Happy September 1st!!

September 1st…
1. A date that shaped up and eventually sealed Eritrean identity. [Thank God, we don’t need to shop for identities. We are proud Eritreans, we stand united].
2. A date that commenced the arduous journey for independence, which took 30 years and cost us tens of thousands of our precious sons and daughters, concluding it in 1991.
3. A date that encapsulates the ideals of our martyrs, unity, freedom, justice, equality, and prosperity. [Never mind, we are aiming past Singapore’s stature. It will be done].
4. A date that reminds us to ask ourselves, “How far have we gone?”
5. A date that propels us to do more in order to achieve our aspirations.
6. Let’s move forward, united, in the spirit of September, to make the third miracle happen.
7. The first miracle was the birth of Eritrea itself
The second miracle has been the fact that Eritrea has emerged intact, albeit bruised, out of the last 20 years of isolating and strangulating policies of the hated TPLF regime.
The third miracle will be one that will set Eritrea in a secure developmental path, politically, economically and socially, aiming higher than Singapore.
8. I understand it takes generations to get ever closer to one’s aspirations, but the foundation is the one that demands heavy lifting. And we all need to pitch in. There are no opponents or supporters. There are patriotic Eritreans and there are the rest.
9. Other than misunderstanding and poor communication, when coming to the defense of Eritrea and its uniqueness, the majority of Eritreans (supporters of the government or opponents) are united; they strive to see Eritrea that is set in perpetual progress. Deep down, they are patriotic. The “rest” are those who buckled under the stresses of alien influences, who changed their minds on the idea of independent Eritrea, or who are rendering their services to the enemies of Eritrea for hire.

Eternal glory to our martyrs.

እወታዊ መንፈስ ኣማዕብል

ዝዛረብ ወገን ኣሎ፡ ኮፍ ኢሉ ዝፈላሰፍ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ምስ ኣኻውሕን ምድረበዳታትን ዝራጸም፡ ሃብቲ ብስራሕ ጥራይ ከም ዝኽዕበት ዝፈልጥን እዚ ኣምር እዚ ድማ ምስ ደሙ ዝተሓዋወሰን ህዝቢ ትርኢ። ሽዑ “መን እየ ኣነ” ኢልካ ንነብስኻ ክትሓትት ትግደድ።

ስለ’ዚ ኸኣ፡ እንተክኢለ መተባብዒ ዝኸውን ነቐፈታዊ ምዕዶ እልግስ፡ እንተዘይክኢለ ግን ብዙሕ ክሳለጥ ዝግበኦ ውልቃዊ ጉዳያት ኣለኒ ‘ሞ ናብኡ ከብል እኽእል። ነቶም ንቑጠባውን ጸጥታውን ብደሆታት ፊተ-ፊት ገጢሞም ዝረባረቡ ዘለዉ ወገናት ክምድር ኣየምሕረለይን እዩ።

ናይ ሎሚ ርኢቶይ ነቶም ኣብ ዳግመ-ህንጻ ተዋፊሮም ምስ ሓጻውንን ኣኻውሕን ዝጓነጹ ዘለዉ ደቂ ትሽዓተ ብሄራት ኤርትራ ዝኾኑ ዋርሳይ ምስ ረኣኹ ጦብላሕ ዝበለትኒ እያ።

ብተወሳኺ፡ መራሕቲ መንግስቲ እቲ ብህዝቢ ዝወሃበክም ዘሎ ደገፍ ከም መረጋገጺ ኣሳልጦን ጽፈትን ስራሕክም (performance) ዝወሃብ ባጀላ ከይወሰድክምዎ፡ ብዙሕ ዝመሓየሽ ከም ዘሎ ተረዲእክም፡ ጀሚርኩሞ ዘለኹም ህዝባዊ ጽምዶ (public engagement) ቀጽልዎ። ኣብ ኣኼባታት ዘጋጥሙ “በዳህቲ” ዝበሃሉ ሕቶታት ይምጽኡ። ዘፍርሕ ወይ ዘሻቅል የብሉን። ንኤርትራ ካብቲ ንህላወኣ ኣዝዩ ኣስጋኢ ዝነበረ ኩነታት መሪሕኩም ኣውጺእኹማ ኣለኹም። ሕጂ ኸኣ ሰላምን ቑጠባውን ምርግጋእን ገይርኩም ነቶም ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ንኤርትራዊ መንነት ዝጫረት ካልእ መንነት ዘይብሎም ዋርሳይ ኣውርስዋ።

ከምቲ ተዛረብቲ እንግሊዝ take the bull by the horns ዝብልዎ፡ ንሃለልቲ ድማ ብሓቅን ጭብጥን ኢኻ ትሕዞም፡ ተቃለዖም። ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓምለ 9፡ 2018 እዩ ብወግዒ ተዓጽዩ። ምጽብጻብ እንተኮይኑ፡ ብዙሓት ካብቶም ከም ብጹኣን ኮይኖም ዝቐርቡ ዘለዉ ዝሕተቱሉ ጉዳያት ኣሎ። ናይ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት መርገጺታትክም ኣብርሁ ጥራይ ክበሃሉ ኣለዎም።

ብዝኾነ፡ ሓይልና ኣብ ምብርባር እወታዊ መዳያትና ኮይኑ፡ ናብ እህን-ምህን ንበሃሀለሉ ሃናጺ መድረኽ ገጽና ክነማዕዱ ይግባእ። እምበር ምጽብጻብ እንተኮይኑስ፡ ብዙሓት ኣይክሕወሱናን እዮም።

ተራ ህዝባዊ ርክባት

ነቲ ክብርቲ ሚኒስተር ፍትሒ፡ ፎዝያ ሃሽም፡ ኣብ ተክሳስ ዘካየደቶ ታሪኻዊ ኣኼባ ዝምልከት ዝተፈላለየ ቑርጽራጽ ክሊፓት ክበጽሓኒ ጸኒሑ። እቶም ብስነ-ስርዓት ሕቶታትክም ዘቕረብክም ዜጋታት ክመጉሰኩም ግቡእ እዩ። እቶም ንሚኒስተር ፎዝያ ክትድህሉን ክተናሽዉን ክተዋርዱን ተዓጢቕክም ነድርን ዘለፋን ዝበዝሖ ኣቀራርባ ክትጥቀሙ ዝሓሰብክም ሰባት፡ ዕላማኹም እቲ ኣኼባ ከም ዝህወኽን ካብ ቁጽጽር ከም ዝወጽእን ንምግባር ዝነበረ ይመስል። ከም ዝሰማዕክዎ ግን ኣዝዮም ውሑዳት ምንባሮም ጽቡቕ ነገር እዩ። ዝኾነ ኮይኑ ግን፡ ነዞም ሓደ ክልተ ረበሽቲ፡ ሚኒስተር ፎዝያ ሃሽም፡ ኣብቲ ንስኹም ትፈልጥዎ ዓዲ መጺኣ፡ ገጸ-ገጽ ገጢማትክምስ ማይ ዝሑል ኣፍሲሳትልክም ቅሩብ ኣዛሓሒላ ሰዲዳትክም ኣላ። ነቲ ዘልዓልኩሞ ጉዳያት ብዕቱብ ክትሓስቡሉን ክትመራመሩሉን ነቲ ዝተሓላለኸ ጠንቅታቱ ድማ ክትብርብርዎን ድማ ክሳብ ዝመጽእ ኣኼባ እኹል ግዜ ኣለኩም።

ዝበዝሑ ብስም ተቓወምቲ ዝፍለጡ ብስነ-ስርዓት ከም ዝሓተቱን እቲ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣኼባ ብዓይነቱ ሓድሽ ምንባሩን ክተባባዕ ከምዘለዎን ዘመልክት ርድኢት ሒዞም ከም ዝወጹን ዝበጽሓኒ ሓበረታታት የረጋግጽ። እወታዊ ጅማረ ጥራይ ኢለ ክሓልፎ። ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ዘለኒ ርኢቶ ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከጠቓልል እየ።
1- መራሕቲ መንግስቲ፡ መራሕቲ ኩልና እዮም፡ ማለት መራሕቲ ደገፍትን ተቓወምትን ኣብ መንጎኡ ዘለዉን ዜጋታት እዮም። መራሕቲ መንግስትና፡ ካብ ወጻእተኛታት (ጋዜጠኛታትን ልኡኻት ሃገራትን ኣጀንሲታትን) ንዝመጽኡ ተረርቲ ሕቶታት ክምልሱ ቅሩባት ካብ ኮኑ፡ ካብ ዜጋታቶም ዝመጽእ ሕቶታትን ነቐፈታዊ ርኢቶታትን ክቕበሉ ዘጸግሞም ኣይመስለንን። ስለ’ዚ፡ ብስም መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ወግዓዊ ኣኼባታት ንኹሉ ክፉት ክኸውን ኣለዎ። ህግድፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕጹው ኣኼባታት ከካይድ ይኽእል።
2. ኩለን እተን ውክልና መንግስቲ ይኹን ቁንስላዊ ጉዳያት ዝተኣናገደለን ወይ ድማ ምስ’ዚ ወግዓዊ ስራሕ ዝተኣሳሰራ associated ዝኾና) ከምኡ እውን ምስ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ቅርበት ዘለወን ማሕበረ ኮማት፡ መራሕተን ኣስፊሖም ክሓስቡ ይግባእ። ንቑመና ሃገር ዝመጣጠን ኣተሓሳስባን ባህርን ከዘውትሩ ትጽቢት ይግበረሎም። ኣብ ስርሖምን ንጥፈታቶም ተኣማሚኖም፡ ንኽሎም ብሰላምን ስነ-ስርዓትን ኣብ ኣኼባታት ክሳተፉን መራሕቶም ክሓቱን ዝደልዩ ዜጋታት ከተባብዑን ከሳትፉን ክጽዕሩ ይግባእ። ዝያዳ ነቲ ዘይተረደኦን ነቲ ነቓፊ መንግስትን ዘሳትፍን ናይ ሕቶን ርኢቶን ዕድል ዝህን መድረኽ ከዳልዉ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ምስ ኣካይዳ መንግስቲ ዝሰማማዕ ወገን ሓበረታ እዩ ዘድልዮ እምበር ክተእምኖ ግዜኻ ኣይተጥፈኣሉን። እቲ ግዜን ጸዓትን ዘድልዮ እቲ ንመንግስቲ ዝቃወም ወይ ዝነቅፍ ወገን እዩ። ዝበዝሕ ግዜ፡ ጠቓሚ ትምህርቲ ዝያዳ ካብቲ ካባኻ ፍልይ ዝበለ ሓሳባት ዘለዎ ወገን እዩ ዝርከብ፡ ንዓኻ ዝመስል እሞ ከማኻ እንድዩ ዝሓስብ።

እዚ ድማ፡ ከምቲ ሚኒስተር ፍትሒ፡ ክብርቲ ፎዝያ ሃሽም፡ ዝገበረቶ ኣብ ቃልዕ ምስ ዝኸውን፡ ብስለትን ምትእምማንን መራሕቲ መንግስቲ ጥራይ እዩ ዘርኢ። ካልእ ዒብ ኣይርከቦን። ከመይሲ፡ እቲ ናብ መንግስቲ ዝቐንዐ ነቐፈታታት ዝሕባእ ኣይኮነን። ኣብ ሚድያን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣሎ።

ምስዚ ዝተኣሳሰር ጉዳይ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናይ መኸተ፡ ኣብ መንጎ ነጠፍቲ ክልቲኡ ወገናት ዝተፈጥረ ክሳብ ደረጃ ውልቀ-ሰባት ዝወርድ ባእስን ምቅርሓንን ክንቖጻጸሮን ክነዝሕሎን ይግባእ። ብሓላፍነታዊ ወኒ ክንትክኦ ይድለ ኣሎ። ካብቲ ገራጭን ተባኣስን ኣካይዳ ወጺእና፡ ንሰባት ብሓቅን ርትዕን ከእምን ዝኽእል (persuasive) ሜላ፡ ከምኡ እውን ሰሓብን ኣሳሳይን ኣቀራርባ ምዝውታር ግዚኡ እዩ። “መርሓባ እቶ፡ ጉዳይካ እንድዩ፡ ሕተት፡ ግን ሕግታት ኣኼባና እዝን እዝን ይመስል” ምባልን ልዕሊ ጽልእን ቅርሕንትን ቦሎኽ ኢልካ፡ ዜጋታት ክድግፉ ጥራይ ዘይኮነስ ክነቕፉ እውን መሰል ከም ዘለዎም ፈሊጥትካ ምስራሕ። ነቶም ናብ ምንህሃር ክወስዱኻ ዝደልዩ ድማ ብህድኣት ምብደሆም።

  1. ናብ ኣኼባ እንሳተፍ ድማ፡ ሰላምን ጸጥታን ኣኼባ ከይንዘርግ ግቡእ ከም ዘለና ክንፈልጥ ይግባእ። ኣኼባ ስሩዕን ውዱብን (structured) ማሕበራዊ ርኽክብ እዩ። ቦታ ሰላማዊ ሰልፍን ጭርሖታትን ዋዕዋዕታን ኣይኮነን። እቲ ሕግታት( ground rules) ናይቲ ኣኼባ ዘውጽእን ዘመሓድሮን ኣካል ድማ እቲ ነቲ ኣኼባ ዘዳለወ ወገን እዩ። ረብሻ ንዝፈጥሩ ሰባት ክስጉግ መሰሉ እዩ። ስለ’ዚ፡ ንሕሰብ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት መሰል ካልኦት ኣኼበኛታት ከይንደፍር ክንጥንቀቕ ይግባእ። ምፍርራህ፡ ምጉብዕባዕ፡ ብደዐ፡ ዘለፋ፡ ነድሪ ዘለዎ ኣዘራርባ ወይ እውን ጉጅለኣውን ውድባውን ካልእ ጸበብቲ ጉዳያትን ምዝርዛር፡ እቲ መድረኽ ከም ናይ ምጉት (debating platform) ገይርካ ምቑጻር ጌጋ እዩ። ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ርኢቶታትንን ኣተሓሳስባን ዘለዎም ኣኼበኛታት ዝሳተፉሉ ኣጋጣሚ ስለዝኾነ፡ ከም መጎሳጎሲ ናይ ጸቢብ ፖለቲካዊ ርኢቶኻ እትጥቀመሉ መድረኽ ኣይኮነን። ንኹልና ዘገድሱ ዛዕባታት ዝዝተየሉ መጋብኣያ እዩ እሞ ዝመጽእ ሕቶታት ይኹን ርኢቶታት ካብ ስምዒት ወጺኡ ነቲ ካልእ ኣኼበኛ ዘይርብሽን ብመሰረት ዝወጸ ቅጥዒ ኣኼባ ዝምራሕን ምስ ዝኸውን እቲ ዘቕርቦም ሰብ ክብረት ይረክብ፡ ኣኼበኛ ድማ ይጥቀም። ስለ’ዚ፡ መሰል ምስታፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕግታት ኣኼባን ሰላም ተጋባእትን ናይ ምኽባር ግቡእ እውን ኣለካ እዩ።

  2. እንተደኣ መንግስቲ ብሓይሊ ክተውድቕ፡ ወይ ኣብ ሃገር ናዕብን ዕግርግርን ክትዘርእ ትሰርሕ ኣለኻ ኮይንካ፡ ኣብቲ ኣኼባ ክትሳተፍ መሰል እውን የብልካን። ምኽንያቱ ንስኻ ነቲ ኣኼባ ዘካይድ ዘሎ መንግስቲ ከም ጸላኢ ቆጺርካ ብሓይልን ዓመጽን ክተወግዶ እትሰርሕ ስለዝኾንካ፡ መንግስቲ እውን ንዓኻ ከም ጸላኢ ቆጺሩ ክስዕረካ እዩ ዝሰርሕ እምበር፡ ኣብ ኣኼባታት ሰቲ ክንስንሰልካን እሩሩ ክብለካን ኣይኮነን። ስለ’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ናዕብን ዕግርግርን ፈጢርካ መንግስቲ ክተውድቕ ትሰርሕ እንተኴንካ፡ ኣብ ደገ ሕግታት ብዘፍቅድዎ ኣገባብ ሰልፊ ክትገብር ትኽእል። ኣብቲ ኣኼባ ክትኣቱ ግን ትጽቢት እውን ክህልወካ የብሉን ዝብል ርኢቶ ኣለኒ። You have no business to be in the meeting. ምኽንያቱ፡ ኣኼባ ነቶም ብሰላማዊ ኣገባብ ምስ መንግስቶም ኣብ ጽምዶ ክኣትዉ ዝደልዩ ዜጋታት እዩ ዝዳሎ።

  3. ብሓፈሽኡ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ክደጋግሞ ዝጸናሕኩ፡ ነቶም ውሑዳት ጸረ ሃገር ነጠፍቲ ገዲፍካ፡ ናይ ግንዛበ ( perception) ጸገም እንተዘይኮይኑ፡ ዝበዝሕ ኤርትራዊ፡ ሃገርና ካብዚ ንዕስራ ዓመታት ሓሊኹዋ ዝጸንሐ ኩነታት ወጺኣ ንቅድሚት ክትምርሽን ነዚ ሕጂ ዝገዝእ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ድማ ነዛ ሃገር ናብቲ ዝቕጽል መድረኽ ብዓወት ከሰጋግራ ከም ዘለዎን ነቀፈታውን ሃናጽን ጽምዶ ክልግሰሉ ከምዝግባእን ይሰማማዕ እዩ። ኣብተን ክዕረያ ኣለወን ዝበሃላ መሰረታውያን ጉዳያት እውን ስምምዕ (consensus) ዘሎ ይመስል። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ክድፈኣሉን፡ ናብ ምትሕቑቛፍን ምጥናፍን ዓቕምታት ኤርትራ ክነመርሕ ናይ ግዜና ጠለብ ኮይኑ ይስመዓኒ።
    ዎ ደሓንኩም።
    —————–++
    ንፋስ ቪርጂንያን ዲሲን ለኽይኒ ኣሎ። ናብቲ ናይ ቀደምካ ህድእ ዝበለ ቃና ተመለስ ይብለኒ ኣሎ። ጥዑም ንፋስ፡ ጥዑማት ሰባት፡ ንኹልኹም ኣዕሩኽናን መጋድልትናን መቅርብናን ልባዊ ምስጋና የቅርብ። ዝገበርኩምልና እንግዶት ብዓይነት ክንከፍሎ ከጸግመና እዩ፡ ግን ናብ ዓድና ጥራይ ምጹ እብለክም።
    ብስም ስድራይ፡ ምስ ፍቕራዊ ሰላምታ። ቻው ንሕጂ።

መለስ ካብ መቓብር

ኣብ 1990፡ መለስ ዜናዊ ምስ ሓደ ፖል ሀንዝ ዝተባህለ ኣሚሪካዊ ጸሓፍን ሰላይን ቃለ- ምሕትት ገይሩ ነይሩ። ፖል ሀንዝ ሓደ ካብቶም ኣንጻር ናጽነት ኤርትራ ናይ ሓይለበኦም ዝተቃለሱ ክኸውን ከሎ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዝጸሓፈን ንገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣመላኪዑ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዘቕረበ ሰብ እዩ።
ኣብቲ ነዊሕ ቃለ-ምሕትት፡ መለስ ከም ልሙድ ብዛዕባ ውድቡን ቅኑዕነት መስመሩን ብዙሕ እዩ ዝዛረብ። ንሱ ዘገድሰና ኣይኮነን። ዝግደስ እንተሎ ድማ ነቲ ቓለ ምሕትት ኣብ ታሕቲ ክልቅቦ እዩ።
ኣብዚ ግዜ ዘገድሰና እቲ መለስ ሽዑ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ዝበሎ እዩ። ኣብ ትግራይ ናይ ሓድነት ጸገም ከምዘይነበሮም ክገልጽ ክሎ፡ ኣስላም ትግራይ 10% ጥራይ ከም ዝኾኑን ንሶም እውን ቅድሚ ሃይማኖቶም ንትግራይ ከም ዘቐድሙ ጠቒሱ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ፍርቁ ኣስላም ፍርቁ ድማ ክርስትያን ስለዝኾነ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ሃይማኖታዊ ናዕብን ምግምማዕን ክፍጠር ከምዝኽእል ተነብዩ። ኤርትራውያን ከም ሃገር ክቖሙ በዳሂ ሽግር ክገጥሞም ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ መለስ ዝተነበዮ ነይሩ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎን ዝነበረን ውዱዕ ኩነታት ግን ንበይኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ ብመስዋእቱ ዝሃነጸን ብዙሕነቱ ድማ ከም ጸጋ ዝቕበልን ሓያል ሃገራዊ ጥምረት ዘለዎ ህዝቢ እዩ። እዚ ንይምሰል ዝበሃል ዘይኮነስ ኣብ ቀጻሊ ፈተነታት ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ሕጂ እውን ንቔናን ትንታነ መለስን ዝንቡዕ ትንቢቱን ንጎኒ ገዲፍና ናብቲ ዝያዳ ተገድሰና ነጥቢ ክነምርሕ።

ድሕሪ ናጽነት ብፍላይ ድማ ድሕሪ ወራር ወያነ፡ መለስ ዜናዊ፡ ኤርትራ ንነዊሕ ክትሰርር እያ ኢሉ ዝገመተ ኣይመስልን። ኣህጉራዊ ፍርዲ ብይን ዶባት ነጺጉ፡ ንወደባት ኤርትራ ናብ “ዒላታት ኣግማል ክንቅይረን ኢና” ብምባል ናብ ውሽጢ ኤርትራ ዝቐንዐ ኣዕናዊ ዘመተታት ተታሕዞ። ኤርትራውያን ናብቲ ኣብ ትግራይ ዘዳለዎ መዓስከራት ክሰግሩ ኣተባቢዕዎምን በቶም ናይ ስለያ መሓውሩ (ኤርትራውያን ዕሱባት ዝነበርዎን ዘለዎን) ካብ መንበሪኦም መሳለጥያታት እና ኣዳለወ ነቲ ናይ ፍልሰት ዘመተ ተታሓዞ።
ነቶም ብስም “ተቓውሞ ኤርትራ” ኣብ ትግራይ ዕግሽግሽ ዝብሉ ዝነበሩ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ብሃይማኖታውን ኣውራጃውን ብሄራውን መልከዓት ክሰርሑ ኣተባብዖምን ሓገዛቱ ወፈየሎምን። ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ ወተሃደራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስራሓት ከካይዱ መሳለጥያታት ኣዋዲድሎም። ወያነ ንክብደት ኢትዮጵያ ተጠቒሙ ኤርትራ ንምስይጣንን ንምንጻልን ውሽጣዊ ርግኣታ ንምሕማስን ነዞም፡ኤርትራውያን ባእታታት ከም ቀንዲ ብልሒ ናይቲ ወያናይ ኲናት ክኾኑ ዓለሞምን ኣዋፈሮምን። ኣብ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ጭቖና ከምዝነበረን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኣንጻር ገለ ብሄራት ዝቐንዐ ናይ ምጽናት ወፈራታት (genocide) ይገብር ከምዝነበረን ዘመስል ጎስጓሳት ኣብ መጋብኣያታት ዓለም ኣወዓወዐ። ሕጂ እውን እዞም ኤርትራውያን ወየንቲ ከም ፊተውራሪ ናይቲ ንሓድነትን ናጽነትን ኤርትራ ዝፈታተን እኩይ መጥቃዕታት ኮይኖም ሰሪሖም። ኢፍትሓዊ እገዳታት ሃንዲሱ ብኣገበርቱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከም ዝረግእ ገይሩ። እታ ኤርትራ ትበሃል ገረብ ረማዕ ኢላ ክትወድቕ ተጸበየ፡ ተማህለለ፡ ከዋኽብቲ ቖጸረ። ዓመታት ሓሊፉ። ኤርትራ ግን ክትወድቕ ዘይኮነትስ፡ ነቕነቕ ክትብል እውን ኣይከኣለትን።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ንናጽነታዊ ቃልሱ ኣየባኾረን። ናይ ሃይማኖትን ባህልን ፍልልያት ኣብቲ ዝኸፍአ ናይ 20 ዓመታት ከበባ ወያነ እውን ከፋልሶ ኣይከኣለን። ኤርትራ ገና ደው ኢላ ኣላ።ደው ኢላ ጥራይ ዘይኮነትስ ትዓኩኽን ትስስንን (thriving) ኣላ። መለስ ዜናዊ ሞት ኤርትራ ከይረኣየ ንባዕሉ ሞት ቀዚፋቶ።
መለስ ዜናዊ ብኣካል ደኣ ኣይሃሉ እምበር፡ እቲ ሰራም ፖለቲክኡን ብኡ ዝተለኽፉ ትግራዎትን ኤርትራውያንን ባእታታትስ ጌና ንእኩይ ውዲታት መለስ ይቕጽሉዎ ኣለዉ። ሎሚ እሞ ኣብ ናይ ጭንቀት ዓለም ኣብ ዘለዉሉ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ በቲ መለስ ዝተመነዮ ብውሽጣዊ ግርጭታቱ ካብ ዘይተበታተነ፡ ስለምንታይ ነቲ ብሄራዊ መዳይ ዘየሳውሩ ኸ? ንምዃኑ ክሉ ሓደ እንድዩ። ግን ቅሩብ ሓድሽ ላዛ (flavor) እንተመሰለ ኣይፍለጥን። ዝቐንዖም ክመስሎም ይኽእል ይኸውን።

ክሳብ’ቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብተበተብ ናብ መቐለ ዝተባረሩሉ ግዜ፡ “ትግርኛ ኤርትራ ምኩሕ እዩ፡ ሕቖኡ ክንሰብር ኣለና” ይብሉ ከምዘይነበሩ፡ ካብቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንመቐለ ዝገበርዎ ህድማ ረሃጾም ከየንቀጹ፡ “ኣሕዋት ኢና” ክብሉን ክመጻደቑን ተራእዮም። እቲ ቀንዲ እስትራተጂ ድማ ኣብ ምጉሕጓሕ ኢትዮጵያ ቦታ ከምዘይብሎም ካብ ደምደሙ፡ ኣብ ኤርትራ ቦታ ክድክኑ ክፍትኑ ኣለዎም። ነዚ ንምግባር ድማ ነቲ ሕቖኡ ክሰብሩ ሒኽ ዝበሉ ህዝቢ ከበሳ ኤርትራ ንምጥባር ምጽዓር። ይቕረታ እውን ከይሓተቱ። ካብ ኣሕዋቱ ኤርትራውያን ንምንጻሉ ፈተነታት ምግባር። ብጥልዕ ግንብስ ከኣ ዘርክቦም የለን። ንፉዓት ተዋሳእቲ እዮም ዝበሃል።

ቅድሚ ሕጂ ከምዝበልክዎ፡ እዞም ባእታታት እዚኦም ንህዝቢ ኤርትራን ስነልቦናዊ ኣቃውኡን ዝርድኡ ኣይመስሉን። ህዝቢ ትግርኛ ምስ ካልኦት ኣሕዋ ብሄራት ኣብ ዕርዲ ናጽነት ዝነኸሰን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለን ክቡርን ሕቡንን ኤርትራዊ ህዝቢ እዩ። ቀንዲ ቀላስን ዓንዲ-ሕቖን ናይቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ ቃልሲ ምዃኑ ዝዝንግዑ ዘለዉ ይመስሉ።

ትግርኛ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ እቲ ምስ’ቲ ኣብ ስግሪ ዶብ ዝርከብ ትግራዋይ ክህልዎም ዝኽእል ባህላውን ታሪኻውን ምትእስሳራትን ኣብ መንጎ እቲ ብደም ዝተሃንጸ ምስ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ዘለዎም ሃገራዊ ኪዳንን ዘሎ ፍልልልያት ኣጻርዮም ዝፈልጡን ኣታዓረቕቲ ዘይደልዩሉ ጉዳይን እዩ።

ካብ ዘይቅሱን ኣእምሮ ገዛእቲ ትግራይ ዝምንጩ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባታት ክሳብ ዘለዉን ነዞም ኣተሓሳስባታት እዚኦም ከሳግሙ ቅሩባት ዝኾኑ ኤርትራውያን ክሳብ ዝተረኽቡን፡ ገዛእቲ ትግራይ ትንቢት መለስ ክሳብ ዝረጋገጸሎም እቲ ፈተነታት ምቕጻሎም ኣይተርፎምን እዩ። ይኹን እምበር ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብለውላዋት “ፈሊጣን” ዝዝረግ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ንወገኑ ኣሕሊፉ ኣይህብን፡ ኣብ ልዕሊ ወገኑ እውን ኣይጸምድን እዩ። እንተ እቲ ተዋስኦታት ንዕዘቦ ከምዘለናን ከም ኩሎም ኣንጻር ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈተኑ ውዲታት ክሃፍፍ ምዃኑ ንምዝኽኻር ጥራይ እዩ።

እቲ ምስ ኤርትራ ዘተኣሳስር ጸገም ናይ ወያነ ንዝፈረሙሉ ኣህጉራዊ ስምምዓት ዘይምኽባሮም እዩ። ናይ ህዝብታት ዘይምቅዳው ዘይኮነስ ሕጋዊ ጉዳይ እዩ። ምስ ዝምድናታት ህዝብታት ዝተኣሳሰር የብሉን። ሕጂ እውን ኣዳራሻት መቐለ ዘተኣናገደ እንተ ኣተኣናገደ፡ ወያነ ነቲ ዝፈረመሉ ስምምዕ ከኽብር ጥራይ ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ጸገም የብሉን።
—————

TASSEW.WORDPRESS.COM
Meles Zenawi’s interview with Paul Henze 1990

ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብኢ ናብ ገረቡ?

ብዙሕ ከይተዛረብኩ፡ ነዛ ትስዕብ ነዋሕ ጽሕፍቲ ከተንብቡ እጋብዘኩም። ቅድሚ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ምፍርራሙን ቅድሚ እቲ ወያነ ረዖኣኦም ከይጠቕለሉ ብእግረይ-ኣውጽእኒ ናብ መቐለ ሃጽ ዝበሉሉ፡ ገና ጎባልል ኮይኖም ናይ ምቕጻል ሕልምታቶም ህያው ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እያ ተጻሒፋ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግን ተዛመድቲ ዝኾኑ ኣርእስታት ዝነበረኒ ኣራኣእያ እውን ትገልጽ እያ። ነቶም ከምዚ ቅጽበታዊ ሪት-ለስ ዝገበርኩ ገሮም ዝገልጹ ሰባት እውን መልሲ እያ።

ብፍላይ ኣብቲ እዋናት’ቲ ኣብ ኤውሮጳ ደቂ 60-70 ዝኾኑ ሽማግለታት ነቶም ፍሉጣት ጸረ-ኤርትራ ዝኾኑ ወጻእተኛታት ከውሊ ጌሮም፡ መንእሰያት ህግድፍ ኮንፈረምሶም ከይገብሩ ከጨናንቑሎም ምስ ረኣኹ፡ ተገሪመ። ዝርዝር ኣብቲ ጽሑፍ ክትረኽብዎ ኢኹም። ከምኡ እውን ሓደ ኤርትራዊ “ሊቕ” ንመንነንት ህዝብና ዝወቅዕ ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ክፍኑ ምስ ረኣኹ፡ “እዛ ቡርኩታስ ገለ ኣላታ” ክብል ጀሚረ። እቲ ሊቕ፡ ሎሚ ዓመት እውን ኣብ መቐለ ተረኺቡስ፡ ዝወከሎ ዘይብሉስ ብስም ህዝብና ዱድ ኢሉ ክብሉ ሓቢሮምኒ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ብስም ” ኤርትራን ትግራይን ሓደ ኢና” ክተወዓውዕ ከለኻ፡ ዘለናዮ ፖለቲካውን ጸጥታውን ሓለት (context) ወሳኒ እዩ። ካድረታትን ነጠፍትን ወያነ ስለምንታይ ሎሚ ከምዚ ዝኣመሰለ እዱድ ዘመተ የካይዱ ኣለዉ ኢልካ ምሕሳብ። እምበር እቲ ጀኦግራፊ ይኹን እቲ ታሪኻውን ማሕበራውን ምትእስሳራት ናይ ህዝብታት’ኮ ኣይተቐየረን። ዝተደናገረሉ ወገን እውን የለን።

ወያነ ስለምንታይ ብሃንደበት ኣብ ሕንክስክስን ለመጭመጭን ኣትዮም ንፈልጦ ኢና። ሕጂ ኣብኡ ግዜኹም ኣይክወስድን። እዚ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዝተጻሕፈ ገምጋማዊ ርኢቶይ ግን ምስ’ዚ ሎሚ ኣብ መቐለ ብስምና ዝቐርብ ዘሎ ተዋስኦ ዝተኣሳሰር ኮይኑ ስለዝረኸብክዎ እየ ዘቕርቦ ዘለኹ።

ኤርትራ ንህዝባ እኽልቲ እያ። ማሚቕናላ ክንሓድር ንኽእል ኢና። ንሕና እውን ንዓኣ እኹላት ኢና። ከምቲ ክሉ ግዜ ዝብሎ፡ ትግራዎት ሽግራቶም ምስ ኣሕዋቶም ኢትዮጵያውያን ይግበርዎ፡ ወይ ድማ ዓንቀጽ 39 ብዕሊ ይኣውጁ። እንተ ነቶም ንሃገርና ናብ ውሽጣዊ ቅልውላዋት ኢትዮጵያ ክጎትዋ ዝደልዩ ሰባት ዝብሎ ግን፡ ሰራውር ኤርትራ ኣዝዮም ድልዱላት ምዃኖም ክሕብሮም እደሊ። ሰናይ ንባብ።
————-

SNITNA.COM
ህግድፍ የሳጉም፥ መምህረይ የጓድም — writing By Mahmud Saleh. እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ነቶም ንሓድነት ኤርትራን ልኡላዊ ግዝኣታን ከይተንከፍኩም ምእንቲ ፍትሕን ማዕርነትን ብኽብርን ርእሰ-ተኣማንነ…..

ጦብላሕታይ ብዛዕባ ሰሚናር ሚኒስተር ፍትሒ

ኣብቲ ሎሚ ምሸት ብሚኒስተር ፍትሒ፡ ፎዝያ ሃሽም፡ ኣብ ከተማ ስያትል ዝተኻየደ ኣኼባ ተሳቲፈ ነይረ። ዶንጒየ እየ ኣብቲ ኣኼባ መጺአ፡ ዝበዝሕ መግለጺኣን ዝተንከፈቶም ዛዕባታትን ሓሊፎምኒ። ኣብ ሕቶታት ግን ዝተረፈ ኣርእስቲ ነይሩ ክብል ኣይደፍርን። ክሎም እቶም ተቓወምቲ ዘልዕልዎም ኣርእስታት፡ ማለት ንኩነታት ቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ዝምልከት፡ ንምውርራስ ወለዶታት ዝምልከት፡ ኩነታት ዶብን ዝምድናና ምስ ኢትዮጵያን፡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ንምትብባዕ ዝምልከት፡ ጉዳይ ፍልሰት መንእሰያት…ወዘተ ተላዒሉስ እቲ መልስታት እውን ንህሉው ኩነታትና ርኢኻ እኹላት ነይሮም ክብል እኽእል።

ካብ መልስታት ሚኒስተር ፍትሒ ከም ዝተረዳእክዎ
1. ክሳብ ሕጂ ኩነታት ገዲዱ ብዙሕ ጸገማት ይጽወር ከምዝነበረ፡ ካብ ሕጂ ንንየው ግን “ሰባት ከም ኣቕሓ ብይጽነሓለይ ኣብ ታብያተ-ማእሰርታት ኣይክድርበዩን እዮም። ዜጋታት ሕጊ ፈሊጦም ንመሰሎም ክቃለሱ ጎስጓሳት ነካይድ ኣለና”
2.መንግስቲ ኣብ ምኽላስ ፖሊሲታትን ኣብ ምጽራይ ትካላትን ኣድሂቡ ከም ዝጸንሐ።
3. ኣብ ያታዊ ሕግታት ኤርትራ ዝተመርኮሰን ምስ ታሪኻውን ባህላውን ኩነታት ኤርትራ ዝኸይድ ሕግታት ወጺኡስ ጎስጓሳት ይካየድ ከም ዘሎ፡ መሳርዕ ፍትሒ ኤርትራ ካብ ዓድታት ጀሚሮም ናብ ሃገር-ሓቆፍ ገጾም ከም ዝንደቁን ሰረታትን ፍልፍልን ናይቲ ክዳሎ ዝስረሓሉ ዘሎ ቅዋም ክኾኑ ምዃኖም።
4. ዜጋታት ኣብ ቤት-ጽሓፈታት ጌጋታት ክርእዩ ከለዉ ብቐጥታ ነተን ዝምልከተን ሚኒስትሪታት ከመልክቱ ከምዝግባእ።
5. ናብ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ዝቐንዐ ኣብዚ ቐረባ እዋን ቅጥዕታት ክዝርጋሕ ምዃኑ።
6. ኤርትራ ነዚ ብኽንደይ መስዋእቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ኣብ ሕጊ ዝተመርኮሰን ዘላቕን ንምግባሩ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ጽምዶ ከምዘላን ዶባትና ድማ ኢትዮጵያን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝፈልጠኦ ውዱእ ምዃኑ።
7. ቀንዲ ኣተኩሮ መንግስቲ ቁጠባዊ ኩነታት ኤርይራ ንምብርባርን ንመንእስያትና ዕድላት ስራሕ ንምጥጣሕን፡ ከም ኣካሉ ድማ ብዝተጸንዐ መገዲ መንእስያትና ኣብቶም ናይ ብሕትን መንግስትን ትካላት እናተሰክዑ ክጣየሱ።
8. ብሓፈሽኡ እቲ ሕቶታትን ርኢቶታትን ከምኡ እውን መልስታት ሚኒስተር ፍትሒ፡ ኣብ ዋርሳይን መንእሰያትን ዘተኮረ ምንባሩ ዘሕጉስ እዩ ነይሩ።
እዚ ገለ ካብቲ ክዝክሮ ዝኽፕእል ሓፈሻዊ መልእኽታት እዩ። ዶንግየ ኣትየ ክንሰይ ብስራሕ ምኽንያት እቲ ኣኼባ ገና እናቀጸለ ስለዝወጻእኩ ዝሓለፈኒ ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣጠቓሊልካ ክረአ ከሎ ግን ዉዕዉዕ ኣኼባ እዩ ነይሩ። ሚኒስተር ፎዝያ እውን ከይሓባብአትን ብዘይ ናይ ምክልኻል መንፈስን ፈኲስዋ ትምልስ ነይራ።
ዎ ደሓንኩም።

ሓሶትን ስንቅን እና ሓደሩ ይፈኽሱ

ገለ ገለ እዋን ብዙሕ ምርምር ዘየድልዮ ነገር የጋጥም እዩ። ሓሶት እናሓደረ እዩ ዝፈኩስ። እዚ ኣምር እዚ ኣቦታትና ካብ ጥንቲ ኣረጋጊጾሞስ ምስላ ኣውጺኦምሉ፡ “ሓስትን ስንቅን እናሐደሩ ይፈኽሱ” ተባሂሎም። ገለ ገለ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ክንብድበድ ዝጸንሐ ኣብ ሕሶት ዝተመስረተ መናፍሕ፦

  1. ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ምስ ተኣወጀ፡ “ኤርትራ ከደት ተሸጠት፡ ዓሰብ ንኢትዮጵያ ተዋሂባ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምጽዋዕ ተረኪብዋ…ወዘተ።
  2. ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ናይ ሰላም ውዕል፡ ወያነ ንምኽርዳን ኣብ መንጎ ክልተ መራሕቲ ዝተገብረ ስምምዕ እዩ’ምበር ህዝቢ ኣይተሳተፎን።
  3. መውቃዕቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈቀርቂ ብዝኣለሞ ውዲት እዩ ተኻዪዱ።

ኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ፈጠራታት ንሓጺር ፖለቲካዊ ረብሓ ዝተሰንዑ ምንባሮምን ክፈሽሉ ምዃኖምን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ሓቢርናዮም ነይርና። ነገሩ ግን ከምቲ ወዲ ሻውል ዝበሎ “ቀደም ነጊርናዮም ነይርና። ሽዑ ግን ስሒቖም። ኣስናኖም ኣስናን ኣደይ መዝጸንግዕ ይግበሮ” ኮይኑ። ሕጂ እውን፡ ገሊኦም ነብሰ ግሉጻት ገሊኦም ድማ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተራእየ ምዕባለታት ሕሶትን ሰንዓን ምዃኖም ተረጋጊጾም ስለዘለዉ ሓተታ ኣይክገብረሎምን እየ።

ብዝኾነ፡ እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ዓበይቲ መሳርያታት “ተቓውሞ ይኾና እየን” ተባሂሉ ዝተኣመነለን ነጥብታት በብሓደ ከም ጸሓይ ዘሰነፈተን ካዝሚራት ዘርጠብጠብ ኢለን ኣለዋ። ብኡ ምኽንያት ኢና ድማ “ቀስ በሉ፡ ንነዊሕ ጠምቱ፡ ሓሶትን ስንቅን እናሓደሩ ይፈኽሱ” ክንብሎም ዝጸናሕና። ዝተሰከምካዮ ሓሶት እና ፈኾሰ ክኸይድ ከሎ፡ ሚዛንካ እውን ብኸምኡ እናፈኾሰ ይኸይድ። ምኽንያቱ ሚዛን ናይ ሓደ ሰብ ብቐንዱ ኣብ ኣተሓሳስብኡ እዩ። እታ ፎርሙላ ድማ፥

ሰብ+ኣተሓሳስባ= ሓፈሻዊ ሚዛን (ናይቲ ሰብ)። እዛ ፎርሙላ እዚኣ ንሓደ ተራ ሰብ ትገልጽ፡ ማለት ኣሉታዊ ወይ እወታዊ መርገጺ ክትወስድ ኣብ ዘየገድድ ኩነት ማለት እዩ (neutral state).

ኣብ ከምዚ ንዛረበሉ ዘለና መርገጺ ዘድልዮ ኩነት ግን፡ ትወስዶም መርገጺታት፡ ወይ ተመሓላልፎም ሓሳባት ወይ ትወስዶም ስጉምታት ወይ ትህቦም ፍርድታት እዮም ዝገልጹኻ። ኣሉታዊ ሓሳባት ተመሓላልፍን ኣሉታዊ መርገጺታት ትወስድን እንተኾይንካ፡ ከም ኣሉታዊ ሰብ ኢኻ ትፍለጥ። ብኣንጻሩ ድማ እወታዊ መንፈስ ትዘርእ እንተኮይንካ ወይ ድማ ሚዛናዊ ፍርዲ ትህብ እንተኮይንካ ከም እወታዊ (ኣወንታዊ) ሰብ ትፍለጥ።

እታ ፎርሚላ ድማ፥

ኣሉታዊ ሰብ ዝጎደሎ ኣሉታ (ሓሶት)= ክንዲ ክልተ ኣሉታዊ ሰብ ትኸውን (
(-x)-(x)= -2x (ምኽንያቱ ነቲ ኣሉታ ባዕልኻ ተማሂርካ ተጉድሎ የለኻን። እንታይ ደኣ ሓቂ (reality) ባዕላ ትፈርደካ ኣላ። ስለ’ዚ ትሰዓር ጥራይ ዘይኮንካ ዘለኻ፡ እቲ ኮነ ኢልካ ዝኾመርካዮ ሓሶት ለኪሙካ ናብ ታሕቲ (ናብ ኣሉታ) ይሸመካ ኣሎ ማለት እዩ። እምበር ባዕልኻ ተማሂርካ ተጎድሉ እንተኮይኑ እወታዊ ተግባር ትገብር ስለዘለኻ ናብ ናጻ ሰብ ምመለሰካ ነይሩ (-x) + (x)= 0 (0>negative)
እወታዊ ሰብ ድማ እወንታዊ ግብሪ ብዘሳሰነ መጠን መሊሱ ናብ ኣወንታዊ ኣንፈት ገጹ እዩ ዝምርሽ። እና ከበረን እና መዘነን ይኸይድ፡ ማለት (x)+(x)= 2x ይኸውን።
MS/August 2019.

Shaebia hits back hard

Shaebia hits* back hard, and the General is back!!

  1. Colorful Independence celebrations—May 24/2019

  2. Remembrance of our martyrs, recommitting ourselves to achieve the ideals for which they had given their precious life—June 20/2019

3. Followed by festivities, marking Sawa’s Jubilee

4. The annual festivals of Eritreans in Diaspora, culminating in the mega gathering of Eritreans in San Jose, 8/9-11/19

5. The coming Grand National Festival that is going to take place in a few days at Asmara Expo.

6. These activities/customs are not new to Eritreans. But the vigor they are radiating this year says it all: it appears to be a typical Eritrean resilience in the face of new challenges while reshifting their resources and focus to peacetime themes. This time, after years of focusing on national defense, it is about recommitting national resources to rehabilitating Eritrea’s socio-economic spheres. And on its way, it may send an unequivocal response to Wayane’s digital campaign.

* The themes of the festivals: Focus, focus, and focus, on national reconstruction, in all its aspects. United, as ever, let’s move forward. Our united strength is greater than the forces that try to drag our determined march. The immediate objective of our time should be securing peace, and laying out political and economic foundations for long-term developments. No lofty aspirations can be materialized without this prerequisite.
————————-
Welcome Home, General SebHat Efrem, we prayed for your quick recovery. Great to hear that you are back home.

MS/August 2019.

ስለምንታይ ወተሃደራዊ ሰልፊ ተዓላሞ ሳዋ ኣካታዒ ኮይኑ?

ደሓን ብዛዕባ ጀጋኑ ደቂ ሳዋ ብዙሕ ክንብል እንዲና፡ ንሎሚ ግን ክትመላለሰኒ ዝቐነየት ነገር ቶግ ዘየብለልኩም። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ሞራል ሰብ ንምስባር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብቂዑ እዩ። የለን ክበሃል ጸኒሑ።

ትማል ኣብ ሳዋ ብተዓላሞ ዝቐረበ ወተሃደራዊ ሰልፊ ግን ነዚ ጽውያ እዚ 180 ድግሪ ገልቢጥዎ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ዝንብድበድ ዘሎ ጫውጫውታ ከኣ ውድቀት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ኣስጋእነት ወተሃደራዊ ድሉውነት ኤርትራ እዩ። መን እዮም እቶም ኣንበድብድቲ እንተ’ልኩም፡ ወያነን ኤርትራውያን-ወየንትን።

ዑደት ልኡኽ ስዑድያ ዓረብ ናብ ኤርትራ እውን ነቲ ሻቕሎቶም ሰማይ ከም ዝስንጥቕ ገይርዎ ኣሎ። ኤርትራ ኣባል ናይቲ ብስዑድያ ዝምራሕ ንኣካባቢ ቀይ ባሕሪ ካብ ሽበራን ከተርቲ ባሕርን ንምጽራይ ዝዓለመ ምሕዝነት ምዃና ዝረሳዕዎ ኣይመስለንን። እንታይ ደኣሉ ካብ ርሑቕ ናይ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ መደባት ናይ ምሕላው ነገር?
ብዝኾነ፡ ካብቲ ነቲ ዘይፍትሓዊ እገዳ ንቃወመሉ ዝነበርና ብዙሕ ምኽንያታት ሓደ፡ ንዓቅምታት ምክልኻል ኤርትራ ዝሃሲ ስለዝነበረ እዩ። ትጽቢት ናይዞም ሎሚ ንብዓት ሓርገጽ ዝነብዑ ዘለዉ ሰባት ድማ፡ ኤርትራ ናይ ምክልኻል ዓቅማ ማህሚኑ ድፍእ ኣቢልካ ዝወድቕ ቦኽባኽ ጉንዲ ንምግባራ እዩ ነይሩ።

ኩሉንትናዊ ምሕያል ሃገረ ኤርትራ ውድቀቶም ኮይኑ እዩ ዝስመዖም። ሓንቲ መዓልቲ ብዛዕባ ምረቓ ኮለጃት ክዛረቡ ስሚዕኩሞም ትፈልጡ? ሓንቲ መዓልቲ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ዝንእዶ ኣብ ኮማዊ ጥዕና ዝተመዝገበ ዓወታት ኣልዒሎም ንቓል ዓለም’ኮ ሸፈፍ ኢሎሞ ኣይፈልጡን።

ብዝኾነ፡ ኤርትራ ክገፍሓላ ከሎ ንዓኦም ይጸቦም፡ ኤርትራ ክርሕሳ ከሎ፡ ንዕኦም ድርቂ ይኾኖም፡ ደቂ ሳዋ ምዕሩግ በዓል ከካይዱ ከለዉ፡ ንዕኦም ግን ጸሊም ሓዘን እዩ።

ማይሁመኪ ኤርትርያ፡ ኣሴርሪ ገጽ ቀደም፡ በለድ ሓጠር ዎ ስብእነት፡ በለድ ምርወት ዎ ሰባተት።
Eritrea, the land of proud people. Let’s move on.

MS/ August 8, 2019

ሃገራዊ ክብርታትና ዋሕስና

እቶም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ ታሪኹ ዘኻዕበቶም ብሓባር ናይ ምውፋርን ብሓባር ናይ ምክልኻልን ልምድታት፡ እቲ ከይተገዳዳዕካ ናይ ምውፋይን ምስዋእን፡ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ከም ሓደ ህዝብን ሓደ ትርግታን ከም ዝስጉም ገይርዎ። እቶም ዝተኾስኮሱ ሃገራውያን ክብርታት፡ ማለት ከም ፍቕሪ ሃገር፡ ሃገራዊ ሓድነት፡ ንሃገርን ህዝብን ምግልጋልን በጃ ምሕላፍን፡ ርእስኻ ክትክእል ሓርኮትኮት ምባል፡ ኒሕን ተጻውሮን፡ ር/ተኣማንነትን ተስፋን እዮም ነዛ ሃገር ክሳብ ሎሚ ሰለይ ዘብልዋ ዘለዉ።

ጸላእትና ናብ’ዞም ክብርታት ኣነጻጺሮም ክሰርሑ ጸኒሖም። ክንጽይኖምን ክንነጽጎምን፡ ማለት ከም ናይ ጓኖት ወይ ብኣገላልጻኦም ከም “ናይ ሳሕል” ክብርታት ገይርና ክንወስዶም ጽዒሮም። ያኢ ሳሕልን ገድልን ንህዝቢ ኤርትራ ባዕዳውያን ኮይኖም!!

ኤርትራ ጥራይ እያ ንኸምዚ ዝእመሰለ ኣደራዓት ተጻዊራ መመሊሳ በሎኽ ክትብል እትረአ ዘላ። እምበር፡ካልኦትስ ካብዚ ንኤርትራ ዝገጠመ ዝተሓተ ብደሆታት ዘጓነፈን ሃገራት ድሮ ፈርከሽከሽ ኢለን፡ ወይ ድማ ኣብ መስርሕ ይርከባ። ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚደን፡ ሞት ደንጉያተን ክቀላጠፈለን ይምህለላ ኣለዋ።

ንህዝቢ ኤርትራ ዓንዲ-ሕቖ ኮይንዎ ገጥ ዘበሎ ዛንታ ጽንዓቱ እዩ። ምስጢር ዓወቱን ህላወኡን እቲ ምእንቲ ናጻ ኮይኑ ክነብር ዝኸፍሎ ኩሉንትናዊ ዋጋን እቲ ኣብቲ መስርሕ ከም ሓንቲ ስድራ ኮይኑ ዘማዕበሎም (ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩን ተመሳሰልቶምን) ሃገራውያን ክብርታት እዮም። ንሶም እዮም ስንቂ ኮይኖምዎ እምበር ዓለም ብዓለማ እንድያ ነጺላ ናብ ጸላም ኩርናዕ ደርብያ ዝገደፈቶ።

ሕጂ እውን ናብ ሓድሽ መድረኽ ናይ ቁጠባውን ፖለቲካውን ህንጸት ክብገስ ከሎ፡ ሕመረትን ሞቶረን ዝኾንዎ እዞም ብመስዋእቲ ኣሽሓት ዝተጠርዩ ክብርታት እዮም።

ካልእ፡ ብዙሕ ቃል-ዓለም ዘየድልዮ ሓቂ ድማ፡ ህግድፍ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ መሪሑ ብዓወት ሰጊሩ ኣሎ። እዚ ምስክር ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ። ብሰንኪ እቲ ስርዓት ወያነን ወየንቲ-ኤርትራውያንን ኣብ ልዝዕሊ ሃገርና ዝተኸተልዎ ኣዕናዊ እስትራተጂታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ቑጠባውን ማሕበራውን ዕንወት ወሪዱዎ ምህላዉ ብሩህ እዩ።

እዚ ክውንነት እዚ ድማ ንህግድፍ ናብ ሓድሽን ዝበርተዐን ፈተነ እዩ ዘእትዎ ዘሎ። ሰላም ኣረጋጊኡ፡ ቑጠባዊ ዳግመ ህንጸት ኣበጋጊሱ፡ ኩነታት ሃገርና ናብ ንቡር ንምምላስ። ሃገርና ካብቲ ንናጽነት ዝተኻየደ ኩናትን ዝሰዓበ ምክልኻል ልኡላውነትን ብኸመይ ኣገባብ ናብ ሓንቲ ሲቪካዊት ሃገር ትቕየር ባይታ ከጣጥሕ ታሪኻዊ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዘሎ እንኮ ፖለቲካዊ ኣካል እዩ።

ጎኒ-ጎኒ እዚ ውድዕ ኩነት ዝኸይድ፡ ጸላእትና ዝተቐናበረ ባህላውን ስነ-ኣእምሮእውን ፖለቲካውን ዘመተ የካይዱ ምህላዎም ብሩህ እዩ። ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን ንኹሉ ፖለቲካዊ ሕሳባት ንጎኒ ኣቐሚጥና ኣብ ግንባር ሃገር ክንዓስል ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለና። ኣብ ዓውደ ውግእን ኣብ እዋን ጉብዝነኦምን ዘይሰዓሩና ሎሚ ብናይ ሳይበር ኲናት ኣይክስዕሩናን እዮም።

ሰላም እንተደልዮም፡ ከምታ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ዝበላ፡ ባብ ኳሕኲሖም ጥራይ እዮም ምሳና ክዛተዩ ዝኽእሉ። ብዝተረፈ፡ ሕጓታትና ገጥ ኣቢልና ክንልክቶ ኣለና። ብወሽለኽለኽን መሽከንከንን ሓንከስከስን ከምዘይሰልጠሎም ክረጋገጸሎም ኣለዎ። ሕጂ እውን ሓድነትና ዋሕስ ህላወና እዩ።

MS 5, 2019