ ግድን እዚ ቅዲ እዚ እየን ክኽተላ። እዚ ንንጹላት መዓስከራት ኣጽኒዕካ ሓደጋ ብምውዳቕ፡ ቃፍላያት ምጥቃዕን ካልእ ንኣገደስቲ ውልቀሰባት ምጭዋይ፡ ምቕንጻልን ንወታሃደራውን ቑጠባውን ትካላት ምዕናው…ወዘተ የጠቓልል። ክሉ ብቓጻ ዝግበርን ነቲ ስርሒት ፈጺምካ ብቕጽበት ምስዋርን የጠቓልል። ክሉ ግዜ ኣብ ማእከል ህዝብን ምስ ኣከባብን ተመሳሲሉ ዝነብርን ኣዝዩ ተንቀሳቃስን ፈኲስን ውደባ ዘለዎ ቅዲ ኲናት እዩ። እዚ ሜላ እዚ ንሓደ ገዚፍ ጸላኢ ኣብ ዝጥዕመካ ግዜን ኩነታትን ክተቃስሎ እትጥቀመሉ ቅዲ ኢዩ። ኣብ ሓደ ግጥም እስትራተጂካዊ ማህሰይቲ ዘየወርድ ግን ቀሰይ ኢሉ ተደማሚሩ ንሞራል ጸላኢ ዘዳኽም እዩ።

ቀጺሉ ዝመጽእ እቲ ተንቀሳቓሲ ኲናት ዝበሃል እዩ። እዚ እውን ዓቕሚ እዩ ዝፈልዮ እምበር ተመሳሳሊ ናይ ደባይ እዩ። ግን ዝያዳ ዓቕሚ ስለዘለዎ፡ ዝዛመድ ግን ዝተፈላለየ ሽቶታት ከጥቀዓ ዝኽእላ ብዝሒ ኣሃዱታት ዘሳትፍ ይኸውን። ውዳበኡ እውን ዝሰፍሐን ዝተራቐቐን ይኸውን፡ ዝሓሸ ናይ ደገፍ ኣሃዱታት ዘለዎ እዩ። ኣብ ደረጃ ተንቀሳቓሲ ኲናት ዝበጽሐ ሓይሊ፡ ደባይ ኲናት እውን ኣካል ናይቲ እስትራተጅኡ ኮይኑ ይቕጽል እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ድማ ቀዋሚ ኲናት እዩ። ቀዋሚ ኲናት ኣብ መንጎ ክልተ ናይ ማዕርነት ወይ ጃላነት ዓቕሚ ዘለዎም ሓይልታት ይግበር። እዚ ቅዲ እዚ እቲ ናይ ሓርነት ምንቅስቃስ ኣዝዩ ስለዝሰወደ፡ ዝሓረሮ መሬትን ዘመዝገቦ መኽሰባትን ተኸላኺሉ ንኻልእ ዝያዳ ዓወታት ኣብ ዘመጣጠረሉ መድረኽ እዩ ዝምረጽ። እቲ ኲናት ኣዝዩ ከቢድን ምንሕናሕን ዝበዝሖ ስለዝኸውን ዝበዝሕ ግዜ ቀዋሚ ግንባራት ምምስራት ባህሪ ናይ ከምዚ ዓይነት ልዑል መድረኽ ኲናት እዩ።  ይኹን እምበር እቲ ናይ ደባይን ተንቀሳቓስን ባህሪ ዘለዎ ስርሒታት ከም እስትራተጂ ይጥቀመሉ እዩ። እምበኣር ድሕሪ እዚ መእተዊ ናብቲ ቀንዲ ምጉት ክንኣቱ።

“ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ቀዋሚ ድፋዓት ኣክንዲ ዝጽመድ ናብ ህዝቡ ክሕወስ ኣለዎ፡ ደባይን ተንቀሳቓስን ኲናት ክገብር ኣለዎ” ይብሉ ነይሮም ካድረታት ወያነ። እዚኣ ሓንቲ ካብተን ተደጋጊመን ዝመጻ መደረታት ወያነ እያ። ብዛዕባ ሳሕል ኣብ ዝዛረቡሉ ነዚኣ ከይጠቐሱ ኣይሓልፉን። እሞ ሓቂ ድዩ? እስከ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ንመልከት።

  1. ሓደ ሓርነታስዊ ኲናት ካብ ቀዋሚ ቅዲ ኲናት ናብ ደባይ ወይ ተንቀሳቃሲ ክቕየር ዓቕሙ እዩ ዝውስኖ። እንተተዳኺሙ ጥራይ እዩ ንድሕሪት ዝምለስ። 
  2. ወያነ ክምስረት ከሎ (1975) ህዝባዊ ሓይልታት (ህግሓኤ)፡ ናብ ተንቀሳቓሲ ኲናት ማዕቢሉ ነይሩ። ወያነ ብጋንታታት ክንቀሳቐስ ከሎ (1977) ውድባት ኤርትራ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነትን ብደረጃ ብሪጌዳት ተወዲበን ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ ሓራ የውጸኣ ነይረን፡ ብዘይካ ዓሰብን ኣስመራን ባረንቱን፡ ኤርትራ ሓራ ወጺኣ ነይራ። ስለ’ዚ፡ እቲ ወያነ ኣብ 1988 በጺሕዎ ዝነበረ ደረጃ ዓቕምን ውዳበታትን፡ ሰውራ ኤርትራ ኣብ 1977 በጺሕዎ ነይሩ። ህግሓኤ፡ ዓስርተ ዓመት ንድሕሪት ዘምልስ ምኽንያት ኣይነበሮን።
  3. ምስ ምትእትታው ሕ/ሶቬት (1978)፡ ምዝላቕ ምስ ተኣወጀ እውን ህዝባዊ ግንባር እንዳ ተዋገአ እዩ ኣዝሊቑ። ኣብ ዔላበርዕድ፡ ገንፈሎም፡ ማዕሚደን ካልእ ቦታታትን ንጸላኢ እና ሃሞኸ እዩ ናብቲ ናይ መወዳእታ ዝበሎ መስመር ምክልኻሉ ዝበጽሐ። ካብቲ መስመር እቲ ተደፊኡ እንተዝነብር ብዘይካ ናብ ተንቀሳቓሲ ቅዲ ኲና ምውራድ ካልእ ምርጫ ኣይምነበሮን። ግን ንዓስርተ ዓመታት መስመሩ ኣጽኒዑ፡ ኣዝዩ ስሉጥን ዝተራቐቐን ናይ ደገፍ ደጀን መስሪቱ። እቲ ኲናት ኣብ መንጎ ክልተ ዝፋለጡ ተቐናቐንቲ ይካየድ ስለዝነበረን ኣብቲ ክልቲኡ ወገናት ዝፈልጥዎን ዘጽንዕዎን ቅርጻ መሬት (terrain) ስለዝተኻየደን፡ ኣዝዩ ሓያል እዩ ነይሩ። ህዝባዊ ግህባር ሓያል ጸላኢ ስለዝገጠሞ፡ ክመሃርን ክጣበብ ነይር። ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ግጥማት ዝማረኾ ብዝሕን ዓይነትን ኣጽዋራት፡ ንናይ ቶኽሲ ዓቕሙን ብቕዓቱን ክብ ኣቢሉ። ከቢድ ኲናት ይካየድ ስለዝነበረ ድማ ሓያልን ዝተራቐቐን ናይ ደገፍ ሓይልታት (ከቢድ ብረት፡ መካናይዝድ፡ ጸረ ነፈርቲ፡ ናይ ሃንደሳን ስለያን መራኸቢታትን..) የድልዩ። ሰራዊት ክዓጥቕን ክምገብን ክሕከምን ክኽደንን ስለዘለዎ ስሉጥ ናይ ሎጂስቲክ መስመራትን መደበራትን መጓዓዝያን ጋራጃትን…ወዘተ የድልዩ። ነዚ ኽሉ ዘመሓድር መሪሕነታትን ኣብያተ ጽሕፈትን ከድሊ እውን ርዱእ እዩ። ብሓጺሩ፡ ደጀን የድሊ። ስለ’ዚ፡ ህዝባዊ ግንባር ደጀን ዝፈጠረ፡ ከምቲ ወያነን ገለ-ገለ ዝወየኑን ተጋደልቲ ሻዕብያ-ነበር ዝብልዎ፡ መሪሕነት ህዝብዊ ግንባር ንምቾት ዝፈጠሮ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ግንባር ዝተስገደደ፡ ባህሪ ኲናት ዝፈጠሮ እዩ። ደጀን ህዝባዊ ግንባር ወተሃደራዊ እዚ ጥራይ ኣይነበረን። መናሃርያ ናይ ክሉ ህዝባዊ ውዳበታትን፡ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትን መበገሲ ናይ’ቲ ንህዝቢ ዝወሃብ ኣገልግሎታትን እውን ነይሩ እዩ። ብዘይካ እተን ዓበይቲ ከተማታት፡ መሬትን ህዝብን ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ይመሓደር ስለዝነበረ፡ ከም ኣፍልጦ ዘይነበሮ መንግስቲ (defacto) ኮይኑ እዩ ሰሪሑ።
  4. ቀዋሚ ኲናት ምክያዱ እምበኣር፡ ንጸላኢ ካብ ምጥቃዕ ናብ ጃላነት ከምዘውረዶ እዩ ዘርኢ። ዓቕሚ ጸላኢ ምድኻሙን ዓቕሚ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብኣንጻሩ ይጉልብት ምንባሩን እዩ ዘርኢ።
  5. እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ከምቲ ወያነ ዝብሎ፡ ህዝባዊ ግንባር ካብ ተንቀሳቓሲ ኲናት ደው ኣይበለን፡ ነቲ ቀንዲ ዓቕሚ ጸላኢ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ስለዝሓዞ፡ ኣብ ድሕሪ መስመር ናይ ምግባር ዕድላቱ ሰፊሑ። ብቀዋሚ ኣብ ድሕሪ መስመር ዝንቀሳቐሳ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊትን ዞባዊ ሰራዊትን ነይረን እየን። መዓስከራት ጸላኢ ምድምሳስ መዓልታዊ ዜና እዩ ነይሩ። ናይ ሃንደሳ፡ ኮማንዶ፡ መራኸቢታት፡ ጀማሂር (ህዝባዊ ምምሕዳር)፡ ክ/ትምህርትን ህዝባዊ ክሊኒካትን ስርሐን ኣየቛረጻን። በብግዚኢ ክ/ሰራዊታት ካብ ግንባራት ሳሕል ናብ ከበሳ ወጺአን መዓስከራት ጸላኢ ረጋጊጸን ይምለሳ ነይረን። እቲ ቀዋሚ ዝበሃል ግንባራት እውን ክንደይ ግዜ ተደማሲሱ እዩ። ስለ’ዚ፡ ወያነ፡ ነቲ ዘይፈልጥ ህዝቢ ትግራይ ንምድንጋርን ኣብ ግብሪ ኣብ ባይታ ዘየጥረዮ ዓቕምታት ከምዝነበሮ ንምውርዛይ እምበር፡ ዲስኩሩ ከንቱ እዩ።
  6. እታ ክሉ ግዜ ትገርመኒ ድማ እታ “ናብ ህዝብኹም ዘይትወጹ” ትብል እያ። ህዝቢ ሳሕልስ ያኢ ህዝቢ ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን? ህዝቢ ማርያን ዓንሰባንሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን!? ወላ ኣብቲ ቀዋሚ ግንባራት ተሓጺሩ እንተዝነብር፡ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኣይነበረን? መን እዩ እቲ ወያነ “ህዝቢ ኤርትራ” ዝብሎ ዘሎ? እምበር’ዶ ኤርትራ ይፈልጥ እዩ? እንሓንሳብሲ ዓቕሚ ናይቲ ዝማጎተካ ሰብ እዩ ዝመርሓካ እምበር ሎሚ ኣብ ከምዚ ግዜና ኣይመጥፋእናን ነይርና።
  7. ኣብ መወዳእታ፡ ወያነ፡ ብዛዕባ ሻድሻይ ወራር ክዛረብ ደስ እዩ ዝብሎ። ንተጋዳላይ ሻዕብያ ግን ሻድሻይ ወራር ሓደ ካብ ብዙሕ ወራራርት እዩ ነይሩ፡ ወያነ ቅድሚ ምሕዋሱ ድሮ ሓሙሽተ ዓበይቲ ወራራርት ኣፍሺሉ ነይሩ። ዓበይቲ ጸረመጥቃዕትታት ገይሩ ነይሩ፡ ድሕሪ ወያነ እውን ክልተ ካልኦት ካብ ሻድሻይ ወራር ዝኸፍኡ ወራራት ኣፍሺሉስ ነቲ ኣብ ቀዋሚ ድፋዓት ኣሲርዎ ዝነበረ ግንባራት ጸላኢ ጠሓሒሱ ንባብ ከረን ዓባይ ክኹሕኲሕ ጀሚሩ። ሽዑ እዩ ወያነ ካብቲ ንዓመታት ጸቒጥዎ ዝነበረ ድቃስ ክበራበር ዝጀመረ። 

ድሕሪ ምድምሳስ ናደው፡ ናይ ዓወት ሽታ ካብ ግንባራት ከረን ናብ ትግራይ ክነፍስ ምስ ጀመረ፡  ወያነ ነቲ “ ሻዕብያ ናጽነት ኣየምጽእን” እንዳበለ ኣብ ልዕሊኡ ዘመተ ከካይድ ዝጸንሐ ውድብ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ፡  ብራድዮኡ ኣቢሉ “እንቛዕ ኣሐጎሰኩም” ክብል ተጓግይዩ። ምድምሳስ እዚ ናደው ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ወያነ ቀስቂሱ። ምስ ሻዕብያ ተሓጋጊዙ ንከተማ ሸረ ምስ ሓረረ ናብ ርዝን ዝበለ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክቕየር ጀሚሩ። እቲ ወያነ ዝንየተሉ ትርጉም ዘለዎ ኲናት እቲ ንኮር 604 ንምድምሳስ ዝተኻየደ ውግእ እዩ። ንሱ እውን ምስ ሻዕብያ። ተጋዳላይ ሻዕብያ ግን ክንደይ ኮራት ደምሲስካ ኢልካ እውን ኣይተሓቶን። ክንደይ ደኣ ክብለካ።

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልክዎ፡ ንተጋዳላይ ህወሓት ንምንሻው ዘይኮነ፡ ባህሪ ናይቲ ንኽልቲኡ ውድባት ገጢሙ ዝነበረ ኣሰላልፋ ጸላኢ ይፈላለ ስለዝነበረ እዩ። መንቀሊ ናይዛ ጽሕፍቲ ብዙሓት ብኣቃጫጭ ንታሪኽና ከቖናጽቡ ዝተዓዘብክዎም መራሕቲ ህወሓት’ኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ዝቕጽል ንናይ ሓደ ካብኦም ኣብነት ብምግባር እንታይ እዩ ክሳብ ክንድ’ዚ ዓጀውጀው ንዝብል ሕቶ ክምልስ ክፍትን እየ። ክልቲኡ ህዝብታት ብዙሕ ዘቀራርቦም እንከሎ ናይ ታሪኽ ሓደጋ ኮይኑ ኣብዚ ደረጃ ወሪድና ኣለና። ነቶም ብሕሳብና ደረጅኦም ከልዕሉ ዝደልዩ ኣይፋል ምባል ኣድላዪ እዩ። ሓጺር፡ ሓጺር ኮይኑ ሂወቱ ክመርሕን ብሕጽሩ ተመስገን ኢሉ ክነብር ዘሕፍር ኣይኮነን። 

 እዚ ውልቃዊ ርኢቶይ እዩ። ንህዝባዊ ግንባር ወኪለ ዝጽሕፎ ዘለኹ ኣይኮነን።

ክብሪ ንሰማእታትና!

ሓምለ 2019.

If you like what you have just read, please share.


 

ንኽብሪ 20 ሰነ

20 ሰነ ከኣ ትቐርበና እንድያ ዘላ፡ ሕጂ ምልባምን ምስትውዓልን ክነዕቢ ይግባእ ደቂ-ሃገረይ።

  1. ንስዉኣት ኤርትራ ንፖቲካዊ ሃልኪ ዘይምጥቃም፡ ብዝተኻእለ መጠን ንስሞም ዝበቅዕ ኣኽብሮት ምሃብ፡ ኣብ ዘድልየሉ እዋን ጥራይ ብኽብሪ ምልዓሎም። ኣስማትን ቅያን ስዉኣትና ኣብቲ ንኹልና ኤርትራውያን ዘራኽብ ሃገራዊ መቖወምያታት ጥራይ ብእወታዊ መልክዕ ምልዓሎምን ምዝካሮምን።
  2. ኣክንዲ ስሞምን ኣሳእሎምን ከም መወዓውዒ ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ምግባር (commercialize ምግባሩ)፡ ዓቕምን ድሌትን እንተሎ ነቶም ጥቓና ዘለዉ ስድራ ስዉኣት ምብጻሕ፡ ምሕጋዝ፡ ምጽንናዕን ምድባስን። እዚ ብኣካልን በቲ ዘሎ ተክኖሎጂታትን ክግበር ይከኣል፡ ብኸም ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን ናይ ዘተ መድረኻትን ዝኣመሰሉ መገድታትን ሸምዓ ብምብራህን…ወዘተ።
  3. ኹሉ ግዜ ክንዝክሮ ዝግባእ፡ ስዉኣት ኤርትራ ንልዑል ዕላማ (higher purpose) ማለት ንሰብኣዊ ክብርን ቑጠባዊ ዕብየት ኤርትራን እዮም ተሰዊኦም። ንኸተመኦም፡ ማይ-ቤቶም፡ ቐቢለኦም፡ ኣውራጀኦም ወይ ሃይማኖቶም ጥራይ ኣንቂሎም እንተዝኾኑ፡ ሰውራ ኤርትራ ዝበሃል ኣይምሃለወን። ስለ’ዚ ድማ፡ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ኣይምሃለወትን።
  4. ዝንቀፍ ህሉው እምበር እቲ ግቡኡ ዝፈጸመ ኣይኮነን።
  5. ስዉኣት ኤርትራ ካብ ኣብራኽ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ዝተወልዱን፡ ካብ ኩለን ሃይማኖታት ዝመጹን፡ ተባዕትዮን ኣንስትዮን፡ ንኣሽቱን ዓበይትን፡ ተጋደልትን ዋርሳይን ህዝብን፡ ደቂ-ከተማን ገጠርን፡ ዘካተቱ እዮም። ዝውንኖም ኣካል የለን። ንሶም እዮም ዝውንኑና።
  6. ስዉኣትና ዝወድቑሉን ዝተቐብሩሉን ቦታ ወይ ከኣ ዝተዋግኡሉ ኣውራጃ ወይ ህዝቢ መሪጾም ኣይፈልጡን። ንሓንቲ ዓባይ ኤርትራን ህዝባን እዮም ሓሊፎም።
  7. ክሉ ግዜ እንተዝግበር ጽቡቕ ምኾነ፡ ግን 20 ስነ ኣብ ዝቐራረበሉ እዋን፡ እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ፖለቲካዊ ምግጭጫባት ኣህዲእና፡ ከም ደቂ ኤርትራ እህን-ምህን ክንብልን፡ ምስ ሕልናና ዓሚቑ ምጉት ክንገብርን፡ ከም መሃሪትን ኣላዛቢትን ዕለት ተጠቒምናላ ናብ ግብራዊ መኣዝን ዝመርሕ መሪሕ ሓሳባት ከምዝፍልፍሉ ክንገብር ምጽዓር፡ እቲ ዝኽሪ ናይታ ዕለት እውን ብሓባር እንተዝኸውን ከመይ ምጸበቐ።
  8. ክሉ ክዕረ ወይ ክእለ ዝድለ ኣበር፡ ብሰንኮም ዝመጸ ኣይኮነን። ንሶም ኣብ ዕላምኦም ወዲቖም። ተሪፉ ዘሎ ከም ዜጋታት እንዳተመያየጥና ኣብቲ ንሶም ዘንበርዎ ሃገራዊ መሰረት ረጊጽና ብኽሉ መዳያታ ዝማዕበለት ኤርትራ ንምህናጽ ኣእጃምና ምግባር እዩ።
  9. ስዉኣትና ከይተገዳድዑ ተቓሊሶም፡ ብሓባር ጠምዮም፡ ብሓባር ዓሪቖም፡ ወዶምን ጓሎምን ንዓስርተታት ዓመታት ኣብ ጸበብቲ ጁባታት ድፋዕ ተኻኣኢሎም፡ ነቲ ጠላም ግዜ ብተስፈኦምን ሞራሎምን ንቕሓቶምን ስዒሮም፡ ነቲ ጸላም እዋን እውን ብፍሽኽተኦም ቐዲዶም እናተተኻኽኡ፡ ነዳዲ ጉዕዞና ኮይኖም፡ ብዝኸድዎ መጠን ቃልስና ንቕድሚት ክደፍኡ ናብ ናጽነት ኤርትራ በጺሕና። ድሕርኡ እውን ነታ ናጽነት ንምውሓስ ዝሰዓቡ ኣሽሓት ብሉጻት ደቂ ኤርትራ፡ ደቂ ኹልና እዮም- ኣሓትና፡ ኣሕዋትና፡ ኣቦታትናን ደቅናን እዮም፡ ደቂ ኤርትራ። ንሶምስ ብኽብሪ እዮም ሓሊፎም’ሞ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንኽብሮም ዝትንክፍ ኣይንግበር። ኣብ ጸበብቲ ጁባታት ድፋዕ ይተሓላለዩን ይከኣኣሉን ነይሮም’ሞ ንሕና እውን ንከኣኣል።

ዘልኣላማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

Eritreans fired up

I followed the Independence celebrations, conducted inside and outside the country. Eritrea indeed shines at 28!! And what makes it shine this year is the fact that the people, particularly, the youth, have taken stock of their affairs wherever they could.

Inside the country, the celebrations took the usual controlled and choreographed manner, albeit our people’s energy seemed to be more visible and their aspirations more unambiguous. Then came president Isaias Afeworki’s address which crushed the mood.

In the Diaspora, far away from the grip of fear, Eritreans demonstrated a strong sense of patriotism. Most, except few (include me there, if you will) had expected nothing new from president Isaias Afeworki. Hence, they had set up alternative conduits and platforms to express themselves, something that would not be accommodated in the usual government-controlled celebratory parties.

I tried to have a feel of both settings in my hometown. The mood and sentiments were not different if you would gloss over the official sloganeerings; deep down, people cared about their country; deep down, people conversed about the fact that the current modus operandi of the government is unsustainable. It is good to see my compatriots discuss pressing issues soberly.

What is even more satisfying is that our young people, some of them born here, sing power to the people. What is equally gratifying is that all sing Eritrea; they sing unity; they sing a peaceful transitioning to democracy, where the people will gain real power in deciding their collective fate. It seemed they are sending the last ultimatum to president Isaias Afeworki, either lead or get out of the way.

Unlike the previous attempts which were marred by ideologies and residues of bitterness, attributable to our armed struggle, this is a new wave, young people rising to take responsibility in writing their own course of history. It’s raw energy, ready to be utilized. The government failed to acknowledge its magnitude and give it the proper consideration it deserved. If grievances do not get the appropriate attention, they have a way of circumventing the ditches, barbed wires and information blackouts set by rulers to prolong their reign.

Obviously, the government has failed to give these young people space, it was unable to give Eritreans’ anxieties and expectations a recognition, as evidenced in President Isaias’ dry address, which did not alleviate Eritreans’ concerns. It appears his focus was the security of his power: a year after the peace deal with Ethiopia and there is no mention of the border demarcation, no mention of a political roadmap, and no release of prisoners of conscience.
So, people are saying, enough of ” just trust me.” And here is where the redundant and cumbersome style of governing the president trusts comes into a head-on collision with the firebrand youth, a social force armed with zeal and know-how.

While PIA keeps clinging onto the top-down, uncompromising militaristic style, where all decisions come down from the National Command post at Adi-Halo, Eritreans are demanding for a government that reflect the new era. They are demanding they must be included in decision-making. In short, we are demanding to be led by a government that we choose. Period. President Isaias had a chance to shed light on this matter, but he decided to ignore it. Well, then, we the people have no choice but to work towards creating conducive conditions that enable us to establish a kind of government that matches our aspirations.

There is a day when the cumulative grievances of people merge and create a sudden political eruption. By that time, it will be too late, as the renowned Tunisian poet, Abu Al Qasim AlShabli suggests.

If, one day, a people desires to live, then fate will answer their call.
And their night will then begin to fade, and their chains break and fall.
For he who is not embraced by a passion for life will dissipate into thin air,
At least that is what all creation has told me, and what its hidden spirits declare…

إذا الشعــب يومــا أراد الحيــاة فلا بـــد أن يستجيب القــدر
ولا بـــد لليــــل أن ينجلـــي ولابـــــد للقيـــــد أن ينكســـــر
ومن لم يعانقــه شــوق الحيــاة تبخــر فــي جوهــا واندثـــر
كـــذلك قالــت لــي الكائنــات وحدثنـــي روحهــا المستتـــر
ودمدمت الريح بين الفجاج وفــوق الجبــال وتحــت الشجـــر

English translation by Elliot Colla, taken from Elliotcolla.com

In conclusion, change is already in the air. Eritreans appear to have finally coalesced around essential issues, among which is establishing a country of institutions.

MS// May 2019.

24 ግንቦት፡ 2019

“ኤርትራ ዘውዳ ደፊኣ እያ፡ ነዛ ዘውዲ ዝትንክፍ ወይልኡ” ሓርበኛ ኣቦና ወልወል።
” ኣትሕዶ፡ ውፋቅ ውደው፡ ወ ረቢ እግል ልሰርግለኩም ቱ// ሓድነትኩም ኣጽንዑ፡ ተሰማምዑ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ከዕውተኩም እዩ” ሓርበኛ ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን። ዕላማን ቃልን መቃልስቶም፡ እቲ ቀዳማይ ስዉእ ኤርትራ፡ ሼኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ከየዕበሩ ዝተሰናበቱ ኣርካናት ሃገራዊ መንነትናን ሰረት ሃገራዊ ስኒትናን እዮም።

ኤርትራ ከኣ መበል 28 ዓመት ናጽነታ ኣብዒላ፡ ዘውዳ ክትንክፉ ዝሃቀኑ ኣይኮነሎምን። ክሳብ ዓቕምታት ኤርትራ ዝሰመረን፡ ኤርትራውያን ዜጋታት “ናትና”ዝብልዋ ክሳብ ዝኾነትን፡ ዘውዳ ዝትንክፍ ከቶ ኣይክህሉን።

ኣዝዩ ጽንኩር ዓመታት ሓሊፋ፡ ክግመት ዘጸግም ናይ ሂወትን፡ ማተርያልን፡ ማሕበራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዋጋታት ከፊላ፡ ናብ ሓድሽ ናይ እዋን ሰላም መዋእል ክትኣቱ ትሸባሸብ ኣላ። ብሓቂ እውን ናብ ተስፋ ዝድርዕ እዋናት ኢና ንኣቱ ዘለና። ኤርትራና እውን ንትጽቢታን ፍሽኽተኣን ዝመጣጠን ዘመን ክኾነላ ምንዮተይ እዩ፡ ካባይ ዝሕተት ክገብር እውን ድሉው እየ።

ኤርትራውያን ንናጽነቶም ብዝተፈላለየ ኣገባባት ኣብዒሎሞ ኣለዉ። ናይ ፖለቲካ ፍልልይ ንቡር ኮይኑ፡ ኣብቶም ከም ሓንቲ ሃገርን ሓደ ህዝብን ዘገድሱና መሰረታውያን ኣዕኑድ ክንሰማማዕን ፍልልያትና ብስልጡን ኣገባብ ክንመያየጠሉን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ኣብ መወዳእታ ደቂ ሓንቲ ሃገር ኢና፡ ፈቲና ጸሊእና ተኸኣኢልና ጥራይ ኢና ክንነብር እንኽእል።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ ናይ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ መደረ፡ ህዝቢ ዝግደሰሎም ጉዳያት ከም ኩነታት ዶብ፡ ሕቶ ህንጸት ፖለቲካዊ ትሕተ-ቅርጽን፡ ናይ እሱራት ኩነታትን ካልኦትን፡ እንኮላይ መሰረታትን ኣባላትን ህግድፍ ክሓቱሎም ዝጸንሑ ጉዳያት፡ መኣንፈቲ ሓሳባት ወይ ቀጥታዊ መግለጺ ክህብ ትጽቢት ነይሩ። ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕድል ዘምለጦ ኮይኑ ይስመዓኒ።

ሎሚ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ክርኢ ዝጽበ እንተሎ ኣዝዩ ገርሂ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሃንደበታዊ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ወይ ዕግርግር ክርኢ ዝደሊ እንተሎ እውን ወይ ገርሂ እዩ ወይ ድማ ንቅኑዕ ጠለባት ህዝቢ መዝሚዙ ስልጣን ክምንዝዕ ዝደሊ እዩ።

ብዓንተብኡ እውን፡ እቲ ትጽቢት ምጡን እዩ ነይሩ፡ ሎሚ፡ ብሃንደበት ዓበይቲ ፖለቲካውያን ተበግሶታት ክውሰዱ ከምዘይክእሉ ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ህዝቢ ኣንፈት ፖለቲካዊ ጉዕዞኡ ዘፍልጦን ተስፋ ዝህቦን ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ መሕበሪ ይጽበ ነይሩ።

ስለ’ዚ ድማ፡ ኤርትራውያን ክጋብኡን ኣብ ጉዳያት ሃገሮም ንጡፍ ሱታፈ ክህልዎምን ጻውዒትን ድፍኢትን ምግባር መሰሎም እዩ። እቲ ሰብኣዊ ዓቕምታት ናይ ኤርትራ ንምእካብ ዝግበር ዕማማት መንግስቲ እንተዝመርሖ፡ ንዕኡ ክብሪ እምበር ንስልጣኑ ዝህድድ ኣይምኾነን። ግቡእ መንግስቲ ኸኣ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ብዘይካ ናይ ዕርቅን ምትእኽኻብን ተበግሶታት ምውሳድ ካልእ ኣማራጺታት ክሉ ንብኽነት ጸዓትን ጸጋታትን ኤርትራውያን ዘሳጥሕ እዩ። ዝበኸነ ዓቕምታትና ይኣክል። ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ኣስፊሐ ክርእዮ እየ።

እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ግን፡ እቲ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተገልጸ ሰፊሕ ቑጠባዊ መደባት፡ ዘሰንዮ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ጽገናን ሕዳሰን ከይገበርካ ክዕወት ከጸግም እዩ ዝብል ስግኣት ኣለኒ።

እታ ኣገዳሲት ነጥቢ ከኣ፡ ካብቲ ንታኮሰሉ ዘለና ዕርድታት ወሪድና፡ ብሓላፍነታዊ መገዲ ክንመያየጥ ግዚኡ እዩ። ፖለቲካዊ ፍልልይ ናብ ዕዉር ጽልኢ ክመርሕ የብሉን። ናይ ኣራኣእያ ፍልልያት ምህላው ከም ጸጋ ውሲድና፡ ኣብ ኣገደስቲ ሃገራውያን ጉዳያት ናይ ራእን ተግባርን ስምረት ክህልወና ይግባእ፡ ዘመን “ኣውዲቕካ ሕለፍ” በብቕሩብ ክሰዓር ኣለዎ።

ናይ ገድሊ ወለዶ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ሰሪሑ እዩ። ብዝተሰርዐ ኣገባባ፡ ግብራዊ ሱታፈ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ሱታፈ መንእሰያትና ክነብርኽ ኣለና። እታ ሽግ ሓርነትን በትረ-ስልጣንን ናብቲ ዋሕስ ኤርትራ ዝኾነ ንኡስ ወለዶ ብዝተዋደደን ዝተሰርዐን መገዲ ከም ዝሓልፉ ንምግባር መደባት ምውጻእን ምትግባሮምን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ኸኣ ሓላፍነታውን፡ ንመጻኢ ኤርትራ ውሕስነት ዘቐምጥን እዩ።

ብሕጽር ዝበለ፡ ቅዋማውን ትካላውን ኣሰራርሓ ንምትእትታው ክጅመር ኣለዎ፡ ተጀሚሩ እንተሎ ድማ ኣብ ምንታይ ደረጃ ናይ ግስጋሰ ከምዝርከብ ክግለጽ ይግባእ ነይሩ። ዘመን “እመኑና” ክቕንጠጥ ኣለዎ። ዓበይቲ ናይ ህንጸት ፕሮጀክትታት ንምስልሳል፡ ነቲ ዕማም፡ ማለት ኣብ ውጥኑን፡ ትግባረኡን ምቁጽጻሩን፡ ዓቕሚ ( capacity) ዘለዎም ትካላትን ትካላዊ ኣሰራርሓን የድልዩ። ህዝቢ፡ ብልቡ ክሳተፍ እንተኾይኑ፡ ዝኣምነሎምን ዝኣምኖምን ትካላት ክህልዉ ኣለዎም።

ንሰፊሕ ጠመተ ኣብ ዝመጽእ ግዜ።

ማሕላይ ንኤርትራ ጥራይ እዩ።

ሓበረታ፡ 1- ቀጥታ ኣብ ፌስቡከይ እጽሕ ኣለኹ፡ ስእልታት ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ፡ ሼኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ብዘይምልጣፈይ ሕማቕ ይስመዓኒ።
2- እዛ ተጥቂመላ ዘለኹ ስእሊ ብጻይ ኣማንኤል ብጹኣምላኽ ዘሕለፈለይ እያ፡ ካብ ሓዳስ ኤርትራ ዝተወስደት ነይራ።

ክብሪ ንስዉኣት ኤርትራ።

Image may contain: one or more people, people standing and suit

Good riddance, Omar Al-Bashir, what an insane act of hoarding?

Mahmud Saleh

“A source in Sudan’s judiciary told Reuters news agency that suitcases loaded with more than $351,000, €6m ($6.7m; £5.2m) and five billion Sudanese pounds ($105m) were found at Mr. Bashir’s home.”

That is BBC’s report about Sudan’s deposed dictator, Omar Al-Bashir. Was he hoarding that amount of cash for himself, or he was used as a transit?

I think Omar Al-Bashir was used as an agent for the destabilization of the region. It is not hard to guess that the next targets were Eritrea and the government of PMAA of Ethiopia. Equally, it is not hard to suspect that the prime benefactors would be entities such as TPLF, OLF and the myriad pro-TPLF Eritrean factions which have been making futile attempts to ignite a civil war in Eritrea. Turkey, with its military might, and Qatar, with its petrodollars, are the prime suspects for delivering those amounts of cash in sealed suitcases.

You remember how some Eritreans were beating drums of war when Al-Bashir closed the border and accused Eritrea of hosting an Egyptian contingent that he said was vying to overthrow him. You also remember how some pro-TPLF Eritrean factions were busy to find a footing in Sudan.

If these were his ill-gotten personal money, would he let it sit in his residency? Wouldn’t he ship it out to secure accounts once he saw things were careening out of control?

I would bet that money belonged to the feared secret services, and it was meant not to go through the conventional banking system because the regime did not want it to be traced back to the spoilers. Good riddance, Mr. Al-Bashir.

ስለምንታይ እዩ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ብምስጢር ተቐዲሑ ተባሂሉ? እንታይ ምስጢር ስለዘለዎ እዩ?

ማሕሙድ ሳልሕ

ሃገር ናይ ክሉ፡ ውድባዊ ፖለቲካ ንውልቂ። ምስ ኣቶ የማነ ኸኣ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ኢና ንራኸብ። ሃገር-ጠቐስ ጉዳያት ኣብ ዝለዓሉሉ ግዜን ኣብቲ ዘሰማምዓና ምስኡ ክሰማማዕ፡ ግድን ኣይኮነን ህግድፍ ክኸውን።

ብመጀመርታ ግን፡ “ገበይ ደሓን ሖል ጊሳ” ምስላ ትግረ ምርኣይ ጽቡቕ እዩ።
መገዲ ደሓንሲ ዓመት ኪዳ ከም ማለት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ሃገርና ብብሄር፡ ሃይማኖትን ኣውራጃን ከምኡ እውን ብርኡይ ፖለቲካዊ ክድዓት ክትህደድ እንከላ ከብድና ሓቚፍና ንሓድር ነይርና።

ሎሚ ኣብ ደሓን መድረኽ በጺሕና ኣለና፡ እቲ “ፍታሕ ብጎነጽ ጥራይ እዩ ዝመጽእ” ኢሉ መራት ከላሺን ዘወጣውጥ ዝነበረ ወገን፡ ምስቲ ተሓንጊርዎ ዝነበረ ወያነ ኣብ መቐለ ተሓጺሩ ኣሎ። እቲ ንሃገራውነት ኤርትራ ከፈራርስ ትንዕ-ትንዕ ዝብል ዝነበረ ወገን እውን ሎሚ ብዛዕባ ሓድነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ክምድርን ክሰብኽን ይረአ ኣሎ። እዚ ውጽኢት ሰላም እዩ። ነዛ ሰላም ዝትንክፍ ከኣ ወይልኡ ክንብል ኣለና።

ምኽንያቱ ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈኖ ሕ/ሰብ ጥራይ እዩ ሃዲኡ ናይ መጻኢ ጉዕዞኡ ክውጥን ዝኽእል። ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ዘሎ ኣእምሮ ንናይ ሓጺር እዋን ዝሓስብ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ርግኣትን ሰላምን ዝዓሰሎ ኣእምሮን ሕ/ሰብን ግን ንናይ ነዊሕ ጉያ (መራቶን) እዩ ዝሓስብን ዝምድብን ዝቕረብን። ብሓፈሽኡ ክረአ ከሎ፡ ታሪኽ ኤርትራ ታሪኽ መራቶን እዩ። ምስታ ምስላ ትግረ ዝመሳሰል ኣካይዳ ኣለዎ።

ድሕሪ ናጽነትን ብብዙሕ ውረድ-ደይብ ሓሊፍና ኣለና፡ ብዙሕ ዕድላት ተኾሊፉና እዩ፡ ኣብዚ ድሕሪ ናይ መራቶን ጉያ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ዓወት ቀሪብናሉ ዘለና ግዜ፡ ከይነበላሽዎ ክንጥንቀቕ ኣለና። ተሪፉ ዘሎ ጉዕዞ ብሓላፍነታዊ መንፈስ ክንተሓሓዞ ኣለና።

ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ ስዑድያ ዝገበሮ ሰሚናር ሰሚዐዮ፡ ካብዚ ኽሉ ብዛዕባ ኤርትራ ዝፍኖ በራሪ ወረታት፡ እቲ ዝሓሸ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ። ብፍላይ ነቲ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ክናፈስ ዝጸንሐ ወረታት ብሓንቲ ቕላዕ ዘምከኖ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ብቐደሙ እውን “ቀስ በሉ፡ ኣይትተሃወኹ” ክንብል ጸኒሕና ኢና። ዳርጋ ንብሙልአን እተን ናይ “ተቓውሞ” ማዕከናት ክንበድብደአን ዝጸንሓ ወረታት ብሓንቲ ሰሚናር መኺነን ክንብል ንኽእል።
1. ምስ ኢትይዕጵያ ዝግበር ዝምድናታትን ስምምዓትን ኣብ ልኡላውነት ክልቲአን ሃገራት ዝተመስረተ እዩ
2. ብዘይካ እተን ክሉ ሰብ ዝፈልጠን ሓፈሻውያን ስምምዓት (ኣስመራን ጀዳን- ብመሰረቱ ትሕዝቶአን ዘፈላለ ኣይኮነን)፡ ካልእ ዝተገብረ ስምምዓት የለን ኢሉ። ሃየ በሉ እቶም ” ሃገር ብምስጢር ትሽየጥ ኣላ” ትብሉ ዘለኹም ጭብጢ ኣቕርቡ። The burden of proof is on you.
3. ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር፡ “ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣይክቐውምን” ኢሉኩም ኣሎ። ሃየ በሉ እቶም ንፕረሲደንት ጅቡቲ ኣሚንኩም “ውዕል መሸጣ ምጽዋዕ ወግዒ ኮይኑ” ትብሉ ዝነበርኩም መልስኹም!! The burden of proof is on you.

“ስለምንታይ ንየማነ ትኣምን” ተባሂለ ክሕተት ከምዝኽእል እፈልጥ እየ። መልሰይ ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ። “ስለምንታይ ኸ ንዓኹም እኣምን? ስለምንታይ ነዞም ዘይጭቡጥ ወረታት ዘላኽዑ ወገናት ዝኣምን?” ዝብል ይከውን። እቲ ዝሓሸ፡ ብመንግስቲ ይኹን ብተቓወምቲ ዝወሃብ ሓበረታታት ምስማዕን ምንባብን። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝበሃል መግለጺታትን በራሪ ወረን ምስ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ውድዓዊ ኩነታትን ምስ ታሪኽን ድሕሪ-ባይታን ናይቶም በሃልቱን ምዝማዱ ጽቡቕ እዩ።

ብዝኾነ፡ እታ ናይ የማነ ሰሚናር ኣቀዲማ ብራድዮ አረና ተዘርጊሓ ኣላ፡ ግን ክልጥፋ እየ። ኣቲ ዝገርመኒ ነገር ግን የማነ ስለምንታይ ንኸምዚ ሰሚናራት ተጸብዩ? ስለምንታይ ኣቀዲሙ ኣብቲ ሃገራዊ ትካላት (ኤሪ-ትቪ & ሓዳስ ኤርትራ) ዘይዘርገሖ፡ ምኽንያቱ እቲ ብህግድፍ ዝውደብ ኣኼባታት ብዙሓት ሰባት ብዘፈላለየ ምኽንያታት ተገሊሎምሉ ኣለዉ። እቲ ኣኼባታት ከመይ ኢሉ ሃገራዊ መልክዕን መንፈስን ስምን ሒዙ ክኸይድ ከምዝኽእል መራሕቲ እተን ማሕበረ ኮማት ክዛተዩሉ ዘለዎም ጉዳይ እዩ። ፖለቲካዊ እምነት ብዘየገድስ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ዝስሕብን ዘካፍልን ኮይኑ ክውደብ ኣለዎ።

ብዝኾነ፡ ክሉ ሰናይ ንደቂ ኤረ፡ ሓድነትና እዩ ዋሕስ ህላዌናን ቀጻልነትናን።
ዝተረፈ ዕማማት ከም ንዛዝሞ ዝኾነ ቅንጣብ ጥርጣረን ምውልዋልን የብለይን። ከምቲ ኣበዋት ዝበልዎ ግን “ገበይ ደሓን ሖል ጊሳ”፡ ፈጨው ምስ ዝበለ ክንርህጽ የብልናን። ከይተፈለጠና፡ ንናይ ካልኦት ጉዳይ ግዜናን ጉልበትናን ክነባኽን የብልናን።

ሰላምን ምርግጋእን ዝፈጠሮ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ኤርትራ ጥራይ እዩ እቲ ውሑስ ሰረት መጻኢ ፖለቲካ ኤርትራ ክኸውን ዝኽእል። ኣብ ኤርትራ ሓደ ንኹሉ ጫፋት ዘጠጥ ኣቢሉ ክስሕብ ዝኽእል; ክብደት ዘለዎን ንኹሉ ፖለቲካዊ ስግንጢራት ክጻወር ዝኽእልን ሃገራውን ገስጋስን ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትን ውዳበታትን ባህልን ኣሰራርሓን ክዕንብብ ኣለዎ። እዚ ድማ በቲ ትሕዝቶኡን ውዳበኡን እንታይነቱን ክፍለጥ ዘጸግም ካብ ደገ ዝፍኖ ዘመተታት ክፍጸም ኣይክእልን። እንታይ ደኣ፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝካየድ ቅዱስ ምፍሕፋሕ ናይ ኣተሓሳስባታት እዩ ክምዕብል ዝኽእል።

እዚ ዳይናሚካዊ ምፍሕፋሕ ክምዕብልን ክቀላጠፍን ድማ ሰላምን ምርግግፋእን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ህግድፍ ነዚ ታሪኻዊ ሓላፍነት ብዝግባእ ክዋጻእ ኣባላቱ ብፍላይ ድማ እቶም መንእሰያት ከቢድ ሃገራዊ ዕማም ወዲቑኩም ኣሎ። ውድብኩም ዳይናሚካዊ ክኸውንንን ናይ ህዝቢ ርኢቶታትን ጠለባትን እዋናዊ መልሲ ዝህብ ክኸውንን ክትጽዕሩ እላቦ። ሃገራውያን ምዃንምኩም ዝኽሕዱ እቶም ሒደት ነዛ ሃገር ዘቛሰሉ እዮም። ዓወትኩም ዓወት ኩልና ከምዝኸውን ኣየማትእን እዩ።

Sudan Enters Unchartered Waters.

Mahmud Saleh

Follow-up: The Ethiopian PM, Dr. Abiy Ahmed,  visited Khartoum in a bid to mediate the ruling Military Transitional Council (MTC) and the opposition, led by Sudanese Professionals Association (SPA). The outcome is not known. However, Khartoum is yet tense, with total civil disobedience called by SPA in effect. The last crackdown by the military council to clear protestors’ from a makeshift campsite in front of the armed forces HQ resulted in the loss of hundreds of casualties. The standoff in the streets continues.

There is a chance that the current popular uprising could be hijacked by radicals as the relation between the military and the opposition has repetitively hit snags, with intra-opposition relations showing widening chasms and the mistrust between the opposition and the ruling junta widening.

International and regional pressures and influences are growing on both sides. Regional powers appear to be supporting the junta’s strategy of a transitional period in which the military and the opposition can form a caretaker government while the country prepares for a general election. Western countries are pushing for an immediate civilian overtake. The foreign interference, however, has aggravated the situation. In a few instances, both sides seemed to have reached an agreement. Apparently, due to pressures being applied on both sides, setbacks have become a familiar trend.

Unless prudence reigns, the situation could go either in the direction of total military control or towards a weak and dysfunctional civilian government, which could take the country into a deepening abyss where a military coup will eventually take over. 

Here is the problem: the military, by its nature, drives legitimacy from the fact that it is the only national organ responsible for the defense of the country. The opposition led by SPA needs to understand that it is not ELECTED, hence, it does not have the legitimacy to govern right away, without a process that leads to an election. Therefore, it needs to be disciplined enough to work out a mechanism that leads to a general election where it could run based on platforms and governed by the constitution of the country, where it could win and govern with the blessing of the Sudanese people.

The second point missing is that the MTC has the responsibility of keeping law and order. I can’t imagine any government, including the USA, would tolerate its armed forces’ HQ blocked by demonstrators.

Therefore, I feel the opposition is getting emboldened by western powers who careless about the complicated nature of Sudanese politics, a country that is suffering from active revolts and civil wars. The military has a point when it emphasizes security. The opposition is fragmented and could claim any legitimacy to govern at this time. It could only find a way to work within a transitional mindset where the military is also a partner.

Below is an opinion I penned on 12April 2019. I still think the realistic outcome would be something similar to it.


I hope I am wrong, but here is my prediction regarding the Sudanese political change. UNLESS the following steps are taken, Sudan will plunge into chaos and, finally, the military will overtake control, which will resume the vicious cycle of military rule.
1. The military remains the guarantor of the transition.
2. A caretaker government forms by TECHNOCRATS representing the military and the political forces of the country, including known Sudanese academicians and professionals from around the world. The job of the government is to stabilize the Sudanese economy, restore its diplomatic links and prepare the country for transitioning into a full-blown civilian government. This government gets its legitimacy from a transitional charter that the majority of Sudanese political forces agree on. It defines the role of each component of the government (military/civilian) and maps out a road that would end in electoral democracy.
3. Forming an independent Commission to draft documents (constitution, parties laws, election’s laws, etc.) for the next phase, transition to democracy.
4. Forming an independent commission for investigating crimes committed by the Al-Basheer government against state and people of Sudan. The commission utilizes Sudanese and international laws to investigate and prosecute financial thievery and crimes against humanity.
5. An independent “Truth and Reconciliation” Commission to sort out crimes of less severity.
6. The Sudanese court system remains independent and untouchable
7. As the political climate clears up and matures, the role of the military phases out from day to day government tasks, as prescribed in the transitional charter.
8. As per the interim charter’s articles, the country enters a civilian multi-party democracy.
9. Instead, if the people insist on a “military-hand-off” position, as it seems the case is, the country will inevitably plunge into chaos because the parties are not in a position to form a government of national unity let alone tackle the immediate problems of the country, which are concentrated on security and economic matters.
10. I wish the people of Sudan success.