ሃለው ባሕሪ (2ይ ክፋል)

ሃለው ባሕሪ (2 ክፋል)

(ኣብ ሓቀኛ ተዘክሮታት ሃብቶም ዝተመርኮሰት ልበወለዳዊት)

ማሕሙድ ሳልሕን ሃብቶም ጸጋይን

ዝሓለፈ 1ይ ክፋል ባሕሪ በዚ ዝስዕብ ሕጥበ ጽሑፍ ዛዚሙ ነይሩ።

“ድሕሪ ናይ ሳዓትን ፈረቓን ጉዕዞ፡ ባሕሪ ኣብ ዝባን እሮታ ኣብ መኣዘዚ ቦትኡ በጺሑ። ባሕሪ ኣብ እሮታ ኣሎ፡ ጽባሕ ነገር ኣሎ ። ‘ባሕሪ’ መጸውዒ ኮድ ጅግና ኢሰያስ ተወልደ(ወዲ ፍላንሳ) እዩ ነይሩ። ነዚ ኣብ ቅድምኡ ኣሳፊሑ ዘሎ ግንባር ጸላኢ ክፍንቅል እዩ መጺኡ። ካብ ዝባን እሮታ ንሓዋሩ ክብንቅሶ፡ ሕማቕ ኣቀታትላ ክቐትሎ እናተዳለወ ‘ዩ። ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት የማናይ ግንባር ሓልሓል ሓዊ ክከዓዎ እዩ። ብርግጽ፡ ብዙሓት መንእሰያት ክረግፉ እዮም። ገሊኦም፡ ድሕሪ ዜሮ-ሳዓት ዘላ መዓልቲ ይኹን ትመጽእ ሳምንቲ ኣይክርእዩወን እዮም። ድሮ ዘፍቀሩ እንተለዉ፡ ፍቕሮም ኣይክርእዩን እዮም። ምላድን ሓድግን ኳ ግደፎ። ሕጂ ግዚኡ ኣይኮነን። ሕጂ ኩሉ ኣብ ተዳሎ እዩ ዘሎ። ብወገን ጸላኢ እውን ምድላው ኣይተርፍን። ምንቅስቃሳትና ክከታተልዎ ቀንዮም ይኾኑ ‘ዮም። “ ዳህና ሁኝልኝ ፍቅርዬ” ዝበሉን ስእልታት ኣፍቀርቶም ዝሰዓሙን ከምዝህልዉ ፍሉጥ እዩ። ብርግጽ፡ ደም ክፈስስ እዩ። እዚ ከባቢ እዚ ለሚድዎ እዩ። ን22 ዓመታት ደቂሰባት ክተሓረዱሉ ጸኒሖም እዮም። ከም ልሙድ ስራሕ እዩ ተወሲዱ። ናይ ሎሚ ዓራርቦ ሰማይ ከይተረፈ ኣዝዩ ዘይንቡር ደም ሰሪቡ ኣሎ። ሕማቕ ፋል። ነገራቱ ክሉ ንሞት የዘኻክር። እቲ ኣየር እውን ደም-ደም ይሽትት ኣሎ። ሃለው ባሕሪ………..”

2ይ ክፋል ይቅጽል፡

ዝኽርታት ግንባር ናቕፋ

ብ1981 ካብ ቤ/ት/ሰውራ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተወዚዐ። ንክልተ ዓመታት  ኣብ ሓይልታት ድሕሪ ምጽናሕ ድሮ ሰላሕታ ወራር ምስ ስዉኣት ብጾት ሃይለ መጎስን  ሃብተልኡል ልጃምን ኦፐረተራት ወዲ ፍላንሳ ክንከውን ተመደብና። ሃይለን ሃብተልኡልን ክልቲኦ ም ዕባያት ቤ/ት/ሰውራ ብምንባሮም ጽቡቕ ሌላ ነይሩና። ወዲ ፍላንሳ እውን ኣየጋየሸናን። ውሩይ መራሕ ኲናትን በዓል ዝናን ስለዝነበረ፡ ሓቂ ይሓይሽ ኩርዓት ተሰሚዑና። ተጋደሊት ሚርያም(ሰይቲ ወዲ ፍላንሳ) ኣብተን ንወዲ ፍላንሳ ክትበጽሕ ዝመጸትለን ውሑዳት እዋናት ነቲ ኣሃዱ ዘይሃስስ ጦብላሕታ ገዲፋትሉ እያ። ርእሳ ዝኸኣለት ጅግና ነይራ።

ሓደ ግዜ ሚርያም ገና ኣብ እንዳ ዜና ኮላ ክትበጽሓና ትመጸእ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ናይ ሓንቲ ቦጦሎኒ ምዝንጋዕ ነይሩ’ሞ ናብኡ ንኸይድ። እቲ ናይ መርኢት ቦታ ኣብ ጸግዒ ድፈዖም ዝተደኮነ ዳስ ኮይኑ፡ ኮፍ መበልኡ ብኣእማን ዝተሰርሐ ክባዊ ሪጋታት ዝሓዘ፡ ኣብ ቅድሚት ድማ ነቶም ስነጥበኛታት እተገልግል ብርኽ ዝበለት መድርኽ ነይሩዎ። ንእሽቶ ትያትር ጥንታዊት ሮማ ይመስል።  ንእሽቶ እፎይታ ኣብ ትርከበሉ ግዜ ከምዚታት ዓይነት መደባት ልሙድ እዩ። ኵናት ወላ ነቲ ብዘይክኡ ካልእ ዋኒን ዘይፈልጥ ሰብ የስልኪ እዩ። እቲ ልሙድ ግጥምታትን ኮሞዲታትን ደርፍታትን ዝሓቖፈ ዕሙር ምርኢ ጀሚሩ። ተዋሳእትን ደረፍትን ንሕጽረት ኣልባሳትን ካልእ መሳርሒታትን ዝምልከት ሽግራት ብጥበብ ፈቲሖሞ መሳጢ መዘናግዒታት የቕርቡ ነይሮም ። ወዲ ፍላንሳ ሕልፍ ዝበለ ፍቕሪ ድራማን ሙዚቓን ነይርዎ። ጽሑፋት የበርክት ከምዝነበረ እውን ሰሚዐ ኣለኹ። ብዝኾነ፡ ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ወዲ ፍላንሳ ሓንቲ ከብተን ድራማታት ኣዝያ መሲጣቶ መስለኒ ንመንከሱ ብኢዱ ደጊፉ ኣዕንቱ ቀው ኣቢሉ ይዕዘብ ነይሩ። በታ ድራማ ዝተማረኻ ኣዕንቱ ጸጸኒሑ ዝለዓል ዝነበረ ደሮና እውን ከሸግረን ኣይተራእየን። ኣብ ጎኑ ዝነበረት ሚርያም ንደቃይቕ ድሕሪ ምዕዛባ ” በል ኣፍካ ሃመማ ከይኣትዎ” ኢላ ብሞንኩባ ድፍእ ኣበለቶ። ወዲ ፍላንሳ ነቲ ዝዕዘብ ዝነበረ ሰብ ብዓይኑ ኮሊሉ ናብ ሚርያም ምልስ ኢሉ ” ኣይኩላ እንድያ ማዕጾ ኣፋ ኣርሕያ ዘላ። ንምዃን፡ እንዳ ዜና ፊልምታት ኣይትስእኑን ትኾኑ። ንሕና’ኮ እዚ እዩ ሲነማና። ርኣዪ’ሞ ተጋዳላይ!  ኣብ ማእከል ኲናት ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ይሓልም። ኣይግበሮ’ምበር፡ ጽባሕ ነዞም መንእሰያት’ዚኦም ዘናሽዉን ልዕልኦም ዝምድሩን ኣይክሰኣኑን ይኾኑ። ካብኡ ዝኸፍአ ከኣ፡ ስልጣን ምስ ጠዓሞም ኣሉ ቀጣን ምስ ዝብሉና’ዩ። ነዚታት ሲ ጽቡቕ ክተንጸባርቕዎ ኣለኩም። ንገርዮ ንሸሪፎ” በላ። እቲ ድራማ ብዛዕባ’ታ ተጋዳላይ መታን ከረጋግጻ ዝዋደቐላ ዝነበረ  መጻኢት ኤርትራን ብዛዕበኣ ዝነበሮ ራእይን ሃንቀውታን ዝገልጽ ‘ዩ ነይሩ። ወዲ ፍላንሳ ምስ ተጋዳላዩ ዝነበሮ ቅርበት ዘርኢ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ጸገሞም ጸገሙ ነይሩ፤ ሕልሞም ሕልሙ። ኣብ ውትህድርና ወተሃደር ‘ኳ እንተነበረ፡ ሽግር ተጋደልቲ ክርዳእን ክፈትሕን ዝጽዕር ከምዝነበረ ኣብተን ምስኡ ዘሕለፍክወን ኣዋርሕ ክርእዮ ክኢለ። ተጋደልቲ ብሽሙ ክጽውዕዎ፡ እንዳኸደ ደው ኣቢሎም ክዛረብዎን ክጫረቑዎን ተዓዚበ እየ።

ኣብ ካልእ እዋን፡ ኣብ ድሮ ሰላሕታ ወራር ወዲ ፍላንሳ ንሓንቲ ጦሎኒ ሒዙ ናብቲ ብሸነኽ ዓንሳባ እናጎሃረ ዝመጽእ ዝነበረ የማናይ ክንፊ ግንባር ናቕፋ ተንቀሳቀስና። ኣብዚ ወራር እዚ ጸላኢ ነቲ ናቕፋ ንምሓዝ ደጋጊሙ ዝፈሸለሉ ግንባራዊ መጥቃዕቲ ገዲፉ ጎናዊ/ክንፋዊ ፈተነታት የካይድ ነይሩ። ቀንዲ ስልቲ ጸላኢ ምምጣጥን ምልሕላሕ መስመር ህ.ሰ. ነይሩ። እቲ ብሓልሓል ዝኸፈቶ ሓድሽ ግንባር እውን ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር እዩ ነይሩ። ከምዝዝክሮ ንብ/77 ክንድርብ ኣብዚ ሓድሽ ቦታ ማለት ሮራ ላባ ምስ መጻእና እቲ ቦታ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ርሱን እቶን ተቐየረ። ተጋዳልይን ጸላእን ኣብ ዘየቋርጽ ህልኽ ዝመልኦ መጥቃዕትን ጸረ መጥቃዕትን ተጸሚዶም። ኣብ ሮራ ላባ ኣባላት ፖ/ቤት ጽሕፈትን ኣዘዝቲ’ቲ ግንባርን ዝርከብዎም ብዙሓት ሓለፍቲ ነይሮም። ብዙሓት መሳትኡ መራሕቲ በራጊድ ኣብቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ግንባር ዝነበርዎ ጎቦ ክነብሩ ከለዉ፡ ንሕና ግን ንበይንና ኣብ ንእሽቶ ታባ መኣዘዚ ቦታ ሓዝና። ኣብ ስራሕ ዲስፕሊን ከምዝነበሮን  ነቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ የኽብሮም ከም ዝነበረን ኣየጠራጥን ‘ዩ። ብደረጃ ውልቃዊ ጉዳያት ግን ምስቶም ሓለፍቲ ሕጉስን ሕዉስን ከምዘይነበረ ንዕዘብ ነይርና።

ሓደ እዋን፡ ናይ ንእስነት ነገር ኮይኑ ምስቶም ነቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሰንዮም ዝነበሩ መተዓብይትና ኦፐረተራት ክንከውን ስለዝደለኹ፡ መልእኽቲ ድሕሪ ምሃበይ “ንምንታይ ምስኦም ዘይንኸውን?” ኢለ ሓተትክዎ። ከም ወትሩ ፍሕሽው ኢሉ ናባይ ድሕሪ ምጥማቱ ፍሽኽ በለ።

“ እሂ ተጋግየ ድየ?” ሓተትክዎ።

“ ኖኖ ኣይተጋገኻን። ግን ግዜ ምስ ኣኸለ ክበርሃልካ እዩ። ሕጂ ግን ሬድዮኻ ተኸታተል” በለኒ።

ድሕሪ ቅሩብ ኣዋርሕ፡ ወራር ጸላኢ ዘፍ ስለዝበለ ናብ ቦታና ናብ ናቕፋ ተመለስና። ምክትል ወዲ ፍላንሳ ዝነበረ ሃይለ ቻይና ኣዛዚ ግንባር ሓልሓል ኮይኑ ናብኡ ተቐዪሩ። ወዲ መጎስ መቸም ተጫራቃይን ቅሩብ ድፍር ዝበለን እንድዩ ነይሩ፡ ሓደ መዓልቲ ንወዲ ፍላንሳ ክፈታትን ደልዩ። “ ወይለይ፡እዛ መሳልል ደኣ ከመይ ድያ? ምክትል ብርጌድ ንመራሕ ብርጌድ ዝእዝዘሉ ግዜ ግዲ ክንርኢ ኢና። ቻይና ኣዛዚ ግንባር ሓልሓል ኮይኑ ሰሚዕና” በሎ ከም ጸወታ ኣምሲሉ። ወዲ ፍላንሳ ከም ኣመሉ ፍሽኽ እና በለ “ ኣንታ ቆልዓ ቅሩብ እንዶ ኣይጎየኻን። ሎሚ  ከኣ ኣዘዝቲ ግንባራት ክትሽይምን ክተወርድን ጀሚርካ!! ኤእ ቅሩብ ዓመታት ከድልየኪ እዩ” ኢሉ ንጭርቃን ወዲ መጎስ ብጭርቃን መለሶ። ብርግጽ እንታይ ተሰሚዕዎ ከምዝነበረ ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ግን ክዛረበሉ ዘይደሊ ምዃኑ ተረዲእና።

ሓደ ካልእ መዓልቲ ኣብቲ ከባቢና  ዝነበሩ ኣዘዝቲ ግንባርን ካልኦት መራሕትን ስጋ ሓሪዶም ስዋ ክሰትዩን ወጃዕጃዕ ክብሉን ይጸንሑና። ኣነ “ሎሚ ተረኽበት” ኢለ ተሓጎስኩ። ወዲ ፍላንሳ ግን ዘምጸኦ ጌሩ “ተበገስ” በለኒ። ገሪሙንን ተኸኽ ኢለን። ካብቲ ቦታ ፍልይ ምስ በልና ሓደ ዝፈልጦ ኣባል ፖሊት ቢሮ “ ወዲ ፍላንሳ…ወዲፍላንሳ” ህውኽ ህውኽ ኢሉ እንዳጸወዐ ሰዓበና። ተጸቢናዮ። “ እንታይ ደኣ ምሳና ዘይተምሲ?” ኢሉ ንወዲ ፍላንሳ ሓተቶ። ሰብኣይ ቅሩብ ሞይቅዎ ከምዝነበረ ርኡይ ነይሩ። ወዲ ፍላንሳ ዓይነ-ዓይኑ ጠሚትዎ” ኣንታ ታኵላ ነተን ኣጣል ወዲእካስ ነዓይ ዲኻ ክትደግመኒ ደሊኻ?” መሊስሉ ገዲፍዎ ተበገሰ። ሽዑ እቲ ድፍረቱ ገሪሙኒ። ግዜ እና ወሰድኩ ግን ንወዲ ፍላንሳ ክመሃሮ ክኢለ። ብሱሩ ፍሊ ዝበለ ሰብ እዩ ነይሩ። ብርእሱን ስርሑን ዝተኣማመን፡ ወካዕካዕን ግበረለይ-ክገብረልካን ዘይፈቱ ተባዕ ተጋዳላይ ምንባሩ እዕዘብ ነበርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ከባቢ ስዋታትን ምስኡ ዝኸይድ ሕማቕ ጠባያትን ይረአ ነይሩ ‘ዩ። ወዲ ፍላንሳ ከብዚ ናጻ እዩ ነይሩ። ብዘይካ እታ ንስራሕ ትወሃቦ ሻህን ሽጋራን ካልእ ብፍሉይ ዝረአ ሓለፋታት ርእየሉ ኣይፈልጥን።

ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር ፍጹም ዘይትርሰዓኒ እታ መስዋእቲ ሚርያም ዝሰምዓኩላ መዓልቲ እያ። ወዲ ፍላንሳ ብከመይ ከም ዝሰምዐ ኣይፈልጥን። መልእኽቲ ከብጽሓሉ ምስ መጻእክዎ ክነብዕ ጸኒሑኒ። ጥራዝ መልእኽተይ ኣብ ኣፍ ልበይ ጌረ “ ወዲ ፍላንሳ ደሓን ዲኻ” ሓተትክዎ።  ናባይ እናጠመተን ዕግትዕግት እናበለን “ ሚርያም ተሰዊኣ።ቀዲማትኒ ሚርያም” በለኒ። እብ መንጎና ሱቕታ ሰፈነ። እንታይ ከምዝብሎ ሓርበተኒ። ንሱ ግን ገጸይ ምስ ረኣየ  “ ኣጆኻ፡ ደሓን ዘይኩላትና ሓለፍቲ ኢና” ኢሉ ኣተባብዓኒ። ናብ ሃይለ መጎስ ድማ ተመለስኩ። ሃይለ መጎስ ዓይነይ ዓዝዒዙ ምስ ረኣየ ገለ ዝኾንኹ መሰሎ’ሞ “ እንታይ ዲኻ ኮይንካ ሃብቶም? ደሓን ዲኻ?” ኢሉ ተረቢሹ። ምስነገርክዎ ንሱ’ውን ካባይ ገደደ። “ እዋይ ሚርያም ኣላ እንዳበልና..” ኢሉ ክንኽነኽ ጀመረ። ኩነታት ክትእየድ ምስ ረኣየ መስኪን ወዲ ፍላንሳ ነብሱ ተቆጻጺሩ ኣብ ምእባድና ኣተወ። ብዛዕባ መስዋእቲ ከኣ ክምድረና ጀሚሩ። መጀመርያ ኣጸጊምዎ ነይሩ ደሓር ግን ድምጹን ንብዓቱን ተቆጻጺሩስ ነዊሕ ተዛሪቡና። ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ኣነ እውን መስዋእትታት ዝፈትዎም ብጾተይ ምስ ረኣኹ ንወዲ ፍላንሳ  ናይ ብሓቂ ንኢደዮ። ኣብ ግዜ ሓዘን ከም ሰብ መጠን ነቢዑ ክንሱ፤ ትርን ጽንዓትን ኣብ ዝደለናሉ ግዜ ግን ከም ተጋደልቲ መጠን ክንጸንዕን ክንክእሎን ምዒዱና። ከም ኣቦ ማሙቕ ኮይንና። እቲ ካብ ዝስለፍ ኣትሒዙ ክሳብ’ታ ዕለት’ቲኣ ብጾቱ ክቀብርን ክስጉምን ዝነብር ዝነበረ ወዲ ፍላንሳ፤ እቲ ንህ.ሰ. ሃኒጹን ከተማታት ሓራ ኣውጺኡን ንሳሕል ዝተመልሰ ምዑት ሽደን፤ እቲ ስሙን ዛንትኡን ካብ ስምን ዛንታን ግንባር ናቕፋ ክትንጽሎ ዘጸግም ጅግና፤ እቲ ኣብ ሓምሻይ ወራር ብበጦሎኒ ዘይኣክሉ ጀጋኑ ተጋደልቱ ንግብረሃይል ዝኣክል ሓይሊ ጸላኢ ኣብ ግንባር ዓገት ገጥ ድሕሪ ምባል  ምስ ኣዛዝኡ ዝደምሰሰ ናይ ወተሃደር ወተሃደር፤ እቲ ብ1979 ኣብ ኢትትሓለብ (ኢትሓልበብ) ንውሑዳት ኣባላቱ ሒዙ ብዘይሕሰብ ጸድፊ ብድሕሪት ሓዂሩ ንጸላኢ ብኳለትኡ ዓትዒቱ ዝማረኸ ጀግና ይከኣሎ፡ ኣብ ሚርያም በጺሑስ ኣይከኣሎን። ለካስ ተጋደልቲ የፍቕሩ እዮም………….ኣብ ኲናት፡ ፍቕሪ ኣሎ፤ ኣብ መንጎ’ቲ ዘናውጽ ሃሚ መዳፍዕ፡ ሱቕታ ኣሎ፤ ኣብ እዋን ነድርን ቁጥዐን ፡ ህሞታት ሓዘንን ለውሃትን ኣሎ። ወዲ ሰብ ወዲሰብ ምዃኑ ኣይተርፎን። ብዙሕ ገጻት ኣለዎ። ሃለው ባሕሪ……………..ናብ ግንባር ሓልሓል ክንምለስ።

ባሕሪ ኣብ ግንባር ሓልሓል

ብርጌድ 58 ናብ ሓልሓል ምስ ተጸወዐ ንኣዛዝኡ ወዲፍላንሳ ሓድሽ መጸወዒ ኮድ እዩ ተዋሂብዎ-ባሕሪ። እቲ ተመዲቡ ዝነበረ መጥቃዕቲ በዳሂ ከምዝኸውን ፍሉጥ ነይሩ። እሮታ ገዛኢ ቦታ እዩ። ንግንባር ዓስርተ/ሓልሓል ምስቲ ብምዕራብ ምስ ይካርዕን ሕሩምን ተዓጺፉ ዝነበረ ግንባር ይኣስሮ። እቲ ቦታ ብኩሉ ወገኑ ተወቃዒ እዩ። ብብዝሒ ፈንጅታት ተዘሪእዎ ነይሩ። ምዉት መሬትን ኮረብታን ዝበዝሖ ኮይኑ፡ ድፋዓት ጸላኢ ነንሕድሕዱ ከም ዝሕሉን ዝሽፍንን ኮይኑ እዩ ተሰሪቱ ነይሩ። ስለ’ዚ ከም ሓድሽ ኣሃዱ መጠን  ነቲ ዝጥቃዕ ዞባ መታን ክነጽነዖ ብሳልስቱ  ጠገለ ዘይብሉ ምንቅስቓሳት ክንገብር ጸኒሕና። ወዲፍላንሳ እቲ ዝወጸ ውጥን መጥቃዕቲ ታሕተዎት ኣዘዝቲ ኣሃዱኡ ከምዝርድእዎ ከረጋግጽ ኔርዎ። ብኡ መሰረት ቀጻሊ ኣኼባታት ሓለፍቲ ናይቲ ብርጌድ ይካየድ ነይሩ። እቲ መጥቃዕቲ ንኹሉ እቲ ግንባር ስለዝሽፍን ካልኦት ብርጌዳት እውን ብጸጋምና ነይረን እየን። ስለ’ዚ ምስኣተን ምትእስሳርን ምውህሃድን እውን የድሊ ነይሩ።

ንቅርጻ መሬት ይኹን ንኣወዳድባን ኣተሓሕዛን ጸላእን ከምኡ’ውን ሓይሊ ቶኽሱ ብሞደል እንዳተሰነየ ንታሕተዎት ሓለፍቲ ገለጸ። ሸቶታቶም ከምዘፈልጡን ከምዘጽንዕዎን ተገብረ። ንዞባ ስርሒቱ ኣብ ነእሽቱ ቁንጮ-ቁንጮ መቃቀሎ። ነተን ቆራሪጹ ኣሃዱታት ዝወሰነለን ዞባታት ስርሒት እቶም ሓለፍቲ ዝርድእዎ ኣስማት ሃበን- ደንደን፡ ሓሬና፡ ጻብራ፡ ዓራግ…ወዘተ። ወተሃደራዊ ኣሃዱ ልክዕ ከም መኪና ክምሰል ይከኣል። ጽቡቕ ዝተቀብአ/ ዝተዘየተ መኪና ንነዊሕ ከስረሓካ ይኽእል። ዝፋለጥን ዝተወሃሀደን ኣሃዱ ከኣ የድምዕ። ኣብዚ ስራሕ እዚ ውህደትን ምትእምማን ወሳኒ እዩ። ናብ ዝተወሰነልካ ሽቶ ክትግስግስ ኮለኻ ብየማነ-ጸጋምካ ዘሎ ክፋል ኣሃዱኻ ክትኣምን ኣሎካ።  ወዲ ፍላንሳ ኣሃዱኡ ከም ሓደ ኣካል ከም ዝስጉም ገይሩ እዩ ሃኒጽዎ።

ነብሰ-ወከፍ ምዕራፍ ናይቲ ውግእ ብግዜን ቦታን ተኣሲሩ ተቐሚጡ። እሃዱታት ኣብ ዝተወሰነ ዕለትን ሳዓትን ኣበይ ክበጽሓ ከምዝግበአን ተነጺሩ። ኣብ ህ.ሰ. እታ ዝተሓተት ኣሃዱ መስርዕ እያ። ሰለስተ መሳርዕ ንጋንታ፤ ሰለስተ ጋንታታት ንሓይሊ፤ ሰለስተ ሓይልታት ንበጦሎኒ፤ ሰለስተ በጦሎኒታት ድማ ንብርጌድ የቑማ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ብርጌድ እታ ዝለዓለት ኣሃዱ ህ.ሰ. እያ ነይራ። ናይቲ ግዜ ብርጌድ ከባቢ 1000 ተጋደላይ ትሕዝ ትኸውን። ካልኦት ተደረብቲ ኣሃዱታት ከም ሕክምና፡ ኤምዳድ፡ ከቢድ ብረት፡ ሃንደሳ፡ ስለያ…ወ.ዘ.ተ እውን ኣለዋ። እቶም መራሕቲ ባዕሉ ዝመልመሎም ስለዝነበሩ ጽቡቕ ውህደት ስራሕ ነይርዎም። ኣብ ቅድምኡ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ጸላኢ እውን ኣብ በበይኑ ውግኣት ዝገጠሞም ስለዝነበሩ፡ ድኽመቶምን ሓያል ጎኖምን ይፈልጦ ነይሩ።  ወስ እንተቢሉ እንታይ ዓይነት ምዩቕታ ከም ዘርእዩ ደሓን ዝኾነ ግምት ነይርዎ። ስለ’ዚ ናይ ምግጥጣምን ምጥዕዓምን ስራሕ እዩ። ኣየነይቲ ኣሃዱኻ ነየነይቲ ኣሃዱ ጸላኢ ትገጥም። ምስ ናይ ፓዝል ስራሕ እዩ ዝመሳሰል።

ሰራዊት ብከብዱ እዩ ዝማረኽ ይበሃል። እዚ ኣብ ተጋዳላይ ኤርትራ ዛጊት ዘይሰርሐ ‘ኳ እንተነበረ፡ እቲ ዝጽበየና ዝነበረ ስራሕ ግን ጎቦታትን ሰናጭሮን ዘጠቓለለ ሰፊሕ ቦታ ስለዝነበረ ደገፍቲ ኣሃዱታት ደድሕሪ ተዋጋኣይ ሰራዊት ክስዕባ ክኽእላ ነይሩወን። ብፍላይ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ኣሃዱታት። ወዲ ፍላንሳ ዓወት በቲ ናጻ ዘውጸኦ ኩርባን ጎቦን ዘይክነ ብመጠን ዕቃቤ ሂወት ተጋደልቱ እዩ ዝልክዖ ነይሩ። ዝኽፈል ሂወት መታን ክውሕድ ታሕተዎት ሓለፍቲ ስልቶም ከመሓይሹን ክጣበቡን እዩ ዝምህርን ዝከታተልን ነይሩ። ስለ’ዚ፡ ኣብዚ ኣኼባታት’ዚ እውን እቲ ቀንዲ ዛዕብኡ ከመይ ገይሩ ብዝወሓደ ክሳራ ዕላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ይወቅዕ ‘ዩ ነይሩ።  ናይ ዕጥቅን ስንቅን ጸገም ዝበዝሕ ግዜ ንእግረ መገድኻ እዩ ዝፍታሕ። ቀዳማይ ድፋዕ ምስ ፈረሰ ናይ ፈኮስቲ ኣጽዋር ሽግር ይቃለል። ቅሩብ ምስ ደፋእካ ነዋሕቲ ማሽንጋናትን ነኣሽቱ ሞርታራትን ዘለዎ ቦታታት ትሕዝ። መዓልትኻ እንተጸበቐ ከኣ ብእዋኑ ነቲ ከበድቲ መዳፍዕን ናይ እዚ ቦታ ዘሎዎ ደጀናትን ትቆጻጸር። ኣብኡ መካዚኖታት ኣሎ-ሽሻይ።

ድሕሪ’ቲ ናይ ሓለፍቲ መብርሂታት ናይ ብምልኡ ብርጌድ ኣኼባ ተኻየደ። ሓጻር መግለጺ እዩ ሂቡ። “ ብጾት ሕጂ’ውን ታሪኽ ክንሰርሕ ኢና። ነዚ ኣብ ቅድምና ዘሎ ጸላኢ ጸራሪግና ከረን ከንእትዎ ኢና” ኢሉ እቲ ሓፈሻዊ ንምውህሃድን ቅልጣፈን ተወፋይነትን ዝምልከት ለበዋታት ሃበ።ንኣእዛን ዘናውጽ ጣቕዒትሰዓበ። ኣኼባ ምስ ተዛዘመ ተጋዳላይ ኣብ ምስዕዓም ኣተወ። ብኣፎም ደኣ ኣይበሉዎ’ምበር ናይ ምፍናው ከምዝነበረ ዝጠራጠር ሰብ ነይሩ ኣይብልን። ኣብታ ድሕሪ’ዚ ውግእ’ዚ እትግበር ኣኼባ ዘይርከቡ ብጾት መን ምዃኖም ብልክዕ ዝፍለጥ ‘ኳ እንተዘይኮነ፡ ካብቶም ዝሰዓዓሙ ዝነበሩ ተጋደልቲ ገሊኦም ከምዘይርከቡስ ብሩህ እዩ ነይሩ። ንሓዋሩ ክፍለዩ እዮም። ስለ’ዚ ከኣ እዮም እቶም ተጋደልቲ ድሕሪ’ቲ ኣኼባ ከምቲ ንዓመታት ዝተናፈቑ ኣዕሩኽ ዝገብርዎ ወካዕካዕ ንነዊሕ ዘዕለሉን ዝተጫረቑን። ይቕረ ዝተበሃሃሉ’ውን ኣይሰኣኑን። ብሓንጎሎም ናይ መወዳእታ ምስልታት ብጾቶም ዝቐርጹ ዝነበሩ  ይመስሉ። ዝኽርታቶም የትርፉ ነይሮም። ካብ እንስሳታት እቲ ሞት ከምዘሎ እናፈለጠ ዝመውት ወዲሰብ ጥራይ እዩ። ኩነታቶም ዘይተረድአ’ሞ ፍሕሽው ገጾምን ፍሽኽተኦምን ጥራይ ዘንበበ ሰብ እዞም መንእሰያት’ዚኦም ናብ ኲናት ክብገሱ ተነጊርዎም ከምዝነበረ ክኣምን መጸገሞ ነይሩ። ውግእን ወረ ውግእን ኣብ ዝዓሰሎ ዓለም ኣብ መንጎ ሂወትን ሞትን ሓጎስን ጓህን ዘላ ደረት ኣዝያ ቀጣን እያ። ምፍልሳፍ ግዜ ኣለዎ። ሕጂ ግን ግዜ ውግእ እዩ። ነብሰ-ወከፍ ታባን ሕሉምን ዋጋ ከምትጠልብ ፍሉጥ ነይሩ። ነብሰ-ወከፍ ኪሎመተር ደም ክሓትት ‘ዩ። ኲናት ክፉእ እዩ። ግንባር ሓልሓል ጸሊም ደበና ይንጥልጠሎ’ሎ። ጽባሕ ነገር’ሎ።  ሃለው ባሕሪ……….

ይቅጽል

ተራኺ= ሃብቶም ጸጋይ

ጸሓፊ= ማሕሙድ ሳልሕ

 

ድሕሪ ባሕሪ – ሕቶታትን መልሶምን

ሃብቶም ጸጋይን ማሕሙድ ሳልሕን

“ሃለው ባሕሪ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ተ/ ሃብቶም ጸጋይ ኣብተን ምስ ስዉእ ኢሰያስ ተወልደብርሃን (ወዲ-ፍላንሳ) ዝጸንሓለን ሕደት ኣዋርሕ ዘይሕከኽ ኣሰር ዝገደፈሉ ጦብላሕታታት ከዘንቱ ፈቲኑ። ዕላማና ውሱን ነይሩ። ዝኽሪ ጥራይ። ታሪኽ ሂወቱ ክንጽሕፍ ወይ ክንምርምርን ክንመራመርን ኣይኮናን ዝተበገስና። ምኽንያት ይኹን ሞይኡ የብልናን።  ስለምንታይ ሎሚ?  እቲ ፍጻሜ ድሮ ሰላሳ ዓመት ብምግባሩን ሕልፍሕልፍ ኢሉ ሰባት ብዛዕባ ኣሰዋውኣ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ ግጉይ ጸብጻባትን ሓበሬታን ክህቡ ክሰምዕን ከንብብን ከምዝጸንሐን  ከምኡ’ውን ዝፈልጥዎ ብጾቱ እቲ ዝፈልጦ መታን ክጽሕፍ በብግዚኡ ክሓትዎን ከተባብዕዎን ከምዝጸንሑ ንሱ እውን ይሓስበሉ ከምዝጸንሐን ሃብቶም ይገልጽ። ብፍሉይ ሕጂ ምጽሓፉ ምኽንያት ግን ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ጸሓፍን ተራኽን (ማሕሙድን ሃብቶምን) ሓደ መዓልቲ ብተለፎን ብዛዕባ ማርያ ጸላምን ግንባር ሓልሓልን ክ/ሰራዊት 96 ዘጣመረ ዕላል ወዲኦም ናብ ሰላሕታ ወራር ይሰግሩ ‘ሞ እቲ ነገር ናብዛ “ ሃለው ባሕሪ” ዘርእስታ ጽሕፍቲ ይምዕብል። ካልእ መበገሲ ኣይነበሮን።

ካልእ ከም ደራኺ ነገር ክቁጸር ዝኽእል ዕድመ እዩ። እንዳዓበኻ ክትከይድ ከለኻ፡ ልቢ ምዕባይ ኣሎ። ንድሕሪት ብምጥማት ዝሓለፍካዮ ጉዕዞ ብዝሓሸን ዝነጸረን መጕልሕ ክትርእዮ ዕድል ትረክብ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ “ ዕድመ ጸጋ’ዩ” ዝበሃል። ኣብ እዋን ሓርነታዊ ኲናት ዝተሳተፍናን ዝዓበናን ሰባት እናተመላለሰት ሕልናና እትጎዳድእ ሓንቲ ጉዳይ ኣላ- መቸም ንዝኾነ ብኲናት ዝሓለፈ ወተሃደር እተሳቒ እያ። “ስለምንታይ ብጾተይ ተሰዊኦም ኣነ ተሪፈ?” እትብል እያ። ምስ ነኣሽቱ ደቅኻ ክትጻወት ኮለኻ፡ ብዙሓት ክንዲ ደቅኻ ዝኾኑ ንኡሳን ከምዝተሰውኡ ትዝክር’ሞ ቀጭቀጭ ይብለካ። ንናብራን ሞያን ክትዋፈር ከለኻ፡ ብዙሓት ነቲ ንዓመታት ዝደኸሙሉ ሞያ ደርብዮም ሜዳ ኣትዮም ዝተሰውኡ ይረኣዩኻ። “ስለምንታይ ተሪፈ?” ትሓታ ንነብስኻ። ናይ ሱቕታን ውስጠ-ቃልስን ግዜ ምስ ሓለፈ ናብ ክውንነት ትምለስ እሞ እቲ ክትገብሮ እትኽእል ክትገብር ትፍትን። እታ ዝወሓደት ክንገብራ ንኽእል ከኣ ነቶም ብጾት ከም ተራ ተዋጋእቲ (warriors) ጥራይ ዘይኮኑ፡ብምሉእነቶም ከም ደቂሰባት ምዝካሮም እዩ። ተዋጋእቲ ሮቦት ዘይኮኑ፡ ስድራን ናብራን ባህግታትን ዝነበሮም ሰባት እዮም ነይሮም።

እታ ጽሕፍቲ ኣብ ገድሊ ንዘይነበረ፡ ወይ ወተሃደራዊ ኣሰራርሓን ኣሰራርዓን ህ.ግ. ንዘይፈልጥ ሰብ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይቲ ንዛረበሉ ዝነበርና ግዜን ኩነታትን ሓበሬታ ክትህበሉ ብእትኽእል ኣገባብ ከም ዝቐረበት ብዙሓት ኣስተብሂሎምላ። ነቲ ተጋደልቲ ዕላማ ኣልቦ፤ ዕሙታት ጠነንትን ተዋጋእትን ነይሮም ዝብል ሓሓሊፉ ዝስማዕ ኣባሃህላ’ውን ኣብ ግምት ኣእትያ እያ ተጻሒፋ። ብርግጽ ቀዳማይ ዕማም ተጋደልቲ ወተሃደራዊ እዩ ነይሩ ስለዝኾነ ወተሃደራዊ ባህሊ ክነብሮም ዘካትዕ ኣይኮነን። ግን ደቂሰባት ስለዝኾኑ ኩሉ ኣብ ደቂሰባት ዝረአ ባህርያት ነይርዎም። ኣብዛ “ሃለው ባሕሪ” ዘርእስታ ሓጻር ጽሕፍቲ ንእግረመንገድና፡ ተጋደልቲ ከም ኩሉ ሰብ ዝፋቐሩን ዝጻልኡን፤ ዝሕጎሱን ዝጕህዩን፤ ከምቲ ኣብ ገለ ዕላላት ዝስማዕ  ብሓሽሽን መስተን ሰኺሮም ዘይኮኑስ ሞትን ደምን ከምዘሎ እናፈለጡ ብሕርያኦም ዝቅበልዎ ከምዝነበሩን፤ ኣብ ካናለታትን ኣንደርግራውንድታትን ዝምድናታትን ስድራታትን ከም ዝመስረቱን፤ ኮታስ ናይ በይኖም ንኡስ ባህልን ሕ/ሰብን ከም ዘማዕበሉ ክነርኢ ፈቲንና።

ንወዲ ፍላንሳ ከኣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ንኡስ ሕ/ሰብ ተጋዳላይ፡ ምስቶም ዝመርሖም ዝነበረ ጀጋኑ ተጋደልቱ ክንርእዮ መሪጽና። ነቲ መሪር ግዜ ንምርኣይ፡ መስዋእቲ ሚርያምን ወዲ ፍላንሳን (ሰብ ሓዳር) ኣብ ሓደ ወራር፤ መስዋእቲ ሃብተገብርኤልን ኣብረሀት ሓብቱን  ፡ ከምኡ እውን ወዲ ጎማን ሓብቱን ከኣ ኣብ ሓንቲ ውግእ፡ ከም ኣብነት ቀሪቡ። እዚ ኣብነት‘ዚ ተራኺ ዝዝክሮን ብዓይኒ ስድራ ደረጃ (ኣሕዋትን ሰብ ሓዳርን) ተራእዩ ‘ዩ ተሓርዩ ‘ምበር እቲ መስዋእቲ ኣዝዩ ብዙሕን ከቢድን ምዃኑ ኣንባቢ ይርደኦ’ዩ ኢልና ንኣምን። ነብሰወከፍ ተኻፋሊ ናይዛ ውስንቲ ውግእ’ዚኣ፡ ንኣብነት እንተዝሕተት፡ እንታይ ዝኽርታት ምሃለዎ? ስለ’ዚ ኣንባቢ ግቡእ ስእሊ ናይቲ ኩነታት ኣትሪፉ ክህሉ ንትስፎር። ብሓፈሽኡ፡ ኲናትን ሃልኩን (ኣካላዊ ይኹን ስነ-ኣእምሮኣዊ ወገኑ) ብዓቕምና ክንቀርጽ ፈቲንና። እዚ ብውሱን ትዕዝብቲ ናይ ሓደ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ትሕቲ ጽቕጢ ውግእ ዝጓዓዝ ዝነበረ ተጋዳላይ እዩ። ዝበዝሕ ክሳብ ሕጂ ዘንበብናዮ ጽሑፍን ስኡልን/ቅሩጽን ስረሓት ገድልና ትሕዝቶኡን ኣቀራርብኡን ንፕሮፓጋንዳ ወይ ንምልዕዓል ዝተሓርየ ስለዝኾነ፡ እንተ ሓቕኛ ምኽንያት መንቀሊኡ ይኹን ወይ ዝህቦ ስምዒት፡ ኣብ መወዳእታ ሓፈሻውን ፖለቲካውን ኮይኑ ይተርፍ። ንሕና ካብዚ ናጻ ክንከውን መሪጽና። መስዋእቲ ብጾትና ንጎስጓስ ክንጥቀመሉ ሕልናና ኣይገብረልናን’ዩ። ብኡ መሰረት እዩ ብጥንቃቐ፡ እቲ ሃብቶም ብዓይኑ ዝረኣዮን ብእዝኑ ዝሰምዖን ከምቲ ዘለዎ ክነቐምጦ ዝመደብና።

ኣብ ኣቀራርባና፡ ካብቲ ኣብ ታሪኽ እነንብቦ፡ ቲድሮስ፡ ዮውሃንስ፡ ናፖሊዮን፡ ሞንትጎመሪ፡ ሮሜል…ወ.ዘ.ተ. እናተባህለ፡ መስዋእቲ ኣሽሓት ስም-ኣልቦ ጀጋኑ ብስም መራሕቶም ተሰሪቑ ዝዝንተወሎም ክንወጽእ ደሊና። ስዉእ ወዲ ፍላንሳ ምቕሉልን ናይ ብሓቂ ተጋዳላይን ስለዝነበረ ምስ ብጾቱ ክንዝክሮ እምበር ድኻምን መስዋእትን ብጾቱ ክውንን ወይ ክብሕት ኣይምደለየን ነይሩ። ብዚ መሰረት፡መስዋእቱን መስዋእቲ’ቶም ካልኦት ብጾት ዝግበኦ ማዕረ ክብሪ ክንህቦን፡ ተጋዳላይን ታሕተዎት ኣዘዝትን ህዝብን ዝጻወትዎ ተራን ዝኸፍልዎ መስዋእትን፡ ብፍላይ ድማ ተራ ናይተን ሓበን ኤርትራውያን ዝኾና ኣሓትና ተጋደልቲ ክነንጸባርቕ ፈቲንና።

ሓደ ሓደ ኣንበብቲ እታ “ልበ-ወለድ” እትብል ልቃብ ኣይፈተውዋን። ሓቆም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ናይ ርኢቶታት ፈትልታት/threads/ እውን ክነብርሃ ፈቲንና። ሃብቶም ካብ መጀመርያ ኣይፈተዋን ነይሩ። ግን ናብ ሳላሳ ዓመታት ተመሊስካ ምዝንታው ቀሊል ስለዘይኮነ፡ እተን ዘይሃሰሳ ፍቅዶ ዝኽርታት ክትተኣማመነለን ትኽእል ‘ኳ እንተኾይንካ፡ ነቲ ሓፈሻዊ ኩነታት ስእላዊ ክትገብሮ ግን ናጽነት ጸሓፊ ስለዝጠልብ፡ ኣቀራርብኡ ኣክንዲ ጸብጻባውን ደረቕን ዝኸውን ስነ-ጽሑፋዊ መታን ክኸውን ኢና ኣልጊብናያ። ኣብታ ሳልሰይቲ፡ ናብ መስዋእቲ ወዲ-ፍላንሳ ኣብ ዝተቃረብናሉ መድረኽ ኢና ብኣፍልጦ ንክብሪ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ ዘልገስናያ።

ቅድሚ ናብ ሕቶታት ምሕላፍ ግን ክልተ መኣረምታ ኣለዋና።” እቶም ሰለስተ ኣባላት ስለያ ኣብ ካልኣይቲ መዓልቲ ዘይኮኑስ ኣብ ሳልሳይቲ መዓልቲ፡ ኣብታ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ ዝተሰወኣላ መዓልቲ፡ ንግሆ እዮም ተጸንቢሮምና”  ይብል ሃብቶም።ከምኡ እውን ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይታ ጽሑፍ ኣሕዋት ሃብተሀብርኤልን ጽሃይነሽን ኢልና ነይርና። ግን ሓብቲ ሃብተገብርኤል፡ ጸሃይነሽ ዝይኮነትስ ኣብረሀት ኣርኣያ እያ። ጽሃይነሽ እውን ናይ ቀረባ ዘመዶምን ተጋዳሊትን ስለዝነበረት ኣስማተን ተደናጊሩ ነይሩ። እምበኣር፡ እዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ብገጸ-ገጽን ብተለፎንንን ኢሜልን ዝተደጋገማ እየን። ገሊአን ተጣሚረን ቀሪበን ኣለዋ።

ሕቶታትን መልስታቶምን

ሕቶ= እቶም ኣባላት ስለያ ይመጽኡኹም ከምዝነበሩ ተሓቢርክም ነይርክም’ዶ?

ብቶም፡ ዝመጸና ሓበሬታ ኣይነበረን።

ሕቶ፡ እሞ ከመይ ኢልክም ምስ ዘይትፈልጥዎም ሰባት ትጓዓዙ ነይርክም?

ሃብቶም፡ ኣብ ግዜ መጥቃዕቲ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ተጋደልትን ሓለፍትን ትራኸብን ተፈላለን ኢኻ። ኣብ ሓደ ውግእ ነናቶም ሞያ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ሰባትን ጉጅለታትን ይሳተፉ ‘ዮም። ተዋጋኢ ሰራዊት፡ ናይ ሃንደሳ፡ ስለያ፡ ከቢድ ብረት፡ ኤምዳድ………ወዘተ። ነናቶም ምምሕዳር ኣለዎም ግን ክትራኸብን ብሓንሳብ ክትጓዓዝን ንቡር እዩ።

ሕቶ፡ ወዲ ፍላንሳ ዝፈልጦም ‘ዶ ይመስል ነይሩ? ቅሩብ ዘጠራጥሩ’ዶ ይመስሉ ነይሮም?

ሃብቶም፡ ዘጠራጥር ባህርያት ኣይረኣናሎምን። ወዲ ፍላንሳ  ይፈልጦም ይንበር ኣይንበር ኣይፈለጥኩን ንሶም ግን ብስሙ ክጽውዕዎን ከዕልልዎን ናይ ተክኒክ ሓበረታታት ክህብዎን ርእየ። ብመሰረቱ እውን ኣቓልቦና ዝስሕብ ዘይንቡር ነገር ስለዘይረኣና ኣይተገደስናሎምን።

ሕቶ፡ ንምንታይ ‘ዮም ኣብታ መወዳእታ ሳዓት እቶም ስለያ ጥራይ ምስኡ መሪሖም? ንምንታይ ኢኹም ንስኹም ተሪፍኩም?

ሃብቶም፡ ኣብኡ ጥራይ’ኮ ኣይኮኑን ንሶም ምስኡ ካባና ሕልፍ ዝበሉ። ኣብ ካልእ ግዜ እውን ተመሳሳሊ ኣካይዳ ነይሩና እዩ። ነቶም ኣካይዳ ኦፐረተራት ዘይትፈልጡ ቅሩብ ክሕብር። መጥቃዕቲ ኣብ ዝግበረሉ ንቅድሚ ምኻድ ማለት እዩ። ሓለፍቲ ብርጌዳት ዝበዝሕ ግዜ ንእዚ ክጥዕም ድሕር ኢሎም እዮም ዝግስግሱ። ኣብ ሓደ ቦታ ደቃይቕ ወይ ሳዓታት ወይ እውን መዓልታት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እቲ ግስጋሰ ናይቲ ኲናት እዩ ዝውስኖ። ኦፐረተራት ብርጌድ ናይቲ ግዜ ሓንቲ PRC እትበሃል ተሓንጊጥካያ እትጓዓዝ ሬድዮ ነይራትና። ኣብ ነዕርፈሉ ግዜ ንርክብ ኣብ ዝምችኣሉ ቦታ ነጻውዳ።  መራሕቲ ድማ ኣብ ኢዶም ዝሕዝወን ነኣሽቱ ሬድዮታት ይጥቀሙ። ካልእ ከም ሽኮር፡ ሽጋራን መግብን እውን ንስከም ነይርና። ስለ’ዚ ኣብ ሓደ ቦታ ጸኒሕካ፡ እቲ ሓላፊ ብዙሕ ዝጠራነፍ ኣቕሑ ስለዘይብሉ ኣቀዲሙ ክሓልፍ ዘይልሙድ ኣይኮነን። ብቅድምና ናትና ሰራዊት ከምዘለዉ ዘይምዝንጋዕ። ካብኡ ናብኡ ወላ እቶም ኦፐረተራት እንሓንሳብ ተሰሪዕና እንሓንሳብ ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተፈላሊና ምጉዓዝ ካብ ንቡር ዝወጸ ኣይኮነን።

ሕቶ፡ ናይታ ዝሰምዓኩማ ቶዅሲ ዓይነትን  ርሕቐትን ኣንፈት?  ኣወቓቕዓ?

ሃብቶም፡ ቶኽሲ ቃጻሊ ነይሩ። ኣብ ውግእ ‘ኳ ኢና ነይርና። ኣብ መንጎ እቲ ቶኽስታትን ፍንጀራን ግን ምስ ድምጺ ወዲ ፍላንሳ ክንፈልያ ዝከኣልና ቶኽሲ ሰሚዕና። እቲ ቦታ ብከቢድ ፈኲስን ረሻሻት ይውቃዕ ነይሩ። ደብዳብ እውን ነይሩ ግን ዝበዝሕ ብደሕረና ይዓልብ ነይሩ። ኣብታ ጽሕፍቲ ተኣሲሩልና ከምዝነበረ ዝሕብር ስርዓተ-ኣታኩሳ ከምዘይነበረ ግን ብራርያ ይወቕዓና ከምዝነበረ ሓቢረ ነይረ። እታ ቶኽሲ ዓይነታ ይኹን ርሕቀታ ክፈልጥ ኣይክእልን። ኣብ ጸጋማይ ኣፍ ልቡ ተወቒዑ ከምዝነበረ ይዝከረኒ። ግን ዝፈተሽናዮ ኣይነበረን ንሱ እውን ግዜ ኣይሃበናን። እዚ ሕጂ ዝበሃል ጥርጠረታት ስለዘይነበረና ዝያዳ ክንምርምር ኣይከኣልናን። ዓቕሙ እውን ኣይነበረናን። በዓል ቻይና ምስ መጹ እውን ዝተገብረ ፍሉይ ምርመራ ኣይነበረን።

ሕቶ፡ ተወልደ ኣድሓኖም ዝበሃል ኣባልኩም “ ወዲ ፍላንሳ ቀቲሎሞ” ስለዝበለ ተቐቲሉ ይበሃል። ብዛዕብኡ ከ?

ሃብቶም፡ እዛ ሕቶ’ዚኣ እውን ተደጋጊማ እሕተታ እየ። ድሕሪ’ዛ “ ሃለው ባሕሪ” ጽሕፍቲ ከኣ ዝያዳ ርስንቲ ኮይና። ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልክዎ ዕላማይ ዝኽሪ እዩ ነይሩ። ተደጋጊማ ካብ መጸት ግን እቲ ዝፈልጦ እንተካፈልኩ ሕማቕ ኣይኮነን። ኣብ ብርጌድ 58 ክውዛዕ ከለኹ ተወልደ ኣድሓኖም  ድሮ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ ነይሩ። ከምዝመስለኒ ብ1976 ወይ 77 እዩ ተሰሊፉ። ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ማለት 1983፡ ሓላፊ ኤምዳድ ( ሓላፊ ቀረብን ምኽዛንን ምምሕዳርን ብረታትን ተተኮስትን) ብርጌድና ነይሩ። ብትዕዝብተይ ተወልደ ህርኩትን ሕዉስን በሊሕን ሰብ ነይሩ። ብድሕሪ መስዋእቲ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ- ከምዝመስለኒ ኣብ 1984 ኣቢሉ እዩ- ተወልደ ኣድሓኖም ናብ ጸላኢ ሰሊሙ። ደድሕሪ ምስላሙ ኣሃዱታትና ሒዘንኦ ዝነበራ ኣገደስቲ ቦታታት ተደብዲቡ። ናይ ወገን ጥራይ ክፈልጦ ዝኽእል ብድሕሪ ድፋዕ ዝነበረ ኣገደስቲ ቦታታት ከይተረፈ ስለዝተደብደበ “ ወዲ ኣድሓኖም እዩ ኣደብዲብዎ” ተባሂሉ ይግለጽ  ነይሩ። ብተወሳኺ ወዲ ኣድሓኖም፡ ንወዲ ፍላንሳ “ ሻዕብያ ቀቲላቶ” ኢሉ ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ ተዛሪቡ። ሽዑ ከም ተራ ክድዓት ‘ኳ እንተወሰድክዎ ንወዲ ኣድሓኖም ይኣምኖ ስለዝነበርኩ ምስላሙ ገሪሙኒ። ቅድምኡ ዝሰለሙ ተጋደልቲ ተመሳሳሊ ዘረባታት የሰራጭዉ ስለዝነበሩ ነቲ ብዛዕባ ወዲ ፍላንሳ ዝበሎ ክሲ ኣቓልቦ ዝገበረሉ ኣይነበረን። ብኡ ኣቢሉ እውን ተረሲዑ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ወረ ናይቲ ተረሲዑ ዝነበረ ወዲ ኣድሓኖም ኣብ ከባቢ ቤ/ጽሕፈትና ክናፈስ ጀሚሩ። ኣብ ከሰላ ከምዝነበረን ናብ ወጻኢ ክኸይድ ይሸባሸብ ከምዝነበረን ሓበሬታ መጺኡን ይዝረበሉ ነይሩን። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ጸኒሐ ምስ መጻእኩ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ሓደ ዓቢ ድግስ ተገይሩ ይጸንሓኒ። ነቲ መሳርሕተይ ተረኛ ኦፐረተር ምስ ሓተትኩ “ ኣይሰማዕካን’ንዲኻ፡ ወዲ ኣድሓኖም ኣብ ከሰላ ከምዝቐተልዎ መልእኽቲ መጺኡና” ኢሉኒ። ጽንሕ ኢልና፡ ኣብቲ ድግስ ዝነበረ ላዕለዋይ ሓላፊ ብመስተ ረሲኑ ዓዕ እንዳበለ “ ሓለንጊ ሰውራ ነዊሕ’ዩ። ኣይምሕርን ‘ዩ። ከዳዕየ ከዳዕ፡ ጥራይ ስተዩ “ ኢሉ ወዲ ኣድሓኖም ከምዝተቀንጸለ ገሊጹ። ሽዑ ኣነ ገሪሙኒ። ምኽንያቱ፡ ካብ ወዲ ኣድሓኖም ንላዕሊ ገበን ዝፈጸሙ ኣብ ሱዳን ከም ዝነበሩ እፈልጥ ነይረ። “ ምናልባት ኣነ ዘይፈልጦ ገበን ፈጺሙ ክኸውን ኣለዎ” ኢለ። ክሳብ ሎሚ እውን በታናይ ወዲ ፍላንሳ ዘረብኡ ድዩ ወላ ብካልእ ተቐቲሉ ብልክዕ ዝፈልጦ የብለይን።

ሕቶ። ነቶም ኣባላት ስለያ ትጥርጥሮም’ዶ?

ሃብቶም፡ እቶም ስለያ ብቀጻሊ ናይ ካርታ ሓበረታታት ክህብዎን ምስኡ ክማኸሩን ንርእዮም ነይርና። ነቲ ግንባር ከጽንዑ ዝጸንሑ እዮም ዝመስሉ። ስለ’ዚ ዘጠራጥር ነገር ኣይረኣኹሎምን። ካልእ ኣንባቢ ክፈልጠለይ ዝደሊ፡ ኣነ ኦፐረተር እየ ነይረ። ስርሓይ መልእኽትታት ብኮዳት ምምሕልላፍ ጥራይ ነይሩ። ስለያ ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱን ኣብ ምምዕባል ውጥን መጥቃዕቲ ይኹን ኣተጋባብርኡ እውን ወሳኒ ተራ ዝጻወቱ ስለዝኾኑ ምስ ወዲ ፍላንሳ ኣቀዲሞም ኣብቲ ምድላዋት ተራኺቦም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብሂወቶምን ኣብ ክዛረቡሉ ዝኽእሉ ቦታን እንተለዉ ቃሎም ክሰምዕ ደስ ምበለኒ።

ሕቶ፡ ሚኪኤል መለስ ዝበሃል ኦፐረተ ናይ ወዲ ፍላንሳ ነይሩስ መስዋእቲ ወዲ ፍላንሳ ዘቃልዕ ምስጢር ስለዝነበሮ ኣጥፊኦሞ ይበሃል። ብዛዕብኡ ከ?

ሃብቶም፡ ሚኪኤል መለስ ዕባይ ቤት/ት/ሰውራ ኮይኑ፡ ብሓንሳብ ኦፐረተርነት ተማሂርና። ንሓጻር እዋን ምስ ወዲ ፍላንሳ ጸኒሑ። ወዲ ፍላንሳ እውን ብጣዕሚ ይፈትዎ ነይሩ። ሚኪኤል (ወዲ መለስ) ግን ኣብ ሓይልታት ከይዱ ክዋጋእ ስለዝደለየ ኣቕቢጹ። ናብ ሓይልታት ድማ ተመዲቡ። ኣብ እዋን መስዋእቲ ወዲ ፍላንሳ ምሳና ኣይነበረን። ሚኪኤል መለስ ከም ቃሉን ትምኒቱን ኣብ ግንባር ሓልሓል ካብቶም ግኑናት መድፈዓጅታት ነይሩ። ኣብ ባህላዊ መዳያት እውን ይነጣጣፍ ነይሩ። ንክራር ከም ብሬን ፒ ከይ እዩ ዘነቅዋ ነይሩ። ሓንቲ ካብተን ህቡባት ደርፍታቱ “ ኣቤት ጽንዓት” እትብል ነቲ ብ10/10/10 ብዕለት 10/10/1985 ብወገን 10( ግንባር ዓስርተ ናይ ሓልሓል) ዝተፈጥረ ጹዕጹዕ ኩነታትን ዝተኸፍለ መስዋእትን ትገልጽ። ወዲ መለስ ኣብ 1990 ኣብ ስርሒት ፈንቅል ተወጊኡ ናብ ሕክምና ምስ ከደ ኣብ ኣከባቢ ቢሰስ (ሽዕብ) እታ ዝነበረላ ሕክምና ብነፈርቲ ተደብዲባ ኣብኣ ተሰዊኡ። ስለ’ዚ እቲ ዝበሃል ሓቂ ኣይኮነን።

ሕቶ፡ ወዲ ፍላንሳ ተቀቲሉ’ዩ ‘ዶ ትብል?

ሃብቶም፡ ብመጀመርያ ብሰንኪ ንእስነትን ተመክሮን እዚ ሎሚ ዝሰምዖ ዘለኹ ሽዑ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ንወዲ ፍላንሳ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውዲት፡ ብእዝነይ ይኹን ዓይነይ ዝረኣኹዎ ኣይነበረን። ኣብ ዕላላቱ እውን ስክፍታ ኣንቢበ ኣይፈልጥን። እታ ሕቶ ብሓሳብ ደረጃ ጥራይ እንተኮይና ግን ዕድመ ዘይምህሮ የለን’ዩ’ሞ ዘይግበር ከምዘየለስ እፈልጥ’የ። ኣነ ከስምረሉ ዝደሊ ግን ተቐቲሉ እዩ ዘብል ጭብጢ የብለይን።

ተራኺ= ሃብቶም ጸጋይ

ጸሓፊ= ማሕሙድ ሳልሕ

ሃለው ባሕሪ (3ይን መወዳእታን)

ሃለው ባሕሪ (3ይን መወዳእታን)

ኣብ ሓቀኛ ዝኽርታት ሃብቶም ዝተመርኮሰት ዛንታ

ማሕሙድ ሳልሕን ሃብቶም ጸጋይን

ሃለው ባሕሪ(2ይ ክፋል) በዚ ዝስዕብ ሕጥበ ጽሑፍ ወዲኡ ነይሩ።

“ድሕሪ’ቲ ናይ ሓለፍቲ መብርሂታት ናይ ብምልኡ ብርጌድ ኣኼባ ተኻየደ። ሓጻር መግለጺ እዩ ሂቡ። “ ብጾት ሕጂ’ውን ታሪኽ ክንሰርሕ ኢና። ነዚ ኣብ ቅድምና ዘሎ ጸላኢ ጸራሪግና ከረን ከንእትዎ ኢና” ኢሉ እቲ ሓፈሻዊ ንምውህሃድን ቅልጣፈን ተወፋይነትን ዝምልከት ለበዋታት ሃበ።ንኣእዛን ዘናውጽ ጣቕዒት ሰዓበ። ኣኼባ ምስ ተዛዘመ ተጋዳላይ ኣብ ምስዕዓም ኣተወ። ብኣፎም ደኣ ኣይበሉዎ’ምበር ናይ ምፍናው ከምዝነበረ ዝጠራጠር ሰብ ነይሩ ኣይብልን። ኣብታ ድሕሪ’ዚ ውግእ’ዚ እትግበር ኣኼባ ዘይርከቡ ብጾት መን ምዃኖም ብልክዕ ዝፍለጥ ‘ኳ እንተዘይኮነ፡ ካብቶም ዝሰዓዓሙ ዝነበሩ ተጋደልቲ ገሊኦም ከምዘይርከቡስ ብሩህ እዩ ነይሩ። ንሓዋሩ ክፍለዩ እዮም። ስለ’ዚ ከኣ እዮም እቶም ተጋደልቲ ድሕሪ’ቲ ኣኼባ ከምቲ ንዓመታት ዝተናፈቑ ኣዕሩኽ ዝገብርዎ ወካዕካዕ ንነዊሕ ዘዕለሉን ዝተጫረቑን። ይቕረ ዝተበሃሃሉ’ውን ኣይሰኣኑን። ብሓንጎሎም ናይ መወዳእታ ምስልታት ብጾቶም ዝቐርጹ ዝነበሩ  ይመስሉ። ዝኽርታቶም የትርፉ ነይሮም። ካብ እንስሳታት እቲ ሞት ከምዘሎ እናፈለጠ ዝመውት ወዲሰብ ጥራይ እዩ። ኩነታቶም ዘይተረድአ’ሞ ፍሕሽው ገጾምን ፍሽኽተኦምን ጥራይ ዘንበበ ሰብ እዞም መንእሰያት’ዚኦም ናብ ኲናት ክብገሱ ተነጊርዎም ከምዝነበረ ክኣምን መጸገሞ ነይሩ። ውግእን ወረ ውግእን ኣብ ዝዓሰሎ ዓለም ኣብ መንጎ ሂወትን ሞትን ሓጎስን ጓህን ዘላ ደረት ኣዝያ ቀጣን እያ። ምፍልሳፍ ግዜ ኣለዎ። ሕጂ ግን ግዜ ውግእ እዩ። ነብሰ-ወከፍ ታባን ሕሉምን ዋጋ ከምትጠልብ ፍሉጥ ነይሩ። ነብሰ-ወከፍ ኪሎመተር ደም ክሓትት ‘ዩ። ኲናት ክፉእ እዩ። ግንባር ሓልሓል ጸሊም ደበና ይንጥልጠሎ’ሎ። ጽባሕ ነገር’ሎ።  ሃለው ባሕሪ………. “


ኣብቲ ግንባር ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክረባረባ ዝጸንሓና በራጊድ ነይረን እየን። እዚ ወራር እዚ ‘ሰላሕታ’ ደኣ ይሰመ እምበር ኣዝዩ መሪር እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝነበርናዮ ግንባር ናቕፋ ይኹን ኣብቲ ሽዑ ዝኣተናዮ ግንባር ሓልሓል ብዛዕባ’ዚ ወራር’ዚ ብተጋደልቲ ዝወሃብ ዝነበረ ገምጋም ተመሳሳሊ ነይሩ። “ሓደገኛ” ኢልና ንገልጾ ነይርና። ብግዝፊ ሻድሻይ ወራር ‘ኳ እንተዓበየ፡ 6ይ ወራር ዓመት መመላእታ ስለዝተዳለናሉን ሓያልን ብዙሕ መስዋእቲ ዝሓተተን ይኹን እምበር ክውዳእ ከሎ”ብሓቂ ኣብቂዑ ድዩ?” ኣብ ምባል በጺሕና። ምኽንያቱ ሰብ ብጋዝ ክረግፍ እዩ ተቀሪቡ ነይሩ። ብዝኾነ፡ ዘይውዳእ የለን እዚ ሓደገኛን ሰላሕታን ወራር’ዚ እውን ኣብ ምውድኡ ነይሩ።  ከምቲ ልሙድ ድማ ብጸረ-መጥቃዕትና እዩ ክዛዘም። እቲ ሜላ ዳርጋ ኣይተቀየረን። ካብ ምዝላቕ (1978) ክሳብ ሕጂ ጸላኢ ምድላዋት ጌሩ ወራር የበግስ፡ ሕሱም ናይ ምርብራብ ኣዋርሕ ይሓልፉ፡ ድሕርኡ ብናትና ጸረ-መጥቃዕትታት ይዛዘም። እዚ ሜላ’ዚ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ቅሙጥ ኮይኑ ክንሰርሓሉ ጸኒሕና። ንሕና ንኹን ጸላኢ እንፈልጦ እዩ። ካብተን ካልኦት በራጊድ ዝፍለ ብደሆ ነይሩና እንተተባህለ፡ ንሕና ካብ ናቕፋ መጺእና ብቀጥታ ኣብቲ መጥቃዕቲ ነኣቱ ምንባርና እዩ። እቲ ቦታ ብእሮታ ‘ኳ ዝፍለጥ እንተኾነ ንግንባር ሓልሓል ወይ ዓስርተ ምስቲ ብሂምቦል/ይካርዕን ተቀኒቱ ናብ ከርከበት ዝበጽሕ ግንባር ዘተኣሳስር ሰፊሕ ዝባውንቲ የጠቃልል። ብራኼ እሮታ ምስ ዓስርተን መለብሶን ዝወዳደር ኮይኑ ከም ቅርጺ ኣውቶቡስ ንሰሜን ይዝርጋሕ። ንዕኡ ደፊእና ማዕረ ዓስርተ እንተብጺሕና፡ እቲ ብወገን ከርከበት/ባርካ ዝመጸ ኣብ ተረትር ባናን ሕሩምን ዝነበረ ጸላኢ ተቆሪጹ እዩ ክተርፍ። ኣብ ሻድሻይ ወራር ሓይሊ ህ.ሰ. ክጎዛዚ በዚ ከባቢ ዝመጸ ብመብርቕ እዝ ዝፍለጥ ዝነበረ እዚ ጸላኢ ዕድሉ ሕማቕ ነይሩ። ከይጀመረ ናብ ሑጻ ጎላጉል በርካ ተጓሒፉ። ኣብኡ ድማ ተሰትዩ። ሕጂ’ውን ነዚ ናይ እሮታ ወገን ናይቲ ግንባር ናብ ሓልሓል ከምዝሽምቆቅ እንተተገይሩ እቲ ብወገን ባርካ  ዝነበረ ጸላኢ ዕድሉ ካብቲ ወገኑ ኣብ ሻድሻይ ወራር ዘጋጠሞ ውድቀት ኣይክሓይሽን ‘ዩ።

እሮታ፡ መዓልቲ ኣይዝክራን፡ ሓምለ/1983፡ ኣስታት ሳዓት 0400

ግንባር ሓልሓል ሓዊ ተኻዕዎ።  ብፍላይ ብወገና ከቢድ ምትሕንናቕ ይካየድ ነይሩ። “ተረዲአኪ ኣለኹ። ንኸሲ ጥራይ” ወዲ ፍላንሳ ምስ ሓንቲ መራሕ ጋንታ  ይራኸብ ነይሩ። መብዝሕትአን ‘ተን ክስበራ ዝተሓጽያ ዕርድታት ጸላኢ ኣብ ደቓይቕ ኣብ ኢድና ኣትየን ኣሃዱታትና የማነ-ጸጋም እናተኣሳሰራ ይደፍኣ ነይረን። ሓደ ክልተ ቦታታት ግና ገና ሓንጊደን ነይረን። ብፍላይ ኣብ ሓንቲ ታባ ቦምባ ኢድ ዝበዝሖ ጽዑቕ ምትህልላኽ ክካየድ ንዕዘብ ነይርና። እቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ፍርቂ ሳዓት ኣቢሉ በተን ከፈትቲ ኣሃዱታት እዩ ጀሚሩ። እዘን ኣሃዱታት እዚአን ፍሉያት ኣይኮናን። ንኣብነት ሓንቲ በጠሎኒ ክትኣትወሉ ዝመረጸቶ ቦታ እትኽፍት ዝኾነት ጋንታ ናይታ በጦሎኒ ክትከውን ትኽእል እያ። እዚ ቀዳማይ ዕማም’ዚ ቦምባታት ኢድ ዝበዝሖን ናይ ኢድ ብኢድ ጥምጥም ዝተሓወሶን እዩ ዝኸውን። እብዚ ከፋቲ ፍልምያ፡ ቦምባ ናይ ምድርባይ ቀላጽም ዘማዕበሉ ተጋደልቲ ምናልባት ብፍሉይነት ጸብለል ዝብሉሉ ወይ ዝምረጹሉ መድርኽ ክኸውን ይኽእል። ተፈንጀርትን ማሕትኦምን ንስንጭሮታት እሮታ ረበጽዎ። መሬት ብሓንሳብ ናብ ቃልቃል ዝብል ጓህሪ ተቐየረት። መጥቃዕቲ ጅምር ክብልን ዝነበርናዮ ቦታ ብነኣሽቱ ሞርታራት ክድሶቕን ሓደ ኮነ። ብደቡብ ካብ መለብሶን ዓስርተን ብምዕራብ ድማ ካብ ቆላታት ባርካ ከቢድ መዳፍዕ ብዘይምቁራጽ ይግዕርን ዳርጋ ብምልኡ ብደሕርና ኣብቲ ቀደም ኣሲሩሉ ዝነበረ ድፋዓትን ደጀንን ይወድቕን ነበረ።

ድሕሪ ቅሩብ፡ እቲ ቅድምና ዝነበረ ቀዳማይ ድፋዕ ስለዝፈረሰ ብሓንቲ ኣቀዲመን ኣሃዱታትና ዝኣተዋላ ቀጣን መስመር ናብቲ ተታሒዙ ዝነበረ ድፋዕ ጸላኢ ደየብና። ኣሃዱ ሃንደሳና ነተን ንመእተዊ ተባሂለን ዝተሓርያ ቦታታት ኣቀዲሞም ብጸላም ካብ ፈንጅታት ኣጽርዮመን ሓዲሮም። ቀዳማይ ድፋዕ ጸላኢ ክንሰግር ከለና፡ ምብራቓዊ ደረት ሰማይ በርሃው እናኮነ ይኸይድ ነይሩ። ነቲ ጸላም ክትርብዕ ዘርፈደ መስታታት ናይ በብዓይነቱ ብረትን ነተጕትን ድማ ብርሃን ወጋሕታ እናህሰሶ መጺኡ። ኣብ ገሊኡ ብሰንኪ ትክን ደሮናን ምርእኣይ የጸግመና ነይሩ። ኲናት ንዝለመደ ሰብ መቸም ሽታ ባሩድ ግናይ እዩ- ናብ ጽሉል ኣርሓ ‘ዩ ዝቕይሮ። ትቀትል እምበር ትቅተል ኣይመስለካን።  ካብ ክልቲኡ ወገን ጸጸኒሑ ይስማዕ ዝነበረ እህህታ ቃንዛ ግን ሞትን መቕሰልትን ሌላ-ጉሌላ ከምዘይብሉ የዘካኽረካ። ድሮ እውን ኣብ ክልተ ቦታታት ስዉኣት ክቀብሩ ተዓዚበ። ውጉኣት እውን ብቃረዛን ብእግርን ንድሕሪት ከብሉ ጀሚሮም እዮም።  ኣብዚ ውግእ’ዚ ብብዝሒ ገባር ከምዘለዉ ድሮ ምልታት ርእየ ነይረ ። ቀቅድሚ’ቲ ውግእ እቶም ተቀማጦ ናይቲ ከባቢ ብመሳርዕ ተወዲቦም ደድሕሪ ተጋዳላይ ክጓዓዙ ምዃኖም ከብ ሓደ ጀማሂር ሰሚዐ ነይረ፤ ብዓይነይ እውን ብርክት ዝበሉ ገባር ርእየ ነይረ።

ኣብ መንጎ ‘ቲ ብቀጻሊ ዝሃምም ዝነበረ መዳፍዕን ዕሙር ቶኽስን ክተለልዮ እትኽእል ድምጺ መራሕቲ ነቲ ዋጭዋጭታ ማዕበል ሬድዮታት ዓብሊሉ ጸብለል ይብል ‘ሞ ከብ ድምጾም ጥራይ ኩነታቶም ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ። ድምጽን መጸወዒ ኮዳት ናይ ኩሎም ሓለፍቲ’ቲ ብርጌድ ስለዝፈልጦ ኣብ ስራሕ ዘለዉን ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾኑን በዓል መን ምዃኖም ብቀሊሉ ክግምት እኽእል እየ። ኪነዉ ሓለፍቲ ግን ብዙሓት ዝፈልጦምን ዝፈትዎምን ብጾት ነይሮም። ስለ’ዚ ‘ዩ ግዲ ኣብ ዘይሳዓታ እታ ኩሉ ግዜ ትመላለስ ሕቶ ውትፍ ዝበለትኒ- “ ቀዳማይ ድፋዕ ሲ ተሰይሩ በዓል መን ለኪሙ ኮን ይኸውን?”ትብል ነይራ ። ገጽ ናይቶም ኣጸቢቐ ዝፈልጦምን ዝቀርቦምን ብጾት ተመላለሰኒ። ከብቶም ትማሊ “ ዓወት ንሓፋሽ” ዝበሉ ብጾት በዓል መን ሓሊፎም ይኾኑ? ኣብ ተመክሮይ ከም ዝረኣኽዎ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግጥም እንሓንሳብ ውሑዳት ወተሃደራት እዮም ተኸኽ ዘብሉኻ። ጸላም ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዝጥቃዕ ዝነበረ ድፋዓትን መንሸገራግሮታትን ዝያዳ ንሶም ይፈልጥዎ። መዓንጣኻ ዘሕርር ክሳራ ድማ ይስዕብ። ሓደ ኣብቲ ዝሰገርናዮ ቀዳማይ ድፋዕ ዝተሰወአ ብጻይ ኣብነት ናይዚ እዩ።ኣብቲ ካናለታት ምስ ሓደ ወተሃደር ከም ድሙን እንጭዋን ክተሃላለኽ ጸኒሑ ድሕሪ ነዊሕ ጭርጭር-ዓበደ፡ ሓደ ካልእ ብጻይ ነቲ ወተሃደር ይቐትሎ እሞ ኣንፈቶም ናብቲ ዝሃድም ዝነበረ ጸላኢ ይኸውን። ብግስ ክብሉ ከለዉ ግን ሓደ ኣብ ጁባ ናይቲ ድፋዕ ተሓቢኡ ዝነበረ ወተሃደር ቶኽሲ ብምኽፋት ሓደ ስዉእን ክልተ ውጉኣትን የትርፍ።  እዚታት ንወዲፍላንሳ ከይተበገስና ከተሓሳስቦ ከምዝጀመረ ካብቲ  ምስቶም ኣብኡ ዝጸንሑና ሓለፍቲ ዝለዋወጦ ዝነበረ ቃላት ኣስተብሂለሉ። ክጥንቀቁን ዓቅሚ ሰቦም ክቆጻጸሩ ይእዝዝ ነይሩ። ምስ ሳልሳይ በጦሎኒ ኣቲና ስለዝነበርና ክሉ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እዩ ዝካየድ ነይሩ።

ድሮ መስዋእቲ መ/መሳርዕን ጋንታታትን ዘጠቃለለ ጸብጻብ ተቀቢልና ነይርና። ኣብ ህ.ሰ. ውግእ ብቀንዱ ብተራ ተጋዳላይ ‘ኳ ዝውሰን እንተኾነ መራሕቲ መሳርዕን ጋንታታን እቶም ቀንዲ ኣተግበርቲ እዮም። ካብ ሓለፍቲ ብብዝሒ ዝስውኡ እውን ንሶም እዮም። ንፉዕ ኣዛዚ ብርጌድ ንፉዓት ታሕተዎት መራሕቲ የፍርን ንውሳነታቶም ኣብ ግምት የእቱን። እዚ እምነት’ዚ ኣብ ዕላላቱን ኣኼባታቱን የዘውትሮ ነበረ። ሓደ ግዜ ንኣበርክቶ ተራ ተጋዳላይን ታሕተዎት ሓለፍትን ከብርህ ከሎ “ ተጋዳላይ ፈንጅታት ረጊጹ እንተዘይጠንን፡ ጽምእን ጥሜትን እንተዘይጻወር፡ምስ ሓጺነመጺን እናተላገዐ እንተዘይተባተብ፡ ምስ ምልውዋጥ ኩነታት ዝተዓጻጸፍ እንተዘይከውን፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ስድርኡን ዕድሉን ኣወንዚፉ እንተዘይጋደል ጉዳይና ቀደም ምተረሰዐ ነይሩ” ዝጥዕም መግለጺ ክህብ እዝክር። ኣብ ካልእ እዋን ኣብ ናይ ብርጌድ ምዝንጋዕ “ ሕንጻጽ’ኮ ሕንጻጽ እዩ። ኣቀዲሙ ዝወጸ መደብ ኲናት ነታ ፋልመይቲ ምስ ጸላኢ ትገብራ ርክብ ኣይሰርርን እዩ። ድሕርኡ ዝፍጠር ገልታዕታዕ ተጋዳላይ ‘ዩ ዘጸብቖ” ክብል ሰሚዐዮ ነይረ። እቲ ዳሕረዋይ ነጥቢ ሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ሓቂ ምንባሩ ደሓር እናተመከርኩ ክበርሃለይ ክኢሉ።

ብጻይ ወዲ ፍላንሳ ንገሊኡ ኣሃዱታት ናብቲ ዝቅጽል ሸቶታት ክቅጽል፡ ንገሊኡ ክተኣሳሰር፡ ምስ ገሊኡ ድማ ነተን ኣትኪለን ዝነበራ ዕርድታት ንምሓዝ “ ከመይ/ እንታይ ይሓይሽ ይመስለካ/ኪ?” እና በለ ናብ መራሕቲ ጋንታታት ዝወርድ ርክባት ቀጺሉ። ጸሓይ ወጺኣ ጸላኢ እውን እግረይ ኣውጽእኒ ፋሕፋሕ ክብልን ይረአ ነይሩ። በገሊኡ ሸነኻት ኣሃዱታትና ሰሊጥዎምስ ንቅድሚት ተወርዊሮም ነይሮም። ድሕሪ ገለ ደቃይቕ፡ ወዲ ፍላንሳ ጸላኢ ትንፋስ ከይረክብን ከይወዳደብን ነቶም ሓለፍቲ’ቲ ብርጌድ ቀጻሊ ጸቕጥን ምትብባዕን እናገበረ ንቅድሚት ቀጸልና። ንመጀመርታይ እዩ ንወዲ ፍላንሳ ኣብ መጥቃዕቲ ዘሰንዮ ዝነበርኩ። ኣብ ግንባር ናቕፋ ከለና ናይ ምክልኻል ኣቃውማን ኣተሓሕዛን ነይሩና። ስለ’ዚ ‘ዩ መስለኒ ድምጹ ህዱእ ዝነበረ። “ ኣጆኹም ክሓልፍ እዩ፤ ቅሩብ ተጸመሙ ፤ሓገዝ ይመጽእ ኣሎ፤ እዚኣ እንተሓሊፋ..” ዘስምዕ ቃና ነይሩዎ። ኣብዚ መጥቃዕቲ’ዚ ግን ድምጹ ይኹን ጠባዩ ኣንጻር ነይሩ። “ ቀጽል፡ ተቀላጠፍ..ወዘተ” ዝበዝሖ ዓውታን ሓይልን ዝነበሮ ድምጽን ትእዛዛትን ይጥቀም ነይሩ። ሞራሉ ሰማይ በጺሑ ነይሩ። ብታሕተዎት መራሕቲ እውን “ ተረዲአካ…ናብኡ እየ….” ዝብል መልስታት ንሰምዕ ነይርና። ጽቡቕ ምውህሃድን ግስጋሰን ነይሩ። ትሕትኡ ዝነበሩ ይኹኑ መሳትኡ መራሕቲ ብጣዕሚ የኽብርዎ ምንባሮም ኣብቲ ምስኡ ዝገበርክዎ ሓጺር እዋን ክዕዘቦ ክኢለ። ብቀደሙ እውን ኣብ ስራሕ መጺእካ ዝድፈር መዳይ ኣይነበሮን። ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ እንሓንሳብ ንለግብ እንሓንሳብ ቅሩብ ንድሕር ነይርና እምበር ጉዕዞና ምስ ቦጦሎኒ 3 ቀጺሉ። ኣነን ሃይለ መጎስን ሃብተልኡል ልጃምን ነሰንዮ ነይርና። ምክትል መራሕ ብርጌድና፡ ኣማንኤል ሃንጀማ፡ ምስ ኣዛዚ እቲ ግንባር ዝነበረ ሃይለ ቻይና እዩ ነይሩ።

ሳዓት 0900 ኣቢሉ ኣብ ሓንቲ መዓስከር ጸላኢ ዝነበረት ዕሙቕ ዝበለት ቦታ በጻሕና። ጉስማጥን እስቃጥላን እንተረኸብና ኢልና ኣነን ሃይለ መጎስን ነጊርናዮም ናብኣ ተኣለና። ናይ ጸላኢ ሞርታራት ባተሪ ዝተጻወደላ ቦታ እያ ነይራ። ሓደ ካብቶም ሞርታራት ብቀጥታዊ ዳርባ ተወቂዑ ከምዝነበረ ብሩህ ነይሩ። 81 ሚሜ እዩ ዝመስል፣ ሰለስቲኦም ተኮስቱ ተበጃጂሎም የማ-ጸጋም ወዲቖም ነይሮም። “ ከ ጓድ መንግስቱ ሃይለማርያም ጋር ወደ ፊት!” ዝብል ፍሩይ ጭርሖ ዝተጻሕፎ ጋዜጣ ኣብ እግሪ እቲ ሞርታር ነይሩ። ካልእ ዝተበታተነ ወረቓቕቲ እውን ነይሩ። “ ከ ጓድ መንግስቱ ሃይለማርያምስ ናብ ሞት ደኣ ” በልኩ ብልበይ። ሓደ ከብኦም፡ ቁልዕጽ ኢሉ የማናይ ጎኑ ናብቲ ስሜናዊ ወገን ናይቲ መንደቕ ተጸጊዑ ክሳዱ ቅሩብ ንድሕሪት ቅንን ኢሉ ገጹ ናብ ድቡብ ይጥምት ነይሩ። ምናልባት ሽጋራ ዝደለዩ ብጾት ጅብኡ ፈቲሾም ክኸኑ ይኽእሉ ሓንቲ ዓባይን ክልተ ነኣሽቱ ስእልታትን ኣብ ጸጋማይ ሰለፉ ወዲቐን ነይረን። ኣብታ ዓባይ ስእሊ ሓንቲ ጽቡቕ ተዳልያ ዝተሳእለት እትመስል መንእሰይ ኣብ ወንበር ኮፍ ኢላ ክልተ ህጻናት ብየማነ-ጸጋም ኣሰንዮማ ነይሮም። ሽዑ እታ ስእሊ ኣይተገደኩላን። ደሓር ግን ታሪኽ ናይቲ ኣብቲ ዝሓለፍናዮ ከናለ ዝተሰወአ ብጻይ ምስ ሰማዕኩ ኣሰር ገዲፋትለይ። እቲ ብጻይ ቅድሚ ሰሙናት ሰበይቱ ምስ ደቁ መጺኣቶ ከምዝነበረት ፈሊጠ። እታ ኣብታ ስእሊ ዝረኣኽዋ ስድራ እውን ናይቲ ወተሃደር እያ ትኸውን። ክልተ ኣቦታት ኣብዚ ተዋዲቖም፤ ደቆም ግና ስእልታት ኣቦታቶም እናረኣዩ መንገዲ የቋምቱ ነይሮም ይኾኑ። ብፍላይ ሎሚ ወላዲ ምስ ኮንኩ፡ ኲናት ከብቶም ኣደዳ ቀጥታዊ ሳዕቤኑ ዝኾኑ ተዋጋእቲ ዝያዳ ነቶም ይካየድ ከምዘሎ’ውን እንዶ ዘይብሎም ዕሸላት ከምዝውጽዕ በሪሁለይ። ክልቲኦም ኣቦታት ቅኑዓት ኢና እንዳበሉ እዮም ኣብቲ ዝኣምኑሉ መትከል ዝሓለፉ።ብርግጽ፡ ሓዲኦም እዩ ቅኑዕ ክኸውን ዝነበሮ- ፖለቲካዊ ካርታ ዓለም ኤርትራ ትበሃል ሃገር ተወሲኽዎ።

መሳርፍ ኣኻኺብና ብጾትና ኣርከብና። ኣብታ ልዕል ኢላ ብሸነኽ የማንና ዝነበረት ጎፍጓፍ ገረብ ዕስራ ኣቢሎም ዝኾኑ ምሩኻትን ክልተ ዝሕልውዎም ተጋደልትን ይረኣዩ ነይሮም። እቶም ምሩኻት ምልእቲ መዓልቲ በብሓሙሽተን ዓስርተን ዘርጠብጠብ ክብሉ ውዒሎም እዮም። እቲ ውግእ ብተዛማዲ ደሓን ክቅጽል ውዒሉ መሬት መስዩስ ኣብ ሓንቲ ኩጀት ንምሕዳር ሬድዮና ተኸልና። ኣሃዲታትና ክተእሳሰራ ኣምስየን መከላኸሊ መስመር መስሪተን። ኣብ ገሊኡ ውዱብ ኣብ ገሊኡ ዝተቆራረጸ ልውውጥ ቶኽስታት ነይሩ። ዝበዝሕ ግዜ ድቃስ ንምኽላእን ኣተሓሕዛና ንምፍላጥ ‘ዮም ዝገብርዎ፣ ስለዝኾነ ብኣና ወገን ዝወሃብ መልሲ ውሱን እዩ ነይሩ። ሳዓት ሓደ ወጋሕታ ኣቢሉ ወዲፍላንሳ ቀም ከብል ትሕቲ እታ ሬድዮ ተኺልናላ ዝነበርና ከውሒ ግምብው ኢሉ። ኣነ ምክትታል ቀጺለ። ኣብተን ቅሩብ ቅድም ኢለን ብየማነ-ጸጋምና ዝነበራ ታባታት ዝነበሩ መድፈዓጅታትና ነቶም ምሉእ ምሸት ክህውኹና ዘምሰዩ ነዋሕቲ ብረታት ጸላኢ ከዕግሱ ህልኾም ቀጸሉ። ጻዕቒ ኣይነበሮን እምበር ደብዳብ ነኣሽቱ ሞርታራትን ‘ውን ነይሩ። ፍጥነት ንፋስ ማእከላይ፡ ኣዝዩ ቆራሪ፡ ሰማይ ጽሩይን ሰላም ዝዓሰሎን ይመስል ነይሩ። “ “ንሕና ኣብዚ ኣብ ማእከል ሓዊ ከለና ቁሪ-ቁሪ የብለና ኣሎ፡ ኣብ ገሊኡ ከኣ ብጽባቐ ናይዛ ናይ ሎሚ ለይቲ ሰማይ ዝዘናግዑ ፍቁራት ኣይሰኣኑን። ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ሰማይ ገሊኡ ይቃተል፡ ገሊኡ ይፋቀር። ኣየ ዓለም!” በልኩ ብልበይ።

ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ ኲናት ሓቂ  ይሓይሽ ቅሩብ ሃለው-ለው ምባል ዕርፍቲ ይህብ እዩ። ዝበዝሕ ግዜ ደቀምሓረን ስድራይን ‘ኳ ዝረኣዩኒ እንተኾኑ፡ሽዑ ለይትስ እታ ኣብ ቤት ት/ ሰውራ ዝተዓራረኽክዋ ብጸይተይ እያ ውትፍ ኢላትኒ። ኣብ መንጎ ድቃስን ጽብቕቲ ሙቭን ከለኹ ሓደ ክንዲ ጣዕዋ ዝኸውን እንጭዋ ኢለ ዝገመትክዎ እንስሳ በፍልበይ ሓለፈ። ኣብቲ ኣካውሕ ኣናጹ በረኻ ከምዝነበሩ ብእዋኑ ኣስተብሂልናሎም ነይርና። “ ሎሚ ለይትስ ድራርና ትሑዝ እዩ” ክብል ጨሪቑ ነይሩ ወዲ ፍላንሳ። እቲ ቦታ ገባብል ኣይነበርዎን ማለት’ዩ። ብስንባደ በርገግ ክብልን ወዲ መጎስ ሕውስ ክብለንን ሓደ ኮነ። ተረኛ ኮይኑ ከብርየኒ እዩ ተበራቢሩ።  ሬድዮ ክፍትቲ ስለዝነበረት ኮደይ እናጠቐሰት “ባሕሪ…. ሃለው ባሕሪ፡ ህጹጽ መልእኽቲ ኣለካ”  እትብል ሓንቲ ዝፈልጣ ኦፐረተር ኣብ መስመር ነይራ። “ከምዝደቀስኩ ምፍላጣ ኣይተርፍን። ተዳሎ ጥራይ ወዲ ጸጋይ” በልክዋ ንነብሰይ። ወዲ መጎስ ተቐቢልዋ፤ ሕጉስቲ ከምዘይነበረት ፈሊጥና። ኣጋኒና እያ እምበር እታ መልእኽቲ ብዙሕ ህጽጽቲ ኣይነበረትን። ንወዲ ፍላንሳ እውን ኣየተሳእናዮን። ኣብ ናትና ደረጃ ዝነበረ ኦፐረተር ምስ ኩሉ እዩ ዝራኸብ። ተሰኪምናዮም ንኸይድ ሰለስተ ዓይነት ኮዳት ማለት ናይ ጽፍሒ ሓይልታት፡ በጦሎኒታትን ብርጌዳትን ደረጃታት እዮም ነይሮም። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ኩሎም ካብን ናብን ላዕለዎት ኣካላት ዝመጽእን ዝኸይድን መልእኽትታት በቶም ናይ ብርጌዳት ኮዳት ኢና ንጥቀም ነይርና። ኮዳትና ብጸላኢ ከይተሓዙ ሂወት ንከፍለሎም። ብፍላይ ኣብ ኲናት ’ሞ ኣዚኻ ክትጥንቀቕ ኣሎካ። ባየሎጂ ግን ናታ ሕጊ ኣለዋ። ደኻምን ጸቕጢ ውግእን እዮም በታ ጥዕምቲ ሙቪ ኣቢሎም ናብ ቀምታ ዘምርሑኒ። እታ ብጸይቲ ሽግረይ ኣይጠፍኣን ኢለ እውን ተተስፈኹ።

ካልኣይ መዓልቲ፡ ወጋሕታ መጥቃዕትና ቀጺሉ። ኣብዛ ካልኣይቲ መዓልቲ ሰለስተ ኣባላት ስለያ ተሓወሱና። ምስ ወዲ ፍላንሳ ክተሓባበሩ ድዮም መጺኦም ወይስ ንሓለዋ ዝፈልጦ የብለይን። ምሳና ግን ይጓዓዙ ነይሮም። ኣስማቶም እውን ኣይሓዝኩን። ኣባላት ስለያ እቲ ግንባር ወይ ናይ ውድብ እዮም ክኾኑ ነይርዎም እምበር ኣባላት ብርጌድና እንተዝኾኑ ምፈለጥክዎም ነይረ። ወዲ ፍላንሳ ከምታ ዝሓለፈት መዓልቲ ከብ መጠን ንላዕሊ ሓይልን ረስንን ነይርዎ። ድምጹ ዓው ዝበለን “ ኣጆኻ….በለን…” ይውጭጭ። ዝበዝሕ ርክባቱ ክቀላጠፉ ሓይሊ ዝህብን ክሳራታት ከውሕዱ ዘዘኻክርን ነይሩ። ኣስታ ሳዓት 1000 ኣቢሉ ምስ በዓል ወዲ ሓንስ፡ ኣዛዚ ሳልሰይቲ በጦሎኒ ተራኸብና። ወዲ ፍላንሳ ወዲ ሓንስን ፍሊ ኢሎም ንደቃይቕ ተዘራሪቦም። ጽንሕ ኢልና ሓደ ከብቶም ምኩራትን ምኩሓትን መድፈዓጅታትና ከም ዝኸሰርና ፈለጥና።

ወዲ ጎማ ኢልና ንጽውዖ ነይርና። ወዲ ጎማ ቅድሚ’ዚ ውግእ’ዚ ሞት ቦታታት እና ቀያየረት ብዙሕ ግዜ ተፋታቲናቶ ነይራ። ብዓይነይ ዝረኣኽዎ ጥራይ፡ ኣብ ኣእዳዉን ኣፉን መንጋግኡን በብግዚኡ ናይ ዝተወግኦ በሰላታት ጸይሩ ይጋደል ነይሩ። “ኣብ ሓጺር ዕድምኡ ብዙሕ ግዜ ወዲቑን ተንሲኡን። ክሳብ ሎሚ” በልኩ ብልበይ። ብሬኑ ካልኣዩ የነቅዋ ነይሩ ማለት’ዩ። መስዋእቲ መስዋእቲ እንድዩ፤ ናይ ገሊኡ ግን ቅሩብ ኣመና ኣለዎ። መድፈዓጅታት ሂወት ናይ ሓንቲ ኣሃዱ እዮም። ከም በዓል ወዲ ጎማ ዘመሰሉ ምኩራት መድፈዓጅታት ጉልባብ ኣብ ምግባር፡ ናይ ጸላኢ መድፈዓጅታት ኣብ ምዕጋስን ወሳኒ ተራ እዮም ዝጻወቱ። ኣዝዮም ምኩሓት ከኣ እዮም። PKM (ፈኲስ ማሽንጋን/ብሬን) ሒዞም ምስ ከበድቲ ረሻሻት/ማሽንጋናት ጸላኢ ክተሃላለኹ ክትርኢ ግርም እዩ ዝብለካ። ሓብቱ ንወዲ ጎማ እቅድም ኣቢላ ካብ ጋራጅ ውድብ ከቲታታ ኣብቲ ግንባር ከምዝነበርትን ንሳ እውን ደሓር ከምዝተሰወኣትን ሰሚዐ። መኖም መጀመርያ ከምዝተሰወአ ግን ኣየረጋገጽኩን።

ኣጋ ሳዓት 4 ድ.ቀ. ከብቶም ንስዕቦም ዝነበርና ሓይልታትና ቃረዛ ክትወርድ ተቀቢላትና። እቲ ተወጊኡ ዝነበረ ብጻይ ኣብ ሃለፍታ ነይሩ። እቶም ጸዋሮ ሓሳብ ወዲ ፍላንሳ ግዲ ፈሊጦም ቀስ በሉ። ወዲ ፍላንሳ በቲ ላዕለዋይ ወገን ናይቶም ጸዋሮ ተጠውዩ፡ ኢድ ናይቲ ውጉእ ብጻይ ጨቢጡ “ ኣጆኻ” ክብሎ ተዓዚበ። እቲ ብጻይ እውን “ ኣይ፡ ደሓን እየ፤ ዘይ ሽርጣጥ እያ” እናበለ ቅሩብ ሰሓቕ የብዝሕ ነይሩ። ድሕሪ ሳዓትን ፈረቓን ኣቢሉ እቶም ሰብ ቓረዛ ናብ ኣሃዱኦም ክምለሱ ብኣና ኣቢሎም ሓለፉ። እቲ ብጻይ ከም እተሰወአ ፈለጥና። “ደሓን፡ ጥንቅቕ ኢልክም ስገሩ” በሎም ወዲፍላንሳ፤ ረድዮ ርክቡ ኣብ ጸጋማይ እዝኑ ሽሽ ትብል ነይራ። ኣብዚ ወራር’ዚ ተኣታትዩ ዝነበረ ፍሉይ ነገር ናይ ሀሊኮፕተራት ጉዳይ እዩ። ንመጀመርያ ግዜ ከም ተዋጋእቲ ኮይነን ክሰርሓ ጀሚረን። ነቲ ዝነበርናዮ ጎቦን ኩርባን ዝበዝሖ ቅርጺ መሬት ዝሰማምዓ ‘የን። ጎሰስ እናበላ በብሓደ እየን ዕላመአን ዝለቕማ። ገለ-ገለ ተጋደልቲ ዓቕሎም ምስ ኣጽበባሎም ክሳብ ብእርፒጂ ፈቲኖምለን ሰሚዐ ነይረ። ሽዑ’ውን ነታ ብደቡባዊ ምብራቕና ኣስታት 5 ኪ.ሜ. ርሒቓ ዝነበረት ብርኽ ዝበለት ታባ  ተተመላሊሰን ክሳሃለኣ ንዕዘብ ነይርና።እታ ታባ ናትና ዶሽካ ነይርዋ። መሬት ይመሲ ስለዝነበረ ሓይልታትና ንመሕደሪ ዝኸውን ቦታታት ኣብ ምሓዝን ምትእስሳርን ተቀላጠፋ። ኣዝዩ ጽዑቕ ደብዳብ ከምዝነበረ ይዝከረኒ። እታ ለይቲ’ቲኣ እውን ብጣዕሚ ቆራሪት እያ ነይራ። ሓይልታትና ምልእቲ ለይቲ ምስቲ ንዳህሳስ ዝስደድ ዝነበረ  ሓይሊ ጸላኢ ይጋጨዋ ነይረን። ግን ውዱብ ኣይነበረን። ሳዓት ዓስርተ ኣቢሉ ይኸውን ናይ ሓይሊ ክልተ ብጾት ዝተሓዋወሰ ኮሮንሾ ሒዞም መጹና። ጠፊኦም ኣብ መንጎናን መንጎ ጸላኢ ኣትዮምስ ሃንደበት ልውውጥ ቶኽሲ ምስ ተገብረ ንድሕሪት ከምዝተመልሱን ክምለሱ ከለዉ ድማ ብጾቶም ጸላኢ መሲሎሞም ሎቕሚጾሞም ከምዝነበሩን ሓክዮምና። ሻሂ ሰትዮም “ በሉ ሕጂ ውን ተጠንቀቁ” ኢልና ኣፋነናዮም። ክሳብ ሽዑ ኣብ ግዜ ሰላም ብክልተ ሰለስተ ሳዓታት ዝዕመም ርሕቐት ኢና ደፊእና ነይርና። ነብሰ ወከፍ ታባ ግን ግዜን ድኻምን ደምን እያ ሓቲታ። ዋጋ ገሊኡ ታባታት እሞ ኣዝዩ ክቡር እዩ ነይሩ።

ንጽባሒቱ ወጋሕታ ጸረመጥቃዕትና ቀጺሉ። ደድሕሪ ኣጋር ሰራዊት ንስዕብ ስለዝነበርናን ወዲ ፍላንሳ ኣብ ገለ እዋናት ከይተፈለጦ ነብሱ የቃልዕ ስለዝነበረን ክሳብ ብክዳኑ ስሒብና እነድንነነሉ ግዝያት ነይሩ። ሓደ ግዜ ንሓንቲ ጋንታ ለጊብናያ ናይ ቀረባ ቶኽሲ ይካየድ ነይሩ። ወዲ ልጃም “ ወዲ ፍላንሳ ቅሩብ ድሕር በል” በሎ። ወዲፍላንሳ “ ተረዲአካ ኣለኹ” ኢልዎ ኣብ ርክቡ ነቒጹ። ሓንቲ ብጸይቲ “ ንዓ ክፉእ ከይተርእየና በጀኻ” ኢላ ወጢጣ ኣልያቶ ናብቶም ብየማንና ዝጃነኑ ዝነበሩ ክልተ ውጉኣት ቀጸለት።  ተጸጊዐ ቅሩብ ትንፋስ ስለዝረኸብኩ፡ ምስሊ ናይታ ኳዕናን ብጸይቲ ብዘይመደብ ናብ ደቀምሓረ-1978- መለሰኒ።

ኣብ 1978 ኣብ ቀያሕቲ ዕንባባ ከለኹ ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ምርኣይ ንቡር ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ተጋደላይ ዕላል ጀመረልና ‘ሞ ኣዋልድናን ኣወዳትናን ዕጉግ ኢልናዮ። ንሱ ኢሉ “ ኣብ 1976 ጦርሰራዊት ነቲ ናቕፋ ንምሓዝ እናተሸምቆቀ ዝኸይድ ዝነበረ ከርዶን ከፋኹሱ ብጃንጥላታት ኣብ ናሮ ይወርዱ። ጋንታና ኣብቲ ከባቢ ስለዝነበረት ሓይልታትና ክሳብ ዝመጹ ክንከላኸል ጸኒሕና እዋኑ ምስ ኣኸለ ናብ መጥቃዕቲ ተሰጋገርና። መሬት ዋግዋግ ምስ በለት ነቲ ዝተመደበልና ቦታ ተቆጻጸርና”  በለ ። ዕላል ተጋደልቲ ንብህግ ስለዝነበርና ብጽሞና ንከታተሎ ነይርና። “ ክልተ ደቀንስትዮ ብጾት ነይረናና። ኣየነይተን ከም ዝጀመረቶ ‘ኳ ደሓር ተከሓሒደን። ግን ነታ ታባ በቲ ቀጢን ድምጸን ‘ዕልልልልልል’ ኢለን ኣይንቕንቕኣ። ወዮም ኩማንዲስን ጦርሰርዊትን ዓስርተ ደቂቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ‘ ኣይዛችሁ ጓዶች፡ ሴቶች ናቸው። ኣይፈራም ጎበዝ’ ክብሉ ተሳህሉና። ከምታ ኣቀዲምና ካብቲ ታባ ዝጎሓፍናዮም ድማ ንድሕሪት ናብቲ ዝመጻናሉ ጸድፊ ሃፍ ኣበሉና። ዋእ፡ ነታ ቦታ ክንመልሳ ግዜ ወሲዱልና። ዝተወግኡና እውን ነይሮም። ሕጂ ግን ርኢኹም፡ ንሶም እውን ፈሊጦመንስ እቶም ስሕት-ስሕት ኢሎም ድምጸን ሰሚዖም ዝወናወኑ ወይ ሓደሽቲ እዮም ዝኾኑ ወይ ድማ ቅሩብ ዝኸደቶም ” ክብል ኣዕለለና። እተን ምሳና ዕጉግ ኢለን ነቲ ተጋዳላይ ዘዳምጻ ዝነበራ ቀያሕቲ ዕንባባ ኣዋልድ ገጸን ከም ሽዑ በሪሁ ኣይፈልጥን። ከይተፈለጠኒ ክምስ ከኣ በልኩ። ምስልታት ገዛውትና፡ ወለደይን ኣሕዋተይን እውን ክቀላቐሉኒ ጀመሩ። ኣጸቢቐ ከይነኸስኩ ግን ወዲ ልጃም ኣበራበረኒ።

ከብታ ቦታ ሰጒምና ምስ በጦሎኒ ክልተ ካልኣይቲ ሓይሊ ተራኸብና። እናኸድና፡ ኦፐረተር ናይታ ሓይሊ ዝነበረ ኣብ ቤት/ት/ሰውራ ዝፈልጦ ፍስሃየ ቆሪጭ፡ “ሕማቕ ዜና ዓርከይ” በለኒ። ኣስዒቡ ድማ፡ “ ሃብተገብርኤል ተሰዊኡ” በለኒ።  ከምዛ በርቂ ዝመተረኒ ኮይኑ ተሰመዓኒ። ምስ ሃብተገብርኤል ኣርኣያ ኣብታ ቀቅድሚ’ቲ ውግእ ዝተገብረት ኣኼባ ተራኺብናን ኣዕሊልናን ነይርና። መተዓብይቲ ኢና ድማ። ወዲ ፍላንሳ “ነዚ ቅድመና ዘሎ ጸላኢ ናብ ከረን ክንግሕፎ ኢና” ምስ በለ፡ ሃብተገብኤል “ዓሽ ያሆ! ኣብ ከረን የራኽበና ዓርከይ” ክብለኒ ይዝከረኒ። ምስ ሓብቱ እዩ ኣብዛ ውግእ ኣትዮም ነይሮም። ኣብ ሓንቲ ሓይሊ ስለዝነበሩ፡ ሓብቱ ጸሃይነሽ፡ቀቅድሚ’ቲ ውግእ “ኣብ ቅድመይ ክስዋእ ክርእዮ ኣይደልን” ኢላ ፋሕ ፋሕ ከብልዎም ንሓለፍታ ሓቲታስ ብኡ መሰረት ንሳ ናብ ሳልሰይቲ ሓይሊ ከይዳ። ከመይ ኢሎም ኣብቲ ኣሃዱ ብሓንሳብ ተመዲቦም ይገርመኒ እዩ። ክራኸቡ ከለዉ “ቅድመኻ/ቅድመኺ” እዮም ዝበሃሃሉ ነይሮም። ነገር ስጋ ኮይንዋ  ዕርፍቲ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ደድሕርኡ ኮለል ክትብልን ክዳኑን ጸጕሩን ክተጽሪ ከምዛ ሎሚ ኮይኑ ይረኣየኒ። ሃብተገብሪኤል ንሓብቱ ቀዲሙዋ ማለት እዩ። ግን ኣይፈለጠትን ነይራ ሽዑ። ካልኦት፡ ሓዳርን ዝምድናን ዝነበሮም ብጾት እውን ብሓንሳብ ኣብቲ ውግእ ከም ዝነበሩ እፈልጥ ነይረ። ናይዞም ኣሕዋት ዕድል ግን ክሳብ ሕጂ ሓንጎለይ ‘ዩ ዝርብሽ። እቲ ዝኸፍኤ ከኣ ሓብቱ ጸሃይነሽ ‘ውን ኣብቲ ውግእ’ቲ ከም ዝሰዓበቶ ድሓር ሰሚዐ።

መጥቃዕትና ብጽቡቕ ክግስግስ ጸኒሑ ከባቢ ፋዱስ ናብ ዝባን ዓስርተ ቀሪብና ምንባርና እዝክር። ስለ’ዚ እቲ ግንባር ጸቢቡን ዳርጋ ጋድማዊ መስመር ሒዙን ‘ዩ።  ኣብዚ ቦታ’ዚ ጸላኢ ከቢድ ምክልኻል ይገብር ነይሩ። ጸረ-መጥቃዕትታት እውን ይፈታትን ነይሩ። ሽዑ- መዓልቲ ኣይዝክራን ግን ወርሒ 7፡ 1983 ‘ዩ ነይሩ- ሳዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ ኣብ ሓንቲ ጨጓር ታባ በጻሕና። ሬድዮታትና ዘርጊሕና ድማ ርክባትና መስሪትና። ጸብጻባት ናይ ውጉኣትን ስዉኣትን ኤምዳድን ካልእን ከምዝተቀበልናን ወዲ ፍላንሳ ከም ዝረኣዮን እዝክር። ሳዓት ሰለስተን ፈረቓን ድሕሪ ቀትሪ ይኸውን ባሕሪ ናይ መወዳእታ ርክባቱ የሳልጥ ነይሩ። ዝጓዓዞ ርሕቐት እውን ክንድ’ቲ ኣይክኸውንን እዩ። ኣብ ገጹ ዝንበብ ፍሉይ ነገር ግን ኣይነበረን። ከም ቀደሙ ምስ ደሙን ሓይሉን ነይሩ።

  • 3፡30 ድ.ቀ (1530) ኣብታ ጨጓር ኩጀት ከለና ቀጻሊ ደብዳባት ከቢድ ብረት ነይሩ። ዝበዝሕ ግን ደሕረና ይዓልብ ነይሩ። ናይ ነዋሕቲ ብረት ጠያይቲ እውን ይወቕዓ ነይሩ ግን ብፍሉይ ከም ዝተኣሰረላ ዝሕብር ኣገባብ ኣታኩሳ (pattern) ኣይረኣኹን።
  • ስዉእ ወዲ ፍላንሳ ጸብጻብ ምስ ረኣየን ንገለ ደቓይቕ ርክባት ምስ ገበረን ” ኣቕሑትክም ጠራኒፍክም ኣርክቡኒ” ኢሉ ቀቅድመና ይሓልፍ። እቶም 3 ኣባላት ስለያ እውን ይስዕብዎ።
  • ደቓይቕ ኣብ ዘይመልእ ህሞት ክንፈልያ ዝኸኣልና ቶኽስን ወዲፍላንሳ “ ኣይ..” ክብል ንሰምዕ
  • ናብኡ ንጎዪ። መጀመርያ ወዲ ልጃም ደድሕርኡ ኣነን ወዲ መጎስን ንስዕብ።
  • ኣብ ጸጋማይ ኣፍልቡ ከምዝተወቕዐን ብዙሕ ደም ይኸዶ ከምዝነበረን ተዓዘብና። ከብቲ ቦታ ክንእልዮን ደሙ ጠጠው ክነብልን ንጽዕር። ንሱ ግን ተማዊቱ ሓንቲ ምሉእ ሓሳብ ጥራይ ተዛሪቡ። “ ርሓቑ ከይትልከሙ። የዕርፍ ግደፉኒ። ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ” ዝብል ነይሩ። ናይ ጸላኢ ስናይፐር ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ንዕኡ ክነድሕን ንቃለሰሉ ኣብ ዝነበርና ግዜ ንዓና ፈልዩ ዘሸግር ቶኽሲ ኣይነበረን። ከቢድ ብረት ወይ ካልእ ተፈንጃሪ ነታጒ እውን ኣይነበረን። ምኽንያቱ ድምጹ ኣይሰምዓናን ደሮና እውን ኣይነበረን። ማህረምቱ ድማ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ጸጋማይ ኣፍልቡ’ዩ ነይሩ።
  • ስንባደን ሓዘንን ተሓዋወሰና። ግን ክነድሕኖ፡ ደሙ ክንዓግትን “ ኣጆኻ ወዲ ፍላንሳ….” እናበልና ምስ ድኽመት ኣተናፍስኡ ክንቃለስን እዝክር። እቶም 3 ኣባላት ስለያ እውን ይሕግዙና ነይሮም።ወዲ ፍላንሳ ግዜ ኣይሃበናን። ብመስዋእቱ ብጣዕሚ ተዳሃልናን ነብዓናን ንገብሮ ጠፍኣናን። እተን በላሕቲ ኣዕንቱ ንመወዳእታ ግዜ ርኣኽወን። በቲ ልሉይ ሸፋሽፍቲ ኣዕንቱ ድማ ከደንናየን። ሚላኖ ስረን ካምቻን እታ ዘይፈልያ ቀጠልያ ጃከቱን ለቢሱ ነይሩ። እቶም ኣባላት ስለያ ርሓቑ ኢሎም ነጸላ ይኸድንዎ። “ቀልጢፍክም ንቻይና ንገርዎ” ድማ ይብሉና።
  • ሃይለ ሳምኤልን ( ቻይና) ኣማንኤል ሃንጀማን ደሕሪ ሳዓት ወይ ሳዓትን ፈረቓን ኣቢሉ ይመጽኡ። እቲ ዝነበርዎ ቦታ ካባና ራሕቒ ነይርዎ። ጎቦን ጸድፍታትን ዝመልኦ እዩ ነይሩ። እና ላህለሁ ድማ  ‘ዮም መጺኦም።
  • ሓይለ ቻይና ብዛዕባ እቲ ኩነታት ይሓተና። ነቶም ሰለስተ ኣባላት ስለያ እውን ፈልዩ ይሓቶም። ቀጺሉ ስነስርዓት-ቀብሪ ይካየድ።
  • ሃይለ ቻይና ነቶም ኦፐረተራት ኣኼባ ይገብረልና። “ናይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ።  ህ.ግ. ንፉዕ መራሒ ከይድዎ። ንሕና እውን ጽባሕ ንግሆ ሰዓብቲ ኢና። ንታሪኽ ምማት ግን ታሪኽ እዩ” በለ። እዚ ገለ ካብቲ ዝዝክሮ እየ እምበር ብዙሕ ተዛሪቡ ‘ዩ። ንሕና ግን በቲ መስዋእቲ ናይቲ ንፈትዎ ብጻይናን መራሒና ኣብ ሓዘን ስለዝነበርና ነቲ ቻይና ዝብሎ ዝነበረ ቃላት ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይገበርናሉን። ዘረብኡ ብምቅጻል ድማ “ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ መስዋእቲ ናይ ወዲ ፍላንሳ ከም ኦፐረተራት ብምስጢር ክትሕዝዎ ኣለኩም። እንተወጺኡ ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ። ጸላኢ’ ውን ሞራል ከይገብር ኣዚኽም ክትጥንቀቁ ኣሎኩም” ብምባል ሕቶ እንተለና ዕድል ሃበና። ብዘይካ ርእስና  ምንቕናቕ ዝሕተት ኣይነበረናን።
  • ዘትክኻ ዝነበረ ሽጋራ ብእግሩ ረጊጹ፡ ንወዲ ልጃም ምስ ሃንጀማ ክኸውን፡ ንዓይ ናብ ማእከላይ ቦታ ማለት ናብ ዛራ ክኸይድ፡ ወዲ መጎስ ድማ ክሳብ ቦትኡ ዝፈልጥ ምስኡ ክጸንሕ ይሕብረና። ወዲ ፍላንሳ ዘይነበረላ ብሓደ ዝሓደርናላ ናይ መወዳእታ ለይቲ እያ ነይራ። ሕማቕ ለይቲ ኢና ሓዲርና። ኣይበላዕናን ኣይሰተናን፤ ብዙሕ እውን ኣየዕለልናን።ንጽባሒቱ ናብ ዘዝተበሃልናዮ ከድና።
  • ድሕሪ ገለ መዓልታት ሃይለ መጎስ ናይ በጦሎኒ 3 ኦፐረተር ኮይኑ ከምዝተወዘዐ ሰሚዐ። ኣዋርሕ ከይጸንሐ ከምዝተሰወአ እውን ክፈልጥ ክኢለ። ሃይለ መጎስ ምቕሉልን ተባዕን ተጫራቓይን ብጻይ ነይሩ።
  • ኣብ 1984 ክ/ሰራዊታት ክቐውም ከሎ ብ/58 ኣካል ክ/ሰራዊት 96 ኮይና። ኣዛዚ’ቲ ክ/ሰራዊት ሃይለ ቻይና፡ ኣዛዚ እቲ ብርጌድ ድማ ሃንጀማ ነይሮም። ኣነ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሞርስ ኮድ ተማሂረ ኦፐረተር ቻይና ኮይነ ኣለኹ።
  • ሃብተልኡል ልጃም ክምለኽ ዘይደሊ፡ ወለቕዘለቕን ቀልባዕባዕን ዘይፈቱ  ኣዝዩ ተባዕን ቅኑዕን ተጋዳላይ ምንባሩን፤ ምስ ሓለፍቲ ብዙሕ ይሰማማዕ ከምዘይነበረን እፈልጥ። ካብ መወዳእታ ናይ 1984 ወይ መጀመርያ 1985 ንደሓር ምስ ሃብተልኡል ልጃም ኣይተራኸብናን።
  • ክ/ሰራዊት 96 ክሳብ 1988 ኣብቲ ግንባር ጸኒሓ፡ እታ ወዲ ፍላንሳ ዝተሰወኣላ ቦታ ኣካል ዕርዲ  ህ.ሰ ኮይና ብባሕሪ  ትፍለጥ ነይራ። ድሕሪ ወዲ ፍላንሳ ግንባር ሓልሓል ብዙሕ ሂወት ተኸፊልዎ፤ ብዙሕ ደርፍታትን ተዘክሮታትን ተደሪሱሉ እዩ። በብእዋኑ ነታ ወዲ ፍላንሳ ዝተሰወኣላ ቦታ (ባሕሪ) በጺሐያን ቃለይ ኣሓዲሰላን እየ።

 

ተፈጸመ

ተራኺ፡ ሃብቶም ጽጋይ

ጸሓፊ፡ ማሕሙድ ሳልሕ

 

*** ሃብቶም ጸጋይ ድሕሪ ወዲ ፍላንሳ ንብዙሕ ዓመታት ከም ኦፐረተር ሃይለ ቻይና፡ ዓሊ እብርሂም፡ ፍስሃየ ወልደገብርኤልን ኣድሓኖም ገብረማርያምን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍትን ኮይኑ ክሳብ ግዜ ናጽነት ሰሪሑ። በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ደቅን’ዩ። ሎሚ ኣብ ስደት ይነብር ኣሎ።

ድሕረ-ጽሑፍ

ክሳብ ሕጂ ዝተከታተልኩምናን ርኢቶታትኩም ዝለጠፍኩምን ነመስግን። እዚ ፈተነ እዩ። ታሪኽ ሂወት ይኹን ውዕሎ ናይዚ ጅግና ስዉእና ክንትርኽ ኣይደፈርናን፤ ማተርያል ይኹን ዓቕሙ ‘ውን ስለዘይብልና። ተራኺና ሃብቶም፡ ኣብተን ምስ ስዉእ ወዲ ፍላንሳ ዝጸንሓለን ሕደት ኣዋርሕ ክሳብ ሕጂ ክሕዞ ዝኸእለ ዝኽርታቱ ከካፍል ደልዩ።  ኣንባቢ ነቶም ዝኽርታት ምስ ግዚኦምን ኩነታቶምን(context) መታን ክርደኦም ጽዒርና። ብሙልአን ኣብ ጥቕስታት ኣትየን ዘለዋ ውልቀ ዝኽርታትትን ዕላላትን ሓቂ ምዃነንን ተራኺ ብዝዝክሮ ዝተቀመጣ ምኻነንን ነዘኻክር።  ኣገላልጻና ይኹን ኣብ ጽሑፍ ዝንበብ ባህርያት ከብ ባህርያት ስዉእ ወዲ ፍላንሳ ከምዘይርሕቕ ክንገብር ጽዒርና። ግና ሕጽረትና ስለንኣምነሉ ዝያዳ ሓበሬታ ዘለኩም ኣሕዋት ግዴኹም ክትገብሩ መዘኻከሪ ዘድልየኩም ኣይመስለናን። ታሪኽ ኤርትራ ድምር ታሪኽ ናይቶም ዘይተጻሕፈሎም ወይ ዘይተዘንተወሎም(unsung heroes and heroines) ስዉኣትና ስለዝኾነ፡ ንስዉእ ወዲ ፍላንሳ ኣብ ግዚኡን ምስ ብጾቱን ክንርእዮ ፈቲንና። ንሱ እውን ምስ ብጾቱ ክንዝክሮ ምደለየ ነይሩ።

 

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንስዉኣትና

ርኢቶ ወይ ሕቶ እንተሎኩም በዚ ዝስዕብ ኢሜል ስደዱልና። እቲ ኢሜል ደንጒና ምሕባር ጉድለትና እዩ።

ሃለው ባሕሪ

ሃለው ባሕሪ  

(ኣብ ሓቀኛ ተዘክሮታት ሃብቶም ዝተመርኮሰት ልብወለዳዊት)

(1ይ ክፋል)

ማሕሙድ ሳልሕን ሃብቶም ጸጋይን

ካብ ናቕፋ ዝተበገሰት ቶዮታ ፒክ-ኣፕ ክትቅብቅበና ሓዲራ ኣብ ምውግሑ ጃኒ ኣተና። ኣድካሚ ‘ኳ እንተነበረ ካብ ካልእ ጉዕዞታት ብዙሕ ዝፈልዮ ኣይነበረን። ብጻብራ ገይርና ንጎላጉል ኣዶብሓ ንየማን ገዲፍና፡ ሩባ ሓስታ ሰንጢቕና ሩባ ዓንሰባ በጻሕና። ካብ ዝሰጋእናዮ ኣይደሓንናን። ሩባ ዓንሳባ ሓውሲ መሊኡስ እተን ተረኛ ኦራላት ንመካይን ጎቲተን ከሳግራ ጸኒሓናና። ገሊአን ድሮ ሰጊረን ገሊአን ግን እምቢ ኢለን። ልብሶም ደርብዮም ሕፍረቶም ብኮስትሞ ጥራይ ዝሸፈኑ ኣጓብዝ ምስ ሩባ ዓንሰባ ገጢሞም ሒኵ ክብሉን እቲ ንከበሳታት ኤርትራ ዘዕረቐ ውሕጅ ብዘገምታን ህድኣትን ንሰሜን ክለምም እንክትርእን፡ “ ከምዚ ከ ገድሊ ኣሎ ድዩ ደቀይ” ዘብል እዩ ነይሩ። ክራማት 1983 ናይ መወዳእታ ጠሉ ይዘቁቕ ነይሩ።

ባሕሪ ካብ መኪንኡ ወሪዱ ሽጋርኡ ወሊዑ ምስ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ጽምዶ ዝነበሩ ተጋደልቲ ይዘራረብ ነይሩ። ስግኣትና መሬት ከይወግሕ እሞ ንነፈርቲ ከይንቃላዕ እዩ ነይሩ። እተን ነፈርቲ ነታ መንገዲ ኣጸቢቐን ይፈልጥኣ እየን። ኣንጊሀን እየን ካብ ኣስመራ ዝብገሳ። ኣብ ምትንሳእ መቸም እንሓሳብስ ነህባይ እውን ይቅድማ እየን። ካብ ኣስመራ ተበጊሰን ብልዕሊ ዝባን ቦጎስ በሪረን ንሸጋሊ ይንቆታ እሞ ሩባ ኣስማጥ-ዛራ ስትይ ኣቢለን ኣብ ዛራ ምስ በጽሓ ኣንፈተን ንምብራቕ የስተኻክላ። ሩባ ዓንሳባ ኣብኣ እዩ። እንሓንሳብ ሩባ ዓንሳባ ዘሰነፈን ተረፍ መረፍ መካይን ይረኽባ እየን። እዚ ግን ዕድለኛታት እንተኮይነን እዩ እምበር ተጋዳላይ ድቃሱ መኒኑ ክሳብ ጽሓይ ተተዓርቖ ሓጎግ ክብል እዩ ዝሓድር። ደሓን ይእቶ እቲ ባሕሪ ክዛረቦ ዝጸንሐ ብጻይ ንኣገዳስነት ኩነታትና ርእዩ ግዲ ኮይኑ ቀዳምነት ሂቡና። ኦራል ሒዙ መጺኡ ብዘይጸገም ኣስጊሩና። ባሕሪ ድማ ሰለስተ- ኣርባዕተ ሽጋራ ደርበየሉ። ዛራ ምስ በጻሕና ኣንፈትና ንደቡብ ሩባ-ሩባ ናብ ጃኒ እዩ ነይሩ። እቲ ከባቢ ማርያ ጸላም ይበሃል። ነበርቱ እውን ብደቂ ማርያ ጸላም እዮም ዝፍለጡ።  ኣሕዋቶም ማርያ ቀያሕ፡ ካብ ዝባን ዓስርተ ክሳብ ሓልሓል ይዝርግሑ።

ብሓልሓል መጺኡ ኣንጻር ኣንፈትና ንሰሜን ንዝጓዓዝ ሰብ፡ መለብሶ ሓሊፉ ኣብ ከባቢ ዓስርተ ምስ በጽሐ፡ ሃንደበት ገምገም ጸድፊ ይረግጽ። እቲ ቅርጺ መሬት ልክዕ ፊደል “ሀ” ይሕዝ። ኣብታ መራኸቢት/ልሕምቲ ክፋል ኮይንካ ንሰሜን ምስ እትጥምት፡ ብየማንካ ናብ በዓል ሻካ-ወግሬት ብጸጋምካ ድማ ናብ እሮታ ገጹ ዘሳፍሕ ሰንሰለት ኣኽራንን ዝባውንትን ክህሉ ከሎ፤ በታ ሃጓፍ ንሰሜን ንዝንቆት ሰብ ድማ ንዓቐብ ዓስርተ ወሪዱ፡ ሩባ ሸጋሊ ተኸቲሉ ንኣስማጥ ሓሊፉ ናብ ጃኒ ይበጽሕ። ባሕሪ ምስ ኩሎም ኦፐረታራቱ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ብምጉዓዝ እዩ ንጃኒ ኣትዩ። ስለዚ፡ ብየማኑ ሰንሰለት ጎቦታት እሮታ ብጸጋሙ ድማ እቲ ካብ ጎቦታት እሮታ ዘይሓምቕ ሰማይ ጠቐስ ብራኼ ሻካ ወግሬት ዓቅሉ ከም ዘጻብቡሉ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። በሪኽን ኣዛዚ ቦታን ንዝለመዱ ባሕርን ብጾቱን ሩባ ጃኒ ዓፋኒ  ‘ዩ ነይሩ።

እቲ ብመጋቢት ብሰላሕታ ጀሚሩ ከሳፍሕን ክጭበጥን ዝጸንሐ ግንባር ሓልሓል ቀዋሚ ቅርጺ ሒዙ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣቓልቦ ረኺቡ ዝይነበረ ሰፊሕ ዞባ ማርያ ጸላም፡ ብምብራቕ ሩባ ዓንሳባ ሰጊሩ ብሮራታት ላባ ኣቢሉ ምስ ግንባር ናቕፋ፡ ብምዕራብ ድማ ናብ ጎላጉል ባርካ ገጹ ዝምጠጥ ሂር ዝበለ ግንባር ኮይኑ እዩ። ስልቲ ጸላኢ ንህዝባዊ ሰራዊት ምምጣጥን ምልሕላሕን እዩ ነይሩ። እዚ ምስ ገበረ ነተን ኣዝየን ዝላሕለሓ ቀለቤታት መከላኸሊ ህ.ሰ. በጣጢሱ ንህ.ግ. ንሓንሳብን ንሓዋሩን ( ለኣንድና ለመጨረሻ) ብስዕስዕ ኣቢልካ ምብልዑ። ከምቲ ብጥሜት ሃነፍነፍ ዝብል ዝብኢ ዘርእዮ ባህሪ ኢዩ ነይሩ እቲ ነገሩ። ኣብ 6ይ ወራር እታ ስጋ ብሽታ ጥራይ ዝይኮነስ ብዓይኑ ርእይዋ ነይሩ። “ናቕፋ ትታየኛለች” ኢሉ። ሽዑ ዋዕዋዕን ዳንኬራን ኣብዚሑ። ኣብ መወዳእታ፡ ሕሳብካ ጸብጽብ ምስ ኮነ፡ መሰኻኽር ዓወቱ ክኾኑ ንዝዓደሞም ኣጋይሽ ውድቀቱ ብከመይ ከምዝገልጸሎም ሓርበቶ። ብልክዕ ድማ፡ 6ይ ወራር ናይ መጀመሪ እምበር ናይ መዛዘሚ ዳንኬራ ኣይተገብረሉን። ስለዚ ‘ዩ ነዚ ወራር እዚ ብሰላሕ ክገብሮ ወሲኑ። ኩሉ ነገር ብሰላሕ ክኸውን ነይርዎ፤ ኣናብስ ከተንስእ የብሉን።  ካብ መጋቢት ክሳብ ሕጂ ክልቲኡ ወገናት ላዕለዋይ ኢድ ክረኽቡ ኣብ ቀጻሊ ርብርብ ኢዮም ጸኒሖም። እቲ ቀንዲ ሓይሉ ኣብቲ ማእከላይ ወገን ማለት ነቲ ልጉብ ክፋል ናይቲ ፊደል”ሀ” ገጢሙ ‘ኳ  እንተነበረ፡ እቲ ናይ እሮታ ክንፉ ዝያዳ ንቅድሚት በሊዑስ ምስቲ ብይካርዕን ሂምቦልን  ከርከበትን ዝነበረ ግንባራት ተኣሳሲሩ ስለዝነበረ፡ ነቲ ደጀን ናይቲ ግንባር፡ ማለት ከባቢ ዛራ፡ ኣዝዩ ኣስጋኢ ነይሩ።

ጸላኢ ንዝባውንቲ እሮታ ምሉእ ብምሉእ ከይቆጻጸሮ፡ ተጋዳላይ ጫፍ ገደል ነኺሱ ንኣዋርሕ ናይ ሞትን ሕየትን ጥምጥም ከካይድ ጸኒሑ። ምኽንያቱ፡ ጸላኢ ዝባን እሮታ እንተተቆጻጺሩ፡ ነቲ ማዕድኡ ዝነበረ ማንታ ክንፉ (ሻካ ወግሬት) ከምኡ እውን ግንባር ዓስርተን ብድሕሪት ክህድድ ይኽእል። ንመስመር ዛራ-ኣስማጥ ተቆጻጺሩ ናይ ሎጂስቲክን ወሃብቲ ደገፍ ኣሃዱታትን ከሰናኽል ይኽእል።ነቲ ብከርከበት ተጠውዩ ኣብ ከባቢ ሕሩም ተቀርቂሩ ዝነበረ ወገኑ፡ ጠዊቑዎ  ንዝነበረ ጸቕጢ ብምፍዃስ፡ ንመስመር ህዝባዊ ሰራዊት  በሲዑ ዛራ ክቆርጽ ይኽእል። ብፍላይ ነዚ ናይ ሕሩም ሓይሊ ዝያዳ ሓደገኛ ዝገብሮ ብቀዳምነት ቅርበቱ ንዛራ ክኸውን ከሎ፡  ጽርግያ ከርከበት-ዛራ  እውን ንረብሐኡ ዘሳልጥ ‘ዩ ክኸውን። መካናይዝድ ኣሃዱታት  ጸላኢ ሓንሳብ ነቲ ጸቢብ ቦታ እንተሓሊፉ ብፍጥነት ንቅድሚት ገስጊሱ፡ ኣብ ዛራ ቆሪጹ፡ ነቶም ኣብ ጎቦታት ሻካ-ወግሬት፡ ዓስርተን ጎቦታት እሮታን ሩባታት ኣስማጥ-ዛራን ዝነበሩ ኣዱታትና ክኽርድን ይኽእል።  ስለ’ዚ ክንጸል ነይርዎ። ባሕሪ ነዚ ከቢድ ዕማም ክፍጽም እዩ ካብቲ ንዓመታት ዝተዋግኣሉ ግንባር ናቕፋ ተጸዊዑ።

ኣብ ጃኒ፡ ድሕሪ ሓጺር ዕርፍትን ሻህን ነብስና ክፈዅሰልና ናብቲ ሓቒቕ ዝመስል ዛራ ማይ ጃኒ ተኣለኽና።

“ስማዕ’ስከ ሃብቶም፡ እዞም ኣብዚ ዝነብሩስ ዓይኖም ክረኣዩ ኣለዎም” በለኒ ባሕሪ ንሰማይ እንዳ ጠመተ።

“እንታይ ማለትካ እዩ?” ሓተትክዎ።ግን  ከይመለሰ ኣብ መንጎ፡ ክልተ ሚግ 23 ብወገን ኣስማጥ ለጥ ኢለን ንዛራ ሓለፋ። ትሕቲ ፍርቀ-ብራኼ ክልቲኡ ጎቦታት እየን ነይረን። ወረ ንፓይሎት ናይታ ሓንትስ ዝረኣኽዎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ባሕሪ ንሕቶይ ሰሚዕዋ ኣይሰምዓን እውን ኣይፈለጥኩን።

“ወይለይ ሎምስ ኣባ  ብኳለታና….” ኢሉ ከይወደአ ድምጺ ነትጒ ሰማዕና።

“ዛራ እየን ዝኾና” በለ ብምሽጥ ምስቲ ተሪር ጽጉሩ እናተቓለሰ።

“ ብዛዕባ ዓይኒ ጀሚርካ ነይርካ” ኣዘኻኸርክዎ።

“ እወ ማለትስ፡ ኣብዚ ዝቕመጥ ሰብ ክርእዮ ዝኽእል ሓጺር ርሕቐት እዩ። ረአ እሞ የማነ-ጸጋም፡ ክኢላ ነዳቓይ ብጥንቃቕ ዝሃነጾ መናድቕ ይመስል። ምስ ሰማይ ዝሰጠመ እዩ ኢኻ ትብሎ- ግርም በለፎን።  ሕጂ ካብዚ ጫፍ ጎቦ ናብዚ ጎቦ’ዚ ንውሓቱ ክንደይ ይኸውን ኢልካ ትግምት። ብሰማይ-ሰማይ ማለተይ እዩ” በለ ገጹ ካብ ብራኼ ሻካ-ወግሬት ናብ እሮታ እንዳኣዞረ። ግምታዊ ትኽ ዝበለ መስመር ተራእየኒ።

“ምናልባት ዓስርተ ኪሎመተር” በልክዎ።

“ ዓቕልካ እዩ ዘጽብበልካ” መለሰ ባሕሪ ኣብቲ ኣእጋርካ ዘነድድ ሑጻ ተቀቢሩ ዝነበረ ክዳውንቱ ኣናነገፈ። “ቁማል ሎሚ ኣይመዓልቶምን” በልኩ ብልበይ። ብዝጸንሓና ላዕልን ታሕትን ክዳውንትና ከይሓጸብና ሰሙናት ኮይኑ ‘ዩ። ድሕሪ እዛ ዕድል እዚኣ ምሕጻብ መዓስ ከም ነርክበሉ መን ይፈልጥ። ወላ ባሕሪ እውን ዝፈልጣ ኣይመስለንን። ናይ ዝኽሪ ነገር ኮይኑ ከይተፈለጠኒ ብሓሳበይ ናብ ሚርያም ሰበይቱ ሳጎምኩ። እወ እታ ለዋህ ሚርያም። ልብምናን ጽባቐን ኣዛኒቑ እዩ ዓዲልዋ።  እንታይ ‘ሞ ይገበር፡ ካብ ትስዋእ  ኣዋርሕ ገይራ ነይራ። ጥይት ጸላኢ ክተሻሩ ርእየ ኣይፈልጥን እየ። ንጽቡቓትን ክፉኣትን፡ ንሓጸርትን ቆማታትን፡ ንዓበይትን ነኣሽቱን፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ብዘይ ድሎ እያ ትወስድ። እምበር ሚርያም ደኣ መን ምስምቀዘፋ። “ወይዘሮ ዓለም” ‘ኳ ምተባህለት። እንተሓመቐት ከኣ ነዘን ሞደላት ኢና ዝብላ ኣብዚ ትረፋ ምበለተን። ማዕረ ቁንጅንኣ ለባምን ለዋህን ጅግናን እያ ነይራ። “ ኣየ ወዲ ሰብ፤ ሚርያም ኣብ ገሊኡ ሓመድ ጸቒጥዋ ኣሎ ማለት ‘ዩ” ትብል ሓሳብ ኣብ ሓንጎለይ  ከትመላለስ ዕርፍቲ ከሊኣትኒ። እታ ዘይትተረፍ “ ዝክረሰማእታት” ተጌራትላ ትኸውን። ካብኣ ሓሊፉ፡ ኣብ ናይ ተጋዳላይ ዓለም ብሂወትካ ዘይረኸብካዮ ሓለፋ ምስ ሞትካ ኣይርከብን። እታ ሓንቲ ሓለፋ እታ ንክሉ ምዉት ተጋዳላይ እትወሃብ “ስዉእ/ስውእቲ” እትብል ስም እያ። ብንእሽቶይ ከለኹ ኣባ ቀሺ ብካልእ ትርጉም እዮም ኣረዲኦምኒ። ተጋደልቲ ግን ብከመይ ከምዝበሓትዋ ቀሰይ ኢለ ከረጋግጾ ዝነበረኒ ጉዳይ እዩ።

ናይ ቁማል ነገር፡ እስትሕያ ወይ ኣኽብሮት ዝበሃል ዘይብሎም ምኻኖም እዩ። ከመይ ጌርካ ኢኻ “ ኤእ ዒብ ግበሩ እዚ ባሕሪ እዩ” ክትብሎም። ኣይከኣልን። ብወገነይ እውን ኣሽጊሮምኒ ቀንዮም፤ ደሓን ትእቶ ጸሓይ ማርያ ጸላም። መቸም ቁማል መናብርትና እንድዮም ኔሮም፤ ንሶም ዘበግስዎም ሕክያታት እውን ብዡሓት እዮም። ሓደ ግዜ ሚርያም  ንዕርፍቲ መጺኣ ከላ፡ ንባሕሪ ኣብቲ ሑቝፋ ኣጋዲማ ጸጕሩ ትፍትሽ ነይራ። ኩነታት ጥዑይ ኣይጸንሓን መስለኒ “ንስኻ ነዚ ቅድምኻ ተገቲሩ ዘሎ ጸላኢ ክተጽንዕን ኣቅታትልኡ ክተክፍእን ለይትን መዓልትን ትሓስብ፡ ወዮም ሽግርካ ዘይርደኦም ቁማል ካልእ ግንባር ፈጢሮም። ወሪሮምካ። ጥይትስ ብታይፈስ ክትቅደም እያ መስለኒ። ኣይረድ” ክትብሎ ተዘኪሩኒ። እቲ ገጹ ገጽ-ወተሃደር ዝመስል ባሕሪ፡ ኣብ ሚርያም በጺሑ ናብ ሕጉስ ቆልዓ እዩ ዝቕየር ነይሩ። ንበይኑ ዓይነት ፍቕሪ ‘ዩ ነይርዎም። እቲ ክቱር ፍቕሮም ዘይፈልጥ ሰብ ዝነበረ ኣይመስለንን። ካብ እንዳ ዜና ከቲታ ኣሃዱኣ ጽቡቕ ገይራ ከይፈለጠት እያ ተሰዊኣ። ክትስዋእ ከላ እውን ከብኡ ርሕቕቲ ኣይነበረትን። ብ/77 ክንሕግዝ ተደሪብናዮም ኔርና። እታ ዝተረድኣ መዓልትን ዝተነኽነኾን ኣብ ሓንጎለይ ሓድሽ ኔሩ። ገና እውን ኣብ ሓዘን እዩ ነይሩ። ግን ጸዋር ነብሲ ነይርዎ። ቃንዝኡ እቶም እንቀርቦ ጥራይ ኢና ንፈልጦ ዝነበርና።

“ስማዕ ‘ስከ ገለ ‘ዶ ወስወስ ኣይጀመርካን? ምሽ እዘን መሳቱኻ መሊአን እየን?” በለኒ ከም ከሕፍረኒ ደልዩ። “ወይለይ፡ እዛ ሰብኣይ ደኣ ከመይ ኢላ ኢያ ብዛዕባ ፍቕራ እሓስብን እጕህን ከም ዘለኹ ፈሊጣ?” በልኩ ብልበይ። ሃንደበት እዩ ወዲቑኒ። ከምዚ ልበይ ዘንበበ መሲሉኒ። ምስ ባሕሪ ካብ ዝምደብ ብዙሕ ገይረ ነይረ። ዝምድናታትና ዳርጋ ከም ኣያን ንእሽቶ ሓውን እምበር ከም ኣዛዚ ብርጌድን ምልክቱን ኣይነበረን። ንነኣሽቱ ክሉ ግዜ ምስ ሓለየ እዩ። ኣብቲ ዘገድሰካ ነገራት ከም መሰትኡ እዩ ዝዛረበካ። ኣኽብሮት ሰብ መሊእዎ እዩ። ሚርያም ካብ ትስዋእ ድማ እቲ ሰብኣዊ መዳይ ናይ ጠባዩ እንዳ ጎልሐ መጺኡ። ካብ መጠን ንላዕሊ መናን ኮይኑ። ብነብሱ ብዙሕ ኣይግደስን። ኩነታት ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ካብ ሓደጋ ክኽወል ምዝኽካሩ ከም ካልኣይ ዕማምና ኮይኑ ነይሩ። “ እዚ ቦታ’ዚ ተፈሊጡ ኣሎ ንቐይር። ቀልጢፍካ ስገር ተኣሲርዎ ኣሎ….ወዘተ” ክነተሓሳስብ ኢና ንውዕል። ኩነታት ጀሚሩ ራድዮታት ጫውጫው ክብላ ከለዋ፡ ንባሕሪ ካብ ኣሽሓት ኢኻ ትፈልዮ። ኣብዚኣ መጺኡ ዝቐየሮ ነገር ኣይነበረን። ኣብ ኲናት ኣዝዩ ህዱእ እዩ። ብፍጥረቱ እውን ብወተሃደራዊ ብልሑን ዓቕሉን እምበር ብዘረባታት ኣይኮነን ዝልለ። ካልእ ዝፈልዮ ጠባይ፡ ብስርሑ ኣዝዩ እዩ ዝተኣማመን ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ብትሕትኡ ንዝነበሩ ኣዘዝቲ ናጽነት ስራሕ ዝህብን ንውሳኔታቶም ዘኽብርን ‘ዩ ነይሩ። ርእሰ-ምትእምማኑ ሕልፍ-ሕልፍ ኢሉ ምስ ኣዘዝቱ የጓፍጦ ከምዝነበረ ብቐረባ ንዕዘቦ ነይርና። ሕጂ ግን ዕማም ኣለዎ። ኩሉ ኣድህቦኡ ናብኡ ከምዝነበረ ከብቲ ኣብ ሳዓት-ሳዓት ዝመጽእን ዝምልሶን ዝነበረ መልእኽትታት ንፈልጦ ነይርና። ጸላኢ ንምድንጋር ብኮድ ስም ‘ዩ ዝጽዋዕ ነይሩ- ባሕሪ። ኣብ ሳውራ፡ ንኩኑታት ማዕረ ኣዛዚኻ ምፍላጥ ሓንቲ ካብተን ኦፐረተር ብምዃን እትረኽበን ሓለፋታት እያ ነይራ።

ንጽባሒቱ፡ ባሕሪ ምስ ኦፐረታቱ ዓቐብ እሮታ ብጊሓቱ ኢና ጀሚርናዮ። ሓጺር ቁመቱን ተረርቲ ደናጉኡን ንዓቐብ እሮታ ዝተፈጥራ እየን ዝመስላ። ኣብ ፍርቂ እቲ ኣንቃዕሪርካ ክትጥምቶ ዘሸግር ጎቦ ምስ በጽሓና፡ ብየማንና ዕብይ ዝበለ ጉጅለ ኣህባይ ከምዝነበረ ተዓዘብና። ሓደ ተስተስትሮን ዝሃወጾ ጋውና ሰላም ከሊኡና። ናባና ይጎዪ ‘ሞ ወስ ከየበልና ንድሕሪት ይሃድም። ደኺምና ስለዝነበርና ኣቓልቦ ግዲ ከሊእናዮ ድሕሪ ቅሩብ ምምልላስ ትሃኑ ናብታ መስኪነይቲ ብጨይቱ ይገብሮ። ነጽዩ-ነጽዩ ወደኣ። ንሕና እውን ክነዕርፍ ንውስን።

“ እንታይ ደኣ ደሮና ዝገብሮ፡ ምስ መን ይገጥም ከምዘሎ ጠፊእዎ ድዩ?” ይብል ተጫራቓይ ወዲ መጎስ። ወዲ መጎስ ‘ውን ምስ ባሕሪ ካብ ዝሰርሕ ጸኒሑ እዩ። ንፉዕ ኦፐረተር እዩ ነይሩ። ድኽም ውዒልካ ዝጫረቕን ላዕልን ታሕትን ዝብልን ጥዑም ብጻይ ነይሩ።

“ ኣታ ወዲ፡ እተን ኣህባይ ከይሰምዓኻ ኣባ። ደርጊ ‘ኮ ኣብ ናቕፋ ከምዘሎና እዩ ዝፈልጥ። እዘን ኣህባይ ከኣ ናይ ኤርትራውነት ደኣ ቅሩብ ምስጢር ይዕቅባ ይኾና ‘ምበር፡ መውቀፍ ‘ኮ የብለንን። ሎሚ ምሳኻ ኣለዋ ጽባሕ ደንበ ይቕይራ። ናብ እንዳ በቀለ የብላ። ጉስማጥ ከኣ ይረኽባሎም ይኾና። ተጋዳላይ ንሓመዱ ደኣ እንታይ ክረኽባሉ ኮይነን” በለ ወዲልጃም፡ ሳልሳይና ኦፐረተርና። ወዲልጃም እውን ፍቱው ኦፐረተር ባሕሪ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ እዩ። ኮታስ ስድራ ኢና ንመስል። ከም ስድራ ከኣ ኢና ንተሓላለ።

ድሕሪ ናይ ሳዓትን ፈረቓን ጉዕዞ፡ ባሕሪ ኣብ ዝባን እሮታ ኣብ መኣዘዚ ቦትኡ በጺሑ። ባሕሪ ኣብ እሮታ ኣሎ፡ ጽባሕ ነገር ኣሎ ። ‘ባሕሪ’ መጸውዒ ኮድ ጅግና ኢሰያስ ተወልደ(ወዲ ፍላንሳ) እዩ ነይሩ። ነዚ ኣብ ቅድምኡ ኣሳፊሑ ዘሎ ግንባር ጸላኢ ክፍንቅል እዩ መጺኡ። ካብ ዝባን እሮታ ንሓዋሩ ክብንቅሶ፡ ሕማቕ ኣቀታትላ ክቐትሎ እናተዳለወ ‘ዩ። ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት የማናይ ግንባር ሓልሓል ሓዊ ክከዓዎ እዩ። ብርግጽ፡ ብዙሓት መንእሰያት ክረግፉ እዮም። ገሊኦም፡ ድሕሪ ዜሮ-ሳዓት ዘላ መዓልቲ ይኹን ትመጽእ ሳምንቲ ኣይክርእዩወን እዮም። ድሮ ዘፍቀሩ እንተለዉ፡ ፍቕሮም ኣይክርእዩን እዮም። ምላድን ሓድግን ኳ ግደፎ። ሕጂ ግዚኡ ኣይኮነን። ሕጂ ኩሉ ኣብ ተዳሎ እዩ ዘሎ። ብወገን ጸላኢ እውን ምድላው ኣይተርፍን። ምንቅስቃሳትና ክከታተልዎ ቀንዮም ይኾኑ ‘ዮም። “ ዳህና ሁንልኝ ፍቅርዬ” ዝበሉን ስእልታት ኣፍቀርቶም ዝሰዓሙን ከምዝህልዉ ፍሉጥ እዩ። ብርግጽ፡ ደም ክፈስስ እዩ። እዚ ከባቢ እዚ ለሚድዎ እዩ። ን22 ዓመታት ደቂሰባት ክተሓረዱሉ ጸኒሖም እዮም። ከም ልሙድ ስራሕ እዩ ተወሲዱ። ናይ ሎሚ ዓራርቦ ሰማይ ከይተረፈ ዘይከም ንቡር ኣዝዩ ደም ሰሪቡ ኣሎ። ሕማቕ ፋል። ነገራቱ ክሉ ንሞት የዘኻክር። እቲ ኣየር እውን ደም-ደም ይሽትት ኣሎ። ሃለው ባሕሪ……….

ተራኺ፡ ሃብቶም ጸጋይ

ጸሓፊ፡ ማሕሙድ ሳልሕ

ብዛዕባ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን”

ብዛዕባ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ማሕሙድ ሳልሕ

“ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ ኣብ መንጎ ኣርኪበሉ። መበል 12 ክፋል በጺሑ ገና ‘ውን ዝቅጽል ‘ዩ ዝመስል። ንብጻይ ታደሰ እፈልጦ እየ። ገዲም ተጋዳላይ ምዃኑ ድሮ ፈሊጥክም ኣለኹ። ፍርቂ ኣካሉ ንሃገሩ ዘወፈየ ምዃኑ ምጥቃስ እውን ሓጋዚ ይኸውን መስለኒ። ተ/ታደሰ ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ከምዝነበረ ውልቃዊ ትዕዝብቱ እና ተወከሰ ከካፍለና ጸኒሑ። ኣብቲ ዝጽሕፎ ዘሎ ትዕዝብትታቱ ሕጽረታት ይረኣየኒ ስለዘሎ፡ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ክጽሕፍ እግደድ ኣለኹ።  ዕላማይ፡ ነንባባይን ጸሓፋይን ሓጋዚ ሓሳብ ይኸውን ካብ ዝብል ድሌት ዝነቐለ እዩ።

ብጻይ ታደሰ ክልተ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይፍትን ኣሎ። ሀ- ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ ለ- እዚ ኣውራጃዊ ፖለቲካ እዚ በሰላታት ሓዲጉ ( በሰላታቱ ገና ከምዘሎ እዩ ዘስምዕ) ሕጽረታት ናይዚ ሓሳብ ብመጀመርታ ቅድሚ ሕጽረታት ብጻይ ታደሰ ምጥቃስ ሕጽረታተይ ክሕብር እፈቱ፤ ምኽንያቱ ነቲ ከለልዮ ዝኽእል ሕጽረታተይ ተረዲእካ/ኪ ምንባብ ሓጋዚ ‘ዩ እብል። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝዓበኹ ብምዃነይ ቅሩብ ናይ ይብጸሓኒ ስምዒት ክህልወኒ ይኽእል ( ኣብዚኣ ምስ ታደሰ ሓደ ኢና)። እታ ካልኣይቲ፡ ንኣንባቢ ክሕግዝ ዝኽእል ክረአ ወይ ክድህሰስ ዝኽእል ከም ኣሃዛት ዘመሰለ ሓበሬታ(data) የብለይን። ስለ’ዚ መንጪ ጽሑፈይ ኣብ ኣቀራርባ ታደሰን ናተይ ትዕዝብትን ዝተመርኮሰ እዩ።

እዚ ጽሑፍ እዚ ከም መልሲ ናይቲ ታደሰ ከስምረሉ ዝደሊ ዘሎ ማእከላዊ ሓሳብ ከምዘይኮነ ክፍለጠለይ እደሊ። ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ ወይ ኣይነበረን ንምባል ዘኽእል ሓበሬታ የብለይን። ከም ኣንባባይ ጽሑፉ መጠን ግን፡ “እዚ እንተዝማላእስ ጽሑፉ ንዘንብቡ ሚዛናዊ መረዳእታ ምረኸቡ” ከም ማለት ክውሰደለይ እደሊ። በዚ ኣጋጣሚ ንታደሰ፡ ስለ እቲ ልስሉስን ወሓዝን ትረከኡ ከድንቖ እፈቱ።

ታደሰ፡ ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ ንምባል ኣብ በራጊድ 51ን 58ን ክ/ትምህርትን ዝነበረ ኣወዛዝዓ ሓላፍነት ጠቒሱ ኣሎ። እቲ በሰላታት ናይቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ “ኣውራጃዊ ፖለቲካ” ድሕሪ ናጽነት እውን ከም ዝቐጸለ ንምርኣይ ኣብ ሚ/ትምህርትን ምክልኻልን ዝተገብረ ኣወሃህባ ሓላፍነታትን ወተሃደራዊ መዓርግን ከም ኣብነት ኣቐሚጡ ኣሎ። ኣብዚ፡ ብዘይካ ምእራም ብሄር ሮመዳን ኣውልያይ፡ ብወገነይ ኣብ ኣስማትን ቁጽርን ናይቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሰባት ዝብሎ የብለይን። ኣውልያይ ወዲ ብሄረ ትግረ እዩ መስለኒ።

ብዝኾነ፡ ሕጽረት ትረካ ታደሰ፡ ናይቲ ዘቕርቦ ቁጽሪ ዘይኮነስ እቲ ቁጽሪ ንባዕሉ ብከመይ ከምዝመጸ ከርኢ ዘይምኽኣሉ እዩ። ታደሰ ነዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነጥብታት ኣብ ግምት ብምእታው መደምደምታታቱ ቅሩብ ዲሲፕሊን እንተዝህልዎ ጽቡቕ ምኾነ። 1- መደምደምታታትካ ካብቲ ኣብተን ሰለስተ ኣሃዱታት ዝረኣካዮ ኣመዳድባ ሓለፍቲ ዝብገስን ኣብኡ ዝምርኮስን ስለዝኾነ፡ እቲ መደምደምታታት ሓቂ ክኸውን እንተኮይኑ፡ እተን ሰለስተ ኣሃዱታት፡ ማለት ብ51ን 58ን ክ/ትምህርትን ብልክዕ ንኣቃውማ ናይ ኩለን ኣሃዱታት ናይቲ ውድብ ይውክላ ከምዝነበራ ንኣንባባይ ክተረጋግጽ ኣሎካ። እዚ ባውራጃን ሃይማኖትን ጥራይ ዘይኮነ ብግድምና እውን ማለት እዩ። ኣብቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝነበርካሉ ግዜ ኣስታት 10 ብራጊድን ዳርጋ መንግስታዊ ቅርጺ ዝሓዘ ብዙሕ ክፍልታትን ነይሩ። ስለ’ዚ፡ እቲ ኣብተን ዝጠቐስካየን ኣሃዱታት ዝነበረ ኣቃውማ ሓለፍቲ ንኩለን እተን ብርጌዳትን ክፍልታትን ዝውክል ከምዝነበረ እንተዘየነጸርካ ከመይ ጌርካ ኢኻ ዓማሚ ሓሳባት ክትስንዝር ትኽእል? 2- እንተደኣ ንሳተን ንኩሉ ውድብ ዝውክል ኣቃውማ ነይሮመን ኮይነን፡ ካብቶም ዝተሸሙ ንላዕሊ ብቅዓት ዝነበሮም እሞ ብሰንኪ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ዝተረፉ ወይ ዝተሃሰዩ ሰባት ክተቕርብ ኣሎካ። .- እዚ ንምግባር ድማ ቅጥዒ ኣወዛዝዓን ኣሽያይማን ናይቲ ግዜ እንታይ ከምዝነበረ ክተርኢ ኣሎካ። ኣብ ህ.ግ. እታ ሓንቲ ዝዝክራ “ከም ኣድላይነት” ትብል እያ ነይራ። ስለ’ዚ፡ በጋጣሚ ዝበዝሑ ሓካይም ካብ ሓደ ከባቢ ዝመጽኡ እንተነይሮም ንምንታይ ኣብ ክ/ሕ ጽዒቖም ክንብል ንኽእል ‘ዶ? ወይ ብገለ ተክኒካዊ ብቕዓታት ሓንቲ ኣውራጃ ኣብ ሓደ ክፍሊ ጽዕቕ ዝበለ ውክልና ሓለፍቲ እንተነይሮማ፡ ኣውራጃዊ ምኽንያት ነይርዎ ክንብል ንኽእል ዲና?  3- ስለ’ዚ ነዚ ማእከላይ ሓሳብ ጌርካ ተሰላስሎ ዘለኻ ኣብ ግምት ክኣቱ እንተኾይኑ፡ ብውሑዱ ኣብተን ዝነበርካየን ኣሃዱታት ነቶም ትብሎም ዘለኻ ሓለፍቲ ዝወዳደሩ ዝነበሩ እሞ ብሰንኪ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ዝተረፉ ሰባት ከምዝነበሩ ክትሕብር ኣሎካ።

ጸገም ታደሰ፡ ብትዕዝብቲ ጀሚሩ ኣብ ትዝብቲ ዘይምሕጻሩ እዩ። ነቲ ውሱን ትዕዝብቱ ናብ ሓፈሻዊ ትርጉምን ፍርድን ይመጦ ኣሎ። ንኣብነት፡ ካብ ዓስርተ ኣጣል እተን ሽዱሽ ጸዓዱ እየን ምባልትዕዝብቲ እዩ። እተን ሽዱሽተ ኣጣል ጸዓዱ ስለዝኾና እየን ህጣራታት ኮይነን እንተኢልካ ግን ናብ መደምደምታን ፍርድን ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ። ናብዚ መደምደምታ ክትበጽሕ ካልእ ኩሉ ከህጥረን ዝኽእል ተኽእሎታት ፈሊኻ ክትውግን ኣሎካ። ብተመሳሳሊ ክንድዚኦም ሓለፍቲ ካብዚ ከባቢ ነይሮም ምባልን እቶም ሰባት ደቂ እቲ ውሱን ከባቢ ብምዃኖም ሓለፋ ብሻርነት ረኺቦም ምባልን በበይኑ እዩ። እቶም ሰባት ሽመቶም ብወገነይ-ወገንካ ከምዝረኸብዎ ክተረጋግጽ እንተኾይኑ፡ እንተወሓደ እተን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ነጥብታት ክምለሳ ኣለወን።

ብካልእ ወገን ዴሞግራፍያዊ ኣቃውማ ህዝቢ ናይቲ ህዝባዊ ሓይልታት ዝዓበየሉ ከባቢ ምንጻር ነንባቢ ሓጋዚ ምኾነ። ህ.ሓ. ኣብ ሰምሃርን ከባቢ ካርነሽምን እዩ ዓብዩ። ደሓር ኣብ ሳሕል ሰሪቱ። ዝበዝሐ ቁጽሪ ቀዳሞት ተጋደልቱ ከብዚ ከባቢ ክኽውን እትጽበዮ ነገር እንተኾይኑ፡ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቱ ‘ውን ከብዚ ውሱን ቦታታት ክነብሩ ከም ከምዝኽእሉ ዘካትዕ ኣይከውንን ‘ዩ። ትዕዝብቲ ታደሰ ንጂኦግራፍያዊ ውሱንነት ናይቲ ህዝባዊ ሓይልታት ዝዓበየሉ ከባቢ እዩ ዘንጸባርቕ ‘ምበር እቶም ሓለፍቲ ብኣውራጃዊ ፖለቲካ ስልጣን ከምዝተዋህቦም ዘርኢ ጭብጢ የብሉን። ህ.ሓ. ኣብ ቆላታት ሰራየ ተሓጺሩ ዓብዩ ነይሩ እንተዝኸውን ተመሳሳሊ ግድል መጓነፎ። ጻዕቒ ሓለፍቲ ደቂ ሰራየ ምሃለዎ። ካብቲ ታደሰ ኣተኲሩሉ ዘሎ ክርስታያናዊ ህዝቢ ከይወጻእና ንኣብነት፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ብብዝሒ ተወላዶ ሰራየን ዓንሰባን እንኮላይ ሰንሒት ነይሩ ይበሃል። ናይ ጀኦግራፍ ረቋሒ ኢለ እየ ዝሓልፎ።

ተመክሮይ እንተደኣ ክኣምን ክኢለ፡ ህ.ግ. ብካልኩሌሽን ኣሃዱ ኣከለ ክንድዚ ድቂ ሰራየ ኣለዋ ‘ሞ ክንድዚ ደቂ ሰምሃር ንወስኸላ … ዝበሃል ዝነበሮ ኣይመስለንን። ግን ኣብ ቦታ ቁጽጽር ሰብኣዊ ዓቕሚ ከምዘይነበርኩ ክሕብር እፈቱ። እቲ ጸገም ምብዛሕ ሓለፍቲ ካብ ውሱን ከባቢ ኣይኮነን። እቲ ጸገም፡ እዞም ሓለፍቲ እዚኦም ንሓላፍነቶም ተጠቒሞም ነቲ ወገነይ ዝብልዎ ከባቢ ምስ ዘሻርዉ እዩ። ኣብ ሰውራ ኤርትራ ርኡይ ደሞግራፍያዊ መቐይሮታት ዝነበርወን መድረኻት ነይረን እየን። ኣብ መጀመርያ ሱሳታት ተ.ሓ.ኤ. ብደቂ ባርካ ተዓብሊሉ ከምዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ኣበይ ድዩ እቲ ሰውራ ተጀሚሩc$ኣብ 1de#፡ ደቂ ከበሳን ቀይሕ ባሕርን ማርያን ዝበዝሕዎም ተጋደልቲ ንመሪሕነት ተሓ.ኤ. በውራጅነት ከሲሶም ተፈንጪሎም። ገሊኦም ግን ተጸሚሞም ነቲ ውድብ ከዕርዩ መሪጾም። ኣብቲ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይቲ ውድብ ም/ ኣቦ ወንበር ተ.ሓ.ኤ. ክኸውን ዝተመርጸ ወዲከበሳ (ክርስትያን) እዩ ነይሩ። ስዒቡ እውን ኣብ ሰብዓታትን ኣብ መጀመርያ ሰማንያታት ተ.ሓ.ኤ. ደቂ ከበሳ በዚሖሞ ከምዝነበሩ እውን ይፍለጥ።

እዚ ዘርእዮ እንተሎ፡ ህዝብና ፕሮፓጋንዳ ክልቲኡ ውድባት ዝምክት ኣእምሮ ከምዝነበሮ እዩ። ደቁ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ዘይኮነስ ነናብ ዝቀረበቶም ውድብ ይስለፉ ምንባሮም ‘ዩ። ብኡ መጠን ኣብ ሓደ ውድብ ደቂ ሓደ ኣውራጃ በዚሖም ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ክስለፍ ከለኹ መጠን ብዝሒ ደቂ ከበሳን መታሕትን ተመጣጣናይ ነይሩ። ደቂ መታሕት ብብዝሒ ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ክፍለዩ ከለዉ ደቂ ከበሳ ብብዝሒ ናብ ህ.ግ. ይስለፉ ነይሮም። ስለ’ዚ ኣብዚ ንስኻ ትትርኸሉ ዘለኻ ግዜ ህ.ግ. ብደቂ ከበሳ ተዓብሊሉ ነይሩ። ምኽንያት ናይዚ፡ መሪሕነት ህ.ግ. ወይ መስመር ህ.ግ. ኣበር ስለዝነበሮ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብ ህ.ግ. ቁጽሪ ኣስላምን ክርስትያንን ሓለፍቲ ማዕረ ከምዘይነበረ እናፈለጥኩ ሓደ መዓልቲ ሕማቕ ከይተሰመዓኒ ተጋዲለ። ወደሓንካ ታደሰ። ሓውኻን ብጻይካን ማሕሙድ ሳልሕ

ክቡር ኣምባሳደር ወዲ ገራህቱ፡ ዘረባ መምህር ኣልጋነሽ ዘክር

ንሃገርና ወኪልካ ኣብ መጋብኣያታት ዓለም ቐሪብካ ፖሊሲታት መንግስትኻ ክተብርህን ክትከላኸልን እዕዘብ። ጸጸቡቑ ክተደምቕ፡ ከክፍኡ ድማ ክትሓብእን ክትቐብርን ክትረባረብ እርእየካ ኣለኹ። ሕመቓት መንግስቲ ኤርትራ ናብ ካልኦት ክትስልብጦን፣ መንግስቲ ኤርትራ ከም ብጹእ መለኾታዊ እምበር ከም ጌጋታት ዝፍጽም ወይ ክፍጸመሉ ዝኽእል ምድራዊ ትካል ወይ ኣሃዱ ጌርካ ክተቕርብ ኣይርኣን። እትጥቐመሉ ቋንቋን ኣቐራርባን ግን ይጠልመካ ኣሎ። ሜላ መንግስትኻ ክተሳስንን ክተራጉድን ዝተመዘዝካሉ ስራሕ እዩ። ኣብኡ ብዙሕ ኣይተሓዘልካን። ሰራሕተኛ መንግስቲ ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጉዕዞ ሂወትና፡ ነቶም እንክተሎም ሜላታትን ኣፈጻጽማ ናይቲ ዝተመደብናሉ ስራሕን ብዕቱብ ነቐፌታዊ ዓይኒ ክንግምግም ዘገድዱና ሕደት ኣገደስቲ ፍጻሜታት የጋጥሙና እዮም። ገለ ካብዞም ፍዛሜታት ኣዝዮም ከበድቲ ይኾኑ እሞ “እንታይ እየ ዝገብር ዘለኹ” ከም እንብልን ናብ መዓሙቕ ናይቲ በብግዚኡ ዘሻቕለናን ዝርብጸናን ተዋቓዒ ሓሳባት ከም እንጥሕል ይገብሩና።

እንተደኣ ብሓቒ ንስምዒታትና ክንምርምርን ብኣንክሮን ድፍረትን ክንገጥሞምን ክኢልና፣ ሎሚ ዘይኮነስ፡ ሃገርና ካብ ዓስርተታት ዓመታት ኣትሒዛ ብዘይድሌታ ናብ ጎደና ዕንወት ትጉተት ከምዘላ ብሩህ እዩ። እዚ ዘለናዮ ህሞት ሓደ ካብቶም ሓንሳብ ደው ኢልና ሕሳብ ናይቲ ከምንቡር ወሲድና መዓልታዊ ንጓየየሉ ስራሓት እንጸባጸበሉ እዋናት እዩ። ግዜኻን ጉልበትካን ብሓቒ ኣብቲ ዝግበኦ’ዶ ይባኽን ኣሎ? ነዛ ዕድመኻ ዝወፈኻላ ሃገር ኸ ካብዚ ትገብሮ ዘለኻ ብዝተፈልየን ዝበለጸን መገዲ ክተገልግላ ኣይምኸኣልካን? ኣኺልዋ ድዩ ኤርትራ- ካብዚ ንላዕሊ ክተደምዕ ኣይትኽእልን? እቲ ዝተጋደልካሉ ምስሊ ኤርትራን እዚ ዘሎ ክዉን ስእሊ ኤርትራን ይጋጠሙ ‘ዶ? ሕራይ’ስከ፡ ጸቕጥን ጽዕነትን ናይ ዓለም ከቢዱና ንበል፣ እስከ ከምቲ ወትሩ እትብሎ፡ ሃገራት ዓለም ዘርየናልና ንበል፣ ግን ስለምንታይ ጸቕጢ ዘፍኩስን ጽዕነት ዘጓድልን ዲፕሎማሲ ዘይተከተልና? ስለምንታይ ዓመት መጸት ሃገርና ኤርትራ ትሽመመሉ ዘላ ጉድጓድ እንዳ ዓመቘ ዝኸይድ ዘሎ? ስራሕካ ኸ ነዚ ዘጥሕላ ዘሎ ባይታ ምምድማድን ምድልዳልን ከምኡ እውን ካብቲ ትወሓጠሉ ዘላ ጉድጓድ ንኽትወጽእ ዘኽእላ ሜላታት ምድላይን’ዶ ኣይኮነን? ቀንዲ ስራሕካ ቅኑዓት ሜላታት ምድላይን ነቶም ቅኑዓት ሜላታት ዲፕሎማሲ ድማ ብመራሕትኻ ተቐባልነት መታን ክረኽቡ ብትብዓት ምዝራብን ምጽዓርን’ዶ ክኸውን ኣይግበኦን ነይሩ? ኣምባሳደር ሓንቲን ሃገር ኮምፓስ ወይ ብሶላ ናይታ ሃገር ማለት’ኳ እዩ። ኣብ ዝተረበጸ ውቕያኖሳት ዲፕሎማሲ ንሃገርካ ዘዋጽእ ሜላ ምንዳፍን ንቕኑዕነቶም ምጽዓርን ‘ዶ ኣይኮነን ስራሕ ኣምባሳደር? ብሕጽር ዝበለ፡ ስለምንታይ ኢና ኣብዚ ወዲቕና (ካባ ኣምባሳደርነት ኣውጺእካ፡ ነታ ናይ ልብኻ ሓሳብ ደኣ ተወከስ)?

ሰባት ይኹኑ ወይ ሃገራት ይዕንቐፉን ይወድቑን እዮም። እስከ ከም ሰብና ተዓንቒፍና ንበል፣ ስለምንታይ ካብቲ ዘወደቕናሉ ክንትንስእ ዘይከኣልና? ከም ፖለቲካዊ መራሒ መጠን፡ ናይ ግድን ሰሌዳ ግዜ ክህልወካ ኣለዎ። እቲ መኸተ ካብ ዝሰላሰል ዳርጋ ዕስራ ዓመት ክገብር ቐሪቡ። መከተ ኤርትራ ኣንጻር ማሕበረ-ሰብ ዓለም! ብሕጽር ዝበለ ሓንቲ ሃገር ተዓንቒፋ ኣብ ውሽጢ ክልተ-ሰለስተ ዓመት እንተዘይተንሲኣ ሽግር ናይቲ ዝመርሓ ዘሎ ወገን እዩ። ወላ ከምቲ ትብልዎ፡ እቲ ዝወርድ ዘሎ ሽግር ብሰንኪ ናይ ወጻኢ ዓለም ውዲታት እዩ ኢልክም እንተ ኣኣሚንኩምና፡ ነቲ ውዲታት ዝብድህ ኣካይዳ ብዘይምክታልኩምን ነተን ንኤርትራ ከኽብባን ክንጽላን ዝጽዕራ ሃገራት ብዘይምምካትኩምን ስዑራት ኢኹም። ካብቲ ዝረአ ዘሎን ሕላገትና ዝኾነን፡ ማለት ንሃገርና ካብ ቅልውላው ናብ ቅልውላው ሸንኮለልን ሸንኮርተትን ካብ ምባል ብዘይምውጻእክም ስዑራት ኢኹም። ብሓጺሩ፡ ካብቲ ባዕልኹም ዝፈጠርኩምዎ ከበባ ክትወጽኡ ብዘይምኽእልኩም ስዑራት ኢኹም። ኤርትራ ብህዝቢ ዝተወከለ መንግስቲ ዝገዝኣላ ሃገር ነይራ እንተትኸውን፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክስታት ንምግላፍኩም እኹል ባይታ ምኾነ ነይሩ። ብሰንኪ ሕምቐትኩም ሃገርና ወዲቓ ኣላ። ብሰንኪ ሕምቐትኩም፡ ካብ ዝወደቐትሉ ክትንስእ ኣይከኣለትን።

“ግዜ ዳኛ እዩ። ግዜ መወከሲ እዩ” በለት ስውእቲ መጋድልትኻ መምህር ኣልጋነሽ ኣብ ሓደ ንስኻ ዝነበርካዮ ኣኼባ። እቲ ነገር  ምስ ጉዳይ ናይ ሓደ ብብደዐን ዕቡይነትን ተዛሚዱ ዝንቐፍ ዝነበረ ብጻይ ዝተኣሳሰረ እዩ ነይሩ። መምህር ኣልጋነሽ መቸም ከም ትዝክራ፡ ሕልክስክስ ዝብሉን ምኽንያታት ዝፈጥሩን ሰባት ብሱሩ ኣይትፈቱን እያ ነይራ (ነብሳ ይምሓራ)። እቲ ሰብ፡ ኣክንዲ ጌግኡ ዘልዕል ንኹላ እታ ኣኼበኛ እዩ ዝውንጅል ነይሩ። ንሱ ቕኑዕ ካልእ ኩሉ ኣበረኛ ገይሩ እዩ ዘቕርቦ ነይሩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ መምህር ኣልጋነሽ (ብነብሳ ብዙሕ ዘረባታት ኣይትፈቱን ነይራ) ተንሲኣ ጉድለቱ ኣብሪሃ፡ ክገብሮ ዘለዎ ብቐደም ተኸተል በተን ልስሉሳት ቓላታን ህዱእ ኣቐራርበኣን ገለጸትሉ። ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝሰርዓታ ነጥቢ ድማ፡ እቲ ብጻይ ሓላፍነት ክስከምን፡ ናብ ሕልንኡ ተመሊሱ ንኹሉ ዝኽተሎ ዝነበረ ሜላታት ክምርምርን እተተባብዕ ምዕዶ እያ ነይራ። ንመምህር ኣልጋነሽ ዓይንኺ ትደፈን ዝብል ሰብ ኣይነበረን’ሞ እቲ ብጻይ እውን ተቐበላ። ሽዑ እያ “ግዜ ዳኛ እዩ፣ ግዜ መወከሲ እዩ” ዝበለቶ። ነቐፌትኡ ብእወታ ተቐቢሉ’ሞ ክመሃረሉን ክመሓየሸሉን ድዩ “ተቐቢለያ” ኢሉ ወይስ ካብታ ርስንቲ ህሞት ክላቐቕ ገይርዋ፡ ግዜ ባዕሉ ከብርሆ እዩ ከም ማለታ እዩ ነይሩ።

ናይ ብሓቒ ድማ ግዜ ዳኛ ምዃኑ ንርእዮ ኣለና። እቲ ምሉእ እምነት ዘንበርናሉ መራሒ ካልእ ኮይኑ ጸኒሑ። እቲ ንምከሓሉ ዝነበርና መሪሕነት እውን፡ ንዓና ወኪሉ ዝዝትን ኣብ መተከላትን መርገጽታት ዝካታዕን ብመንጽር ናይቲ ዘንበርናሉ ሓላፍነት “ሓመድ ተሳሒኑ” ውሳኔታት ዘሕልፍ ዝመስለና ዝነበረስ፡ ደንጒና ከም ዘረጋገጽናዮ፡ ሓላፍነቱ ንሓደ ውልቐ ሰብ ኣረኪቡ፡ ዝተዳለወ ጸብጻብ ሰሚዑ ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ ውሳኔታት ብስሙ እናተቓለሐ ዕሽሽ ኢልዎ ናብ በቦትኡ ይምለስ ከምዝነበረ ኣባላቱ ዝነበሩ በብግዜኡ ዝገልጽዎ እዩ። ብሕጽር ዝበለ ተጋዳላይ ነቲ መሪሕነት ኣሚኑ ብዘይዕርፍቲ ክረጋረግ እንከሎ፡ እቲ መሪሕነት ግን መጨጭሒ ዲክታታርነት እዩ ዝነበረ። እቲ ዘሕዝን ድማ፡ እቲ ወኪልካ ትምድረሉ ዘለኻ መንግስቲ፡ ነቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተበራበሩን “ኣይ፡ ሕጅስ ግዜ ተቐይሩ’ዩ እሞ ንዓ ደኣ ንጸባጸብ፣ መንግስታዊ ወይ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንኸተል፣ ጉዕዞና ንገምግም” ዝበልዎ ዝበዝሑ ኣባላት መሪሕነት ሸሪቡ፡ ብኢደወነኑ ንሃገርና ካብ ቅልውላው ናብ ዝኸፍአ ቕልውላው ይመርሓ ምህላዉ እዩ።

ግዜ ዳኛ እዩ ወዲ ገራህቱ። ብዛዕባ ዲሞክራስን ኣተሃናንጻ ሃገርነትን ክትዛረብን ንዕኡ ዝምልከት መጽሓፍ ክትህበንን ይዝከረኒ። ግዜ ደኣ መወከሲ ኮይኑ እምበር፡ ከመይ ኢለ እየ ሎሚ ክኣምኖ ምኸኣልኩ? ከመይ ኢሉ እዩ ኸ ንስኻን እቲ ዝተኸላኸለልካን  ዝኣለየካን ብጻይ በራኺ ገብረስላሰ ኣብ በበይኑ መዓልቦ ክትወድቑ ክኢልክም? ከመይ ኢሉ እዩ እቲ የማናይ ኢድ ኢሰያስ ተባሂሉ ዝውረየሉ ዝነበረ ተሪር በራኺ ኣብ መወዳእታ፡ ንሃገር ዝፈታተን ሓደጋ ምስ ኣጋጠሞ፡ “ኖእ፡ እዚኣ እንተገበርና ትሓይሽ” ክብል ተገዲዱ፣ ብኣንጻሩ ንስኻ፡ እቲ ብንኡስ ብርጅዋን ካልእ “ሕማማትን” ክትጋፋዕ ዝተጋደልካን፡ በራኺ ዝተኸላኸለልካን ዘተባበዓካን፡ ሎሚ ዘመን ተገምጢሉስ፡ በራኺ ኣብ ጉድጓድ ክበሊ ንስኻ ከኣ የማናይ ኢድ ኢሰያስ ክትከውን በቒዕካ? ንምሕረት እዮብን ጓላን እንታይ ትዕልለን? ብጻይ በራኺ ሃገር ከዲዑ ከምዘይትብለን ጥርጥር የብለይን። ንተጋደሊት ሮማ እንታይ ትብላ ወዲ ገራህቱ? ሃይለ ድሩዕ ሃገር ሽዪጡ? ንኣስተር ሰለሙን ረኺብካያ ኣይትኸውንን ኢኻ። ምኽንያት ከኣ ኣለዎ። ሓዋ ጥራይ ስለዝተኣስረ እቶም ምሳኻ ክጻወቱ ዝዓበዩ ደቃ ከይረኣየት ኣብ ስደት ትነብር ጸኒሓ። ምስጋና ነቶም ሰብ ጽቡቓ፡ ደቃ ኣብ መወዳእታ ገቢዞም መጺኦማ። ኣይንዓለም (ጆ) ዓርክኻን መጋድልትኻን እዩ። ብሰንኪ ጉዳይ ዘምኡ ጲጥሮስ፡ ንሱ እውን ንሰበይቱን ደቁን ክርእን ክሕከምን ካብ ኤርትራ ክወጽእ ኣይከኣለን።ጴጥሮስ መጋድልትኻን ሓላፊኻን ነይሩ። ንሱ ስለዝተኣስረ ጥራይ ስለምንታይ ሰበይቱን ደቑን ይሳቐዩ? ስለምንታይ ኣስተር የውሃንስ ገጻን ድምጽማጻን ጠፊኡ ኢልካ ንነብስኻ ሓቲትካ ከም ትኸውን እውን ኣይጥርጥርን። ጉዳይ ጅግና ቢተወደድ ኣብርሃ እውን ርእሱ ዝኸእለ እዩ። እዚኦም ብቐረባ ዝትንክፉኻ ሰባት ስለዝኾኑ እምበር እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ። ኣዚኻ በሊሕን ምሁርን ሰብ ኢኻ። ገበን ተላጋባይ ኣይኮነን። ሰባት ምስቲ ቀንዲ ተጠርጣሪ ውልቀሰብ ብዘለዎም ምቅርራብን ዝምድናን ኣይክሰሱን እዮም። ትፈልጦ ኢኻ። ውልቀሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንርእሶም ደኣሎም ዝውክሉ እምበር ንመቕርቦምን ኣዕሩኽቶምን ኣይልክሙን እዮም። ኣብታ ንስኻ ትውክሎ መንግስትና ዝገዝኣ ዘሎ ኤርትራና ግን ነገራት ውጅብርብር ካብ ዝብሉ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ኣብቲ ቀንዲ መልእኽተይ ክኣቱ፡-

እዚ ትከላኸሎ ዘለኻ፡ ብኮምሽን መሰል ደቂሰባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተለለየ ገበናት ንኤርትራውያን ሓድሽ ኣይኮነን። እቲ ትህቦ ዘለኻ መልስታት እውን ኣሰልቻዊ ካብ ዝኸውን ግዜ ወሲዱ እዩ። ሎምስ ሓተታን መግለጽታትን ካብ ምውጻእ እንተትዕርፉ ምሓሸ። ምኽንያቱ እቲ መልስታትክም ኩሉ ሰብ ዝግምቶን ዝጽበዮን ቅዳሓት ኮይኑ። ኤርትራ ጸላእቲ የብላን ዝብል ሰብ የለን። ይኹን እምበር፡ ንርኡይ ብልሽውን ጸቓጥን ተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ናብ እንዳማቱ ዝሽንብብ እንተሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ጸላእቲ ኤርትራ ዝውቐሱሉ ጉዳያት ይሃሉ እምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ወኪልካዮ ዘለኻ መንግስቲ ጥራይ እዩ ዝኽሰስ።

1.      እቲ ምኽያት ናይ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ኢትዮጵያ እንተኣጸጋዕካዮ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣገልግሎት ዝግበር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ግን ከመይ ኣቢልካ ኢኻ ናብ ኢትዮጲያ ክተልግቦ ትኽእል?

2.     “ቀደም ኲናት፡ ሕጂ ከኣ ‘ኣይኲናት ኣይሰላም’ ንፖለቲካዊ መስርሕ ዓንቒፍዎ” ኢልካ ትገልጽ። ሕራይ ንብዙሕነት ፖለቲካ ብከምኡ ነመኽንየሉ። ምኽንያት ናይ ስእነት ግዝኣተ-ሕጊ ኸ እንታይ እዩ? ኣብታ ሃገር መባእታዊ ምሕላው መሰላት ንኸይህሉ ከመይ ኢሉ እዩ ጉዳይ ዶብ ክጸልዎ። ንኣብነት ኣነን ንስኻን እንፈልጦም ሰባት ንሓሙሽተ ወይ እውን ንዓስርተ ዓመታት ተኣሲሮም፡ ምኽንያት መእሰሪኦም እውን ከይተነግሮም ክፈትሕዎም ንርኢ። ንኸይዛረቡ እውን ተኣጊዶም። ኣነን ንስኻን እንፈልጦም፡ ብዙሓት ኣበይ ከምዘለዉ ዘይፍለጡን፡ እቶም ሃላዋቶም ዝፍለጥ እውን ብዘይፍርድን ስድርኦም ከይረኣዩን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይበልዩ ኣለው። ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ጉዳይ ንጎኒ ገዲፍና፡ እታ “ፍትሕን ሓርነትን ዝዓሰላ ሃገር ክንሃንጽ ንጋደል ኣሎና” ትብላ ዝነበርካ ኣበይ ኣቢላ? ጉዳይ ዶብ ከ ከምይ ኢሉ እዩ መመኽነዪ ምርጋጽ መባእታዊ መሰላት ዝኸውን? ኣዘዝቲ ሰራዊ ከይተረፉ ንሰባት ብ”ይጽነሓለይ” ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይዳጉኑ ከምዝነበሩ ብኡ ዝሓለፉ ኣዕሊሎምኒ። እቲ ቐጻሊ ግፋን ግፍዕን ኸ መርኣያ ተቓውሞ መንእሰያት ‘ዶ ኣይኮነን?

3.     ኣምባሳደር ወዲ ገራህቱ፡ እቲ ልዕሊ ክሉ ዘሻቕለኒ፡ ዋሕዚ መንእሰያትና ናብ ስደት እዩ። ኣብ ሰንጭሮታት ሳሕል ኮይንካ፡ ዘርኢ መጻኢ ኤርትራ ትነድፍን ትኹስኩስን ከምዘይነበርካ እዝክር። ሎሚ ግን መሻርኽቲ ናይቲ ሰራውር ቡቕሊ ናይ መጻኢ ኤርትራ ዘንቕጽ ዝብንቑርን ዘሎ ስርዓት ኰንካ ኣለኻ። እቲ ተስፋ ዘቑርጽ ድማ፡ እቲ ብመንግስትኻ ዝግበር ወትሩ ኣሉ-ቐጣን እዩ። ቅልውላዋት ንግዚኡ ናብ ብካልኦት ክተሳብበሉ ትኽእል። ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸሙ ዘለዉ ገባናት መንግስትኻ ግን ካልኦት ክሕመሉልካ ኣይኽእሉን ። “እዝን እዝን ኣጕዲልና ብከምዝን ከምትን ንጸግኖ፣ እዝን እትን ኣየዋጸኣናን እዩ፣ መንገድና ነስተኻኽል” ዝብል ዕቱብ ዘተ ክካየድ ኣይረኣኹን። ብኣንጻሩ፡ እቶም ንደገ ዝውሕዙ ዘለዉ መንእሰያት ከም ዘይተደለይትን “ሸሓኒ እንዳ’ማቶም ከልምጹ” ዝኸዱ ዘለዉን፣ ወጻኢ እንዳ “መዓርን ጠስምን” መሲልዎም ሀጽ ዝብሉ ከምዘለዉን እዩ ክጋዋሕ እንሰምዖ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ቀደም ዝኽርታት እንዳ ኣለዓዓለ ድቃስ ከሊኡኒ። ኣብ እዋን ሻድሻይ ወራር፡ ብ1982፡ ካብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ስዉእ ዑስማን ካካይ ሓንቲ ደብዳበ ሰዲዱልካ ነይሩ። ኣብ ጥግሕ ዝበሃል ከባቢ ዔላ ጻዕዳ ዓሪድና ነይርና። ሓንቲ መዓልቲ ሓደ ንደጀን ዝኸይድ ሰብ ረኺብናስ፡ ኣነ ደሓን ዝኾነት ናይ ዕርክነት ደብዳበ ጽሒፈልካ፡ ዑስማን ግን “Keep your molecules and your democracy in your pocket.” ኢሉ ጽሒፉ ምስ ወደአ፡ ኣነ ንምንታይ ከምኡ ኢልካ ትጽሕፍ ኢለ ተቐዪመሉ። ንሱ ኢሉ “እዚ ግዜ ትምህርትን ፖለቲካ ኣይኮነን። ወተሃደር እየ። ኤርትራ ናጻ ምውጻእ ክኸውን ኣለዎ ቀዳማይ ዕማመይ። ንጽባሕ፡ ደሞክራሲ’ዶ መንግስቲ ዝብሉ ኣብ ደጀን እኹላት ሰባት ኣለዉና። እቶም ናይ ኣእምሮ ኣብ ደጀን ኣለዉ። ዓድና ከኣ ሊቓውንቲ ኣይሰኣነትን” ኢሉኒ። እታ ደብዳበ በጺሓትካ እያ። ደሓር እውን ክንራኸብ ከሎና ንስሕቐላ ነይርና። ዑስማን ናጻ ኤርትራ ክርኢ ኣይበቕዐን። ከም ትፈልጦ ብ1988 ኣብ ሮራ መንሳዕ ተሰዊኡ። ዑስማን ኣብነት ናይቲ ተጋዳላይ ተስፋንኪኤል ገራህቱ ዝኸስኸሶም ምዑታት ክኸውን እንከሎ፡ እዞም ሎሚ ብኣእላፍ መጻወቲ ጨካናት ደላሎ ዝኾኑ ዘለዉ፡ እዞም ንሃገሮም ዘይኮነስ ንነብሶም እውን ክኸላኸሉ ዘይከኣሉ ዘለዉ መንእሰያት ናጻ ኤርትራ ድማ ፍርያት ኣምባሳደር ተስፋንኪኤል ገራህቱ እዮም። ይረኣየካ ‘ዶ ኣሎ እቲ ፍልልይ? ኤርትራዊ ኤርትራዊ እዩ ወዲ ገራህቱ። ኣይተቐየረን። እቲ ናይ ቐደም መንእሰይ፡ ብሕራነኡን ድርቕንኡን ብተበግሶን ርእሰተኣማንነትን ዝልለ ዝነበረ ዕላማ ስለዝነበሮ እዩ። ንጭኮናን ዓመጽን ገዛእቲ ቐንጢጡ ሓንቲ ህዝባ ዝውንና፡ ስርዓትን ሕግን ዝነገሳን ተስፋ ዝዓሰላን ሃገር ከረጋግጽ ኣንቂዱ ዝተበገሰ እዩ ነይሩ። እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ግን እቲ ጩራ ተስፋ ተነፊግዎ። ኣብ ምምዕባልን ትምህርታዊ ትሕዝቶን ኣመሃህራን ናይ ክልቲኡ ወለዶታት ተሳቲፍካ ጥራይ ዘይኮነስ ማእከላዊ ቦታ ነይሩካ። እቲ ተጋዳላይ ተስፋንኪኤልን ምዑታት ብጾቱ ዘፍረዮ መንእሰይ ቐደም፡ ንመስዋእቲ ዝቐዳደምን ብትሩን ኒሑን ዝልለን ብጸቕጥን ታህዲድን ዘይጸዓድ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሓቒ ናይ ምድራቑ “ደረቓት ፊተውራሪ” ዝበሃል ዝነበረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዳይረክተር ጀነራል ካሩክለም ትምህርቲ/ሕጂ ኣምባሳደር ተስፋንኪኤል ገራህቱ ዘፍረዮ መንእሰይ ግን፡ ብጭፍለቓ ካድረታት ህግድፍን ኣዘዝቲ ሰራዊቶምን ዝባህረረን፡ ካብ ረመጽ ህግድፍ ናብ ቓልቓል ዝብል ምድረ-ገሀነብ ሲናይን፡ በረኻታት ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ዘምርሕ ዘየቛርጽ ዋሕዚ ኮይኑ ኣሎ። እንታይ ረኺቡና ወዲ ገራህቱ?

4.     ብልክዕ፡ ኤርትራ ካብቲ ንኣከባቢና ዘጋጥሞ ዘሎ ዕድላት ዕብየት ኣዝያ ንድሕሪት ተሪፋ ኣላ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዝገደደ ድማ፡ ኣንፈት ምረሸኣ ንድሕሪት፡ እንዴትሮ እያ ትጓዓዝ ዘላ። ብሰንኪ እቶም ኒሕ ዘይፍለዮም ደቃ፡ ምስ ኩሉ መሰናኽላት ኢዳ ኣይሃበትን። ግን እናዓበረትን እናተረመሰትን እያ። እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቑጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ ብደሆታት ቀለልቲ ኣይኮኑን። እቲ ጸገም፡ ኩሉ ሕመቕና ንካልኦት ለጢጥናስ “ደም ተሓለብ” ዝብለና እንተንረክብ ከ! ስለ’ዚ፡ ግዜ ፍርዱ ይህብ ኣሎ። ሃገርና ትምረሓሉ ዝጸንሓት ጎደና፡ ጎደና ዕንወት ከምዝኾነ ኣዚኻ ትፈልጥ ኢኻ። ካብዚ ሒዝካዮ ዘለኻ ስልጣን ትረኽቦ ረብሓ ከምዘይብልካ እፈልጥ እየ። ካብ ትፈትዋ ኣለም ተረሓሒቕካ፡ ነተን እንፈልጠን ደሞዝ ክንድዚ ክትግዛእ ከምዘይትኽእል እፈልጥ እየ። ግዜ ክትውከስን፡ ኣውያት ደለይቲ ፍትሒ ክትሰምዕን እምሕጸነካ።

5.     ዝበዝሕ ኤርትራዊ ኣብ ዓድና ፍትሒ ክነግስን ሂወት ናብ ንቡራ ክትምለስን እዩ ዝደሊ። ካብ ተመክሮይ ከምዝረኣኽዎ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ጸላእቲ ኤርትራ እትብሎም ሰባት፡ ብዘይካ ሰናይ ኤርትራ ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ የብሎምን። መንግስቲ ኤርትራ ሰናይ መገዲ እንተዝመርጽ፡ ልኡላውነት ናይ ህዝቢ ምኻኑ እንተዘረጋግጽ፡ እቶም “መንድስቲ ክግምጥሉ ይደልዩ” ኢልካ እትኸሶም ወገናት ጸግዖም ምሓዙ። ምኽንያቱ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ወሳኒ ህዝቢ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ሜላ ግን ህዝቢ ናብ ጎነጽን ጥሩፍነትን ከም ዘብል እዩ ዝገብር። ምኽንያቱ ንጨፍላቕን መላኽን መንግስቱ ክንድ’ዚ ዕድል ዝሃበ ህዝብታት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም።

6.     ልኡላውነት ሃገር ክትደጋገም እሰምዕ እየ። ብሰንኪ ምስምስ ልኡላውነት ሃገር ደቂ ኤርትራ ክኸላበቱን ክሓስሩን እንክርኢ “እንታይ እዩ እዚ ናይ ልኡላውነት ነገር” ክብልን ርእሰይ ክሓክኽን ጸኒሐ። ኣምባሳደር ወዲ ገራህቱ፡ ኩልና ከምእንፈልጦ፡ ልኡላውነት ሃገርና ክንክልልን፡ ርእሳ ዝኸእለት ኣሃዱ ኮይና ክትቐውምን ብዙሕ ሃላኽ ኣሕሊፍና ኢና። ምንትኡ ትፈትዎም ብጾትካ ከፊልካ ኢኻ። ምእንቲ ምርግጋጽ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ትፈትዎ ጅግና ሓውኻ ተቐጥቒጡ ምስጢር መታን ከየውጽእ ብከኒና ሰያናይድ ሂወቱ ኣሕሊፉ እዩ። ዕላማ ልኡላውነትን ዶባትን ግን ኣብ ውሽጣ ርግኣት ዝዓሰላ ሃገር፡ ልኡላዊ ህዝቢ ዝነብረላ ኤርትራ ትበሃል ስድራ-ቤት ክንምስርት እዩ ነይሩ እምበር መቐጥቐጥን መዐፈንን ህዝባ ዝኸውን መካበብያ ወይ ዘሪባ ክንነድቕ ኣይኮነን። ሃገር ምስ መሬታን መንግስታን ህዝባን መማዕበልን መመሓየሽን ሂወት ነበርታን እንተኾነት እምበር፡ ዜጋታታ ዝጭፍለቑሉን ዝዳጐኑሉን ግቢ እንተኾነት እንታይ ጥቕሚ ኣለዋ? እቲ ኤርትራውያን ዝወሰድዎ ሃገር ናይ ምምስራትን ዶባታ ናይ ምክላልን ሕርያ ንብልጽግነኦም ደኣ እዩ ነይሩ እምበር፡ ከምዚ እንርእዮ ብዘይፍትሒ ዝጎሳቖሉሉ ክሉል መሬት ንምምስራት ኣይኮነን። ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ዓድና ልኡላዊት እትኸውን ብምክላል ዶባትን ምንብልባል ባንዴራን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህዝባ ልኡላውነት ምስ ዝጭብጥን ዝለብስን፡ ባዕሉ ዝሰርሕ መንግስቲ ምስ ዝሽይምን ዝባርኽን፡ ነቲ ዘይሰርሕን ገስረጥ ዝኾነን መንግስቲ ድማ ምስዘባርር እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ከመይ ዝበለ ጅግናን ምቕሉልን ህዝቢ ኣብ ቅድመና ይበታተን ኣሎ። ከመይ ዝበለት ሃገር እናሓደረት ትድነስ ኣላ። ሰማይ ዓሪጉ ዝነበረ ተስፈኣ ይበንን ኣሎ። ሓይልን ተበግሶን ናይቶም ሓዊ-ሓዊ ዝሽትቱን ትስፉዋትን ዝነበሩ መንእሰያት ዘመነ-ቓልሲ (ገባሩ ይኹን ተጋዳላዩ) ከበርክትዎ ዝግባእ ኣስተዋጽኦ ብዝግባእ ኣይተመዝመዘን። ኩነታት ናይቶም ናይ ሎሚ መንእሰያትና ድማ ኩልና ንፈልጦ ኢና። እሞ እንታይ ይገበር? “ንኺድ ጥራይ” የዋጽእ ድዩ? ዘመነ “ግዝኣተ-እመኑና” ከ ክሳብ መዓስ እዩ ክቕጽል? እቲ ወጥሪ ዝያዳ እናኸረረ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ለይቲ እውን እና ነውሐ እዩ። በዚ ሃገርና ተታሒዛቶ ዝጸንሐት ኣካይዳ እንተቐጺልና፡ እቲ ጸላም ክኸብድ እዩ። ኣቲ ለይቲ እውን ክምጠጥ እዩ፡ እቲ ወጋሕታ እናረሓቐ እዩ ክኸይድ። እዚ ጅግና ህዝቢ’ዚ ኣዚ ክፍደ ኣይግበኦን። ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኢና ዘለና ወዲ-ገራህቱ። ንዘልኣለም ዝኸይድ ጥንሲ የለን። ሃገርና ክትሓርስ ኣለዋ። ህዝብና ቅሩብ ክርህዎ ኣለዎ። ዋና ዋኒኑ ክኸውን ኣሎዎ። እንተ ብትሕም-ትሕም እንተ ብዓውታ “ከምዚ ርኢና ኣይንፈልጥን” ይብል ኣሎ። ኣቓልቦኡ ናብ ወጻኢ፡ ተስፍኡ ከኣ ካብ ትጽቢት ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ መቕርቡ ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራ ሃገርና በረውረው ከይትብል ንሰግእ ኣሎና። ጉልበት ዘለዎ ብእግሩ ይሃድመላ ኣሎ። እቲ ጉልበት ወይ ዕድል ዘይረኸበ ድማ ብሓሳቡ ሃሙን ይዕዘር ኣሎ። ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ብነብስኻ ናይ ምጥርጣርን፡ ትሑት-ስምዒትን፡ ምንቑልቛል ርእሰ-ምትእምማንን ኣዝዩ ዘጕሂ እዩ። ጠንቁ ድማ ብመንግስትኻ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ረገጻን ጭፍለቓን እዩ። ስለ’ዚ፡ ኣክንዲ ምስቶም ኣብ ጉዳያትና ንኸኣትዉ መንግስትኻ ባዕሉ ባብ ዘርሓወሎም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምፍጣጥን ምትህልላኽን፡ ሓንሳብ ሕሰብ። ንመን ኢኻ ተጋዲልካ? ንህዝብኻ ዲኻ ተጋዲልካ ወይስ ንድሕነትን ህላወን ሓደ ገባትን ረጋጽን ስርዓት? እቲ መልሲ ንዓኻ እገድፎ። ግን ዘረባ መምህር ኣልጋነሽ ዘክር። ግዜ ዳኛ እዩ። ግዜ መወከሲ እዩ።

ሓውኻ ማሕሙድ ሳልሕ

ናብ ክቡር ኣምባሳደር ተስፋንኪኤል ገራህቱ ..ዘረባ መምህር ኣልጋነሽ ዘክር። ካብ ማሕሙድ ሳልሕ

ደምበ ተቓውሞ፡ ብደሆታቱን ዕድላቱን (1ይ ክፋል)

ደምበ ተቓውሞ፡ ብደሆታቱን ዕድላቱን (1ይ ክፋል)

ብማሕሙድ ሳልሕ

ብቀዳምነት፡ ብምኽንያት ኢዮበላዊ በዓል ናጽነት ኤርትራ ንኹሉ ኤርትራውን ፈትው ኤርትራን ዮሃና ክብል እደሊ። ኤርትራውያን፡ እንኮላይ ዝበዝሑ ተቓወምቲ ህግድፍ፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምን ዝገብርዎ ዘለዉ ዉዕዉዕ ኣበዓዕላ መልእኽቲ ኣለዎ። ደጋጊሙ፡ ኤርትራውያን ልዕሊ ፖለቲካኛታቶም ዝበሰሉ ምዃኖም ዝሕብር ምልክት እዩ። ፖለቲካኛታት ኤርትራ ቅሩብ ልቢ እንተዘዕብዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብድሕነት ሃገሩን ሓድነቱን ኣዝዩ ዝግደስ ምዃኑ ንጹር ኮይኑ ኣሎ። እቶም ሃገራዊ ስምዒት ኤርትራውያን ቅሂሙ እዩ ዝበሉ ዕለተ-ናጽነት ሕማቕ ወረ ሒዛ መጺኣቶም። ነቶም መርበባት ማሕበራዊ-መራኸቢታትን ተጠቒሞም ብጸላምን ክውልውልን፡ “ኤርትራ ካብ ወለዶ ገድሊ ዘይትሓልፍ እያ። እዚ ወለዶ እዚ ምስ ሓለፈ ኤርትራ ሻቡ ናብ ኣደኣ ክትምለስ እያ” ክብሉን ንስማእታትና ክዝልፉን፡ ነቲ ዘሕብን ጉዕዞ ሓርነታዊ ተጋድሎና ከናሽዉ  ክውዕሉን ክሓድሩን ዝጸንሑ ውልቀሰባት፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓደን ዘየዳግምን መልእኽቲ ሰዲድሎም ኣሎ። “መርዛምን ኣቛናጻብን ኣባኣኣስን ሕንዝኹም ኣብ ባሕረ-ሓሳብ ኤርትራውነት ተበሪዙስ ሓይልን ጨናን ስኢኑ ባኺኑ እዩ”  ይብሎም’ሎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ “ንኤትራ ብምኽርዳንን፡ ምዕባርን፡ ምቕታልን ዝመጽእ ለውጢ ሰበብ ኣለዎ” ዝብሎም ዘሎ ይመስል።

ኣብዘን ዝቕጽላ ተኻታተልቲ ጽሑፋት፡ ንኽልተ ዓመታት ኣብ መድረኽ ክትዓት (forums) ከልዕሎምን ከብስሎምን ዝጸናሕኩ ሓሳባት መዕለቢ ክገብረሎም እየ። ኣባል ዝኾነት ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮንኩን። ምኽንያት ድማ ኣለዎ። ኣንባባይ ካብ ጽሑፈይ ክርደኦ ከም ዝኽእል ርግጸኛ እየ። ደጋፊ ህግድፍን ኣይኮንኩን። ብመንጽሩ እውን ካብተን ንዓመታት ብስም ተቓውሞ ክእከባን ክፈናጥሓን ክራብሓን ዝጸንሓ ውድባት ትስሕበኒ ውድብ ተሳኢና።  ስለ’ስዚ፡ ንኩሉ ዝብሎ ንውልቃዊ መርገጸይ ዝውክል ይኸውን። ንሎሚ ዝቐርብ ቀዳማይ ክፋል መበገሲ ሓሳብ ወይ ባይታ ናይቲ ዝመጽእ ጽሑፋት ኮይኑ፡ ዝቕጽል ዓንቀጻት ተቓውሞ እንታይ ማለት እዩ? መን እዩ ደላይ ፍትሒ መን እዩ ከ ሰራሒ ወይ ኣራጋጋጺ ፍትሒ? ኣብ መንጎ ለውጥን መንግስቲ ምልዋጥን ዘሎ ፍልልያት እንታይ እዮም? ኣቃውማን ኣጃማምራን ናይዘን ብስም ፍትሕን ደሞክራስን ዘጎሳጉሳ ውድባት ብሓቂ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ትሕዝቶ ኣለወን ድዩ? ንምዃኑ ፍትሕን ደሞክራስን ፍትሕን ክንብል እንኮለና እንታይ ማለትና እዩ? ሓባራዊ መረዳእታ ኣሎና ድዩ?

ገለ ካብዘን ብደይቲ ፍትሒ ከም ቃንጥሻ ዝራብሓ ውድባትን ምትእኽኻባትን ውልቀሰባትን  ኣክንዲ ዝያዳ ነቲ ዘቀራርቦም ነገራት ዘጕልሑ፡  ነቲ ዝፈላልዮም ጉዳያት ከተዓባብዩን ነቓዓት ኣክንዲ ዝዓጽዉ መሊሱ ከም ዝጋፋሕ ክገብሩ ይረኣዩ። ታሪኽን ብሄራውን ማሕበራዊ ኣቃውማ ዝወለዶም ፍልልያትን ኣቑሳልን ዘሕዊ መገዲ ኣክንዲ  ዝኽተሉ ብኣንጻሩ ነቲ ኣብ ኩለን እተን ኣብዚ ሃገርና ዘላቶ ኩነት ዕብየት ዘለዋ ሃገራት ዘርእያኦ ክፍታሕ ዝኽእል ሕብረተሰባዊ ፍልልያት ኣጋኒኖም ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘሎ ተርእዮ ከምዝኾነ ኣምሲሎም ከም  መሳርሒ ጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓታት ክገብርዎ ይርከቡ።  እዘን ናይ ተቓውሞ ውድባት እዚአን፡ ሓላፍነት ክስከማን ከመሓድራን ዝኽእላ ምዃነን ኣክንዲ ዘርእያ፡ ሓላፍነት ዘይስመዐንን ካብ  ስራሕ ቖልዑ  ሓሊፈን መተካእታ መንግስቲ ክኾና ከምዝኽእላ ዘረድእ ስራሕ ዘየበርከታ ክንሰን፡ ብዛዕባ ምቕያር መንግስቲ ክልፍልፋ ካብ ዝጅምራ ዕድመ ኤርትራ ኮይንወን። ገሊአንስ ዕድመአን ካብ ዕድመ ኤርትራን ህግድፍን ይዓቢ። ኣብዘን ዝቕጽላ ዓንቀጻት፡ ነቐፌታዊ ርኢቶታት ክህብ እየ። ፖለቲከኛ ስለዘይኮንኩ ድማ እታ ሓንቲ ንዓይ እተገድሰኒ ኤርትራ ብኩሉ መዳያታ ንቕድሚት ክትምርሽ እዩ። ኣብ ኤርትራ መን ይገዝእ ኣሎ ንዓይ ኣየገድሰንን እዩ። ኣስማት ውድባት ትርጉም ኣይህበንን እዩ። እዚ ነቶም ፖለቲኻኛታት ይኽበዶም። ኣብዚ፡ ስምዒትን ሓዳሪ ቅርሕንትታትን ንሓንጎልና ወኒኑ ኣንፈትን  ዕላማን ብዘይብሉ ኣገባብ እንጋልበሉ ዘለና ግዜ፡ ዝሓለፍናዮ መድረኻት ብነቐፌታዊ መጉልሒ መነጸር ምርኣዮም ኣገዳሲ እዩ።

መበገሲ ሓሳብደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝበሃል ኣሎ ድዩ?

ደምበ መአከብን መዕረፍን ሰፈር እዩ። ሰብን እንስሳን ዕለታዊ ውራዮም ከሳልጡ ውፍር ውዒሎም ልዋም ለይቲ ክሓድሩ ዝምለስዎ ቦታ እዩ። ስድራቤታዊ ወይ ናይ ኣዕሩኽ ዕለታዊ ውዕሎታትን ተረኽቦታትንን ዝዝተየሉን፡ ነታ ትመጽእ መዓልቲ መደባት ዝወጸሉን እዩ። መን ናብ ዓጺድ ይኸይድ፡ መን ምስ ካብቲ ይወፍር፡ መን ናብታ ኣብ ጎዶቦ ዘላ ሕጸ ይርከብ፡ መን ከ ናብ እንዳ ሓዘን ናይቶም ብድንገት ዝዓረፉ ዓቢ ሰብኣይ ይኸይድ፡  ምስ መን ዕርቂ ክግበር እዩ፡ እንዳ መን ከ ናብ ቤት-ፍርዲ ክጉተቱ እዮም…ኮታስ ህዱእ ዘተ ዝካየደሉን፡ ምክብባር ዝዓሰሎ ሃዋሁ ዝረኣየሉን ሰፈር እዩ። ደምበ፡ ውልቃዊ መደባትካ ኣብ ውሽጢ መደባት ኣባላት ናይቲ ደምበ እትሰርዓሉ ቦታ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ደምበ እንተደኣ ሓዪሉ፡ እቲ ውልቀሰብ እውን ብኡ መጠን ይሕይል። ናብ ናይ ሓባር መደባት ምትኳር ሓባራውን ዘላቕን ዓወት የጓናጸፍ።

ዓወት ናይ ሓደ ደምበ ዓወት ኹሉ ኣባሉ እዩ፣ ንኹሉ የድርርን የሰውድን። ዓወት ውልቀ-ኣባል ግን በይናዊ እዩ። በዚ መሰረት፡ ብመገዲ ምግድዳዕን በለጽን ዝመጽእ ውልቃዊ ዓወት ሓባራዊ ዋንንነት ዘይብሉን፡ ኣድማዕነት ዘይብሉን ንኹሉ ‘ቲ ደምበ ዘይባጻሕን ብእዋኑ ዝበንን መሰረት-ኣልቦ ይኸውን። ኣብ ውልቃዊ ጥሙሕን ዝናን ዝምርኮስ መደብ ዕዮን ዘምጸኦ ውልቃዊ ዓወትን፡ ኣክንዲ ጠማርን ኣዋሃሃድን ዝኸውን ምጥርጣርን ቅርሕንትን ዝዘርእ ሕንዚ ኮይኑ ነቲ ደምበ ዝፍሕቑን ዝበልዕን ዝበታትን ይኸውን።

ብኣንጻሩ ግን፡ ሓባራዊ ሱታፌ ዘለዎ መደብ ዕዮ ኣብ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣባላት ናይቲ ደምበ ሓባራዊ ናይ ይብጸሓንን ይግበኣንን ኒሕን መንፈስን ስለዘበጋግስን ዝሃንጽን ኩሎም ዝምልከቶም ኣባላት ናይቲ ደምበ ነቲ ሓባራዊ ዓወታት ከሰስኑን ክዕቅቡን ብልቦም ይሰርሑ። ሓባራዊ ዕላማታት ይንጸሩ፣ ምትእምማን ይዓቢ፣ ምስቲ ሓባራዊ መደባት ዕዮ ብዘይገራጮ ድማ ውልቀ-ተበግሶታት ናህሮም የዛይዱ። ብሓባር ዝተተለሙን፡ ናብ ናይ ሓባር ዓወት ዘንቀዱን፡ ተሳተፍቲ ኣባላት ናይቲ ደምበ ብዝሃብዎ ርኢቶታታን ምምኽኻርን ዝዕመም መደባት ዕዮ ስለዝኾኑ፡ ውድቀት ናይዞም መደባት ዕዮ ውድቀት ኩሉ ኣባል እዩ፣ ዓወቶም ድማ ዓወት ኩሉ ኣባል እዩ። ስለ’ዚ፡ ውድቀቶም ዝምነ ኣይህሉን። ብዓይኒ በለጽን ቃጻን ዝርእዮም እንተሎ ኣዝዩ ውሑድን ብእዋኑ ዝቃላዕን ዝውገንን ይኸውን። በዚ ድማ እቲ ደምበ ይዓቢ። ጸኒሑ ናብ ዓቢ ዓዲ ይቕየር። ቀጺሉ ድማ ናብ ከተማ። እቲ ምረሻ ይቕጽል።

ብመገዲ ሰላምን እሂን-ምሂን ምምኽኻርን ኣኽብሮትን ምትእምማንን ምሉእ ሱታፌ ኣባላቶም ዝተሃንጹ ደምበታት ሎሚ ዓበይቲ ዓድታት ኮይኖም ኣለዉ። ብኣንጻሩ፡ ስኒት ዝጎደሎ ኣገባብን ጎነጽን ናይ ጭፍለቓን ዕብለላን  መንፈስን ዝሰፈሮም ደምበታት ከይተበገሱ ይብርዕኑ፣ ወይ ድማ ተበጊሶም ይህሞኹ። ውልቃዊ ምትፍናንን ምጥርጣርን ናብ ጥርዙ ደዪቡ፡ እቲ ደምበ  ብውዲታትን ቃጻን ሽፍትነትን ይህወኽ’ሞ ኣማስይኡ ገረውረው ኢሉ ነበረያ-ነበረ ይኸውን። እዚ መበገሲ ሓሳብ’ዚ ናብታ ቀንዲ ነጥበይ የሰጋግረኒ።

ነደምበ ትብል ኣምር ከሰላስል ከለኹ፡ ኣንባባይ ነቲ ኣብዚ መበገሲ ሓሳብ ዝጥቀሱ ሓሳባት ምስቲ “ደምበ ፍትሒ” ወይ “ደምበ ተቓውሞ” ተባሂሉ ዝዝረበሉ፡ ደረቱን ቅርጹን ዘይፍለጥ ኣብ ሓንጎልና ጥራይ ዘሎ ረቂቕ ኣምር (abstract concept) ከዛምዶም እሓትት። ምኽንያቱ ተቓውሞን ደምበ ተቓውሞ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣምራት እዮም። ተቓውሞ ኣካል ሰውነትናን ምስ ሂወትን መንፈስን  ነብሰወከፍናን ጥቡቕ ህልውና ኣለዎ። ኣካል ህላዌ ወዲሰብ እዩ። ሓቂ እንተሎ ሓሶ ኣሎ። ምስምማዕ እንተሎ ምቅዋም ኣሎ። ደገፍቲ ካብ ሃለዉ ተቓወምቲ ክህልዉ ናይ ግድን እዩ። ሂወትና   በዞም ተጻረርቲ ዝቖመት እያ። ዘሰሓሕበናን ደም ዘሳሕናናን ግርጭት ስለዘሎ እዩ ምግምማዕን ናይ ዕርቂ ውዕላትን ውግኣትን ዘሎ- ግርጭት ናይ ኣንጻራት። ሓሳባትን ኣመለኻኽታን እንዳተጋጨዉ ሓድሽ ክውንነት ይፈጥሩ። እዚ ሓደ ወገን ዘይውንኖ ባህርያዊ ትዕድልቲ እዩ። ከም ረቂቕ ኣምር፡ ተቓውሞ ኩሉ ዝውንኖ ክኸውን እንከሎ፡ ደምበ ተቓውሞ ወይ ተቓዋማይ ውድብ ወይ ሰልፊ ግን ናይ ተግባር መኣንፈትን መሳርሕን (ኣልያ/action oriented means or mechanism) ኮይኑ እቶም ዘቑሙዎ ይውንንዎ።

ኩሉ ፍትሒ ዝምነን ዓመጽን ምልክን  ዝቃወም ደላይ ፍትሒ እዩ። ፍትሒ ዘተግብሩ ወይ ፍትሒ ዝረጋገጸሉ ሕ/ሰብ ወይ ኩነት ዝፈጥሩ ግን እቶም  ብግብርን ንተግባርን ዝተወደቡ ሰባት እዮም። ደምበ ንበሎም ውድብ ወይ ሰልፊ፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ እቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ነገር ረቂቕ ኣምር ዘይኮነስ ነቲ ረቂቕ ኣምር ክዉን ንምግባር ዝግበር ውደባ ወይ ስራሕ እዩ። ስለ’ዚ ግብራውን ተግባራውን ውድብ ወይ ደምበ ብተግባሩ ይህሉን ይነብርን ማለት እዩ። ዝሰርሕ እንተኾይኑ ይዕምብብ፡ ሰዓብቲ የጥሪ፡ ሚዛኑ እንዳኸበደ ስለዝኸይድ ድማ ነዊሕ ከይገበረ ምስ ተቓናቓኒኡ ኣብ ጃላነት በጺሑስ ሚዛን ሓይሊ ናብኡ ከም ዝዛዚ ይገብር። እቲ ተቓናቓኒ እውብ ዓዲ-ውዒል ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ንህላዌኡ ከናውሕ ክረባረብ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ጉዳይ  ብመን ዝያዳ ልቢ ህዝቢ ኸሲቡ ይፍታሕ። እቲ ዝያዳ ሃንቀውታ ህዝቢ ዘዳመጸን፡ መደባት ስርሑ ምስ ትጽቢት ናይቲ ህዝቢ ዝላዘብን ትርግታ ልቡ ምስ ትርግታ ህዝቢ ዝተሳነየን ረምታኡ ምስ ረምታ ህዝቢ ዝሰመረን እዩ ዝዕወት። እዚ ክኸውን እቲ ደምበ ደሙ እንዳሓጸበን፡ ሓንጎሉ እንዳሰሓለን ሓይሉ እንድ ኣጎልበተን ምስ ዝስጉም እዩ።

ነብሰወከፍ ወርሕን ዓመትን ካብተን ዝሓለፋ ዝበረኸት ምስ እትከውን ጉዕዞኡ ብእወታ ክልካዕ ይኽእል። እንተዘይኾይኑ ግን ብሸንኮለል ይፍለጥ። ተስፋ ዘንበሩሉ ይርብርቡ። ካልእ ኣማራጺ ኣብ ምንዳይ የተኩሩ። ምኽንያቱ፡ ሓደ ውድብ ወይ ደምበ መሳርሒ እዩ’ምበር፡ እቲ ህላዌኡ ጥራይ ከም ናይ መጨረሽታ ዕላማ ክውሰድ ኣይክእልን። ፖለቲካውያን ውድባት ብጹኣን ማሕበራት ጸሎት (መሳጊድ ወይ ኣብያተ-ክርስትያናት) ኣይኮናን። ነቲ ትጽቢት ዝተነብረሉን ንሰን ዝተመባጻዓኦ ፖለቲካዊ ሽቶ ከምጸኣ ድሌት ወይ ዓቕሚ ዘይብለን ምስ ዝረጋገጽ ወይ ድማ ንምጉልባተን ዝግበር ጻውዒታትን ፈተነታትን ጸማም እዝኒ ምስ ዝህባ፡ ህዝቢ ናብ ካልእ ኣማራጺ ከማዕዱ፡ ትጽቢታቱ ዳግም ክቓንን ባሃርያዊ እዩ።

ደምበታት ወ ውድባት መታን ክዕወቱ፡ ንውሽጣዊ ግርጭታቶም ብሰላም ከዕርፉን ናብ ኩሉ ዝረብሓሉ መእዝን (win-win) ከቕንዑ ዝኽእሉ ብውሑዱ ዓቕሚ/ፍልጠትን  ንዝበዝሑ ኣባላቱ ዘካትትን ዘርብሕን ራእይ ዘለዎምን ነቲ ራእይ ተግባራዊ ከምዝኸውን ዘተንብህ ትልሚ ዝሕንጽጹን ዘረድኡን ንነገራት ብበትሪ ሓቒ ዝመትሩን ተበዓት መራሕቲ የድልዩዎም። እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዝመጽእ ጽሑፈይ ክምለሶ እየ። ንሕጂ ግን ቅሩብ ነዛ ደምበ ትብል ኣምር ክድምድም።

ኣብ ላዕሊ ከም መበገሲ ዝወሰድክዎ፡ እቲ ብልማድ ደምበ ንብሎ ቦታ ወይ ሰፈር እዩ። እዚ ደረቱ እንዳ ተነጸረ ዝኸይድ ሰፈር፡ ብቦታ ጥራይ ኣይኮነን ዝልለ። እቲ ደረት ወይ ዶብ ዝሓቝፎ ካልእ ስነኣእምሮእዊ፡ ባህላዊ፡ ወሲባዊ፡ ማሕበራውን ሕጋውን ውህደት ይፈጥር። ስለ’ዚ፡ ደምበታት ናናቶም ዝልለየሉሉ ሕጋጋትን ካልእ ነቶም ኣኪቦሞሞም ዝርከቡ ኣባላት ካብ ካልኦት ኣባላት ዝፈልዮም ጠባያትን መዓልታዊ ርኽኽብን ዝምድናታትን ይፈጥሩ። ብሓጺሩ ኣባላት ናይ ሓደ ደምበ ካብቲ ካልእ ደምበ ዝፈልዮም ምኽንያት ነይርዎም ማለት እዩ። እቲ ደምበ ብምድኳኑ ድማ እቶም ፍሉያት ጠባያትን ጉዳያትን እንዳተነጸሩን እንዳ ተፈልዩን ይመጽኡ። ብኡ መጠን ድማ እቲ ደምበ ይዓብን ይዕምብብን ይፈርን።

ብኣንጻሩ፡ እቲ ዘቖሞም ምኽንያታት ግሉሓት ዘይኮኑን፡ ብውልቀ ደረጃ  ካብቲ ነንሕድሕዶም ዘተኣሳስሮም ምስ ጎደበኦም ዘራኽቦም ዝበዝሕ  እንተኮይኑ ግን እቲ ደምበ  ሓድነት ሓሳብን ተግባርን ይጎድሎ። ኣባላቱ መምስዝነፈሰ ንፋስ ይነፍሱ፣ መምስዝጎበዘን ዝሓየለን ጎረቤት ይኸዱ። ምኽንያኡ ካብቲ ምስቶም “ኣባላቶም” ዘራኽቦም ጉዳያት መምስጎረቤቶም ዘለዉ ደምበታት ዘራኽቦም ነገራት ስለዝበዝሑ። ናይ መንንነትን ቅልውላው ኣሎ ማለት እዩ።

ደምበታት ይድኮኑን ይፈርሱን እዮም። ዝበዝሕ ግዜ ኣቲ ኣብ ደምበ ዝጥርንፎም ዝነበረ ምኽንያት በብግዚኡ ምስ ዝሽርመም፡ ናይ በይናዊ ህላዌ ምኽንያት ይስእኑ’ሞ ከምታ በብቐስ ዝተኣካኸቡን ዝተጣየሱን ድማ በብቕርስ ይፈርሱ። ደምበታት ከምዝነበሩ ዛንታኦምን ዑናኦምን ጥራይ ከም ምስክር ይተርፉ። ምኽንያት መብረሲኦም ውሽጣዊ ወይ ግዳማዊ ክኸውን ይኽእል።  እቶም ውሽጣውያን ብደሆታት ኣብ ኣግኦምን ብግቡእን እንተዘይተፈቲሖም እቶም ዝያዳ ሃሰይትን ንምብትታን ዝያዳ ምኽንያትን ዝኾኑን እዮም። ጥዑይ ውሽጣዊ ሕጋጋትን ፍትሓዊ ኣመሓድራን ኣሳታፊ ሃዋሁ ምስ ዝህልዎም ውሽጣዊ ግርጭታቶም ብኣግኡን ብግቡእን ክፈትሑን ካብ ውድቀት ክድሕኑን ይኻሉ እዮም።

እንሓንሳብ ካብ ወጻኢ ዝመጽኦም ወራርን ራስያን ሽፍትነትን መታን ክብድሁ ነኣሽቱ ጎረባብቲ ደምበታት ብዝሖምን ሓይሎምን የሕብሩ’ሞ ሓደ ገዚፍ ደምበ የቑሙ። ሓድነት ይፈጥሩ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ንገዘፍቲ ጸላእቶም በብሓደ ገጢሞም ኣክንዲ ዝጠፍኡ፡ ንኡስ ዓቕምታቶም የሕብሩ። ንሓደ ጽሕጎ ክትብንጥሶ ቀሊል እዩ። ብዙሓት ጽሕጎታት ሓቢሮም ግን ሓደ ክብተኽ ዘይክእል ገመድ ይፈጥሩ። ኣብዚ ናይ ምሕባር መስርሕ ብዙሓት ነገራት ክለዓሉ ይኽእሉ። እቲ ሓደ ደምበ ኣበይ እዩ ዝቐውም (ኣየናዮም እዩ ነቶም ካልኦት ወኪሉ ዝድኰን?)፡ መን እዩ እቲ ሓድሽ ገጽ ወይ ሓላፊ ናይቲ ሓድሽ ምትእኽኻብ? እቲ ብውልቆም ከለዉ መምስ ጎራባብቶም ዝነበሮም ስምምዕን ውዕላትን ካልእ ጉዳያትን ብከመይ ይድቅስ? እቲ ሓድሽ ደምበ ዝህቦ ረብሓታት ብውልቀ ደረጃ ብከመይ ይባጽሖም? እቲ ዝቐውም ሓድሽ ደምበ ከ መጻኢ ዕቤቱ ናበይ እዩ (ናይ ዕቤት ስትራተጅኡ ወይ ፕላኑ ከመይ ይመስል)? እቲ በብውልቖም እንከለዉ ዝነበሮም ናይ ነዊሕ መደባት ብከመይ እዮም ናብዚ ሓድስ ናይ ሓባር መደባት ይካተቱ…?

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሕቶታት ፍልጠትን ተመክሮን ልቦናን ዘለዎም ተዛተይቲ የድልዮም። ምክብባር የድሊ። ምግድዳዕ ወይ ምጥልላም ዘይኮነስ ውልቃዊ ጉዳያት ብመጠኑ ጸቒጦም ናብ ናይ ሓባር ረብሓን ዝቛምቱ መራሕቲ የድልዮም። ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ቅርዑንን ሕማቕ ተመክሮን ጎስዮም ናብ ብሩህ መጻኢ ዝጥምቱ ላባማት የድልዩ። ብውልቀ-ደምበ ቀጺሎም ካብ ብጸላእቶምን መወዳድርቶምን ዝወሓጡ ምስቶም ዝያዳ ንዕኦም ዝመስሉ ሓቢሮም እንተነበሩ ዝያዳ ከምዝኸስቡ ነቶም ዘይተረደኦም ኣባላቶም ዘምህሩን ንጉዳያት ብበትሪ ሓቂ ዝመትሩን ተባዓትን ራእይ ዘለዎምን ንናይ ሓባር ዓወት ዝተዓጥቑን ዝተወፈዩን መራሕቲ የድልዩ።

The State Of Eritrean Opposition

Mahmud Saleh replies to Abdulrazig
I know I will disappoint some friends, but they know what I will mean; and it’s consistent with what I have been saying.
Firstly, I want to tell you that you came very close to my views. I have been saying similar opinions in the past two years.
1. While many argued that Eritrean stiffness resilience and militaristic culture must be broken, I argued that those qualities could also be used for catalyzing change.
2. While many mocked and downplayed Eritrea’s epic and heroic journey to independence, I argued those records belong to Eritreans; few of us underlined that all the good achievements belong to Eritreans and all bad stuff belongs to the party ruling Eritrea, because it’s ruling without any actual mandate bestowed upon it. We argued that we should not leave those positive traits to be celebrated by and associated with PFDJ; we should not have PFDJ own Eritreans’ heroic history. My debaters assumed the known TPLF position that belittles and negates Eritreans epic contributions to the independence of their country and to the demise of Durg from power in Ethiopia. They defended Ethiopian policies more than they promoted Eritrean interests. The result is clear. While PFDJ is able to rally Eritreans in Eritrea and across the globe, the organized political opposition is in a disarray; it could not even hold itself tight let alone to see it standing to be the alternative to the current regime.
3. I argued that the realistic and ideal change will and should come from inside. I pushed the idea that the Diaspora should play it smart; it could not impose a change on Eritreans, but it could play a catalyst agent by coordinating its efforts with domestic forces. I called that it should focus more on things it could realistically do: advocacy, media….I actually repeated the term catalyst so many times, at the end I stopped talking about the political organizations,
4. Many a time I came into confrontations with individuals I respect because of issues related to the separation of Eritrea as a state and PFDJ as the ruling organ. I famously said we should not strangulate Eritrea in order to get rid of IA. I said we should not use a kitchen knife in order to excise out PFDJ.
5. I fiercely defended Eritrean ghedli, and for that I was called names by some misinformed and confused debaters.
6. Western ideas of libertarianism such as the views pertaining to the role of government vis-à-vis citizen and economy could not be copied and applied in countries such as Eritrea.
6. Regarding foreign relations: I argued that when Eritrea expands its orbits of influence, when it engages the international community:
a/ it accelerates domestic change
b/ Expansionist Ethiopian regimes could realize that their encirclement is futile, Eritrea could survive without them; and that they should come to their senses and solve the border problem the way they signed it.
Coming to your point:
I believe you missed the primary reasons as to why the political organizations are not making progress.
1. They lack the essence of what they profess. They profess they are for justice and democracy yet they fail to exhibit those qualities in solving their own problems. Eritrea has been ready for change for decades now. But their origin goes back to the old politics of the 80s and 70s; the core organizations making up the opposition had already been in existence, long before Eritrea was independent. Therefore, for the core cadre of those core organizations, their reason of existence was not justice and democracy but fighting and punishing EPLF. With the independence of Eritrea, they made some cosmetic changes, but the core cadres and the movers and the shakers of those organizations remain to be those who had fought EPLF while EPLF was fighting Ethiopian occupational army. The politics of grudges and retribution has taken its toll. Eritreans are smarter than they appear to the gullible cadre of those organizations. Therefore, the main reason why they are not making headway in appealing to the public by registering progress in the areas of justice and democracy is because they were not created to achieve justice and democracy; they are poorly equipped to even entertain that idea. You need no more explanation. Their score card tells it all.
2. Another reason why they have been rendered useless is the fact that their position in many questions is almost the same with that of the Ethiopian regime. They were effective in advancing Ethiopian interests more than they could do their own let alone Eritrean interest. Eritreans have long stopped counting them, in part because of their squabbling and ever expanding self-multiplying, and in part because their stances are not distinguishable from that of the Ethiopian regime when it comes to Eritrean sovereign interests and other related questions.
New reality must begin. I know there are many dedicated Eritreans who are doing the best they could in order to instill life into these organizations, but I would confidently say it is fruitless. New direction, new motivation, and a vision based on Eritrean reality are needed.
PS: Happy Independence Day. It is one of the best show of Eritreanness. To the disappoint of few*, Eritrean flag is flying high by Eritreans, opposition and HGDF alike. We will all join today to celebrate our independence.
* They make you hate Eritrean flag; then they make you hate Eritrean struggle, then they make you hate Eritrean state, then Eritrean identity….they take away what makes you Eritrean layer by layer; you become naked; then they laugh at your naked being.

Defining The Eritrean Catalyst For Democratic Change

 

Paris, I’m mourning with you.

This first entry of my blog is dedicated to the brave people of Paris. You were assaulted and murdered while you were taking care of your daily chores, in your own land! Some of you were dining, some enjoying musical concerts, some attending a football match while others were minding their own business. You were living life as it should be lived. Alas, the terrorists abhor normal life. They denied it to the People of Iraq, Syria, Libya, Somalia, Yemen, Afghanistan….all Muslim countries.This is a reminder that we the citizens of the world should rally together against terrorists who have no religion or the feeling to humanity. Remember, the murderers started the carnage in their own people. Stick together, that’s what beats terrorists.