ወዲ ሕድሩ(II)
ካልኣይ ክፋል
ኣብ መስከረም 1976፡ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ክምስረት ከሎ፡ ክቕበሎም ዝጀመረ ተመሃሮ ኣብ ክልተ ክሊ ዕድመ እዮም ነይሮም። ኣዝዮም ነኣሹ (ንናይ ወለዶም ናብዮትን ፍቕርን ዝትክእ ኣተኣላልያ ዘድልዮም፡ ከምኡ እውን መዓልታዊ ምክትታልን ናይ ጽሬትን መግብን ሓገዝ ዘድልዮም፡ ብግምተይ ዕድሚኦም ክሳብ 11 ዓመት ዝነበረ)፡ ዓበይቲ ድማ (ካብ ብግምት 12 ክሳብ 16 ዓመት ኣቢሎም ዝኾኑ) ዝጥርነፉለን ኣሃዱታት ቆይመን፡ ብጋንታታት ወይ ምግብናታት ዝፍለጥ ውደበ ይፍለጣ ነይረን። ጸኒሑ ናይ ማእከሎት ምድብ (ብግምተይ 12-13 ዝነበሩሉ) ቆይሙ። ኣብቲ መጀመርታ- እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኣብ ዜሮ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት- እተን ጋንታታት፡ ብፍላይ ድማ ናይ ንኣሽቱ፡ ብኣስማት ሓለፍቲ ወይ “ኣደታቶም/ኣቦታቶም”ይጽወዓ ነይረን…እንዳ ዛይድ…እንዳ ኣበባ..ወዘተ። ነብሰወከፍ ጋንታ ድማ ናይ ገዛእ ርእሳ ምግብናን ኣለይትን ነይሮማ። ኣለይቲ ዝበሃላ ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝምደባ ተጋደልቲ እየን ነይረን። ስርሐን ድማ መግቢ ምቕራብ ነይሩ። ብዛዕባ ኣመሰራርታ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝምልከት ንዝያዳ ንባብ ነዚ መተሓሓዚ ጠውቕ። ቤት ትምህርቲ ሰውራ ብዙሓት ትጉሃትን ውፉያትን “ኣቦታት”ን “ኣደታት”ን ሓለፍትን መምሃራንን ዝፈረዩላን ዝተፈተኑላ ትካል እያ ነይራ። ዝቕጽል ጽሑፍ ምስ ስዉእ ሚኪኤል ሕድሩ ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ ኣብቲ ናይ ዓበይቲ ጉጅለ ዘተኮረ እዩ።
ቀዳማይ ሓላፊ ዓበይቲ ፊተውራሪ እሽማዒል መሓመድ (ወዲ መሓመድ) ይበሃል ነይሩ። ኣዝዩ ፍቱው ሰብ እዩ ነይሩ። ምስ ምምስራት ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ካብ ሓይልታት ተሳሒቡ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መዓልታዊ ምምሕዳር ተመሃሮ ዝነበሮ ሓላፍነት፡ ሓደ ካብቶም መስረትቲ ዘመናዊ ካሪክለም ትግረ እዩ ነይሩ። ቋንቋ ትግረ ብክልተ ኣእጋራ ደው ክትብል ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ዝተጻወተ እዩ ነይሩ። ኣብ ማእቶት ቀዳማይ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት (ምዝንጋዕን ጸወታታትን) ቀዳማይ፡ ብዕድመ እምበር ብጠባይ ዳርጋ ሓደ ካብቶም ፊተውራሪ ኮይኑ እዩ ንእንዳ ዓበይቲ መሪሕዋ። መነባብሮኡ ድማ ካብ ናይ ፊተውራሪ ሓለፋ ዘይነበሮ፡ ቤት ጽሕፈቱ ከይተረፈ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ባዕቲ ኮይኑ፡ ትምህርታዊ ማተርያላት ከዳሉ ምሉእ ለይቲ ምስ ሸምዓ ክቃለስ ሓዲሩ፡ ንጽባሒቱ ድቃስ ከይጸገበ ዝምህር ዝነበረ ኣብነታዊ ስዉእ ተጋዳላይ እዩ። ኣብ ፊተውራሪ ሓድነትን ሕውነትን ከስፋሕፍሕ፡ ፍቕሪ ሃገርን ስራሕን ክሓድር መሰረት ካብ ዘንበሩ እዩ ነይሩ ወዲ መሓመድ። ምስ ጉብዝና (adolescence) ዝመጽእ ጠባያት ኣብ ምርዳእን ምእላይን ጸገም ከም ዝነበሮ ሎሚ ምስ ዓበኹ ክረኣየኒ ይኽእል እዩ። ብዝተረፈ ኣዝዩ ፍቱው ኣላዪ ነይሩ። ወዲ መሓመድ ኣብ 1978 ናብ ቤት ትምህርቲ ካድር ምስ ከደ፡ ኣብቲ ጸላኢ ንግንባር ባጽዕ ዝሰበረሉ ውግኣት ምስ ብጾቱ ብጅግንነት ተሰዊኡ። ብዛዕባ ወዲ መሓመድ ኣብ ካልእ እዋን ርእሱ ዝኸኣለ ጽሑፍ ከቕርብ ክፍትን እየ።
መስዋእቲ እስማዒል መሓመድን ብጾቱን ምስ ተሰምዐ፡ ፊተውራሪ ዓሚቚ ሓዘን እዩ ሒዝዎም። ዳርጋ ንኹላ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝተንከፈ ዜና እዩ ነይሩ። መን እዩ ቦታ ወዲ መሓመድ ዝትክእ ዝብል ሕቶ ኣብ ሓንጎል ኩሉ ነበረ- ክሳብ ወዲ ሕድሩ ዝቕልቀል። ንወዲ ሕድሩ ክንቅበሎን ክንፈትዎን ግዜ ኣይወሰደልናን። ብሓቂ ድማ ቦታ ናይ’ቲ እንፈትዎ ወዲ መሓመድ ተኪኡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሓድጊ ወዲ መሓመድ ዝያዳ ኣሃብቲምዎን ኣበሪኽዎን እዩ።
ሚኪኤል ሕድሩ፡ ካብ ከም ዓቢ ሓላፊ ወይ “ኣቦ” ምዝካሩ፡ ዝያዳ ከም ዓቢ ኣያን ከም ዓቢ ዓርክን ከም ዓቢ መምህርን ምዝካሩ ይቀለና ነቶም ምስኡ ዝተጋደልና ሰባት። ብዙሓት ሓርበኛታት ተጋደልቲ ኣብ ታሪኽ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዘይሃስስ ኣሰር ገዲፎም ሓሊፎም እዮም- ሓለፍትን ኣለይትን መምሃራንን። ኩሎም ከዋኽብቲ’ኳ እንተኾኑ፡ ከዋኽብቲ እውን ብድምቀቶም ይፈላለዩ እንድዮም፡ ኣብ ህይወትና ጽልዋ ዘሕደሩ ሰባት እውን ብመጠን እቲ ኣብ ዝኽርና ዝሓደግዎ ኣሰር፡ ድምቀቶም ይፈላለ እዩ።
ዝበዝሕ እዋን ኣብ ህይወትና ዘይሃስስ ምስሊ ገዲፎም ዝሓልፉ ሰባት፡ በቲ ብኣሃዛት ዝልካዕ ጭቡጥ ኣበርክቶኦም ጥራይ ዘይኮነ በቲ ሰብኣዊ ባህርያቶም እዩ። ኣብቲ ሰባት ኣግሊሎምካን ግደ ጽምዋ ዝኾንካሉ ግዜ መን ቀሪቡ ከዕልለካን ሽግርካ ክፈልጥን ተወኪሱካ? ኣብቲ ዝደነንካሉን ዝሓዘንካሉ እዋን መን ኣጸናኒዑካ? ኣብቲ ዝጠመኻሉን ዝጸማእካሉን ግዜ መን እዩ ንነብሱ ወጺዑ “እንካ” ዝበለካ? ኣብቲ ብቁሪ ዝተቐለጥካሉ መን እዩ ኣንሶልኡ ገፊፉ ዝኸደነካ፡ ኣብቲ ብጸላኢ ተኸቢብካ ኣብ ቀውጢ ዝኣተኻሉ መን እዩ መሪሕ ኮይኑ መዋጽኦ ክትረክብ ልዕሊ ብጾቱ ላዕልን ታሕትን ዝበለን “ኣጆኹም” ዝበለካን? መን እዩ ነቲ ተስፋ ዝፈታትን ህይወት መቐረት ክህልዎ መደባት ዘውጽእን ኣበርክቶታትን ዝገብር? መን እዩ ኣሃዱኣዊ ስኒት ክህሉ ዝጽዕር፡ ብስምዒታዊ ድፍኢታት ከይተሰነፍካ ንነዊሕ ክትጥምት ዝምዕደካ፡ ኣብ ደረጃኻ ወሪዱ፡ ከም መሓዛ ዝምዕደካ—ወዘተ። ሚኪኤል ሕድሩ፡ ክሳብ ኣብታ ናይ መወዳእታ ህሞት ናይ ህይወቱ፡ ሞት ብኹሉ ሸነካት ከቢባቶ እንከላ እውን ከይተረፈ፡ ንኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ባህርያት ዘማልአ ሰብ እዩ። ብዛዕባ ኣሰዋውኣ ሚኪኤል ሕድሩ ንዝምልከት፡ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ብተመሃራዩ ዝነበረ ፍጹም ተስፋማርርያም ረባዕ ኣብታ ” ካብ ቅያታት ፊተውራሪ” እትብል መጽሓፉ ዘስፈሮ ብምልኡ ክልቅቦ እየ። ብተወሳኺ፡ ካብታ ሰንኪሉ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝመጸላ 1978፡ ክሳብ እታ ዝተሰወኣላ 1983፡ ገለ ንሚኪኤል ሕድሩ ዝምልከት ካብ ዝክርታተይን፡ ንሚኪኤል ዝፈልጡ ዝኽርታት ብጾተይን ከካፍል እየ። ኣብ ሳልሳይ ክፋል የራኽበና።