Categories
Uncategorized

ሓድሽ ምዕባለታት ኩነታት ኢትዮጵያ

ካልኣይ ክፋል ወዲ ሕድሩ ተዳልዩ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኩነታት ብቕልጡፍ ክቀያየር ርኢናዮ ኣለና። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ንካልኣይ ክፋል ወዲ ሕድሩ ግቡእ ኣቃልቦ መታን ክረክብ፡ ኩነታት ክሳብ ዝሃድእ ከጽነሖ መሪጸ ኣለኹ። ንሎሚ ግን ብዛዕባ እዚ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለ ቅሩብ ክብል።

ብመሰረቱ፡ ኢትዮጵያ ጥዕና ስኢና ጸኒሓ፡ ሕጂ እሞ ናብ ከቢድ ፈተና ተደቕዲቓ ኣላ።
1- ኣብ ክልል ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ረጽሚ ብዝምልከት፡ ኣተሓሕዛ መንግስቲ ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ብቕዓትን ብስለትን ዝጎደሎ ኮይኑ ጸኒሑ። ሕጂ እሞ ኸኣ ንታህዲዳት ሃገራት ምዕራብ ኢዱ ዝሃበ እዩ ዝመስል።

ብተወሳኺ፡ ፈደራላዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ” ህዝቢ ትግራይ ብምልኡ ወያነ እዩ፡ ብቃጻ ክወግኣና ንዝጸንሐ ሕ/ሰብ ንሞተሉ ምኽንያት የለን” ብምባል እቲ ሰራዊት ነቲ ብመንግስቲ ዝተወስደ “ፖለቲካዊ ውሳነ” ከም ዝተቐበሎ ምንጭታት ምክልኻል ገሊጾምለይ ክብል zehabeHsa ዝበሃል ናይ YouTube ቻነል ሓቢሩ። በዚ ድማ፡ ወያነ ንምምሓዳራት ውሱን ከባቢ ትግራይ ዳግም ተቆጻጺርዎ ኣሎ። ሓይልታት ምክልኻል ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ኣብ “እስትራጂካዊ ቦታታ” ዓሪዱ ከም ዝጸንሕ እዩ እቲ ምንጪ ናይቲ ቻነል ዝገልጽ። እቶም ወያነ ብሓይሊ ናብ ክልል ትግራይ ጸንቢርዎም ዝነበረ ከባቢታት ራያን ዓፈርን ዋልቃይትን ገና ብድሕሪ ሓይልታት ፈደራል ከም ዘለዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ክልል ኣምሓራ ክተት ኣዊጁ ኣሎ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ እውን ነዚ ህጹጽ ጉዳይ ኣልዒሉ ክዛተ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ብሓፈሻኡ፡ እቲ ኩነታት ብቅልጡፍ ዝምዕብል ዘሎ ኮይኑ ወዱእ ገምጋም ክትገብረሉ፡ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ሓቅታትን ጭብጥታትን ጌና ኣይተኣኻኸቡን ዘለዉ። ይኹን እምበር፡ ኢትዮጵያ ከም ሕጂ ኣብ ቃራና መገዲ ተሳጢሓ ኣይትፈልጥን። ናብ መገዲ ጥፍኣት ድያ ትምርሽ ወይ ናብ መገዲ ልምዓት ዝብል ሕቶ እዘን ዝመጻ ሳምንታት ክምልስኦ እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።

እቲ ወትሩ ዘይርጉእ ውሽጣዊ ኩነታታ ኢትዮጵያ፡ ምስ ግድብ ህዳሰ ዝተኣሳሰር ጉዳያትን ምስ ሱዳን ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓባትን ከጋድዶ ጸኒሑ፡ ሕጂ ድማ እቲ ተቓቢጹ ዝበሃል ዝነበረ ጃንዳ ብኸምዚ ኩነታት ኣብ ውሽጢ 24 ሳዓታት ትንፋስ ምሃብን እዚ ተረኽቦ እዚ ኣብ ኢትጵያውያን ዝፈጥሮ ሳይሎሎጂካዊ ምዝንባዓትን፡ ንሱ ዘስዕቦ ምንካይ ናይቲ ንዓቢ ኣሕመድ ዝወሃብ ዝነበረ ህዝባዊ ደገፍን ምስቲ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዝኸሰሮ መክሰባትን ተደማሚሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ፈተና እዩ ኣትዩ ዘሎ። ዳርጋ ዝበዝሕ ድማ ብሰንኪ ጉድለቱ እዩ።

ክልተ ነገራት ብሓንሳብ ክረክብ እዩ መንግስቲ ዓቢ ኣሕመድ ተሃንጥዩ። በቲ ሓደ ወገን ኣብ ኲናት ክዕወትን ተሃንዲዱ። በቲ ካልእ ድማ ወሃብቲ ሓገዛት ዝኾኑ ምዕራባውያን መሓዙቱ ከይኹሪ ደልዩ። ” ሰብኣይ ደሊኽን ጭሕሚ ጸሊእክን” ዝዓይነቱ። ኲናት ብፖለቲካዊ ውሳነታት ክምራሕ እንተጀሚሩ፡ ስዕረቱ ነዊሕ ግዜ ኣይወስድን። ኲናት ብናይ ገዛእ ርእሱ ቅማረታት እዩ ክካየድ ዘለዎ። እምበኣር ሕጂ፡ እቶም ንስራሕን መስዋእትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሰሪቖም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝድብሉ ዝነበሩ ጀነራላት ዓቢ ኣሕመድ፡ ወጺኦም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክገልጹሉ ኣለዎም። በይናዊ ቶኽሲ ደው ምባልን፡ ነቲ ክትቅመጠሉን ክተመሓድሮም ልኡላዊ ስልጣን ዘለካ መሬት ኢትዮጵያ ብሃታሃታ ረጥሪጥካ ነቶም ብኣሸባርነት ትኸሶም ዝጸናሕካ ኣረኪብካ ምህዳምን በበይኑ እዩ። ቶኹሲ ደው ምባልን ኣብ ዝርርብ ምቕራብን ነቲ ዘሎ ኩነት (status quo ante) ከይቀየርካ እዩ ዝግበር። ግዜ ድማ ይወስድ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሳዓታት ዝውዳእ ኣይኮነን። ዶ/ዓቢ ባሕመድ ዱላ ሃገራት ምዕራብ ዘርዓዶ እዩ ዝመስል። ንስልጣኑ ክብል፡ እንተደኣ ኣድላዪ ኮይኑ ንኤርትራ እውን ገንሸል ክገብራ ክፍትን ከም ዝኽእል ዘጠራጥር የብለይን። ብመሰረቱ እውን ዝምድናታት ሃገራት ኣብ ረብሓታት ዝተመርኮሰ እዩ።

ብኻልእ ወገን ከኣ፡ ኣይተሰወጦን እምበር፡ ወያነ ናብ ፈተናን ዓዘቕትን ተሸሚሙ ኣሎ። እቲ ድራማ ይጅመር ስለዘሎ፡መወዳእትኡ ክሳብ ንርኢ ዓቕሊ ከድሊ እዩ። እምበር ብኣውያትን ፕሮፓጋንዳን ኣይክወጾን እዩ።

2- ኤርትራ ዝወሰደቶ ናይ ንጡፍ ርእሰ- ምክልኻል ቅኑዕ ነይሩ። ጃንዳ ወያነ ኣብ ትግራይ መን የጓይዮ ከም ዝነበረን መን ነቲ ከቢድ ዕማም ይፍጽም ከም ዝነበረን ተጋሂዱ ኣሎ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንረብሓን ልኡላውነት ኤርትራን ንምኽባር እዩ ንጡፍ ምክልኻል ዝገበረ። ፕሮፓጋንዳዊ ሃልክን፡ ሕጂ ከኣ እቲ ብሰንኪ ሕመቕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝረኸቦ ተስፋን ሞራልን እንተዘይኮይኑ፡ ኤርትራ ናይ ምጉዳእ ዓቕሙ ኣዝዩ ነክዩ ኣሎ። ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ኣቀዲሙ ናብ ልኡላዊ ዶባቱ ስሒቡ ነቲ ድራማ ክከታተሎ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ወያነ ዕብዳኑ ምጻር ስኢንዎ ንልኡላውነት ኤርትራ ንምድፋር ተንከስ እንተ ኢሉ ድማ እታ ዝፈልጣ ሴፍ ተወልዊላን ተሳሒላን ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ ምህላዋ ዘየጠራጥር እዩ።

ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ትግራዋይ ዓርከይ ዝበለኒ እዝክር። “ማሕሙድ፡ ሰራዊት ኤርትራ ሎሚ እንተ ስሒቡ፡ ወያነ ንጽባሒቱ መቀለ ክኣቱ እዩ” ኢሉኒ። ኣዘራርብኡን ቃላቱን ተዓዚበ፡ ብርጉጽነት የዕልለኒ ምንባሩ ኣይሰሓትክዎን። ሓይልታት ምክልኻልና፡ ንኩሉ ኣበራትን ገበናትን ኢትዮጵያውያን እንዳ ተደረዖ፡ ንሱ ኣብ ዘይቆጻጸሮ ኲናት፡ ኢትዮጵያ ” ብዘይ ፍቃድና ኣትዩ” እና በለት መዝሓል ኣህጉራዊ ኩነነ ክትገብሮ ምጽንሓ፡ ምስቲ ገለ ገለ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ንክብሪ ኤርትራ ዘነኣእስ በጨቕ ዘብልዎ ዝነበሩ ኣበሃህላታት ተደማሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዶ/ር ኣሕመድ ዝነበረኒ እወታዊ ኣጠማምታ ዳርጋ ዓቢሩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ልዕሊ ኩሉ ዘገድሰኒ ድሕነትን ሰላምን ሃገረይ እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ ኢትዮጵያ ክኢላ ሓኪም ክፍውሶ ዘይክእል ሓዳሪ ሕማም ከሳቕያ ጸኒሑ። ሕጂ ድማ ናብ ህጹጽ ሓደጋ ማዕቢሉ ዘሎ ይመስል።

ቴማ ናይ ዝሓለፈ ብዓል ናጽነት፡ ” ኹሉ እንተታት ድሉዋት” ዝብል እዩ ነይሩ። እቲ መልእኽቲ እንታይ ምንባሩ ዘይተሰወጦ እንተነበረ፡ ሎሚ በሪህሉ ክኸውን ተስፋ እገብር።

ድሕነት ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ሓይሊ እዩ ዝምርኮስ። ስለ’ዚ፡ ዓቕምታት ህዝቢ ኤርትራ ክተኣኻኸብ፡ ልቦና ዘለዎ ሜላታት ምኽታል ኣገዳሲ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘሎ ውሽጣዊ ዘይዕግበት ይኹን ዘይምስምማዕ ብህዱእ መንፈስ መፍትሒታት ክናደየሉ ኩሎም ሓላፍነት ዝስመዖም ዜጋታት ክሰርሑሉ ዝግባእ መዳይ እዩ። ምስ ጃንዳ ወይ ብልጽግና ተጸጊዕካ ዝመጽእ ፍታሕ ኤርትራዊ ክኸውን ኣይክእልን። እቲ ድራማ ግን ይጅመር ጥራይ እዩ ዘሎ…መውዳእትኡ የጽብቕ።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s