ወዲ ሕድሩ
ቀዳማይ ክፋል፡ መእተዊ
ደበና ኣብ ዘይህልወሉ ለይቲ፡ ንሰማይ’ሞ ጠምት። ዝተፈላለየ ድምቀት ዘለዎም ንዓይንኻ ዝማርኹ ከዋኽብቲ ትርኢ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ምስ ዑደት መሬት ብዝተኣሳሰር ዝኽሰት ምቅይያር ክፍለ-ኣዋርሕ (seasons)፡ ከምኡ እውን በቲ ንገዛእ ርእሶም ዘካይድዎ ምንቅስቃሳትን፡ ገለ ከዋኽብቲ ቦታታት ከም ዝቐያይሩ ነስተብህል። ገሊኦም ግን ኣብቲ ዝረኣየና ኣድማስ ድምቀቶምን ቦትኦምን ከይቀየሩ ንኣቓልቦ ወዲ ሰብ ዝስሕብን ዘገርምን ጦብላሕታ ከሕድሩ ንርኢ። ገለ ካብዞም ዝረኣዩና ድሙቓት ከዋኽብቲ ከኣ እሞ ከም ዓበይቲ ሹማምንቲ ተሓሲቦም እዮም ዝኽበሩን ዝዝንተወሎምን። ጥንታውያን እሞ ከም ፈጣሪ ገይሮም የምልኽዎም ነይሮም።
ፈሊጣን ስነ-ከዋኽብቲ፡ እዞም ወዲ ሰብ ከም ከዋኽብቲ ዝርእዮም ድሙቃት ነገራት፡ ነብሲ ወከፎም ብቢልዮናት ከዋኽብቲ ዝቖሙ እዮም ይብሉ(constellations) ። ኣዝዮም ርሑቓት ስለዝኾኑ ንዓና ከም ፍቅዲ ንጽል ከዋኽብቲ ኮይኖም ይረኣዩና። ንኣብነት ኣብ ብሄረ ትግረ፡ ጃህራይ/ጃህረት (ኮኸብ ጽባሕ)፡ ኬማ ( the milky way) ከምኡ እውን ሰሜናዊ ኮኾብ፡ ብዙሕ ኣፈ-ታሪኻዊ ጽውጽዋያትን ኣኽብሮትን እዩ ዘለዎም። እዚ ኣብ መንጎ ወዲ ሰብን ከዋኽብትን ዘሎ ጥቡቕ ዝምድና መልክዑ ደኣ ክፈላለ ይኽእል እምበር ምቕጻሉ ኣይተርፎን። ኮኾብ ደራፋይ፡ ኮኾብ ተመሃራይ፡ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ…ወዘተ ክበሃል ክቕጽል እዩ። ነዛ ኣብ ግዜ ፍቕርን ኲናትን እንዝክራ ናይ ቀረባ ጎረቤትና ዝኾነት ወርሒ እኳ ክንዲ ክብሪ ናይቶም ርሕቀቶም ብዓመታዊ ፍጥነት ብርሃን (light years) እንልከዖ ከዋኽብቲ ዝረኸበት ኮይኑ ኣይስመዓንን። እሞ ከዋኽብቲ ልብና ዝስሕቡ ካብ ኮኑ፡ ገለ መስሓብ ባህርይ ደኣ ክህልዎም ኣለዎ።
ብዝኾነ፡ ዕላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ስነፍልጠት-ከዋኽብትን ኣድማስን ዘይኮነስ፡ ካብ ትሪልዮናት ከዋኽብቲ፡ ውሑዳት ንልብና ብሒቶም፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትናን ዕድልናን ወሰንቲ ኮይኖም ክድረፈሎምን ክግጠመሎምን ክጽወየሎምን ምጽንሑ ዘኪርና፡ ኣብ ሕ/ሰባት ከ ተመሳሳሊ ተርእዮ ክንዕዘብ ንኽእል’ዶ? ካብ ብዙሓት ከዋኽብቲ ጸብለል ኢሎም ልብና ዝሰልቡ ውሑዳት ወከልቲ ከዋኽብቲ ንረክብ ኢና። ብሕያውነቶም፡ ብጅግንነቶም፡ ብኣመራርሓኦምን ልቦናዊ ምኽሮምን፡ ብተወፋይነቶምን ብጻይነቶምን፡ ብዋዛኦምን ቁምነገሮምን፡ ብዘበርከትዎ ነገራውን ፍልጠታውን ምርምርን ጭቡጥ ፍርያትን፡ ብሓጺሩ በቲ ሰብኣዊ ባህሮም ልዕሊ ካልኦት ከዋሕብቲ ሕ/ሰብ ጸብለል ኢሎም ኣብ ልብና ይጣየሱ።
ሕያዎት እዮም፡ ብዙሕ ኣይርብሹናን። ግን ዕዮ ገዛና ክንገብር ጸጸኒሖም መዘኻኸሪ ምልክታት ይሰዱልና። ልብና ትርግታኣ ይውስኽ። ምስኦም ብመንፈስ እህንምህን ንበሃሃል። ኩነታትና ክንገልጸሎም ንፍትን፡ ምኽንያታት ንህቦም…ንቕጽል። ብኣካል ካብ ዝፍለዩና፡ ወላ ዓስርተታት ዓመታት እንተቑጸረ፡ ዝኽርታቶምን ዕላላቶምን ኣይምኖን። ኣብ መዓልቲ ወላ ብዙሕ ግዜ እንተተመላለሱና ኣይስልችወናን እዩ። ነቲ እወታውን ሃናጽን ባህርያትን ኣበርክቶን ናይቶም ካልኦት ከዋኽብቲ ናይ ወለዶኦም ወኪሎም ስለእንረኽቦም፡ ከም ወከልቲ ናይቲ ብህይወቶም ዝነበሩሉ ታሪኻዊ ዘመን ኮይኖም ኣብ መጻሕፍትን ፊልምታትን ካልእ ስነጥበባዊ ስርሓትን ህያዋት እናኾኑ ይነብሩ። ንኡስ ወለዶ ድማ ካብ ህይወትን ተግባራትን ናይዞም ከዋኽብቲ እንዳተማህረ፡ ነቲ ዘየርከበሉ ዘመን ክመሃርን ክምርምርን ዕድል ይረክብ።
ኣንፈት ጉዕዞ ታሪኽን ክብደቱን ዝውስን ድምር ፍጻመታት ናይ ሓደ ዘመን እዩ። ፈጸምቲ ድማ ኣለዎ። ታሪኽ ናይ ሕ/ሰባት ክጥምዘዝን ክጋፋዕን ንዕዘብ ኢና። ሕ/ሰብ ብዙሓት ዝምባለታትን ጥሙሓትን ዘለዎም ሓይልታትን ውልቀሰባትን ስለዝርከብዎ፡ ንጸቢብ ጉጅለኣዊ ረብሓታት ኢሎም፡ በብወገኖምን ነንረብሓኦምን ክጎትዎን ክዝውርዎን ንርኢ። ስለ’ዚ፡ ታሪኽ ቅኑዕ ኣንፈቱ ሒዙ ክጓዓዝ እንተኮይኑ፡ ካብቶም ናብ ብዙሕ መኣዝናት ዝጎቱዎ ሓይልታት፡ እቶም ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ዝስሕብዎን ዝመርሕዎን ሓይልታት ክብርክቱን ክሕይሉን ኣለዎም ( ኣንፈት ታሪኽ፡ ከም resultant vector ክግለጽ ይከኣል)። እዚ ክኸውን ድማ፡ ኣበርክቶን ጽልዋን ጭቡጥ ተመክሮን ከዋኽብቲ ናይቲ ኣብ ዛዕባ ወሪዱ ዘሎ ዘመን ክግለጽ ኣለዎ። ከይወሰኽካን ከይነከኻን።
ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ብኣዝዮም ብዙሓት ከዋኽብቲ ዝተደርደረ እዩ። ወላ እኳ ብዙሕ ጻዕርታት ክግበር እንተጸንሐ፡ ብዙሕ ጠቓሚ ዝኾነን ኣዝዩ ዘኹርዕን ዘይተበርበረ ውርሻ ከም ዘለዎ መብዛሕትና እንሰማመዓሉ ጉዳይ ኮይኑ ይስመዓኒ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና ዝተሳተፈ ወለዶ፡ ኣመል ናይ ብዙሕ ምግባር እምበር ኣመል ናይ ብዙሕ ምዝራብን ምጽሓፍን ዘለዎ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ብዙሓት ከዋኽብቲ ውዕሎኦም ከይተሰነደን ከይተነግረሎምን ሓሊፎምን ይሓልፉ ኣለዉን። ኣብ ኣቀራርባ ናይቲ ክሳብ ሕጂ ዝተሰነደ ስርሓት እውን ጸገማት ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ። ፖለቲካዊ ጸብጻባት ዝመስል ብኣዝዩ ኣሰልቻዊ ዝኾነ ሓደ ዓይነት ቅዲ እዩ ክቐርብ ጸኒሑ። ብተመሳሳሊ፡ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ክቐርበሉ ይኽእል፡ ግን እቲ ሓቂ፡ ክሳብ ሕጂ ሓያል ዝኾነ ናይ ምርምርን ማሕተምን ትካላት ክነፍሪ ኣይከኣልናን ዘለና። ብዝሒ ኣንበብቲ ክንፈጥር ኣይከኣልናን። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ሎሚ ናይ ኦድዮ-ቪዥዋል ውጽኢታት ተወሲኽዎ፡ ናብ youtube ዝጓየ እምበር መጽሓፍ ከንብብ ዝህንጠ ብዝሒ ክንኪ እምበር ክውስኽ ኣይተዓዘብኩን።
ብሓፈሽኡ፡ ሳላሳ ዓመት ድሕሪ ናጽነትና፡ ገና ኣብ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኩነተ-ኣእምሮ ኢና ዘለና። ግዜ እንዳ ወሰደ ምስ ዝኸይድ ድማ፡ ዝቕጽሉ ወለዶታት ካብቲ ምንጪ ሓበረታ ዝኾነ ወለዶ ገድልን ዋርሳይን (ማለት ናጽነታዊ ቃልስን ምዕቃብ ልኡላውነትን) እናረሓቑ ብዝኸድዎ መጠን፡ እኹል ዝኾነ ስኑድ ስርሓት ክሳብ ዘየትረፍና፡ ኣንፈት ጉዕዞ ታሪኽን ዕድል ኤርትራን ናይ ምጥምዛዝ ፈተነታት ብኡ መጠን ክዛይድ ምዃኑ ምስትብሃል። ኣብዚ ብህይወትና ዘለናዮ ግዜ’ኳ ክንደይ ዋስታታት ንርኢ ኣለና። ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዝኽሕድን ዝጥምዝዝን፡ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ዘመራስሕ፡ ታሪኽ ሃገራውያን ከዋኽብቲ፡ ናይ ምልእቲ ኤርትራ ናይ ጀጋኑ ጀጋኑ ዝኾኑ ኣርካናት ኤርትራ፡ ከም ታሪኽ ናይ ጸቢብ ኣውራጃ ወይ ቀቢላ ወይ እውን ጎደቦ እና ኣምሰልካ ዝቐርብ ፈተናታት ንርእዮ ኣለና።
ታሪኽና ባዕልና ሰኒድና እንተዘየሕለፍናዮ፡ ታሪኽና ብካልኦት ክጸሓፍ እዩ። ብዝደለይዎ ኣንፈት ድማ ከዘንትውዎ እዮም። ከም ወለድን ሕ/ሰብን እውን፡ ንቀዳሞት ከዋኽብቲ ታሪኽና ብኽብሪ ምስ ዝዝከሩ፡ ነቲ ንኡስ ወለዶ እወታዊ መተባብዕን ድርኺትን (incentive) ክኸውን ይኽእል። ኣብ ገሊኡ ክቐርብ ዝዕዘቦ፡ ታሪኽ ጀጋኑና ንጸቢብ ወገናዊ ረብሓታት ብዝጥዕም መመሪጽካ ምቕራብ (selectivity)፡ እቲ ድምቀቶም ንእዋናዊ ፖለቲካዊ መኽሰባትን ንጸቢብ ጥሙሓትን ንምስጓምን ንምርጓድን ተባሂሉ፡ ነቲ ሓደ እናወሰኽካ ነቲ ካልእ ድማ እንዳ ኣጉደልካ ክጸያየቕ እዕዘብ። ዘሕዝን ድማ እዩ።
ጀጋኑና ኣብቲ ንሶም ነጢፎም ዝተዋስኡሉ ዘመን ዘጋጠሞም ብደሆታት ብከመይ ሰጊሮሞ፡ ምስጢር ሞዕቃብ ድሕነቶምን ዓወቶምን እንታይ ነይሩ…ዝብሉ ሕቶታት ብኽፉት ኣእምሮ ምምርማር፡ ፍርቂ ፍታሕ ናይ’ቲ ሕጂ ዘጋጥም ዘሎ ብደሆታት ክኸውን ይኽእል። ከዋኽብቲ ኤርትራ፡ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ሲቪል ይኹኑ ተጋደልቲ፡ ዋርሳይ ይኹን ይከኣሎ፡ ናይ ጀብሃ ይኹኑ ናይ ሻዕብያ፡ ኩሎም ኤርትራ ናጽነታ ክትረክብን ናጽነታ ክትዕቅብን እዮም ህይወቶም ሰዊኦም። ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ እዮም ተሰዊኦምን ዝስውኡ ዘለዉን። ህዝቢ ኤርትርራ ንቡር ህይወት መታን ክህልዎ፡ ህይወቱ ብኹሉ መዳያት ከማዕብል ዘለዎ መሰል ክኽበር፡ ካብ ሎሚ ጽባሕ ክሓይሽ ኢሎም እዮም ሓሊፎን ዝሓልፉ ዘለዉን። ብመንፈስ ናይ ወገንነት ዘይኮነስ፡ ኣዝዮም ብጹኣትን ልዑላትን ዝኾኑ ሃገራዊ ጠቕምታት ከውሕሱ ኢሎም እዮም ወዲቖም። ስለ’ዚ፡ ኣብ ቅድመ ዓይንና እምበር፡ ኣብ ቅድሚ እታ ወላዲቶም ዝኾነት ኤርትራ ፍልልያት የለን። ኣደ’ዶ ተሻሩ እያ?
መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ነብዕለሉ፡ ብዙሓት ነቲ ከም ሃገርን ህዝብን ዝሓለፍናዮ መድረኻት ዘዘኻኽሩና ብርሃኖም ዘይጎድል ከዋኽብቲ ዝያዳ ደሚቖም ንሕልናና ክቕስቅሱ ክስመዓና እምበኣር ብህርያዊ እዩ። “ኣበይ ኣለኹም፡ ኣበይ በጺሕኩም…” እንዳ በሉ ከዘኻኽሩና እውን ጥዑይ ቅስቀሳ እዩ። ሓይሊ ይህበና፡ የሕርነና፡ መኣዝንና ከም ነስተኻኽል ይገብረና፡ ነብሰ-ገምጋምን ርእሰ-ነቐፈታን ክንገብር ይሕግዘና። ወትሩ ድማ ንኣዳራሽ ልብና ኮሊዖም ስለዝነብሩ ካብ ጸላምን ምስቁንቋንን የገላግሉና። ናይ ንእስነቶም ውቃበን ሓይልን ሕልምታትን እንዳ ተመላለሰና ዘይነጽፍ ራሕሲ ኮይኑ የገልግለና። መንፈሳዊ መኣዛ ይኾነና።
እወ ብዙሓት ጃህራይ (ኮኾብ ጽባሓት) ኣለዎ ታሪኽና…ድምቀቶም ዘይሃስስ፡ ዝኽሮም እናከረመ ዝሕደስ። ነቲ ንሶም ዝነበሩሉ ዘመንን ብደሆታቱን፡ ንባህርያትን ቅያታትን መጋድልቶምን ህዝቦምን ዝውክሉ ናይ ታሪኽና ኮኾብ ጽባሓት ብዙሓት እዮም። መወከሲና ኮይኖም ደረት ትርኢትና ክነስፍሕ፡ ትሕትና ክንመሃር፡ ከም ደቂ ሓንቲ ኤርትራ ድማ ብሕውነታዊ ፍቕሪ ተኸባቢርናን ተላዚብናን ተኸኣኢልናን ክንጓዓዝን ነቲ ንሳቶም ዝወደቑሉ ገዘፍቲ ሃገራዊ ዕላማታት ኣብ ምውቃዕ ኣበይ በጺሕና ኣለና ኢልና ብዕምቆትን ብንጹህን ሓቀኛን መንፈስ ክንምርምርን ክንመያየጥን ዝደፍኡና እዮም።
ሓደ ካብዞም ድሙቓት ከዋኽብቲ ስዉእ ሚኪኤል ሕድሩ እዩ። ኣብ ዝቕጽል ክፋል፡ ንወዲ ሕድሩ ዝምልከት ሓጺር ዝኽርታተይ ከካፍል እየ።
ዝኽርታት ሰማእታትና ዲናሞ ናይ ህይወትና እዩ።
ሰማእታትና ወትሩ ኣብ ልብና!!