ሓበረታ፡ እዚ ዝስዕብ ንኮቪድ-19 ዝምልከት ጽሑፍ፡ ከም ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘተ ተባሂሉ፡ ሸፈፍ ኢልካ ሓበረታ ንምልውዋጥን ብዛዕባ እዚ ክታበት ክሰምዖ ንዝጸንሓኩ ሻቕሎታት ንምቅላል ገለ መብርሂ እንተሃበ ብምባል እዩ እምበር፡ ውዱእ መልስታት ንምሃብ ኣይኮነን። ብተወሳኺ ድማ ነቶም ዕድል ክታበት ኮቪድ-19 እናሃለዎም ብሰንኪ ሕጽረት ሓበረታ ሰጊኦም ክሓልፍዎ ዝኽእሉ ዜጋታት ሓገዝ እንተኾነ ብምባል እዩ። ንዝያዳ ፍልጠት ንሓካይሞም መታን ክውከሱ መበጋገሲ እንተኾኖም ኢለ እየ። ውልቃዊ ሞያዊ ምኽሪ ብዝምልከት ግን ነቶም ብቀረባ ዝፈልጡኹም ደኳትርን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ተወከሱ። ምኽንያቱ፡ ኩነታት ጥዕናና ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ንሓፈሻዊ ንባብ ተባሂሉ እዩ ዝቀርብ ዘሎ። ሰናይ ንባብ።
———————————————————————
ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ተማሂዙ ምስ ተሰምዐ ብዙሕ ተስፋታት እኳ እንተተቓለሐ፡ ብዙሓት ሕቶታት እውን ክለዓሉ ምጽንሖም ፍሉጥ እዩ። ዝበዝሕ ስግኣታት ኣብቲ ንምምዕባል ናይ’ዚ ክታበታት ዝወሰዶ ግዜ ዘተኮረ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ምስ ካልኣኦት ክታበታት ክወዳደር ከሎ፡ ምምዕባል ኮቪድ-19 ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ እዩ ተመዝጊቡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያታት፦
1- ዘመናዊ ተክኖሎጂ ንብዙሕ መዳያት ምርምራትን ፈተነታትን ከም ዝቃለል ገይርዎ። ኣዝየን ሓያላት ኮምፑተራትን ሶፍትዌራትን ነቲ ቀደም ካብ ሓንጎል ዝተበገሰ ሓሳባት ኣብ ላቦራቶርይ ኣሽሓት ቀመማት እንዳ ሓዋወስካን ብዝተፈላለየ መስርሓት ፈተናን ምርምርን (trials) ማለት ኣብ ሸሓኒታት ላቦራቶርን እንስሳታትን ወዲሰብን—ዝካየድ ዝነበረ ሎሚ ብቀሊሉ ብሓያላት ኮምፑተራት ክፍታሕ ተኻኢሉ ኣሎ። ንኣብነት ቻይናውያን ሳይንቲስትስ፡ “ሰውነት” ኮሮና ቫይረስ፡ ማለት ነቲ ቫይረስ ዝነድቅን ንምብዝሑ ዝእዝዝን ባዮሎጂካዊ ኮድ (genome) ኣብ ውሽጢ ወርሒ እዮም በርቢሮምን ዘርዚሮምን ንዓለም ኣረኪቦም። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ስልጠት ብዘይ ዘመናውያን ኮምፑተራት ኣይምተኻእለን። እቲ “ሰውነት” ናይ’ቲ ቫይረስ እንተተፈሊጡ ድማ ክታበት ናይ ምድላው ተኽእሎ ናብ ዝሓሸ መድረኽ የድየቦ።
2- እቲ ለበዳ ኣብ ዓለም ዘስዕቦ ዝነበረ ቅዝፈትን ቁጠባዊ ዝርገት (disruption) ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ብመሰረቱ እውን እቲ ለበዳ ሃብታማትን ድኻታትን ዘይፈሊ ብምንባሩ (ዝያዳ እኳ ኣብተን ሃብታማት ሃገራት ገዲዱ)፡ ምዕቡላትን ሃብታማትን ሃገራት ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ገንዘብ ኣብ ወፍሪ ምምዕባል ክታበት ኮቪድ-19 ኣፍሲሰን። ገሊኡ ሕማማት ምስ ድኽነት ዝተኣሳሰር እዩ። ንድኻታት ሃገራት ጥራይ የጥቅዑ። ንኣብነት ማላርያ። ኮሮና ቫይረስ ግን ብመራሕቲ ሃገራትን ብሚልዮነራትን ጀሚሩ። ኣብ መጥቃዕቱ ምሕረት ኣይነበሮን። ግን ከኣ ሃብታምን ድኻን ዘይፈሊ ብምንባሩ፡ ሳይንቲስትስ ዓለም በቲ ዝተገዝዓሎም ገንዘብ ተጠቒሞም፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምትሕብባርን ወፍርን ገይሮም። ኣፍረይቲ መድሃኒት ዝኾና ካምፓኒታት ኣብ ቅዱስ ውድድር ተጸሚደን። እዚ ገዚፍ ወሪ’ዚ ድማ እቲ ክታበት ኣብ ሓጺር ግዜ ተዳልዩን ተፈቲኑን ኣብ ግብሪ ክውዕል ሓጊዙዎ እዩ።
3. ልክዕ ከምቲ ኮድ ሰውነት (genome) ኮቪድ-19 ንምፍታሕ ዝሓገዘ፡ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ኣንጻር ኮቪድ-19 ዝውዕል ክታበት ኣብ ምፍራይ እውን ዓቢ ተራ ተጻዊቱን ነቲ ግዜ ከም ዝሓጽርን ገይርዎn Ayu። ሎሚ፡ ዲጂታውነት (digitalization) ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ስለዝርከብ፡ ንሰውነት ቫይረስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሰውነት ዋህዮታትና እውን ብ 3D ወይ ድማ ንዋህዮታትና ኩሉ ጎድናዊ ምስሊ ብምግባር ኣሽሓት ቀመማት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ክትፍትነሉ ኣብ ትኽእለሉ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ። እዚ ማለት፡ እቲ መድሃኒት ኣብ ህይወታውያን (እንስሳ ይኹኑ ሰባት) ከይፈተንካዮ፡ ብኮምፑተር ተምሳል ዋህዮ ብምስራሕ (virtual cell) ኣብ ሓጺር ግዜ ንኣሽሓት ተስፋ ዘለዎም ቀመማት በብተራ (combinations) ክትፍትነሎም ትኽእል ኢኻ። እዚ ተክኖሎጂ ድማ ነቲ መስርሕ ምህዞ ክታበታት ከም ዝቀላጠፍ ገይርዎ።
እተን ኣብ ምስራሕ ክታበት ቀዳሞት ኮይነን ዘለዋ ሃገራት፡ ኣመሪካን ጀርመንን ብሪጣን ሩስያን ቻይናን እየን። እዘን ሃገራት እዚአን ብሳይንስን ተክኖሎጅን ዝማዕበላ ኮይነን፡ ብቀዳምነት ንዜጋታተን ክወግኣ ኢለን እቲ ክታበት ገና ኣብ ምምዕባል ከሎ እየን ትሕጃታተን ሒዘን ጸኒሐን። ካልኦት ከምተን ናይ ወሽመጥ ዓረብ ዝኣመሰላ ሃብታማት ሃገራት እውን ድሮ ትሕጃ ሒዘን ክታበት ጀሚረን ኣለዋ። ኣብዚ ዝጽሕፈሉ ዘለኹ እዋን ድማ ዝተፈላለየ ሸፈነን ቅልጣፈን ዘለዎ ናይ ክታበት ዘመተ ጀሚረን ኣለዋ። ኣብነት መታን ክኾኑ ጸለውቲ ሰባት ዝበሃሉን መራሕትን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ተለቪዥን ወጺኦም ይውግኡ ኣለዉ። ንኣብነት መራሒ ኢማራት፡ ወራስ ዓራት ስዑድያ፡ ኣብ ጥሪ 2021 ፕረሲደንትን ምክትል ፕረሲደንት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾኑ ጆ ባይደንን ካሚላ ሃሪስን ብዙሓት ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን ናይ ሆሊዉድ ተዋሳእትን ዝርከብዎም ሰባት ኣብ ተለቪዥን ወጺኦም ይውግኡ ወይ ድማ ብካልእ መልክዕ የፍልጡ ኣለዉ።
ኣብዚ ዝቅመጠሉ ዘለኹ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ክልተ ዓይነት ክታበት ከም ናይ ህጹጽ ክታበት ጸዲቖም ኣለዉ። ክልቲኦም ብፋይዘርን ሞደርናን ዝተማህዙ ክታበታት ኮይኖም፡ ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ ልዑል ናይ ምክልኻል (94-95%) ብቕዓት (efficacy) ከም ዘለዎም በዝተገብረ ፈተናታትን ምርምርን ተረጋጊጹ ኣሎ። ዳርጋ ክልቲኦም ተመሳሳሊ ብቕዓት ኣለዎም። ፍልልያቶም ኣብ ሎጂስቲክስ እዩ፡ ማለት ኣብ ምኽዛንን ምጉዕዓዝን ዘድልዮም ኣተሓሕዛ። ክልቲኦም ሓደሽ ተክኖሎጂ እዮም ተጠቒሞም። ዋህዮታትና ነቲ ኣብ ሽፋን ቫይረስ ኮቪድ ዘሎ እሾኽ ዝመስል ፕሮቲን ከም ዝሰርሑ ተገይሮም፡ ሽዑ ስርዓተ ምክልኻልና ቫይረስ ኮቪድ ዝወረሮ መሲልዎ ብልክዕ ነቲ ቫይረስ ነቒሱ ዘባኽን ጸረ-ነፋሳት (antibodies) ከም ዝሰርሕ ይገብሮ። እዚ ማለት ድማ ከይሓመምካ ከም ዝሓመምካ ዘመስል እዩ።
እዚ ሓድሽ Messenger RNA (mRNA) ዝፍለጥ ተክኖሎጂ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተማህዙ ክታበታት ናይ ካልኦት ሕማማት ዝፈልዮ እንተሎ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዝስርሑ ዝነበሩ ክታበታት፡ ዝተፈላለየ ኣገባባት እኳ እንተለዎም ኣብ መወዳእታ ግን ነቲ ክትከላከሎ እትደሊ ቫይረስ ኣብ ላቦራቶሪ ወይ ኣዚኻ ተዳኽሞ ወይ ድማ ትቀትሎ (ሰውነቱ ትበታትን) እሞ ንስርዓተ ምክልካል ሰውነትና ከቃልዖ ዝኽእል ገለ ምዉት ክፋሉ ከም ክታበት ተቐሪቡ ንውጋእ። ሰውነትና እቲ ናይ ሓቂ ቫይረስ ዝመጾ መሲልዎ ኣንጻሩ ጸረ-ነፋሳት ይሰርሕ። ደሓር በቲ ሓቀኛ ቫይረስ ምስ ተጠቓዕና፡ ሰውነትና ተዳልዩ ይጸንሕ።
እዚ ናይ ፋይዘርን ሞደርናን (Pfizer/Moderna) ክታበታት ግን ኣብ ሰውነትና ዝኣቱ ባዕዲ የለን። ዋህዮታትና እዮም ነቲ ኣብ ሽፋን ኮሮና ዘሎ እሾኽ ዝመስል ፕሮተኢን ኣመስሪሖም “ጃከት” ኮሮና ተኸዲኖም ነቶም ዋርድያታት ናይ ስርዓተ ምክልኻልና ይቀርብዎም እሞ ስርዓተ ምክልኻልና ከም ዘለዓዕሉ (induce) ይገብርዎ። እቲ ሰውነት ምክልኻልና ድማ ጸረ-ነፋሳት ኣዳልዩ እቲ ሓቀኛ ሰራዊት ናይ ኮሮና ሆየ እና በለ ምስ ወረረና ኣብኣ ቁሽምድ የብሎ። ሰራዊት ስርዓተ ምክልኻልና ተዳልዮም ስለዝጸንሑ ፈልዮም ተመልከተለይ ይብሉሉ ማለት እዩ።
ኣብዚኣ፡ ንእሽቶ ሓበረታ ካብ CDC
ማእከል ምክልኻል ሕማማት ኣመሪካ (CDC) ከም ዘነጽሮ፡ እዚ ናይ mRNA ተክኖሎጂ ናይ ጥዕና ውሕስነቱ ከም ዝተመርመረ እዩ ዝገልጽ። ኣብ ወብሳይቱ ከም ዘቐመጦ፦
ሀ- ከም ኩሎም ካልኦት ክታበታት፡ እዚ ናይ ኮሮና-19 ክታበት እውን ብኣዝዩ ሓያል ፈተነታትን ምርምርን ከም ዝሓለፈ ይሕብር።
ለ- እዚ ናይ mRNA ተክኖሎጂ ክታበት ንምስራሕ’ኳ ሓድሽ እንተኾነ፡ ካልኦት ሕማማት ንምፍዋስ ንዓመታት ከም ዝተሰርሓሉ የብርህ።
ሐ- ክታበት ኮሮና-19፡ ህያው ቫይረስ የብሉን፡ በቲ ክታበት ድማ ሕማም COVID-19 ኣይሕዘካን እዩ ይብል።
መ- mNRA ናይቲ ቫይረስ ኣብ ኑክለስ ዋህዮታትና ኣትዩ ንፍጥረትና ኣይቅይርን እዩ። ብፍጹም ናብቲ ፍጥረታዊ ማተርያል ዋህዮታትና (DNA) ኣይኣቱን እዩ ይብል እቲ ጽሑፍ። እቲ ናብ ዋህዮታትና ዝለኣኽ mRNA ናይ ኮሮና ቫይረስ ነቶም ዝኣተዎም ዋህዮታት ንቫይረስ ዝመስል ፕሮቲን ክሰርሑ እሞ ቫይረስ ክመስሉ ጥራይ እዩ ትእዛዝ ወይ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እምበር ናትና DNA ኣይተሓዋወስን እዩ ንማለት እዩ እቲ ሓበረታ።
ብዛዕባ ድሕነት እቲ ክታበት
ዝኾነ ኣብ ሰውነትና ዝኣቱ መድሃኒ ጎድናዊ ሳዕቤናት ኣለዎ። እቲ ንሕማም ርእስን ረስንን ንወስዶም ከኒናታት እኳ ካብቲ ዝተወሰነሎም ዶዝ ንላዕሊ እንተወሰድናዮም ጸላም ከብድናን ኮላሊትናን ክጉደኣ ይኽእላ። ንኣብነት’ኳ ንሕና ኤርትራውያን ብዝያዳ ንፈልጦም ኣፋውስ ከም ንረስንን ሕማም ርእስን እንወስዶም ታይለኖል (ፐናዶል) ጸረ ረኽሲ ዝኾነ ፐኒሲሊንን ፍርያቱን ከምኡ እውን ከኒና ዓሶን ብግቡእ እንተዘይተወሲዶም ኣዝዮም ሓደገኛታት ኣፋውስ እዮም።
እዚ እንታይ ማለት እዩ? ሓደ መድሃኒት ካብቲ ተጠንቂቕካ በቲ ዶክተርካ ዝሃበካ መምርሒ ወሲድካዮ ዘስዕበልካ ጎድናዊ ዘይተደለይቲ ሳዕቤናት (Adverse side effects) እቲ ብግቡእ ማለት ብዝተኣዘዘልካ ዓቀን ዶዝን ድግግምን (frequency) እንተ ወሲድካዮ እትረኽቦ ረብሓ ዝተዓጻጸፍ ምስ ዝኸውን ንጎዳኢ ሳዕቤናት እናተኸታተልካ ነቲ መድሃኒት ትወስዶ። እምበር ዘይተዳላዪ ጎድናዊ ሳዕቤን ዘይብሉ መድሃኒ የለን። እኽሊ’ኳ ይጓዳእ ሃረምረም እንተኢልካ!!
በዚ መንጽር፡ እቲ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ብፈተነን ምርምርን ዝሓለፈ ኮይኑ ድሮ ሚልዮናት ወሲዶሞ ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ኣመሪካ፡ ዶክተራት፡ ነርሳት፡ ናይ ህጹጽ ረድኤት ኣገልግሎት፡ ብዕድመን ሕማማትን ዝተቓልዑ ዝበሃሉ ክፋላት ሕ/ሰብን ወተሃደራትን ኣብ ቀዳማይ ዙር ተሰሪዖም ድሮ ሚልዮናት ተከቲቦም ኣለዉ። ብዘይካ እቲ ልሙድ ናይ ክታበት ምልክታት ብዙሕ ጸገማት ኣየጋጠመን ዘሎ። ሓደ ክልተ ኣስጋእቲ ህይወት ዝኾኑ ግብረ-መልስታት (ractions) ተሓቢሮም ነይሮም። ይኹን እምበር ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ናይ ሓደ ናይ ኣለርጂ ታሪኽ ዝነበሮ ዶክተር ክሳብ ቅልጡፍ ናይ አፒነፍሪን ሓገዝ ዝደሊ ረድኤት ዘስዓበሉ ሓደገኛ ጎድናዊ ሳዕቤን (anaphylactic reaction) ኣንቢበ ኣለኹ። እቶም ካልኦት ካብ ናይ ሳዓታት ምክትታል ኣይሓለፉን። እዚ ድማ ምስ ዝኾነ መድሃኒ እትጽበዮ እዩ።
ኣብ ፈተነን ምርምርን ይኹን ኣብቲ ኣብ ሓፋሽ ዝግበር ዘሎ ናይ ክታበት ዘመተ ክሳብ ሕጂ ዘሻቕል ጎድናዊ ሳኦቤናት ኣይተመዝገበን ዘሎ። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝረአ ዘሎ እቲ ኣብ ኩሉ ክታበት ዝረአ ልሙድ ምልክታት እዩ። ኣብቲ ዝተዋጋእካዮ ቦታ እና ተመሓየሸ ዝኸይድ ቅሩብ ቃንዛን ምቅያሕን መጠናዊ ሕበጥን ክረአ ይኽእል። ካልእ ከም ትሑት ረስንን ቅርጥማትን ሕማም ርእስን ናይ ቆርበት ዕንፍሩርን—ክረአ ይከኣል እዩ።
ከምዚ ዓይነት ምልክታት እንጽበዮም መልሰግብሪ ሰውነትና እዮም። ሰውነትና ድሮ ነቲ ባዕዲ ዝኾነ “ሰባር ማዕጾ” ኣላልይዎስ ኣንጻሩ ክተት ኣዊጁ ኣሎ ማለት እዩ። ምልክት ናይ ጥዑይ ስርዓተ ምክልኻል እዩ። ስርዓተ ምክልኻልና ኣዝዩ ዝተወሳሰበ ናይ ምክልኻል ራዳራት ዝመስል ኣለዎ። ብእዋኑ ዝሕብሩ (early warnning systems) ዳርጋ ከም ራዳራት ክግለጹ ዝኽእሉ ስርዓታት እቶም መጀመርያ መሬት ደሓን ከምዘየላ ዝሕብሩ እዮም። ኣካል ሰውነትና ዘይኮነ ባዕዳዊ ዶብ ጥሒሱ ወይ ሓጹር ሰጊሩ ወይ ማዕጾ ሰይሩ ከምዘሎ ይሕብሩ። ሰውነትና ከሚካላውን ኣካላውን ድፋዓት ኣለዋ። ንኣብነት ቆርበትና እቲ ቀንዲ መከላኸሊ ኣንጻር ረኽስታት እዩ። ኩሎም ሽፋናት ናይ ስርዓተ ትንፋስን ስርዓተ ምሕቓቕን ካልኦትን እውን ተመሳሳሊ ስራሕ እዮም ዝሰርሑ። ኣብ ደምናን ፍሉያት ዋህዮታትን መልእኽትታትን መጠቀቕታታትን ዘመሓላልፉ ከሚካላት ኣለዉ። ወትሩ ኣብ ውሽጢ ሰውነትና ሮንዳ ዝገብሩ ምኩራት ናይ ውሽጣዊ ስለያን ጸጥታን ኣካላት ክበሃሉ ይከኣሉ (እንታይ ክገብር፡ ኤርትራውያን ዝያዳ ወተሃደራዊ ቋንቋ እዩ ዝርደኣና)። እቲ ባዕዲ ዝኾነ ቫይረስ ይኹን ካልእ ህዋስ ወይ ከሚካል ኣብ ሓደ ክፋል ሰውነትና ምስ ተረኽበ፡ ነጋሪ ይሃርሙን መልእኽታት ናብ “ዝምልከቶም ኣካላት” ሰውነትና የበጻጽሑን። ኣዝዮም ውፉያት ወተሃደራት እዮም። ነዛ ሓንቲ ደቂቕ’ኳ ዓይኖም ሰም ኣየብሉን እዮም። ሰውነትና ቅድሚ ሕጂ በቲ ቫይረስ ሓሚማ እንተነይራ ወይ ድማ ብክታበት ፈሊጣቶ እንተጸኒሓ፡ ተረጋጊኣ እያ ግቡእ መልሲ ትህብ። ፈሊጣቶ እንድያ ዘላ። ልክዕ ንዕኡ ዝኸውን ምላሽ ጥራይ እያ ትህብ።
ይኹን እምበር፡ ሰውነትና ከይፈለጠቶ እንተጸኒሓ፡ ኣዝዮ ዘይተመጣጠነ ምላሽ እያ ትህብ። ብከምኡ ኢና ድማ ንሓምም። ካብቲ ቫይረስ ኮሮና ዘስዕቦ ጉድኣት እቲ ስርዓተ ምክልኻልና ዝፍንዎ መኸተ እዩ ዝታዳ ዝቀትለና። ምኽንያቱ ባዕዲ ኣትዩ ከምዘሎ ጥራይ እያ ትፈልጥ እምበር መን ምዃኑን እንታይ ከምዝመስልን ክተለልዮ ኣይትኽእልን። በዚ ድማ ኮቦርታዊ ዝኾነ ደብዳብ ተካይድ። ዓይኒ የብለይ ስኒ የብልከይ ትኸውን መሬት። ልክዕ ከም ሮኬታት ወያነ’ዶ ክንብሎ! ክታበት ኮሮና ቫይረስ ግን ሰውነትና ምስቲ ቫይረስ ከም ትላለ ይገብራ እሞ ልክዑ ዝኾነ ጸረ-ነፋሳት ኣዳልያ ትጸንሕ። ኣብ ዝቕጽል እዋን እቲ ቫይረስ ምስ ዝለኽፈና፡ ብቀዳምነት ቀልጢፋ ተለልዮ። ቀጺላ ድማ ረጊኣ ንዕኡ ዝኾኑ ፍሉያ ሓይሊ ኮማንዶ (ጸረ-ነፋሳት) ጥራይ ሰዲዳ ተቃብጾ። ስለ’ዚ፡ ኣይንሓምምን ወይ ድማ እንተ ሓሚምና እውን እቲ ሳዕቤኑ ኣዝዩ ይንኪ።
ካልእ ጠቕምታት፡
ክታበት ኮቪድ-19 ብዘይካ እቲ ንጥዕና ዝምከት ጠቕሙ፡ ናጽነትና ክንረክብ እውን ሓጋዚ እዩ። ከም ዝስማዕ ዘሎ እንተኮይኑ፡ ምስክር ክታበት ኮቪድ ኣብ ስራሕ ይኹን ኣብ ጉዕዞ ኣድላዪ ክኸውን እዩ። ስለ’ዚ፡ ብዘይካ እቲ ንጥዕና ነብስናን ስድራናን ኣዕሩልኽናን መሳርሕትናን ዘበርክቶ ረብሓ፡ ከምኡ እውን ነዚ ለበዳ ንምግታእን ዘበርክቶ ተራን፡ ክታበት ኮቪድ ግልጋሎታት ንምርካብ እውን ኣድላዪ ክኸውን እዩ። ብወገነይ፡ ሞያዊ ዘይኮነስ፡ ሕውነታዊ ምኽሪ ጥራይ እየ ክህብ ዝደሊ፡ ምኽንያቱ ሞያዊ ምኽሪ ምስ ታሪኽ ጥዕና ነብሲ ወከፍና ስለዝዛመድን ዝፈላለን፡ ንሓኪምኩም ወይ ነቲ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህበኩም ናይ ጥዕና በዓል ሞያ ተወከሱ። እቲ ሕውነታዊ ወይ ኣባታዊ ምኽረይ ግን፡ ብዝያዳ ባዕልኹም እትገብርዎ ኣብ ፍልጠትን ዳታን ዝተመርኮሰ ውሳነ ቀዳምነት ዝህብ እኳ እንተኾንኩ፡ ነዚ ክታበት ክትረኽቡ ዕድል እንዳ ሃለወኩም ብሰንኪ ፍርሒ ይኹን ካልእ ሻቕሎታት ከይተሕልፍዎ እላቦ።
ድሕረ- ጽሑፍ
ትማሊ ከምዚ እዋን ተወጊአ። ክሳብ ሕጂ ወላ እዚ ዝበሃል ስክፍታ የብለይን። ኣነ በቲ ናይ ፋይዘር እየ ተወጊአ። እዚ ናይ ትማሊ ቀዳማይ ክታበት እዩ። ንምድላው ሰውነትና ዝወሃብ እዩ (priming) ካልኣይ ክታበት ድማ ድሕሪ 21 መዓልቲ ክወስዶ እየ ( ናይ ሞደርና ክታበት ድሕሪ 28 መዕልቲ እዩ እቲ ካልኣይ ክታበት ዝወሃብ)። እዚ ካልኣይ ክታበት ከም መሐየሊ ወይ መነቓቕሕን መትብዕን ስርዓተ ምክልኻልና (booster) እዩ ዘገልግል። ሰውነትና ኣንጻር እቲ ቫይረስ እትሃንጾ ምክልኻል ንምሕያልን ዝያዳ ከም ዝቃነ ንምግባሩን እዩ ዝወሃብ። ኣብ ብዙሓት ካልኦት ክታበታት እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ብደረጃታት ዝወሃብ ኣሎ። ሓድሽ ኣይኮነን።
ስእሊ ናይ ዝተዋጋእክዎ ኣካለይ ረኣዩ—ደሓን እዩ ዘሎ። ኣይተሸርመመን ኣይተቖርመመን። ቅሩብ ቃንዛን ከም ናይ ኢንፍልወንዛ ዝመስል ምልክታት ቅርጥማት ገይሩለይ። ድሕሪ 24 ሳዓት ኣዝዩ ተመሓዪሹ። ትማሊ ተወጊአ እየ ስራሕ ቀጺለ። ሎሚ እውን ኣጋጣሚ ዕረፍቲ ሓቲተ ስለዝነበርኩ እምበር ክሰርሕ ምኸኣልኩ ነይረ።
ሹክረን።
ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ተከተቡ። Get vaccinated against COVID-19.