ኣነ ኣስላማይ እየ። ንሓጎስ ዓርከይ ኣሚነ ቀሲነ እሓድር። ኣበባ ጓል ከበሳ እያ። ነታ ጓል መታሕት ዝኾነት መሓዝኣ በኺታ ኣሚና ቀሲና ትሓድር። መስጊድን ቤት ክርስትያንን ጎረባብቲ ኮይኖም ብእዛንን ደወልን “ሓደርኩም” ይበሃሃሉ። ትሽዓተ ቋንቋታት፡ ምዕሩግ ኣልባሳት፡ ዓደይ ዓዲ ብዙሓን። እዚ ዘይወሓጠሉ ብዛዕባ ኤርትራውነት ርእስና ከሕብጥ የብሉን።ገለ ገለ ሰባት፡
ብሓሳብ ወይ ምጉት ምስ ዝሰዓሩ ናብ ፈላላዪ ዝኾነ ቋንቋ እዮም ዝጎዩ። ዕባያት ሰውራ ምስ ዝኾኑ ድማ ብጣዕሚ የሕዝን። ናይ ሰራውር ጉዳይ እዩ መስለኒ። ገለ ገለ ሰራውር ድልዱልን ዓሚቚን እዩ። እቲ ንሶም ገጥ ኣቢሎም ዝሕዝዎ እምነት ድማ ብቀሊሉ ዝበርስ ወይ ዝበንን ኣይኮነን። እንተ ናይ ገለ ሰባት ግን ኣብ ቀረባ እዩ መስለኒ ብሓሳብ ምስ ዝሰዓሩ ወይ ኣብ ኩርናዕ ከም ዝኣተዉ ምስ ዝረኣዮም ነቲ ቀሊል ግን ረሳሕ ዝኾነ ባህርያት ከም ድፋዕ ተጠቒሞም መርዛም ዘለፋታቶም ኣብ ልዕሊ መላእ ማሕበረሰባት ክስንዝሩ ንርእዮም ኣለና። “እምበር’ዶ እቶም ንፈልጦም ዝመስለና ዝነበረ እዮም” ዘብል እዩ።
ብሓሳብ ተሰኒፍካ ንሰባት ብዘርእን ሃይማኖትን ክተጥቅዕ ምውንዋን ሕመቕ እዩ። ስንፍና እዩ። ፍልፍል መበቆላዊ ሓሳባት ከም ዘይነበረካ ወይ ድማ ከም ዝተጸንፈፈ እዩ ዝሕብር። ስዕረት እዩ። ንፖለቲካዊ ሓሳብ ብፖለቲካዊ ሓሳብ በድህ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ድሑርን ሓተላን ዝኾነ ሕማማት ምሕንባስ መሊሱ እዩ ዘስጥመካ።”ኣነ ዝያዳ ካልኦት” ንምባል ዘይትፈልጦ ዘርኢ ሰባትን ኣዕጽምቲ ምቑጻርን ድሕረትን ስዕረትን እዩ ዘመልክት። ኣክንዲ ዘርኢ ካልኦት ክትነፊ ትፍትን ሓሳባትካ ንፈ። ምስ ስዕረት ወያነ ዝጋደዶም ዘሎ ይመስል።
ቻነላትና በበይኑ ስለዝኾነ እዩ ዘይንሰማማዕ ዘለና መስለኒ። ብሓቂ እውን ንሱ እዪ እቲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ናብ ዝብል መደምደምታ በጺሐ ኣለኹ። ስለ’ዚ፡ እቶም ከምዚታት ርስሓት ዝኣከብኩም፡ ተሸውሽ ወይ ሺሽ (interference) ኣክንዲ ትገብሩልና፡ መስመርኩም ቃንዩ።ቻነልና ኣብ “ኤርትራ ግሩም ሕብራ” hertz እዩ ዝፍኖ… ባስታ።
ህዝቢ ኤርትራ ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘማሰነ ናይ ዘርእን ሃይማኖትን ምክፍፋል ብመስዋእቱ ሰጊርዎ እዩ። ካልእ ኩሉ ከላም ፋርቕ እዩ።ባስታ።